ኣብዝሓ ሰልፍታት ንብዙሕነት ሓሳባትና ዘንጸባርቕ እዩ

2015-11-02 21:36:01 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2201 times

ብዙሓት ሊቃውንቲ ዝስማምዑሉ ‘’ ብዘይህላወ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዲሞክራሲ ውሕስነት የብሉን’’ ዝብል ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝሰፈረ ሓሳብ ኣሎ። ልክዕ እዩ ግደ ናይ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣብ ምህናጽ ሃገር ይኹን ንሕብረተሰብ ኣብ ዝግበር ጐስጓሳት ዓብይ ቦታ ኣለዎ። ህላወ ኣብዘሓ ሰልፍታት ኣድላይ ዝኾነሉ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ወይ መንግስቲ ህዝቢ ንዝኣምነሉ መንግድን ዝሓንጸጾ ቅዋምን ስሒቱ ንኸይጉዓዝ፥ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይኑ ዝከታተል ስለ ዝኾነ እዩ። በርጌሳውያን ማሕበራት እውን ካብ ጎኒ ሰልፍታት ከይተረፋን ናብ ናይ ስልጣን ምጭባጥ ከይተመጣጠራን ነቲ መንግስቲ ዝቆጻጸራን ነተን ዘለዋ ፖሊቲካውያን ሰልፍታት እውን ከይተረፈ ነቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ብከመይ ይፍጽመኦን ይትግብረኦን ከም ዘለዋ ዝከታተላ ኢየን።

ብዘይካዚ ህላወ ኣብዝሓ ሰልፍታት ቀንዲ ተደላይነቱ፡ እንኮ ሰልፋዊ ድሌትን ኣተሓሳስባን ከም ድላዩ ንኸይገብር ስለ ዝዕገት ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ እውን የወግድ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ከኣ ህዝቢ ኣይጭቆንን ኣይብደልን ፍትሒ እውን ኣይርገጽን፡ ስልጣንን ሃብቲ ሃገርን ናይ ምምቕራሕ መደባት እውን ብዘይተጒላባነት ይስልጥ። ብሳላዚ ኩለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብቲ ናይ ዲሞክራሲያዊ ጐደና ፈልከት ከይበላ ነቲ ስልጣን ኣብ ዝጭብጣሉ፥ ህዝቢ ንኸይጭቆን ቀንዲ መምሪሒአን ገይረን እንተዘይተጓዒዘን ህዝቢ ከም ዘይቅበለን ርዱእ እዩ። ህዝቢ ከኣ ነቲ ንሱ ዘጽደቖ ቅዋም ክከላኸል ምስ ዝበቅዕ ምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባን ከይስዕርር ክዓግት ዝኽእል ብቕዓትን ዓቕምን ይውንን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፥ ካብዚ ስነፍልጠታዊ ኣምር ተበጊሱ፡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ከመይ ክትከውን እያ ኣብ ዝብል እምነቱ ክምዚ ዝስዕብ እዩ። መጀመርያ እዚ ሰልፊ እዚ፥ ንምልክን ንምልካዊ ኣተሓሳስባን ካብ ሱሩ ንኽመሓው እዩ ዝቃለስ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ኣብ ክንዲ ብውግእ በታ ናይ ድሕሪ ውድቀት እቲ ዲክታቶር ሰላምን ህድኣትን እተረጋግጽ ኣገባብ ህዝብኻ ወዲብካን ኣሳቲፍካን ነቲ መላኺ ናይ ምውዳቕ ሓላፍነት ንህዝቢ ናቱ ምዃኑ ኣእሚንካ ምስኡ ሓቢርካ ምቅላስ እዩ። ንሱ ድማ ምጥርናፍ፥ ምትእምማን ምፍጣርን ብኡ ኣቢልካ ከኣ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፥ ህዝባዊ ናዕቢን፥ ህዝቢ ንፍርሓት ጥሒሱ እምቢ ንምልኪ ከም ዝብል ምኽኣልን እዩ። ጎኒ ጎኒ እዚ ከኣ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ነቲ እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ብምቅላዕ ቆላሕታ ህዝቢ ዓለም ኣብ ጐኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክስለፍን ምስ መላኺ ስርዓት ንኸይደጋገፍ ንምግባር ቀጻሊ ርክባት ምክያድ። ብሳልሳይ ድረጃ ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ከኣ ብዜናን ሓበረታን ኣቢሉ ክከታተል እሞ ነቲ ስርዓት ብሓባር ኮይና እንኣልየሉ ምድላዋት ምክያድ እዩ። ቀጺሉ ድሕሪ ምውዳቕ እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ሕቶ ስልጣን ብመሰረቱ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ስልዝኣምን፥ ህዝቢ ንሓርነቱ ጥንቁቕን ድልውን ክኸውን ምጉስጓስ። ከምኡ እውን ስልጣን ምእንቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት ከይኩመር ከምዝዝርጋሕ ምግባርን፥ ህዝቢ እውን ኣብ ምርግጋጽ ህድኣትን ሰላምን ግደዲኡ ከም ዝጻወት ምግባር። ነዚ ናይ ህዝቢ ስልጣን ከኣ ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ምቅብባል ብዝለዓለ ተሳትፎ ህዝቢ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝምስረት ስርዓተ-መንግስቲ ንቅሳነት፥ ብልጽግና፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘውሕስ ይኸውን። እዚ ንምግባር ከኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ተጨቊኑ ዝነበረ ህዝቢ ዝበራበረሉን ነቲ ስልጣን ዝከታተለሉ ኣፍልጦ ንክረክብ ኣስተምህሮታት ብምሃብ ከዳልዎ ክጽዕር እዩ።

እዚ ዝቐውም ስርዓተ-መንግስቲ እዚ ኣብ ሰለስተ ናጻ ዝኾነን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተሓሳሰብን ዝቆጻጸርን ኣካላት ይኽፈል። እዞም ኣካላት ሓጋጊ፥ ፈጻምን ፈራድን ተባሂሎም፡ ንመሰል ዜጋታት ብዘኽብር፥ ስርዓተ-ሕጊ ብዘረጋግጽ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ረብሓታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘዕቁብ፥ ቅዋማዊ መስርሕ ክሕዝ ከም ዘለዎ እዩ ዝጽዕር። እዚ ግን ህዝቢ ዝደልዮን ዝትግብሮን እምበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ አርትራ፡ ንህዝቢ ኣነ ዝበልኩኻ ግበር ኢሉ ከገድድ ወይ ከኣ በይኑ ስልጣን ንምብሓት ዝውጥኖ ዘይኮነስ ሕጊ ኣኽቢሩ ንድሌታትን ትርግታ ልብን ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእትዩ፥ ዝቃለሰሉን መትከላዊ እምነቱን እዩ።

ነዚ ንምትግባር ከኣ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝምስረተሉ ባይታ ክምድመድ ኣድላዪ ቅድመ ኩነት እዩ። ነዚ ኣብ ዝምልከት’ውን ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቅዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ ምትካል መሰረታዊ ዕላማኡ ምዃኑ ኣጥቢቑ ይኣምንን ንትግባረኡ ይቃለስን። ኣብዚ እቲ መስርሕ ብህዝቢ ብዝጸድቕን ንኹሉ ብማዕረ ዝገዝእን ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ዝምራሕ ምዃኑ ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ክረባረበሉ እዩ። እዚ ብህዝቢ ዝጸድቕ ቅዋም ከኣ ክመሓየሽ ክትካእ ይኹን ክውሰኽ ብውሳኔን ድሌትን ህዝቢ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ ናይ ህዝቢ ስልጣን ውሕስነት ረኺቡ ዝሕሎ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንብዙሕነትና ዘንጸባርቕ ኣብ ኣብዝሓ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ዝተመርኰሰ ክኸውን ከሎ ጥራሕ እዩ ንዲሞክራሲ ዘዕዝዝን ንተሳትፎ ህዝቢ እውን ዝዕድ

Last modified on Monday, 02 November 2015 22:39