ኦ! ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎኻ ህዝብና ተበራበር
2015-10-25 17:42:54 Written by ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2433 timesሎሚ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝዕንድር ዘሎ እከይ ስርዓት ንድቅኻን፡ ማልካን፡ ንብረትካን ኣወፊኻ ኣብ ዘውሓስካዮ ናጽነት፥ ደም ጀጋኑ ደቅኻ ከይነቐጸ፡ በቲ ካብ ቀደም ዝለመዶ ኣገባብ ምሕደራ ሓመድ ድፋጫ የስሕነካ ኣሎ። ሰርዓታት ይመጹ ስርዓታት ይኸዱ ከመይሲ ዝነብር ህዝብን ሃገርን እምበር: ዝነብር ስርዓት የለን። ህዝቢ እንተዘየልዩ ድማ መንግስቲ ከምዘየለ ርዱእ ብምዃኑ ደጊም ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ከይትታለል ስልጣንካ ኣብ ኢድካ ክትጭብጦ ኣሎካ።
እዚ ወጻዒ ጉጅለዚ በታ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ‘’ንብጽይካ ፍተዎ እምበር ኣይትእመኖ’’ እትብል ሰራም ሓረግ እናተመርሐ እነሆ ሎሚ’ውን ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ነንሓድሕዱ ከምዘይተኣማመንን ከምዘይዛተን ገይሩ ከይተኣሰረካ እሱር ኰንካ ትነብር ኣሎኻ። ኢሰያስ ከምስል ሽዳ ሳእንን ሓጺር ዝእጅግኡ ሳርያንን ተኸዲኑ ኣብ ቅድመኻ ባንን በናናን እንተበልዐ፥ ካብ ኣብ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ኮፍ ኢሉ ዘመሓድር ኣብ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ፥ ንሱ ደኣ ሓላዪ እንድዩ ክበሃል ዝገብሮ ምትላል ደጊም ትርጉሙ ኣይስወረካን እዩ። ነኣኻ ኣፍካ ዝሓትመሉ ሜላ ተጠቒሙ በቶም መጋበርያታቱ በዓል፥ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፥የማነታት፡ ካሕሳይ ገብረህይወት፥ ኣስካሉ መንቆርዮስ፥ ብርገደድር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፥ ኣብረሃ ካሳ፥ ሓጎስ ክሻ፥ ጀነራል ፊሊጶስ፥ ዑስማን ሳልሕ፥ ወዘተ ካልኦት እውን ኣስማቶም ዘይተጠቕሱ ሰብ መዚ ብኢሰያስ ጥራሕ ዝእዘዙ ቅተል እንተተባህሉ ዝቐትሉ፥ እሰር እንተተባህሉ ዝኣስሩ ብብርሃን ገዲፎም ብጸልማት ዝዋፈሩ ኣቢሉ ድከትካ የስትየካ ኣሎ።
ከምኡ’ውን ነዛ ሃገር ደው ከብላ፡ ከማዕብላን ክከላኸለላን ዝኽእል መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ሃጽ ከምዝብል ገይሩ እታ ሃገር ብዕድመ ዝደፍኡ ጥራሕ ክተርፍዋ እሞ ናብ ስልጣኑ ገጹ ዝጥምት ከይርከብ ዝገብሮ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ እዚ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ስልጣኑ ሰላም ዘይህቦ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡ እታ ሃገር ብዘይ መንእሰያት ክትተርፍ ይገብር ኣሎ። ነዚ እውን ብሜላ ካብ ሕቚፊ ወለዱ ኣውጺኡ ኣብ ሳዋ ዳጒኑ ነንሓድሕዱ ከምዘይዛተን ዘይሰማማዕን ገይሩ ንህዝበይን ንሃገረይን ከምዘይብል ገይሩ ከዕውኖ ይጽዕር ኣሎ።
ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ ግሁድን ስዉርን ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኑ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ምኽንያቱ ሕግን ፍትሕን ዘኽብር ቅዋም ዘይብሉ ስርዓት ህዝቢ ከሳቒ እምበር ንሃብቲ ወይ ንብልጽግና፡ ንራህዋን ንቅሳነትን ክሰርሕ ማለት ዘበት ስለ ዝኾነ። እቲ ዝገደደ ድማ እቲ ቅድም ዝገበሮ ምስ ዘይኤርትራውያን ተሻሪኹ ንደቅኻ ካብ ሜዳ ምውጻኦም ከይኣኽሎ፥ ሎሚ’ውን ተመሊሱ ደምህት ኣምጺኡ ኣይሰለጦን ደኣምበር ብኣኣቶም ንኽትርገጽን ሕማቕ ክትርእን ፈሪዱካ’ዩ። ደምህት ካብ ኤርትራ ብምውጽኡ እቲ ጉጅለ ሕቖኡ ተጐዚዙ እዩ። እቲ ዝተረፈ ዕማም ድማ ናባኻን ናብ ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን ዝተርፍ እዩ።
ብዝወልድካዮም ደቅኻ ክንድዚ ዝኣክል መከራን ግፍዕን ጭቖናን የጋጥመካ ኣሎ። ሓንቲ ሓጥያት ዘይብልካ ክንስኻ ከምዚ ክትረክብ ዘይግባእ ነይሩ። ግን ከኣ እቲ ካብ ፈለማ እትሒዝካ እንቋዕ ደኣ ካብቲ ክፉእ መግዛእትን ወግሐ ጸብሐ ተዂሲ ቦምባታትን መዳፍዕን ደሓንኩ እምበር ዝሕሸሉ ይኹን ዝብል ዝነበረ ሕልናኻ ካሳብ ሕጂ ኣየቕሰነካን። ስለዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ እቶም ኣብ ላዕሊ ተረቚሖም ዘለዉ በጻብዕ ዝቑጸሩ ዕሱባትን ንኸብዶም ዝተግዝኡን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ በሃልትን ገለ ቁንጣሮ ኣሰሮም ዝሕዙ ወሲኽካ እንተዘይኮይኑ፡ ዒሕ ከይበልካን “ኣምላኽ የጥፋእዮ” ኢልካ ከይተራገምካን ዝሓለፈትካ መዓልትስ የላን። እዚ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ናይ ምቕልጣፉን ምድንጓዩን ኣብ ኢድካ ዘሎ ኮይኑ ከም ዝሓልፍ ግና ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ልክዕ እዩ በቲ፥ እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ሰራም ስለያዊ ተግባራት ብኣዝዩ ጽንኩርን መሪርን ጭቖና ስለዝተተሓዝካ ሱቕ ክትብል ተገዲድካ ኣሎኻ። ይኹን እምበር እቲ ሽግር ንግዚኡ ጥራሕ እዩ እምበር ንዘልኣለም ስቅያትን፥ ግፍዕን ሓንጎፋይ ኢልካ ክትነብር ኣይኮንካን። ነዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ ክትምሕዎ ምዃንካ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንግዚኡ ብዝወርደካ ዘሎ ንኸይትዛርብን ከይትራኸብን ብፍርሓት ተዓጊትካ’ኳ እንተሎኻ፥ እዚ ስቕታ እዚ ከም እሳተ ጎመራ ገንፊሉ ዝትኮሰሉ ግዜ ቀረባ እዩ።
ካልእ ኣብ ውሽጢ ዘሎኻ ህዝቢ ኤርትራ ክተስተብህለሉ ዝግባእ ኣሰካፊ ጉዳይ ተገዲድካ ብረት ምዕጣቕካ ኣዩ። እዚ እከይ ስርዓት እዚ፡ ነዚ መደብ ዘውጸአ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓቢይ ጸገም ንክወድቕ ብዘለዎ ስዉር ተንኮል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብረት ዓጢቑ ዘሎ ጽባሕ ንግሆ ክርሁ ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግበኦን። እዚ ብረት እዚ መሕለዊ ህዝቢ እምበር ነንሓድሕድካ መጣፍኢ ክኸውን ከምዘይብሉ ተረዳእ። ብተንኮል እቲ ኩሉ ግዜ ንሕማቕካ ዝሰርሕ ጉጅለ ከይተዓሸኻ፡ ከምታ ቀደምካ ተሓቛቚፍካን ተኸባቢርካን ምንባር ዝብል ሃገራውነትካ ከንጸባርቕ ኣለዎ። በዚ ናይ ኩልኻ ጸላኢ ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ፡ ነቲ ብረት ንሕነ ምፍዳይ ይኹን ወይ ንኸትሪ ምጥቃም ንሓድነት ህዝቢ ስለ ዝዘርግ ኣብ ከምዚ ኣዕናዊ ተግባራት ንኸይትወድቕ ሓደራ ብሰማይ ሓደራ ብምድሪ። እቲ ኩሉ ብዘይድሌቱ ብረት ዝዓጠቐ ኤርትራዊ መሳርሒ እቲ ጉጅለ ከይከውን ብስም ሰማእታት ኤርትራ ክምሕል ይግባኦ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝውጽዕ ዘሎ ስርዓት ነባሪ ከምዘይኮነ ፈሊጥካ፡ እታ ሃገር ግና ዋናኣ ንስኻ ህዝቢ ባዕልኻ ስለ ዝኾንካ እቲ ስርዓት ለጊሱ፥ ርግኣትን ጸጥታን ንምስፋን ዝትክእ ሓይሊ ክሳብ ዝህሉ፥ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ምዃኑ ከይዘንጋዕካ፥ ናተይ ኢልካ ሓላፍነት ክትስከም ንጽወዓካ። ንሕና ድማ ወትሩ ምሳኻ ኣለና።
23 ጥቅምቲ 2015