መጠንቐቕታ ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ተደናጋጺ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ

2015-08-14 08:31:20 Written by  ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2243 times

BAEDC Logo

እዚ መጠንቀቕታ እዚ መቀጸልታ ናይቲ ብዝተፈላለያ ማሕበራት፡ ውድባትን መንግስታትን ዝውሃብ ዝጸንሔ ካይኑ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ኣሜርካ ትቕመጡ ተደናገጽቲ ህግደፍ ይምልከት። እዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲትኩም መሰል ናይ መስርሒ ፍቓድ፡ መንበሪ ፍቓድ፡ ዜግነት፡ መንግስታዊ ደገፍ (ሓገዝ ናይ መግቢ፡ ገንዘብ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ሕክምናዊ ኣግልግሎት (ሜዲካል))ወዘተ ብዋጋ እቶም አብ ዘይውዳእ ዘመናዊ ባርነት ተሞቒሖም ዕድመ ንእስነቶም ዝበሊ ዘሎ መንእሰያት፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም ኣብ ፍቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዝንከራተቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ኣጻምእ ሰሃራ፡ ባሕሪ ሜድተራንያንን ጎላጉል ሲናይን ዝሃልቑ ዘለዉ ኤርትራውያን ወዘተ. ዝረኸብክሞ ዕድልን ጸጋን ምዃኑ ሞጎት ዘየድልዮ ዘየማትእ ሓቒ እዩ።

ዘሎኩም ፖለቲካዊ አረኣእያ ብዘየገድስ፡ ንስኻትኩም ከምኡ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንውድብ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ባርባራዊ ገዛኢ አብ ልዕሊ ህዝቡ ኩለንተናዊ ጭካነ ዝፍጽም፡ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ምዃኑ ትፈልጥዎን ትገልጽዎን። ነዚ ሓቂ ምርኩስ ጌርኩም ድማ ናብ ኢሚግረሽን ብቃለ ማሕላ ስተሰነየ ሰነድ ምስ ክታሙ አቕሪብኩም ሕጋዊ መሰል ናይ ዑቕባ ክትረኽቡ ክኢልኩም። ነዚ ማሕላ ረሲዕኩም ወይ ድማ ረጊጽኩም ነቲ ትማሊ ዕርቓኑ ዘውጻእክሞ ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ክንዲ ካብ ጽዩፍ ተግባሩን ምምሕዳሩን ክቑጠብ ብኹሉ ዓቕምኹምን ክእለትኩምን ክትዓግትዎ ትቃለሱ፡ ብኣንጻሩ፡ አብ ኩሉ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ምድላዋትን ኣዕናዊ መምርሒታትን አብ ጎድኑ ኮይንኩም ፍናን ክትህቡን ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ ክተበርክቱን፡ ዓገብ! ብዋጋ እቶም ውጹዓት ዝረኸብኩሞ ሞሳ፡ ሕነ ምስጋናን ደገፍን ንውጹዓት፡ ተመሊስስኩም አንጻር እቶም ውጽዓት መሳርሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክትኮኑ ምምራጽኩም ብሕጊ ተሓተትቲ ይገብረኩም።

ብሰሪ ተርእይዎ ዘለኹም፡ ኢፍትሓውን ኢሰብኣውን ምድንጋጽ ንህ.ግ.ደ.ፍ.፡ አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ራህዋ ክረክብ አይክኣለን፡ ብተወሳኺ ነቲ ብኽንደይ ከርተት ናብ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን አወስትራልያን ዘኣተወ ኤርትራዊ፡ ወረቐት ንኸይረክብን ዕድሉ ከምዝጸብብን ከምዝዕጾን አሉታዊ ጽልዋ ንውጹዓት ትኾኑ ስለዘለኹም፡ ካብዚ ነውራም ተግባራት ክትቑጠቡ ነጠንቕቕ።

ስጋብ ሕጂ ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ናይ 6 ሰባት ንጹር ሓበሬታ ብምእካብ ብብቪድዮታት፡ ስእልታት፡ ኣስማት ዝነብሩሉን ዝስርሑሉን ኣድራሻን ዓይነታት ስራሕን ብደቂቑ ብምስናድ ናብቲ ክነቕርበሎም ምሉእ ምትሕብባሮም ዘውሓሱና ሕጋውያን መንግስታውያን ትካላት ሰሜን ኣሜርካ ብኣዝዩ ዝተወደበ መንገዲ ጭብጢታትና ብምቕራብ ጥርዓን ኣቕሪብና ኣለና። እቶም 4 ተኣሲርናን ተገሪፍናን ብምባል ወረቀት ዝረኸቡ ክኾኑ ከለው፡ እቶም 2 ድማ ካብ መንግስቲ ኣሜርካ ሓገዝ እንዳረኸቡ ኣንጻር መንግስቲ ኣሜርካ ደው ዝበሉ እዮም። እቲ መርመራ ብዝቀልጠፈ እዋን ተካዩዱ ድማ ስጉምቲ ክውሰድ በዓል ሙሉእ ተስፋ ኢና። እዚ መደብ ቃልሲ እዎናዊን ዘየላቡን ኮዩኑ ስቅያት ህዝብና ዘዘናግዖ ዓንዳሪ ስርዓት ዕድመኡ ንምሕጻር ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ እዋናዊን ሓላፍነታውን ስጉምቲ ክንወስድ ኣሎና።

ሰላምን ፍትሒን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!!
ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ
ነሓሰ 10, 2015

Last modified on Friday, 14 August 2015 10:34