ሓጺር ጸብጻብ ስራሕ ናይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 2015

2015-07-31 12:27:31 Written by  ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 2015 Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1999 times

እዚ ጸብጻብ'ዚ፡ ጽሟቕ ናይቲ ዝሰፍሐን፡ "ወግዓዊ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 2015" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ 13 ሕመረት ገጻት ዝቐረበን፡ ካልእ ተወሳኺ ጥብቆታት (annexes) ዝሓዘ 17 ገጻት ድማ ዘለዎ፡ ብዝርዝር ተሰኒዱ ዘሎ ጸብጻብ ስራሕ'ዩ። እቲ ዝርዝር ጸብጻብ ስራሕ፡ ብምሉኡ ንምንባቡ ግዜ ዝወስድ ስለ ዝflነ፡ እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ'ዚ፡ ንቐንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ብሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ንምብራህ ዝዓለመ'ዩ።


እቲ ብዕለት 26 ሰነ 2015፡ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተባሂሉ ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብብዙሕ መዐቀንታት ኣዝዩ ዕዉት ከም ዝነበረ፡ ኣወሃሃዲት ሽማግለ መዚና። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብጽፈት ከም ዝካየድ ምግባር ዝብል'ዩ ነይሩ። ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክመጽእ ናይ ዝግብኦ ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ፡ ብኣዝዩ ዝለዓለ መጠን  ከም ዝኸውን ንምግባር ሽማግለ ኣበርቲዓ ሰሪሓ። ነዚ ብዝምከት፡ እቲ ዕላማ፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝኸደ ውጽኢት ተዓዊቱ'ዩ። ኣብ ጀነቫ ድማ ንወለዶታት  ክዝከር ዝነብር ፍሉይ ታሪኽ ተመዝጊቡ።


ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሕን ህግደፍን ይካየድ  ኣብ ዘሎ ረጽሚ፡ ሓይሊ ሚዛን ናበይ ገጹ ከም ዝዛዘወ፡ ኣብ ጀነቫ ብንጹር ተራእዩ። ህግደፍ፡ ከም "መንግስቲ"፡ ምስ ኩሉ መንግስታዊ፣ ዲፕሎማስያውን ካልእን ጸጋጋቱ፡ ክውድቦ ዘይከኣለ ብዝሒ ህዝቢ፡ ውሑድ ዓቕምን ትሕዝቶን ብዘለዎም ምዑታት ደለይቲ ፍትሒ (ደቂ ህዝቢ) ብርኡይ ተዓብሊሉ። ዓለም ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብግፍዒታት ህግደፍ ኣማሪሩን ኣስካሕኪሑን ከም ዘሎ ብጭቡጥ ርእያ። እቲ ጉዳይ ድሕሪ ደጊም፡ ከምቲ ህግደፍ ክመስል ዝደልይዎ፡ "ናይ ውሑዳት ኮረይቲ" ጉዳይ ከም ዘይኮነ፡ ጀነቫ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣረጋጊጻትሎም።


ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ እምበኣር፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝኸደ ዓቐን ተዓዊቱ ኢዩ። ማዕረ እዚ ድማ፡ ኣብቲ ተሞክሮ ዝተራእየ ናይ ሓድነት ስጥመት ወሃ ዘብል'ዩ ዝነበረ። ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ እዚ ጉዳይíዚ ጸባ ሰትያ'ያ። ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ውን ተመሳሳሊ ዕግበት ከም ዘለዎም ትመዝን።


ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዘዐወተ፡ ሓደን ቀንድን ሽማግለ ዝመዘነቶ ናይ ዓወት ረቛሒ፡ እቲ መስርሕ ምድላው ኣሳታፊ ምንባሩ'ዩ። ዳርጋ ኩሉ ደላይ ፍትሒ፡ በብዝኽእሎ ዘበርከተሉን፡ እኹል ናይ ዋንነትን ተሳታፍነትን ዕግበት ድማ ዘሕደረሉን መስርሕ'ዩ ነይሩ። ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ብወግዒ ቅድሚ ምቛማ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብሕውስዋስ ቅኑዕ ርዲኢትን ግጉይ ስምዒትን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይዕግበታት፡ ብሓላፍነታዊ መገዲ ፈዊሳ፡ ናይ ሓባር ናይ ዋንነት መንፈስ ከም ዝዓኩኽ ጌራ ብምስራሓ፡ ነቲ ዝተጎናጸፍናዮ ዓወት ውሑስ ጌርዎ። እቲ ቅድሚ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምምራጻ፡ ብፍላይ ኣብ ፓልቶካት ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይዕግበታት ከይተፈወሰ እቲ መስርሕ ቀጺሉ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ከምቲ ዝረኸብናዮ ዓወት ምረኸብና ኔርና ምባል ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ፈጢርዎ ዘሎ ሓድነታዊ ምንቕቓሕ ኣዝዩ ዘተባብዕን ተራእዩ ዘይፈልጥን ምዃኑ ሽማግለ መዚና።


ኣብቲ ዝተኻየደ ምድላዋት፡ ዝተፈላለያ ምትእኽኻባት፣ ጥርናፈታትን ውድባትን ዝገበርኦ ዝተፈላለየ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኮይኑ (ክምስገን ድማ ይግብኦ)፡ እቲ ቀንዲ ዘዐወተ ረቛሒ ግን፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ መስርሕ ምድላው ክፍጠር ዝተኻእለ ሰፊሕ ናይ ዋንነትን ተሳታፍነትን ዕግበት'ዩ። እዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ንዅሎም ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣበርክቶ ዝገበሩ ወገናት ብልቢ ተመስግን።


ከም ዝfኾነ መስርሕ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ፡ ብፍላይ ኣብ ገለ መዳያት ኣወዳድብኡ ርኡያት ድኽመታት ነይሮሞ'ዮም። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሎጂስቲክስ (ቀረብ ማይን እኽልን)፡ ከምኡ ውን ካልእ ግብራዊ ናይ ስራሕ ምድላዋት ጸገማት ከም ዝነበረ ሽማግለ መዚና። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ፡ ሽማግለ ዘለዋ ቅኑዕ ትዕዝብቲ፡ "ኣብቲ ጎልጎል ተዓዊትና ኢና፤ እብቲ ኣደራሽ ግን ንኣጋይሽና ከምቲ ዝድለ ኣየሐጎስናዮምን" ዝብል'ዩ። እዚ ከም ቀንዲ ጉድለት ተራእዩ፡ ሽማግለ ነብሳ ነቒፋ ንህዝቢ ይቕረታ ትሓተሉ ጉዳይ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ነቲ ድኽመት ዘንቀሉ ጠንቅታት፡ ኣብቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ተገሊጾም ስለ ዘለው፡ ኩሉ፡ ቅኑዕ መረዳእታ ክህልዎ ዝደሊ ግዱስ ኤርትራዊ፡ ነቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ብዓቕሊ ከንብቦ ሽማግለ ትምሕጸን።


ሽማግለ ብኣጣቓላሊ፡ ኣብ ህዝቢ ብዝተወጽአ ወፈያ መሰረት፡ 23414,10 (ዕስራን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተው ኣርባዕተን ዓሰርተ ሳንቲምን) ናይ ስዊዘርላንድ ፍራንክ ኣታዊ ረኺባ። ኣብዚ 18097,74 (ዓሰርተው ሸሞንተ ሽሕን ተስዓን ሸውዓተን ሰብዓን ኣርባዕተን ሳንቲምን) ወጻኢ ጌራ። ኣብ ኢድ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ዘሎ ተረፍ ገንዘብ 5253,60 ስዊስ ፍራንክን 20 ዩሮን እዩ። ኣብ ኢድ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ዘይበጽሐ፡ ብሓው ኣሰፋው ገብረኪዳን ብፐይፓል ዝተዋአ፡ 1803.02 ፓውንድ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ምስ ሓው ኣሰፋው ኣሎ። ወጻኢ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ 4560 ስዊስ ፍራንክ፡ ብዝምልከቶም ኣባላት ጀነቫ ንሽማግለ ብዝተገብረላ ሕድገት ካብ ወጻኢ ድሒኑ። ከመይነት ናይቲ ተጌሩ ዘሎ ወጻእታት፡ እታ ንኣወሃሃዲት ሽማግለ ዘቖመት ሓይሊ ዕማም ዝቖመት ካልእ ተቖጻጻሪት ሽማግለ መርሚራቶን ርእያቶን። ብጀካ ኣብቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ተገሊጹ ገለ ሕጽረታ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ከም ዝወዓለ ኣረጋጊጻ።


ኩሉ ድላይ ፍትሒ፡ ነቲ ዝነበረ ዓወታትን ድኽመታትን፡ ብኽፉት ናይ ምርድዳእ መንፈስን፡ ሓላፍነታዊ ሃገራዊ ስምዒትን ክንግንዘቦ፡ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ደጊማ ትምሕጸን። ብርግጽ፡ ድኽመታት  ከም ዝነበረ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ዝተረኽበ ዓወት ግን ብዝተዓጻጸፈ ዓቐን ካብኡ ዝበረኸ  ምንባሩ ሽማግለ ከተስምረሉ ትፈቱ።


ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ተፈጢሩ ዘሎ ውዕውዕ ናይ ሓድነት ምንቕቓሕ፡ ክኽሰበሉ ብዝብል ሓሳብ ብዙሕ ርእይቶታት ይውሕዝ  ከም ዘሎ ፍሉጥ'ዩ። ኣብዚ መዳይ'ዚ ሽማግለ ንባዕላ የስርሕ ትብሎ ለበዋታት ካብ ምሃብ ሓሊፋ፡ ኪንኡ ዝኸይድ ስራሕ ክትሰርሕ ብቕዓትን መዝነትን  ከም ዘይብላ እንዳገለጸት፡ ንዅሉ ዘሎ ተበጕሶታት ኣብ ሓደ ረፍዲ፡ ኣብ ሓደ ጥርናፈ ኣምጺኣ፡ ሓድነት ኢልካ ምእዋጅ ግብራዊ ከም ዘይኮነ ግን ተስምረሉ። ኣብ ክንድኡ ክግበር ኣለዎ ኢላ ትኣምነሉ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ውዕውዕ ሓድነታዊ ምንቕቓሕ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምስግጋሩ ይሕግዙ'ዮም ኣብ ዝበሃሉ፡ ዘገምታውያን ስጉምታት (incremental steps) ምድሃብ ከም ዝሓይሽ'ዩ። ከም ኣብነት፡ ክልተ ኣገደስቲ ስጉምታት ወይ መደባት ምጥቃስ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ርኡይ ናይ ደንበ ተቓውሞ ሃጓፋት፡ ብናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምትሕብባር፡ ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ክኢላታት ጉጅለ (panel of experts) ክምስረት ትጽውዕ። እቲ ቀዳማይ፡ ንዲፕሎማሲ፣ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ኣህጉራዊ ሕግን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ህግደፍ ተዓቝብሉ ኣብ ዘሎ መሕብኢ በዓትታት ሓደ፡ ንዕኡ ዘፍርስ፡ ቅርጡው ናይ ባህልን ስነ-ጥበብን ስራሓት ዘማእዝን ጉጅለ ክኢላታት'ዩ። ሽማግለ፡ ንግዚኡ ኣብዘን ዝተጠቐሳ ክልተ ውሱናት፡ ተተግበርቲ ኢላ ዝኣመነትለን እማመታት፡ ነብሳ ሓጺራ፡ ጸብጻባ እዚ ትዓጹ። ስዒቡ ዝህሉ ስራሕ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምዃኑ ድማ ተስምረሉ።
ነዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ምድላው ክሕለፍ ዝግብኦ ዝነበረ መስርሓት፡ ምድንጓይ ስለ ዝፈጠረ፡ በዚ ውን ሽማግለ ንህዝቢ ይቕረታ ትሓትት።


ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 2015
30 ሓምለ 2015

Last modified on Friday, 31 July 2015 15:34