ግጥሚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ (ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን)
2015-07-11 17:50:28 Written by ብኣፈወርቂ ኣባይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2606 timesሕማቕ ገረብዩ ዓብላኺ ናይ ትኪ
ሕማቕ ውላድ ድማ ስድራኡ የብኪ
እቲ ስሱዕ ስርዓት ንሃገር የድኪ
ክንደይ ተዘሪቡ ክንደይ ተጻሒፉ
እዚ ዕባራ ጉርሒ እንተድኣተሪፉ
ህግዲፍ ክድፋእዩ ቁልቁል ኣፉ
ተግባራዊ ስራሕና ኣይኹን ቑንጣሮ
ብምሉእ ሕልናን ሎሚ ንጀምሮ
ንዝሓለፈ ክረምቲ ቤት ኣይስራሕን
ሕጂውን እንተዀነ ንህዝቢና ነድሕን
ተስፋ ብዘይ ምቕራጽ ብሓያል መኸተ
ትንሳኤ የድልዮ ንዝሞተ
መንእሰያትና ከነብሎም ታተ
ተቓሊሱ ተዋዲቑ ደንበ ተቓውሞ
ንሞያ ቃልሶም ብኽብሪ ንርዓሞ
ክንደይ ተዋሪዱ ክንደይ ተጻጢሑ
ክምስገን ይግባእ ኣብዚ ብምብጻሑ
ብጸላኢ እንተኾነ ክንደይ ስም ወጺእዎ
ብኽንደይ ትዕግስቲ ኣብዚ ኣብጺሕዎ
ንብዓል ሞሳ ብተግባር ኣልብሶ
ንበዓል ነጐዳ ብሓዊ ደብሶ
ተሓጓሚ ከሎስ ተሓዚ ይቕንዞ
ዓለም ጀሚረሞ ኣብዛ ሎሚ ቅነ
ሕጂ ድኣሞ እንታዩ ክምኽነ
ደጋፊ ናይ ህግዲፍ ክንደይ ከይሳነ
ሰብ ቤት እምበር ኣይኰናን ጓና
ካብ ንፉዕ ጠበቓ ሕማቕ ዋና
ተዓጡቕና ንሓዞ ንጉዳይና
መንእሰይ ኣይትፍራህ ኣይትገራህ
ቀንዲ ናትካዩ ካብ ሕጂ ዝስራሕ
ኵሉ ርኢኻዮ እቲ ዝተበጽሔ
ወትሩ ጸልማት ኢዩ እንተዘይወግሔ
ኣብዚ በጺሕካ ከይትብል ዕውንውን
ዘይሃገርካ ሃገር ነይኸውን
እንዳ ህግዲፍ ከድካ ኣይትበል ግልጽ ምልጽ
ከልቢ ጥራይ እዩ ትፋኡ ዘልምጽ
ኣብ ዝገፍዓካ ጓይላ ኣይትሳዕስዕ
ብድሕሪት ዝተረፉ ብጾት ከይትርስዕ
ብሃለዋት ሃገር ክዝረብ እንተዀኑ
ምህናጽ የልቦን እንትርፎ ዝዓኑ
ጅግና ህዝቢ ዘምጸኦ ነጻነት
መሰል ኣልቦ እንትርፎ ባርነት
ተባዕ ህዝቢ ንደቁ ዘዕጠቐ
ንኣፉ ገዲፉ ንሰውራ ዘስነቐ
ይገርመና ናይ ሎሚ ሕመቐ
መንእሰይ ብኣውያት ወለዲ ብብኽያት
ኣብ ድፋዕ ምብላእዩ የብሉን ምኽንያት
ነጻነት ዘምጸኤት እዛ ጅግና ዋዕሮ
ሃጢማ ጠፊኣ ጉድጓድ ዒራዒሮ
እቶም ጀጋኑ ኣሕዋትና ተጋደልቲ
ማህሚኖም ተሪፎም ኣብ ማእሰርቲ
ኣብ ጐረበት ሃገራት ሰዲዱ ስለላ
ክንደይ ጀጋኑና ጠፊኦም ብቕንጸላ
ሓዘን እምበር ነይርከብ ዝብሰር
ዝምሃር ነየለ ኣንትርፎ ዝእሰር
ህዝባዊ ማዕበል እንተተላዒሉ
ዝመጸ እንተ መጸ ዝንቕንቖ ብሉ
ካብዛ ሎሚ መዓልቲ ኣይንዓሹ
ሕቶ ሰማእታትና መዓስ ተመሊሹ
ክብሪን መሰልን ህዝብና ተጣሒሹ
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ንህዝባዊ ማዕበልና
10-07-2015