ንቀዳም ዕለት 9.5.2015 ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣብ ፍራንክፈርት
2015-05-01 20:41:22 Written by ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2516 timesብምኽንያት ናይዞም ሎሚ ቅነ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለውን፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ሃገረ ሊብያ ዝቕተሉ ዘለውን ኤርትራውያንን ካልኦት ዘጋታትን ንቐዳም ዕለት 9.05.2015 ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ 18:00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅዱስ ሚኪኤል ቤተ-ክርስትያን (ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ) ናይ ሓዘን መደብ ክግበር ስለዝኾነ ኩሉኹም ብህዝብኹም ትግደሱ ኣብኡ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም።
St. Michael Kirche, Zentrum für Trauersorge
Butzbacher Str. 45
60389 Frankfurt a. Main
ሓበረታ ኣድራሻ
ካብ ኮንስታብለርዋኸ (Konstablerwache) ብኣውቶቡስ ቁጽሪ 30 ወይ ዲማ ብስትራሰንባን ቁጽሪ 18 (Strassenbahn 18) ሒዝካ ኣብ ኒብሉንገስፕላትስ (Nibelungenplatz) ወሪድካ ሚኢቲ መተር ከድካ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እዩ።
ብድሓን የራኽበና
ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢን