መደብ "መብራህቲ ሽምዓ" ንዝኽሪ ግዳያት ማእከላይ ባሕርን ሊብያን

2015-04-23 21:39:49 Written by  በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ) (ዳዕሮ ነበር) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2334 times

EDClogo

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ አርያ

ማሕበርኩም በይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ) (ዳዕሮ ነበር) ብስም ማሕበርን ማሕበረሰብ ኤርትርውያንን በዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ሊብያን ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘንን ጓሂን ይገልጽ። ንኹሎም ግዳያት መንግስተ ሰማይ የዋር ሶም፡ መንፈሶም ብሰላም ኣብ የማን ኣቦ ይዕረፍ: ንኹሎም ስድራቤቶምን በተሰቦምን ድማ ጽንዓት ይሃብ ትብል።

ንኹሎም በዚ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝሓዘኑን ዝተጎድኡን ኤርትራውያንን ፈተውቱን: ስድራቤት ግዳያት ክድግፍን ከጻናንዕን ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነት ከም ዘለና ነዘኻኽር። ኩልና ከምንፈልጦ መሰረታዊ ጠንቒ እዚ ህልቂት እዚ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጮቛኒን ዘይሓላፍነታዊ ስርዓትን ግጉይ ሃገራዊ ፖሊሱኡን እዩ። ነዚ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ መፈጸምትኡ  ንምብጻሕን ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኩላትና ሓቢርና ክንሰሪሕ ይግባእ::

ነዞም ብልቢ ነፍቅሮምን ከም ብሌን ዓይንና ንፈትዎም የሕዋትና: ኣሓትና፡ ወለድናን ብግቡእ ንምዝካርን ነሓድሕድና ንምጽንናዕን ናይ "ሽምዓ ዝኽሪ" መደብ ኣዳሊና ኣሎና። በአ-ኤደለ፡ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲን እዋናውን ሕማቕ ፍጻመ ብዝተወደበን ሓላፍነታዊን ኣገባብ ከካይዶ መደብ ሰሪዑ ኣሎ። ኩሉኹም ኤርትራውያን ፈተውቱን ፡ ነዚ ኣገዳስን ረዚንን መደብ ቀዳምነት ሂብኩም ክትሳተፉን ንኻልኦት ከተሳትፉን ነዘኻኽር።

ምስ እዚ ዝተኣሳስር ድማ፡ እቲ ንጽባሕ ቀዳም 25 ምያዝያ 2015 ኣዳሊናዮ ዝነበርና ናይ "ቀዳማይ ርብዓዊ ጸብጻብን ምጽዳቕ ቅዋምን" ንኻልእ ጊዜ ቀዪርናዮ ኣሎና። ብተወሳኺ ነቲ ብምኽንያት ጉንበት 24 መዓልቲ ናጽነት ከነዳልዎ መዲብና ዝነበርና ናይ "ትልሂት መደብ" እውን ከም ዝሰረዝናዮ ክንሕብር ንፈቱ። ንዝኾነ ይኹን ሃናጺ ሓበሬታ: ሓሳባት ርእይቶን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ወይ ውን ፈይስ ቡክ ክትረኽቡና/ባና ትኽእሉ/ላ።

መደብ - ናይ "መብራህቲ ሽምዓናይ ዝኽሪ መደብ
ቦታ - 550 El Embarcadero Oakland CA 94610. El Embarcadero/Grand Ave
ዕለት - ሰንበት 26 ሚያዝያ 2015
ጊዜ - 6:00pm- 9:00pm

በይ  አርያ ኤርትራውያን  ንደሞክራስያዊ  ለውጢ  (በአ-ኤደለ) (ዳዕሮ ነበር)

Last modified on Thursday, 23 April 2015 23:50