ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፡ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን

2015-04-16 08:41:45 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2722 times

ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራቱ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ካብ ልቡ ካብ ዘውጸኦን እምነቱ ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዘልዕልን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናይዚ ዘይምትእምማን መንቀሊ ናይቲ ጉጅለ ጥልመትን ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ከምቲ ዝብሎ ኮይኑ ዘይምቕራብን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፈጸሞ ጥልመታት፡ ብሓፈሻኡ ጸጋታት ነጻነት ኤርትራ ብምጭዋይ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ዝርዝሩ ነዊሕ እዩ። ንኤርትራ ከም ታይዋን ከነህብትማ ኢና፡ ብመንገዲ ጥሙር ሕርሻ ክንህብትም ኢና፡ ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ መንግስቲ ክንምስርት ኢና፡ ውተሃደራዊ ኣገልግሎት 18 ኣዋርሕ ጥራይ ክኸውን እዩ፡ እንደጋና ሓድሽ ሕገመንግስቲ ክንነድፍ ኢና፡ ኣብ ጥሪ 2015 ኮይኑ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ተኣምራዊ ዕቤት ከነርኢ ኢና … ወዘተ ካብቶም ብዙሓት ዘይተተግበሩ መብጸዓታት ህግደፍ ውሑዳት እዮም።

ምስዚ ኩሉ እቲ ጉጀለ ሓንሳብ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ኣብ ናይ ምትላል ዓለም ክነብር ዝወሰነ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ ድማ ነቲ ብሰንኩ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ሓሳረመከራን ጥልመትን ዋሕዚ ናብ ስደትን ብሰንኩ ምዃኑ ሓቢኡ፡ መንቀሊ ናይቲ ስደት ፍትወት ነብስን ህርፋን ሃብትን እዩ ኢሉ ሕብረተሰብ ዓለም የታልል ኣሎ። እዚ ጉጅለ ከምቲ ካልእ ግፍዕታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ መለአ ናብ ደገ ዝፈስስ ሕማቕ ተግባራቱ፡ ነዚ ምትላልዚ’ውን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ጀሚርዎ። ነቲ ንኩነታት ብዓይኑ ዝርኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ኳ ንግዜኡ እንተኾነ እውን ከታልል ዝኸኣለ፡ ካብ ኤርትራ ርሒቖም ንዘለዉን እቲ ምረት ከም ንህዝቢ ኤርትራ ዘየሳሕዮምን ወገናት ንምትላል ድሕር ከምዘይብል ከዓ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ጉጅለ በብግዜኡ ንምትላል ዘቕርቦም ሓሶታት ዝተፈላለዩ ኮይኖም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ነቲ ዝተበገሰሉ ሕግታት ጥሒሱ ደረት ንዘየብሉ ግዜ ከካይዶ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ግቡእ ግዜኡ 18 ኣዋርሕ ክመልሶ እየ ክብል ጀሚሩ ኣሎ። ናይቲ ሽግር መንቀሊ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ብምምሳል። ካብዚ ሓሊፉ፡ ነቶም ብሰንኪ ናቱ ወጽዓን በደልን ናብ ስደት ዝኸዱ እሞ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዝተረኽብዎ ንክርሸኑ ዝፈረዶምን ንሓንሳብ ሓተላ ንሓንሳብ ድማ ግለት ክብሎም ዝጸንሐ ዜጋታት “ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ኣይትንክፎንም እየ” ክብል እውን ይስማዕ ኣሎ። እቲ ዘገርም ከዓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኣስመራ ገይሹ ንዝነበረ ናይ ሃገረ ኢጣልያ ልኡኽ ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመታት መስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተኣታቱ ከም ዝገለጸሉ ኣብ ዜናዊ ማዕከናት ኣንቢብናን ሰሚዕናን። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ብዘይትግበር መብጸዓታት ዝላደየ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ከምዘይህልዎ ከሎ ጋና ርዱእ እዩ።

ከምቲ “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ በዚ ናይ’ዚ ጉጅለ ሃተፍተፍ ዝርስርስ ልቢ የብሉን። ምናልባት ግና ንውሽጢ እንዳነበዐ ንደገ ይስሕቕ ይኸውን። እንተኾነ ከምዚ ኣብ ሓደሓደ ሃገራት ኤውሮጳ ክቀላቐል ንዕዘቦ ዘለና፡ ገለ ኣብ ቀረባ ዝጸንሑ ናይቲ ጉጅለ ተማጻደቕቲ ወገናት ብዚ ሓሶቱ ሰንከልከል ይብሉ ይኾኑ። ምናልባት እውን በዚ ተሰናቢዶም ጅቦኦም ዝኸፍትሉ መንግስታት ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እነሆ’ኳ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ 312 ሚልዮን ዩሮ ናይ ምሃብ ድንዕምንዕ። እዞም ወገናት እዚኣቶም ጉጅለ ህግደፍ ዝሃብካ እንተሃብካዮ ቆርጢሙ ዝድቅስ እምበር ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ተመሊሱ መንገዲ ደሓን ንክሕዝ ባህርያቱ ከም ዘይፈቕደሉ ተረደኦኦም ካባና ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ ንታሕቲ ከምዘይከውን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሳቶም እውን በብደረጃኡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዚያት ናይቲ ጉጅለ ግዳያት ዝኾንሉ ተመኩሮ ስለ ዘለዎም። እዞም ወገናት ካብ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ሰብእውነትን ነቒሎም፡ እቲ ኣብ ኤርትራ በቲ ጉጀለ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት’ኳ ዘሻቕሎም እንተኾነ፡ ክንድቲ ንሕና እንህቦ ክብደት እንተዘይሃብዎ ግን ዘገርም ኣይኮነን። ዘይኤርትራዊ ወገናት ነዚ ተረኽቦ ከምቲ ካልእ ዛዕባ ካብ ነናይገዛእ ርእሶም ድሕነትን ረብሓን ክርእይዎ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ ናይቲ ጉጅለ ጸረ ህዝብን ሃገርን ባህርያት ዘይጽገን ምዃኑ እንዳፈለጡ፡ ምእንቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢሎም ከየመሓድሩ፡ በዚ ናይ ህግደፍን ዘይትግበር ቃልን ተኸዊሎም ንዓኣቶም ዘዋጸኦም ክውስኑ እንተፈተኑ ዘገርም ኣይኮነን።

ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ንጉጅለ ህግደፍን ምዕራባውያን ትካላትን ከሰሓሕቦም ዝጸነሐ ጉዳያት ሓደ፡ ንሳቶም ኣብ ኤርትራ ብናታቶም ተቖጻጻርነት ኣብ ናይ ልምዓትን መሳለጥያታትን ትካላት ከነውፍር ክብሉ እንከለዉ እቲ ጉጅለ ግና “እቲ ገንዘብ ንዓና ሃቡና ባዕልና ክንሰርሓሉ” ብዝብል ምንባሩ ዘይንርሰዖ እዩ። እዞም ለገስቲ ንናይቲ ጉጅለ ሓሳብ ክቃወሙ ዝጸንሕሉ ቀንዲ ምኽንያት ከዓ እቲ ጉጅለ ነቲ ዝወሃቦ ኣብቲ በሓቲ ስልጣኑ ዘደልድል እምበር ኣብ ህዝቢ ዝርበሓሉ መዓላ ኣይከውዕሎን እዩ ዝብል ጥርጠራ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እነሆ ከዓ ሎሚ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዕቑባ ብምሃብ ዘይኮነስ ኣብ ሃገሮም ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር እዩ ክዕገት ዝከኣል ዝብል ምስ ናይቲ ጉጅለ ርኢቶን ህርፋንን ዘሳኒ ዝመስል ሓሳብ ይቀላቐል ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ክጽበዮ ዝጸንሓን ሚልዮናት ዩሮ ክሓቐፈሉ ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎን እዩ። እቲ ጉጅለ እቲ ዝወሃቦ ገንዘብ ነቲ ዝተባህሎ መዓላ ከየውዕሎ ከዓ ዕደ። እተን ሃገራት እውን ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓላፍነት ካብ ምስካም ኣተሃድማ ዕቡያት ንምህዳም እንተዘይኮይኑ ሕዱር ሕማም ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘይሓወየ እኳ ደኣ ከም ዝገደዶ ይጠፍአን ማለት ኣይኮነን።

እዚ ከም ሓድሽ ዝቀላቐል ዘሎ ንጉጀለ ህግደፍ ኣጸባቢቕካ ናይ ምቕራቡ ጉዳይ ናባና ማለት ብሓፈሻ ናብ ኤርትርውያን ብፍላይ ድማ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ነዚ ተግባራተን ንቕበሎዶ ኣይንቕበሎን ሕራይ ከም ዘይንቕበሎስ ርዱእ እዩ። ክንድቲ ዘይምቕባልናዶ ንክይትግበር ንሰርሓሉ ኣለና ግና መልሱ ኣይፋልናን እዩ። ገለ ሃገራት ብኸምዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምስቲ ጉጅለ ጉጅም ክብላን ብዛዕባ ምጽጋኑ ክሓስባ ጀሚረን ዘለዋን ናይቲ ጉጅለ ባህርያት ጠፊእወን ዘይኮነስ፡ ነቶም መተካእታ ክንከውን ዝግበናን ሃሰስ ኢለን ስለ ዝሰኣናና ምዃነን ዋላ ቅር እንዳበለና ክንቅበሎ ዝግበኣና ተረኽቦ እዩ። ስለዚ ካልእ ተተረፈ ኣብቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ክንረአ ናብ እንኽእለሉ ደረጃ ክንበጽሕ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ እዩ። እዚ ድማ ብድኽመትን ተነጽሎን ናይቲ ጉጅለ ዘይኮነስ ብናትና ፋሕተርተር ጥራይ ዝረጋገጽ እዩ። ነዚ ዘብቅዕ ዓቕሚ ምፍጣር ቀሊል ከምዘይኮነ ርዱእ ኮይኑ፡ እታ ዝርካባ ዓቕምናኸ ኣብ ምንታይ ነውዕላ ከም ዘለና ንሕሰብ። ነዚ ንክትበቅዕ ዝርካቡ ዓቕምኻ ምእካብ ወሳኒ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ክሳብ ክንደይ ንምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ዋጋ ንህብ ኣለና ድማ ንሕሰብ። ብመንጽር እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ በደል ህጹጽነት ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ልዑል ምዃኑ ብሩህ እዩ። እንተኾነ እዚ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ናይ ዝተወሰኑ ወገናት ምልስላስ ዕድመ እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣንን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ በደልን ከም ዘናወሕከ ንሓስበሉዶ ኣለና። ዝተወሰኑ ኣብ ምኽባር ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዝነጥፉ ኤርትራውያንን ብዛዕባዚ ዞናና ዓሚቕ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ዘይኤርትራውያን ግዱሳት ምሁራትን ነዚ ገለ ወገናት ንህግደፍ ክጽግኑ ዘካይድዎ ዘለዉ ፈተነታት ብምቅዋም ብ1 ማዝያ 2015 ዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ናትና ድምጺ እንተኾነ ካብኡ ክብ ብዝበለ ካብኡ ሓሊፉ ማዕሪኡ ክስማዕ ዘይምኽኣሉ ከዓ ዘሕፍር እዩ’ሞ ግቡእ ኣቓልቦ ንግበረሉ።

16 ማዝያ 2015

Last modified on Thursday, 16 April 2015 10:43