“ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኪሎ ማይ ኣይረክብን’ዩ”፡ ናይ ኢሳያስ ፈኸራ

2015-02-14 15:38:18 Written by  ካብ በጻሕቲ ሃገር ሓንቲ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4450 times

ብናይ ውልቀይ ህጹጽ ጉዳይ ካብ ኣሜሪካ ናብ ዓዲ ከይደ፡ ንእግሪ መገደይ፡ ኩነታት ሃገር ተገንዚበ ዝተመለስኩ ኤርትራዊት’ኢየ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝጸናሕኩሉ ሓጺር ናይ ሽዱሽተ ሰሙን ግዜ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ክዕዘብ ኣኽኢሉኒ’ዩ።

ከም ትዕዝብተይ፡ እዞም ንኤርትራ ነመሓድራ ኣሎና ዝብሉ ህግደፍ፡ ንኤርትራ ሃገርና ደፊኦም ደፋፊኦም ኣብ ገምገም ጸድፊ ኣብጺሖማ ከም ዘለዉ መስክሩለይ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። እታ ኣነ ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ዝነበርኩ ኤርትራ ብኩሉ መዳያ ቆሲላ ዝተረፋ የብላን እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን።

ኣብ ዝኸድካዮ ቦታ እንትርፎ የለን ዝብል ቃል ካልእ ዘይትሰምዓላ ሃገር ጌሮማ። ገዛ የለን፡ መብራህቲ የለን፡ ማይ የለን፡ ነዳዲ የለን፡ ባኒ የለን፡ ብሓጺሩ፡ ዘሎ የለን። ልዕሊ ኩሉ ድማ መንእሰይ የለን። ህዝቢ ብሕሰም ተጨማዲዱ ዘይምሱል መሲሉ። 

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዲጋ እሰርሕ ኣሎኹ እንዳበለ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ቤት ጽሕፈት ኣስሪሑ። ናይ ጸይቂ ስርሓት ክኣልም ይውዕል ከም ዘሎ ህዝቢ ኣስመራ ብሰፊሑ ዝዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ሓደ መራሕ ሃገር ከም ሓደ ጂኦመትራ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዲጋ ተጸሚዱ ክውዕል ከሎ ብዙሕ ዘዛርብ’ዩ። ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጸለለ፡ ገለ ከኣ ከም ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክገልጹዎ ይስማዕ። ብዝኾነ፡ እቲ ኮይኑ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብከምዚ ዓይነት መራሒ ክመሓደር ዘተሓሳስብ ጥራይ ዘይኮነ ዘሕፍር ኢዩ።

ኢሳያስ ካብቲ ኣረቂ ምዒጉ ምውቕ ምስ በሎ፡ “ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኬሎ ማይ ኣይረክብን ኢዩ” ኢሉ ከም ዝህውትት መሳኽርቱን መዛውርቱን ዝምስክሩዎ ሓቂ’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጽልኢን ንዕቀትን ከም ዘለዎ፡ ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ ተጸሊሉ ከም ዘሎ ዝእምት’ዩ። ስለዚ፡ እዛ ዲጋ ንመናወራ ኣብ ልምዓት ኢየ ተጸሚደ ዘሎኹ ንምባል ዝጀመራ’ምበር ተዛዚማ ኣብ መዓልኣ ከም ዘይትውዕል ኩሉ ህዝቢ ኣረጋጊጹ ኢዩ ዝዛረበላ ዘሎ። ኢሳያስ፡ “ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኬሎ ማይ ኣይክረክብን’ዩ” ክብል እንከሎ ከኣ፡ ብዕላማ፡ ከም ዘይትዛዘም ስለ ዝፈልጥ ኢዩ። እስኪ ኢሳያስ እዛ ስራሕ’ዚኣ ዛዚሙ ኣብ መዓላኣ ኣውዒሉዋ ዝብል እንተሎ የብርሃልና ዝብሉ ተዓዘብቲ ውሑዳት ኣይኮኑን::

ብኣጠቓላሊ፡ ኣብ ሃገርና ብኢሳያስ ዝካየድ ኩሉ መደብ ስራሓት ክዕዘቦ ከሎኹ፡ ኢሳያስ፡ ንቡር ናይ መራሕ ሃገር ስራሕ ሰሪሑ ከም ዘይፈልጥ ኢየ ዝርዳእ። ድሕሪ 2001፡ እሞ ከኣ ካብ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ”  ክሳብ ሎሚ ናይ ጽላለ መደባት’ዩ  ዘካይድ  ዘሎ ::  ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብግቡእ ኣብ ዝግምገመሉ እዋን፡ ክሳብ ክንደይ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ሃገርና ብብላሽ ከም ዝሃለቐን ከም ዝባኸነን ገምገምቲ ከም ዝስንዱዎ ርዱእ ኢዩ። ብዙሓት፡ ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ናይ ባርነት ወፍሪ ከም ዝኾነ ተንቲነም ኢዮም :: ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብሃል መደብ ዝያዳ ዝኸፍአ ዝገብሮ ባርነት ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ይበታትን ብምላው ኢዩ።           

ኢሳያስ ሓደ መራሕ ሃገር ክሰርሖ ዝግባእ ስራሕ ፈጺሙ ሓዲጉዎ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ንክሰርሕ ዓቕሚ ኮነ ጥዕና የብሉን። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 2005 ቤት ጽሕፈት ኣብ ባጽዕ ከፊቱ፡ ኣንጻር ወያነ፡ ብቐንዱ ከኣ ንመለስ ክረክብ፡ ምስ ኣል-ሸባብ ተመሓዝዩ ከም ዝተጨማለቐ ዝዝከር ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ ሃገር ከም ዓዲ ሸፋቱ ተጸብጺባ ብእገዳ ከም ትኮራመት ኮይና። ሕጂ ድማ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣስሪሑ ስልጣኑ ዝናውሓሉ ውዲታት ምስ ደምሒትን ካልኦትን ኮይኑ ይኣልም ከም ዘሎ ኢዩ ዝግመት። ከም ተወሳኺ፡ ጨርቁ ደርብዩ ተጸሊሉ ከይከውን’ውን ዘይግመት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ናይ ጽሉላት ስለ ዝመስልን ስለ ዝኾነን። ቕዋም ክንነድፍ ኢና ማለት ንባዕሉ ዕብዳን’ዩ።    

ክንነብር ብሃልቲ ተበለጽቲ ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን፡ ከምኡ’ውን መሰልቶምን፡ መራሕኦም ኣብ ከምዚ ጽላለ እንዳሃለወ፡ ናብ ዓዲ ሃሎ ከይዶም ኢዮም ብስራሕ ክረኽቡዎ ዝፍትኑ። ቤት ጽሕፈትካ ደኣ ስለምንታይ ኣብ በረኻ ጌርካዮ ዝብሎ የለን። ብዕሊ ዘይተኣወጀ ኮይኑ’ምበር፡ ብግብሪስ ንዓዲ ሃሎ ናብ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ቀይረያ ኢየ ኢዩ ዝብለና ዘሎ።

ሃገርና ብሕጽረት ዝተፈላለዩ ሃለኽቲ ነገራት እንዳ ተሓመሰት፡ ንበይና ተነጺላ መኣዝና እንዳ ሰሓተት፡ ከምኡ’ውን መንእሰይ ኮነ ቆልዓ-ሰበይቲ ብእኩብ ካብ ሃገር፡ እሞ ድማ ናብታ ጸላኢት ሃገር እንዳ ተባህለት ብህግደፍ እትንገሮም ሃገረ-ኢትዮጵያ እንዳ ተሰዱ፡ ንሱ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ ንባዕሉ ዘገድሶ ተንኮላት ክፍሕስ ይውዕል ኣሎ። “ኣብ በረኻ ክውዕል ከሎኹ የእምሮይ ይሕይል” ከም ዝብል’ውን መሳኽርቱ ይዛረቡዮም።

ኣገልገልቱ ጀነራላትን ኮሎኔላትን ከኣ ንሳዋ ምኻድ ዝኣበዩ መንእሰያትን ናብ ታዕሊም ምኻድ ዝኣበዩ ዓበይቲን ክሃድኑን ክገፉን ሰብ ድቃስ ከሊኦም ኣለዉ።

ካልእ፡ ኤርትራ ብጋህዲ መነሃርያ ጸሊም ዕዳጋ ኮይና ከም ዝተረፈት ኢየ ተገንዚበ። ካብ ግዜ ሰውራ ጀሚሩ ናይ ኮንትራባንድ ስርሓት የካይድ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ነስረዲን በኺት (ወዲ በኺት)፡ ነቲ ንስሙ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝብሃል ትካል ኣጠቓሊሉ፡ ኣብ ተሰነይ-ገሉጅ ኮይኑ፡ ናይ ሚኒስተር መዓርግ ለቢሱ ከም ዘመሓድሮ ገይሩዎ   ኣሎ። ኩሉ’ቲ ዕላዊ ክኸውን ዝግብኦ ንግዳዊ ስርሓት ብጸሊም ዕዳጋ ተለዊጡ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝፍለጥ ዝነበረ ኣብ ጎደና ሰማእታት ዝርከብ ህንጻ፡ ገረውረው ዝብል ህንጻ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ። ስራሕ የብሉን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝነበራ መዐደሊታት ነዳዲ (በንዚንን ናፍታን) ሎሚ-ጽባሕ ስርሐን ክጅምራ ኢየን እንዳ ተባህለ፡ ስርሐን ጠጠው ኣቢለን ተዓዚበ። ሚኒስተር ወዲ በኺት ብኮንትራባንድ ዘእትዎ ዘሎ በንዚንን ናፍታን ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ብናኣሽቱ ጀሪካናት ብክቡር ዋጋ ክሽየጥ ተዓዚበ።

እቲ ካልእ ኣገራሚ ጉዳይ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ባንኪታት፡ ናይ 100ን ናይ 50ን ናቕፋ ባጤራ የብለንን። ናይ ዓሰርተን ናይ ሓሙሽተን ናቕፋ ባጤራ ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ። ንዕኡ ክትረክብ’ውን ብክንደይ ልማኖ’ዩ። ባንኪታት ሰልዲ የብልናን ዝብላሉ ግዜ’ውን ኣሎ። እቲ ናይ 100 ኮነ ናይ 50 ባጤራ ኣብቲ ብክብሪ ዝኣክል ምኽኣሉ ተሳኢኑ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝተዋፈረን ምስ ህግደፍ ዘውደልዱሉ፡ ከም ብዓል ወዲ በኺትን ወዲ ለገሰን ዝኣመሰሉ፡ ካብ ባንኪታት ተለቂሖም ስለ ዘይመለሱዎን ምዃኑ ይግለጽ። እታ ዓዲ ፍጹም ዓዲ ሸፋቱ ኮይና ስለ ዘላ፡ ዝሓዝካ-ሒዝካ ምሽፋት’ዩ ዘሎ። መራሕቲ ህግደፍ ነብሶም ክንዲ ዝፍትሹ፡ ሓንሳብ ብኣሜሪካ፡ ሓንሳብ ድማ ብናይ ውሽጢ ተጻባእቲ፡ ወዘተ እንዳመሳመሱ፡ ዓዲ ቀቲሎማ ኢዮም። ንባዕሎም ከም ጲላጦሳት ጌሮም ኢዮም ዝወስዱዋ። ኣይሓፍሩ ኣይሓንኩ፡ ህዝቢ ብሕማምን ብጥሜትን እንዳ ተሓመሰ ሽቶታት ዓለም ወቒዕና ክብሉ’ውን ኩልና ንሰሞዖ ዘሎና’ዩ።

ንሃገርና ቀቲሉዋ ዘሎ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ውልቀ-ምልካዊ ኣሰራርሓ ኮይኑ፡ ከም ተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ  ናይ ምዕባለ ስትራተጂ ወይ ውጥን ዘይምህላውን ፍጹም ዝኾነ ናይ ምሕደራ ውድቀትን ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብጉቦን ካልእ ብልሽውናን ተቖማጢዖም ኢዮም። ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣስሪጸሞ ዘለዉ ብልሹው ኣሰራርሓ ንሓዋሩ ሓደ ባዕሉ ዝኸኣለ መንሹሮ ኢዩ። ነዚ ሕማምዚ ንምእላይ መጻኢ ትውልዲ ብዙሕ ስራሕ ክሓቶ ኢዩ።

ናብ ኣስመራ ካብ ዝኣቶኹላ መዓልቲ ጀሚረ ክሳብ ዝወጽእ፡ ቀጻሊ ዝተዓዘብኩዎ ነገር እንተልዩ ሃገር መዓልታዊ ኢያ ትሩኽመሽ ዘላ። እቲ ውድቀት፡ ሰሉስ ካብ ሰኑይ፡ ረቡዕ ካብ ሰሉስ፡ ሓሙስ ካብ ረቡዕ፡ ወዘተ፡ ዝያዳ እንዳ በኣሰን እንዳ ከፍአን ይኸይድ። ናይ ሃገርና ኩነታት ዘረባ የብሉን። ብሓቂ፡ ንክትገልጾ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገር መዓልታዊ ክትዓኑ ብግብሪ ይግንዘብ ኣሎ። ካብ ኣውያት ሓሊፉ ክገብሮ ዝኽእል ግና የለን።

ስለዚ፡ ብውልቀሰብ እትመሓደር ዓዲ ቀድያ ነይትቐዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ገምገም ጸድፊ’ውን ስለ እትርከብ፡ ንሓዋሩ መታን ከይንጸድፍ፡ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘሎና ደቂ ሃገር ብሓባር፡ ምስቲ ከርተት ዝብል ዘሎ ሰራዊትና ኰንና፡ ነዚ ንከይንህሉ ብመደብ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ክንድምስስ ገለ ክንገብር ይግባእ። ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘሎ ህግደፋዊ ስርዓት’ዩ። ብድሕሪ’ዚ ህግደፋዊ ስርዓት ዝስራዕ ጸላኢ ከኣ ድኽነትን ድንቍርናን ኢዩ።

ስለዝኾነ፡ ሎሚ ተዓዘብቲ እንኾነሉ መድረኽ ኣይኮነን። ሃገር ከም ሃገር ከነድሕነሉ ዝግባእ ግዜ ኢዩ። ከም ሃገርን ህዝብን ናይ ምህላው ሕቶ ኢና በጺሕና ዘሎና። ብሓባር ኰንና “ኣይፋል” እንብለላ እዋን ሕጂ’ያ። 

ሎሚ፡ ካብ ደጋፊ መንግስቲ’ባ ተቓዋሚ’ባ ዝብሃል ግዜኡ ዘሕለፈ ድሑር ሃበስ-ቀደስ ወጺእና ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን እንብገሰሉ መድረኽ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ የብልናን፡ ናይ ሸፋቱ ጉጅለ’ዩ ንመላእ ሃገር ናብ ገደል ዝመርሓ ዘሎ። ዝኸውን ምስ ኮነ ዋይ-ዋይ ፋይዳ የብሉን። ማእለያ ዘይብሉ ሂወትን ደምን የዕጽምትን ግዜን ተኸፊሉዋ ዝተረኽበት ሃገር፡ እንዳ ረአናያ ብመደብ ናይ ሓደ ዕላላ ውልቀ-መላኺ ትራኸስ ኣላ። ኤርትራዊ ተበራበር!!! ብዘይ ውዓል-ሕደርን ብምጽውዋርን ሃገር ካብ ዘላቶ ንምድሓን መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ኣይንዳህለል!!! እንዳበልኩ ኣውያተይ ንህዝቢ አስምዕ።

ካብ በጻሕቲ ሃገር ሓንቲ።

Last modified on Monday, 23 February 2015 20:03