ኤውሮጳዊ ትካል ብወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሓደሮ ስኽፍታ
2025-05-16 20:17:46 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 345 timesኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምልዓላ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ካብ ቀደሙ’ውን ዘይቕስን ዝምድና፡ ናብ ወጥሪ ይዓርግ ብምህላዉ፡ ኤውራጳዊ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ጉዳያት ከም ዘሰክፎ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ገሊጹ። እዚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ድሕሪ’ቲ ቅድሚ 7 ዓመታት ዝምድነአን ምምሕያሸን ተመሊሰን ናብ ወግእ ከይኣትዋ ኣብ ዘፍርሕ ደረጃ በጺሑሎ ኢሉ ከም ዝሰግእ ጠቒሱ።
እቲ ኮሚተ ካብቲ ዘስግኦ ምልክታት ክጠቅስ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንእሰያት ናብ ሰራዊት ከም ዝኸቱ ከም ዝገበረ ጠቂሹ፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ንክልቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ዶብ ከበድቲ ኣጽዋርን መካናይዝድ ሰራዊትን ከም ዘስፈረት በቲ ዠውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ፍሉይ ዲፕሎማሲያዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ክኢላታት እውን እቲ ወጥሪ ናብ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከይዓርግ ስግኣቶም ይገልጹ ከም ዘለዉ ናይቲ ኮሚቲ ስምዕታ ኣስፊሩ።
እቲ ኣካል ኣብ ዝሓለፈ 17 ማዝያ 2025 እውን እቲ ቅድም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን2ተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ ከይድገም ብዝሓደሮ ስግኣት ኣጠንቂቑ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ። እዚ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝመደበሩ ኮሚተ “መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንትግራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣብ ጌጋ ጸወታ ኣትዮም ኣለዉ” ከም ዝበለ፡ ኣብቲ ደጊሙ ዘውጸኦ መልእኽቱ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ውድብነት ብምስራዙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያውያን ናይ ጥዕና ክኢላታት ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ብዝተተሓሕዘ ተቓውሞታት ይስምዑ ኣለዉ። ስለዚ ኢትዮጵያ ብዘይካቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ወጥሪ ውሽጣዊ ኩነታታ’ውን ዘሻቕ ዝኸውን ዘሎ እዩ ዝመስል።