Tuesday, 04 November 2014 02:22

ጀርመናውያንን ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ንስደት ኤርትራውያን ዝምልከት ሰሚናር ኣብ ፍራንክፈርት

Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
Rate this item
(0 votes)

 

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ብቐዳም 1 ሕዳር 2014 "ጠንቅታት ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን መፍትሒ ይዀኑ ኢዮም ዝተባህሉ ርእይቶታትን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብኣቶ ክሪስቶፍ ቡሽ፡ ወይዘሮ ሃይከ ሀከር፡ ኣቶ ደበሳይ ነጋስን መንግስተኣብ ኣስመሮምን ዝተዳለወ፡ ንስደት ኤርትራውያን ዝምልከት ክፉት ሰሚናር ኣብ ጀርመን፡ ኪርሽፕላትስ፡ ተኻይዱ።

Chairman-on-Exodus-of-Eritrean-refugees1ኣቶ ክሪስቶፍ ቡሽን ወይዘሮ ሃይከ ሀከርን

እዚ ካብ ሰዓት 3፡30 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 6፡30 ናይ ምሸት ዝቐጸለ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ቃል ብወይዘሮ ሃይከ ሀከር ኢዩ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ ኣቶ ቡሽ፡ መንነቱ ድሕር ምፍላጥ፡ ብዛዕባ'ታ ነዚ ሰሚናር'ዚ ዘዳለወት 4 ዝኣባላታ ኮሚቴ፡ ከምኡ'ውን፡ ብዛዕባ'ቲ ንሱ ዝመርሖ ብቋንቋ ጀርመን ምምሃር ጀሚሩ ናብ ጋዜጣታት ጀርመን ምንባብ ዝሰገረ ናይ ፕረስ ክላብ ዝብሃል ጕጅለ ሓጺር ድሕረ ባይታ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ፡ እቲ ቴማ ናይ'ቲ ኣኼባ ብመንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተዳለወ ምዃኑ ሓቢሩ። ነቶም ነዚ ኣኼባ ኣብ ምድላው ብተክኒካዊ መዳይ (Power Point) ዝተሓባበሩ ከም ኣቶ ክርስትያን ብራውዘን ፍጹም ደበሳይን ዝኣመሰሉ ሰባት ድማ ምስጋና ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ፡ ንሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ድሕሪ ምልላይ መደረኡ ከቕርብ ናብ መድረኽ ዓዲምዎ።

Chairman-on-Exodus-of-Eritrean-refugees2ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ምዃኑን ንድሕረ ባይታኡ ዝገልጽ ብኣቶ ክሪስቶፍ ቡሽ ዘይተጠቕሰ ነጥብታት መሊኡ ነብሱ ኣላልዩ። ንኣዳለውቲ ሰሚናር፡ ንክርስታያን ብራውዘ ፍጹም ደበሳይን ኵሎም ዕዱማት ኣጋይሽን ድሕሪ ምምስጋን፡ ነቲ ብቛንቋ እንግሊዘኛ ዘዳለዎ መግለጺ ኣቕሪቡ። ሓው መንግስተኣብ ዘንበቦ መግለጺ ብቋንቋ ጀርመን ተተርጕሙ ኣኼበኛታት ብፓወር ፖይንት ከምዝከታተልዎ ተገይሩ። ብድሕር'ዚ፡ መድረኽ ንሕቶን መልስን ርእይቶታትን ተኸፊቱ።

ብድሕሪ ናይ ሓጺር ዕረፍቲ፡ ናብ ጀርመን ዝተተርጐመ ጽሟቕ ናይ'ቲ ብ4 ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ብሓው ሙሴ ሰመረ ተነቢቡ። እዚ ውን፡ ንበይኑ ናይ ሕቶን መልስን ክትዕን መደባት ተኻይድሉ።

ኣብ'ቶም ዝተነበቡ 2 መግለጺታት ብኣኼበኛታ ካብ ዝቐረቡ ገለገለ ሕቶታትን ዝተዋህቡ መልስታትን ከም'ዚ ዝስዕቡ ነበሩ።

Chairman-on-Exodus-of-Eritrean-refugees3ሓው ሙሴ ሰመረ

1. መንግስቲ ኤርትራ ብናይ መን ሓገዝ እዩ ዝነብር ወይ ምንጪ ፋይናንሳዊ እቶቱ እንታይ ኢዩ?

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ 2% ካብ እቶቱ ክኸፍል ዘገድድ ሕጊ ኣለዎ። ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነዚ ስልዕቲ'ዚ ክኸፍሉ ግዱዳት ኢዮም። እዚ እንተዘይገይሮም ከም ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዜግነታዊ መሰላት ከረጋግጹ ኣይኽእሉን እዮም። ንኣብነት፡ ንብረት ናይ ምውናንን ናይ ምውራስን መሰል ይንፈግጉ፣ ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቓቕቲ ይኹን ናይ ንግዲ ትካላት ፍቓድ ኣይውሃቦምን፣ ኣብ ሃገሮም ገዛ ክሰርሑ ኣይክእሉን፣ ከም ዜጋታት ካብ ኤምባሲታት ናይቲ ስርዓት ክግበረሎም ዝኽእል ኣገልግሎት'ውን ኣይረኽቡን። ...ወዘተ።

በዚ መሰረት እቲ ምስ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ርኽክብን መሰላትን ምስዚ ናይ 2% ምኽፋልን ዘይምኽፋልን ዝተታሓሓዘ እዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ቤተሰቦም ዝሰድዎ ገንዘብን (remittances) ናይ ሓዋላ ኣታዊታትን ውን ምንጪ ናይ መንግስቲ ፋይናንስ ኢዮም። ከምኡ'ውን፡ እቲ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሩ ዘሎ ጕልበት ብስማዊ ደሞዝ ኢዩ ዝሰርሕ። እቲ ብጕልበቱ ዝርከብ ኣታዊታት መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ ዝወስዶ።

ብዘይካዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ቅዋም፡ ምዱብ ምጣኔ ሃብታዊ ባህሪ (command economy) እዩ። በዚ መሰረት ብዘይካ ገለ ናእሽቱ ዋኒናት መላእ ሃገራዊ ሃብቲ እንተላይ መሬት ኣብ ትሕቲ ዋንንት ናይ ሰልፊ ህግዲፍ/መንግስቲ እዩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት፡ እቲ መንግስቲ ዘካይዶን ዝቘጻጸሮን ብርክት ዝበለ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ካብ ገለ መለኽቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ናይ ሃገራት ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን ዝረኽቦ ሓገዛትውን ኣለዎ እዩ። ብሓፈሽኡ ክረኤ ኣንከሎ ግን፡ እቲ ስርዓት ንህዝቢ ብምርዓድን ኣገዲዱ ካብዝረኽቦ እቶትን እዩ ዝነብር ክባሃል ይካኣል እዩ።

Chairman-on-Exodus-of-Eritrean-refugees42. ንህዝቢ ብስም ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዕስክርና ንኽነብር ዘገድደሉ ምኽንያትስ እንታይ ዘስግኦ ነገር ኣሎ እዩ?

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ 1993 ብረፈረንዱም ምድምዳሙ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምስኩለን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ጐረባብቲ ሃገራት ባዕሉ ብዝጻሕተሮ ውግኣት ኣብ ኲናት ኣትዩ እዩ። እተን ኣብ ባእስን ኲናትን ክኣትዋ ዘገደደን ሃገራት ግን ብመጀምርታ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቐበላ እየን ነይረን። ስለ'ዚ ካብ ደገ ክመጾ ዝኽእል ንህዝቢ ኣብ ዕስክርና ዘንብር ዝኾነ ይኹን ስግኣታት ዝፈጥር ነገር ኣይነበረን የለን እውን። እቲ ስርዓት ግን፡ ባዕሉ ኣብ ነብሱን ኣብ ህዝብን ጐረባብቲ ሃገራት ዝፈጥሮ ናይ ራዕድን ሽበራን ስግኣታት ኣለዎ። ናይ ውሽጡ ስግኣታት ጥራሕዩ ዘለዎ። በዚ መሰረት ንመንእሰይ ኤርትራ ካብ ኩሉ ሰብኣዊ መነባብራኡን ከም ሰብ ተፈጥራዊ ህይወት ከየስተማቕርን ገይርዎ ይርከብ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውግእን ህውከትን ዝነብር፡ ኣብ ሰላምን ራህዋን ጠቕሚ ዘይብሉ ሃዋኺ ስርዓት እዩ።

Chairman-on-Exodus-of-Eritrean-refugees53. ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ቀደም ሓንቲ ሃገር ዲየን ነይረን ወይስ ዝተፈላለያ ሃገራት እየን ነይረን?

ብመጀመርታ ኤርትራ ከም ኩለን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ብመግዛኣቲ ዝቖመት ሃገር እያ፡ ናይዛ ሎሚ እንፈልጣ ኤርትራ ሃገርነት ምስ መግዛእቲ ጣልያን ዝተኣሳሰረ እዩ። ጣልያን ኣብ ኤርትራ ወሪሩ ምስ ኣተወ፡ ኣብ 1890 ክሳብ 1910 ዘሎ ግዜ ምስናይቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳግማዊ ምነሊክ ዶባዊ ውዑላት ተገይሩ፡ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተሳዒራ ክሳብ ትወጽእ ኤርትራ ግዝኣት ናይ ጣልያን ነይራ። ድሕር'ዚ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት እንግሊዝ ጸኒሓ። ድሕርዚ ኤርትራ ከም ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1952 ብፈደራላዊ ውዑል ትማሓደር ነይራ። ኣብ 1962 ስርዓት ሃይለ ስላሰ ነቲ ፈደረሽን ምሉእ ብምሉእ ኣፍሪሱ፡ ንኤርትራ ኣብ ዝጐበጠሉ ግዜ፡ 30 ዓመታት ዝወሰደ ነጻነታዊ ኲናት ተኻይዱ ኤርትራ 1991 ካብ መግዛእቲ ሓራ ኰይና፡ ኣብ 1993 ረፈረንዱም ተገይሩ ምልእ ነጻነት ተኣዊጁ ኣብ ዓለም ከም ሃገር ተቐባልነት ረኺባ።

Chairman-on-Exodus-of-Eritrean-refugees64. ኤርትራ፡ እንታይ ኰይና ኢያ ንድሕሪት ተመሊሳ?

ብግዝኣተ-ሕግን ብቕዋምን ዘይሰርሕ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዘየኽብር፡ ኣብ ምጽሕታር ግርጭት ዝኣምን ስርዓት ስለዘለዋ ኢያ ንድሕሪት ተመሊሳ።

5. እዚ መግለጺ ዝተጨበጠ ፍታሕ ዘቕረበ ኣይመስልን፡ ከም ኤርትራውያን ኣብዚ ዝሑፍዚ ዘለኩም ርእይቶ ከመይ እዩ? 

ብመጀመርታ እቲ ጽሑፍ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ኲነታትን መንግስትን ኢዩ ተጻሒፉ ዝብል ኢና ክንርኢ ዘለና። ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ኣሎ፡ ምልካዊ ስርዓት ድማ ናይ ምጽሓፍ ኮነ ምዝራብ መሰል ኣየፍቕድን እዩ። ተቓውምን ነቄፈታን ዘይጻወር ስርዓት እዩ። ንኹሉ ብሓይልን ዓመጽን ኣርዒዱ ዝነብር ዘሎ እዩ። ስድራታት ንከይታኣማመን ውሽጣዊ ሰኪዐታት በቲኑ ኣብ ሕድሕድ ምትሕልላው ዘንብር ስርዓት ኢዩ ዘለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ዝተጻሕፈ መግለጺ ብምዃኑ ነፍሰ ተወፋይነትን መስዋእትን ዝኽፈሎ ናይ ተባዓት መግለጺ እዩ። ንነብሶም በጅዮም ዝወሰድዎ ብምዃኑ ድማ ድሮ ሰዓብቲውን ኣጥርዩ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ኩሉ ኤርትራዊ ብውልቀ ይኹን ከም ህዝቢ ክገብሮ ዘለዎ ሓላፍነታት ኣመልኪቱ ኣሎ፡ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ድማ ኣብ ኢድ ህዝቢ እምበር ንውልቀ ሰባት ዝተርፍ ከምዘይኮነ ፈሊጡ ህዝቢ ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ።

እቲ ጽሑፍ ብዙሕ እዩ፡ ክሳብ 32 ገጻት ይርከቦ። ቀንዲ ትሕዝትኡ ድማ ህዝቢ ግዲኡ ከበርክት ዝሓትት እዩ። ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ክትጸሮ ኣብዘይትኽእል ምብትታን ኣትያ ምህላዋ የገንዝብ ኣሎ። ነዚ ኲነታትዚ ናይ ምቕያር ሓላፍነት ዘለዎ ድማ ህዝቢ እዩ። እቲ ክግበር ዘለዎ ፍታሓት ካብ'ኣቶም ጥራሕ ክንጽበዮ ኣይግባኣን።

ብዘይካዚ፡ እቲ ዝሑፍ ካብ ተራ ሰባት ዝወጸ ከምዘይኮነ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ከም'ዚኦም ዝመስሉ ሰባት ዝወጽእ ጽሑፍ ድማ ክሳብ ክንደይ ጥንቓቐ ከምዘድልዮ ምግንዛቡ ዘሸግር ኣይመስለንን። መንእሰያት ንወጻኢ ኣብ ምስዳዶም ብሓፈሻኡ ንህዝቢ ምስካም ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን፡ ከም መግለጺ ግን ተባዕ ስጉምቲ እዮም ወሲዶም።

Chairman-on-Exodus-of-Eritrean-refugees76. እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ከይወስድ ስግኣታት ኣሎኩም'ዶ?

ብርግጽ እቲ ስርዓት መኣረምታን ነቐፈታን ዝጻወር ኣይኰነን። ኣብ ተመኩሮና ድማ፡ ብዙሕ ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ ምእሳርን ምቕትልን ትግባርት ርኢና ኢና። ኣካያይዳና ንኣርም ዝበልዎ ኣባላት ፓርላማን መቓልስቱን ኣዳህሊሉ ሒዙ ኣብ ማኣሰርቲ ዘብሊ ዘሎ ስርዓት እዩ። ንኣቡናትን ሸኻትን ዝእስርን ካብ ሓላፍነቶም ዘውርድን ስርዓት እዩ። ነዞም መግለጺ ኣውጺኦም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖትውን ዝጥዕሞ ግዜ እዩ ዝጽበ ዘሎ ኣምበር ይገድፎም እዩ ዝብል እምነት የብልናን። ቅድሚ ሕጂ'ውን ንዕስክርና ዝተቓወሙ ምእመናን ዮሆዋን ጰንጠን ዝኣሰረን ካብ ሃገር ዘባረረን ትካላቶም ዝዘመተን፡ ዶብ ንኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ተኵሱ ዝቐትል ስርዓት ምዃኑ ንፈልጦ ኢና። ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ኣብ ኤርትራ ድማ ካብ ነዊሕ በዚ ስርዓትዚ ክትሳቐ ዝጸንሐት እያ። ንዝተቓወምዎ መራሕቲ ሃይማኖት ብሜላ ካብ ሃገሮም ዘባረሮም መራሕቲ ሃይማኖት ውን ኣለዉ። ንብረታ ተመንዚዓን መጽሔታ ተኣጊዱን እዩ።

7. ኣብዚ ከተማ ብዙሓት ትሕተ ዕድመ ተሰዲዶም ዝመጹ ኤርትራውያን ኣለዉ፡ ናይዚኦም ምስዳድ ጽቡቕ መነባብሮ ከሕልፉ ዝመጹን ስድርኦም ዝሰደድዎምን ኣንተዘይኰይኖም ከመይ ኢሎም መጺኦም?

ጽቡቕ ዝጸልእ ሰብ ከምዘየለ ፍሉጥ እዩ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ግን ጽቡቕ መነባብሮ ከናድዩ ብስድርኦም ተደሪኾም ዝመጹ ዘይኰኑስ፡ ካብቲ ዝጽበዮም ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ከምልጡ ብኣጋኡ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ እዩ። ተስፋኦም ዘጸልመተ ስርዓት ከሎ፡ ብሰላም ብፍትሒ ክነብሩ ከምዘይክእሉ ፈሊጦም ኢዮም ዝስደዱ ዘለዉ። ሕጂ፡ ሻውዓይ፡ ሻምናይ ክፍሊ ዘለዉ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ሳዋ ክወርዱ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። ብሳዋ ከይሓለፉ ዝኸድዎ ካልእ ትምህርቲ ድማ የለን።

ሓደ ግዳይ ሳዋ ዝነበረ መንእሰይ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ምስክርነቱ ከቕርብ እንከሎ፡ ካብ'ዞም ኣብ'ዚ ኣኼባ ዘለና ህይወቱ ባዕሉ ክሕልፍ ዝደሊ ኣለኩም'ዶ ብዝብል ሕቶ ጀሚሩ። ኣይመስለንን ክብል ባዕሉ ድሕሪ ምምላስ፡ ኣነ ናይ ዓይኒ ምስክር እየ ኣብ ነብሰይ ዝወረደ ድማ'የ ክሕብረኩም ይብል። "ኣብ ሳዋ፡ ኣርባዕተ ዓመት መመላእታ ክእሰር፡ ክፍታሕን ክቕጻዕን ኢየ ኣሕሊፈዮ። ኣብ ልዕለይ ናይ ምቕትል ፈተነ ውን ተኻይዱ ኢዩ። ኣብ ሳዋ ብዘይካ ወታሃደራዊ ታዕሊም ትምህርቲ ኣይነበረናን። ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ታዕሊም ኰንካ ትምህርቲ ዝብሃል ነብስኻ ዝቕበሎ ኣይኰነን። በዚ ክስደድ መሪጸ ብኽንደይ ሽግር ኣብዚ በጺሔ፡ ኣብዚ ክበጽሕ 12 ሽሕ ዶላር ተኸፊሉልይ። እዚ ዓቐን ገንዘብ'ዚ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ገንዘብ እዩ። ሰሪሐ ክነብረሉ ይኽእል ነይረ። ኣብ ኤርትራ ግን ነጽነት ናይ ምንባርን መሰል ወዲ ሰብን ዝባሃል ስለዘየለ፡ ገንዘበይ ኣጥፊኤ ክስደድ ተገዲደ። ስለዚ ስእነት ገንዘብን ጽቡቕ ናብራ ስለዝደለናን ኣይኰናን ንስደድ ዘለና" ክብል ገሊጹ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ፡ ንኣኼበኛታት ዘርኣይዎ ምውቕ ተኻፋልነት ኣመጕሱ። ጠንቂ ናይ ስደት ኤርትራውያን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ኢክታቶርይዊ ስርዓትን ሕማቕ ምሕደራ ምዃኑ ኣሚቱ። እቲ መፍትሒ ናይ'ቲ ሽግር ድማ ቀሊል ዘይኰነስ፡ ሃገራት'ቲ ዞና፡ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን አእጃሞም ከበርክቱ ዝሓትት ዝተሓላለኸ ጕዳይ ምዃኑ ኣረዲኡ። እቲ ዝድለ ፍታሕ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዘስፍን፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ምዃኑ ኣብሪሁ። ዶባት ምዕጻውን ንዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስን ጥራሕ መፍትሒ ከምዘይኰነ ኣስሚርሉ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ መራሕቱ እምነት ስለዘለዎ እቲ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ንብዙሓት ክጸሉ ኢዩ ዝብል ገምጋም ከምዘለዎ ሓቢሩ።

************

ምሉእ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ብሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብእንግሊዘኛ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ትርጕሙ ከም'ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ጠንቅታት ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን መፍትሒ ይዀኑ ኢዮም ዝተባህሉ ርእይቶታትን

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኤርትራ፡ 120,000 ትርብዒት ኪሚ ዝስፍሓታ፡ 6 ሚልዮን ተቐማጦ ዝነብሩላ ንእሽቶ ሃገር ኢያ። ኤርትራ፡ ከም ሃገር ቅድሚ 124 ዓመት ብመግዛእቲ ጣልያን ኢያ ቆይማ። ኣብ ኤርትራ 9 ብሄራት ኣለዋ። መብዛሕትኡ ህዝባ ብሕርሻ፡ መጓሰን ምግፋፍ ዓሳን ኢዩ ዝናበር።

ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ኢያ ጸኒሓ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ማለት ብሰላማውን ዕጥቃውን ኣገባብ ኣንጻር ገዛእቱ ተቓልሱ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት (1961-1991) ብረታዊ ተጋድሎ ድማ ብ1991 ካብ ባዕዳዊ ጐበጣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጻ ኰይና። ብ1993 ብዝተኻየደን ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ብረኸበን ህዝባዊ ሪፈረንደም ድማ ኣቢላ ድማ ብ1993 ልዓላዊት ሃገር ክትከውን በቒዓ።

ኵላትና ከም እንፈልጦ፡ ጠንቂ ናይ ሰብኣዊ ምፍንቓልን ስደትን ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ውግኣት፡ ድኽነት፡ ሕማቕ ምሕደራን ብልሽውናን ኢዮም።

ቀዳማይ ማዕበል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡-

ኤርትራውያን ብብዝሒ ክስደዱ ዝጀመርሉ እዋን ብ1967 ዓ.ም ኢዩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ዓሳ ንምቕታል ማይ ምንጻፍ ካብ ዝብል ፖሊሲ ተበጊሱ፡ ኣብ'ቶም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝንቀሳቐስሉ ዝነበሩ ክባቢታት ኣብ ቆላታት ኤርትራን ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣከለጕዛይን ንዝርከብ ህዝቢ ብጅምላ ክቐትልን ዓድታቶም ከቓጽልን ጀመረ። ብሰንክ'ዚ ኣረሜናዊ ተግባር'ዚ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ድማ ኣስላም ናብ ሱዳን ተሰደዱ።

ካልኣይ ማዕበል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡-

ብ1974 ዓ.ም ወተሃደራዊ ደርግ ኣብ ኢትዮጵያ ንንጉስ ሃይለስላሰ ዓልዩ ስልጣን ጨበጠ። ደርግ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰንሰለታዊ ናይ ራዕዲ ወፈራታት ኣካየደ። ኣብ ልዕሊ ተሓኤን ህግሓኤን ዝገብሮ ዝነበረ መጥቃዕትታት ድማ ኣዛየደ። ከም ውጽኢት ናይ'ዚ ውግኣት'ዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ኤርትራ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ሱዳን፡ ማእከላይ ምብራቕን እንተላይ ናብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ክስደዱ ተራእዩ።

ሳልሳይ ማዕበል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡-

ጠንቂ ናይ'ዚ ዋሕዚ'ዚ ብ1980-81 ኣብ መንጐ'ተን ክልተ ዓበይቲ ውድባት ኤርትራ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን (ህወሓት ውን ኣብ ጐድኒ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ተዋጊኡ) ዝተኻየደ ናይ ሕድሕድ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ሰራዊት ተሓኤ ተደፊኡ ናብ መሬት ሱዳን ኣትዩ። ብዙሓት ካብ'ኦም ድማ ብሕጋውን ዘይሕጋውን ኣገባብ ኣቢሎም ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን በጺሖም ኢዮም። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ'ቲ ብ1984-85 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሪዱ ዝነበረ ድርቅን ጥሜትን ብዙሓት ኤርትራውያን ንስደት ከምርሑ ተአራእዮም ኢዮም።

ራብዓይ ማዕበል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡-

እዚ ዋሕዚ'ዚ ብድሕር'ቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠም ናይ 1998-2000 ዓ.ም ናይ ዶብ ውግእ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ፡ እቲ ስደት ደው ኣይበለን ዘሎ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ'ዚ ስደት'ዚ፡ እቲ ደረት ኣልቦ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ። እዚ መደብ'ዚ ብመጀመርያ፡ ኵሎም'ቶም ካብ 18-40 ዝዕድሚኦም ዜጋታት ኤርትራ ን18 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ክገብሩ ተባሂሉ ኢዩ ተወሲኑ።

ኣብ'ዚ ራብዓይ ማዕበል ንስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ትሕቲ 25 ዕድመ ዘለዎም መንእሰያት ኢዮም። እቲ ቀንዲ ንስደት ዝደፋፍኦም ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ተቓውሞኦም ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን (ባርነት) ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰታትን ኢዩ። ጸብጻባት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ሱዳን ክሳብ 300,000 ዝዀኑ ምዝጉባት ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ 150,000 ኣለዉ። እዚ ቍጽሪ'ዚ ነቶም ኣብ መደበር ስደተኛታት ከይበጽሑ ናብ ኣዝማዶም ዝኣትዉ ወይ ድማ ብቐጥታ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝሰግሩ ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ዘጠቓልል ኣይኰነን።

ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ነፍስወከፍ መዓልቲ 3,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ይስደዱ። ገለ ድማ፡ ዶብ ኤርትራ ክሰግሩ ከለዉ ብጥይት ወተሃደራት ኤርትራ ዝቕተሉ ኣለዉ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጕዓዝሎም ክልተ መንገድታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፡-

1. ካብ ኤርትራ ... ናብ ሱዳን/ኢትዮጵያ ... ናብ ሊብያ፡ ናብ ዓዲ ጣልያን

2. ካብ ኤርትራ ... ናብ ሱዳን/ኢትዮጵያ፡ ...ናብ ግብጺ/ሲና... ናብ እስራኤል

እቲ ካልኣይ ናብ እስራኤል ዘብጽሕ መንገዲ ብ2006 ዓ.ም ጣልያንን ሊብያን ንዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ደው ንምባል ዘኽእል ስምምዓት ምስ ገበሩ ኢዩ ተኸፊቱ። ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ምስ በጽሑ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ጥሒሶም ዝኣተዉ ተባሂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዮም ዝኣትዉ እምበር ከም ስደተኛታት ኣይቍጸሩን ኢዮም። ኣብ ርእስ'ዚ፡ መንግስቲ እስራኤል ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰማሚዓ ነቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራ ከተባርሮም ትርአ ኢያ።

ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን

ኣብ'ዚ ስራሕ'ዚ ዝዋፈሩ ዘለዉ ዓሌታት ራሻይዳ ናይ ምብራቕ ሱዳንን በደዊን ናይ ሲናን ሊብያን ኢዮም። እቲ መርበብ ግን፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ኢዩ። ናይ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ባእታታት፡ ከምኡ ውን፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ጥሩፋት ናይ እስላም ምንቅስቓሳት፡ ሓካይም፡ ናይ ብረትን ዕጸ ፋርስን ኣካላት ደቂ ሰባትን ዝሸጡ ነጋዶን ዝካፈልዎ መርበብ ኢዩ።

እቶም ግዳያት፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ነጋዳይ እናተሸጡ ኢዮም ዝኸዱ። ካብ ጨወይቶም ሓራ ንኽወጹ ድማ ካብ 2000 ዶላር ክሳብ 50,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር ክኸፍሉ ይግደዱ። ነዚ ገንዘብ'ዚ ንምርካብ፡ እቶም ጨወይቲ ዝተፈላለያ ዓይነት ዓዛብ ኢዮም ኣብ ልዕሊ'ቶም ግዳያቶም ዝፍጽሙ። ምቕጥቓጥ፡ ዝመኸኸ ፕላስቲካ ኣብ ዝባኖም ምንጥብጣብ፡ ኣብ ነሓሲ ኣንጠልጢልካ ምቕጥቃጥ፡ ምዕማጽ   ወዘተ ገለ ካብ'ቶም ነቶም እሱራት ዘሳቕይሎም ኣገባባት ኢዮም።

ኣዝማድ ናይ'ቶም ዝተጨውዩ ስደተኛታት ኣብ ኣውሮጳ ወይ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ እንተልዮም እቲ ዝሕተት ገንዘብ ብዙሕ ኢዩ። መታን ነዚ ገንዘብ'ዚ ንምርካብ ድማ፡ እቲ ዘመድ ንስቓይን ኣውያትን ናይ'ቲ እተጨውየ ቤሰቡ ብሞባይል ተለፎን ከምዝሰምዕ ይገብሩ። እቲ ዝተጠልበ ገንዘብ እንተደኣ ዘይተኸፊሉ፡ ገለ ካብ ኣካል ናይ'ቲ እሱር ተወሲዱ ናብ ነጋዶ ይሽየጥ። እቲ ግዳይ ድማ መብዛሕቱ ግዜ ይቕተል።

እቲ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት እንተደኣ ብገለ ምኽንያታት ነክዩ፡ ኣብ'ተን መደበራት ስደተኛታት ከይዶም ነቶም ምዝጉባት ስደተኛታት ይጨውይዎም።

ብዙሓት ስደተኛታት፡ ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ፡ ብጽምኢ፡ ጥሜት፡ ሕማም፡ ሕጽረት ምስትንፋስ፡ ብወቕዒ ጽሓይ ወይ ብምጥሓል ይሞቱ። ብ3 ጥቅምቲ 2013 360 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዱዛ ምጥሓሎም ንዓለም ዘሰንበደ ተራኽቦ ኢዩ ነይሩ።

ሊቀ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ዓለምና ነዚ ሓደጋ'ዚ ክትከላኸል ብዘይምኽኣላ፡ ን3 ጥቅምቲ 2013 "ዕለት ናይ ብኽያትን ሕፍረትን" ክብሉ ኢዮም ገሊጾማ። እዚ ድማ ብዙሓት እንተላይ ዓዲ ጣልያንን ሕብረት ኣውሮጳን ንጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስተብህሎ ክገብርሉ ደፋፊኡ ኢዩ።

መግለጺ ሊቀ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ ድማ፡ ነቲ ብ25 ግንቦት 2014 ብ4 ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝተዘርግሐ፡ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ ነቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ከበርክት ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልኽእቲ ንምትሕልላፍ መገዲ ጸረገ። እቲ ሃዋርያዊ መልእኽቲ፡ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ኣብ ሓጺር ግዜ ደው ንምባል እንተዘይተኻኢሉ፡ ኤርትራን ህዝባን ንሓደጋ ምብትታን ክቃልዑ ኢዮም ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ።

እንታይ ክግበር ኣለዎ?

1. ኣብ'ተን ምንጪ ናይ ስደት ዝዀና ሃገራት ፖለቲካዊ ለውጥታት ክምዝገብ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ንኣብነት፡ ልዑላውነት ናይ ሕጊ ክኽበር፡ ቅዋም ክህሉን ኣብ ስራሕ ክውዕልን፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ክኸውን ወይ ጠሪሱ ደው ክብል፡ ተቓወምቲ ዝዋስኡል ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ስርዓት ክቐውም፡ እሱራት ክፍትሑ ...ወዘተ የድሊ።

2. ናይ መወዳእታ ፍታሕ ክሳብ ዝርከብ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመንን ጂቡትን ተዓቚቦም ዘለዉ ስደተኛታት ናይ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ኣገልግሎት ክውሃቦምን ናይ ስራሕ ዕድላት ክኽፈተሎምን ይግባእ።

3. ኣብ መንጐ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ዘላቂ ሰላም ንምስፋን ምጽዓር።

4. ጸጥታን ሓለዋን መደበራት ስደተኛታት ምሕያል፤

5. ነቶም ዝተረስዑ ቀቢላታት ራሻይዳን በደዊንን ኣብ ናይ ሃገሮም ፖለቲካን ዋኒንን ዝካፈልሉ ዕድላት ምኽፋት።

6. መንግስታት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ኣንጻር ነጋዶ ደቂ ሰባት ዘካይድኦ ቃልሲ ከውሃህዳ ምግባር ..ወዘተ የድሊ።

Read 5610 times Last modified on Tuesday, 04 November 2014 02:23