ስልጣን ከም ዝመንዝዑ እናኣወጁ
ኣብ ደሴታዊቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማዳጋስካር፡ ኣባላት ፍሉይ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ካብ ፕረሲደንት ኣንድሪ ራጆየሊና ብዕልዋ ከም ዝመንዝዑ ምሕባሮም ኣልጀዚራ ኣፍሊጣ። እቶም ወተሃደራት ስልጣን ዝመንዝዑ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ፕረሲዳንት ዝተላዕለ ቀጻሊ ተቓውሞ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጦም እዮም።
ብዛዕባቲ ተረኽቦ ብ14 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ቤተ-መንግስቲ ናይታ ሃገር ኮይኑ ዘፍለጠ፡ ኮለኔል ሚካኤል ራንድሪኣኒሪና ዝተባህለ ኦፊሰር ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ወተሃደራዊ መግለጺ፡ ድሕሪ 2 ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝግበር፡ ዝመርሕ መሰጋገሪ ኣካል ከም ዝምስረት ከኣ ሓቢሩ። ወተሃደራት ኮኑ መንእሰያት ነቲ ዝተገብረ ለውጢ ዘለዎም ደገፍ ኣብ ጐደናታት ከም ዝገለጹ ከኣ ተፈሊጡ።
በቲ ወተሃደራዊ መግለጺ መሰረት፡ ከም ኮሚሽን ምርጫ ዝኣመሰላ ናይታ ሃገር ቀንዲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት፡ ከም ዝተኣገዱ ክሕበር እንከሎ፡ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ተቓውሞ ከካይዱ ዝጸንሑ መንእሰያት እውን ኣካልቲ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ኣካል ከም ዝኾኑ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝረአ ዘሎ ምዕብልና ንምምይያጥ ብ15 ጥቅምቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይቲ ቤት ምኽሪ መበል 1306 ኣኼባ ዝተጸወዓ ብዛዕባቲ ስልጣን ብወተሃደራት ምትሓዙ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደጋ ንምምይያጥ እዩ። ነቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ቀንዲ ዘሻቐሎ ከኣ ናይቲ ፕረሲደንት ስግኣት ሓዲርዎ ካብታ ሃገር ምውጽኡ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱፍ ምልከታኦም ካብ ዘቕርቡ ሓደ ክኸውን እዩ።. ፕረሲደንት ኣንጆሊና ናበይ ከም ዝኸደ ብወግዒ ዝተገልጸኳ እንተዘየለ ናብ ምውርሸ ከይዱ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ።
መራሒ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ መራሒ ቐጠር ኣሚር ሸኽ ታሚን ቢንን ፕረሲደንት ቱርክ ጠይብ ኤርዶጋንን ብመሰርት እቲ ኣሚሪካ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም እሞ ሓማስን እስራኤልን ዝተቐበልዎ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ሰነድ ብ13 ጥቅምቲ 2025 ፈሪሞም። ድሕሪ’ቲ ኣብ ግብጺ ሻርም ኢል-ሻይክ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምኽታሞም፡ እቶም ከተምቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ድማ ነቲ ስምምዕን ንቀጻሊ ኣተገባብራኡን ከም ዝድግፉ ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ስነስርዓት ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ሰፊኑ’ሎ ምስ በለ፡ “ፍልጣኤምን እስራኤልን ማዕረ መሰል ክህልዎም ይግባእ” ዝብል ቃል’ኳ እንተቃለሐ፡ መራሕቲ ፍልጥኤምን እስራኤል ዋናታት ናይቲ ዋኒንን ኣቐዲሞም ንእማመ ኣሚሪካ ዝተቐበልዎን ክነሶም፡ ኣካል’ቲ ምኽታም ዘይምዃኖም ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ቀዳሊ ዓብይ ብደሆ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዳግመ-ህንጻ ጋዛ እዩ እውን ኢሉ።
እቲ ዝተፈረመ ሰነድ 6 ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብወግዒ ጠጠው ምባሉ ምእዋጅ፡ ናብ ጋዛ ብህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ንክኣቱ ምፍቃድ፡ ሰራዊት እስራኤል በብምዕራፉ ካብ ጋዛ ክወጽእ፡ ክልቲኦም ወገናት ብመንጎኛ ኣቢሎም ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ መስመር ክኸፍቱ፡ ካብ ኣሚሪካ፡ ግብጺ፡ ቱርክ፡ ቀጠርን ካለኦት ሃገራትን ብኣባልነት ዝርከብዎ፡ መስርሕ ኣተገባብራ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ምምስራት ዝብሉ ይርከብዎ
በቲ ስምምዕ መሰረት ድሮ ብሓማስ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ እስራኤላውያን ግዳያት፡ 20 ብህይወቶም ተፈቲሖም ክፋነዉ እንከለዉ ናይ ዝሞቱ ኣስከሬናት’ውን ተረኪቡ። ብኻልእ ወገን ድማ እስራኤል ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ኣስታት 1700 ፍልስጥኤማውያን ፈቲሓ ኣፋንያቶም።
“ታሪኽ ኢትዮጵያን ህዝባን፡ ተሪኽ ውግእ ሕድሕድ፡ ድኽነትን ጥሜትን’ዩ” ከም ዝበሃል፡ ካብ ኢትዮጵያዊ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ውግእ ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝግለጸሉ ምኽንያት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ወሰን ኢልካ ምጽብጻቡ ኣድላይ ኣይመስለናን። ገለ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ ንምጥቃስ ግና ወስ ምባል ኣድላይ እዩ።
ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ 50ታት ምስ ግዳማውያን ሰብ ረብሓ ብፍላይ ከኣ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ተሻሪኹ፡ ብዝተኸተሎ ዓመጸኛ መንገዲ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣፍረሶ፡ ሳዕቤኑ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ግዳይ ገይርዎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ናጽነቱተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ኢሉ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጀመረ፡ ኣንጻር ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ መሬት ኤርትራ ክሳብ 1991 ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ተኻይዱ። ዝወዓልዎ ከም ዝመስከርዎ፡ በቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሰብኣውን ነገራውን ክሳራ ምስ ኣውረደ፡ ብዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ።
ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ጽንዓትን ሓርበኝነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተራእየሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንዓለም እውን ዘገረመ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሞት፡ ምጉዳል ኣካል፡ ምምራኽን ብርሰት ንብረትን ዝወረደሉ መሪር ውግኣት ተኻይዱ እዩ። እቲ ጉድኣት ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከይተወሰነ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራትን ድኽነትን ከኣ ዘይርሳዕ ተዘክሮ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ውግእ ዝሓዘና ኢትዮጵያውያን ኣደታት፡ ዝዘኽተሙ ህጻናት፡ ዝተሰዳን ዝተበተናን ስድራቤታት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ከኣ ክሳብ ሎሚ እንዳ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በሰላኡ ኣሎ። ነቲ ዘጋጠመ ህልቂትን ዕንወትን ዘኪርካ “ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ?” ኢልካ ሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ ድማ ብሰንኪ “ጎባጥን ኣስፋሕፋሕን ፖሊሲ መንግስታት ኢትዮጵያ” ካብ ዝብል ዝሓልፍ ኣይኮነን።
ብወገን ኤርትራ ከኣ ኣብ ቅኑዕ ውግእ “ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን” ዝተኸፍለ ርትዓዊ ዋጋ ምንባሩን ብተግባር ምርግጋጹን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ድሕሪቲ መሪርን ነዊሕን ውግእ፡ መስርሕ ልኡላውነት ኤርትራ ብኸመይ ከም ዝተረጋገጸ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተፈጸመ ስለ ዝኾነ ፍትሓውነቱ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። “እዚ ኣብ መወዳእታ ዝተበጽሐ መደምደምታ፡ ብዘይቲ ኣዕናዊ ውግእ ክብጻሕ ዝከኣልዶ ኣይነብረን’ዩ?” ኢሉ ከም ዝሓትት ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከይድገም እዩ ክመሃረሉ ዝግበኦ’በር፡ ነቲ ዝበለዐ በሊዑ ዘኸተመ ውግእ ክጥመልሶ ዝከኣል ኣይኮነን።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንዝተወሰነ ዓመታት ዝምድናዊ ህድኣት ዝነበሮ ርክብ ጀሚረን “ደጊም ውግእ የለን” ዝብል ተስፋ ተራእዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝተጀመረ ህድኣት ዕድመኡ ሓጺሩ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ህዝቢ ብዘይተጸበዮ፡ “ውግእ 1998-2000” ተኸፊቱ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ዝገደደ ክሳራ ምውራዱ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሕዝነ ነይሩ። ብሰንክ’ዚ ዳሕረዋይ ውግእ ግዳይ ዝኾኑ፡ ዜጋታት ከምኡ እውን ዝተኸስረ ንብረትን ዝሓደረ ቅርሕንትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኩሉ ክረኤ ዝጸንሔን ዘሎን እዩ።
ድሕሪ መሪር ውግእ፡ ባድመን ክሳራኡን፡ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነትን ተሳትፎን ብዝነበሮ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣቢሉ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሳጊሩ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በብግዜኡ ዝተኸተሙ ስምምዓትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን መሰረት ብምግባር፡ ናብ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ዶብ ተበጺሑ። ድሕሪዚ ድማ ደጊም ናብ ውግእ ኣይክንኣቱን ኢና ዝብል ተስፋ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት እንደጋና ተመሊሱ።
እንተኾነ እንደጋና ንህዝብታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከቢድ ዋጋ ናብ ዝኸፈለ “ውግእ ትግራይ” ተኣትዩ። እነሆ ሎሚ ድማ ዝሓለፉ ውግኣት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱ ዝደሊ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ውግእ ሓደጋ የድበድብን ኣሎ። እዚ ሓድሽ ናይ ውግእ ንፋስ ዝነፍስ ዘሎ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ውግኣት “መዓስ እዩ ሰላማዊ መዕለቢ ዝረክብ፡ ካብዚ ወዲቐ ዘለኹ ቁጠባዊ ድኽነትከ ብኸመይ እየ ዝገላገል?” ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዩ። ናይቲ ናብ ኤርትራ ከቕንዕ ዝድለ ዘሎ ውግእ ምኽንያት፡ “ብዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ’ውን ተፈቲኑስ ዘይተዓወተ” ፡ ከም’ቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝበሃል፡ ክለዓል ዘይነብሮ ምዃኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት ኣይከኣልን።
ስለዚ እዩ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ “ስለምንታይ ዘይከኣል ክነሱ፡ ከምዝከኣል ኣምሲልካ ብምቕራብ ህልቂትን ዕንወትን ይዕደም?” ኣገልግሎት ወደብከ ውግእ ብዘየኸትል ስልጡን ኣገባብ ክረጋገጽዶ ኣይካኣልንዩ? ዝብሉ ሕቶታት ክሓትትን መልሲ ክረኽበሎምን ናይ ግድን ዝኸውን። ብሓይሊ ወደብ ምውናን ኣይከኣልን ንብል ዘለና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝበዝሕን ኢትዮጵያ ንቁጠባዊ ዕቤታ መተሓላለፊ ወደብ ከም ዘድልያን ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ድማ “ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድልየካ ናይ እንዳማትካ ብሓይሊ ምውናን ከምዘይከኣል” ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዝኽኻር’ዩ።
እዚ ክንብል እንከለና፡ “የድለየና እዩ” ብዝብል ብደዐ “ልኡላውነት ኤርትራ ምድፋር ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘጋጩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ቅቡል ከምዘይኮ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከቕልበሉ ንምትንባህ እዩ። መስራቲትን ፈራሚት ቻርተራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋ እዚ ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት’ውን ዘጸግም’ዩ። ኢትዮጵያውያን ከምቲ “ሓወልቲ ኣህኒጾም እምየ ምነሊክ” ዝብልዎም፡ ስለምንታይ’ዮም ዳግማዊ ምነሊክ ብዝኸተምዎ ስምምዓት ኣብ ምምእዛዝ ዘዕጠጥዩ ክሓስብሉ ይግበኦም።
ከምቲ ቀድማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ሓደ ናይ ፓርላማ መድረኽ ጉዳይ ምውናን ወደብ ምስተላዕለ፡ “ዓሰብ ናትና እዩ ዘብል ኩነታት እንተልዩ ምርኣይ ይከኣል። መንግስቲ ይትካእ’ዩ ሃገር ግና ኣይቅየርን። ዳግማዊ ሃጸይ ምነሊክ ዝፈረምዎ ውዕላት ሎሚ እውን እንግዘኣሉ እዩ። መንግስቱ ዝፈረሞ’ውን ንቕየደሉ ኣለና። ንሕና ንዝፈረምናዮ ከኣ መጻኢ ተቐቢሉ ክቕጽሎ ዝግባእ’ዩ። እቶም ስምምዓት ዓለምለኻዊ ውዕላት እውን እዮም። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክምስረት እንከሎ ኣብቲ ቻርተሩ ፈረምቲ ኢና። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን መስራቲት ኣባል ሃገር’ውን ኢና። ኣብቲ ቻርተር ዘለዉ ዓንቀጻት ነኽብር ኢና። ነዞም ዓንቀጻት ኣኽቢርካ ኣብ መዳይ ሕጋዊ መጎተ ክንድቲ ዝኸኣልናዮ ንሰርሕ ኢና።…….ካብ’ቲ ሕግን ውዕላትን ወጻኢ ምኻድ ግና ኣይከኣልን።” ዝበሎ እቲ ጉዕዞ ዘዝሓለፈ ቀዲድካ ብምድርባይ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ተመኩሮኡ መዚኑ፡ “እንተዘይተዋጋእና” ንዝብሉ ገሲጹ፡ ኣንጻር ውግእ ምጽሕታርን ሳዕቤናቱን ንክስለፍ ስምዕናታ ነቕርበሉ።
ግብጺ “ብፈለግ ናይል ዝተሰየመ” ናይታ ሃገር ዝለዓለ መዳልያ ንፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክትህብ ከም ዝወሰነት፡ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ንመዲያታት ግብጺ ብምጥቃስ ሓቢራ። ትራምፕ ነዚ ዝለዓለ መዳልያ ዝወሃብ ዘሎ ኣብ ፍልስጤም- ጋዛ ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላም ንክሰፍን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ መዳልያ ንትራምፕ ንክወሃብ ዝተወሰነ፡ ፕረሲደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ብመሰረት ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ናይ ማይ ድሕንነታ ንምሕላው “ግብጺ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክትወድ እያ” ዝብል ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሰነየ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ፕረሲዳንት ትራንፕ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025፡ ዝለዓሉ ረፐብሊካን ሰኔተራት ኣብ ዝተዓደምሉ ናይ ድራር እንግዶት፡ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ሓጽቢ መብዛሕትኡ ብገንዘብ ኣሚሪካ ዝተሃንጸ እዩ ኢሉ ነይሩ። እቲ ሓጽቢ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ብዝገበሮ ገንዘባዊ ኣስተዋጸኦ ዝተሃንጸ ከነሱ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ምሃቡ ከኣ ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ ዝጸንሐን ኢትዮጵያ ተቓውሞ ዘስምዓትሉን እዩ።
ኣብ ለንደን ዝመደበራ ጋዜጣ፡ “ሓዳስ ዓረብ” ብወገና፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝሃበ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምውጣጥ ንምሽምጋል ኢዱ ከእቱ ስለ ዝደለየ እዩ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪባ። ትራምፕ ኢዱ እንተኣ ኣእትዩ ናብ ግብጺ ከዳሉ እዩ ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ እዩ።
ግብጺ ንትራፕ ኣፍልጦ ሂባ ዝለዓለ ሽልማት ተበርክት ዘላ፡ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራትን ቀዳማይ ሚኒስተራትን ዝሳተፍሉን ኣልሲሲን ትራምፕን ብሓባር ዝመርሕዎ ናይ ሰላም መድረኽ ኣብ ዘዳለወትሉ ድሮ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፈታዊ ኣልሲሲ እናተባህለ’ኳ ዝጥቀስ እንተኾነ፡ ኣብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይዚ ናይ ሰላም መድረኽ ግና ስሙ ኣይተጠቕሰን። ግብጺ ነቲ ንትራምፕ እትህቦ ዘላ ፍሉይ ሽልማት ብዝለዓለ ደረጃ ንእትርእዮም ባእታታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያዊ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ንጉስ ሑሴን ጆርዳናዊ፡ ንንግስ ኤልሳበጥ 2ይትን ፕረሲደንት ጂሚ ካርተርን ዝሃበቶ እዩ።
ኢትዮጵያን ግብጽን ብፍላይ ድሕሪ ምምራቕ ናይቲ ሓጽቢ፡ ከም ሓድሽ ኣብ ምስሕሓብ ኣትየን ይዋጠጣ ከም ዘለዋ ኣብ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወከልተን ተንጸባሪቑ እዩ።
ባህግና Eri Bahgna Media 12.10.2025 ኣብ ጉዳይካ ጓና ኣይትኹን፡ ክንድቲ እንብህጎ እንተዘይተጊህና
Written by Eri-BahgnaMedia
ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ፡ ትካል መግቢ ዓለም (UNWFP)፡ ዝለዓለ ሕጽረት ገንዘብ ስለ ዘጋጠሞ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዘለዉ ስደተኛታት ሓደገኛ ዋሕዲ መግቢ ስለ ዘጋጠመ ብ10 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዝሕደሮ ስግኣት ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብቲ መግለጺኡ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 27 መደበራት ተዓቚቦም ዝርከቡ 780 ሺሕ ስደተኛታት ናይ መቑነን ምንካይ ክገብር ከም ዝተገደደ ምግላጹ ሽንህዋ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ስደተኛ ኣብ መዓልቲ ካብ 1 ሺሕ ካሎሪ ንታሕቲ መግቢ ይወሃቦ ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጡ።
መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ እቲ ሕጽረት ኣብ ልዕሊቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ከም ዝገድድ ጠቒሱ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሕጽረት ከምቲ ዝተጠቕሰ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ሱዳንን ደቡብ ስዳንን ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ 70 ሺሕ ስደተኛ ግና ንዝመጽእ ዘሎ 6 ኣዋርሕ ስሩዕ መቑነን ምዕዳል ከም ዝቕጽል ኣስፊሩ።
እቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል መግቢ ዓለም፡ ናይ ረዲአት ኣቕርቦት ስሩዕ መልክዑ ሒዙ ንክቕጽል ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ 230 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣፍሊጡ። ኣተሓሑዙ ድማ ምናልባት እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ዶላር ዓቐን እንተዘይተረኺቡ ምሉእ ብምሉእ ስርሑ ጠጠው ከብል ከም ዝግደድ ኣጠንቂቑ።
እቲ ዝካየደ ዘሎ ምንካይ መቑነን ንህጻናት ንጥሜት ንኣደታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ዝቕመስ ንክስእና የገድድ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ሓደጋ ከይመጽእ እንሰግኦ ዘይኮነስ ድሮ ዘጋጥም ዘሎ እዩ ክብል ናይቲ ትካል ዲረክተር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝላታን ሚሊሲክ ምጥቃሱ እውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ። ንህጻናትን ኣደታት ተባሂሉ ተዓቚሩ ዝነበረ ፍሉይ ሃናጺ መግቢ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ ምዃኑ እውን ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይዞም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።
ካብ ኢትዮጵያ ተስፈኣለም ወልደየስ፡ ካብ ጆርጅያ ምዚኣ ኣማግሎበሊ፡ ካብ ኣሜሪካ ማርቲን ባሮን፡ ካብ ፍልስጥኤም ማሪያም ኣቡ ዳጋ፡ ካብ ፔሩ ካስትቮ፡ ካብ ሆን ኮንግ ጂሚ ሊያ፡ ካብ ዩክረይን ቪክቶሪያ ሮሽቺና ዝተባህሉ ሸውዓተ ልሉያት ጋዜጠኛታት፡ ናይ 2025 “ዓለም ለኻዊ ጀጋኑ ናጽነት ፕረስ”፡ ዝብል ኣፍልጦ ረኺቦም ከም ዝተሸለሙ ዓለምለኸ ትካል ፕረስ (IPI) ሓቢሩ። እቶም ጋዜጠኛታት ናብቲ ናይ ክብሪ ኣፍልጦ ዝበቕዑ፡ ምእንቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንዘርኣይዎ ብቕዓትን ትብዓትን ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ካብዞም ጋዜጠኛታት መብዛሕትኦም ካብ ሞያኦም ንምቁራጽን ድምጾም ንምዕፋንን ማእሰርትን ዝተፈላለዩ ተጽዕኖታትን ክበጽሖም ዝጸንሐ ኮይኖም፡ እንተኾነ ምእንቲ ጋዜጣዊ ሙያኦም ንኹሉ ተጻዊሮም ዝቐጸሉ እዮም። ካብቶም እቲ ክብሪ ዝረኸቡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ካብ ማእከል ፍልስጥኤም ጋዛ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ዜናዊ ሓበሬታ ክዝርገሓ እናተቓለሳ ብደብዳብ እስራኤል ዝተቐትላ ምዃነን ተፈሊጡ። ናይዞም ጋዜጠኛታት ናብዚ ፍልጦ ምብጻሕ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ምእንቲ ናጽነት ፕረስ ንክቃለስ ንምትብብዑን ንምብርባርን ምዃኑ እውን ተገሊጹ። ካብዞም ኣፍልጦ ዝረኸቡ 2 ድማ ሕጂ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ይርከብዎም።
እዚ ነዞም 7 ጋዜጠኛታት ዝተዋህበ “ዓለም ለኻዊ ሽልማት ነጻ ፕረስ” ዓመታዊ ኮይኑ ብምቕጻል ኣብ መበል 75 ዓመት ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ዓለም ለኻዊ ትካል ፕረስ፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ደገፍ ንመዲያ ብሓባር ከካይድዎ ከም ዝጸንሑ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ዲረክተር ስኮት ግሪፈን ምሕባሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እቲ ነዚ ኣፍልጦ ዝበቐዐ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ፡ ወናንን ኣመሓዳርን መርበብ ሓበሬታ፡ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር (Ethiopia Insider)” ኮይኑ፡ ናጻ ጋዜጠኝነት ከሕይልን ኣገዳሲ ሓበሬት ክዝርግሕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ክፍጸም ከም ዝጸንሐን ብኣኡ ከይተዓንቀፈ ብሞያኡ ዝቕጽል ዘሎን’ውን እዩ። ተስፈኣለም ድሕሪቲ ኣፍልጦ ምርካቡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ኣፍልጦ ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ወጻኢን ኮይኖም ሙያዊ ግቡኦም ይፍጽሙ ንዘለዉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት እውን ዝተባብዕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
More...
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትሩ ዶር ጌደዎን ጢሞትዎስ ብዝተኸተመ ደብዳበ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራን ክልል ትግራይ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2025 ክሲ ኣቕሪቡ። ክልቲኦም ወገናት ከኣ ነቲ ክሲ መልሲ ሂበምሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ዘቕረቦ ክሲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025 ኣንጻር ኤርትራ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ናይ ክትወረኒ እያ ስምዕታ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ተግባሩ ንክቑጠብ ተጽዕኖ ክግበረሉ እናተጸበየ፡ ምስ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ “ህወሓት” “ጽምዶ” ብዝብል ተሓባቢሮም፡ ኣብቲ ፋኖ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻሩ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ኢድ ኣእትዮም ይወግእዎ ከም ዘለዉ ኣብቲ ክሱ ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ናይ ትዊተር ( X) ገጹ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ጭጉራፍሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ኣብ ትሕቲ ዝበል ቴማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ 2ተ ዓመታት “ብሰላም ይኹን ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኢና” ክብል ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እዚ ሓዲሽ ክሱ ከኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ሕብረተሰብ ዓለም ዘለዎ ንዕቀት ዘርእን ገበናቱ ንምሽፋንን ዝመሃዞ እዩ ኢሉ ነጺግዎ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብወገኑ፡ ብ9 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ “መብርሂ ብዛዕባቲ ዝቐረበና ክስን ድልዉነትና ንትግባረ ውዕል ፕረቶርያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብቲ መልእኽቱ ነቲ ክሲ ነጺጉ ብዛዕባ ትሕዝቶ ውዕል ፕሪቶርያን ዘይተተግበረሉ ምኽንያታት ዝበሎን ዘርዚሩ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱዎ።
ክሲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘስፈሮ ክሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ህውከት ንምፍጣር ይካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ ምስ ናይ ኢድ ኣዙር መሻርሕቱ ተሓባቢሩ፡ ገንዘብን ንውግእ ዘድሊ መሳለጥያታትን የቕርብ ከም ዘሎ ዝጠቅስ ሓተታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ብኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምትኹታኽ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ባህጊ ብሰላማውን ቁጠባዊ ምውህሃድን ጥራይ ከተረጋግጾ ከም እትደሊ ዝሕብር ሓሳብ ኣስፊሩ።
ይኹን እምበር፡ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ብቐጻሊ ዘስመዖ ዘሎ መደረታትን ዘካይዶ ጐስጓሳትን እዚ ሓድሽ ክሲ፡ ምስምስ ንምጅማር ውግእ ከይከውን ገለ ወገናት ስግኣት ኣለዎም።
ንሃገራዊ ሓድነትናን ምክልኻል ሉኣላውነትናን ብሓደ ኣሎና" ፖሓኤ
ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበርን ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዞባናን ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መተጠይቕ ኣካይዶም። ኣብዚ ቃለ መጠይቖም ኣቐዲሞም ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ በፖሓኤ “ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ፡” ብዝብል ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዝወጸ እዋናዊ መግለጺ ብንባብ ኣቕሪበምዎ። ቀጽሊኦም ድማ ነቲ ኣዋጅ ዝምልከትን ተዛመድትን ሕቶታት መሊሶም።
ካብቲ ሕቶ ቀሪብሎም ዝመለስዎ ጉዳያት፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ብብልጽግና ዝምራሕ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይንካ፡ ኣብ ኤርትራ መንገስቲ ንምውዳቕ ዝምድና ምግባር ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ምስቲ መንግስቲ ንምትሕብባር ካብቲ ካብ ተጠቃምነት ወደብ ሓሊፉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምውናን ኣብ ሓሶት ተመስሪቱ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ፡ ብእዉጅ ክሳብ ዘይሰሓበ ምዝማዱ ከምዘይከኣል ኣስሚረምሉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ኣንጻር ምግሃስ ልኡላውነት ሃገርና ክንሓብር ከም ዝግባእ ጠቒሶም፡ ብተግባራት ህግደፍ ኣቖጢዑካ ንዓኡ ዘርከብካ መሲሉካ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ከየገደሰካ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ምስ ዘሎ ዓመጸኛ መርገጽ፡ ምስኡ ምትሕብባር ዘዋጽእ ኣይኮነ ኢሎም፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ምርጫ ዘለዎም ወገናት ከሎ ጋና ኣብቲ ምርጫኦም ዳግመ-ግምት ንክገብሩ ጸዊዖም። ኣብ ርእሲዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶኡ ብወደብ ዓሰብ ክጥቀም ዝብል እንተዝነብር፡ ረንሓኡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ስለ ዝኸውን ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዘፍቅዶ ምትግብራሩ ዝጽላእ ኣይመኾነን ኢሎም።
እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ውግእ መጎት፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ ብደረጃ ዞባ እውን ሰላምን ምርግጋእን ዝኸልእ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ሕግን ልዕልና ሓይሊ ዘንግስ ሕማቕ ኣርኣያ ስለ ዝኸውን ህዝቢ ኢትዪ እውን ክቃለሶ ከም ዝግበኦ ኣመልኪቶም።
ነቲ ብወገን ኤርትራን ትግራይን ተደጋጊሙ ዝስማዕ ዘሎ ጐስጓስ “ጽምዶ” ኣብ ዝምልከት እውን ሓሳቦም ሂቦም። ኣብቲ ዝሃብዎ ርኢቶ እዚ ጽምዶ ኣብ ተመኩሮ ውድባት ኤርትራን ትግራይን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እምበር፡ ሓድሽ ከምዘይኮነ ጠቒሶም፡ ክልቲኡ ህዝብታት ክራኸብን ብዝሓለፈ ምፍሳስ ደም ክድበስን ጽቡቕ እዩ ኢሎም። እንተኾነ ሓቀኛን መትከላውን እንተዝኸውን ብግሉጽነት ክካየድ መተገለጸ’ሞ ንምድጋፉን ምቅዋሙ መጠዓመ ኢሎም፡ ምናልባት ናብ ውግእ ዘእትው ከይከውን ከም ዘስግእ ጠቒሶም።
ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መደባት ራድዮ ኤረና ናይዚ ዕለት ምክትታል ይካኣል።
A Historic Moment: The Honorary Award Ceremony in Stockholm
Written by Haile TinsaewOn October 4, 2025, a historic and deeply symbolic moment unfolded for Eritrean culture. During a solemn ceremony in Stockholm, organized by the Association of Eritreans for Culture and Art, a number of distinguished Eritrean artists were honored for their lifelong contributions. The day was more than just a ceremony—it was a reclaiming of a people’s story, a tribute to those who, through their art, have carried a nation’s dreams through struggle, exile, and the trials of time. It was a moment filled with emotion and justice.
For the first time in many years, the spotlight was turned toward the cultural figures who, for decades, have preserved Eritrea’s collective memory through music, poetry, and performing arts. These artists carried not only melodies—they carried the hopes of their people. Their works embodied cultural resistance, served as a living record of the struggle for freedom, and stood as a spiritual anchor for generations both within and beyond the homeland.
The Association as a Guardian of Heritage and FutureFöreningen Eritreaner för Kultur och Konst Formed in January 2025, in connection with a memorial dedicated to the legendary and beloved artist Osman Abdelrhim, the association emerged from conversations among a group of committed individuals who, inspired by Osman’s life’s work, recognized the need to create a platform for preserving and developing Eritrean cultural heritage. Soon, more people joined the initiative, and a meeting was called to bring the vision to life.
Forming a non-profit association is never without challenges. Yet, despite obstacles, these passionate pioneers succeeded—thanks to their determination, cooperation, and shared belief in the power and importance of culture. It is with deep gratitude that I wish to express my appreciation to the board members who took responsibility and carried out this significant and meaningful step.
The establishment of the association marks a new chapter in the history of the Eritrean diaspora. Through their work, the young generation of Eritreans demonstrates that they are ready to take on the responsibility of both preserving and renewing their cultural heritage. Their commitment is living proof that the artistic contributions and legacies of their predecessors will not be lost to the passage of time.
They understand that cultural heritage does not belong only to the past—it is a compass for the future. By honoring their predecessors, they strengthen the bonds between generations and rebuild a collective confidence that has long been suppressed. In their hands, culture is given new life, and the hope for a vibrant, dynamic, and inclusive Eritrean identity is kept alive for generations to come.
Hussien Mahammed Ali – A Legend in Eritrea’s Cultural and Political History
According to a brief interview conducted by Zein Skokai, the Eritrean artist Hussien Mahammed Ali began his musical career in the 1970s. His first known song, “ሉላ በደት ምንየ” (Lula Bedet Minye), was performed in Asmara and marked the beginning of an artistic journey that would intertwine with Eritrea’s modern history. Shortly thereafter, Hussien joined Eritrea’s liberation struggle, where his music took on a new and deeper significance—not merely as artistic expression, but as a tool for resistance, hope, and national cohesion.
In societies that have endured colonialism, war, and struggles for independence, art is rarely just a form of entertainment. Instead, it functions as a social and political instrument, a form of cultural resistance, and a lifeline for collective survival. In Eritrea, music, poetry, and theater during the liberation war (1961–1991) became central components of the fight against Ethiopian occupation.
Songs such as “ሻዓብ ኤርትራ ስብር ውደ፡” (Sha’ab Ertra Sibr Wede – “The Eritrean People Shall Prevail”) served not only as patriotic hymns but also as mobilizing calls and moral compasses. They reinforced collective identity and conveyed the message that liberation was not merely a military endeavor, but also a cultural and existential struggle.
Through such artistic expressions, language, history, and national self-perception were preserved during a time when they were at risk of being erased. For the Eritrean diaspora, forced to live in exile, music became a symbolic bridge to the homeland—a sanctuary where the sounds of home and memories of the struggle could endure. Listening to voices like Hussien Mahammed Ali and his contemporaries was, for many, a reminder of origin, suffering, and hope.
Hussien Mahammed Ali and his generation of artists can therefore be described as the chroniclers of history—not with ink, but with melodies, rhythms, and words. Their work constitutes a living archive of Eritrea’s modern history—from the fervor of liberation and the triumph of independence in 1991 to the subsequent years of trials, disappointments, and longing for reconciliation.
Hussien Mahammed Ali is thus not merely an artist, but a symbol of the resilience of the Eritrean spirit. Through his artistry, he has helped shape the nation’s collective memory and strengthen the cultural identity that continues to serve as a cornerstone for both the homeland and the diaspora.
Artist Hussein Mohammed Ali – a living national treasure and Dehab Faytinga!Public Participation and the Presence of People’s Representatives at the Event.
First and foremost, I would like to extend my heartfelt thanks to Kristina Björk, whose commitment to Eritrea has remained unwavering despite the political and social divisions that have characterized Eritrean society. It is often said that Kristina Björk demonstrated greater loyalty and dedication to Eritrea’s liberation struggle than many Eritreans themselves. Her contributions were both practical and moral—she even allowed her son, while still a teenager, to participate in the work of the ELF (Eritrean Liberation Front).
Kristina Björk was also actively involved in raising financial support for the Eritrean liberation movement through street collections and collaboration with various non-profit organizations, including ”Sida”. It is therefore my hope that the Eritrean community will one day recognize and honor Kristina Björk with an official award for her significant contributions to Eritrea’s fight for independence. The event was also attended by several prominent figures and representatives. Among them were Arhe Hamednaca, former member of the Swedish Parliament, and Negash Osman, Chairman of the ENCDC (Eritrean National Council for Democratic Change), along with numerous veterans from the former liberation movements ELF and EPLF.
In addition, many young people and ordinary citizens participated. The venue was completely full, and it had been a long time since I had witnessed such a large turnout from Eritreans at a similar event. This reflected not only the strong community engagement but also the shared longing for unity and dialogue within the Eritrean diaspora.
A Bittersweet Tribute.
The celebration carried a palpable duality—a merging of pride and sorrow. What at first appeared as a tribute to the pioneers of Eritrean culture simultaneously served as a reminder of the price many of them had to pay.
Several of the artists and cultural figures who once laid the foundations of Eritrea’s cultural identity could not attend in person. Many have passed away, others are in the final stages of life, and some have fallen silent or withdrawn after years of marginalization and personal trials under various forms of oppression.
Having their relatives step forward to receive honorary awards on their behalf gave the ceremony a special intensity—a mixture of reverence and melancholy. It became a symbolic act of posthumous recognition, an acknowledgment of lives marked by struggle, sacrifice, and often unpaid dedication to the preservation of culture. In this way, the ceremony transcended the purely festive and assumed the character of a collective act of remembrance. It created a space where the past and present met, where the cultural struggle emerged not merely as a historical process but as an ongoing moral and emotional legacy. It reminded us that cultural development rarely occurs without suffering—and that it is precisely these individual and collective experiences that shape a nation’s soul and shared self-understanding.
Summary
The honorary award ceremony on October 4, 2025, was more than just a formal event—it was a symbolic reclaiming of the story of Eritrea’s cultural struggle. It was a profound acknowledgment of the artists who, through their voices, brushes, and words, helped shape the nation’s consciousness and soul. This moment carried a special power, where history seemed to breathe in the present. Songs from the mountains and city streets in exile came together in a shared tone of gratitude and respect. It was a reminder that art, born of both suffering and love for freedom, can never truly die. It continues to live on, as a pulsating heartbeat in the nation’s collective memory.
At the same time, I wish to express my deep appreciation to the board of the Eritreans Association for Culture and Arts. Their dedicated work and strong commitment made this day possible. They have not only met the demands of the present but also laid the foundation for future development—for our children and grandchildren. We are aware that some aspects, such as event announcements in different Eritrean languages, were not completed this time. However, we see this as a valuable lesson and an opportunity to grow. With experience and collective effort, we will continue to improve and deepen our work in the future.
In conclusion, I would like to honor the board, which with dedication, patience, and collaboration, planned and executed this significant endeavor. Their work demonstrates that when we act together—with respect for our culture and history—we can create something that will endure far into the future.
October 5, 2025
Stockholm