ስልጣን ከም ዝመንዝዑ እናኣወጁ

ኣብ ደሴታዊቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማዳጋስካ፡ ኣባላት ፍሉይ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ካብ ፕረሲደንት ኣንድሪ ራጆየሊና ብዕልዋ ከም ዝመንዝዑ ምሕባሮም ኣልጀዚራ ኣፍሊጣ። እቶም ወተሃደራት ስልጣን ዝመንዝዑ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ፕረሲዳንት ዝተላዕለ ቀጻሊ ተቓውሞ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጦም እዮም።

ብዛዕባቲ ተረኽቦ  ብ14 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ቤተ-መግስቲ ናይታ ሃገር ኮይኑ ዘፍለጠ፡ ኮለኔል ሚካኤል ራንድሪኣኒሪና ዝተባህለ ኦፊሰር ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ወተሃደራዊ መግለጺ፡ ድሕሪ 2 ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝግበር፡ ዝመርሕ መሰጋገሪ ኣካል ከም ዝምስረት ከኣ ሓቢሩ። ወተሃደራት ኮኑ መንእሰያት ነቲ ዝተገብረ ለውጢ ዘለዎም ደገፍ ኣብ ጐደናታት ከም ዝገለጹ ከኣ ተፈሊጡ።

በቲ ወተሃደራዊ መግለጺ መሰረት፡ ከም ኮሚሽን ምርጫ ዝኣመሰላ ናይታ ሃገር  ቀንዲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት፡ ከም ዝተኣገዱ ክሕበር እንከሎ፡ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ተቓውሞ ከካይዱ ዝጸንሑ መንእሰያት እውን ኣካልቲ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ኣካል ከም ዝኾኑ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝረአ ዘሎ ምዕብልና ንምምያጥ ብ15 ጥቅምቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይቲ ቤት ምኽሪ መበል 1306 ኣኼባ ዝተጸወዓ ብዛዕባቲ ስልጣን ብወተሃደራት ምትሓዙ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደጋ ንምምይያጥ እዩ። ነቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ቀንዲ ዘሻቐሎ ከኣ ናይቲ ፕረሲደንት ስግኣት ሓዲርዎ ካብታ ሃገር ምውጽኡ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱፍ ምልከታኦም ካብ ዘቕርቡ ሓደ ክኸውን እዩ።. ፕረሲደንት ኣንጆሊና ናበይ ከም ዝኸደ ብወግዒ ዝተገልጸኳ እንተዘየለ ናብ ምውርሸ ከይዱ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ።

መራሒ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ መራሒ ቐጠር ኣሚር ሸኽ ታሚን ቢንን ፕረሲደንት ቱርክ ጠይብ ኤርዶጋንን ብመሰርት እቲ ኣሚሪካ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም እሞ ሓማስን እስራኤልን ዝተቐበልዎ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ሰነድ ብ13 ጥቅምቲ 2025 ፈሪሞም። ድሕሪ’ቲ ኣብ ግብጺ ሻርም ኢል-ሻይክ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምኽታሞም፡ እቶም ከተምቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ድማ ነቲ ስምምዕን ንቀጻሊ ኣተገባብራኡን ከም ዝድግፉ ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ስነስርዓት ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ሰፊኑ’ሎ ምስ በለ፡ “ፍልጣኤምን እስራኤልን ማዕረ መሰል ክህልዎም ይግባእ” ዝብል ቃል’ኳ እንተቃለሐ፡ መራሕቲ ፍልጥኤምን እስራኤል ዋናታት ናይቲ ዋኒንን ኣቐዲሞም ንእማመ ኣሚሪካ ዝተቐበልዎን ክነሶም፡ ኣካል’ቲ ምኽታም ዘይምዃኖም ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ቀዳሊ ዓብይ ብደሆ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዳግመ-ህንጻ ጋዛ እዩ እውን ኢሉ።

እቲ ዝተፈረመ ሰነድ 6 ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብወግዒ ጠጠው ምባሉ ምእዋጅ፡ ናብ ጋዛ ብህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ንክኣቱ ምፍቃድ፡ ሰራዊት እስራኤል በብምዕራፉ ካብ ጋዛ ክወጽእ፡ ክልቲኦም ወገናት ብመንጎኛ ኣቢሎም ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ መስመር ክኸፍቱ፡ ካብ ኣሚሪካ፡ ግብጺ፡ ቱርክ፡ ቀጠርን ካለኦት ሃገራትን ብኣባልነት ዝርከብዎ፡ መስርሕ ኣተገባብራ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ምምስራት ዝብሉ ይርከብዎ

በቲ ስምምዕ መሰረት ድሮ ብሓማስ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ እስራኤላውያን ግዳያት፡ 20 ብህይወቶም ተፈቲሖም ክፋነዉ እንከለዉ ናይ ዝሞቱ ኣስከሬናት’ውን ተረኪቡ። ብኻልእ ወገን ድማ እስራኤል ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ኣስታት 1700 ፍልስጥኤማውያን ፈቲሓ ኣፋንያቶም።

“ታሪኽ ኢትዮጵያን ህዝባን፡ ተሪኽ ውግእ ሕድሕድ፡  ድኽነትን ጥሜትን’ዩ” ከም ዝበሃል፡ ካብ ኢትዮጵያዊ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ውግእ ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝግለጸሉ ምኽንያት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ወሰን ኢልካ ምጽብጻቡ ኣድላይ ኣይመስለናን። ገለ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ ንምጥቃስ ግና ወስ ምባል  ኣድላይ እዩ።

ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ 50ታት ምስ ግዳማውያን ሰብ ረብሓ ብፍላይ ከኣ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ተሻሪኹ፡ ብዝተኸተሎ ዓመጸኛ መንገዲ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣፍረሶ፡ ሳዕቤኑ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ግዳይ ገይርዎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ናጽነቱተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ኢሉ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጀመረ፡ ኣንጻር ስርዓታት ሃይለስላሰን  ደርግን ኣብ መሬት ኤርትራ ክሳብ 1991 ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ተኻይዱ። ዝወዓልዎ ከም ዝመስከርዎ፡ በቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሰብኣውን ነገራውን ክሳራ ምስ ኣውረደ፡ ብዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ።

ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ጽንዓትን ሓርበኝነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተራእየሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንዓለም እውን ዘገረመ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሞት፡ ምጉዳል ኣካል፡ ምምራኽን ብርሰት ንብረትን ዝወረደሉ መሪር ውግኣት ተኻይዱ እዩ። እቲ ጉድኣት ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከይተወሰነ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራትን ድኽነትን ከኣ ዘይርሳዕ ተዘክሮ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ውግእ ዝሓዘና ኢትዮጵያውያን ኣደታት፡ ዝዘኽተሙ ህጻናት፡ ዝተሰዳን ዝተበተናን ስድራቤታት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ከኣ ክሳብ ሎሚ እንዳ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በሰላኡ ኣሎ። ነቲ ዘጋጠመ ህልቂትን ዕንወትን ዘኪርካ “ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ?” ኢልካ ሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ ድማ ብሰንኪ “ጎባጥን ኣስፋሕፋሕን ፖሊሲ መንግስታት ኢትዮጵያ”   ካብ ዝብል ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ብወገን ኤርትራ ከኣ ኣብ ቅኑዕ ውግእ “ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን” ዝተኸፍለ ርትዓዊ ዋጋ ምንባሩን ብተግባር ምርግጋጹን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ድሕሪቲ መሪርን ነዊሕን ውግእ፡ መስርሕ ልኡላውነት ኤርትራ ብኸመይ ከም ዝተረጋገጸ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተፈጸመ ስለ ዝኾነ ፍትሓውነቱ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። “እዚ ኣብ መወዳእታ ዝተበጽሐ መደምደምታ፡ ብዘይቲ ኣዕናዊ ውግእ ክብጻሕ ዝከኣልዶ ኣይነብረን’ዩ?” ኢሉ ከም ዝሓትት ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከይድገም እዩ ክመሃረሉ ዝግበኦ’በር፡ ነቲ ዝበለዐ በሊዑ ዘኸተመ  ውግእ ክጥመልሶ ዝከኣል ኣይኮነን።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንዝተወሰነ ዓመታት ዝምድናዊ ህድኣት ዝነበሮ ርክብ ጀሚረን “ደጊም ውግእ የለን” ዝብል ተስፋ ተራእዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝተጀመረ ህድኣት ዕድመኡ ሓጺሩ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ህዝቢ ብዘይተጸበዮ፡ “ውግእ  1998-2000” ተኸፊቱ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ዝገደደ ክሳራ ምውራዱ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሕዝነ ነይሩ። ብሰንክ’ዚ ዳሕረዋይ ውግእ ግዳይ ዝኾኑ፡ ዜጋታት ከምኡ እውን ዝተኸስረ ንብረትን ዝሓደረ ቅርሕንትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኩሉ ክረኤ ዝጸንሔን ዘሎን እዩ። 

ድሕሪ መሪር  ውግእ፡ ባድመን ክሳራኡን፡  ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነትን ተሳትፎን ብዝነበሮ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣቢሉ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሳጊሩ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በብግዜኡ ዝተኸተሙ ስምምዓትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን መሰረት ብምግባር፡ ናብ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ዶብ ተበጺሑ። ድሕሪዚ ድማ ደጊም ናብ ውግእ ኣይክንኣቱን ኢና ዝብል ተስፋ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት እንደጋና ተመሊሱ።

እንተኾነ እንደጋና ንህዝብታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከቢድ ዋጋ ናብ ዝኸፈለ “ውግእ ትግራይ” ተኣትዩ።  እነሆ ሎሚ ድማ ዝሓለፉ ውግኣት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡  ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱ ዝደሊ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ  ናይ ውግእ ሓደጋ የድበድብን ኣሎ። እዚ ሓድሽ ናይ ውግእ ንፋስ ዝነፍስ ዘሎ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ውግኣት “መዓስ እዩ ሰላማዊ መዕለቢ ዝረክብ፡ ካብዚ ወዲቐ ዘለኹ ቁጠባዊ ድኽነትከ ብኸመይ እየ ዝገላገል?” ኢሉ ኣብ  ዝሓተሉ  ዘሎ እዩ። ናይቲ ናብ ኤርትራ ከቕንዕ ዝድለ ዘሎ ውግእ ምኽንያት፡ “ብዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ’ውን ተፈቲኑስ ዘይተዓወተ” ፡ ከም’ቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝበሃል፡ ክለዓል ዘይነብሮ  ምዃኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት ኣይከኣልን።

ስለዚ እዩ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ “ስለምንታይ ዘይከኣል ክነሱ፡ ከምዝከኣል  ኣምሲልካ ብምቕራብ ህልቂትን ዕንወትን ይዕደም?”  ኣገልግሎት ወደብከ ውግእ ብዘየኸትል ስልጡን ኣገባብ ክረጋገጽዶ ኣይካኣልንዩ? ዝብሉ ሕቶታት ክሓትትን መልሲ ክረኽበሎምን ናይ ግድን ዝኸውን።  ብሓይሊ ወደብ ምውናን ኣይከኣልን ንብል ዘለና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ  ካብ ህዝቢ  ኤርትራ ከም ዝበዝሕን ኢትዮጵያ ንቁጠባዊ ዕቤታ መተሓላለፊ ወደብ ከም ዘድልያን ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ድማ “ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድልየካ ናይ እንዳማትካ ብሓይሊ ምውናን ከምዘይከኣል” ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዝኽኻር’ዩ። 

እዚ ክንብል እንከለና፡ “የድለየና እዩ” ብዝብል ብደዐ “ልኡላውነት ኤርትራ ምድፋር ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘጋጩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ቅቡል ከምዘይኮ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከቕልበሉ ንምትንባህ እዩ። መስራቲትን ፈራሚት ቻርተራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋ እዚ  ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት’ውን ዘጸግም’ዩ። ኢትዮጵያውያን ከምቲ “ሓወልቲ ኣህኒጾም እምየ ምነሊክ” ዝብልዎም፡ ስለምንታይ’ዮም ዳግማዊ ምነሊክ ብዝኸተምዎ ስምምዓት ኣብ ምምእዛዝ ዘዕጠጥዩ  ክሓስብሉ ይግበኦም።

ከምቲ ቀድማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ሓደ ናይ ፓርላማ መድረኽ ጉዳይ ምውናን ወደብ ምስተላዕለ፡ “ዓሰብ ናትና እዩ ዘብል ኩነታት እንተልዩ  ምርኣይ ይከኣል። መንግስቲ ይትካእ’ዩ ሃገር ግና ኣይቅየርን። ዳግማዊ ሃጸይ ምነሊክ ዝፈረምዎ ውዕላት ሎሚ እውን እንግዘኣሉ እዩ። መንግስቱ ዝፈረሞ’ውን ንቕየደሉ ኣለና። ንሕና ንዝፈረምናዮ ከኣ  መጻኢ ተቐቢሉ ክቕጽሎ ዝግባእ’ዩ። እቶም ስምምዓት ዓለምለኻዊ ውዕላት እውን እዮም። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክምስረት እንከሎ ኣብቲ ቻርተሩ ፈረምቲ ኢና። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን መስራቲት ኣባል ሃገር’ውን ኢና። ኣብቲ ቻርተር ዘለዉ ዓንቀጻት ነኽብር ኢና። ነዞም ዓንቀጻት ኣኽቢርካ ኣብ መዳይ ሕጋዊ መጎተ ክንድቲ ዝኸኣልናዮ ንሰርሕ ኢና።…….ካብ’ቲ ሕግን ውዕላትን ወጻኢ ምኻድ ግና ኣይከኣልን።” ዝበሎ እቲ ጉዕዞ ዘዝሓለፈ ቀዲድካ ብምድርባይ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ተመኩሮኡ መዚኑ፡ “እንተዘይተዋጋእና” ንዝብሉ ገሲጹ፡ ኣንጻር ውግእ ምጽሕታርን ሳዕቤናቱን ንክስለፍ  ስምዕናታ ነቕርበሉ።

ግብጺ ብፈለግ ናይል ዝተሰየመ” ናይታ ሃገር ዝለዓለ መዳልያ ንፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክትህብ ከም ዝወሰነት፡ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ንመዲያታት ግብጺ ብምጥቃስ ሓቢራ። ትራምፕ ነዚ ዝለዓለ መዳልያ ዝወሃብ  ዘሎ ኣብ ፍልስጤም- ጋዛ ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላም ንክሰፍን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ መዳልያ ንትራምፕ ንክወሃብ ዝተወሰነ፡ ፕረሲደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ብመሰረት ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ናይ ማይ ድሕንነታ ንምሕላው ግብጺ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክትወድ እያ” ዝብል ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሰነየ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

ፕረሲዳንት ትራንፕ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025፡ ዝለዓሉ ረፐብሊካን ሰኔተራት ኣብ ዝተዓደምሉ ናይ ድራር እንግዶት፡ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ሓጽቢ መብዛሕትኡ ብገንዘብ ኣሚሪካ ዝተሃንጸ እዩ ኢሉ ነይሩ። እቲ  ሓጽቢ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ብዝገበሮ ገንዘባዊ ኣስተዋጸኦ ዝተሃንጸ ከነሱ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ምሃቡ ከኣ ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ ዝጸንሐን ኢትዮጵያ ተቓውሞ ዘስምዓትሉን እዩ።

ኣብ ለንደን ዝመደበራ ጋዜጣ፡ “ሓዳስ ዓረብ” ብወገና፡  ሓደ ላዕለዋይ ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝሃበ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምውጣጥ ንምሽምጋል ኢዱ ከእቱ ስለ ዝደለየ እዩ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪባ። ትራምፕ ኢዱ እንተኣ ኣእትዩ ናብ ግብጺ ከዳሉ እዩ ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ እዩ።

ግብጺ ንትራፕ ኣፍልጦ ሂባ ዝለዓለ ሽልማት ተበርክት ዘላ፡ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራትን ቀዳማይ ሚኒስተራትን ዝሳተፍሉን ኣልሲሲን ትራምፕን ብሓባር  ዝመርሕዎ ናይ ሰላም መድረኽ ኣብ ዘዳለወትሉ ድሮ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፈታዊ ኣልሲሲ እናተባህለ’ኳ ዝጥቀስ እንተኾነ፡ ኣብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይዚ ናይ ሰላም መድረኽ ግና  ስሙ ኣይተጠቕሰን። ግብጺ ነቲ ንትራምፕ እትህቦ ዘላ ፍሉይ ሽልማት ብዝለዓለ ደረጃ ንእትርእዮም ባእታታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያዊ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ንጉስ ሑሴን ጆርዳናዊ፡ ንንግስ ኤልሳበጥ 2ይትን ፕረሲደንት ጂሚ ካርተርን ዝሃበቶ እዩ።

ኢትዮጵያን ግብጽን ብፍላይ ድሕሪ ምምራቕ ናይቲ ሓጽቢ፡ ከም ሓድሽ ኣብ ምስሕሓብ ኣትየን ይዋጠጣ ከም ዘለዋ ኣብ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወከልተን ተንጸባሪቑ እዩ።

Sunday, 12 October 2025 09:24

Dimtsi Harnnet Sweden 11.10.2025

Written by

ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ፡ ትካል መግቢ ዓለም (UNWFP)፡ ዝለዓለ ሕጽረት ገንዘብ ስለ ዘጋጠሞ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዘለዉ ስደተኛታት ሓደገኛ ዋሕዲ መግቢ ስለ ዘጋጠመ ብ10 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዝሕደሮ ስግኣት ሓቢሩ።  እቲ ትካል ኣብቲ መግለጺኡ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025  ኣብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 27 መደበራት ተዓቚቦም ዝርከቡ 780 ሺሕ ስደተኛታት ናይ መቑነን ምንካይ  ክገብር ከም ዝተገደደ ምግላጹ ሽንህዋ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ስደተኛ ኣብ መዓልቲ ካብ 1 ሺሕ ካሎሪ ንታሕቲ መግቢ ይወሃቦ ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ እቲ ሕጽረት ኣብ ልዕሊቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ከም ዝገድድ ጠቒሱ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሕጽረት ከምቲ ዝተጠቕሰ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ሱዳንን ደቡብ ስዳንን ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ 70 ሺሕ ስደተኛ ግና ንዝመጽእ ዘሎ 6 ኣዋርሕ ስሩዕ መቑነን ምዕዳል ከም ዝቕጽል  ኣስፊሩ።

እቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል መግቢ ዓለም፡ ናይ ረዲአት ኣቕርቦት ስሩዕ መልክዑ ሒዙ ንክቕጽል ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ 230 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣፍሊጡ።  ኣተሓሑዙ ድማ ምናልባት እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ዶላር ዓቐን እንተዘይተረኺቡ ምሉእ ብምሉእ ስርሑ  ጠጠው ከብል ከም ዝግደድ ኣጠንቂቑ።

እቲ ዝካየደ ዘሎ ምንካይ መቑነን ንህጻናት ንጥሜት ንኣደታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ዝቕመስ ንክስእና የገድድ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ሓደጋ ከይመጽእ እንሰግኦ ዘይኮነስ ድሮ ዘጋጥም ዘሎ እዩ ክብል ናይቲ ትካል ዲረክተር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝላታን ሚሊሲክ ምጥቃሱ እውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ። ንህጻናትን ኣደታት ተባሂሉ ተዓቚሩ ዝነበረ ፍሉይ ሃናጺ መግቢ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ  ምዃኑ እውን ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይዞም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።

ካብ ኢትዮጵያ ተስፈኣለም ወልደየስ፡ ካብ ጆርጅያ ምዚኣ ኣማግሎበሊ፡ ካብ ኣሜሪካ ማርቲን ባሮን፡ ካብ ፍልስጥኤም ማሪያም ኣቡ ዳጋ፡ ካብ ፔሩ ካስትቮ፡ ካብ ሆን ኮንግ ጂሚ ሊያ፡ ካብ ዩክረይን ቪክቶሪያ ሮሽቺና ዝተባህሉ ሸውዓተ ልሉያት ጋዜጠኛታት፡ ናይ 2025 “ዓለም ለኻዊ ጀጋኑ ናጽነት ፕረስ”፡  ዝብል ኣፍልጦ ረኺቦም ከም ዝተሸለሙ ዓለምለኸ ትካል ፕረስ (IPI) ሓቢሩ። እቶም ጋዜጠኛታት ናብቲ ናይ ክብሪ ኣፍልጦ ዝበቕዑ፡ ምእንቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንዘርኣይዎ ብቕዓትን ትብዓትን ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

ካብዞም ጋዜጠኛታት መብዛሕትኦም ካብ ሞያኦም ንምቁራጽን ድምጾም ንምዕፋንን ማእሰርትን ዝተፈላለዩ ተጽዕኖታትን ክበጽሖም ዝጸንሐ ኮይኖም፡ እንተኾነ ምእንቲ ጋዜጣዊ ሙያኦም ንኹሉ ተጻዊሮም ዝቐጸሉ እዮም። ካብቶም እቲ ክብሪ ዝረኸቡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ካብ ማእከል ፍልስጥኤም ጋዛ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ዜናዊ ሓበሬታ ክዝርገሓ እናተቓለሳ ብደብዳብ እስራኤል ዝተቐትላ ምዃነን ተፈሊጡ። ናይዞም  ጋዜጠኛታት ናብዚ ፍልጦ ምብጻሕ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ምእንቲ ናጽነት ፕረስ ንክቃለስ ንምትብብዑን ንምብርባርን ምዃኑ እውን ተገሊጹ። ካብዞም ኣፍልጦ ዝረኸቡ 2 ድማ ሕጂ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ይርከብዎም።

 እዚ ነዞም 7 ጋዜጠኛታት ዝተዋህበ “ዓለም ለኻዊ ሽልማት ነጻ ፕረስ”  ዓመታዊ ኮይኑ ብምቕጻል ኣብ መበል 75 ዓመት ዝበጸሐ ኮይኑ፡  ዓለም ለኻዊ ትካል ፕረስ፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ደገፍ ንመዲያ ብሓባር ከካይድዎ ከም   ዝጸንሑ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ዲረክተር ስኮት ግሪፈን ምሕባሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እቲ ነዚ ኣፍልጦ ዝበቐዐ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ፡ ወናንን ኣመሓዳርን መርበብ ሓበሬታ፡ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር (Ethiopia Insider)” ኮይኑ፡ ናጻ ጋዜጠኝነት ከሕይልን ኣገዳሲ ሓበሬት ክዝርግሕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ክፍጸም ከም ዝጸንሐን ብኣኡ ከይተዓንቀፈ ብሞያኡ ዝቕጽል ዘሎን’ውን እዩ። ተስፈኣለም ድሕሪቲ ኣፍልጦ ምርካቡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ኣፍልጦ ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ወጻኢን ኮይኖም ሙያዊ ግቡኦም ይፍጽሙ ንዘለዉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት እውን ዝተባብዕ  ምዃኑ ኣስሚርሉ።

Thursday, 09 October 2025 21:30

Dimtsi Harnnet Kassel 09.10.2025

Written by
Page 1 of 617