ሰልፊ ማለት ብሓደ ስነ ሓሳብ መትከል ተኣሳሲሩ ዝሰርሕ ፖሊቲካዊ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲያዊ ወይ ዘይዲሞክራሲያዊ ክኸውን ይኽእል። ሰልፈይ ዲሞክራሲያዊ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ኣነ መሰለይ እንታይ ኢዩ ምስ ፈለጥኩ ጥራሕ ኢየ ክመዝኖ ዝኽእል። ብኣከያይዳ ናይ ሰልፈይ ዕጉብ ክኸውን ከይከውን ኣብ ኣተሓሳስባይ ኢዩ ዝምርኮስ። እንተደኣ ብወገን ብዓሌት ብቢሄር ብሃይማኖት ብጥቅሚ ተወዲበ ደላይፍትሒ ኣይኮንኩን ንዲሞክራሲ እውን ትርጉማ ኣይፈልጦን ኢየ ማለት ኢዩ። ኣብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኩሉ ብድምጺ ኢዩ ዝውሰን፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣብ ሰውራዊ ባይቶ እንተኾነ እውን ብድምጺ ኢዩ ዝውሰን ዝነበረ። ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከም ዝነበረ ግን ምስተተኮሰ ኢኻ ትፈልጥ። ብህዝቢ ንክምረጽ ዝንቀሳቀስ ሰልፊ ኣብ ውሽጡ ብደሞክራሲ ዘይምራሕ እንተደኣ ኮይኑ ነቲ ብህዝቢ ዝካየድ ምርጫ እውን ክኣምነሉ ስለዘይክእል ክዕምጽ ጥራሕ ኢዩ ዝኽእል። ንሓንቲ ሰልፊ እንታይነታ ንምፍላጥ መትከላታን ኣከይይደኣ ንምክትታል ወሳኒ ኢዩ።
ኣነነትዶ ዲሞክራሲ !!! ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ብጉዳይ ባይቶ ኣዋሳ ንካፈልዶ ኣይንካፈል ምስ መጸ ብባይቶ ይኹን ብኣብዝሓ ኣባላት ኣይንካፈልን ዝብል ድምጺ እንተሰዓረ፡ ብናይ ሓሶት ጥሩምባ ክፍንጨሉ ደኣ መረጹ!!! ብድምጺ ክምእዘዙ ኣይደለዩን ፡ ቀዳመይቲ ኣስተምህሮ ዲሞክራሲ ኣብ ድምጺ ምእማን ኢዩ።
ዝኾነ ሓላፍነት ንምውሳድ ካብ ጨናፍር ኢዩ ተመሪጹ ዝኸይድ፡ ዝኾነ ተግባር እውን ኣባላት ክፈልጥዎ ይግባእ፡ ናብቲ ዝመረጸካ ተመሊስካ ተማኺርካ ደኣምበር ቢኢደዋኒንካ እትወስዶ ስጉምቲ ዘይዲሞክራሲያዊ ኢዩ። ናይ ውልቆም ሓሳብ ተቀባልነት ዝሰኣኑ ሓለፍቲ ሃንደበት ካብ ሰልፊ ክወጹ ከለዉ፡ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት በብውልቆም ዝተገራጨውዎ ደኣ እምበር ኣብ ኣባላት ወሪዱ ብድምጺ ኣባላት ኣብ ምፍንጫል ዝብጽሐ የለን። እቶም ኩሎም በብውልቆም ዝኸዱ ብድምጺ ስዒርና ከሎና ዝብል የብሎን።
ኣማኑአል መንግስቱ እውን እንተኾነ ስልጣን ዘይምርካቡ፡ ብድምጺ ኣባላት ክምእዘዝ ስለ ዘይደለየ ጥራሕ ኢዩ። በቲ መትከላት ናይ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንኾርዕ ኢና እንዳበሉ ኣብቲ እምነ መሰረት ናይቲ መትከል ማለት ድምጺ ኣባላት ዘይምእማኖም ዘስደምም ኢዩ። ነዚ ከነኽብሮ ኣሎና ንምሓልከ እንታይ ኣምጽኦ።
ኣድሓኖም ገና ከመጽእ ከሎ፡ ብኣባላቱ ኣይተደምጸሉን፡ ሕጊ ውድቡ ጢሒሱ ይመጽእ ኣሎ ኢሎም ድምጺ ዘይሃቡ ብኣብዝሓ ኣባላት ንኽኣቱ ስለዝተደምጸሉ፡ እቶም ዝተሳዕሩ ኣሜን ኢሎም ተቀቢሎምዎ። ኣመል ግን ምስ መግነዝ ስለዝኾነት ኣብቲ ዳሕራይ ኣብ ባይቶ ንእቶዶ ኣይንእቶ ብድምጺ ኣባላት ተሳዒሩ ክነሱ ኣሜን ኢሉ ስለ ዘይተቀበሎ ከኣ ተፈንጨለ። ኣብ ገዛ ፓልቶክ ብድምጺ ተሳዒርኩምዶ ኢሉ ምስተሓተ እወ ደኣ በለ --፠፠--- ኣብ ድምጺ ዘይትኣምን ውድብዶ መስረቱ? ንግሉጽነት ተኣማኒነቲን ከይጎድል ዝኾነ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ተሰኒዱን ረኮርድ ተገይሩን ኢዩ።
መስፍን ሓጎስ ክመጽእ ከሎ እውን እቲ ብዝሒ ኣባላት ኣለዎ ኢሉ ዝተተንበሃሉ ውድቡ፡ ብድምጺዶ ነይሩ ይኸውን፡ ካብ ጉጅለ ኣድሓኖምን ጉጅለ ኤፍረምን ጉጅለ ዓብደላ ኣደም ጉጅለ መስፍን ጸሃየንዶ ኣይተፈናጨለን፡ ብድምጺ ዘይኮነስ ኣነ ዝበልክዎ ዘይተቀበልኩም ዶ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ ሒጂ ጉዕዞ እውን መስፍን ኣብ ቲቪ ሰነድ ዝበሎ ዋላ ውሑዳት ንኹን ግን ኣገደስት ዓበይቲ መን ከማና በሃላይ ዘይኮነን። እዘን ቃላት እዚኤን ከኣ ኢየን ነቲ ሓሶት ናይቲ ሓዲሽ ኣዋጅ ዘቃልዖ---ማለት፠፠1. መርሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ነቲ ዝኣትዎ ውዕል ሓድነት ሰልፊ ጠሊሙ፡ ውሑዳት ደገፍቱ ኣከቲሉ፡ ሰልፊ ገዲፉ ከምዝኸደ`፠Fake News
ብተደጋጋሚ ውዕል ተጠሊሙ ይብሉ፡ ዝኾነ ውዕል ክሳብ እቲ ተሰማሚዕካ ሰልፊ መስሪትካ ስም ምስሃብካ ካብኡ ንንየው መትከል ኢዩ ዝመርሓካ። ኣብ መትከል ክልተ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ዝብል የብሉን፡ ሰልፊ ብኣብዝሃ ድምጺ ዝምራሕ ካብ ኮነ እቶም ከሰስቲ ግን ውልቀሰባት ዘተዛረቡዎ ከም ውሳኔ ምውሳዶም (ናይ ሞት ፍርዲ ፠፨ ጋሽ ሰቲት ወዘተ.) ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝኾነ ጽሑፋቶም ኣነ ኣነ ኣነ ከምዚ በልኩ እምበር ብድምጺ ብመሰረታት ዝብላ ቃላት ፈጺሙ ኣይርከቦን። እቲ ህግደፍ እውን ኢንተኾነ ድሕሪ ባይታኡ ክልተ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ኢዮም ካልእስ ይትረፍ እቶም ዝበዝሑ ኣባላት ቅያዳ ዓማ ኣብ ህግደፍ ኣለዉ። ስለዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምትእኽካብ ደኣ ንበል እምበር ብዛዕባ ድሕሪ ባይታ ክንዛረብ እነተኮይና ቅድሚ እዚ ሰልፊ ምምስራቱ ድሕሪ ባይታኦም እንታይ ነይሩ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ኢዩ። ብዘይ መትከላዊ ግርጭት ከምዛ ሕጂ ዝገብርዋ ዘለዉ እንተደኣ ነይሩ ኣመል ምስ መግነዝ ጥራሕ ምባል ኣኻሊ ኢዩ። ሕጂኸ ክልተ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ካብ ኮኑ ነታ መርየት ናይ መንግስቲ ትብልን: ናብ ኢትዮጵያ ኣይንኣቱን : ብጎነጽ ኢየ ዝኣምን; ወዘተ. ዝብላ ክውሕጥዎ ዲዮም።
ከምቲ ገዓሪ ፍሹል ዶክቶር ባዕሉ ሓዊ ጽልልቲ ዝተጠመቀ ፡ ኣማን ብኣማን ሓዊ ጽልልቲ ዝበሎ ወያ ሕብእቲ ሰልፊ ኣንጻርና እንዳበለ ሃለውለው ዝበሎ፡ ኮር ተገምጠል ጽሩይ ሓሶት ኢዩ ምኽንያቱ መስፍን ሓጎስ ብዝለዓለ ድምጺ ተመሪጹ ክነሱ እታ ሕብእቲ ሰልፉ ወይ ሕቡእ ተልእኮኡ ንምፍጻም ኣይፋልካን ስለ ዝበለቶ ነቲ ሓላፍነት መሪሕነት ክቅበሎ ኣይደለየን። ነዊሕ ከይጸንሐ እውን ካብ ባይቶ ምንስሓብን መጋራጨዊ ዝኽኖ ሃሰስ ምባልን ዝተዋፈረ፡ ካብዚ ተበጊሱ ከኣ ኢዩ ሃይለ መንገሻ ዑቅበ ንቁሕ ኣስተብህሎ ብልክዕ ኣቀሚጥዎ ዘሎ ፡ ስኮመሳ ክስዕር ምዃኑ ዝተኣማመነ። ኣንጊሁ ህዝቢ እውን ኣይኣመነን እምበርዶ ብቅንዕና እዩ እናበለ ስክፍታኡ ብቀጻሊ ይዛረብ ነይሩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣይሕሱን እዩ ። እቲ ንቡር ሙኩሕ ንዕቀቱን ሓሶትን ኣብ ድምጺ ዘይምእማን ጸረ ዲሞክራሲ ሕማም ስለዝኾነ ንምሉእ ህይወቶም ኣብ ሓንጎሎም ከም ቁርዲድ ለጊቡ ከሸግሮም ስለዝኽእል ቀልጢፎም ዝጻረፍ ዘይኮነ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ዶክቶር ከናድዩ ምምዓዶም ኢዩ። ገለ ካብቲ ብድምጺ ዝተቀርጸ፡ ኣብ ወርሒ 6/ 2017 ዳዊት ሰለሙን ፡ መስፍን ካብ ዝበሎም ክደግም ከሎ `` ወዲእኩም እንተኾንኩም ከይቀደምኹም ተፈንጨሉ `` ወልዱ ነጋሲ ዋላ ተቃውሞ እንተቀረቦ፡ኩሉ ዶክቶር ዝብሎን ዚገብሮን ናትና ሓሳብ ምባሉ ኣብ ሊንክ ጠዉኩም ስምዑ።
https://www.youtube.com/watch?v=x9HEHiRBJyY&feature=youtu.be
ሓንትስ ድምጺ ዝኸብረሉ መሰረት ዝኾርዓሉ ሰልፊ ይኹን እምበር ጻዕዳ ይጽናሕኩም ኣብ መንገዲ ክንራኸብ ኢና። ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ፡ ህዝቢ ከኣ ኣይጋገን እዩ ፡ ምትህልላኽ ገዲፍኩም ጥዑይ ጥራሕ ስርሑ ደላይ ፍትሒ ኣይተሃላለኽን ኢዩ። ዚኾነ ሰልፊ መሰል ንክህብ ኢዩ ክሳብ ዝምረጽ ዝመባጻዕ፡ ክሳብ ሽዑ ግን መሰል ናይ መሰረታቱ ምሕላውን ምኽባርን ብድምጺ ከምዝምእዘዝን ከመስክር ምስዝኽእል ጥራሕ ኢዩ ዋሕስነት ደሞክራሲ ሃልዩዎ ህዝቢ ክስዕቦን ኣባላት ከጥርን ዝኽእል።
ዓውት ንፍትሓዊ መተከላትና ክንዕወት ኢና
ተስፋይ ባይረ ጥሪ 2018
ሓደ ኣካል ወይ ውዳበ ብዛዕባኡ ክጽሕፍን ክዛረብን እንከሎ፡ “ኣነ ከምዚ እየ” ኢሉ ነብሱ ከላሊ ዝተለምደ እዩ። ነዚ ሌላ ብዝተሰነደ ኣገባብ ከስፍሮ’ውን ንቡር እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ከምቲ “ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ” ዝበሃል ገለ ወገናት ንተግባሮም ዘይምጥን ጸጽብቑ ስም ክሕዙ ምምጥጣር ልሙድ እዩ። ንነብሶምን ይውክለኒ ዝብልዎ ኣካልን ምስ ተግባሮም ዘይምጥን ስም ክህቡ ምዕዛብ ከምኡ ዝተለምደ እዩ። “ኣዴኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ከም ዝበሃል። እቲ ጸገም እምበኣር ኣብ መንጎ እቲ ክትኮኖ እትደልዮን ከምኡ ንክትከውን ዘለካ ኣኽእሎን ዘሎ ፍልልይ ከተጻብብ ኣብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ ዝንጸባረቕ።
እቶም “ታሕተዎት ደረጃታት፡ ንላዕለዎት ደረጃታት ይምእዘዙ፤ ላዕለዎት መሪሕነታት፡ ንሓሳባትን ለበዋታትን ኣባላት ብዕቱብነት ኣጽኒዖም፡ ግቡእን ፍጡንን መልሲ ይህቡ። ኣብ ኵሉ ደረጃታት፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ” ዝብሉ መስረታዊ ኣዕኑድ ንዝሓቁፍ፡ ደሞክራስያዊ ጥርናፈ “ናይ ምብራቓዊ ዲሞክራሲ ስዑር ኣምር እዩ” እንዳበልካ፡ ዲሞክራስያዊ ክትከውን ሕጊግ እንዳበልካን ልዕሊ ሕጊ ክትከውን እንዳተሃንጠኻን ናይ ሕጊ ልዕልና ተጣባቒ ክትመስል ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን። ንናይ ካለኦት ርኢቶ ኣፍደገ ዓጺካ፡ ኣብ ክሊ “ናተይ ሓሳብ ጥራይ እንተዘይሰዓረ” እንዳኹደድካ፡ ናይ ብዙሕነት ሓብሓቢ መሲልካ ምቕራብ’ውን ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዋላ እንተደጋገምካዮ፡ ዓምጣሪ ባህሪኻ ዘቃልዕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን።
ተፈትወ ተጸልአ፡ ኣብ ሕጋዊ ጉባኤ ዝተመዘዘ መሪሕነት ኣብ መንጎ ክልተ’ቲ ዝተመዘዘሉ ሕጋውን ወግዓውን መድረኻት ሰልፊ ውድብ ወይ ማሕበር ላዕለዋይ ኣካል እዩ። ውሳነታቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝመዘዞ ሓፋሽ ልኡላውን ተተግባርን እዩ። እዚ መሪሕነት ኣብ መስርሕ ንዝወስዶም ስጉምትታት ምክትታልን ምቁጽጻርን ናይቶም ዝመዘዝዎ ኣካላት መሰልን ሓላፍነትን እዩ። እቲ መሪሕነት ዝወስዶ ስጉምትታት ቅኑዕን ምስቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ዘሳንን ክኸውን እንከሎ ምድጋፎምን ምትግባሮም፡ ካብ መስመር ክወጽእ እንከሎ ድማ እንዳተግበርካ ናይ ምንቃፍን ብኻልእ ንኽትክኦ ለበዋ ናይ ምቕራብን መሰል ከኣ ናይቲ መራጺ ኣካል ዕማም እዩ። መሪሕነት ነቲ ካብቲ ዝመረጾ ኣካል ዝመጽእ ነቐፈታን መተሕሳሳሰብን ናይ ምቕባል ወይ ናይ ምንጻግ ዘይገሃስ መሰል ኣለዎ። እቲ መሪሕነት ኪኖቲ ዝተዋህቦ መሰልን ዝተመርጸሉ ዕማምን እንተኸይዱ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ። እቲ ትሓታትነት ግና ብትዕቢት ዝተሰንጠቑ ኣካላት ኣብ ማእከል ጎልጎል ዘካይድዎ ዘይኮነስ ኣብ ንቡር ወይ ፍሉይ ወግዓዊ መድረኽ ዝካየድ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ኣተገባብራ ቀጥዒ ዘለዎ እዩ። ብጐኒ ኣቲኻ ንመሪሕነትን ስርዒታዊ ኣሰራርሓን ንምጉጣይ ዝግበር ፈተና ግና ዓማጺ፡ ጸረ ዲሞክራስን ኣፍራስን እዩ። ስርዒት ምሓዝ መሕብኢ መሪሕነት ወይ መጨቆኒ ተመራሕቲ ዘይኮነ ስርዓት ዝሕለወሉ ፍቱን ቀጥዒ እዩ።
ናይቲ መሪሕነት ዝመርጽ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ኣባላት ንመን ይመርጹ ወይ ኣይመርጹን ባዕላቶም እዮም ዝውስኑ። ምውሳን ከኣ ካብቲ ዝቐርብ ኣማራጽታት ኣብ ሓደ ምውዳቕ እዩ። ሰባት ኣብ ምምራጽ መሪሕነት ኮነ ውሳነ ኣብ ምውሳን ክጋገዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ጌጋ ከውድቕዎም ካብ ዝኽእሉ ምኽንያታት ብዛዕባቲ ንምርጫ ዝቐረብ ሓሳባት ኮነ ኣካላት እኹል ኣፍልጦ ዘይምውናን ክኸውን ይኽእል እይ። እንተኾነ ሓንሳብ ምስ ወሰንካ ወይ ምስ መረጽካ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ወይ “ቀሚሽ ኣደይ ኣሕንኲሉኒ” ዝበሃል፡ ምጥዓስን ምንጽርጻርን ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ቀሪብካ “ሰይጣን ወሰደኒ መልኣኽ መለሰኒ” ኢልካ ኣብቲ ኣቀዲምካ ዝረዓምካዮ ደሓር ግና ዘየዕገበካ ሓሳብን መሪሕነትን ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣራሚ ዳግመ ርኢቶ ምግባር ቅኑዕ ኣሰራርሓን መሰልን እዩ። ኣብዚ ሕጋዊ መድረኽ ክብትጽሕ ድማ ጹረትን ጽንዓትን ይሓትት። እንተቲ ነዚ ሕጋዊ ኣገባብ ምስዓብ ዘኽእል ትብዓትን ትዕግስትን ምስ ሰኣንካ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ምጽሕታር ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ትዕዝብቲ ካብ ምውዳቕ ሓሊፉ ፋይዳ ስለ ዘየብሉ ክንጐርሓሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቲ ደሞክራሲያዊ መሰል መራጺ ጥራሕ ኣብ ምዃን ዝድረት ዘይኮነስ፡ ተመራጺ ናይ ምዃን መሰል እውን ዝውስኽ እዩ።
እዚ ስርዓትን ኣገባብን ንኹሉ ኣብቲ መስርሕ ፈትዩን ረድዩን ዝኣተዎ ኣካል ዝምልከት እዩ። ነዚ ብዘለካ ንብረት ተነይትካ ወይ ብዘለካ ናይ ትምህርቲ ኮነ ናይ ካልእ ማሕበራዊ ብልጫ ተኸዊልካ ዝሰዓር ኣይኮነን። እኳ ደኣ ከምቲ ቀደም ወለድና “ ናይ ሎሚ ገደደ ሰያብ ዝዓብደ” ዝብልዎ ዝነበሩን ሎሚ እንተላይ ናብ “ናይ ሎሚ ገደደ ምሁርን ምኩርን ዝዓበደ” ዝብል ኣበሃህላ ማዕቢሉ ዘሎን እቲ ዕዳ ኣብቶም እንዳፈለጡ ዘደናግሩን ናይ ካለኦት መሰል ክጉዕጽጹ ዝደናደኑን እዩ ዝኸብድ። ኣብ ባህልና ንብዕድመ ዝደፈአን ብተመኩሮ ድዩ ብትምህርቲ ዝሰጐመን እምነት ኣንቢርካ ምስዓብ ዝተለምደ እዩ። እዚ ግና ደረት ዘየብሉ ኣይኮነን። እቲ “ናብ ዓዲ ደሓን ክመርሓኒ” ኢልካ እምነት ዘንበርካሉ ኣካል ቅኒቱ ክቕይር እንከሎ ከምቲ “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብዘይትኣምን ተመለስ” ዝበሃል ኣብ ዘይማእመካ ናብ ልብኻ ምምላስ ንቡር እዩ። እቶም “ኣነ ዘይተኣመንኩ ደኣ መን ክእመን” ኢሎም ዘንቀዱ ግና ናህሮም ቀልጢፉ ኣይዝሕልን እዩ። ኣብ ከምዚ ከኣ እዩ ብዘይካ ምድግጋም ጸርፍን ዘለፋን ካልእ ላዛ ዝሰኣነሎም ወገን ዝገድፎምን “ዓሻስ ጸጸር ክሳብ ዝውዳእ ገበጣ ይጻወት” ኢሉ ዝምስለሎምን። ካብዚ ንምድሓን እምበኣር ክትኮኖ ንእትደሊ ምስ ክትኮኖ እትኽእል ምምጥጣን የድሊ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ6 ለካቲት 2018 ኣገደስቲ ነጥብታት ብምዝርዛር ናብ ጐረቤት መንግስቲ ሱዳን መዘክር ልኢኹ። ኣብቲ መልእኽቱ፡ ሀ) ብሰንኪ ኣብዚ ዞናና ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ኣብ ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓዲሩ ዘሎ ሻቕሎትን ስግኣትን። ለ) ዝርዝር ሓው መንግስትን ህዝብን ሱዳን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክገብሮ ዝግባእ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን፡ ዝብሉ ሓሳባት ኣብቲ መዘክር ተጠቒሶም።
እቲ ብሰዲህኤ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን ኢራሂም ጋንዶር፡ ቅዳሑ ድማ ናብ ብዙሓት ኤምባሲታት መንግስቲ ሱዳን ዝተላእከ መዘክር፡ ግደ ሱዳን ኣብ ምድጋፍ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዘኪሩ፡ ኣብዚ ብሰንኪ ባዕሉ ዘይተኣማንነቱ ዘረጋግጽ ዘሎ ናይ ሓደ ሰብ ግዝኣት፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እቲ ጽቡቕ ዝምድና ሱዳንን ምእንቲ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያንን ክድልድል ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።
እቲ መዘክር፡ ሱዳን ኣብዚ ዞና ዘንጸላሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ንምዕጻፍ ኩሉ እትኽእሎ ዘበለ ንክትገብር ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኤምባስታታ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከም ዝተሓጋገዙን ዝተሓባበሩን ንክትገብር ኣዘኻኺሩ። እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መዘክሩ፡ ካብ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ዝጠለቦም እዮም።
- ሓው መንግስቲ ሱዳን ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ተዅታዂ ኣካል ኣብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ካብ ምእታው ክዕቀብ። ምኽንያቱ ወተሃደራዊ ጐንጺ ነቲ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ዘሎ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ፍታሕ ስለ ዘየምጽእ።
- መንግስቲ ሱዳን ንፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኒል ብዝምልከት ንዝወሰዶ መርገጽ ንንእድ። ነዚ ንሓባራዊ ኣጠቓቕማ ህዝብታት ከባቢ ፈለግ ኒል ዘውሕስ ለባም ኣተሓሕዛ ከኣ ነተባብዕ።
- ሚኒስትርኹምን መንግስትኹምን ምስቲ ዘይእሙን መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈውርቂ ዝምድናኡ ምሉእ ብምሉእ ከየመሓይሽን ናይቲ መንግስቲ ልኡኻት ናብ ከተማታት ሱዳን ዳግማይ ተመሊሶም ነቶም ኣብ መደበር ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ሓለዋኹም ልግስኹን ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከሳቕዩን ከሸብሩን ከይፍቀደሎም ንጽውዕ።
- እቲ ጠቕሊልካ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ምዕጻው ድሮ ኩነታት ህዝብና ከጋድድ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ልኡኻት መንግስቲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ህዝብን ንግድን ኣብቲ ዶብ ክፍቀድ ንመንግስትኹም ንጽውዕ። እዚ ኣተሓሕዛዚ ነቲ ንዓኻትኩምን መላእ ዞናናን ክጸልው ዝኽእል ዘጋጥም ዝለዓለ ሰብኣዊ ህልቂትን ቅልውላውን ከድሕን ስለ ዝኽእል።
- ሱዳን ነቲ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ግህሰትን እተካይዶ ዘላ ቃልሲ ክትቅጽሎ።
- ኣብ መወዳእታ ክቡር ሚኒስትሪኹም ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ኤምባስታቱ ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተሓባበሩን ዝሕግዙን ክገብርን ንርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሱዳናውያንን ኤርትራውያን ከተባብዕን ንጽውዕ።
EPDP Seeks Good Relations with Fraternal Government of the Sudan
Written by EPDP Information OfficeThe Eritrean People's Democratic Party (EPDP) on 6 February 2018 addressed an important memorandum to the Government of neighborly Sudan expressing: a) the "deep anxiety and apprehension" of many Eritreans in the opposition camp about the the build-up of tensions in the region, and b) listing modest requests "for solidarity with and support to" Eritreans everywhere by the Government and people of fraternal Sudan.
Sent through Sudanese Foreign Minister, Professor Ibrahim Ghandour, with copies to Sudanese embassies in many world capitals, the EPDP memorandum recalled Sudan's role in support of Eritrea's liberation struggle and expressed optimism for resumption of good relations between the Sudan and Eritreans struggling for democratic change because the one-man regime in Asmara "has once again proven itself to be incorrigible and unworthy of trust".
The memorandum also appealed to the Sudan to do its utmost to avert any resumption of armed hostilities in the region, and to advise its embassies to cooperate with and assist diaspora Eritreans in many ways possible. Listed below are the EPDP requests from the People and Government of the Sudan:
- "Fraternal Sudan to do all what it takes to avert any armed conflict with the provocative regime in Asmara because [armed conflict] will only worsen the already bad situation of the Eritrean people;
- We warmly welcome Sudan's position in regard to the fair use of the Nile waters, and we encourage continuation of this conciliatory stance for safeguarding peaceful co-existence of peoples in the Nile basin;
- Your esteemed Ministry and Government not to normalize relations (at least not fully) with Eritrea under its untrustworthy regime of Isaias Afeworki, and to kindly never again allow regime agents from Asmara to return to Sudanese cities and intimidate the tens of thousands of Eritrean refugees under your kind protection and generous support;
- The total closure of the Sudan-Eritrea border has already started to worsen the situation of our people. We therefore request your Government, while strictly controlling regime-sponsored illegal activities, to kindly allow movement of people and commerce in the border area. This kind action can prevent the likely occurrence of a much worse humanitarian disaster that can also eventually affect the Sudan as well as the entire region;
- The Sudan to kindly continue enhancing its fight against all types of human traffickers and abusers in the region; and
- Finally, allow us to request your esteemed Ministry to kindly advise its Embassies abroad to provide needed assistance and support to Eritrean refugees in many parts of the world, and encourage people-to-people relations between Sudanese and Eritrean communities".
ነባር ተቓላሳይ ናብ ነባራት ናይ ቃልሲ ብጾቱ ሰላምታ የቕርብ፡ ናይ ሓድሽ ዓመት 2018 ሰናት ትምኒቱ ይገልጽ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ“ርሑስ ሓድሽ ዓመት፡ ቃልሲ ከኣ ቀጽሉ ምኽንያቱ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየለ” እዚ ካብቲ ነባርን ዝተኸብረን ናይ ነጻነት ተቓላሳይ ኣብራሂም መሓመድ ዓሊ ናብ ናይ ቀደም ብጾቱን ናብዞም ናይዚ እዋንዚ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለሱ ዘለዉን ዘመሓላለፎ ሓያል መእኽቲ እዩ።
ኣብዚ ምስኡ ኣብ 5 ለካቲት 2018 ካብቲ ዘለዎ ፖርት ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ተለፎን ርክብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት ብልቢ ይከታተሎ ከም ዘሎ ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ዝኾነ ተቓላሳይ ካብዚ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ከይስልኪ ኣትሪሩ ኣተባቢዑ። ምኽንያቱ ድሕሪቲ መሪር ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ’ውን ቅኑዕ ምምሕዳርን ፍትሕን ይጽበ ስለ ዘሎ።
ብዛዕባቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብጾቱ ብዝነበሩ ብትግርኛ ዝተሓትመት መጽሓፍ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ኣበርክተኦም ኣዝዩ ክቡርን ዋጋ ዘለዎን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ንክረጋገጽ ዝተነጽፈ መሰረት ከም ታሪኽ ክምዝገብ ኣዝዩ ኣድላይ ስለ ዝኾነ ኢሉ።
ኢብራሂም ጉዳይ ጥዕንኡ ኣብዚ እዋንዚ ክጻወሮ ዝኽእል ምዃኑ፡ እንተኾነ ኣብ ጐደናታት ናይታ ግዜ ንእስነቱ ዘሕለፈላን ሕጂ ዝነበረላ ዘሎን ከተማ ፖርትሱዳን ከም ድላዩ ክዛወር ኣይከኣለን።
ቀዳማይ ስእሊ 2001፡ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ሓረስታይ፡ ናይ ሎሚ ኣቦመንበር ሰዲህኤ መንግስተኣብ ኣስመሮምን መዓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ 2013 ኣብ ከሰላ ዝተጨውየን ዝትሳተፍዎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ እንዳመረሐ የርኢ። ካለኣይ ስእሊ 2018 ድማ፡ ኣብቲ 6ይን ንተሓኤ-ሰባ ናብ ሰልፊ ዘሰጋገረን ጉባአ እንዳድመጸ የርኢ።
ነቶም ብዛዕባኡ እንፈልጥ ኢብራህም መሓመድ ዓሊ፡ ኣብ ቃልሲ ኣብ መፋርቕ 60ታት ተሳቲፉ። ደሓር ካብ 1975 ክሳብ 1981 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕሪ እዚ ተሓኤ ኣብ 1981 ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ተሳዒራ፡ ምፍንጫላት ምስ ኣጋጠመ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ካብ ዝሃነጹ ሓደ እዩ። ካብ 1995 ክሳብ 2001 ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ መሪሑ። ካብ 2002 ክሳብ 2008 ድማ ናይ ተሓኤ-ሰባ ኣፈባይቶ ነይሩ። ብዘይካዚ ኣብ 1999 ካብቶም ኣብ ምፍጣር ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ዓብይ ግደን ኣበርክቶን ዝነበሮም ሓደ እዩ። ነቲ ምሕዝነት ከኣ ካብ 2000 ክሳብ 2001 መሪሕዎ። ኢብራሂም ዋላ’ኳ ካብ 2005 ንደሓር ናይ ጥዕና ጸገም እንተኣጋጠሞ፡ ማዕዳኡን ምኽሩን ንኤርትራውያን ተቓለስቲ ክሳብዚ ሕጂ ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ዝገብሮ ዘሎ ኣየቋረጸን።
Veteran Freedom Fighter Salutes Old Friends; Sends 2018 Greetings to All
Written by EPDP Information OfficeHappy New Year 2018 and keep struggling because there is no other choice!" This was one of the strong messages Ibrahim Mohammed Ali (IMA), one of Eritrea's respected veteran freedom fighters, wished to convey to old comrades-in-struggle and to today's justice seekers, old and young.
Seizing a casual telephone communication with him in Port Sudan on Monday, 5 February 2018, the veteran freedom fighter said he is following with a heavy heart most of what is going on in the Eritrean political landscape. Nevertheless, he wanted to encourage everyone in the current struggle for democratic change to "never let up or quit" (shidu-helkum) because the Eritrean people deserve good governance "after all these long years of struggle".
When told about some details in a new book published recently in Tigrinya by his former social affairs colleagues in the liberation struggle era, Ibrahim said their effort is worth very high praise because what was done during the liberation struggle to plant the seeds for promotion of social justice in future Eritrea were great and deserved to be recorded for history.
Ibrahim Mohammed Ali also wanted all friends to know that his illness is now quite endurable although he cannot walk around his "boyhood streets" of Port Sudan, a city where he grew and now lives with his family members.
2001: Ibrahim chairing EC meeting attended by Martyr Seyoum Harestai; today's EPDP Chairman Mengesteab, and Mohammed Ali who was kidnapped in Kassala in 2013. Second picture of 2008 shows IMA voting at 6th ELF-RC congress transforming the organization to a party.
For the benefit of those who knew little about him, Ibrahim Mohammed Ali joined the struggle in the mid-1960s and later served as Executive Committee member of the Eritrean liberation Front (ELF) between 1975 and 1981. IMA was the central person around whom the ELF-RC was built after the ELF encountered splits after its military defeat in 1981. He served as chairman of the ELF-RC between 1995 and 2001, and its Afebaito/Speaker (chairman of the legislative council) between 2002 and 2008. Ibrahim was also among the key founders of the Alliance of Eritrean National Forces in March 1999, which he served as chairman in 2000-2001. He had health problems since 2005 but did not quit providing his informal advisory services, including to today's EPDP.
ስደተኛታት ኣብ ሆሎት መዳጎኒ ማእከል - እስራኤል
ዋሽንግተን —
እስራኤል ብዘይሕጋዊ መንገዲ እዮም ኣትዮም ንዝበለቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ጸኒሓ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናይ መጀመርያ ስጉምቲ’ቲ ምስጓግ ከምዝጀመረቶ ይሕበር ኣሎ።
ሰበስልጣን ኢምግሬሽን እታ ሃገር ንኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ክህቡ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ።
እስራኤል ነዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ዝበለቶም ኣስታት 40,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ መጋቢት, 2018 ብፍቓዶም ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ሚካኤል ዝተባህለ ካበይ ምኳኑ ክሕብር ዘይፈቐደ ስደተኛ ናብ ሩዋንዳ ክጥረዝ ምኳኑ ካብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ወረቐት ከምዝበጽሖ ይሕብር።
ንሱ እስራኤል ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ጌጋ ምዃኑ ብምግላጽ ምክንያቱ ድማ እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝኸድዎ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞት እዩ ዝጸብዮም ይብል።
እስራኤል ግን ነዚ ጥርዓን ስደተኛታት ብምንጻግ መብዛሕትኦም ዝሓሸ ህይወት ንምምራሕ ዝመጹ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ትብል።
እቲ ነዞም ስደተኛታት ናይ ምስጓግ ውሳኔ እቶም ስደተኛታት 3,500 ናይ ኣሜሪካ ዶላር ተዋሂብዎም ብፍቓዶም ክወጹ ወይ ድማ ክእሰሩ ምኳኖም ይገልጽ።
ሰብስልጣን እስራኤል እዞም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንመለለይ ኣይሁዳዊያን ዝኾነ መንነት ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዮም ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ በብጊዚኡ ዝውስኽ ገበን ንምትሓት መነባብሮ ዜጋታት ተሓተቲ እዮም ይብሉ።
ኣብቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝነብርሉ ደቡባዊ ከተማ ቴል ኣቪቭ ትነብር እስራኤላዊት ማይ ጎላን ብሰንኪ እቶም ስደተኛታት ኣይሁዳዊያን ኣብ ጎደናታት ምዝዋር ከምዘይኸአሉ ትገልጽ።
ኣብ እስራኤል ዝርኸባ ትካላት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነዚ ስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ዘይሕጋዊን ንዓለምለኸ ሕጊ ዘይኽተልን ዘይሞራላዊያን እዩ ይብሉ።
ካብ ሊበራል ፓርቲ’ታ ሃገር ዝኾኑን ኣባል ፓርላማን ሚካኤል ሮሲን እስራኤል መጻኢኡ ናብ ዘይተፈልጠ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ ነዞም ስደተኛታት ትሰጉግ ዘላ ብተወሳኺ ሩዋንዳ ብዛዕባ’ዚ ምስ እስራኤል ስምምዕ ከምዘይብላ ትገልጽ ኣላ ይብሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምጽናት ኣይሁድ ብናዚ ጀርመን ዝተረፉ ዜጋታት እታ ሃገር፡መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምሁራትን ኣበረርቲ ነፈርቲን ነዚ ስጉምቲ ምስጓግ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብትሪ ይቓወሙ ኣለው።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን እታ ሃገር ካብ ሰዓታት ወጋሕቲ ጀሚሮም ተሰሪዖም ይረአዩ ምህላዎም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።
እዚ ናይ ዑቕባ ሕትኦም ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ እንተተነጺጉ ድማ እቶም ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ክልተ ምርጫ ኣለዎም ክእሰሩ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ክስጓጉ።
ራቢ ናቫ ሃፊዝ ዳይሬክተር ክፍሊ ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ስጉምቲ እስራኤል ከምዚ ትብል።
“ አጋይሽ ኣብ መንጎኹም እንተለው እቲ ዝበለጸ ቦታ ክትህቦም ይግባእ። ዝበለጸ ስራሕ ክትህቦም ይግባእ።እዚ እዩ እቲ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ዝብል፡ እዚ ኣነ ዝብሎ ኣይኮንኹን።”
መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተማሃሮን ካብ ምጽናት ኣይሁድ ኣብ እዋን ናዚ ዝተረፉ ዜጋታት'ታ ሃገር ነዞምሓተቲ ዑቕባ ኣብ እዋን እቲ ምስጓግ ክሓብኡ ይጽውዑ ኣለው።
ኣብረርቲ ነፈርቲ እታ ሃገር’ውን እዞም ስደተኛታት ዝስጎጉሉ ነፈርቲ ከምዘየብርሩ ይገልጹ ኣለው።
ወዲ 15 ዓመት ኮይኑ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ኤርትራ ናብ እስራኤል ዝመጸ ፊጎ ኣርባዕተ ጊዜ ናይ ዑቕባ ሕትኡ ምንጻጉን ኣቐዲሙ ንዓመትን ፈረቓን ተአሲሩ ከምዝነበረ ብምግላጽ ሕጂ’ውን ካብ ምስጓግ ማእሰርቲ ከምዝመርጽይ ገልጽ።
እስራኤል ኣብ 2012 ዓ.ም ምስ ግብጺ ዘዳውባ ዶብ ብሓጹር ቅድሚ ምእጻዋ ኣስታት 600,000 ስደተኛታት ንምድረበዳ ሲናይ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ምእታዎምን ድሕሪ ምዕጻው እቲ ዶብ ድማ ኣስታት 20,000 ስደተኛታት ብመንገዲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፡ ብወለንትኦምን ካልእ መንገዲን ካብ እስራኤል ምውጽኦም ይፍለጥ።
ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልንመሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳም ዕለት 3 የካቲት 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
ኣጀንዳ ኣኼባ ሰልፍና ንምዕባይን ንምሕያልን እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ኮይኑ ነዚ መደብ’ዚ ንምትግባር ብነፍስውከፍ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ስራሕ መደብ ብዕምቆት ዘትዩሉ። ናይ ሓድሕድ ምክብባርን ህድኣትን ዝሰፈኖ ቦኽሪ ኣኼባ ዞባ ሽማግለ፡ መሰረታት ዞባና ንምስፋሕን ቁጠባዊ ሓይሉ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ዞባና ዝኸይድ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ዝምድናኡ ከደልድልን ናይ ስራሕ መደባት ኣጽዲቑ። ዝሓንጸጾ መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል መሪሕነት ዞባ ሽማግለ ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ክንዕወት ኢና!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.
3 የካቲት 2018
Netanyahu Blames Soros For Widespread Opposition To Deporting African Migrants
Written by Aiden PinkMore...
بيان ختامي: مؤتمر طارئ لحزب الشعب الديمقراطي الإريتري بامريكا الشمالية
Written by EPDP Information OfficeSTATEMENT: EPDP NORTH AMERICA REGION EMMERGENCY CONGRESS
Written by EPDP Information Officeዞባ ሰዲህኤ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ስሩዕ ዞባዊ ጉባኡ የካይድ። ቦታን ግዜን ናይ ጉባኤ ብዞባዊ መሪሕነት ይውሰን። ህጹጽ ጉባኤ ዞባ ብጸዋዒት መሪሕነት ዞባ ወይ ሓደ ሲሶ ካብ መላእ ኣባላቱ፤ ወይ ፈጻሚ ሽማግለ፤ ብዝወሰኖ መሰረት ክካየድ ይኽእል፤ (5፡10፡1)፡ ኣርማ ሰዲህኤ፣ ብሕንጻጽ ዝርአ ዝተጣመረ ኣእዳው ፡ ንባይታኡ ዝምልከት ፍሉይ ሕብሪ የብሉን። ትርጕሙ ከኣ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ልዕላውነቱን ኢዩ (1፡2፡2)። ጉባአ ሰዲህኤ ካብ ኣባላቱ 33 ቀወምትን 4 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ፡ (5፡13፡4)። ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣባላቱ፤ ትሽዓተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ የቕውም (6፡1፡14)። ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፤ 9 ኣብያተ-ጽሕፈታት ይህልዉዎ። (6፡2፡3)” (እዚኣቶም ካብ ዕላዊ ሰነድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስዱ ዓናቕጽ እዮም)
ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እቲ ሓያልን ጸዋርን ጻዕሪ ዘካየድሉ፡ ልዑል ትጽቢት ዝተነብረሉን ሰልፋዊ ሕግን ኣሰራርሓን ተኸቲሎም ከም ዘዕወትዎ ዝተገመተን ፍሉይ ጉባአኦም ብ27 ጥሪ 2018 ኣካይደምዎ። ብ30 ጥሪ 2018 ብዘውጽእዎ መግለጺ ድማ ኣበሲረሙና። ንሕና ከኣ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተነበረ “ኣገናዕ” ንብሎም። እዚ ህጹጽ ጉባአ ዞባ ከም ተራ ጉባአ ዝረአ ዘይኮነ፡ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል ንባህግን ንትጽቢትን ኣኽበርቲ ሕግን ንቅድሚት ኣማዕደውትን ዘለምለመ ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ግምትን ቦታን ዝወሃቦ እዩ።
ኣካላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ከከም ዝጥዕሞ ትዕቢቱን ኣነነቱን ከርኢ ዝደሊ፡ የማነ ጸጋም ዘላኽዖም ዘይኮኑ ብጉባአ ዝተቐየሰ ሕጋዊ መስርዕ ሒዞም ዝጐዓዙ እዮም። ዝኾነ እዚ ሕጋዊ መንገዲ ዘይማእመኦ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ክሰርዕ ዝደሊ፡ ህርፋኑ ኣርጒዱ፡ ብትዕቢትን መን ከማይነትን ክዕምጽጾም እንተፈተነ፡ ኣሕሊፎም ዘይህቡን ዘይልወዩን ምዑታት ከም ዝኾኑ እዚ ውጻእ መዓት ዕዉት ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መስካሪ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍን እዩ” ዝብልዎ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ዝተጻሕፈ እንተተጻሕፈ፡ መንዩ በሃሊኡን ጸሓፊኡን ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ሓቂ ንዝተሰለፈ ኣካል እቲ ሕጋዊ መንገዲ ኣይልወጥን እዩ። ነዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ረዘንቲ ዓናቕጽ ዘነጽሮ፡ ሕጋዊ ቀይድታት ዘለዎ ሰልፋዊ ኣካይዳ ብዝኾነ መንገዲ ምናልባት ከተዕንቅፎም እምበር፡ ከተውድቖ ኣይከኣልን እዩ። ንበበይኖም ነናቶም ባህርን መምዘንን ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት ስም እንተ ሃብካዮም ሓደ ሰብ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኪኖቲ ናይ ሓባር ስሞም ነንገዛእ ርእሶም ዝግለጽሉ መንነት ኣለዎም። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓናቕጽ ከኣ ንሓቀኛ መንነትን ሕጋውነትን ሰዲህኤ ዝውክሉ፡ ዝተኾመረ ቃላት እንተተኾመረ ኣብ ማእከል ጐልገል ዘይጠሓሱ ዋና ዘለዎም ዓናቕጽ እዮም።
ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ካብዚ ሕጋዊ መንገዶም ንከላግሱ ኣንጻሮም ኣዝዩ ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም እዩ። እንተኾነ ነቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ኣብቲ ጥምጥም ስለ ዘጽንዕዎ እነሆ ተዓዊቶም። እዚ ንዓኣቶም ሓበንን መጎስ ኮይኑ፡ እንተ ኣስተብሂለምሉስ ንካለኦት ከምዚ ዓይነት ፈተና ዘጋጥሞም’ውን ትምህርርትን ኣብነት ጽንዓትን እዩ። ሕቡናት ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝጸንሐ ብዙሕ ግና ዝጭበጥ ዘየብሉ ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈ፡ ህቦቡላን መንደራጉሕን እንሆ ስዒረምዎ። እዚ ዓወት ናይ ነፍሲ ወከፎም ዕጉስ መኸተን ኒሕን፡ ውሕሉል ኣተሓሕዛ መሪሕነትን መሰረታትን መላእ ሰልፊ ውጽኢት ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ከኣ እቲ ዝረገጽዎ ባይታ፡ ሕጋዊ፡ ስርዒታዊ፡ ርትዓውን ድልዱልን ምንባሩ ዝምስክር እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መትከላት ሰዲህኤ ኣንጻሩ ብዙሕ ብምዝራብን ብምጽሓፍን ዘይብሕጎግ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመጻጸኣ፡ ርዝነትን ሕጋውነትን ከም ዘለዎ ዘነጸረ እዩ። ክብደት ናይዚ ዓወት ኣብቲ ዞባ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ምእንቲ ሕግን ሕጋውነትን ዝሕለቕ መወከሲ ዝኸውን ተመኩሮ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ሰልፍና ካብቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከም ዝደሓነ ካብ ዝምስክሩ ምልክታት ሓደ ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እነሆ ሕጋውን ስርዒታውን ህልውናኡ መሊኡ መሊሱ ኣሎ። ድሕሪዚ ናይ ሰባት ዘይቅዱስ ህርፋን ዘይኮነ ሰልፋዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ፡ ናብ ስሩዕ ጉባአ ገጽካ ናይ ምጉዓዝ ንቕሎ ክህልዎ እዩ። ከምቲ ኣብ መግለጺኡ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ካልእ ሰልፋዊ ዕማማት እውን ኣለውዎ። መደብ ምሕዳስ ሰልፊ፡ ምስ ካለኦት ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣርን ዝኣመሰሉን። ብመንጽርቲ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ህልውና ሰልፊ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብቲ ዝተረፈ’ውን ከም ዝዕወት ውሁብ እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሚሪካ ሰዲህኤ፡ ከምቲ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሶም እዚ ዓወትዚ ዞባዊ ጥራይ ዘይኮነ ሰልፋዊ’ውን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ መላእ መሪሕነትን ኣካላትን ሰልፊ ምእንቲ እዚ ግዳይ ንክኸውን ተፈሪዱ ዝነበረ ዞባ ንክድሕንን ክዕወትን ስኖም ነኺሶም ክቃለሱ ዝጸንሑ።
እዚ ዓወት እዚ ኣዚሩ ንዝርእን ዝብሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝበሃሎ’ውን ክሰምዕ ክፉት ሕልና ንዘለዎ ኣካል ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ሕግን ሕጋውነትን ከምቲ “ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል፡ ንርኢቶኻ ዘዳምቕ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህርፋንካ ዝድርት ክኸውን እንከሎ’ውን ከተኽብሮ ዝግባእ ግቡግ መስመር ዘትሕዝ ልጓም እዩ። ኣብ ሕጋውን ስርዒታውን ኣሰራርሓ ኣጠርሚምካ፡ ከም ዑፍ ቀውዒ ዘዝሸወተ ምሽምጣጥ ግና ቅቡል ኣይኮነን።
ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል
Written by ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደን ጨንፈር 1ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኢደወነኖም ዝሰሓቡ ውሑዳት ውልቀሰባት ሽማግለ ኣቝሞም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ብምባል ነብሶም የዕሽዮም ንኻልኦት፣ድኻም ሰዲህኤ ከምረብሓ ጌሮም ዝቖጽርዎ እከያት'ውን ምእንቲ ከደናግሩ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ወፈረኦም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ስለዘቕንዑ፣ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዕለት 15 ጥሪ 2018 ኣብ'ቲ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሰዲህኤ ሓርነት.ኦርግ” መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ’ቲ ብስም ሰልፍና ኣብ መስከረም.ነትዝወጸ ጽሑፍ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዘሎ ክዉንነት መብርሂ ከምዝሃበ ንዅሉ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ብሩህ ኢዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ፣ሓደ ሰብ ብተዳጋጋሚ ንሓቂ ዘየንጸባርቕ መሰረት ኣልቦ ጽሑፋት ክነዝሕ ሓንጎፋይ ኢልካ ብዘይገለ መረጋገጺ ኣብ ወብ ሳይትካ ምእንጋድ'ውን ንረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ምስትብሃል ከምዘድሊ ዘየማትእ ኢዩ።
ሰዲህኤ ኣብ'ቲ ዝተበገሰሉ ተልእኾ ማለት ክብርታት ህዝብና ዝሓለወት ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኢዩ ቀንዲ ዕማማቱ። መለለይኡ ድማ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 3 ናይ ቅዋሙ ሰፊሩ ዘሎ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገር ክድፈር ዘየፍቅድ፣ቅዋሙን ፕሮግራሙን ኣብ ጉባኤታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽድቕ፣ ትግርኛን ዓረብኛን ከምወግዓውያን ቋንቋታት ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ዝሰርሓለን፣ ናይ ሓሳብን ርእይቶን ናጽነት ዘኽብር፣ ቅዋም ሰልፊ ዘይደፍር ውሽጣዊ ፍልልያት ዝጻወር፣ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ናይ ምሕላፍ ልምዲ ዘለዎ ኢዩ። ዝበዘሐ ግዝያቱ ድማ ነዚ ንምዕዋት ኢዩ ከይተሓለለ ጸኒዑ ዝቃለስ፣ ይዅን እምበር ዘረግቲ ኣብ ዘለዉሉ ጽሩይ ማይ ኣይስተን ከምዝበሃል፣ ነዚ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ ዘምባዕን ንኽዉንነት ዘየንጸባርቕን ጽሑፋት ኣድላዪ መአረምታ ክገብረሉ ግዴታኡ ኢዩ።
ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል ካብ ዝብል ስንኩፍ ኣበሃህላ ተበጊስካ ኣካደምያዊ (academic) ይዂን ዓቕመ ኣእምሮኣዊ (intelectual) ደረጃኻን ጭውነትካን (integrity) ኣብ ዋጋ ዕዳጋ (compromise) ዘእቱ መሰረታዊ ስነመጎት ዝሰሓተ ሃበስቀደስ ዝተወንዘፈ ጽሑፋት ወገሐ-ጸብሐ ክትዝርግሕሲ ንረብሓ መን'ዩ?
ትዕድልቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ዘጋጥም ዘሎ ዕንወትን ጭቆናን ከይኣክል፣ ድኻም ኩሉ ናይ'ቲ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከውድቕ ይቃለስ ኣለዅ በሃላይን፣ ይእርም ኣሎዅ እንዳበለ እንተስ ብግርህነት እንተስ ብተንኮል ንተቓወምቲ ንምድኻም ዝተዋፈረ ኣካላት ወሲኽካ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ኣእትዩ ካብ ዘሎ ቀንዲ ረቛሒታት ኢዩ።
ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዳኣ ኮይኑ እምበር እቶም ንሕና ኢና ሰዲህኤ በሃልቲ እሞ ከምመራሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ግደኦም ኣብ ሰዲህኤ እንታይ ከምዝነበረን ብኸመይ ካብ ሰዲህኤ ከምዘግለሉን ንሳቶም ከይተረፈ ዝምስክርዎ ምዝጉብ ሰነድ ኣሎ፡ንኣብነት። ኣንቶንዮ ተስፋይ ክሳብ ዕለት 24 መስከረም 2017 ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ከገልግል ዝጸነሐ ሰብ ኢዩ።ካብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ ካብ ሰዲህኤ ኣባልነቱ ስሒቡ ከምዝተሰናበተ ካብ'ዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ስንብታ ደብዳቤኡ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ናይ ዕለት 19 ነሓሰ 2017 ዝተገብረ ናይ ጨንፈር ጉባኤ ዝተዘርበ ምኽንያት ብምግባር ኢዩ ጽሒፉ።ኣንቶንዮ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ኣኼባታት ጨንፈር ክሳተፍ ስለዘይጸነሐ ካብ ካልኦት ኣባላት ነቲ ናቱ ሓሳብ ዝድግፉ ምስኣኑ ንዑኡ ዝገረሞ ይመስል፣ ንዓና ግን ብዙሕ ክትዓት ዘካየድናሉ ጉዳይ ስለዝነበረ ንሱ ንድሕሪት ክመልሰና ምፍታኑ እምበር ካልእሲ ኣይገረመናን። ኣብ'ቲ ጉባኤ ውዒሉ ሓዳስ ሽማግለ ኣብ ምምራጽ ተሳቲፉ ክንሱ ነዚ ናይ ምስንባት ደብዳቤኡ ናብ'ታ ዝምልከታ ሽማግለ ዘይመስደዲኡ ምኽንያት ባዕሉዝምልሾ ኢዩ።
ናይ'ቶም ካልኦት ከምመራሕቲ ኮይኖም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ'ውን ተመሳሳሊ ሰነዳት ኣሎ።እቲ ጉዳይ ኣይትቃወሙ ወይ ሰልፊ ኣይትፍጠሩ ዘይኮነስ፣ ንሕና ኢና ሰዲህኤ ምባሎም ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰዲህኤ 37 ዝኣባላታ መሪሕነት ተመሪጻ፣ ካብኣቶም 5 ተፈልዮም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ክብሉስ ናይ ዘይተባላሓትነት ድዩ ወይሲ ናይ ጸይቂ? እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብግርህነት ናይ ጸለመ ወፍሪታትኩም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ሰንዚርኩሞ ኣለዅም፣ካብዚ ናታትኩም ተዋስኦ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ኣለዎ ዝብል ኣረዳዳኣ እንተሃልዩኩም ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ፣ ይዋእኪ ኤርትራ ዘብል ድማ ኢዩ።
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደን ጨንፈር 1
ስቶክሆልም 2 ለካቲት 2018
ናብ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ
ስቶክሆልም
ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ ስቶክሆልም
ዶር/ ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን
ዝኸበርኩም ሽማግለ ጨንፈር
ብመጀመርያ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ብምቅጻል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰልፍና ዘጋጠመ ጸገማት ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ውሑድ’ኳ እንተአይተባህለ ማዕረ’ት ዝተኻየደ ድኻምን ጻዕርን ፍርያት ሓድነት ሰልፊ ዝሕለወሉ ኣገባብ ተኻይዱ ዝብል ርእይቶ የብለይን። እዚ ዕግበተይ ኢዩ። ነዚ ጉዳኡ ብቀረባ ንምርኣይን ንምዝታይን ዝገበርክዎ ጻዕሪ’ውን ዘገርም ጉዳይ ሓደ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር እዩ። ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር ቁ 1፡ ነዚ ብዝምልከት ብመሪሕነት ጨንፈር ዝቀረበ ዛዕባ ወይ ኣጀንዳ፡ ካብ ቀዳማይ ቦታ ኣልጊሱ 3 ግዜ ተቀያይሩ ኣብ መወዳእታ ከኣ ጉባኤ ቅድሚ ምዝዛሙ 45 ደቂቕ ክተርፎ ከሎ ምልዓሉ ብወገነይ ክርእዮ እንከለኹ ነቲ ጉዳይ ከም ውዱእ ተወሲዱ ክንዛተየሉ ዘየተባብዕ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከም ኣብ ውሳኔ መሪሕነት ብምድራቕን ኣነ ዘይፈልጦ ኣገባብ ዝተዓዘብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሓባር ዝመረጽናዮ መሪሕነት ከም መሪሕነት ነቲ ደጋፊ ውሳኔ ዝዀነ ኣባል ጥራሕ። ነቲ ሰልፊ’ውን ከምኡ ክዝረብ ምስ ሰማዕኩ ብሓቂ ንመጀመርያ ግዜ ዘስደምምን ዘደንጽውን ምንባሩ ምግላጸይ፡ ከምሰብ ርእይቶይ ዝሃብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ኣውንታዊ ሓሳብ ንጥርናፈ ዝቃለስ ደገፍ’ውን ዘይጽበየሉ ኣይኮነን። እንተዀነ እቲ መልሲ ተጻይን ክዕጸፍን ክምለስን ዘይከኣል ምንባሩ፡ ንዓይ ሓድሽ ባህሪ ኣብ ቃልሲ ምንባሩ ክሓብኦ ኣይደልን። እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ኣኼባ ዝበልክዎ ኣንጻር ዕግብተይ ክቅጽል፡ ንዓይ ከም ውልቀ ኣብ ሰልፊ’ውን ከም ኣባል ከምዚ ክኸዶ ዝጸንሐ ኮይኑ ቅኑዕ ኮይኑ ስለዘይተሰምዓኒ ኣባልነት ሰዲህኤ ስሒበ ምህላወይ ክገልጽ እፈቱ። እዚ ጠቂሰዮ ዘለኹ ግን መወዳእታ እምበር ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ክግበርን ክስራሕን ዝጸንሐ ብዓኒ ነቀፌታ ዝርእዮ መጀመርያ ኣይኮነን። ከም ሰብ ኩሉ ክጋገ ይኽእል። ከም ሰብ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተጋገኽዎ እንተሃለወ ከኣ ይቕሬታ እንዳሓተትኩ መልእኽተይ ኣብዚ ይዓጹ።
ብጻይኩም
ኣንቶንዮ ተስፋይ
24 መስከረም 2017