
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪኡ የማነ ገብረኣብን ሎሚ ንኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
ኣብ ትዊተሩ ናይ ሰላም ብጻየይ ክብል ዝገለጾ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝገበረሉ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።
ብተወሳኺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ኣሕመድ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እንቋዕ ናብ ካልአይቲ ቤትካ ብደሓን መጻእካ ክልብ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዩ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተበገሰ ድማ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ 'ኣብ ኣገደስቲ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኮረ ዝርርብ' ከምዘካይዱ ኣቶ የማነ ገሊጹ።
እዞም መራሕቲ፡ ድሕሪ ሽልማት ሰላም ኣብዩ ኣሕመድ ንመጀመርያ ግዜ እዮም ዝራኸቡ ዘለው።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ብምፍጣሩ እዩ ብኮሚተ ኖቬል ተሸሊሙ።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50910192