ፕረዚደንት ቦሊቭያ ኢቮ ሞራለስ፡ ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ለቒቁ

2019-11-11 10:10:32 Written by  BBC Published in English Articles Read 1626 times

 

ኢቮ ሞራለስ Image copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ኢቮ ሞራለስ

ፕረዚደንት ቦሊቭያ ኢቮ ሞራለስ፡ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ መረጻ ብዝተልዓለ ናዕቢ እዩ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ንሱ ከምዝተዓወተ ምስገለጸ ብምኽንያት ዝተልዓለ ናዕቢ፡ ኣዛዚ ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ክለቅቕ ጸቕጢ ገይሩሉ እዩ።

ኣጻረይቲ ኣብቲ መረጻ ዘይስሩዓት አካይዳታት ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ንሱ ግን ዕልዋ ከምዝተፈጸሞ እዩ ዝገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ደገፍቱ ዝኾኑ ፖለቲከኛታትን ቤተሰቦምን ጥቕዓት ይፍጸም ስለዘሎ፡ ነዚ ንምክልኻል ስልጣኑ ከምዝገደፈ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሞራለስ፡ እቶም ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ወገናቶም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጥቕዓት ጠጠው ከብሉ ተማሕጺኑ።

ተቓወምቲ Image copyright Reuters

ብተወሳኺ ምክትል ፕረዚደንት ኣልቫሮ ጋርሺያ ሊነራን፡ ፕረዚደንት ሰኔት ኣድርያና ቫልቫቴራን እውን ስልጣኖም ብፍቓዶም ለቒቖም ኣለዉ።

እቲ ፕረዚደንት ብፍቓዱ ስልጣኑ ብምግዳፉ እቶም ተቃወምቲ ሓጎሶም ገሊጾም።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50372305

 

Last modified on Monday, 11 November 2019 11:55