
ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ክፍጽም ሎሚ ንግሆ ኣስመራ ከም ዝኣተወ ሚኒስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።
ክልቲኦም ወገናት 'ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባር ከምኡ'ወን ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ረብሓታትን' ክዘራረቡ ምዃኖም ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽዴ ኣካል እቲ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም'ውን ሓደ ካብቶም ናብ ኣስመራ ዝበጽሑ ዘለዉ ልኡኻት ኢትዮጵያ እዩ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 9 ሓምለ 2018 ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ሓባራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን ነይረን። እተን ስምምዓት፡
- ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ።
- ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክሰርሑ እዮም።
- ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያን ንግድን ተለኮሚኒኬሽንን ርክብ፡ እንደገና ክጅምር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ እዩ።
- ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪትግበር እዩ።
- ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ እየን።