እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ እታ ሃገር „ሕቶ ዝስተ ማይ ፈቲሐ ኣለኹ“ ዝብሎ ዝነበረ ጃህራ ሓሶት ምዃኑን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ማይ ሕጽረት ወዲቑ ከም ዘሎን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ምንጭታትን ንመገሻ ኣብ ኤርትራ ጸኒሖም ናብ ዝነብርሉ ሃገር ዝተመልሱ ወገናትን ሓቢሮም።
ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ምናልባት ማይ ዘዝውራ መካይን እንተረኸበ ክጽበ መስርዕ ሒዙ ከም ዝሓድር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ብሰንኪ ስእነት ነዳዲ እተን ማይ ዘዙራ መካይን፡ ከም ዘይረክባ ምናልባት እንተረኸባ ከኣ ዋጋ ሓደ በርሚል ማይ ክሳብ 60 ናቕፋ ከም ዝበጸሐን ነዚ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘየብሎም ወገናት ብጽምእን ርስሓትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እዞም ምንጭታት ኣተሓሒዞም ሓቢሮም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዙሕ ወጻኢ በሊዑ ዝተሃንጸ ዲጋ ገርሰት ጠቕሚ ክህብ ከም ዘይከኣለን፡ ኣብዚ ከባቢ ሞስነኣዊ ዕዮ ከካይዱ ዝተመደቡ መንእሰያት ናይ ሕርሻ ምሁራት መኺኖም ከም ዝተረፉ እዞም ምንጭታት ኣቃሊዖም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ 2015 ዋጋ ሓደ ድልዱል ብዕራይ ክሳብ 17 ሺሕ ናቕፋ በጺሑ ዝነብረ ኮይኑ፡ ኣብ 2017 ግና እዚ ዋጋ ናብ 7 ሺሕ ናቕፋ ከም ዝወረደን፡ ናይዚ ምኽንያት ቁጠባዊ ዕቤት ዘይኮነስ፡ ኣብታ ሃገር ዝርጋሐ ናቕፋ ብምጥፍኡ ዝጋጠመ ቅልውላው ዝፈጠሮ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2017 ኣብ ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተሰዱ ኤርትራውያን እቶም 756 ወተሃደራት ምንባሮም ካብ ከባቢ‘ቲ መደበር ስደተኛታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቶም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ዝተሰዱ ሲቪል ኤርትራውያን ቁጽሮም ካብቶም ወተሃደራት ዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ከም ዝነበሮም ኣብቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬራ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ ተመሳሳሊ ግዜ ብወገን ዓድታት ዓይላ ጉንደት ዞባ ደቡብ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ነፍሰ-ጾራትን ኣደ ቆልዑትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ኣብ ኢድ ወተሃደራት ኤርትራ ስለ ዝወደቑ፡ ናብ ከተማ ዓዲ ዃላ ምስ ተወስዱ ከም ናይ ውግእ ምሩኻትን ገበነኛታትን ተወሲዶም ህዝቢ ንክስክሕ ኣብ ጐደናታት ኣብ ጸሓይ ጨንቀራዕ ክብሉ ከም ዝተገደዱ ተፈሊጡ። ኩነታቶም ኣደንጊጽዎም ነበርቲ እታ ከተማ ዝብላዕ መግብን ዝስተ ማይን ከቕርብሎምን ኣብ ጽላል ከዕቁብዎምን ሓቲቶም በቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ወተሃደራት ከም ዝተኸልከሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ እቶም ወተሃደራት ካብ‘ቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ናብ ዘይተፍልጠ ቦታ ወሲዶም፡ ነቶም ዓበይቲ ግና ነፍሰ-ጾራት እውን ከይተረፋ ኣብ ዝረሓት ጽርግያ ኣዋፊሮም ብጉልበት ክቐጽዕዎም ከም ዝወሰድዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ ዝተዓዘቡ ወገናት ኣብዚ እዋን‘ዚ ዓው ኢሉ‘ኳ ክዛረብ ተዘይከኣለ፡ ብውሽጡ ንጉጅለ ህግደፍ ዝኹንን ዝነጽግን ኤርትራዊ እንዳዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ይሕብሩ።
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መበል 39 ጉባኤማሕበረ- ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሽወደን ብንጡፍ ኣገባብ ተኻፊሉ
Tuesday, 18 April 2017 22:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመበል 39 ጉብኤ ማሕበረ-ዲምክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ብዂለን ዓበይቲ ናይቲ ሃገርመራኸቢ ብዙሓን "ሓድነቱ ዝዓቀበ ሰልፊ" ተባሂሉ እናተገልጸ ኣብ ውሽጢ 8-12 ሚያዝያ 2017 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብዓወት ተዛዚሙ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝዝቢ ኤርትራ ብተዓዛብነት ብምክፋል፡ ኣገዳሲ ርክባት ከካይድ ዕድል ረኺቡ። መዘክር ኣቦ መንበር ሰልፊ እውን ብስፍሓት ዘርጊሑ።
ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ጉባኤ ገዛኢ ሰልፊ ሽወደን እተኻፈለ፡ ምክትል ሓላፊ ሽማገለ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳይ ሰዲህኤኣብ ሽወደን ዝኾነ ሓው ጸሃየ ቀለታ ነይሩ። እቲ ናብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ጉብኤ ክበጽሕ ዝኸኣለ መዘክር ሰዲህኤ፡ ንዘሎ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ምግላጽ፡ ማሕበረ-ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሽወደን ኣብ መበል 37 ጉባኤኡ ብጒዳይ ተቓውሞ ኤርትራ ንዘሕለፎ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ደጊሙን ኣትሪሩን ጸዊዑ። እቲ ውሳኔታት ንናይ ለውጢ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ንምሕጋዝን ነቲ ዘይሕጋዊ ቀረጽ ህግደፍ (2%) ንምውጋድን ዝዓለመ ነይሩ።
መበል 39 ጉባኤማሕበረ-ዲምክራስያዊ ሰልፊ ሽወደንኣብ ከተማ ዮተቦርግ
ኣብ ውሽጢ'ቲ ን5 መዓልታት ዝቐጸለ ጉባኤ፡ ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ (1) ወጻኢ ጒዳይ ምኒስትር ሽወደን፡ ወይዘሮ ማርጎት ዋልስትሮም፣ (2) ክሳዕ መወዳእታ 2016 ምክትል ዋና ጽሓፊ ሕቡራት መንግስታ ዝነበረ ያን ኤልያሶን፣ (3) ኣቐዲማ ዝጸንሐት ኣደ መንበር ሰልፊ ሽወደን፣ (4) ምስ ሓዳስ ሰክረተር ሰልፊ፣ (5) ምስ ምኒስትራት ውሽጣዊ ጒዳትን፡ (6) ስደተኛታትን፡(7) ምክልኻል ሃገርን፡ (8) ኣቦ መንበር ማሕበር ሰራሕተኛታትን፡ (9) ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግን ብምርኻብ ኣገዳሲ ሓበሬታታት ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ጒዳይ ኤርትራ ዘሎዎም ጠመተ ከዕዝዙ ጸዊዑ። ንመዘክር ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብምሃቦም እውን ትጽቢት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ሽወደናዊ ሰልፊ ክብ ዝበለ ምዃኑ ከስምረሉ ክኢሉ።

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ናይ ሕ.መ. ያን ኤልያሶንን ወጻኢ ጒዳይ ምኒስትር ዋልስትሮምን ኣብ እተራኸበሉ ደቓይቕ።
ጉባኤታት ማሕበራዊ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሽወደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ሎሚ ዘበን ኣብ ድሮ ምጅማር ጉባኤ ኣሰንባዲ ግብረ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ስቶኮልም ርእሲ ከተማ ሃገር ሽወደን ብምፍጻሙ ኣብ ጉብኤ ፍሉይ ስምዒታትን ስጥመትን ኣኸቲሉ። ብኡ መሰረት ከኣ መሪሕ ጭርሖ ጉባኤ “ዉሕስነት ኣብ ሓድሽ መዋእል” ዝብል ኮይኑ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ሽወደን ምውሓስ ልዕሊ 10,000 ፖሊስ ክሳብ 2024 ዓ.ም. ክምልመሉ ጉባኤ ብሙሉእ ድምጺ ዉሳኔ ኣሕሊፉ። ብምቅጻል “ናይ ሃገር ሽወደን ኣገባብ (ቅዲ)” ዝብል ኣምር ተኽቲሎም 350 ኣባላት ጉባኤ ሓዳስ ዋና ጸሓፊት ክትከውን ንለና ሮድስትሩም ባኣስታድ (Lena Rådström Baastad) መሪጾም።ንጀኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ዝርጋሔ ኣባላቱ ተመርኲሱ ከኣ ሓደስቲ ኣባላት ናብ ኣካያዲት ሽማገለ ሰልፊ ወሲኹ ብምሉእ ድምጺ መሪጹ። ምስኡ እውን እዞም ዝኽተሉ ገለ ካብ ኣገደስቲ ኣካታዕቲ ዝነበሩ እዋናውያን ሕቶታት ተላዒሎም ውሳኔ ተወሲዱሎም፡-
- ንጹር ስርዓተ ሕጊ ንመኽሰብ ምንዳይ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ሕክምና፡ ኣብ ክንክን ኣረጋውያን ደው ክብል ።
- ኣብ ቤት ትምህርትታት ሃይማኖታዊ እምነት ምምሃር ደው ክብል።
- ኣገባብ ንትምህርቲ ዝውሃብ ደገፍ ገንዘብ ብደቂቅን ጥንቃቀን ክርኤ።
- መንበሪ ገዛ ባዕልኻ (ብዉልቀ) ምርካብ ዝብል ብዘገምታዊ መገዲ ደው ክብል።
- ሰልፊ ኣንጻር ምኽልካል ናይ ጎደና ለመንቲ ምዃኑ።
- እምቢ(ኣይፋል) ንኣባል ወተሃደራዊ ምሕዝነት ሓድነት ሃገራት ኤውሮጳ።
- እምቢ (ኣይፋል) ቀረጽ ንሽኮር
- ስሩዕ መደብ ንዉልቀ ዉሕስነት ሂወት እርጋን ምትእትታው ቀዳምነት ክወሃብን።
- ናይ ሃገር ሽወደን ሕጊ ኣቃባብላ ስደተኛታትን ቀረብን፡ ካብ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ክፍለ ከም ዘይብሉ ።
- ሰልፊ ንምሃብ ቀዋሚ መንበሪ ምዕቃብ መትከሉ ኮይኑ፡ ንምጥርናፍ ስድራቤት ተኽእሎ ክህሉ ነዚ ከኣ ምስ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ብምስምማዕ ክኸውን።
- ንትሕቲ ዕድመ ሓተቲ ዕቅባን ኣተሓሕዞኦምን ካብ ሃገር ሽወደን ናብ ትውልዲ ሃገሮም ምምላስን ክጽናዕን፡ ነጻ ምዉጻእ ዳዊት ኢሳቅን.....ዝብሉ ዉሳኔታት እዮም።
EPDP Attends 39th Congress of Swedish Social Democratic Party in Gothenburg
Tuesday, 18 April 2017 22:13 Written by EPDP Information OfficeThe Eritrean People's Democratic Party (EPDP) attended on observer status the 39th Congress of the Swedish Social Democratic Party (SAP) held between 8 and 12 April 2017 in Gothenburg, the country's second largest city after Stockholm.
Representing the EPDP at the Congress was Mr. Zehaie Keleta, the deputy chairman of the Sweden Committee for the EPDP foreign office. Himself a SAP member, the EPDP representative could hold wide-ranging contacts and side-talks with party members and government officials in addition to distributing in an effective manner the solidarity message addressed to the congress by EPDP Chairman, Mr. Menghesteab Asmerom.
The Congress in Gothenburg elected Lena Radstrom Baastad as new Party leader
The EPDP message urged the congress to revisit and put into concrete action its two resolutions on Eritrea adopted at its 37th Congress. It is to be recalled that the two resolutions pledged to support Eritrean non-state actors struggling for democratic change in their country and to take measures towards stopping the Eritrean regime from collectings its illegal 2% tax from Swedes of Eritrean origion and refugees.
During the 39th Congress of the fraternal Swedish SAP party, which is also the leading party in the ruling coalition it formed, Mr. Zehaie Keleta made an impressive outreach with party leaders and government ministers. Besides holding sufficient explanatory talks with Ms. Margot Wallstroem, the Swedish Foreign Minister, and with Mr. Jan Eliasson, a veteran top Swedish politician and former UN deputy secretary general, the EPDP delegate also meet for brief chats with the outgoing and incoming chairwomen of the Swedish party; with ministers of interior, migration/refugees, finance, national defence, the chairman of the Swedish trade unions as well as with the Mayor of Gothenburg.

EPDP delegate in souvenir poses with UN's Jan Eliasson and Foreign Minister Wallstroem.
At its opening, the congress was under the shock of the tragic terrorist act in the Swedish capital of Stockholm that claimed many lives. At the same time, the incident energized the unity and resolve of the party for serious action to strengthen measures on national security and as such agreed for the training of up to 10,000 policemen between now and 2024.
The 350 voting delegates elected by acclamation the 43-year-old Lena Radstrom Baastad to be the new party chairperson.
Resolution adopted by the 39th SAP Congress were based on their long-held social democratic principles.
Printed below is the full text of the EPDP Chairman's message to the Congress of the Swedish Social Democratic Party:
Eritrean Message to Congress of Fraternal
Swedish Social Democratic Party
8 April 2017
Distinguished Congress Delegates,
This is a modest Eritrean memorandum to your Congress wishing you a successful convention that addresses all the issues listed in your Agenda as well as those issues adopted as future undertakings of parties in the Progressive Alliance of which we in the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) are founding members.
It is with trust and hope for action that we recall the two important resolutions of your 37th Congress in support of Eritreans struggling for democratic change in our country.
It is known to you congress delegates that Eritrea became a sovereign state at the end of long struggle for self-determination and national independence. When Eritrea became independent over a quarter of a century ago, we and our friends hoped to see a model African state. Sadly, what Eritreans experienced in the last 26 years has been different from their long-awaited dreams for peace, security and democracy. The country still remains without a constitution, without an elected government, without freedom of press, religion, association; without freedom for domestic mobility … and the people are being subjected to all kinds of abuses.
Today's Eritrea leads Africa in being the number one jailer of journalists and violator of basic human and political rights. The shocking picture of cruelty in today’s Eritrea can be illustrated by mentioning cases of thousands of prisoners, including the Swedish Dawit Isaac.
Dear Congress Delegates,
It is time to recall that all freedom-loving progressive forces, including your party, were in the forefront of fighting colonialism several decades ago. However, those same progressive friends did little to help bring about democracy and the rule of law in Africa. We therefore wish to call on you to address that question, and give urgent attention to Eritrea.
The urgent message from us in the EPDP today is the call upon this Congress to support in a concrete manner, and based on its 37th Congress resolutions, the promotion of human rights, democracy and the rule of law in Eritrea through non-state political and civil society actors in exile that are opposed to the repressive regime in the country.
It is also appropriate for this message to refer to the shocking terrorist incident in Stockholm the other day that we condemn in the strongest terms possible. We hereby convey to the affected families and the Swedish nation as a whole our deepest sympathies and condolences.
We once again wish this Congress a resounding success!!
NB: We are proud to pass this modest message to your august Congress through our party member, Mr. Zehaie Keleta, who is also one of your Congress participants.
Respectfully yours,
Menghesteab Asmerom,
Chairman, Eritrean People's Democratic Party (EPDP) in exile.
ዋዕላ መንእሰያት ህግዲፍ ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ፈልደሆቨን፡ ብዕሊ ተኸልኪሉ
Friday, 14 April 2017 20:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤእቲ ትማሊ ዕለት 13-04-2017 ብመንእሰያት ኤርትራውያን ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ዝተመደበ ዋዕላ ስርሑ ብምኽንያት ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ደምበ ተቓውሞ ከይጀመረ ተቋሪጹ። እቲ ውሳኔ ከኣ በቲ ከንትባ ናይታ ከተማ ዝሃቦ ውሳኔ እዩ። በዚ ውሳኔ እዚ ዘይዓገበ ስርዓት ህግዲፍ ክሲ ኣቕሪቡ ሎሚ ዕለት 14-04-2017 ስዓት 15:00 ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ቤት ፍርዲ እቲ ከንቲባ ዝወሰኖ ውሳኔ ኣጽድቑ። እቲ ዋዕላ ብዕሊ ከምዝተከልከለ ተፈሊጡ ኣሎ። ከምኡ እውን እቶም ናብዚ ዋዕላ ዝመጹ ድማ ሎሚ ክሳብ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ካብቲ ሆተል ግዒዞም ክሓድሩ ከምዘለዎም ተነጊርዎም ኣሎ። ነዚ ንምክትታል ድማ ናይ ፖሊስ መኻይን ኣብ ቀጽሪ ናይ’ቲ ሆቴል ይርኣያ ኣለዋ።
ተሳተፍቲ ዋዕላ ነዛ ናይ ገለ ሰዓታት ዕድል ዝረኸብዎ ህዝቢ ንምድንጋር ግን ዓዲ ኣይወዓሉ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆተል ኮይኖም ኣይተኸልከልናን ንመበሊ ዝከውን ብፈስ ቡክ ኣቢሎም እናሳዕስዑ ከርእዩ ፈቲኖም። እዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ ግን፡ ንንጥፈታት ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኣውሮጳ ኣስጋኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓቢ ክስራን እዩ።
ብዕለት 07.04.2017 ኣርባዕተ ነፍሳት ዘጥፍኤን 15 ድማ ዘቁሰለን ኣሸባሪ፡ ሽዑ ንሽዑ ብጭቡጥ ምኽንትያት ተታሒዙ፡ ብ11 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ብኣኽባር ሕጊ ተከሲሱ ኣብ ፍርዲ ድሮ ቀሪቡ። እቲ ወዲ 39 ዓመት ኣሸባሪ፣ ቤት ፍርዲ ብዝቀረቦ ጭቡጥ መረጋገጺ ማለት ናይ ቅትለት መደቡ ቅድሚ ምፍጻሙን ድሕሪ ምፉጻሙን ብቋንቋ ሩስያ ብተለፎን ካብ ዘማሓላለፎ መልእኽትታት ዝተጠልፈ ዝርዝርብ "ክሳብ 4ተ ሰባት ቀቲለ ዕጉብ እየ ብዉጺኢቱ" ዝብል ከምዝነበሮ ቀሪቡ። በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ወሲኑ።
ናይዚ ግብረ እከይ ኣሸባሪ ጥበቃ ድማ፡ ብዕሊ ከም ዝኣመነ ንመራኸቢ ብዙሓን ሃገር ሽወደን ብወግዒ ሓቢሩ። እቲ መርመራ ግና ጌና ምንጩን ተሓበርቱን ንምፍላጥ ቀጻሊ ምዃኑን ጊዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ። ድሮ ከኣ ሓደ ተሓባባራይ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከም ዘሎ ይፍለጥ። እዚ ወዲ ኡዝበኪስታን ኣቦ 4ተ ቆልዑት ኮይኑ ብጸጥታ ሃገር ሽወደን ፍሉጥ ከም ዝነበረን ኣድራሽኡ ኣብ ካልእ፣ ዝቅመጠሉ ኣብ ካልእ ኮይኑ ፡ ኣብ 2016 ዕቅባ ሓቲቱ ከም ዝተነጽገን ተሓቢኡ ይነብር ከምዝጸንሔ ንሃገሩ ክጥረዝ ይድለ ከም ዝነበረን ፖሊስ ሓቢሩ። ናይዚ ግናይ መጥቃዕቲ ግዳይን ሂወቶም ዝሰኣኑን 4ተ ከኣ ጓል 11 ዓመት ሽወደናዊት፡ ጓል 31 ዓመት በልጂካዊት፡ ወዲ 31 ዓመት እንግሊዛዊ ጓል 69 ዓመት ሽወደናዊት እዮም። ድሕሪ እዚ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከኣ መበል 39 ዓመት ጉባኤ ደሳዊ ዲሞክራስይዊ ሰልፊ ሃገር ሽወደን ንዉሑስ ሂወት ህዝብን ሃገርን ሽወደን ንምሕያል ክሳብ ዓመተ 2024 ክልተ ቤት ትምህርቲ ምልመላ ፖሊስ ክኽፈት ኣስታት 10.000 ፖሊስ ክዉሰኽ ኣሎዎ ዝብል ወሳኔ ትማሊ ዕለት 11.04.2017 ብምሉእ ድምጺ ኣሕሊፉ።
ብዕለት 09.04.2017 ጨንፈርሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 16፡00 ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ድሕሪ ምኽፋቱ፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ። ኣብዚ እዋን‘ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተረረይኸይድ ምህላዉ ብዙሕ ኣብነታት ብምጥቃስ፣ ኣተሃላልዋ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኲነታትወዲቁ ምህላዉ ተዘራሪቡሉን ቃልሱ ከሐይል ከም ዘለዎ ተመባጺዑን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ን ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ድማ ናእዳኡ ገሊጹ። ሰልፍኻ ምፍላጥ ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓ ብሕቶን መልስን መልክዕ ናይ ሓድሕድ ምምህሃር ተኻይዱ።
ብድሕሪ‘ዚ ኣብቲ ካብ ዕለት 24-26/03/2017 ኣብ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ናይ ኣባላት ሰዲህኤ ናይ ኤውሮጳ ዋዕላን ውጽኢቱን ኣመጒሱን ንምትግባሩ ተሪሩ ደው ክብል ምዃኑን ድማ ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ኣብቲ ኣገዳስነት ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ሕጋውነትን ዲሲፕሊንን ሰልፊ ንቅድሚት ክንደፍእን ሰልፍና ኣሐዲስና ተሪርና ክንቃለስን ከም ዘሎና ዝብልንሓደ ካብቲ ኣርእስትታቱ ደገፉ ብምግላጽ፡ ተቢዑ ክቃለሰሉ ምዃኑ‘ውን ኣስሚሩሉ።
ኣብ መወዳእታ‘ውን መንእሰይ ክብሮም ኣባል ሽማግለ ጨንፈር፡ ‘‘ንእስነት” ዝብል ካብ መወከሲታት ዘቕረቦ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባቡ፡ ዋላ ቃልስና እንተነውሐ ክወግሕ እዩ፡ እቲ ዝነውሐ ለይቲእውን ሓላፋይ‘ዩ፡ ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ኣሎ፡ ድሕሪ ጸገም ድማ ራህዋ ስለዘሎ፡ ስርዓት‘ውን ከምኡ ብምዃኑ፡ ሕጋውነት ኣኽቢርና ጥራሕ ንቃለስእምበር፡ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ነባሪ ኣይኮነን፡ ዝብልሰፊሕ ተወሳኺ መብርሂታት ብምሃብ ብፍላይ ንመንእሰያት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።
ድሕርዚ ዝቐረበ ሰፊሕን ኣገዳስን ኣስተምህሮ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ኣብ ሰዓቱ ተደምዲሙ፡ ናይ መጻኢ ዕለተ ኣኼባ ጨንፈር እውን ንተሳተፍቲ ተሓቢሩ።
ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ9 ማዝያ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ብመንግዲ ኤክትሮኒካዊ መራኸቢ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣቶ ሃይለ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ “ጐናዊ ኣተሓሳስባ ንምሕዳስ ሰልፍና ( lateral thinking for renewing our party) » ዝብል እዩ። ንሱ ኣብዚ ኣስተምህሮኡ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓንሳብ ኣብ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ ምድራቕ ዘይኮነ ንዝፍጠር ምዕብልናታት ዝምጥን ዝጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ናይ ዓወት ውሕስነት ምዃኑ ብኣብነታትን ዕዉት ተመኩሮታትን እንዳሰነየ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ኣብ መስርሕ ሓደ ቅኑዕ ኢልካ ዝኣመንካሉ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ናብ መድረኽ ምምጻእ ሃናጺ ኮይኑ፡ እንተኾነ « ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ እቲ ካልእ ግና ግጉይ እዩ » ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምርሓቕን ንጉዳያት ኣስፊሕካ ምርኣይን ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ሰባት ኣብ ዝተሰርሐ ጉዳይ ሚዛን ኣብ ምሃብን ምንቃፍን ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ምምስርሑ ኮይኖም ከበርክቱ እንከለዉ ናብ ምዕቡል ውጽኢት ከም ዝመርሕ ገሊጹ። ናይ ለውጢ ወናኒ ወይ ተጠቃሚ ክትከውን፡ ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ክትልውጥ የድሊ ዝበለ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ እትደልዮ ምዕባለን ለውጥን ካብ ኢድ ካለኦት ምጽባይ ዘይኮነ ናትና ኣበርክቶ ክንሕውስ ናይ ግድን ብዛዕባ ምዃኑ ከኣ ተንቲኑ። ኣተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ ኩሉ ጉዳያት ኣቐዲምካ ጽጹይ ሓበሬታ ምርካብ ርትዓዊ መፍትሕታት ንምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ ንጉዳያት ደዋዊስካ ብጥቕሉል ምቕራብ ሓጋዚ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ። ነዚ ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ ድማ « ኣብ ውሽጢ እቲ ግጉይ እንብሎ ቅኑዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግማትን መሚኻ ክትረኽቦ ምጽዓርን ኣገዳሲ እዩ » ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ሰፊሕ መብርሂ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ሃነጽቲ ርኢቶታትን ቀሪቦም። እቲ ቀንዲ ዝተንጸባረቐ ከኣ ኣብ ዙርያ « ነዚ ሳይነሳዊ/ስነ-ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ከመይ ጌርና ምስ ዕለታዊ ህይወት ሰልፍና ነዛምዱ » ዝብል ነይሩ። ኣቶ ሃይለ ኮነ ካልኦት ተሳተፍቲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝሃብዎ ርኢቶ ከኣ፡ ነዚ ሳይነሳዊ ሓቂ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቅድሚ ኩሉ ደሞክራስያዊ መትከላት ኣጽኒዕካ ምሓዝ ከም ዘድልን እዞም ከም ናይ ብዙሓት ግዝኣትን ናይ ውሑዳት መሰል፡ ደሞክራስያዊ ማእከልነትን ግሉጽነትን ዝኣመሳሉ መትከላት ከየጽናዕካ ዝተሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ውሕስነት ከም ዘብየሉን ኣብሪሆም። ተሳተፍቲ፡ ነዞም ደሞክራስያዊ መትከላት ዘለዎም ምእዙዝነትን ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምምንጫውን ዘለዎም ቅሩብነትን ብብሩህ ኣመዝጊቦም። ኣብ ክሊ እዚ ዝኾነ ኣካል ንቕኑዕ ቅኑዕ፡ ንግጉይ ድማ ብድብድቡ ዘይኮነ፡ መተካእታኡ ኣቕሪቡ ግጉይ ናይ ምባል መሰሉ ሕልዊ ምዃኑ ብብሩህ ሰፊሩ።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ንኣዳለውቲ መደብን ኣስተምህሮ ንዝሃበን ኣመስጊኖም ንመጻኢ እውን ኣገደስቲ እዋናዊ ኣርእስታት እንዳተመርጹ ስሩዕ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ኣተሓሳስባ ናይ ምሕያል መስርሕ ኣስተምህሮ ንክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃትን ፈተውቲ ሰላምን ዝዀኑ ዜጋታት ሽወደን፡ ብ7 ሚያዝያ 2017፡ ኣብ ሕምብርቲ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን፡ እተወስደ 4 ዝሞትሉ ብዙሓት ድማ ዝቈሰልሉ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዝሰንበደን ከምዝጉሃየን ይገልጽ።
ሰዲህኤ፡ ነዚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ’ዚ ብትሪ እናዀነነ፡ ንህዝብን መንግስትን ሽወደን ብሓፈሻ፡ ንስድራ ቤት ምውታት ድማ ብፍላይ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቱ የመሓላልፍ። ነቶም ቍሱላት ድማ፡ ምሉእ ጥዕና ይምነ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
10 ሚያዝያ 2017
To the Government and People of Sweden
Sunday, 09 April 2017 11:12 Written by EPDP Information OfficeThe Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) was shocked by the news of a terrorist attack on innocent and peace loving citizens that took place in 7 April 2017 in the center of Stockholm, the capital city of Sweden, where by 4 were killed and many more injured.
The EPDP condemns this cowardly act and expresses its condolences to the government and people of Sweden in general and the families who lost their loved ones in particular and hopes for quick recovery of the injured.
Menghesteab Asmerom
EPDP Chairman
10 April 2017