ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ
2026-01-24 13:38:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤት Published in EPDP News Read 189 timesኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው
ምኽትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ፡ ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው ካብ 24 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ኣንበሳደር ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፡ ኩባንያታትን ኣውፈርትን ኣሚሪካ፡ ኣብ ግብጺ ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ከም ዝዕዘብ ወሃቢ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። ከምኡ እውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ኣሚሪካ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ቁጠባዊ ትካላት ከም ዝራኸብን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ተራኺቡ ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ። ከምኡ ድማ ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ብዛዕባ ሰላምን ንግዳዊ ምትሕብባር ኣሚሪካን ኣፍሪቃን ከም ዝዝቲ ተፈሊቱ’ሎ።
ብዘይካዚ እቲ ኣንበሳደር፡ ኣብ ኬንያ፡ ብዛዕባ ንግዳዊ ጉዳያትን ጉዳይ ምንቅስቓስ ፈጠርቲ ራዕድን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ከም ዝዛረብን ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሀይትን ኣብ ካልእ ምርግጋእን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝምልከት ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ጅቡቲ ድማ ብዛዕባ ግደ መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ንግዳዊ ንጥፈታትን ከም ዝመያየጥ ተፈሊጡ። ምስዚ ኩሉ ከኣ እቲ ኣንበሳደር ቀዳምነታት ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ መዳያት ምርግጋጽ ንግድን ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ከም ዘስርጽ እውን እቲ ንመገሽኡ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ መግለጺ ኣረዲኡ።