ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠር ውግእ ኣስጋኢ’ዩ ተባሂሉ
2026-01-25 09:09:00 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 203 timesዊልያም ጋውንርላይ፡ ዝተባህለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝበጸሐ ኣውስትርያላዊ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ኢትዮጵያ ነታ ንእሽቶ ጐረቤታ ሃገር ኤርትራ ወደብ “ዓሰብ ክወስድ እየ” ብዝብል ከተፈራርሓን ከተስግኣን ትፍትን ከም ዘላ ገልጹ። ነዚ ዝገለጸ ናብ ኤርትራ ገይሹ ካብ ዝተዓዘቦ ስምዒት ዝተረደኦ ምዃኑ ጠቒሱ ኮንቨርዘሽን (conversation) ኣብ ዝተባህለ መርበብ ኣብ ዘውጸኦ ትዕዝብታዊ ጽሑፍ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ብምምላስ “ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጥረ ናይ ታሪኽ ጌጋ ከነእርም ኢና “ ከም ዝበለ’ውን ኣብቲ መጽናዕታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ።
ኣብቲ መገሻኡ ኣብ ጐደናታት ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ፡ ግብረ-መልሲ ናይቲ ህዝቢ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እንታይ ምዃኑ ኣይስማዕን ኢሉ እቲ ጸሓፊ። ኣብ ኤርትራ መዲያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር መንግስቲ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣዝዮም ውሱናት ደቂ ኣስመራ ግና ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ምዕባለታት ኣፍልጦ ዘለዎም ይመስሉ ከኣ ይብል።
እዚ ምስ ውሱናት ነብርቲ ኣስመራ ምቅርራብ ምስ ገበርኩ ዝተረዳእኩዎ እዩ እውን ኢሉ። እቶም ውሱናት ክዛረቡ ዝደፍሩ ኣብ ትሕቲ’ቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝኸፈአ ወጽዓ ኮይኖም ዝዛረቡ እዮም ክብል ድማ ገሊጽዎም። ህልዊ ዝምድና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ድማ ነቲ ህዝቢ ኣጨናቒ’ዩ ኢልዎ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ግዱድ ውትህድርና ንከቐጽል ዕድል ከም ዝኸፈተሉ ዝገለጸ እቲ ኣወስትርያላዊ ጸሓፊ፡ ዓሰብ ካብ ሽዑ ንደሓር ንኢትዮጵያ ንግዳዊ ኣገልግሎት ምሃባ ከም ዘቋረጸት ምርድኡ ገሊጹ።
ኣብቲ ርክቡ ምስ ህዝቢ፡ ሓደ ሰብ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ወተሃደራዊ ምድላው ምግባርን ሓድነት ኤርትራውያን ምድልዳልን ኣድላይ ነይሩ ኢሉኒ ድማ ይብል። ኢሳያስ ግና ጌና ሎሚ እውን ዝቃወምዎ ኣብ ምህዳን ምህላዉ ከም ዝገለጸሉ ከኣ እቲ ጸሓፍን ተመራማርን መስኪሩ።
እዚ ጸሓፊ ንድሕሪት ምስል ኢሉ፡ ኢሳያስ ብምዕራባውያን፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ነጻ ዕዳጋን ከሰጉም’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ከም ዝነበረን፡ በዚ መሰረት ብ1995 ብናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ቢልክሊንተን ኣብ ዋይትሃውስ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኪሩ።