EPDP News

Mr. Menghesteab Asmerom, Chairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) made a stop-over in Chicago on 1 July 2017 and met with Eritrean compatriots on the timely subject of lack of joint work in the Eritrean opposition and how to address it as a matter of urgency.

 

In opening the meeting, Mr. Tewelde Mehari from the Indiana branch of the EPDP, warmly welcomed the party Chairman to Chicago and regretted that unforeseen social obligations hindered a good number of interested Eritreans from joining the open discussion.

Mr. Menghesteab Asmerom outlined the existing common understanding of fundamental principles and positions of political organizations in the fragmented Eritrean opposition in diaspora and dwelt on the contents of the recently released EPDP proposal for dialogue towards a joint platform for working in common. 

 

As previously raised and discussed in similar public gathering in the Bay Area and in San Diego, he explained how the opposition organizations can initiate a joint work in the spheres of diplomacy, public mobilization and in the media. His presentation was followed by a lively dialogue focused on the urgency of creating a working common platform for joint work.

 

The EPDP Chairman will continue meeting party branches  and interested members of  Eritrean communities in parts of the United States and Canada. He is scheduled to visit  Seattle, Washington State, during the coming weekend. 

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብ1 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ቺካጎ፡ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ኢዩ ተጀሚሩ።

 

ነቲ ኣኼባ ዝኸፈተ፡ ሓው ተወልደ መሓሪ፡ ካብ ጨንፈር ኢንድያና፡ ንዕዱማት ኣጋይሽ ናይ ምስጋናን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ኣመሓላለፈሉ።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ከም ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ገይሩ ዝተዛረበሉ ኣርእስቲ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝቐረበ፡ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ዝጽውዕ እማመ ኢዩ ነይሩ። ከም መእተዊ ንመግለጺኡ ከኣ፡ ነቲ ሃገር/ደውላ (state) ዝብል ኣምር ብምግላጽ ኢዩ ጀሚሩ።

 

ሃገርን መንግስትን (state and government0 ክልተ ዝተፈላላዩ ኣምራት ምዃኖም ድሕሪ ምብራህ፡ ንመንግስቲ ምቅዋም ማለት ንሃገር ምቅዋም ከምዘይኰነ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ ሃገር ብ4 ኣካላት ዝቖመ ምዃኑ፡ ንሳቶም ድማ፦

1. መንግስቲ

2. ህዝቢ

3. ዶባቱ ዝተነጸረ መሬት (territory)

4. ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኢዮም።

 

1. መንግስቲ፦

ንመንግስቲ ኣመልኪቱ፡ ሓው መንግስትኣብ፡ እቶም ሰለስተ ኣካላቱ ማለት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻር ናይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝውደቑ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

 

2. ህዝቢ፦

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስእነት ሓርነት፡ ስእነት ግዝኣተ-ሕጊ፡ ስእነት ማይ፡ መግብን መንበሪ ኣባይቲ፡ ስእነት ስራሕ . . .ወዘተ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ እታ መስረታዊት ኣሃዱ ናይ ሕብረተሰብ ዝዀነት ስድራቤት ተበታቲና ምህላዋ፤ ስደት፡ መለለዪን መጸውዕን ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ምህላው ድሕሪ ምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ንስደት ከም ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንኽጥቀመሉን ብስእነተ ስራሕ ክፍጠር ንዝኽእል ህዝባዊ ናዕብታታ ንምዕጋትን ኰነ ኢሉ ዘተባብዖ ዘሎ ፖሊሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

3. መሬት፦

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብሰንኪ ጻሕታሪ ግርጭታት ዝዀነ ፖሊሲታቱ፡ ሰፊሕ ክፋል ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ክወድቕ ምግባሩ። ነዚ መሬት’ዚ ብሓይሊ ይኹን ብሰላም ክመልስ ዘይምብቃዑ፡ ንልዑላውነት ሃገር ንሓደጋ ዘቃልዐ ስርዓት ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እውን ማያት፡ መሬትን ሰማያትን ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣሕሊፉ ሂቡ ምህላውን እዚ ኣብ መጻኢ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸገማትን እውን ኣሚቱ።

 

4. ኣህጕራዊ ተፈላጥነት፦

ብቓልስን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ ጌና ኣብ ቦታኡ ዘሎ እኳ እንተዀነ፡ ስርዓት ኤርትራ ብዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት፡ ንሓደጋ ክቃላዕ ከምዝኽእል ድማ ኣዘኻኺሩ።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብሓደ ሸነኽ ኤርትራ ከምሃገር ናብ ፍሽለት ገጻ ተምርሕ ከምዘላ፤ ብኻልእ ሽነኽ ከኣ፡ ነታ ሃገር ካብ ፍሽለት ከድሕን ዝኽእል ዝተጠርነፈ ተቓዋሚ ሓይሊ ዘይምህላው፡ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዘሻቕል ጕዳይ ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ኣድላይነት ናይ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ህጹጽን ዕዙዝን ጕዳይ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ቀጺሉ፡ ዝሓላፈ ተመኵሮታት ናይ ሓባራዊ ዕዮ፡ ብሰንኪ ቀዳምነታት ዘይምስራዕን ብሰንኪ ናይ ህልኽን ኣሉታዊ ናይ ምውድዳር መንፈስን ክሰምር ወይ ክዕወት ከምዘይከኣለ ኣብሪሁ።

 

ነዚ ክውን ንምግባር ድማ፡ ሰዲህኤ፡ ኣብ’ዘን ዝስዕባ መትከላት ዝተሰረተ፡ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናውን ህዝባውን ዕዮ ንምክያድ፡ ምስ ኵለን ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ክኣቱን ድልዊ ምህላዉ ኣረዲኡ።

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤

4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት መሊሱ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድማ፡ ነቲ ብሰዲህኤ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ንሓባራዊ ዕዮ ደገፎም ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ ዝካየድ ኣኼባታት ብሰዲህኤ ጥራሕ ብምዃኑ ፍሉይ ምስጋናን መጐስን ኣቕሪቦም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ25 ሰነ 2017 ኣብ ከተማ ዶርትሙንድ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባአ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀርመን ተሳቲፉ። ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀርመን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 24 መስከረም ዝካየድ ናይ ቻንስሎር ምርጫ ዓብይ ደገፍ ዘለዎ እዩ።

ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብልዑል ደረጃ እትነጥፍን ነቲ ሓደ ናይ ሰልፍና ናይ ቀረባ ፈታዊ ዝነበሮ ልኡኽ መሪሓ። እዚ ልኡኽ መልእኽቲ ምሕዝነት ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብ ሓለፍቲ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀርመን ኣረኪቡ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መልእኽቱ “ንሕና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስም እቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሰላምን ዕቤትን ከምኡ እውን ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ጉባአኹም ኣገዳሲ ዓወት ከመዝግብ ሰናይ ትምኒትናን ናይ ምሕዝነት መልእኽትናን ከነቕርብ እንከልና ሕጉሳት ኢና።” ኢሉ።.

ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣቶ መንግስተኣ ሰዲህኤ፡ ብ2013 ኣብ ሊያፕዚግ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጀርመን ምስ ዝርከቦም ካለኦት መሓዙት ኮይኑ መስራቲ ኣባል ምሕዝነት ገስገስቲ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ጉባአ  ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ምስታፉ ብሓጐስ ዘኪሩ፡ ቅድሚ 4 ዓመት ኣብ መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጀርመን ተሳቲፉ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ኣቶ መንግስተኣብ ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ኤርትራ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀጻልን ንጹር ደገፍ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጀርመን፡  ነተን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘለዋ ነቲ ግፍዐኛ ስርዓት ዝቃወማ ፖለቲካውን ሲቪላውን ተዋሳእቲ  ኣብ ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰል፡ ደሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣቶ መንግስተኣ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብቲ መጻኢ ምርጫ ንዓወት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራስን ሕጽዩ ማርቲን ስቹልትዝን ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

EPDP Attends SPD Congress in Dortmund 2ኣብ ዶርትሙንድ ዝተኻየደ ጉባአ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ 600 ኣባላትን 5,000 ኣጋይሽን ተሳቲፈምዎ።

ኣብዚ ጉባአ ኣቶ ማርቲን ስቹልትዝ ሕጹይ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ንቻንስለርነት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናብ ናጻ ትምህርቲ፡ ምንካይ ናይ ግብሪ ጽዕነት፡ ማእከላይ እቶት ጀርመን፡ ወፍሪ ኣብ ትሕተ ቅርጽን ደገፎም ንውህድቲ ኤውሮጳን ዘተኮረ መጻኢ መደባቶም ሓቢሮም።

 “ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት ኢና ንነብርን ዘለና። ሎሚ ኤውሮጳ እንደጋና ክትፍጠር ይግበኣ” ዝበሉ ኣቶ ማርቲን ስቹልትዝ፡ ንኣገዳስነት ሰብኣዊ መሰል፡ምውጋድ ዓመጽን ኣብ ረብሓ ዝህብ ምውፋርን ብምጥቃስ “ኣብ ህይወተይ ምእንቲ እዚ ሓሳባት ተቓሊሰ እየ። መጻኢ መንግስቲ ነዚኣቶም ንክትግብር ብሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ዝምራሕ ንክኸውን ከኣ በዚ ጐደናዚ ምቕጻል ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግብራዊ ንክኸውን ልባዊ ቃልሲ ምክያድ ዋጋ ዘለዎ እዩ” ኢሎም

The Eritrean People's Democratic Party (EPDP) attended  on 25 June 2017 the Extraordinary Congress in Dortmund of the German Social Democratic Party (SPD)  which was partly a  huge electoral rally in support of the SPD candidate for German Chancellorship elections  on 24 September this year.

Ms Adiam Tefera, EPDP Central Council member and passionate women's rights activist, headed the delegation which included one close friend of the party. The delegation handed over to SPD officials a solidarity message from the EPDP Chairman, Mr. Menghesteab Asmerom.

In his message, the EPDP Chairman said, "We in the Eritrean People's Democratic Party  are pleased to express to this Congress a resounding success and convey  to it a message of solidarity on behalf of Eritreans struggling for democratic change, peace, prosperity and social justice."

He reminded the SPD that the EPDP,  which was a founding member, together with fraternal SPD, of the Progressive Alliance in Leipzig in 2013, is today proud to be amongst the SPD in Dortmund.  He also happily recalled the attendance of EPDP  delegation at the last congress of fraternal SPD and, four years ago, at the 150th anniversary of the founding of the German Social Democratic Party.

Mr. Menghesteab wrote about the current sad situation in Eritrea  and expected concrete support from SPD for "the promotion of human rights, democracy and the rule of law in Eritrea through non-state political and civil society actors in exile that are opposed to the repressive regime in Eritrea."

Finally, he expressed the readiness of EPDP members in Germany to do all what they can to help SPD and its candidate, Martin Schultz,  in the campaign for success in the upcoming German elections.

EPDP Attends SPD Congress in Dortmund 2

The SPD congress in Dortmund was attended by 600 delegates and 5,000 guests

Speaking at the huge gathering, Mr. Martin Schulz, the SPD candidate for Chancellorship, outlined his programme focused free education, reducing the tax burden on low- and middle-income Germans, investing in infrastructure and fostering a united Europe.

“We are living in a time of upheaval. Now Europe must be founded again,” said Schulz, stressing the importance of human rights, disarmament and investing in digital infrastructure. “I have fought for these ideas through my life. It is worth going onto the streets for these ideas, to make sure the next government is a Social Democratic one which will make them a reality. For this idea it is worth fighting with a passionate heart,” he stressed.  

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ 25 ሰነ 2017 ኣብ ከተማ ሳንድየጎ፡ ካሊፎርንያ፡ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ።

 

ነቲ ኣኼባ ዝኸፈተ፡ ሓው መንግስ ሃይለ ካብ ጨንፈር ኣሪዞና፡ ንዕዱማት ኣጋይሽ ናይ ምስጋናን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ግደን ተራን ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ቃልሲ ኣቕሪቡ፡ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ኣመሓላለፈሉ።

San Diego 2

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ከም ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ገይሩ ዝተዛረበሉ ኣርእስቲ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ኣብቀረባ እዋን ዝቐረበ፡ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ዝጽውዕ እማመ ኢዩ ነይሩ። ከም መእተዊ ንመግለጺኡ ከኣ፡ ነቲ ሃገር/ደውላ (state) ዝብል ኣምር ብምግላጽ ኢዩ ጀሚሩ።

 

ሃገርን መንግስትን (state and government0 ክልተ ዝተፈላላዩ ኣምራት ምዃኖም ድሕሪ ምብራህ፡ ንመንግስቲ ምቅዋም ማለት ንሃገር ምቅዋም ከምዘይኰነ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ ሃገር 4 ኣካላት ዝቖመ ምዃኑ፡ ንሳቶም ድማ፦

1. መንግስቲ

2. ህዝቢ

3. ዶባቱ ዝተነጸረ መሬት (territory)

4. ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኢዮም።

 

1. መንግስቲ፦

ንመንግስቲ ኣመልኪቱ፡ ሓው መንግስትኣብ፡ እቶም ሰለስተ ኣካላቱ ማለት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻር ናይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝውደቑ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

 

2. ህዝቢ፦

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስእነት ሓርነት፡ ስእነት ግዝኣተ-ሕጊ፡ ስእነት ማይ፡ መግብን መንበሪ ኣባይቲ፡ ስእነት ስራሕ . . .ወዘተ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ እታ መስረታዊት ኣሃዱ ናይ ሕብረተሰብ ዝዀነት ስድራቤት ተበታቲና ምህላዋ፤ ስደት፡ መለለዪን መጸውዕን ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ምህላው ድሕሪ ምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ንስደት ከም ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንኽጥቀመሉን ብስእነተ ስራሕ ክፍጠር ንዝኽእል ህዝባዊ ናዕብታታ ንምዕጋትን ኰነ ኢሉ ዘተባብዖ ዘሎ ፖሊሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

3. መሬት፦

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብሰንኪ ጻሕታሪ ግርጭታት ዝዀነ ፖሊሲታቱ፡ ሰፊሕ ክፋል ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ክወድቕ ምግባሩ። ነዚ መሬት’ዚ ብሓይሊ ይኹን ብሰላም ክመልስ ዘይምብቃዑ፡ ንልዑላውነት ሃገር ንሓደጋ ዘቃልዐ ስርዓት ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እውን ማያት፡ መሬትን ሰማያትን ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣሕሊፉ ሂቡ ምህላውን እዚ ኣብ መጻኢ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸገማትን እውን ኣሚቱ።

 

4. ኣህጕራዊ ተፈላጥነት፦

ብቓልስን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ ጌና ኣብ ቦታኡ ዘሎ እኳ እንተዀነ፡ ስርዓት ኤርትራ ብዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት፡ ንሓደጋ ክቃላዕ ከምዝኽእል ድማ ኣዘኻኺሩ።

San Diego 3

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብሓደ ሸነኽ ኤርትራ ከምሃገር ናብ ፍሽለት ገጻ ተምርሕ ከምዘላ፤ ብኻልእ ሽነኽ ከኣ፡ ነታ ሃገር ካብ ፍሽለት ከድሕን ዝኽእል ዝተጠርነፈ ተቓዋሚ ሓይሊ ዘይምህላው፡ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዘሻቕል ጕዳይ ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ኣድላይነት ናይ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ህጹጽን ዕዙዝን ጕዳይ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ቀጺሉ፡ ዝሓላፈ ተመኵሮታት ናይ ሓባራዊ ዕዮ፡ ብሰንኪ ቀዳምነታት ዘይምስራዕን ብሰንኪ ናይ ህልኽን ኣሉታዊ ናይ ምውድዳር መንፈስን ክሰምር ወይ ክዕወት ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

SanDiego 4

 

ነዚ ንምፍዋስ ኣብ’ዘን ዝስዕባ መትከላት ዝተሰረተ፡ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናውን ህዝባውን ዕዮ ክካየድ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ። ነዚ ንምግባር ድማ ሰዲህኤ ምስ ኵለን ተቓወምቲ ውድባት ክራኸብን ኣብ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ክኣቱን ድልዊ ምህላዉ ኣረዲኡ።

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤

4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።

SanDiego 5

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ። ኣኼበኛታት ድማ፡ ኣዝዩ ብጋህዲ ዝስምዖም ርእይቶታን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል ፈጥር ኣል ሙባረክ ንዅሎም ኣስላም ዓለም ብሓበራ፡ ንኣስላምን ህዝብን ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፡ ዒድ ሙባረክ ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽቱ የመሓላልፍ።

ኵሉ ዓም ዎ ኢንቱ ብኼር

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

EPDP Information Office

As part of his extended duty tour to the United States and Canada, Mr. Menghesteab Asmerom, Chairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP),

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዝነውሐ ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ንምክያድ ካብ ተዳልዩሉ ዘሎ ከተማታት፣ ናይ መጀመርያ ኣኼብኡ ኣብ በይ-አርያ፣ ከተማ ኦክላንድ ብ17 ሰነ 2017 ዕዉት ሰሚናር ኣካይዱ።

ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ 14 ሰነ 2017 ስሩዕ ኣጀንዳኡ ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት ሰዓታት፡ ኤርትራዊ ማሕበረሰ ሕግን ኣሓት ማሕበራት ሰብኣዊ መሰልን ብዘይካቲ ዓለም ለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርድን ዞባዊ መስርሕን ካልእ መማረጺ ንምድህሳስ ጐናዊ ኣኼባ ኣካይዶም። ዕላማ እቲ ምድህሳስ መማረጺ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ክሳብ 2016 ብዝፈጸምዎ ገበን ዝኽሰሱ ሰባት ተሓተቲ ዝኾንሉ ኩነታት ንምፍጣር እዩ።

 

ኣብቲ ሓያሎ ዝተሳተፍዎ ብዶ/ር ዳንኤል ረዘነ መኮነን ካብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ዝተኣልየ መድረኽ፡ ሱዙኩ ሉንጉ ናይ ሕጊ ክኢላ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ኣዳም ክንፉ ካብ ግዳይ ኤርትራዊ ቤተሰብን ወ/ሮ ሪታ ማዙቺ ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝመደበሩ ሲቪላዊ መድረኽ ቅርኒ ኣፍሪቃን ከም ተዛረብቲ ተሳቲፎም።

 

ዶ/ር ዳንኤል መኮነን ኣብ ዝሃቦ መእተዊ ቃል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመርማሪ ኮሚሽ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ዝተበጽሓ ውሳነታትን መፍትሒ ሓሳባትን ብመንግዲ ዓለም ለኻውን ዞባውን መድረኻት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ብኤርትራውያንን ግዱሳት ሲቪላዊ ማሕበራትን ካልእ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ መንገዲ ምንዳይ እዋናዊ ዕማም ምዃኑ ኣነጺሩ።

 

ዶ/ር ዳንኤል እቲ  መማረጺ መድረኻት፡ ነቶም  ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ጥርጡራት ሰባት ብደረጃ ዞባ ወይ ሃገር ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ከም ዘጠቓልል ጠቒሱ። ወ/ሮ ሱዝኮ ብወገነን ንኣድላይነት ብኣካል ምቕራብ ገበነኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝገለጸኦ ኣብ ዘየለውሉ ምጽራይ ከም ዝከኣል ሓቢረን። እቲ ምጽራይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ እውን ክካየድ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ኤርትራውያን እኹል መርተዖ ክሕዙ ይግባእ ኢለን።

 

መንእሰይ ኣዳም ክንፉ ብወገኑ ብዛዕባ ብ2002 ምስዋር ኣቡኡን ብዙሓት ነበርቲ ሰንዓፈን ብዝርዝር ሓቢሩ፡ ቤተሰብ እቶም ግዳያት ብሰንኪ ተግባራት ስርዓት ኤርትራ ከም ዝተሳቐዩ ከኣ ኣብሪሁ። ወ/ሮ ሪታ ማዞቺ’ውን ናይ ሲቪላዊ መድረኽ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዕላማ ብዝርዝር ጠቒሰን ናይቲ መድረኽ ጽልዋ ኣብተን ዝንቀሳቐሰለን ሃገራት ብዝምልከት ዓሚቝ መግለጺ ሂበን።

 

ኣብቲ ምይይጥ ተሳተፍቲ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ግደ ሲቪላዊ ማሕበራት ግቡእ ግምት ሂቦም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምትግባር እቲ ብመርማሪ ኮሚሽ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ እንታይ ክገብር ከም ዝኽል ብቆላሕታ ርእየምዎ።

 

ቅድሚኡ ሓደ መዓልቲ ብ13 ሰነ 2017 ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ብዝተመርሐ ልኡኽ ነቲ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቐርቦ ዘሎ ብደሆ ዝምልከት ባዕላዊ መከላኸሊ ኣቕሪቡ