6 ውድባት ትግራይ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን

2026-01-22 19:36:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 18 times

ሽዱሽተ ውድባት ትግራይ፡ ብ22 ጥሪ 2026 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እዘን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ኣብ ትግራይ ዕጡቓት ይኹኑ ዘይተዓጥቁ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናብ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዘብጽሕ ናይ ሰፊሕ ኣኼባ ክካየድ ጸዊዐን። እተን ውድባት ነዚ ዝጠልበኦ ዘለዋ ሰፊሕ ኣኼባ ንክግበር ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ እውን ኣብቲ መግለጺአን ኣመልኪተን።

እቲ ዝሓተኦ ዘለዋ ሰፊሕ ዘተ እንኮ መዋጽኦ’ኳ እንተኽኾነ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እዚ ናይ ህልውና ወሳኒ ዝኾነ ስራሕ ከይዕወትን ኣብ ክንዲ ናብ ሰላም ናብ ግጭት ንከምርሕን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክትዕንቅፍ ከም ዝጸንሐት ከሲሰን። ህወሓት ፖለቲካዊ ሜዳ ትግራይ ናይ ሰላም ዘይኮነ፡ ናይ ህውከትን ዓመጽን ንክኸውን ምስ ከም ፋኖን ህግደፍን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ጽምዶ ምክያድ መሪጻ ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።

ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ምስኡ ዝግበር ምሕዝነት ዘይመትከላውን ንወተሃደራዊ ተግባራት ዘገልግልን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺአን ኣስፊረን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ጉዳይ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኣስረ ብሪጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት “ይዕፈኑ ኣለዉ” ዝበለኦምን ከም ዘተሓሳስበን እተን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ሻቕሎተን ሓቢረን።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ እተን ውድባት፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት ዝተዓፈኑን ንክፍትሑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ጽምዶ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ክቋረጽ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ኣሳታፊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ፡ ህወሓት ብስም ውጉኣት 6 ቢልዮን ብር ካብ ህዝቢ ትግራይ ክእክብ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ክቋረጽን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጐኒ እተን ውድባት ክስለፍን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪበን።

ነዚ ናይ ሓብር መግለጺ ዘውጸኣ ውድባት ትግራይ፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)፡ ውድብ ናፅነት ትግራይ(ናፅነት)፡ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን(ዓረና)፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት)፡ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ(ትሰእፓ)ን ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)ን እየን።

እዚ ናይዘን ውድባት መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ን7ይ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2026 መረጽቲ ዝምዝገብሉ ጣብያታት ክሳብ 1 ለካቲ 2026 ኣነጺሩ ከፍልጥ ኣብ ዘፍለጠሉ እዩ።

Last modified on Thursday, 22 January 2026 20:43