እታ ኣብ ዓለምና ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ደሴት ግሪንላንድ

2026-01-21 19:41:34 Written by  ዜና ቤት ጽሕፈት ሰዲሀኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 36 times

ግሪንላንድ ብጀኦግራፊ ሰሜን ኣሜሪካ እትርከብ ካብ ዓለምና ዝዓበየት ደሴት ኮይና፡ ብመዳይ ምምሕዳርን ባህልን ግና ምስ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነርወይን ደንማርክን ትዛመድ ተባሂላ እያ እትጥቀስ። መዋስንታ ከኣ ብምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ካናዳ፡ በቲ ካልእ ኣቕጣጫ ሰሜናዊ ዋልታ ሩሲያ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣይስላን፡ ደሴት ፋሮ፡ ነርወይን ደንማርክን በቲ ዝተረፈ ድማ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እዩ።

ብዝሒ ህዝባ ብመሰረት ጸብጻብ 2022፡ ኣስታት 56,583 ይኸውን። መብዛሕትኡ ህዝባ ብሰንኪ ክሊማዊ ጽልዋ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ፡ ብኣዝዩ  ሰፊሕ ሳሕዊ ሰፊሩ ይነብር። ግሪንድላንድ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሳሕዊ ነበርቲ ዘለዋ ደሴት ምዃና ይንገረላ። ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ግሪንላንድ 2.166 ሚልዮን ትርብዒት ኮሎሜተር እዩ።

ዝሰፈሐ መሬት ግሪንላንድ ሰብ ዘይነብሮ ኮይኑ፡ ሰመረሶቅ፡ ኩጃለቅ፡ ቁቃታን ቃሱቲሱቅን ዝበሃላ 4ተ ክፍሊ ምምሕዳራት ኣለዋኣ። ንከተማታት ዝምልከት ድማ ኑክ 20,085 ህዝቢ ዝነብራ ዋና ከተማ ናይታ ደሴት ክትከውን እንከላ፡ ሲሲሙት፡ ሉሊሳን ቃቆርቶቅን ድማ ብዝሕ ዝበለ ህዝቢ ዝነብረን ከተማታት  እየን።

ግሪንላንድ ካብ መንግስቲ ደንማርክ ብዝረኸበቶ ፈቓድ፡ ካብ 1979 ጀሚራ ናይ ውሽጣዊ ምምሕዳር መሰል ኣለዋ። በቲ ዝተዋህባ ፈቓድ መሰረት፡ ንወጻኢ ጉዳይ፡ ምክልኻል፡ ገንዘብን ሕጋዊ መስርሕን ዝምልከት ኣብ ውሳነ ደንማርክ እያ እትምርኮስ። ኣብ ሓፈሻዊ ምቁጽጻር ከም ምህላዋ መጠን ዜጋታታ ናይ ደንማርክ ፓስፖርት እዮም ዝሕዙ።

ግሪንላንድ ብዝተፈላለዩ ማዕድናት ኣዝያ ዝሃብተመት ብምዃና፡ “ኣብ ካልእ ዓለም ዘይርከቡ” ተባሂሎም ዝጥቀሱ 36,100,000 ቶን ዝዓቐኖም ማዕድናት ክህልውዋ እንከለዉ፡ ሞሊበድዩም፣ ግራፋይት፡ ሃፍኑዩም፡ ታንታሌም፡ ቲታንዩም፡ ኒዮቢኡምን ፕላቲኑምን ድማ ካብቶም ኣብ ግሪንላድ ብብዝሒ ዝርከቡ ማዕድናት ተጠቀስቲ እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ በቲ ሓደ ወገን፡ ኣሜሪካ “እንተዘይ ተቖጻጺረያ እሞ ብሩሲያ ወይ ብቻይና እንተተሒዛ ንጸጥታይ ሓደጋ እያ” ብዝብል ክትጥቕልላ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ። ንማርክ ድማ ግዝኣተይ ስለ ዝኾነ ካብ ኢደይ ኣይትወጽእን ትብል ኣላ። ሕብረት ኤውሮጳ ከኣ ኣብ ጐኒ ኣባሉ ዝኾነት ደንማርክ ስለ ዝተሰለፈ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤሮጳን ኣሜሪካ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ወጥሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

Last modified on Wednesday, 21 January 2026 21:03