ትማሊ ዕለት 07/04/2017 ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 14.53 ኣብ ድሮትሪንግስ ጋታን ዝተባህለ ዓቢ ጎደና ርእሲ ከተማ ስቶኮልም ሃገር ሽወደን ዝርከብ፡ ሓደ ኣሸባሪ ሓንቲ ናይ መግቢ መመላለሲት ዓባይ መኪና ጨውዩ ትኽ ኢሉ ኣብ ዓቢ ዱኳን ኦለንስ ሰላማዊ ህዝቢ ረጊጹ 4 ሰባት ክመቱ ከሉዉ 15 ሰባት ድማ ቆሲሊም። እቲ ሰዓት 20.00 ናይ ምሸት ኣብ መርሽታ ዝተባህለ ዞና ስቶኮልም ብጭቡጥ ምኽንያት ተታሒዙ ዘሎ ገባር እከይ፡ ካብ ኡዝበኪስታን ወዲ 39 ዓመት ከምዝኮነ ፖሊስ ሃገር ሽወደን ሓቢሩ።
መራሕ መንግስቲ ሃገረ ሽወደን ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ጉባኤ ናይ ሕብረተሰባዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ንምቅናዕ ኣብ ዮተቦርግ ይንበር እምበር፡ እቲ ኣሕዛኒ ፍጻሜ ምስተሰምዐ ብቅጽበት ንስቶኮልም ተመሊሱኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ዕንባባ ኣቐሚጡ ። ንጊዜይኡ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ገይሩ ንጡፍን ጽኑዕን ቁጽጽር ከተማታትን ዶባትን ሽወደን ክግበር ወሲኖም። እቲ ፍጻመ ንሙሉእ ዓለም ኣሻቂሉ ስለ ዘሎ፡ ኩሉም መራሕቲ ሃገራት ምሕዝነቶ ምስ ህዝብን መንግስቲ ሽወደን ይገልጹ ኣለዎ።
ብዕለት 02 ሚያዝያ 2017 ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ነቲ ካብ ዕለት 24 ክሳብ 26 03 2017 ኣብ ፍራንክፎርት ዝተጋብአ ኤውሮጳ ለኸ ዋዕላ ኣገዳስነቱ ብምርኣይ መላእ ኣባላቱ ዝተሳተፍዎ ንክልተ ሰዓትን ፈረቃን ዝወሰደ ብዘመናዊ መራኸቢ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም።
ኣጀንዳታት ዋዕላ ኣቐዲሙ ንኣባላት ሰልፊ ተዘርጊሑ ኣብ ኢድ ኩሎም ምንባሩ ቡሩህ ኮይኑ፡ ንምስፍሑን ምብራሁን ዝኣክል ብተሳተፍቲ ዋዕላ ፍራንክፉርት ዑምቐትን ስፍሓትን ናይቲ ዋዕላ ማለት ኣብ ህሉው ኩነታት ሰልፊ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ዘይርጉእ ኣታሃላልዋኡን ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝዳህሰሰ ኣገዳሲ ዋዕላ ምንባሩ መብሪሂታት ሂቦም። ኣባላት ጨንፈር ኣብ ክሊ እቶም ዝቐረቡ ናይ መጽናዕቲ ወረቓቅቲ ክበርሁ ኣለዎም ዝበልዎም ሑቶታት ኣቕሪቦም ብተሳተፍቲ ዋዕላ ድማ ተነጺሮም።
ኣብ መጨረሽታ ኣባልት ጨንፈር ደገፎም ንዋዕላ ፍራንክፎርት ገሊጾም፡ ሰልፊ ንምሕያልውን ዝካአሎም ክገብሩ ምዃኖም ተመባጺዖም። ብተወሳኺ ትሑዝቶ ናይቲ ዋዕላ ብሰፊሑ ኣብ መርበባት እንተርኔት ተዘርጊሑ ስለዘሎ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ መጻኢ ጉዕዞና ንምጽባቕ ታሪኻዊ ሐላፍነትና ክንስከም ኣማሕጺኖም።
ሰዲህኤ ናብ መራሕቲ ሶማልያ መልእኽቲ ልኢኹ፡ ምትሕብባሮም ንከሕድሱ ከኣ ጸዊዑ
Sunday, 02 April 2017 21:15 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብቲ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝለኣኾ መልእኽቱ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሰዲህኤን ካልኦት ንኣውንታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታትን ዝምድና ምፍጣር ህጹጽ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ጸዊዑ።
ነዚ ብ31 መጋቢት 2017 ናብ ናይ ሶማልያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ዩሱፍ ኣራድ ዑመር ዝለኣኾ መልእኽቲ ተጠቒሙ፡ ሰዲህኤ ፕረሲደንት መሓመድ ዓብዱላሂ (ፎርማጆ) ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ ዝሓሸት ሶማልያ ንክመርሑ ኣብ ምርጫ ስለ ዝተዓወቱ ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰኩም መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ፕረሲደንት ሶማልያ ሞሓመድ ዓብዱላሂ ሞሓመድ (ፎርማጆ)ን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዩሱስፍ ጋራድ ዑመርን
.እዚ መልእኽቲ ሶማልያ ነቲ ብ1961 ዝጀመረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳነን ናጽነትን ኣፍልጦ ዝሃበትን ዝሓገዘትን ናይ መጀመርያ ሃገር ምዃና ዘይከሓድ ምዃኑ ኣነጺሩ። ፈታዊትና ዝኾነት ሶማልያ ኣብቲ ከምቲ ናይ 60ታት ልሙድ ሓገዛ ዝደለናሉ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ንገዛእ ርእሳ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት እያ ጸኒሓ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ናጽነት ኤርትራ ድማ እቲ ቃል ዝኣተወሉ ዕማም ከተግብር ኣይከኣለን።
ብዘይካዚ እቲ መዘክር በቲ ኣብ ሶማልያ ዝረአ ዘሎ ዘገምታዊ ግና ድማ ኣውንታዊ ምዕባለ ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ሶማልያ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣካላቱን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ጠጠው ንክብልን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ክትገልጾ ዘጸግም ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉን ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ተሓተቲ ንክኾኑን፡ ንዝበጸሖ መደምደምታ ንክትግበር ትጻወቶ ንዘላ ግደ ንኢዱ።
.
እቲ ናይ ሰዲህኤ መዘክር ብምቕጻል መራሕቲ ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ዲክታተርነት ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ዝግበር ቃልሲ ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ብደረጃ ከባቢ ኮነ ዓለም ኩሉ ዝኽእልዎ ከበርክት ጸዊዑ። ብፋላይ ከኣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሶማልያ ሚስዮናቱ ምስ ሰዲህኤን ካለኦት ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ዝቃወሙን ዝምድና ከም ዝፈጥሩ ንክገብር ተማህጺኑ።
EPDP Sends Solidarity Message to Somali Leaders; Calls for Renewal of Cooperation
Sunday, 02 April 2017 20:38 Written by EPDP information OfficeIn a solidarity message addressed to the new Federal Government of Somalia, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) drew the attention of the new leadership in resurgent Somalia to the urgent need of forging strong relations with EPDP and other democratic forces struggling for positive change in Eritrea.
The EPDP memorandum of 31 March, addressed to Somali Foreign Minister Yusuf Garaad Omar, seized the opportunity of congratulating President Mohamed Abdullahi Mohamed (Farmajo) for his success in the recent democratic election to lead Somalia to a better tomorrow.

The message pointed out the undeniable historical fact that Somalia was the first country to recognize and support the just struggle of the Eritrean people for self-determination and national independence when it was launched way back in 1961. It however added that fraternal Somalia had been in bad political shape during the past 26 years when Eritreans badly needed the support of genuine friends like the Somalia of the 1960s because Eritrea's independence unfortunately failed to accomplish its promised objectives.
The memorandum also expressed deep satisfaction with the gradual but reassuring improvement of the situation in Somalia, and did not fail to profoundly appreciate the recent role Somalia played "in promoting the efforts of the UN Human Rights Council and its organs to help stop the human suffering in Eritrea and to bring to accountability the Eritrean authorities who perpetrated untold crimes against their own people."

The EPDP memo further called on the new leadership in Somalia to, as much as possible, initiate regionally and globally the much needed support of building the capacity of all Eritreans struggling for a democratic state in post-dictatorship Eritrea. In particular, the Somali Foreign Minister was urged to facilitate relations of its emissaries abroad with EPDP and other Eritreans opposed to the repressive regime in Asmara.
ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ዝርከብ ባንክ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት 2017 ብራሻይዳ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ከም ዝተሰርቀ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ ደንጉዩ ዝበጸሓና ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ዕሉላት ሰረቕቲ ካብ ራሻይዳ ኮይኖም፤ ብለይቲ ኣብቲ ባንክ ኣብ ተረንሸዋታት (መሸመዓት) ተቛጺሩ ዝነበረ ሓድሽ ናቕፋ፡ ናይቲ ባንክ መስትያት፤ ብጥንቃቐን ፍሉይ ጥበብን ሰይሮም ኣብ ኣይስዙ ዝዓይነተን መካይን ምስ ካልእ ንረት ጽዒኖም ከምዝወሰድዎ ተፈሊጡ።።
እዞም ራሻይዳ ካብ ምጽዋዕ ብሽዕብ ሓሊፎም፡ ብወገን ግርማይካ ናብ ሱዳን ከእትዉዎ መደብ ስለዝነበሮም፤ ምስቲ ኣብ ዓንቀጽ ግርማይካ ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ዝነበሮ ናይ ኮለነል መዓርግ ምስ ዝነበሮ ኣዛዚ’ውን ኣቐዲሞም ኣብ ረብሓ ዝተሰረተ ስምምዕ ነይርዎም። እንተኾነ እዚ ውዲታዊ ሓበሬታ ኣቐዲሙ ኣብ ኢድ ካለኦት ናይ ጠቕሚ ተወዳደርቲ ሓለፍቲ ወዲቑ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ብጠቕሚ ተዓዲጉ ኣብቲ ውዲት ዝነበረ ኣዛዚ ኣወጊዶም ባዕላቶም መንገዲ ዓጽዮም ጸኒሖም፡ ነተን ሰዓተን ሓልየን ዝመጻ መካይን ክኽልክልወን ምስ ፈተኑ ካብተን ገንዘብ ጽዒነን ብኻልእ ንብረት ሸፊነን ዝነበራ ሰለስተ መካይን እታ ቀዳመይቲ ነቶም ኣብቲ ሓለዋ ዝነበሩ ብተኹሲ ኣወጊዳ ምስ ጽዕነታ ናብ ሱዳን ክትሓልፍ እንከላ እተን ክልተ ግና ከም ዝተታሕዛ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳናዊት ከተማ ከሰላ ዶላር ሂብካ ከም ድላይካ እቲ ሓድሽ ናቕፋ ተሽርፈሉ ድንኳናት ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ናቕፋ ኣብ ኤርትራ ብኣዝዩ ጸቢብ መቑነን ንደቂ ሃገር ኣብ ዝወሃበሉ ኩነታት፤ ኣብ ሱዳን ግን ከም ድላይካ ምዃኑ ንብዙሓት ዘገርም ኮይኑ፡ እቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተልዎ፡ እዚ ኣብ ከሰላን ካልኦት ከተማታት ሱዳንን ናቕፋ እንዳሃበ ዶላር ዝእክበሉ ዘሎ ድንኳናት ዋናታቱ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓላፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኖም የረጋግጹ። ባንክታት ኤርትራ ነቲ ተራ ኤርትራዊ እምበር፡ ንውሱናት ሓለፍቲ ግና ክፉት ምዃኑ እውን እቶም ተዓዘብቲ የረጋግጹ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠቕ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ብናቕፋ ክሽረፍ ዝግበኦ ዶላራት ኣብ ሱዳን ከሰላ ይኽተር ከም ዘሎ ከም ዝተኣመነ እውን ዝዝከር እዩ።
ንቈልዑ ኤርትራ ኣብ ሱዳን እትምህር ቤት/ት ወዲ ሸሪፈይ፡ መበል 32ን ዓመተ-ትምህርቲ ዛዚማ
Friday, 31 March 2017 21:26 Written by ብእድሪስ እስማዒልን ተኽለሃይማኖት እልፉንኣብ ምስራቓዊ ሱዳን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ቈልዑ ኤርትራ ዝኾነት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ፡ ብዕለት 21 መጋቢት 2017፡ ናይ 2016-2017 መደብ ትምህርቲ ብዓወት ዛዚማ። ኣብቲ መደብ ምዕጻው ቤት ትህምርቲ ናይ ክብሪ ኣጋይሽን፡ ወለዲ ተመሃሮን ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ወዲ ሸሪፈይን ተኻፊሎም። እዚ፡ ናይ'ዛ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ፡ መበል 32 ዓመተ-ትምህርቲ ምዃኑ ኢዩ።
ናይ ሎብ ዘበን ትምህርቲ ብ11 ሓምለ 2016 ምስ 637 ዝኾኑ ምዝጉባት ተመሃሮ ተጀሚሩ። ካብዚኦም፡ 22 ተመሃሮ ብበብዓይነቱ ጸገማት፡ ኣብ መንጎ -ትምህርቶም ኣቋሪጾም። ካብቶም ክሳዕ መወዳእታ እተማህሩ 615 ተመሃሮ፡ 42% ኣዋልድ ነይረን። ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ላዕለዋይ ክፍሊ ዝሓለፉ 545 ክኾኑ ከለዉ (ማለት 88.6% ካብ ጠቕላላ ቊጽሪ)፣ ናይ ምሕላፍ ዕድል ዘይረኸቡ 70 ኢዮም፤ ካብዚኣቶም 48 ኣውዳት፡ 22 ከኣ ኣዋልድ ኢየን።

ካብቶም ኣብ በዓል እተሳተፉ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ፡ ኡስታዝ ኣል-ዙሄር ኣጃክ፡ ሓላፊ ናይ ዘይመንግስታዊ ቤት ትምህርትታት ኣውራጃ ከሰላ፣ ከምኡ ከኣ ኣባ ገብራይ በእደማርያም፡ ሓላፊ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲታት ምስራቓዊ ሱዳን ነይሮም። ከምኡ'ውን ሓው እድሪስ እስማዒል፣ ገዲም ተጋዳላይ እስማዒል ናዳ፣ ሓው ዓሊ ሑመድ ዲናይ ኣብቲ ጽንብል ካብ እተኻፊሉዓበይቲ ደቂ ሃገር ኢዮም። ከም ዝፍለጥ፡ ሓው እድስሪስ እስማዒል፡ ንስዉእ ዑስማን ኣሕመድ ተኪኡ ብግዚያውነት ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝከታተልን ንስራሓታ ዘዋሃህድን ዘሎ ሃገራዊ ዜጋ ኢዩ።
ተመሃሮ ወዲ ሸሪፈይ ነቲ ምዕጻው ቤት ትምህርቶም ብባህላዊ ሙዚቃን፡ ደርፍን ምርኢታትን ግጥምን ገይሮም ድምቀት ክህብዎ ውዒሎም። ዲይረክቶር ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝኾነ መምህር ተኽለሃይማኖት እልፉ (ወዲ እልፉ) ሓደ ካብቶም ኣብቲበዓል መደረ ዘስምዑ ነይሩ። ኣብ ዘረብኡ፡ ንዂሎም እቶም ንቐጻልነት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝሓልዩን ዝሕግዙን ማሕበራትን ባእታታትን ዕዙዝ ምስጋና ብስም ተመሃሮን መማህራንን ኣቕሪቡ። ብፍላይ ከኣ ነታ ኣብ ሃገር ስዊዘርላንድ እትርከብ ማሕበር ረድኤትንቘልዑ ኤርትራ፣ ንክፍሊ ትምህርቲ ኣውራጃ ከሰላ፡ ከምኡ ከኣ ንመሓዛ ቤት ትህምርቲ ዝኾኑ ኣባ ገብራይን ፍሉይ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ'ውን ንስዉእ ዑስማን ኣሕመድ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ከይሰልከየ ዘበርከቶ ታሪኻዊ ህዝባዊ ኣግልግሎቱ መጐስ ብምቕራብ ተመሃሮ ወዲ ሸሪፈይ ንምሉእ ህይወቶም ከም ዝዝክርዎ ኣረጋጊጹ።
ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ብ1984 ኣብ ራኩባታት/ተንዳታት ንስደተኛታት ቈልዑ ኤርትራ ምምሃር ጀሚራ። ብ1988 ብሓልዮት ሰብ ሰናይ ግብሪ ደቂ ሆላንድ ዘመናዊ ህንጻታት ተሰሪሑላ፣ ጸኒሑ ከኣ ብ2005 ብነብሰሄር ኣባ ማሪኖ ሃይለ (ናይ ሚላኖ) እቲ ዝኣረገ ህንጻታት ተሓዲሱ፡ ካልእ ክፍልታት ከኣ ተወሲኹሉ። ክሳዕ ሎሚ ንቤት ትምህርቲ ክብ ዝበለ ሓገዛት እተወፊ ዘላ ማሕበር ረድኤት (ኣሰ) ብጥቅምቲ 2005 ኣብ ከተማ ጅኔቭ ዝቖመት ኢያ። ንሃለዋትን ንምምሕዳርን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ እትከታተል ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ኢያ። ሃገረ ሽወዴን ዝምቕማጡ ዶክቶር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን ሓላፊ ናይታ ማሕበር ኰይኑ ምስ ኲሎም መወልትን ተሓጋገዝትን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣድላይ ርክባት የካይድ። ንቐጻልነት ቤት ትምህርቲ ንክሕግዙ ከኣ ንዂሎም'ቶም በታ ቤት ትምህርቲ ዝሓለፉ ደቂ ሃገር፡ ፍሉይ ማሕበር ኣቚሞም፥ ክሳዕ ስደተኛታትና ኣብ ዝሓሸት ኤርትራ ዝምለሱ፥ ድሃይ ናይ ቀደም ቤት ትምህርቶም ክገብሩ በብጊዜኡ ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም ኢዩ።
Wad Sherifey Refugee School for Eritrean Children in Sudan Ends Its 32nd School Year
Friday, 31 March 2017 21:19 Written by Idris Ismail and T. ElfuThe Wad Sherifey elementary school for Eritrean refugee children ended its 32nd academic school year on 21 March 2017 in the presence of invited honour guests, parents and residents of the refugee township near the Eritrea-Sudan border.
Started on 11 July 2016, the current academic year opened classes with 637 registered students. Of this, 22 students left the school due to various reasons, including economic problems to their parents and third-country resettlements. The school year thus ended with 615 students, 42% of them girls. Those who passed the final examinations were 88.6% of the total while 70 students could not pass the final examination. The report added that 48 of those who failed to pass from one class to the next were boys, and only 22 girls failed.

Among the dignitaries and elders attending the ceremony were Ustaz Al-Zibai Ajak, director of non-governmental schools in the Kassala region; Father Ghebrai Bedemariam, friend of the school and director of Catholic Church schools in Eastern Sudan, and Idris Ismail, acting school supervisor who continued the work of the late Osman Ahmed who passed away six months ago. Also present were known elders like Ismail Nada, and elderly Eritrean patriot, Ali Humed Dinai and others. The school children entertained guests with Eritrean folkloric music, dances, songs, poetry, jokes and drama staged in Eritrean languages.
In his address at the school closing ceremony, the school director, Mr. Teklemaimanot Elfu, expressed profound gratitude to the Sudanese education officials in the Kassala region and to Father Ghebrai for his continued cooperation with the Wad Sherifey School Administration.
Mr. Teklehaimanot Elfu also paid tribute to the late Osman Ahmed who tirelessly served the school for over two decades. The school director also expressed deep gratitude to the Swiss charity Organization in Geneva (ASEE - Association Suisse Enfance-Erythree) and other friends of school, past and present, who have been working hard to keep the refugee school going for so many years.
The school was started in 1984 in make-shift tents until modern buildings were constructed in 1988 with the help of charitable groups in the Netherlands. The late Father Marino Haile of Milano further modernized the school in 2005 and ASEE of Switzerland has been active as of October 2005 to cover major expenses of the school which is administered under the Eritrean Red Cross-Crescent Society (ERCCS). Dr. Habtemichael Tekle of Sweden is the current president of the ERCCS, an old Eritrean charity which closely follows up the situation and needs of the refugee school in Eastern Sudan. Dr. Habtemichael Tekle continually calls former students of Wad Sherifey Refugee School to come together and seriously think of supporting the continuation of this vital school for refugee children until their happy return to a democratic Eritrea.
ብ24-26 መጋቢት 2017 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኢውሮጳ፡ መሪሕነት ሰልፊ ሓቀኛ ጽላል ናይቶም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ኣብ ምፍጣር ተበግሶ ንክወስድ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ መሪሕነት ሰልፊ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምክብባር፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታውን ዘትከለ ዝምድና ንክፈጥር ጸዊዑ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣቲ ዋዕላ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንደጋና ኣብ ውግእ ንዘይምእታው ሓላፍነት ንክወስዱ ምዒዱ።

እዚ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተወደበ ዋዕላ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ሰለስተ መጽናዕታዊ ጽሑፋት እዩ ተመያይጡ። እቲ መመያየጢ ጽሑፋት፡ 1) ደሞክራሲ፡ ሕጋዊ ምሕደራን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰደህኤ፡ 2) መትከላትን ፖሊሲታትን ሰልፊ ኣብ ዝምድና ምስ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞን ጐረባብቲ ሃገራትን፡ 3) ሰልፊ ንምሕዳስ እንታይ ንደሊ ኣንታይከ ክንገብር ንኽእል ዝብሉ እዮም። ነዚ ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ጽሑፋት ኣብቲ ዞባዊ ዋዕላ ብኣካል ተረኺቦም ዘቕረቡን ዝርዝር መግለጽን መብርህን ዝሃቡን ኣባላት መሪሕነት ሰደህኤ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን እዮም። እቲ ጽሑፋት ብዝርዝር ቀሪቡ ኣብ ዝተዘተየሉ ብተሳተፍቲ እውን ሃብቲሙ። እዚ ዝሃብተመ ጽሑፋት ናብ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ክዝርጋሕ ትጽቢት ኣሎ።ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ልዕሊ መሪሕነቶም ዘለዎ እምነት ምሉእ ብምሉእ ኣረጋጊጾም፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ናይዚ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ ደሞክራሲያዊ መትከላት ከኽብርን ብሕግታቱ ክቕየድን’ሞ እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ኣብ ሓጺር ግዜ ክረጋገጽ ጸዊዖም።
ኣብዚ ምሕዳስ ሰልፊ ካብ ሕጂ ክሳብ’ቲ ኣብ 2019 ዝግበር 3ይ ጉባአን ድሕሪኡን ብዝምልከት ዝተኻየደ ምይይጥ ህጹጽ ኣገዳስነት ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብልዑል ተገዳስነት ተዘትይሉ።ጐኒንጐኒ’ዚ ተሳተፍቲ ዋዕላ ተወፋይነት ኣባላት ኣብ ጉዳይ ሰልፎም እውን ኣሕዲሰምዎ። በዚ መሰረት ምዑታት ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ሽዑንሹ ልዕሊ 5.000-ኤውሮ (ሓሙሽተ ሺሕ ኤውሮ) ንሰልፎም ለጊሶም። ብዘይካ’ዚ ነዚ ወፈያ በቶም ዝወከልዎም ጨንፈራት ኣቢሎም ብዕጽፍታት ከዛይድዎ ቃል ኣትዮም።

እዚ ዋዕላ ሰደህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብቲ ሳልሳይ መዓልቱ 26 መጋብቲ 2017 ብፍሉይ ተራኺቡ ናብ መሪሕነት ናይ ተግባር ለበዋታት ኣቕሪቡ ናይ ሓባር መግለጺ ብምውጻእ ተዛዚሙ።
EPDP-Europe Zone Conference Calls for New Initiatives Towards Creating National Umbrella
Wednesday, 29 March 2017 17:32 Written by EPDP Information OfficeThe Europe-Zone conference of the Eritrean People's Democratic Party (EPPD), held in Frankfurt between 24 and 26 March 2017, urged the party leadership to take new initiatives that can help realize the creating of an effective umbrella of the forces struggling for democratic change in Eritrea. The conference also called for working towards improving EPDP's relations with neighbhouring countries based on mutual respect and non-interference in each other's internal affairs, and advised the ruling authorities both in Eritrea and Ethiopia to be responsible enough to avoid any return to armed hostilities.
Organized and led by the EPDP Executive Committee, the Europe-Zone conference discussed three papers entitled: 1. Democracy, rule of law and institutional work within the EPDP; 2. Principles and Policies of the Party with neighbouring countries and the Eritrean opposition camp; and 3. Party Renewal: what we want to do and can do.
Availed at the conference to make presentations and give clarification to queries on the pre-distributed conference papers were Mr. Menghesteab Asmerom, EPDP Chairman; Mr. Woldeyesus Ammar, head of Foreign Relations; Mr. Rezene Tesfazion, head of Finance Office, and Mr. Medhanie Habtezghi, head of Youth Office.
Contents of the three papers were thoroughly discussed and enriched in the three-day conference. Finalized documents are expected to be shared with party members in all the five continents.
Conference participants gave unanimous vote of confidence to party leadership and urged all elements within this party in diaspora to respect without fail democratic principles and abide by party rules and regulations so that the common objective of brining positive change in Eritrea could be realized without further delay.
The urgency of effectively mobilizing the Eritrean youth and women to play their central roles in the current struggle was emphasized as part of the discussion in the conference on party renewal from now till the third party congress in mid-2019 and beyond.
The conference apparently renewed the existing steadfastness of party members. Some energized conference participants took the initiative of making extra contributions to the party by collecting over 5,000 at the spot, and promised to double and treble that amount through the possible contributions from the branch members they represented at the conference.
The EPDP Europe Conference on the third day, Sunday 26 March, met at a different venue and listed its recommendations for action, and closed discussions by issuing a final statement for the public.
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዝገበሮ መጸዋዕታ፡ ካብ 24-26 መጋቢት 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ፡ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት መሪሕነታት ዞባ፡ መሪሕነት ጨናፍርን መሰረታትን ሰልፊ ዝተኻፈልዎ ዕዉት ዋዕላ ተኻይዱ።
ዋዕላ፡ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ኰይኖም ብፈጻሚ ሽማግለ ተጸኒዖም ዝቐረቡ ኢዮም ነይሮም።
1. ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤ (8 ገጻት)
2. መትከላትን ፖሊሲታትን ዝምድናታት ሰዲህኤ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ተቓወምቲ ውድባትን፤ (4 ገጻት)
3. ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን።(6 ገጻት)
ዋዕላ፡ ብቐዳምነት ብመሪሕነት ዝቐረበሉ ዝተጸንዐን ጽጹይን ወረቓቕቲ ኰነ፡ ንምእራሙን ንምህብታሙን ብተኻፈልቲ ዝተገብረ ኣበርክቶ ናእዳኡ ይገልጽ።
ኣብ ውሽጢ ሰዲህኤ ዝግሃዱ ቅልውላዋት ደረጃኦም ብዘየገድስ፡ መፍትሒኦም ኣብ ክሊ ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ሰዲህኤ ጥራሕ ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግንዛብ፡ ኣባላቱ፡ ንቅዋምን ትካላዊ ኣሰራርሓን ሰልፊ ከምእዘዙን ከከላኸልሉን መጸዋዕታኡ የቕርብ። ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ሰላም፡ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ክነግሱ ማለት ዘይሕሰብ ምዃኑ ድማ የዘኻኽር።
ምሕዳስ ሰልፊ፡ እዋናዊ ጠለብ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መሪሕነት ሰልፊ ብዕቱብነት ክተሓሓዞን ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን መደባት ሰሪዑ ክዋስኣሉን ዋዕላ ኣተሓሳሲቡ። ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከኣ፡ መሪሕነት ሰልፊ ክብ ዝበለ ኣድህቦ ክገብረሉ ተማሕጺኑ።
ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝህልወና ዝምድና ድማ፡ ኣብ መትካላት ናይ ሰላም፡ ሕድሕድ ምክብባር፡ ጣልቃ ዘይምእታው፡ ኣህጕራዊ ውዕላትን ብይናትን ምኽባርን ንረብሓ ናይ ህዝብታት ዘቐድምን ክኸውን ከምዝግባእ ዋዕላ ደጊሙ ኣስሚርሉ። ንልዑላውነት ኤርትራ ዝከላኸል፡ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣበቕ፡ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝሕለቕን መስመሩ ክሕሉን ከይሰልከየ ክሳብ ዓወት ክቃለሰሉን ምዃኑ ዋዕላ ኣረጋጊጹ። መሪሕነት ሰልፊ፡ ነዚ ኣብ ምትግባር ዝተጸንዐን ተዓጻጻፍን ፖሊሲታት ክኽተልን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሓሊፉ ዝርአ ዘሎ ረጽምታት ናብ ዓማሚ ውግእ ከይሰጋገር መራሕቲ ክልቲኦም መንግስታት ሓላፍነቶም ክስከሙን ድማ ኣዘኻኺሩ።
ሰዲህኤ፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝህልዎ ዝምድና፡ ንውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ንምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ከምዝግባእ ዋዕላ እምነቱ ገሊጹ። ኣብ’ዚ እምነት’ዚ እተሰረተ፡ ንናይ ሎምን ናይ ጽባሕን መደባት ዘይሓዋውስን ቀጻሊ ዘተን ርክባትን ክግበር ድማ ጸዊዑ። ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ብምስፋን፡ ንህዝቢ ኣብ ጐድኒ ፍትሓዊ ቃልስና ከምዝዓስል ንምግባር፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኰሰ ሓባራዊ ስራሕ ምጅማር ዘለዎ ዓቢ ኣገዳስነት ብምግንዛብ መሪሕነት ሰዲህኤ ነዚ ዘሎናዮ ኣሻቓሊ ሃለዋት ዝቕይር ግብራዊ ተበግሶታትክወስድ፣ ንምዕዋቱ ድማ ክብ ዝበለ ጻዕርታት ክገብርዋዕላ ትጽቢታቱን እምነቱን ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዋዕላ ርእይቶታት ብምሃብ ዘሀብተሞን ዘመሓየሾን ወረቓቕቲ፡ ናብ መሰረታት ሰልፊ በብደረጃታቱ ክወርድ ተላብዩ። ብተወሳኺ ኣብ እዋን ሽግርን ቅልውላውን፡ ዞባ ኤውሮጳ ንውድብ ዘድሕን ስጉምታት ከወስድ ከም ዝጸንሐ ታሪኹ ዝዝክሮ ከይኑ፡ ሕጂ ኣብ'ዚ ፈታኒ እዋን እውን ንድሕነት ሰልፍን ንጥፈታት ሰልፊ ንምሕያልን፡ ካብ’ቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኻፈለ ኣባል ልዕሊ 5000 ዩሮ ተወፍዩ። እዚ ንሰልፍን ንጥፈታቱን ንምሕያል እተወስደ ሰናይ ተበግሶ፡ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኣባላት ጨናፍር ሰልፊ እውን ዓዓቕሞም መታን ከበርክቱ፤ ዋዕላ፡ ብኽልተ ኣባላት ዝቖመት ናይ ጐስጓስ ሽማግለ መዚዙ ንስራሕ ኣዋፊርዋ ኣሎ።
ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ይዓንብብ!!
ሃገርና ሓርነት ትከደን!!
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና!!
ዋዕላ ሰዲህኤ-ዞባ ኣውሮጳ
26 መጋቢት 2017