ወጻኢ ሚኒስተራት ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘየቋርጽ ወጥርታት ከም ዘተሓሳስቦም፡ ገሊጾም። እቶም ሚኒስተራት ድሕሪ ምዝዛም ኣኼባኦም ብ19 ማዝያ 2024 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ስእነት ውሕስነት መግብን የጋጥም ከም ዘሎ ብምርዳእ ሻቕለቶም ገሊጾም።

እቶም ሚኒስተራት ነቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝሓደሮም ስግኣት ዘንጸባረቑ ኣብ ኢጣልያ ካፕሪ ኣብ ዝተባህለት ደሴት ዘካየድዎ ኣኼባ ክፍጽሙ እንከለዉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም። እዞም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባር ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ከም ዝነኣድዎ ከኣ እቲ መገልጺኦም ኣስፊሩ።

ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ሲቪል  ዜጋታት ሓለዋን ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ልዝብ፡ ዕርቂ፡ ብሄራዊ ዘተ፡ ናይ መሰጋጋሪ ፍትሕን ኣብ ግዜ ውግእ ገበን ዝፍጽሙ ከም ዝሕተቱ ምግባርን ክበራታዕ ጸዊዖም። ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባብታት ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት እውን ኩሎም ወገናት ብዝሳተፍሉ ልዝብ ሰላምን ዕርቅን ንምውራድ ተመሳሳሊ ትብዓት ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ክህሉ እቶም ሚኒስተራት መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ብሰንኪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ውግኣት፡ ዝተጐድኡ ማሕበረሰባት፡ መሊሶም ከም ዝሓውዩን እግሪ ከም ዝተኽሉን ንምግባር፡ ናይ ዕጡቓት ዕጥቆም ኣውሪዶም፡ ነናብቲ ዝመጽዎ ንምፍናውን ብቐጻሊ ንምጥያስን ካብቲ ዝርከብ በጀት ቀልጢፎም ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ምግባር ከም ዘድሊ በቲ መግለጺኦም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ኣኼባ ዝተሳተፉ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኮይኖም፡ ኣብ ርእስቲ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ሊቢያን ኮንጎን እውን ከም ዘሻቕሎም ኣስፊሮም። 

ቀይሕ ብኤርትራ ተሓቲቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ፡ ሓምላይ  ብኢትዮጵያ ተሓቲቱ  ንኤርትራ ዝተወስነ

ካብ 1998 ንደሓር ብደረጃ ዓለም ከይተፈ፡ ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ዛዕባታትና ሓደ፡ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንባሩ ዘይንርሰዖ እዩ። እዚ ዛዕባዚ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ብሽፋን “ናይ ዶብ ምስሕሓብ”፡ ኣብ 1998-2000 ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም መሪርን ደማውን ዝተባህለ ውግእ ብምክያዱ እዩ። እንተኾነ ናይቲ ውግእ ጠንቂ “ናይ ዶብ”  ዝብል ስም ደኣ ተዋሂብዎ እምበር፡ ካልእ ሕቡእ ሕሳብ ዝነበሮ ምዃኑ ይግመት ነይሩ። ደሓር ግና በቶም ዘሳወርዎን ዝሕተትሉን ኣካላት ከይተረፈ፡ ጠንቁ ዶብ ከምዘይነበረ ኣዳዕዲዖም ዝዛረብሉ ዘለዉ’ዩ።

እቲ “ውግእ ባድመ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ዕንወትን ህልቂትን፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ መንጎ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  መለስ ዜናዊን ብዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣልጀርስ ናብ ካልእ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ። እቲ ስምምዕ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብ 25 ኪሎሜተር ርሕቀት ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ዞባ ተመስሪቱ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ክሰፍሮን  ጉዳይ ዶብ ብቐጻሊ ዝፈትሕ ኮሚሽን ክቐውምን ካብቶም ኣገዳስቲ ነጥብታት ስምምዕ ኣልጀርስ እዮም። በዚ መሰረት 5 ዓለም ለኻዊ ናይ ሕጊ ክኢላታት ዝኣባላቱ ኮሚሽን ተመስረተ። ናይቲ ኮሚሽን ብይን ቀያድን ናይ መወዳእታን ክኸውን መወከሲኡ ድማ ብ1900፡ 1902ን 1908 ኣብ መንጎ ንኤርትራ ትገዝእ ዝነበረት ኢጣልያን ንጉስ ኢትዮጵያ ዳግማዊ ምነሊክን ዝተፈረሙ ስምምዓትን ምስቲ ጉዳይ ዝምድና ዘለዎም ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ክኾኑን ኣካል ስምምዕ ኣልጀርስ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ጠበቓታቶም ኣቚሞምን ይሕግዘኒ ዝበልዎ መርተዕታት ኣቕሪቦምን ድሕሪ ንክልተ ዓመታት ምምጓት እቲ ኮሚሽን፡ ብ13 ማዝያ 2002 ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።   ኣብቲ ብይን  ዝተፈላለዩ ወገናት  ዝተፈላለየ ግብረ-መልሲ’ኳ እንተነበሮም፡ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብምንባሩ  ዘምጽእዎ ለውጢ ኣይነበረን። በቲ ብይን መሰረት ናይታ ከም መበገሲ ናይ ውግእ ጌርካ ዝተወስደት ሓውሲ ከተማ ባድመ ዋንነት ናብ ኤርትራ ስለ ዝተወሰነ፡ “ኤርትራ ረታዒት ኢትዮጵያ ከኣ ተረታዒት” ጌርካ ብምውሳድ ሰፊሕ ዳንኬራ ተወቒዕሉ’ዩ። እዚ ስምዒት ክሳብ ሎሚ እውን ኣሎ ። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እቲ ብይን ክሳብ ሎሚ ናይ መወዳእታ መልክዑ ስለ ዘይሓዘ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራ “ይብጸሓኒ” ኢላ እትጽበዮ ካብ ዝነበረት ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ናብ ኢትዮጵያ ተበይኑ እዩ ዝብል ግምት ስለ ዘሎ፡ ረታዕን ተረታዕን ኢልካ ዳንኬራ ዝውቀዓሉ ኣይኮነን።

ናይቲ ኮሚሽ ዶብ ሓላፍነት ብይን ምሃብን በቲ ብይን መሰረት ኣብ መሬት  ምልክት ምንባርን ኮይኑ፡ ኣብ መሬት ዝርአ ምልክታት ምስተተኽለ እዩ ተልእኮኡ ዛዚሙ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ ብይና ኣብ ወረቐት ምስ ኣስፈረት፡ ኣብ መሬት ምልክት ከንብር ኣይከኣለን። ናይዚ ዘይምኽኣሉ ጠንቂ ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ግዜን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እንዳፈጠሩ ዕንቅፋት ስለ ዝኾንዎ እዩ። ዋላ’ኳ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውሳነ “ብመትከል ንቕበሎ ኢና” እንተበሉ፡ ኣብቲ መጀመርያ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውሳነ ቅቡል ኮይኑ፡ “ቅድሚ ምትግባሩ ንዘራረብ” ስለ ዝበለ፡ እቲ መስርሕ ክስጉም ኣይከኣለን። ህግደፍ’ውን ዋላኳ ናይቲ ብይን ዘይምትግባር ንሕያሎ ዓመታት ከም መኽሰሲ ንኢትዮጵያን ደገፍታ ዝበለን ምዕራባውያን መንግስታትን ንኽጥቀመሉ ስለ ዝወጠነ፡ እቲ ብይን ንኣስታት 16 ዓመታት ጀሆ ተታሒዙ ጸኒሑ።

ህግደፍ እቲ ዕንቅፋት ክብሎ ዝጸንሐ ተኣልዩ ካብ ዝተባህለሉ 2018 ንደሓር’ውን ኣይኮነንዶ ከተግብሮ፡ ጉዳያይ ኢሉ ከቕልበሉ’ውን ቅሩብ ኣይኮነን። እዚ ዘርእየና ከኣ፡ ጉዳይ ዶብ ክልቲኦም ወገናት ከም መጣልዒ  ንስዉር ፖለቲካዊ ሕሳብ ይጥቀምሉ ምንባሮም እዩ። ንኣብነት ህግደፍ ጉዳይ ዶብ ከም ስልቲ ሕነ ንምፍዳይ መዕደጊ ግዜ፡  መህደሚ ካብ  ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባን ብልኡላውነት እናሸቀጠ መቐጸሊ ዕድመኡ ኣብ ስልጣንን ከም ዝተጠቕመሉን ይጥቀመሉ ከም ዘሎን ርኡይ እዩ። 

ምትግባርን ዘይምትግባርን ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ኣብ ሓደ እዋን ውዑይ መዘራረቢ ነይሩ እዩ። ገለ ወገናት እዚ ጉዳይ በቲ ሓደ ወገን ንመጻኢ ወለዶ ሕማም ደሓር ከይንገድፈሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህግደፍ ካብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ መሕብኢ በዓቲ ንከይጥቀመሉ ይጠረር ዝብል እምነት ዝነበሮ ወገን ነይሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ቀዳማይ ጸገምና ህግደፍ እምበር ዶብ ስለ ዘይኮነ፡ ይጽናሕ ዝብል፡  ምጥራር ዶብ ውድቀት ህግደፍ ከም ዘቀላጥፍ  ዝዘንገዐን ርኢቶ ዝሓዘ ነይሩ።

ናይ ዶብ ኣጀንዳ ክሳብ ሎሚ’ውን ዘይተዓጽወ፡ ምዝዛሙ ብህላወ ድማ ብዕድመ ክልቴን ሃገራት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ኣካል ዝተግብሮ እምበር፡ ኤርትራ ወይ  ኢትዮጵያ በበይነን ዝውስናሉ ኣጀንዳ ኣይኮነን። እቲ ኮሚሽን ዶብ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ምጥራሩ ክተሓባበሩ ክሳብ 2006 ቀጻሊ ጻዕርታት ኣካይዱ እዩ። ጻዕሩ ኣብ ዘይሰመረሉ ከኣ  ብ3 ሕዳር 2007 ናብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ነቲ ኣብ መሬት ኣዕኑድ ክትከለሉ ዝግበኦ ፍሉይ ቦታታት ኣብ ካርታ ኣመልኪቱ ኣረኪብዎም። ሎሚ እውን መስርሕ ምጥራር ዶብ ኣብ መሬት፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ እምበር፡ ኣፍካ መሊእካ “ካብዚ መሬት ኤርትራ ካብቲ  መሬት ኢትዮጵያ”  ኣብ ዝበሃለሉን “ብጽሒተይ ወሲደ ኣለኹ” ኣብ ዝብሃለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ። እዚ ሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዘይተተግበረ፡ ውግእ’ውን ከስዕብ ዝኽእል  ሕማም ደሓር ኮይኑ፡ ዘሰክፍ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ስምምዕ ኣልጀርስን ውዕል ፕሪቶርያን ክተሓዋወሱ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ስለዚ ከምቲ፡ ብንጉስ ዝተቖርጸት ኢድሲ ዳርጋ ዘላ ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝብጸሖ መሬት ወሱዱ ዝወሃብ ከኣ ኣረኪቡ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘለካ ንጹር ዶብ ንክትፈልጥ፡ እቲ ምጥራር ክትግበር ናይ ግድን ምዃኑ ተረዳእ። እቲ ዘይምጥራር  ብምስምስ ዶብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ሃዋህው ከኸትል ዝኽእል  ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ንህግደፍ እውን መሕብኢ ስለዝኾኖ፡  ጉዳይ ዶብ ሎሚ ሕማም ደሓር ከይከው፡ ናይ መወዳእታ መልክዑ ይሓዝ” ዝብል ድምጽኻ ከተበርኽ ይግበኣካ።

መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ዞባ ሰሜን ጎንደር

ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት ድሕሪ ምጭዋዩ ብ17 ማዝያ 2024 ኣብታ ዝተጨውየላ ቦታ ከም ዝተፈትሐ ወላዲቱ ወይዘሮ ራሕማ ኣፍሊጣ።

 ኣማን ዝተጨውየ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጭወይቲ ካብ ምዕባዩ ሓዉ ፈልዮም ወሲዶም ኣብ ዘይተፈልጠ ኣሲረምዎ ቀንዮም። ድሕሪ ንክልተ ሰሙን ኣሲረምዎ ምጽናሕ እቶም ጨወይቲ ከም ዝለቐቕዎ ወይዘሮ ራሕማ ሓቢራ። ወይዘሮ ራሕማ ምስቶም ጨወይቲ ብኣካል ከም ዘይተራኸበትን ካብቲ ሓቲተምዎ ዝነበሩ 800 ሺሕ ብር ጐዲሎም 200 ሺሕ ብር ብ3ይ ኣካል ምስተላእከሎም ኣብ ሓደ ጐደንና ከትማ ዳባት ደርብየምዎ ከም ዝኸዱ ሓቢራ።

ወይዘሮ ራሕማ ወዳ ኣብ በረኻ፡ ኣብ እግሪ ኦም ኣብ ጽምዋ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ከም ዝቐነየን ብተደጋጋሚ ስለ ዝተወቕዐ፡ ስንብራት ከም ዘለዎን ምስተፈትሐ ድማ ጋና ስለ ዝብህርር ናብ ንቡር ኩነታቱ ኣይተመልሰን ኢላ።

ነቲ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ብር ክልተ ግዱሳት ኣባላት ስድራቤት ከም ዝኸፍልዎ ጠቒሳ፡ ንዓኣቶም ኣመስጊና እቶም ብገንዘብ ክሕግዝዋ መዲቦም ዝነበሩ ካለኦት ኤርትራውያን እቲ ሓገዝ ንካልእ ካብኣ ዝገደደ ጽጉም ንክህብዎ ገሊጻ ንኹሎም ምድንጋጽን ምትሕብባርን ዘርኣይዋ ኣካላት ድማ ምስጋናኣ ኣመሓላሊፋ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መነባብሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት መደበር ኣለምዋጭ ኣብ ኣዝዩ ኩለ-መዳያዊ ጸገም ከም ዘለዉን ደጋጊሞም ምሕጽንተኦም የስምዑ ምህላዎም ተሓቢሩ።

Thursday, 18 April 2024 20:53

Dimtsi Harnnet Kassel 18.04.2024

Written by

ስእሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሃኖም (ካብ መሕበራዊ መዲያ)

ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም/WHO፡ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ብሰንክቲ ሓደ ዓመት መሊኡ ዘሎ ውግእ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጥዕና ዝካየድ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ንሱ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረበ ኣብቲ ብ15 ማዝያ 2024 ንሰብኣዊ ሃለዋት ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ፓሪስ ዝተጋብአ ሰፊሕ ዋዕላ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ዋዕላ ንዝወደቡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ሕብረት ኤውሮጳን ኣመስጊኑ።

ዶር ቴድሮስ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ናብ ሱዳን ዘእቱ ኣፍደገ ከም ዘድልዮ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ብወገን ቻድ ዘሎ ኣፍደገ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ህጹጽነት ጥዕናዊ ኩነታት ሱዳን ብምጥቃ ካብቲ ዘድልዮ ገንዘብ ኣብ ኢድ እቲ ትካል ዘሎ 12% ጥራይ ምዃኑ ሓቢሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ትካላትን ንክልግሱ ጸዊዑ።

ኣብ መደርኡ፡ ኣብ ህይወቱ ምስ ሱዳን ዘለዎ ዝምድናን ብዓብይኡ ከኣ ካብቲ ዞና ዝመጸ ብምዃኑ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብውቁ ከም ዝሓዝን ኣስፊሩ፡ እቲ ዝፍጠር ዘሎ  ናይ ጥዕናዊ ጸገም በሰላ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ዝመሓላለፍ እዩ ኢሉ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ፡ 15 ሺሕ ሱዳናውያን ብሰኪቲ ውግእ ከም ዝተቐትሉ፡ ዳርጋ 30 ሺሕ ከም ዝቖሰሉ ብዙሓት ከኣ ብሕማምን ጥሜትን ይሞቱ ከምዘለዉ ከምኡ ከኣ ዝያዳ 15 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ጥዕናዊ ረዲአት ከም ዘድሎም  ተጠቒሱ።

ብመጽናዕቲ ዝተጻረየ ጥራይ ኣብ ልዕሊ 62 ጥዕናዊ ማእከላት መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን፡ ዘይተጸንዐ ጉድኣት ከም ዝህሉን ዝጠቐሰ ዶር ቴድሮስ፡ ብሓፈሻ 70% ማእከላት ጥዕና ሱዳን ይሰርሓ ከም ዘየለዋ ሓቢሩ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሱዳን ብስእነት ሕክምና ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይሳቐዩ ኣለዉ ምባሉ ካብቲ ዋዕላ ዝወጸ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ብጻይ  ኣረፋይነ  እስጢፋኖስ   ካብ ኣቡኡ  ኣቶ እስጢፋኖስ  ምራጭ  ካብ ኣዴኡ ወይዘሮ ኣራደሽ አረጋይ ብዕለት 04/09 /1956   ተውሊዱ። ብዕለት 16/03/2024  ኣብ 68 ዓመቱ ኣብ ሕክምና  ከተማ ዮንሾፒንግ ሃገረ ሽወደን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይ ተጸቤናዮ ሃንደበት ካብ ዚ ዓለም ብመስዋእቲ  ሓሊፉ።

 ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ኣብ  ኣስመራ  ዓቢዩ ኣስመራ 12  ክፍሊ ትምሃርቱ ወዲኡ ናይ ማትሪክ ስለ  ዝተዓወተ ኣብ  ኣዲስ ኣባባ ናይ 2ይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ  እንዳ  ተማህረ  ኮሎ እዩ ሃገራዊ ስሚዒት ኣብ ጥርዙ ስለዝበጽሔ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስሚዒቱ ገዲድዎ እብ 1975  ኣብ  ተ.ሓ.ኤ. ተሰለፈ ። ንሳሕል ድማ ወረደ። ኣብኡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳእ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ወሲዱ ኣብ ሓይልታት ተመደበ ።  ኣብ ሳሕል ድሕሪ በጦለኒ 961 ምቃማ  ድማ ኣባል ሓይሊ 151 ኮይኑ ተመዲቡ።

ንደንከል ብባሕሪ ምስ ሓይሉ ተጋዕዘ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፋላለየ መደባት ምስ ኩሉ ሕልኽላኻት  ድሕሪ ምጽናሕ 1977   ሓንቲ ሓይሊ  ናይ ከቢድ ብረት ስለ ዝቖመት ከም ሓኪም ሓይሊ  ናታ ተመደቡ  ኣብኡ ድማ  ናይ ከቢድ  ሓይሊ ሓኪም  ኮይኑ  ምስ ብጻይ ስዉእ ሽፋ ኣብ ጎውረይቶ  ዝተባህለ ከባቢ በይሉል  ድማ ዓስከሩ። ኣብዚ እዋን ኩነታት መስዋእቲ ናይ ብጾት ዓብደልቃደር መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ድራር ዑመር እልፍ ሃለቃ  ዓብደልቃደር  ሙሉገታ ሞንጁስ ዝተሰውእሉ ኣብ ከባቢ ስለ ዝነበረ  ኣብቲ  ቦታ ከቢድ ቅልውላው ተቀልቀለ። ነዚ ንምእላይ ካብቶም ብዝለዓለ ግደን   ልዙብ  መንገዲ ስላምን ሕግን  ዝተበገሱ  ስዉእ ኣረፋይነን ስዉእ  ሽፋን ነይሮም።  ብዘይ ምግርጫው ስለ ዝተፈጸመ ድማ ዓቢ ታሪኽ  ፈጺሞም ።ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፍላለየ መደባት ድሕሪ  ምጽናሕ  1979 ብርጌዳት ምቋም ስለ ዝጀመራ፣ ብርጌድ 64 ኣብ ዝቖመትሉ ንሱ ከም ኮሚሽነር  ሓይሊ ኮይኑ  ተመደበ።

ጸኒሑ ኩነታት ደንከል እና ጸንከረ ምስ ከደ   ብጻይ ኣረፋይነ ድማ ምክትል መራሕ ሓይሊ ናይ  ወድ ኬፉ ኮይኑ  ኣብ ደቡብ ደንካሊያ ከም ምክትል ኣገልገለ። ቃልሲ ኣብ ደንከልያ ምስቲ ሓያልን ጽንኩርን ሃኪክ ኣየሩ ዉግእ ብመሬትን ብባሕርን ምስ መዳፍዕን ደብዳብ ኣየርን ብጽንዓት በዲሆም ታሪኽ ዝሰርሑ ሓደ ካብቶም ጀጋኑ ክሳብ 1981 ኣብ ሃኪክ ጎላጉል ደንካልያ ዝዓንደረን ታሪኽ ዝሰርሔን ምኻኑ  ዝምስክሩ ብጾቱ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነስርዓቱ ምርካቦም ድማ ምስክርነት ታሪኻዊ ቃልስታቱ እዮም። ቀጺሉ ዝተጋነፎም ኩሉ ናይ ደቡብ ዳንካልያ ምስ ሓለፈ ድማ  ንጅቡቲ ኣተዉ ።  ኣብ ጅቡቲ ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዘጉነፎ  ብሕቡራት መንግስታት ናብ  ኣይቨሪኮስት ሰደድዎ   ካብኡ  እውን  ኣይሓወየን  ብግሪኽ ኣቢሉ ንሽወደን ብ1989 ኣተወ።  ኣብ ሽወደን ውን  ምስ ሓዳሩ  ሓፍትና  ኣልጋነሽ  ካሕሽን ናብራኡ እንዳገበረ   ብናይ ኮምፒተር ተክኒክ  ትምህርቱ ፈጸመ ። ብትምህርቱ ድማ ናብ ስራሕ ተመዲቡ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ሰራሓሉ።

ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ቃልሲ ውን ካብታ ሜዳ ዝሓደገላ  ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ  ድሓር ድማ  ቀጺሉ  ንጡፍ ኣባል ሰልፊ  EPP ጸኒሑ ኣባል EPDP  ሰ ዲ ህ ኤ ብመድረኻት እንዳተሰጋገረ ኣብ ዝተፈላልለየ  ሓላፍነታት  ክቃለስ ጸነሐ ።

 ኣብ  መጨረሽታ  ናይዚ 10 ዓመታት ከኣ  ናይ ገንዘብ ጉዳያት ሓላፊ ጨንፈር ቅጽሪ 2  ሰ ዲ ህ ኤ ሃገረ ሽወደን ኮይኑ  እናኣገልገለ ብመስዋእቲ ተፈልየ።

ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ  ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኮነ ሓደስቲ ስደተኛታት ዝነበሮ ምትእስሳር ዓቢ እጃም ነይሩዎ ብጠቅላላ ሓፈሻዊ ምስጉን  መዘና የብሉን። ብጻይ ኣረፋይነ  ምስ በዓልቲ ቤቱ  ወ/ሮ  ኣልጋነሽ  ካሕሽን  ኣቦ  2ተ ውሉዳትን  ባናን ንያትን ዝበሃላ ኣቦ ሕጎ 2ተ እውን እዩ።

ብጻይ ኣረፋይነ ሕድሪ ስወኣቱ ከይጠለመ ማሕበራዊ  ጉዳያቱ ከየቁኣረጸ ቃልሱን ናብ ከሰላ ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ብጾቱ እንዳ ሓገዘ ከየቃረጸ ክሳብ ሕጂ ዕለተ መስዋእቱ ቀጸለ። ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ርእይትኡ ዘይማታእ ሓያል  ተባዕ  ንቁሕ ኣላይን መትከላዊን ለዋህን ብጾቱ ምኻኑ  ኩሉ  ምስኡ ዝተጋዕዘን ዝተቅለሰን  ዝምስክረሉ እዩ ።

ንቤተሰቡን ብጾቱን ጽንዓት  ይሃቦም መንግስተስማይ የዋርሶ!!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን  ንስዉኣትና !!!

ሓርበኛ ኣረፋይነ ብሰላም  ዕረፍ !!!!
ንቃልስኻ ክንቅጽሎ  ኢና  ቅሰን !!!!

 

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብ ምጅማር፡ በቲ ዝጀመርካዮ ቀጺልካ ኣብ ውጽኢት ምብጻሕ ከም ዝኸብድ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብተግባር ዝተረጋገጸ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ምጅማር ኣገዳሲ ተበግሶ ኮይኑ፡ በቲ ዝዓለሞ ውጽኢት እንተዘይተሰንዩ ግና፡ ዘቕስሞ ተመኩሮኳ እንተለዎ፡ ትጽቢት ዝተገብረሉ ባህግታት ስለ ዘየማልእ ፋይዳ የብሉን። በቲ ኣጀማምራኻ፡ ኣብቲ ዝድለ መዓርፎ ንዘይምብጻሕ፡ ምኽንያታቱ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘጓንፉ ዘይተጸበኻዮም ዕቅፋታት ክትብድህ ዘይምኽኣልን ንገዛእ ርእስኻ ኣካል ፍታሕ ዘይምዃንን  ካብቶም ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ርዱእ እዩ። ካብዚ ንምድሓን እዩ ድማ “ኣብ ምጅማርካ ቅድሚ  ሓደ ስጉምቲ ምስጓም  ክልተ ሰለስተ ግዜ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ” ዝበሃል።

ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንሓርነት፡ ብዙሓት ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮታት ኣለዉና። ኣብ ሓደ ደረጃ ተሰማሚዕካ ከተብቅዕ ምፍታሕ፡ ሰሚርካ ክንስኻ ተመሊስካ ምፍልላይ፡ ተቛጺርካ ምጥላም፡ ከይትዋጋእ ተፈራሪምካ ከተብቅዕ ነቲ ውዕል ኣፍሪስካ ናብ ውግእ ምእታው፡ ንክትከባበር ተመሓሒልካ ከተብቅዕ ተመሊስካ ምጽልላም፡ ናተይ ኢልካ ናይ ዝተቐበልካዮ መትከላትን ፖሊስን ምእዙዝ ዘይምዃን፡ ኩሎም ናይ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ ኣብነታት ጌርካ ዝውሰዱ እዮም።

እቲ ዘገርም ድማ እዚ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተረእዮ መልክዑ ከይቀየረ ክደጋገም እንዕዘቦ ዘለና ምዃኑ እዩ። ናይዚ ምድግጋሙ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ኣይኮነንዶ ካብ ናይ ካለኦት ናይ ርሑቕ ተመኩሮ ምምርማር፡ ካብ ነናይ ገዛእ ርእስና እውን ክንመሃር ዘይጸናሕና ምዃና ዘርኢ እዩ። እቲ ከምዚ ዝኣመሰል ብዝጀመርካዮ ክሳብ ውጽኢት እተመዝግብ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ፡ ክሳብ ሎሚ እውን ዘይተፈልየና እዩ። እዚ ንእግረ መንገዱ ቅድሚ ናብ ደጋዊ ተጽዕኖታትን ዕንቅፋታትን ምቑማት  በዓልቤታዊ ድኽመትካ ከተወግድ  ዘይምብቃዕ ዘገንዝብ እዩ።

ብሰንኪ ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ድኽመትና፡ ኣብ መስርሕ ቃልስና፡ መሰረታዊ ብዘይኮነ ፍልልይ ክንደይ ውድባት ከም ዝተፈናጨላ፡ ክንደይ ሓድነታት ከም ዝፈረሰ፡ ክንደይ ጽላላት ከም ዝተኾልፈ፡ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘኩሮና ብምዃኑ ኣብ ልቦና ኩልና ስለ ዘሎ  ምዝርዛር ዘድልየና ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ከይተረፈ ኩልና ውድባትን ሰልፍታት ኤርትራ፡ ውጽኢት በቲ ዝጀምርካዮ ጸኒዕካ ናይ ዘይምቕጻል ኢና ምባል ምግናን ኣይመስለናን። ብዝጀምርካዮ ዘይምቕጻል ሓይልኻ በታቲኑ ዘዳኽም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ኩሉ ምዕራፋት ቃልስና፡ ብጸላእትና ክተባባዕን ክምዝመዝን ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚኳ ህግደፍ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፈርሖን ከምዘይዕወት ንምግባሩ ከይደቀሰ ከምዝሓድርን ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ። ናይቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ወጻኢ ከይተረፈ ህጻናት መልሚሉ፡ ፍሉያት ናይ ኣዕናዊ ፕሮፖጋንዳ መርበባት ከፊቱን ሰፍ ዘይብል በጀት መዲቡን ዘዕለብጦ ዘሎ ማእከል እዚ ዝተጠቕሰ ስግኣቱ እዩ። እንተኾነ ናትና ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ጸገም እንተዘይተወሲኽዎ ኩሉ ጻዕርታቱ መኻኒ  እዩ።

ኣብቲ ኣሉታዊ መስርሕ ብዝጀመርካዮ ዘይምቕጻል፡ ኩሉ ተዋሳኢ ነንናቱ ብጽሒት ዘልዕለሉ እኳ እንተኾነ፡ ማዕረ ተሓታትነት ነይርዎን ኣለዎን ማለት ከምዘይኮነ ድማ ምርዳኡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ዘሕድሮ ስንብራት ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ንምምልሱ ክሳብ ክንደይ ዋግኡ ክቡር፡ ዝወስዶ ግዜ ድማ ነዊሕ ምዃኑ ንስሕቶ ኣይኮነን።

ናይ ቀረባ ተመኩሮና እኳ እንተዘከርና፡ ኣብ ክሊ ውድባት ክኽሰት ዝጸንሐ ደቀቕቲ ናይ ምርሕሓቕ ተርእዮታት ገዲፍና፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ምፖሓኤ) መስሪትና ከነቐጽሎ ኣይበቓዕናን። ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ድኲና ዝጀምርናዮ ናይ ሓባር ጉዕዞ እውን ኣይቀጸለን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ብዝጀምሮ ምጥርናፍ ከምዘይቀጸለ እውን እንግንዘቦ ዘለና እዩ። እንተኾነ እንተወሓደ ኣብ ምውጋድ ህግደፍ፡ ምዕቃብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን፡ ዝኣመሰሉ ውሱናት መሰረታዊ ዝሰማምዑኻ ዛዕባታትን ኣትኪልካ  ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ምቅላስ ጓሲኻዮ ዘይሕለፍ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መስርሕ ምቅርራብ ሎሚ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ብዝጀምርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ዕንቅፋት ገጢሙና እዩ እሞ ኣብ መጻኢ እውን ኣይክንዕወት ኢና ማለት ሰለ ዘይኮነ፡  መጻኢ ብሩህ እዩ።

ብሰንክቲ ዝሓለፍናዮ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ተመኩሮ ተስፋ ከይቆረጽናን ከይሰልከናን ንቕጽል ምህላውና ዘተባብዕ እዩ። ክሳብ ሎሚ ብዝጅመርናዮ ቀጺልና ዘተኣማምን ናይ ሓባር መድረኽ ከነውሕስ ዘይምብቃዕና ድማ ድኹም ጐድንና ዘርእን እንንቀፈሉን እዩ። ኣብዚ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮና፡ ኣብ ክንዲ ንዝሓለፈ፡ ዘሎን መጻእን ፍጻመታት ኣገናዚብካ ኣርሒቕካ ምምዕዳው፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ጥራይ ምኹዳድን ምትህልላኽን ክሳብ ክንደይ ኣብ ዝሐለፈ ግዜ ከም ዝሃሰየና ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ዝሰፍሐ ዘራኽበና ዓብይ ስእሊ ዝያዳ ነራጉዶ፡ ነቲ ዝፈላልየና ውሑድን ዘይመሰረታውን ዛዕባታት  ከነተዓባቢ ህርድግ ምባልና እውን ከምኡ ሃስዩና እዩ።

ሎሚ ምስ ኩሉ’ቲ ዘለና ውህሉል ተመኩሮ፡ ተስፋ ዝህቡ ምልክታትኳ ይረኣዩ እንተለዉ፡ ካብቲ ከሳቕየና ዝጸንሐ፡ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል  ዕንይንይ ምሉእ ብምሉእ ኣይሓወናን። ሓቢሩ ብሓደ ልሳን ዘድምጽ፡ ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምን ዓቕሚ ዘይምጥራይና ኣብ ዝባና ዘሎ ዕዳ ተሓታትነት እዩ። ጌና “ሎሚ እውን ይከኣል እዩ” ብዝብል ኒሕ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ንለውጢ ምህላውና ዘተባብዕን ዝነኣድን እዩ። እንተኾነ ብተስፋ ጥራይ ስለ ዘይንበር፡ ብፍላይ ኣብዚ ናይ ቀረባ ኮነ ናይ ርሑቕ ምዕባለታት ዞባና ብቕልጡፍ ምቅይያራት ተሰንዩ፡ ዝያዳ ኣሰካፊ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና። ምስዚ ንተደጋጋሚ ናይ “ኣይትረሓሓቑ” ምሕጽንታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብልና፡ ንኹሉ ክኢልናን ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ከፊልናን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብቲ “ብዝጀመርካዮ ርኡይ ውጽኢት ክሳብ  ምምዝጋብ ምቕጻል”  ዝብል ስንና ነኺስና ብጽንዓት ንሰጉም ጸዋዒትና እዩ።

እቲ ወዲ 12 ዓመት ግዳይ ኣማን መሓመድ ዑስማ

ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት ከም ዝተጨውየ ቢቢሲ ንስድራቤት እቲ ግዳይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣማን ዝተጨውየ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጭወይቲ ካብ ምዕባዩ ሓዉ ፈልዮም ገጹ ሸፊኖም ብባጃጅ ከም ዝወሰድዎ ተሓቢሩ።

እቶም ጨወይቲ ድሕሪ ዝትወሰነ ግዜ፡ “800 ሺሕ ብር እንተኸፊልኩም ወድኹም ክንህበኩም ኢና። እንተደንጒኹም ድማ እቲ ዓቐን ገንዘብ ክውስኽ እዩ” ከም ዝበልዎም ቢቢሲ ኣዲኡ ወይዘሮ ራሕማ ንዝሃበቶ ቃል ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ኣደ እቲ ግዳይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዘይትኽእል ምስቶም ዓመጸኛታት ንምርድዳእ እናበኸየ ዝትርጉመላ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወዳ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ወይዘሮ ራሕማን ስድረኣን ካብ ኤርትራ ቅድሚ 10 ዓመታት ወጺኦም፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ  ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ 8 ዓመታት ጸኒሖም። ጸጥታዊ ምኽያት ኣብኡ ምቕጻል ምስ ጸገሞም ኣብ መወዳእታ 2022 ናብዚ ሎሚ ዘለዉዎ መደበር ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ዝሰገሩ እዮም።

ኣብቲ ምጭዋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓፈሻዊ ጸጥታኡ እውን ውሑስ ዘይኮነ መደበር ስደተኛ እትነብር ወላዲት እቲ ዝተጨውየ፡ ዝተሓተተቶ ገንዘብ ከፊላ ወዳ ከተድሕን ዓቕሚ ስለ ዘየብላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝለዓለ ጨንቂ ከም ዘላ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ጨዊኻ ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቐን  ገንዘብ ምሕታት ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ገበን ኮይኑ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ገበን ዝተቓልዑ እዮም።

Page 24 of 576