ኤርትራዊ ህጻን ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ተፈቲሑ

2024-04-18 18:57:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 224 times

መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ዞባ ሰሜን ጎንደር

ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት ድሕሪ ምጭዋዩ ብ17 ማዝያ 2024 ኣብታ ዝተጨውየላ ቦታ ከም ዝተፈትሐ ወላዲቱ ወይዘሮ ራሕማ ኣፍሊጣ።

 ኣማን ዝተጨውየ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጭወይቲ ካብ ምዕባዩ ሓዉ ፈልዮም ወሲዶም ኣብ ዘይተፈልጠ ኣሲረምዎ ቀንዮም። ድሕሪ ንክልተ ሰሙን ኣሲረምዎ ምጽናሕ እቶም ጨወይቲ ከም ዝለቐቕዎ ወይዘሮ ራሕማ ሓቢራ። ወይዘሮ ራሕማ ምስቶም ጨወይቲ ብኣካል ከም ዘይተራኸበትን ካብቲ ሓቲተምዎ ዝነበሩ 800 ሺሕ ብር ጐዲሎም 200 ሺሕ ብር ብ3ይ ኣካል ምስተላእከሎም ኣብ ሓደ ጐደንና ከትማ ዳባት ደርብየምዎ ከም ዝኸዱ ሓቢራ።

ወይዘሮ ራሕማ ወዳ ኣብ በረኻ፡ ኣብ እግሪ ኦም ኣብ ጽምዋ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ከም ዝቐነየን ብተደጋጋሚ ስለ ዝተወቕዐ፡ ስንብራት ከም ዘለዎን ምስተፈትሐ ድማ ጋና ስለ ዝብህርር ናብ ንቡር ኩነታቱ ኣይተመልሰን ኢላ።

ነቲ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ብር ክልተ ግዱሳት ኣባላት ስድራቤት ከም ዝኸፍልዎ ጠቒሳ፡ ንዓኣቶም ኣመስጊና እቶም ብገንዘብ ክሕግዝዋ መዲቦም ዝነበሩ ካለኦት ኤርትራውያን እቲ ሓገዝ ንካልእ ካብኣ ዝገደደ ጽጉም ንክህብዎ ገሊጻ ንኹሎም ምድንጋጽን ምትሕብባርን ዘርኣይዋ ኣካላት ድማ ምስጋናኣ ኣመሓላሊፋ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መነባብሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት መደበር ኣለምዋጭ ኣብ ኣዝዩ ኩለ-መዳያዊ ጸገም ከም ዘለዉን ደጋጊሞም ምሕጽንተኦም የስምዑ ምህላዎም ተሓቢሩ።

Last modified on Thursday, 18 April 2024 21:07