ኬንያ መፍትሒ ወጥሪ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣለኒ ትብል

2024-04-12 09:53:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 221 times

ኬንያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብዛዕባ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ብዝምልከት ክሰማምዓ ይፍትና ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ህድእ  መፍትሒ ምቕራብ ዘኽእል  ርኢቶ ኣለኒ ምባላ ሮይተርስ/REUTERS ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኬንያ ኮሪር ሲንጎይ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ርኢቶ  ከይጠቐሰ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ዘትክል ኮይኑ፡ ጅቡትን ኢጋድን ብሓባር ክነድፈኦ ከም ዝኽእላ ኣመልኪቱ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ኬንያዊ በዓል መዚ፡ ኢጋድ ከም ዞባዊ ትካል፡ ኣብ ጉዳይ ውዕል ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ንዞባና  ከቀራርብ ዘኽእል እማመ ከቕርብ ከም ዝኽእል’ውን ኣሚቱ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ናይሮቢ ምስ መራሒ ፕረሲደንት ኬንያ ዊልያም ሮቶ ዘካየድዎ ርክብ ነቲ ብኬንያ ዝቐርብን ነዚ ዞባ ከህድእ ትጽቢት ዝግበረሉን ርኢቶ ኣብ ምዕዋት ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ። እንተደኣ እዚ ናይ ኬንያ ርኢቶ ተዓዊቱ፡ በቲ ሓደ ወገን  ኢትዮጵያ ብዘተኣማምንን ብቐጻልን ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ክትረብ ክትእል እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማሊያ ምዕቀብ ከም ዘኽእል ጠቒሱ።

እቲ ኬንያዊ ዲፕሎማት፡ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ዞባና ዝፍጠር  ዘሎ ቅልውላው፡ ጉጅለ ኣልሸባብ ክጥቀመሉ ስለ ዝኽእል፡ መዋጸኦ ንምርካብ ግዜ ምውሳድ ከምዘየድሊ ኣጠንቂቑ። በዚ መሰረት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ብኣካል ተራኺቦም ኣብቲ ጉዳይ ክመያየጡ ብኬንያ ተዓዲሞም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዞባና እውን ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ጸገም ዝተፈጥረ፡ ኢትዮጵያ ብ1 ጥሪ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መሰማምዒ ሰነድ፡ ሶማሊያ ድማ ናጽነተይን ልኡላውነተይን ዝግህስ እዩ ብዝብል  ተሪር  ተቓውሞ ተስምዓሉ ዘላ  እዩ። እዚ ዘይምስማዕ ኣብ ኢትዮጵያ ኬንያ ከይተወሰነ ሓዲሽ ዞባዊ ኣሰላልፋ ናብ ምፍጣር ገጹ ዝምዕብል ዘሎ እዩ።

Last modified on Wednesday, 17 April 2024 10:33