ኣባልነት ኤርትራ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውጽኢት ኣይተረኽቦን

2024-04-11 08:47:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 397 times

ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብገበን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ባእታታት ብኸፊል

ኤርትራ ምናልባት ኣብታ ሃገር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ምቅላል እንተ ሓገዘ ብዝብል፡ ሓንቲ ካብተን 42 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከምእትኸውን እኳ እንተተገብረ፡ ዝኾነ ይኹን ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ ናይቲ ባይቶ ጸብጻብ 2024 ኣቃሊዑ።

እቲ ጸብጻብ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል  ምምሕያሽ ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ እኳ ደኣ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ኣብተን ኤርትራዊ ዝዕቊበለን ዝነበረ ከም ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ይፍጠር ብዘሎ ውግእን ዘይምርግጋእን፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝገደደ ምክልባትን መጭወይትን ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ዕድመ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ብምልኡ ኤርትራዊ ኣብ ስቓይን መከራን ዝጸንሓሉ   ዘርኢ ምዃኑ እቲ ባይቶ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ።

ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ በብግዜኡ ንከተመሓይሾ ዝቐርባ ምሕጽታ ዘይትቕበል ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ምስ ኮሚሽናት ሰብእዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክትተሓባበር ቅርብቲ ከም ዘይኮነ እውን ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ ከም መዕቀኒ ናይ ሚዛኑ ካብ ዝወሰዶም ነጥብታት፡ ብዘይሕገመንግስታዊ መሰረት ዝተኣወጀ ግዱድ ውትህድርናን ኣተገባብራኡን፡ ናይ ዜጋታት ናይ እምነት ነጻነት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋርን ዜጋታትን ኣገዲድካ ምምላስ ስደተኛታት ካብቲ ዝተዓቖብዎ ሃገራትን ከም ዝርከብዎም እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

Last modified on Thursday, 11 April 2024 10:57