Thursday, 13 March 2025 21:07

Dimtsi Harnnet Kassel 13.03.2025

Written by

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርርከበን ዕስራን ኣርባዕተን  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበረን ኤምባሲታት፡ ብ13 መጋቢት 2025 ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸአን “ቡርከና/BURKENA” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። ናይቲ መግለጺ መንቀሊ ኣብ ክልል ትግራይ መመሉሱ ዝገድድ ዘሎ ወጥሪ ምዃኑ እውን እታ መርበብ ኣፍሊጣ።

እተን ኤምባሲታት ነቲ ሓፈሻዊ ምዕባለታትን ኣብ ትግራይ ዝድይብ ዘሎ ሓደገኛ ወጥርን ይከታተልኦ ከም ዘለዋ ኣብቲ መግለጺአን ጠቒሰን፡ እቲ ወጥሪ ሃዲኡ ሰላማዊ ዘተ ክካየድ ጸዊዐን፡ እቲ ናይ ወርሒ ሕዳር 2022 ውግእ ጠጠው ዘበለ  ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ምትግባር ከም ዝተሓባበራ ቃል ኣትየን። ኩሎም ወገናት እቲ ስምምዕ ንከይጠሓስ ብዘለዎም ዓቕሚ ንክሰርሑ ከኣ ብትሪ ከም ዝተሓሳስባ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺአን ኣስፊረን።

ነቲ መግለጺ ካብ ዘውጸኣ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበረን ኤምባሲታት፡ ናይ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኒውዘላንድ፡ ጃፓን፡ ነርወይ፡ በልጂም፡ ሰርቢያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን፡ ኣየርላንድ፡ ስፐይን፡ ፈረንሳን ኢጣልያን ከም ዝርከበአን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።  እቲ መግለጺ ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር  ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ ተኸቲሉ ዝወጸ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ናይ ኣሜሪካ ዝርከቦም ኣንበሳድራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚቲ መግለጺ ምውጽኡ ምዝርራቡ እውን “መርበብ ሓበሬታ ቡርከና” ሓቢራ።

ጅነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ምክትል ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ትግራይ ናይ ኤርትራን ትግራይን ዓውዲ ውግእ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ “ኣፍሪቃ ሪፖርተር” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኣብዚ ጽሑፉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ይሕይል ኣብ ዘለወሉ ክልል ትግራይ ኣብ ማእከል ከም እትቕርቀር ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ኣብ ዝኾነ ግዜ ውግእ ክባራዕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣስፊሩ።

ብሰንክ’ቲ  ውግእ ከም ሱዳን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ተጐቲቶም ናብቲ ውግእ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ጠቒሱ፡ ትግራይ በቲ ዘለዋ ኣገዳሲ ዓቕሚ ማኣከል ናይቲ ግጭትን ውጽኢቱን ክትከውን ከም እትኽእል ገሊጹ። ከምቲ ንቡር ግና ትግራይ ካብቲ ውግእ ተዓቂባ ንሰላም ክትሰርሕ ይግበኣ ምኽንያቱ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ ብውግእ ስለ ዝተሳቐየት ምርጨኣ ንሰላም ምስራሕ ክኸው ስለ ዝግበኦ ኢሉ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ምቅርራብ ቀስብቀስ እንዳተጸንቀቐ ስለ ዝመጸ፡ ናብ ውግእ ምእታወን ዘይተርፍ እዩ ድሕሪ ምባል ድማ፡ እቲ ናይ ውግእ ምድላዋት ዳርጋ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ዝበጸሐ ከም ዝመስልን ንድሕሪት ምምላሱ ከምዘይከኣልን ኣብቲ ነዊሕ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ብመንጽር’ዚ ትግራይ ኣብ ወሳኒ፡ ጀኦግራፍያዊ፡ ታሪኻውን ባህላውን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ መራኸቢ ቦታ ስለ እትርከብ ኣዝያ ብውግእ ዝተሃስየት እያ ክብል ኣስፊሩ።

ትግራይ ካብቲ ጀኦግራፍያዊ ዓቐና ዝያዳ፡ ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ስለ ዘለዋ፡ ኣቀማምጠኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸላዊ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ንጉርብትና ኣብ ዝምልከት እውን ምስ ሱዳንን ኤርትራ ዘራኽብ ዓለምለኻዊ ዶባት ከም ዘለዋን  ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን እትዳወብ  ኢሉ።

ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ክጠቅስ እንከሎ፡ ድማ ኢሳያስን ደገፍቱን፡ ብወተሃደራዊ ኣብነት ንእስራኤል ብቁጠባዊ ዕቤት ሲንጋፖር ከምኡ ድማ ብማሕበራዊ ዕቤት  ደንማርክን መሲሎም ክቐርቡ ከም ዝደልዩ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ከኣ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ናቶም ዓቕሚ ዘይኮኑ ዝምርኮሱ፡ ኣብ ሃብቲ ጐረባብቶም ክንጥልጠሉ እዮም ዝደልዩ ክብል ገሊጽዎም። ቀጺሉ ከኣ  ስስዐ ኤርትራ ካብ ግዜ ነጻነት ጀሚሩ እናገደደ ክመጽእ ከም ዝጸንሓ ጽሒፉ።

መንግስቲ ኤርትራን ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብን፡ ኣገዳሲነት ትግራይ ስለ ዝፈልጥዎ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዘሎ  ትግርኛ ዝዛረብ  ሓዎም ክዕወቱ ከምዘይክእሉ ስለ ዝርድኡ፡ ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይድዎ ውግእ፡ ብዘይትግራይ ክዕወቱስ ይትረፍ ክህልዉ እውን ኣይክእሉን እዮም ይብል።

ድሕሪቲ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢሮም ኣንጻራ ዘካየድዎ ኣጽናቲ ውግእ፡ ትግራይ ሎሚ’ውን ናብ ውግእ ክትኣቱ ከገድዳ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ከም ምርጫ ግና ንትግራይ ዘዋጸኣ  ነቲ ኣገዳሲ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር እዩ ይብል እሞ፡ ዋላ’ኳ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእዩ ዝብሉ እንተኾኑ፡  ውግእ ኣብ መንጎ  ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተናወሐ ክኸውን እዩ’ውን ኢሉ።

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ውግእ፡ ንክንደይ ግዜ ይካየድ ብዘየገድስ፡ ውጽኢቱ ዞባዊ ዕንወት’ውን ከም ዘኸትል ኣስፊሩ፡ ኣተሓሒዙ ከኣ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ናይ ሃገራት ድሕርቲ ውግእ ክቕየር ከም ዝኽእል ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ። ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከኸትል ከም ዝኽእል ከኣ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ካይካየድ ዝፍረሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ዓለም ኣብ ከም ናይ ዩክረይንን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ  ኮንጎን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣብ ዝተጸምደትሉ ምዃኑ’ውን  ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ናይቲ ውግእ ናይ መወዳእታ ዕድል ኣብ ትግራይ ከይከውን ዘለዎ ስግኣት ዝጠቐሰ ጀነራል ጻድቃን፡ በዚ መሰረት ደጊሙ ምርጫ ትግራይ ወግእ ዓጺፍካ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባርን ኣብ ሕውየት ምስራሕን ከም ዝኸውን  ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ህግደፍፍ ብወገኑ ነዚ ገምጋማዊ ጽሕፉ ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ ብመንገዲ የመነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ናይ ተቓውሞ መልሲ ሂብሉ’ሎ።

ሞት ገዲም ተጋዳላይ ሃነጸ ካሕሳይ ብዘሕዝን ኩነታት ሰሚዕናዮ። ተጋዳላይ ሃነጸ ኣብ 1957 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ድብድብ ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፡ ኣብ ደቀምሓረ ክሳብ መበል 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ድሕሪኡ  ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ብ1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ መባእታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም  ኣብ ናባጋደ ኬቦ ይተባህለ መደበር ምስ ወሰደ ኣብ ሓይሊ 372 ተመዲብዲ እናተቓለሰ ብ1977 ኣብ ሰላዕዳዕሮ ተወጊኡ።

ድሕሪ መውጋእቱ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምጣነ ሃብቲ ክፍሊ ኮኦፐራቲቨ ተመዲቡ ክሳብ ተሓኤ ናብ ሱዳን እትኣቱ ተቓሊሱ። ኣብ 1983 ድማ ኣብ መንጎ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ቃልሱ ኣብ ምቕጻል እንከሎ፣ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካብ ዝተኣስሩ ካድራት ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ነይሩ። ካብ ማእስርቲ ምስ ወጸ ቃልሱ ብምቕጻል ከኣ ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም ብደረጃ ኣቦመንበር ጫንፈርን ካልእ ጽፍሕታትን ዝተቓለሰ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጻናት ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንክረኽቡ ርኡይ ጻዕሪ ካብ ዝገበሩ ካድራት ውድብ ሓደ ነይሩ። ነፍሰ-ሄር ሃነጸ ከም ሰብ ተጻዋታይ፡ ተዋዛያይ፡ ለጋስን ኣብ መትከሉ ጽኑዕን ከም ዝነበረ ከኣ መቓልስቱ እንምስክሮ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ዕለተ ዕርፍቱ ኣብዝኣመነሉ ውድብ ብትብዓ ክቃለስ ጸኒሑ

እንተኾነ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ብ9 መጋቢት 2025 ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዓሪፉ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡ ናይታ ዝተቓለሰላ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ተነፊግዎ፡ ኣብታ ዝዓረፈላ ኡጋንዳ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።  ሓው ሃነጸ ካሕሳይ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ እናተዘከረ ዝነብር ኮይኑ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕርፍቱ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም”  ንብል።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

 8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ዝኽበረሉ ኣጋጣሚ፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለን ተወልደ ስእለን ድማ “ሕጋዊ  ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ኤሪፒኤም” ንምምስራት፡ ካብ ዘካይድዎ ዑደታቶም ሓደ ስለ ዝነበረ  ዝተረኽብሉ ነይሩ።  ምስ ደለይቲ-ፍትሒ ኤርትራውያን ዝወደብዎ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ኦክላንድ ስለ ዝነበረ ብድምቀት ተሰላሲሉ።

ነቲ በዓል ዘሰናድአ ሽማግለ ደለይቲ-ፍትሒ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ  እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ብምባልን ስዉኣት ብምዝካርን 8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ እውን ብምዝካር ነታ ዕለት ዘለዎ ኣኽብሮት ብምግላጽ ኣኼባ ተኸፊቱ።

ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም ሕጋዊ ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ንምቛም ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት፡ ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን፡  ኣካላት ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓሳትን ውዱባትን ብምዃን  ናይ ዜና፥ ሓበሬታ፥ ምንቕቃሕን ምልዕዓልን ተራ ዝጻወት፡ ብፍትሕን ማዕርነትን ንኹሎም ምልኪ ብምልጋስ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘተኣናግድ መድረኽ  ንምፍጣር  ይጉስጉሱ ኣለዉ። እቲ ትካል ሕጋዊ ፍቓድ ብምርካብ፡ ብግዱሳት ተሳተፍቲ  ተነዲፉ ብጉባአ ዝጸድቕ ሕጋዊ መምርሕን መሪሕነትን ዝቐውም፥ ዋንነቱን ተሓታትነቱን ድማ ናይ ዘቖሞ ህዝቢ ክኽውን ዝዓለመ እዩ። ናብቲ መደብ ንምስታፍ ዘኽእል መምርሕታትን ቅጥዕታትን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዓዲሎም።

ተነዲፉ ዘሎ ዕላማን ቅርጻን ትካል ዘርኢ ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ኣብሪሆም። ንሕቶታት ተሳተፍቲ መሊሶም፡ ርእይቶታትን ምትብባዕን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተቐቢሎምን። እቲ መግለጺ ብዝርዝር ኣብ ቪድዮታት ኤሪፒኤም ስለ ዝርከብ፡ ግዱሳት ካብኡ ክከታተሉን ክግንዘቡን ይኽእሉ። ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ሄኖክ ኣብ ዛዛሚ ኣኼባ ምስጋናኡ ንተሳተፍቲ ብፍላይ ከኣ ንገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ትሳተፉን ተተባብዑናን ንስኹም ኢኹም። ንሕና ድማ ዘጽናሕኩምልና ዕላማን ሞያ ቃልሲን ድማ ክንቅጽሎ ኢ”’ ብምባል ሞገሱ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ፥ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ብዝተፈላለዩ ስርዒታዊ ኣገባባት ንሃገራዊ ናጽነትና ዘበርከቱ፡ ከምኡውን ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ንምዕቃብ ኣብ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ፡ ኣብ ምንቅስቓሳት ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን ዝነጥፉ፡ ብስኒትን ሓልዮትን ንሓርነት ህዝብናን ቅዋማዊ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ዝቃለሱ ዘለዉ እዮም። መርኣያ ደገፎም ከኣ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼ $11, 000.00 ዶላር ኤሪፒኤም ንምስሳን ተወፍዩ። ኤሪፒኤም እታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምክትታል  ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ መራኸቢ ብዙሃን እያ።

ድሕሪ ኣኼባ ንኽብሪ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቅንስትዮ ንነፍሲወከፍ ተሳታፊት ዕምባባ ተዓዲሉ፡ ኣብ ማሕበረ-ሰብ በይኤርያ ንጡፍ ተራ ንዝጻወቱ ኣባላት ድማ ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ። ንኽብሪ ኣጋይሽ ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም  ከኣ ኣብ ቤት መግቢ ቀይሕ ባሕሪ ኦክላንድ ሓባራዊ ናይ ድራር  እንግዶትን ዕላልን ተኻይዱ።

Untitled 2

ኣብ መወዳእታ፡ ንጎስጎስቲ ኣካየድቲ ኤሪፒኤም ዓወት ዘሰነዮ ዑደት ክኾነሎም ብምምናይ፡ ዕዉት ውጽኢታዊ ኣኼባታት ንኽግበር ዘዳለዉ፡ መድረኽ ዝመርሑን ዘወሃሃዱን፡ ትጉሃት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ በይ-ኤርያ ዕዙዝ ምስጋና ብምቕራብ  ተዛዚሙ።

ሌ/ ጀ ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ፡ ብ/ ጀ ምግበይ ሃይለ፡ ሌ/ጀ ማሾ በየነ

ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ብ10 መጋቢት 2025 ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ጀነራላት ግዝያዊ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ድምጺ ወያነ ትግራይ ሓቢራ። እቶም ብግዝያውነት ዝተኣገዱ ጀነራላት ሰለስቲኦም መራሕቲ ግንባራት ኮይኖም ክእዝዙ ዝጸንሑ ኮኖም፡ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮር (ጆን መዲድ)፡ ብሪጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለን ሌተናል ጀነራል ማሾ በየነን እዮም። ንሱ ናብ ነፍሲ ወከፎም ዝጸሓፎ ደብዳበ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ትሕዝተኦ ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ።

“ካብ ናይ መንግስቲ ውሳነ ወጻኢ፡ መላእ ህዝብና፡ መንእሰያትና፡ ናብ ዕግርግር፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሕድሕድ ግጭት ዘኣቱ፡  ኮታስ ህዝብና ናብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ዘእቱ፡ ምንቅስቓስ ሕዚ’ውን ደው ኣይበለን። በዚ መሰረት ንስኹም ኣዘዝቲ ግንባ ካብ 1 መጋቢት 2017 (10 መጋቢት 2025) ጀሚሩ፡ ስርዓት ኣብ ዘለዎ ኣካይዳ ምርድድዳእ ክሳብ ዝግበር፡ ንዘይተወሰነ ግዜ፡ ካብ ናይ ሰራዊት ናይ ምእዛዝ ሓላፍነትኩም ዝተኣገድኹም ምዃንኩም የፍልጥ።” ይብል።

ፕረሲደንት ጌታቸው ረዳ ናይዚ መእገዲ ደብዳበኡ ቅዳሕ፡ ናብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢነ ሰክተር ሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ናብ  ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ናይቲ  ካቢነ ልኢኹ።

መንእሰያት ናብቲ ዘይውሑስን ዘይሕጋውን ጉዕዞ ባሕሪ እናተዳለዉ

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ዘምርሓ ዝነበራ 4ተ ጃላቡ ብጥሓለን ኣሳፊረናኦም  ዝነበራ 186 ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ካብዞም 5 የመናውያን መራሕቲ እተን ጀላቡ ዝርከብዎም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ግዳያት፡ ናይ 2ተ ሰባት ኣስከሬን ጥራይ ከም ዝተረኽበ  እቲ ዜና ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሃበ፡ ወሃቢ ቃል ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ታሚም አለያን ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣብ የመን ናይቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ወኪል፡ ዓብዱሳተር ኢስኮር  ብወገኑ፡  እተን ጀላቡ ኣብ ተቐራራቢ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ ሓያል ንፋስ ምዃኑ  ኣስፊሩ። እተን ጀላቡ ዝተፈላለየ ቁጽሪ ሰባት ኣሳፊረን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ሓደጋታት፡ ካብ ወረዳ ዱህባብ ምምሕዳር የመን ጣዒስ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ እዩ ተኸሲቱ።

ካብቶም ኣፍሪቃውያን ግዳያት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ዜና ኣብ ሓንቲ ካብተን ጃላቡኳ፡ 150 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን 4ተ የመናውያንን ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝውተር ኮይኑ፡ ሓያሎ ግዜ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ኣብ 2023 ጥራይ 97,200 ሰባት በዚ ሓደገኛ መስመር ከም ዝተጓዕዙን እዚ  ኣሃዝ ካብቲ ናይ 2021 ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድን ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት በዚ ናይ ጂቡቲ-የመን መስመር ጥራይ 2,082 ሰባት ምጥሓሎም እውን ተጸብጺቡ።

በዚ ሓድሽ ጸብጻብ መሰረት፡ እዚ ሓድጋዚ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረአ፡ ብሓንሳብ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ደሃዮም ምጥፋኡ ዘሰንብድ ብምዃኑ ፡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድሮ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ራያ 9ተ ስድራቤታት ብሓባር ብሞት ደቆም ብ9 መጋቢት 2025 ከም ዝተረድኡ  ተፈሊጡ።

Page 19 of 610