ካብ ማሕበራዊ መድያ፡ ዝተወስደ፡ ሰማንታ ፖወር፡ ኣካያዲት፡ ዩ ኤስ ኣይድ/(USAID
ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ ኣብታ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቓ ዘላ ሱዳን ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ልዕሊ 315 ሚልዮ ዶላር መዲባ ከም ዘላ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ላዕለወይቲ በዓልቲ መዚ ኣፍሊጣ።
ኣመሓዳሪት ትካል ዓለምለከ ልምዓት ኣሜሪካ፡ ሳማንታ ፖወር፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ረዲአት ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍደገ ሞት ናይ ዘለዉ ግዳያት ህይወት ምድሓን ዝዓለመ እዩ።
ሳንማታ ፖወር ከም ዝበለቶ’ እኹል ረዲአት መግቢ ዝኽዘነሉ እኹል ማእከላት ዘይምህላው፡ ድሕሪቲ ታሪኻዊ ዓጸቦ ዘሎ ሓደገኛ ዕንቅፋት እዩ። እዚ ኰነታት ካብቲ ቅድሚ ኩሉ ክፍታሕ ዝግበኦ ምዃኡ’ውን ኣብቲ ዝሃበቶ ቃል ጠቒሳ። ህዝቢ ሱዳን ከባቢ 25 ሚልዮን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብኡ ኣስታት 8 ሚልዮን ካብ ሃገር ምውጽኡ ተመዛቢሉ’ሎ።
እዚ ብኣሜሪካ ዝልገስ ረዲአት፡ ህልቂት ህይወት ሱዳናውያን ኣብ ምድሓን ዝለዓለ ግደ ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሕድሕድ ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ምግሃድ ሰላማዊ መፍትሒ ትብዓትን ተወፋይነትን ከርእዩ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ሳማንታ ፖወር ጸዊዐን።
እቲ ኣሜሪካዊ ዓለምለኸ ትካል ረዲአት ከም ዝገለጾ፡ ካብቲ ተዋግእቲ ወገናት ዝሓዝዎ ቦታታት ካብ ናይቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ዝቆጻጸሮ ከተሰጋግር ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይካዚ ናብ ሱዳን ኣብ ዘእቱ ዓለምለኻዊ ዶባት እውን ጸገም ኣሎ። ብመንጽርዚ ብቻድ ኣቢልካ ናብ ሱዳን ዘእቱ ቦታ ህይወት ሚልዮናት ጽጉማት ሰለ ዘድሕን ምኽፋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ተቐናቐንቲ ዘካይድዎ ዕንቅፋት፡ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዓጸቦ ቀንዲ ጠንቂ እዩ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣሜሪካ ናይተን ካለኦት ትካላት ረዲአት ቀጻልነት ከይቋረጽ ክትጽዕር እያ። በዚ ድማ ህይወት ንምድሓን ዝወሃብ ሓቀዝ ቀጻሊ ምግባር ከም ዝከኣል መልእኽቲ ኣሜሪካ እዩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ ዩ ኤስ ኣይድ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን፡ ብህጹጽ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ሓደኛ ኩነታት ንምፍታሕ ናብ መኣዲ ዘተ ንክምለሱን ጸዊዑ።
ጋዜጠኛታት፡ በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴድሮስ ዘርፉን
በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴዎድሮ ዘርፉን ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ናይ ግሊ ጋዜጠኛታት ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ማእሰርቲ፡ ብ17 ሰነ 2024 ከም ዝተፈትሑ መርበብ ኢትዮ-ኢንሳይደር ሓቢራ። እዞም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ምእሳሮም፡ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ፡ ብምጥቃስ ንመንግስቲ ምስ ከሰሱ እዮም ብፖሊስ ተፈቲሖም።
በቃሉ ኣላምረው፡ መስራትን ኣመሓዳርን “ኣልፋ መዲያ፥ በላይ ማናየ ሪፖርተር “ኢትዮ-ኒውስ” ከምኡ ድማ ቴድሮስ ዘርፉ ጋዜጣኛ “ምነሊክ-ቲቪ” እዮም። እዞም ጋዜጣኛታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣዋጀ ሰዓት እቶእቶ ኣብ ክልል ዓፋር “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝጸንሑ እዮም።
እዞም ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋጋእ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ደጊፍኩም ብዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዝፍትሑ ዘለዉ ከኣ እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ ናይ እገዳ ግዜ ካብ ዝሓልፍ ድሕሪ 10 መዓልታት እዩ።
በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ-መድያ” ናይ ዝተባህለ መድያ፡ ደሓር ከኣ ናይ “ኣልፋ-ተለቪዥ” መስራትን መራሕን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብቲ ውግእ ርትዓውን እዋኣንውን መደባት ብምቕራብ ዘቃልዕ ዝንነበረ ተባዕ ጋዜጠኛ እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቶም ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይካ ሓሳብ ህዝቢ ምንጽብራቕ፡ ካልእ ገበን ዘይነበሮም 16 ኤርትራውያንን ጋዜጠኛታት፡ ምስተኣስሩ ክሳብ ሎሚ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ብዛዕባ ሃለዋቶም እውን ሓበሬታ ኣብ ዘየብሉ ምዃኑ ኣዝዩ የሕዝን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ምኽንያት ብምግባር፡ ንኣመንቲ ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ኣብጽሓና እናበለ ሰናይ ምትኒቱ እገልጽ።
እዚ ኣብ 2024 እንርከቦ ዘሎ በዓል፡ ካብ ምልካዊ ግፍዒ ኣገላጊሉ: ሰላም እነስተማቕረሉ፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝስፍነሉን ስደትን ምክልባትን ኤርትራውያን ዝሓጽረሉ ክኸውን ንምነ።
ንኹሎም እቶም ነዚ በዓል ዘኽብሩን ናይ ሓጅ ጉዕዞ ብምክያድ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕማማት ከማልኡ ዝበቕዑን ኣመንቲ ምስልምና ከኣ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ናይ እንቋዕ ኣብቅዓኩም መልእኽቲ አመሓላልፈሎም።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
Even supporters are fleeing the regime: The Eritrean ambassador has applied for asylum in Switzerland
Written by Martin PlautThe new ambassador to Switzerland visited all the cantons and collected a lot of money, according to the news report on Eri-TV. It meticulously lists how much money was collected in each of the cantons during this Tour de Suisse. 9127 francs in Lucerne, 6481 francs in Aarau and 4910 francs in St. Gallen - in total, Zerai is said to have collected over 50,000 francs for the state treasury in twelve cantons. The fact that he made it into the TV news shows one thing above all: how tight the regime is and how urgently those in power need foreign currency from abroad.
ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ክንምልሶም ካብ ዝግበኣና ሕቶታት፡ “መን እዩ ጸላኢና፡ መንቀልን መዓርፎን ቃልስና ኣበይ እዩ፡ ምስ መንከ ንመሓዞ፡ ብዓብይኡ ድማ መቃለሲ ባይታና ኣበይ እዩ? ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብዚ ሎሚ ንሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ እዞም ሕቶታት ምሉሳት እዮም። ኣብቲ ንነፍሲ ወከፎም ዝወሃብ መልሲ ግና ፍልልያት ከም ከም ዘሎ እንርደኦ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታ እንስለፍ እውን ካብዚ ፍልልያት ስለ እንነቅል ኢና።
ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ካብዞም ሕቶታት ዝያዳ ጐሊሖም ወጺኦም እዋናዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ዝኾንሉ ግዜ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሃገርና ኮይንና ክንቃወም ስለ ዘይንኽእል፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም በበቲ ዝጥዕመና ንቃለስ ኣብ ዘለናሉ፡ “ጉዕዞ ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ኢትዮጵያ” እዋናዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ብዛዕባዚ መገሻ ብሪጌድ ንሓመዱ ነናቶም ርኢቶ ይህቡ ኣለዉ። ዳርጋ ኩሉ ርኢቶታት ካብ ሓልዮትን ድሌትን ምሕያል ናይቲ ቃልሲ ዝብገስ ምዃኑ ከኣ እቲ ተገዳስነት ዘተባብዕ እዩ። ብሪጌድ ንሓመዱ ከኣ ነቲ “ኣብ ክንዲ ከምቲ፡ ከምዚ እንትዝገብሩ” ዝብል ምዕዶ ክልገሰሉ እንከሎ፡ ብቕንዕና መሚኻ ነቲ ሃናጺ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
መቃለሲ ቦታ ክትመርጽ እንከለኻ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም መምዘንታት ኣለዉ። ነቲ እትመርጾ መቃለሲ ቦታ ዝመርሕ መንግስቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ጽንዓትን፡ ኣብታ እትቃለሰላ ዘለኻ መጻኢት ኤርትራ ዘለዎ ኣጠማምታን ፖለቲካዊ ሕሳብን፡ ምስቲ እትቃለሶ ዘልኻ ስርዓት ዘለዎ ዝምድናን ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገርን ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ “ናይቲ ትቃለሶ ዘለኻ ወጻዒ ሓይሊ ጸላኢ ምዃኑን ናብ ኤርትራ ዘለዎ ጂኦግራፊያዊ ቅርበትን” ጥራይ መቃለሲ ባይታ ወይ መሓዛ ክኾነካ እኹል መምረጺ ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ንኢትዮጵያ ማዕረ ምስተን እንቃለሰለን ዘለና ካለኦት ሃገራት ምርኣይ የጸገም። ምኽንያቱ መንግስታት ኢትዮጵያ ብደረጃታት ደኣ ይፈላለዩ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ “ምስ ኤርትራ ዘይተወደአ ፖለቲካዊ ምጽብጻብ ኣለና” ካብ ዝብል ሕልሚ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይወጹ። ካብዚ ነቒሎም ንናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ካብ መሰረታዊ ረብሓን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብ ናቶም ድሌትን ጠቕመን ካብ ምጥማት ዓዲ ከምዘይውዕሉ በብግዜኡ ዝረኣዩን ዝስምዑን ምልክታት ኣለዉ።
እቲ ንመርጾ ዘለና ቦታ ቅድሚ ሕጂ ምስ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝምድና ኣለዎዶ የብሉን ምድህሳስ ካልእ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ውጽኢቱ ኣሉታዊ ድዩ ኣውንታዊ ብዘየገድስ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተመኩሮ ኣሎ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ዓመታት ትካላት ዘርጊሑ፡ ናይ ውድባት ጉባአታትን ሓፈሻዊ ዋዕላታትን ዘካየደሉ ስለ ዝኾነ እትመሃረሉ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ዘይምዕዋቱ ከም ዝዛይድ ግና ፍሉጥ እዩ። ውጽኢቱ ከምኡ ከም ዝኸውን ካብ ዝገበርዎ ጠንቅታት ቅድሚ ንምቅላስ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ብሱል ኩለ-መዳያዊ ዳህሳስ ዘይምግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ካብ ዝኣትዉ ምኽንያታት ሓደ እዩ።
እቲ ከምዚ ናይ ብሪጌድ ንሓመዱ ኮነ ናይ ካለኦት ውዳበታት ሎሚ ንኢትዮጵያ ከም መቃለሲ ባይታ ምምራጽ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ መዚኖም ካብኡ ንሎሚ እውን ይጠቅም’ዩ ዝበልዎ ክወስዱ፡ ኣየድልን ንዝበልዎ ድማ መምዮም ከትርፉ ምኽኣል ውሕሉል ኣተሓሕዛ ቃልሲ እዩ። ነዚ ኣገባብ ዘይምኽታል ግና ንተመኩሮ ናይ ትማሊ እናዘንጋዕካ ካብ ሎሚ ጥራይ ምጅማር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፖሊሲ ዋሕዚ ምምልላእን ምትኽኻእን ዝጐደሎ ዝተቖራረጸን ዘይዕወትን ጉዕዞ እዩ ዝኸውን።
ንኢትዮጵያ ከም መቃለሲ ቦታ ምምራጽ ምስ ኤርትራ ብዘለዋ ቅርበት ከም ካልእ ተራ ሃገር ዝረአ ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዘለዎ ኣረኣእያ እውን ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኮነን። ግን ድማ ምስኡ ክጻላእ እንከሎ ዘቕርበካ ክፋቐር እንከሎ ከኣ ዘርሕቐካ፡ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይዓጦ ከይከውን ምስትብሃሉ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ምቅርራብን ምርሕሓቕን ሓላፍነታውን ውሕሉልን ክኸውን ኣለዎ እምበር፡ ረብሓኻ ቅድሚ ረብሓኡ ክስርዓልካ ምጽባይ ማለት ኣይኮነን።
እቲ ካልእ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቅድሚ 2018 ዝነበረቶን ሎሚ ዘላትሉን፡ ብመንጽር ዘቤታዊ ጉዳይካ ወጊንካ፡ ምስ ከም ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ዝኣመሰሉ ኣካላት ናይ ምትሕብባር ዓቕማን ቅሩብነታን፡ ቅድሚ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጽናዕ ዝግበኦ እዩ። ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱ ኣደልዲሉ ዘይረገጸ መንግስቲ ናይ ካልእ ዋኒን ክጸውር ዘለዎ ትኽእሎ ጸቢብ እዩ። ኩሉ ገዲፍካ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎቲ ብሰፊሕ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ክልል ትግራይን ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድናን ኣሰላልፋን ኣብ ምምራጽ መቃለሲ ቦታ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ብክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቐባልነት ዘየብሉ ዝምድና ምፍጣር ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ርኡይ እዩ። ስለዚ መቃለሲ እንመርጾ ቦታ ተቓሊስና እንዕወተሉን ቀጻልነት ዘለዎን እምበር፡ ንህግደፍ ንግዜኡ እተሰንብደሉ ጥራይ ክኸውን ኣይግባእን።
እቲ ካልእ “ኣነኸ መቃለሲ ቦታን ዝዛመዶ ሓይልን ክመርጽ እነከለኹ ክሳብ ክንደይ እየ ዘቤታዊ ዕዮኡ ዝወገነ ተበሃጋይ ሓይሊ ዝኸውን?” ዝብል ሕቶ ክትምልስ ናይ ግድን እዩ። ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብዚ መዳይዚ ዘይወገኖም በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ከም ዘለዉዎ ርኡይ እዩ። ከምቲ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ ክግምግም ይግበኦ ዝበልናዮ፡ ሓድሽ መቃለሲ ቦታ ንምስፋሕ፡ ናቱ ናይ 2ተ ዓመታት ተመኩሮ ምምዛን እውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘይገሸ ኣካል መሪሕነት ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብቲ መጀመርያ፡ “ነቲ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ኣይፈልጦን እየ” ኢልዎ ነይሩ። ደሓር ግና “ተረዳዲእናሉ ኣለና” ኢሉ። እዚ ውጽኢት ጉድላት ብቑዕ ቅድመ-ምድላው ዘይምግባር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ብሪጌድ ንሓመዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ሓይሊ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ንከድምዕ ክምልሶም ካብ ዝግበኦ ሕቶታት “ንህግደፍ ኣበይ ኮይንና ንቃለሶ? ዝብል መሰረታዊ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።
ኣምበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ፡ ኢጎር ሞዝጎ
ኤርትራ ናይ ምዕራብ ሓይሊ ንምምጥጣን፡ ሩሲያ ኣብ ኣፍሪቃ ክትሁ ከም እትደሊ ኣምበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ምስ ማዕከን ዜና ሃገሩ ታስ/TASS፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ። ንሱ ኣተሓሒዙ መሪሕነት ኤርትራ፡ ሩሲያ ጸጥታን ሰላምን ፍሪቃ ንክተመሓድር ክትጽውዕን ከተዕግብን ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኤርትራ 1,200 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪን ክንድኡ ዝኸውን ገማግም ደሴታትን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቃለ መጠይቑ ጠቒሱ።
እቲ ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ነቲ ምዕራባውያን በይኖም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር የመን ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ከምዘይትድግፎ ብምጥቃስ፡ ብኣንጻሩ ንምምጻእ መራኽብ ውግእ ሩሲያ ናብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩሲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዝተኸተመ ስምምዕን ብጽቡቕ ከም እትቕበሎ ኣስሚሩሉ። ኣብዚ ቃለ መጥይቑ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ስምምዕ ክረኽቦ ዝኽእል ጠቕሚ ኣየንጸባረቐን።
ኢስያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ኣብ መበል 33 ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስመዖ ቃል ነዚ ዘንጸባርቕ ነይሩ። ድሕሪ ካብ ደቡብ ኮርያ ምምላሱ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ግና፡ ሓቀኛ ግብሩ ሓቢኡ፡ ኣፍሪቃውያን ንካለኦት ናይ ርሑቕ ሓይልታት ከይተጸበና ጉዳና ንግበር ክብል’ዩ ፈቲኑ። ቃልብቓል ከኣ፡ “ ንሕና ንኻልኦት ክንሓሚን ክንራገምን ክንነብር ኣይኮንናን። ብኸምኡ ገይርካ ዝፍታሕ ሽግር የለን። ዕዮ ገዛና ንግበር። ኣረዳድኣና ነስምሮን ነቀራርቦን።” ብዝብል ነቲ ናብ ርሑቕ ዝጥምት ኣካይዳኡ ክሽፍኖ ፈቲኑ።
ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ግዜ ለይቲ ጥራይ ዘገልግል፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ኣገልግሎት ክህብ፡ ኣዝዩ ግዜ ዝሓለፎን ዋግኡ ከኣ ካብቲ ዘመናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ኣዝዩ ዝኸበረ ኢንተርነት ክወሃብ ምዃኑ ትካል ኤሪ-ተል ሓቢሩ። ብዛዕባ ተክኖሎጂ ኢንተርነት ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ኣገልግሎት ምናልባት ቅድሞ ዕስራን ካብኡ ንላዕልን ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ሎሚ ዳርጋ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ዝወጸ ብዘይቀዋሚ መስመር ተለፎን ዘይሰርሕ ምዃኑ ሓቢሮም።
ህግደፍ ነዚ ዝመረጸሉ ምኽንያት በቲ ሓደ ወገን ነቲ “ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት የለን” ዝብል ክሲ ንምሻፋን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዝርካቡ በዚ ኣገባብ ዝግበር ርክባት ንምቁጽጻር ንክጥዕሞ ምዃኑ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ይሕብሩ። እዚ ኣገልግሎት ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል፡ ሓደ መልእኽቲ ንምቕባል ኮነ ንምልኣኽ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ምናልባት እውን ረብሪብካ እትገድፎ ምዃኑ፡ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ናይ ምስልን ድምጽን መልእኽቲ ምትሕልላፍ እሞ ከኣ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብዚ 5ይ ትውልዲ ብዝበሃል ዓይነት መራኸቢ ዋይፋይ ዝገነነሉ፡ መድረኽ ነዚ ኣገባብ ምምራጹ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ናብቲ ተክኖሎጂ ቅርበት ዘለዎም ኤርትራውያን ይገልጹ።
ብመሰረቱ ከኣ ኤርትራ ድሕሪ 33 ናይ ናጽነት ዓመታት “ምጅማር ኣገልግሎት ኢንተርነት” ዝብል ዜና ምዝርግሑ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ድሕረት ከም ዘላ ዘመልክትን ዘሕፍርን ምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ኢንተርነት ዝጥቀም ካብቲ ህዝቢ ካብ 1% ዝበልጽ ኣይኮነን።
ኣምበሳደር ነበር ኣደም ዑስማን
ኣብ ስዊዘርላንድ ብምምሕዳር ህግደፍ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ተመዲቡ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ ክሳብ ሎሚኳ ኩነታቱ ከዘራርብ እንተጸንሐ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ብወግዒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያት ዝግደስ፡ ጋዜጠኛን ደራስን ማርቲን ፕላውት፡ ነዚ ብዝምልከት ብ9 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ንኣደም ዑስማን ተኪኡ ዝተመደበ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኣደም ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ኣረጋጊጹ ነቲ ተግባሩ “ሃገራዊ ክድዓት” ከም ዝበሎ ኣረጋጊጹ።
ኣደም ዑመር ብ2019 ናብ ኣምበሳደር ኮይኑ ክምደብ እንከሎ፡ ዝለዓለ ጽንዓትን ብቕዓት ካብ ዝነበሮም ኣንበሳደራት ተባሂሉ ዝተመርጸ ምንባሩ ዝጣቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብመጀመርያ ብ2016 ናብ ጀነቫ ከም ኣባል ናይቲ ኤምባሲ ክምደብ እንከሎ’ውን፡ “መንእሰይ ዲፕሎማት” ብዝብል ብዝነበሮ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ብቕዓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምክልኻል ክስታት ኣንጻርቲ ህግደፍ ልዑል ግደ ዝነበሮ እዩ። ኣደም ንህግደፍ ከም ኣንበሳደር ኣብ ፈደረሽን ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እውን ወኪል ዝነበረ እዩ።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ ዝፍለጣ ሃገራት ክነሳ፡ ኣምበሳደ ኣደም ኣንጻርቲ ሓቀኛ ጸብጻባት፡ ንኹሉ ክስታት ብምቅዋም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል የለን ብዝብል ሓቂ ብምሽፋን ዝፍለጥ ኣፈኛ ህግደፍ እዩ ነይሩ።
.እቲ ሓደሽ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣኪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ መንግስቲ ነጺጉ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ ኢሉ፡ ነቲ ተግባር ብቑጠዓ ክድዓት እዩ ብዝብል ምግላጹ፡ ኣብቲ ስርዓት ንዘሕደሮ ሕርቃን ከም ዘንጸባረቐ ማርቲን ፕላውት ብተወሳኺ ጠቒሱ።
More...
ባንክ ዓለም ናይ 2023 ናይ ወደበት ኣፈጻጽማ ብቕዓት መስርዕ ከውጽእ እንከሎ 405 ወደባት ኣብ ዘወዳደረሉ፡ ንወደባት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣየእተወንን። “ኮንተይነር ፖርት ፐርፎርማንስ ኢንደክስ/CONTAINER PORT PERFORMANCE IDEX”: ኣብ ትሕቲ ዝብል መዕቀኒ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቲ መምዘንታት፡ ናይ ካርጎ መራኽብ ብቕዓት፡ ኮንተይነራት ንምጽዓንን ንምርጋፍን ዝወስዶ ግዜን ዝኣመሰሉን ከም ዝርከቦ ተፈሊጡ።
ባንክ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ሚዛን ወደብ ሶማሊላንድ በርበራ ኣብ መበል 106 ሰሪዑ ካብ ወደባት ትሕቲ ሳሃራ ቀዳመይቲ ኣስፊሩዋ። ኬንያዊት ውደብ ሞምባሳ መበል 328 ክትስራዕ እንከላ፡ ወደብ ጅቡትን ፖርት ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 379ን 388ን ተሰሪዐን።
ኣብቲ ናይ ውደባት ኣሰራርዓ ወደባት ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ኤስያ፡ ካብተን ቀዳሞት ዕስራ ብቑዓት 13 ኢድ ወሲደን። ጅቡቲ ኣብ ናይ 2022 ጸብጻብ ኣብ መበል 29 ጸኒሓ ከተብቅዕ ኣብዚ ናይ 2023 ድማ ብ350 ደረጃ ነኪያ ናብ መበል 379 ብምውራዳ ኣንጻርቲ ጸብጻብ ሓያል ተቓውሞ ኣስሚዓ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ጅቡቲ ኣተሓሒዞም ኣብ ባይታ ዝተራእየ ሓድሽ ነገር ኣብ ዘየለ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ጸብጻብ ምቕራቡ ቅቡል ኣይኮነን ኢለምዎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ወፈራ ዘካይዳ ዝነበራ፡ ኢትዮጵያውያን ዘመሓድርወን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ዝነበረን ኣሰላልፋ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአን የቃልዐኦ ከም ዘለዋ ገሊጸን። “መሃል መድያ” እትበሃል፡ ደሳለኝ ብዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እትምራሕን “ሃሌታ ቁጽሪ-1” ዝተባህለ ብበላይ መንገሻ እትመሓደርን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ድሕሪ 2018 ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ዝነበራ ኣብዚ እዋንዚ ርክበን ምስ ህግደፍ ኣቋሪጸን፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰለፋ ብተደጋጋሚ ገሊጸን።
ኣመሓዳሪ “መሃል መድያ” ጋዜጠኛ ደሳለኝ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ከም መዓልቲ ናጽናትን ዝኣመሰሉን ናይ ኤርትራ ኣጋጣምታት ናብ ኣስመራ ከይዱ ንህግደፍ ዝድግፍ መደባት የዳሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምኹኑይ ምዃኑ ኣምሲልካ ኣብ ምቕራብን፡ ህግደፍ ዝሓዞ ቀበለታት ትግራይ ናይ ኤርትራ ምዃኑን ኣብ ምምስካር ተጸሚዱ ከም ዝነበረ ባዕሉ ተናሲሑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመደ ሕቶ ባሕርን ወዳባት ኤርትራን ምስ ኣልዓለ ህግደፍ ንምሕጓስ ደጋፊ ኤርትራ ከም ዝነበሩ ክልቲኦም ገሊጾም።
ኣማሓዳሪ ዩቱብ “ሓሌታው ሓደ” በላይ መንገሻ ብወገኑ “ኤርትራዊ ኢኻ” ክሳብ ዝበሃል፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ይመላለስ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብ ኣስመራ ሓሊፉን ኣብ ባጽዕን ካለኦት ከተማታትን ኤርትራ ተጓዒዙ ንህግደፍ ዝድግፉ ጸብጻባት የቕርብ ከም ዝነበረን ምስ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ኤርትራ ቀጻሊ ዝምድና ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። “ኤርትራ ብጽምዋ ዝተዋሕጠት ሃገር”እያ” ዝበለ በላይ መንገሻ፡ ኣብ ኤትራ ዝኾነ ነገር ክትስእልኳ ፍሉይ ፈቓድ ምርካብ ከም ዘድሊ ዝጠቐሱ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ጸጥታ ኣካላቱን እምበር፡ ምስቲ ለጋስን ደላይ ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ጸገም ከምዘይነበሮ ኣፍሊጡ።
ኣባል ጉንበት-7 ዝነበረ ጋዜጠኛ በላይ መገሻ፡ ምስ ህግደፍ ዘበኣሶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ከባብታትን ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ዝለኽ ገንዘብ ዘመሓላልፉ ኤርትራውያን ከቃልዕ እየ ስለ ዝበለ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ዝርከብ፡ ዮሃንስ 4ይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም፡ ብምኽንያት ውግእ ዕንወት ኣጋጢምዎ ን4 ዓመታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ290 ሚልዮን ብር ተጸጊኑ 9 ሰነ 2024 ዳግማይ ስርሑ ጀሚሩ። ምኽፋት ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘነበረ ስነ ስርዓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዘተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልልን ዞባን ትግራይ ተረኺቦም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ዝተኻየደ መስርሕ ጽገና ምድንጓዩ ጠቒሱ ኣብ መጻኢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያቡ ጻዕሪ ንክገብር ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣክሱም ብዩኒስኮ ዝተመዝገበት ናይ በጻሕቲ መስሕብ ዘለዋ ከተማ ብምዃና ናይቲ መንገዲ ኣየር ምኽፋት ረብሓኡ ብዙሕ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣቶ መስፍን ጣሰው ብወገኑ ነቲ መዓርፎ ነፍርቲ ንምጽጋን ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘርዚሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ፡ ብደረጃ ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ ዕስራ መስመራት ከም ዘለዉዎ ሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 3 ግዜ በረራ ኣለዉዎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብቲ በረራኡ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዘቋርጽ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዘሕለፈ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ከም ዝሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ሓቢረን።