ካብ ምዝራብ፡ “እንታይ‘ዩ መትረፊኦም በል“ ብዝብል ኣርእስቲ ከም ሰብ ኣብ ሓቂ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ክህብ እንከለኹ፡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ዝኸበርካ ተዛራባይ፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ንሕና ከም ደቂ ሰባት 5 ሕዋሳት ዘሎና ክንስና፡ ወዲሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣንታይ ይብልን ይዛረብን ክፈልጥ ኣለዎ እብል። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ከም ሰብ ነቲ ዝበሃል ዘረባታት ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ እዩ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ መጀመርያ ወዲ-ሰብ ክቡር እዩ። ካብ ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ ሽግሮም ወይ ኩነታቶም ባዕሎም ከም ዝፈልጡዎ ምስትውዓል የድሊ።

ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘስተብሃልኩሉ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ እቲ ዝገርም፡ ዝኾነ ነገራት ናይ ሃገርና እንተብኣዎንታዊ  እንተብኣሉታዊ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ እንዛረበሎምን እንገልጾምን፡ ንኩሉ ነገራት ብዕበጦ- ዕበጦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ዘሎ‘ዩ። እንታይሞ ረኺብና። እንሆ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ - ኤኮኖሚያዊ - ማሕበራዊ ናብራና፡ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታትና “ስለምንታይ“ ኢልና ስለ ዘይሓተትና፡ እንሆ ዘዝተወልደ ንስደት ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ከኣ ወዲ-ሰብ መጻኢ ራኢ ክሳብ ዘይሃለዎ ቀጻሊ‘ዩ።

ሕሰብ ኤርትራዊ/ት፡ ኩሉ ስደት ከብቅዕ “ስለምንታይ“ በል። ክቡራትን ክቡራንን፡ ከም ደቂ ሰባት ካብ ስነምግባር ወጻኢ ኢና ንዛረብ ዘሎና። እቲ ዘገርም ናይዞም ኣፎም ዝሃቦም ተዛረብቲ ነቶም “ሃገራዊ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ“ ተመሪጾም ዝመጹን 2 ግዜ ዓወት ዘመዝገቡን ክንሶም፡ ብሰንኪ ኣብ ዝገሹዎ ምትራፎም ከይሓፈሩ “ደይሪዘርቫ እዮም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ኣይኮኑን“ እናበሉ ከነኣእሱዎም ከለዉስ ከም ሰብ መጠን ኣይገርመኩምንዶ? ኣንታ ተዛራባይ ጠንቂ መትረፊኦም እንታይ‘ዩ ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ይግበኣካ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣእሙራዊ ብስለት ዝተሓወሶ ብክልተ መገዲ ፖለቲካዊ መልእኽቲ  ኣመሓላሊፎም ኣዮም። ኣነ ድማ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ጽቡቕ ዕድል እምነየሎም።

ክፍላይ ተኪአ

ጀርመን       

Sunday, 03 May 2026 10:28

Dimtsi Harnnet Sweden 02.05.2026

Written by

ህንጻ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ካርቱም

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ብደረጃ ዓለም ብዩኒስኩ (UNESCO) ዝወሃብ ሽልማት ዓለም ለኸ ናጻ ፕረስ 2026 ከም ዝተዓወተ ካብ ካርቱም ተሓቢሩ። እቲ ሽልማት ነቲ ማሕበር ብዩኒስኮ ዝተዋህበ ኣብ ውግእ ናይቲ ማሕበር ኣባላቱ ብዘርኣይዎ፡ ኣንጻር ጥሕሰ መሰል መዲያ   ብቑዕ ስነዳ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።

እቲ ሽልማት እቲ ማሕበር ኣብ ግዜ ውግእ ዘጋጠሙ  ጥሕሰታት  ብምቅዋም ንዘርኣዮ ትግሃት ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንግህሰት መሰል መዲያ ዝምልከቱ፡ ብሰንክቲ ውግእ ናይ ዝሞቱ 14 ሰራሕተኛታት መዲያ ወሲኽካ ብዛዕብ  67 ፍጻመታት ከም ዝሰነደ ተሓቢሩ።

ዳይረተር ዩኔስኮ ካለድ ኢል-ኣናኒ፡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ፍሉይ ትብዓትን ተወፋይነትን ከም ዘርኢ’ዩ ገሊጹ። እቲ ትብዓት ናይቶም ጋዜጠኛታት ንካለኦት ክኢላታት እውን ናይ ውፉይነት ምእንቲ ሓቂ ኣብነት ኮይኑ ከም ዝጥቀስ ገሊጹ።  ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ዝተዋህበ ሽልማት ኣብ መዳይ ናጻ ፕረስ፡ ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ብምዃንን ንዲሞክራሲያዊ መሰል ምጥባቕን ናይ ትብዓት መርኣያ እዩ ኢልዎ።

ኣቦመንበር ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብደልመንዑም ኣቡ እድሪስ ብወገኑ፡ እዚ ሽልማት ኣብ ሱዳን  መድያታት ኣብ ዝተዳኸማሉ ግዜ ዝተዋህበ ብምዃኑ እዋናዊ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ሽልማት ፕረስ ንክዓቢ ግደኡ ንክጻወት ናብ ሕብረተሰብ ሱዳን መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፍ ኣመልኪቱ። እቲ ሽልማት ንኹሎም ምስቲ ጽንኩር ኩነታት ግቡኦም ንዝፈጸሙ ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብይ መዘከርታ እዩ ክብል ጠቒስዎ። ነቶም ጸኒዖም ዝተቓለስ ጋዜጠኛታት ክብሪ ምዃኑ እውን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣስፊሩ።

እዚ ሽልማት ካብ 1997 ክወሃብ ዝጀመረ፡ ዓመታዊ ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ  ብሉጽ ስራሕ ንዘርኣዩ  ክወሃብ ዝጸንሐ፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝወሃቡ እዩ።

Friday, 01 May 2026 20:00

Dimtsi Harnnet Kassel 30.04.2026

Written by

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ይምዕብል ብዛዕባ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ኣዲስ ስታንዳርድ ፖስት ሓቢራ። እቲ ሕብረት ኣብ መጸዋዕታኡ “ዓሚቕ ስኽፍታ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡  ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብህጹጽ፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዘይርጉእን ነቲ ናይ 2022 ስምምዕ ንድሕሪት ዝመልስን ኩነታት ዝዓግት ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣትሪሩ ጸዊዑ።

ኣብዚ ብ30 ማዝያ 2026 ብናይቲ ሕብረት ወጻኢ ጉዳያት ወሃቢ ቃል ዝወጸ መጸዋዕታ፡ እቲ ሕብረት  ኩሎም ወገናት ካብ ዝኾነ ይኹን ተኹታዂ ስጉምቲ ክቑጠቡ ኣዘኻኺሩ፡ ነቲ  ህውከት ጠጠው ምባል ብቐጻልነት ከውሕስ ብ2022 ኣብ ፕሪቶርያ  ዝተበጽሐ ስምምዕ ንከየፍርስዎ ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓድሽ ግጭት ካብ ዘእቱ ተግብራት ክቁጠቡ’ውን ኣዘኻኺር።

መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሓይሊ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ንክፍታሕ ኣመልኪቱ። ካብዚ ሓሊፉ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ኣዕናዊ ከም ዝኸውን ኣሚቱ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ንክልተ ዓመታት ኣብ ውግእ ጸኒሑ፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዕረፍቲ ረኺቡ ዝጸንሐ ከባቢ ብምጥቃስ፡ ሳዕቤኑ ብደረጃ ዞባ እውን ዝልክም ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽል ኣዘኻኺሩ። እዚ መግለጺ መጠንቀቕታ ዝወጸ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝዓርግ ዘሎ ናይ ውግእ ሓደጋ ተኸቲሉ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልኡኽ ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይተገለ፡ ክልተ ናብ መቐለ ከም ዝተመላለሰ ጠፍሊጡ

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ እቲ 6 ዓመታት ዝሓለፎ እሞ ዝተመርጸሉ መስርሕ ኣብ ፕሪቶርያ ዘይሕጋዊ ዝተባለ ባይቶ ክልል ትግራይ ናብ መድረኽ መጺኡ ንሌተናል ጀነራል ታደስ ወረደ ዝትክእ ፕረሲደንት ንምምራጽ ይሸባሸቡ ኣብ ዘለውሉ ናይ ወጥሪ ግዜ እዩ። ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ እቲ ፕረሲደንትነት ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ፡ እንተኾነ ነቲ መስርሕ ስለ ዘይድግፎ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዘይገብር ይገልጽ ኣብ ዘለወሉ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ጥንቀቓ ንክገብሩ ዘተሓሳብ መልእኽቲ ብ27 ማዝያ 2026 ከም ዘውጸአ፡ በርሚንግሃም ላይቭ  (Birmingham Live) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ መጠንቀቕታ ኣብዚ እዋንዚ ንክሕደስ ዘድለየ፡ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ናይ ሓደሽ ግፋን ናይ ዕቑር ሰራዊት ምብርባርን ይረአ ብምህላዉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይዚ ጥንቂ ከኣ እቲ ኤርትራ ኣብ እትርከበሉ ዞባ ዝረአ ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣስፊሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ጸጥታዊ ስጉምትታት ከም ዝውሰዱ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕጣ፡ ገያሾ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኾነ ምዕባለ ምስቲ ዝዕቆብሉ ኣካልን ዘንቀሶም ትካልንብቐጻሊ ክወኻኸሱ ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ዜጋታቱ ካብ ጸጥታውን ወተሃዳራውን ትካላት ክርሕቑ ድሕሪ ምምካር ከኣ ብዛዕባ ክፍጠር ዝኽእል ምዕባለ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ወገናት ምውኽኻስን ሓበሬታ ምልውዋጥን ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መጠንቀቕታ ብፍላይ 25 ኪሎሜተር ብኹሉ መሬታዊ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ፍሉይ ጥንቃቐ ንክገብሩ ጠቒሱ፡ ሃንደበት ለውጢ እንተደኣ ተፈጢሩ እቶም ዜጋታት ናብ ሃገሮም  ናይ ምምላስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ዝጽገሞም ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ፡

ጸገም እንተደኣ ኣጋጢሙ፡ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብኣካል ሓገዝ ምግባር ኮነ ካብ ኤርትራ ከም ዝወጹ ምግባር ዘይከኣል ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ገዛ ክወጹን ከም መግብን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ክሕዙን  መኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዛዕ ከም ሰዓታት እቶቶን ዝኣመሰሉን ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሕታት ከኽብሩን ከባብያዊ መዲያትታት  ክከታተሉን ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

Page 3 of 645