ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ብ18 ጉንበት 2022 ምስ 10 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣፍሪቃ ርክብ ከም ዘካየዱ ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃብ ቃል ሓቢሩ። እዚ ርክብ ዝተኻየደ ካብቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝካየድ፡ እዞም ሚኒስተራት ኣፍሪቃ  ዝሳተፍዎን ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ንኣፍሪቃ ዝዝትን ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣቐዲሙ እዩ።

እቶም ሚኒስተራት ኣብቲ ርክቦም፡ ከቢድ ብደሆ ውሕስነት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃን ግደ ኣሜሪካ ኣብ ምርካብ መፍትሕን ወሲኽካ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ  ነጥብታት ከም ዝተመያየጡ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ርክብ ናይ ሓባር ትካላት ኣብ ምፍታሕ እቲ ናይ መግቢ ውሕስነት ጸገም ብሓባር ክሰርሓሉ ብዛዕባ ዝኽእላ ኣገባብ ተጠቒሱ።

ጸሓፊ ብሊንከን ኣብቲ ርክብ ዝያዳ ቆላሕታ ብምሃብ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ ናይ ውሕስነት መግቢ ጸገም ኣብ ኣፍሪቃ  ንምፍታሕ  ሓቢራ ክትሰርሕ ምዃና ኣስሚረምሉ። ናይ ኣፍሪቃ ጸገም ውሕስነት መግቢ ብሰንኪ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ከም ዝተጋደደ ጠቒሶም። ከምኡ እውን ሩሲያ ኣብ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ውሕስነት መግቢ ኣብ ዘይምርግጋጽ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ከም ዝፈጠረ ኣመልኪቶም። እቶም ተሳተፍቲ ብወገኖም  ብዘቕረብዎ ብዛዕባ ኣብ ሃገራቶም  ናይ መግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝካየድ  ዘሎ ስረሓት ተመያይጦም።

ድምጺ ኣሚሪካ ብወገና ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና፡ እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ 10 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣፍሪቃ፡ ናይ  ኮንጎ፡ ግብጺ፡ ጋቦን፡ ጋና፡ ኬንያ፡ ማውሪታንያ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛምብያን ሴነጋልን እዮም።

Thursday, 19 May 2022 21:54

Dimtsi Harnnet Kassel 19.05.2022

Written by

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲ ወከፍ 48 ክልኢት ሓደ ሰብ ብጥምየት ናይ ምማት ሓደጋ የንጸላሉ ከምዘሎ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን/ OXFAM and save the children ብ18 ጉንበት 2022 ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።

እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበረኦ እዚ ናይ ሞት ሓድጋ ኣንጸላልይወን ዘሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን እየን። እዘን ትካላት ነዚ መጽናዕቲ ጃሚል ኦብዘርቫቶሪ ምስ ዝበሃል ኣካል ከም ዘካየደኦ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺአ ጠቒሰን።

በቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ዝበሃል ደረጃ ዓጸቦ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ኬንያ ድማ  ጣቕላላ 3.5 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥምየት ወዲቖም ከም ዝርከቡን ተሓቢሩ።

ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 10 ሚልዮን ዝነበረ ጠቕላላ ቁጽሪ ብጥምየት ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዕጽፊ ንላዕሊ ወሲኹ ክሳብ 23 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ነዚ ዝረአ ዘሎ ሓደጋ  ጥምየት ከምቲ   ኣብ ሶማሊያ ብ2011፡  ዝያዳ  ፍርቂ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝርከብዎም ልዕሊ 260 ሺሕ ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ ከየኸትል ዘለወን ስግኣት ገሊጸን ኣለዋ።

እቲ መግለጺ ጠንቂ ናይዚ ጥሜት፡ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር፡ ወግኣትን፡ ከም ጉጅለ7 ዝኣመሰላ ለገስቲ ኣካላት ዝያዳ ናብ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ኩነታት ሩሲያን ዩክረይንን ምዝንባለንን  ምዃኑ ኣስፊሩ። ብዘይካዚ ነተን ኣብተን ሃገራት ዘለዋ ዘቤታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እጃመን ከበርክታ ግቡእ ቆላሕታ ዘይምሃብ እውን ኣብቲ መግለጺ ከም ጠንቂ ተጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዋላኳ ለገስቲ ሃገራት ነዚ ሓደጋ ጥሜት ንምክልኻል ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ ቃል ኣትየን እንተነበራ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ 778 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑ ከም ዘሻቕል ሓቢረን። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ብዝግባእ ንምምካት 4.4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

መግለጺ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን መራሕቲ ናይዘን ሃገራት ጸገም ከም ዘጋጠመ ቀልጢፎም ተኣሚኖም ሓገዝ ብዘይምሕታትን ክሕተቱ እንከለዉ ቅልጡፍ መልሲ ብዘይምሃቦምን ወቒስዎም። ብዘይካዚ ዜጋታቶም ኣብ ሕርሻን ማሕበራዊ ውሕስናን ኣተኲሮም ዝሰርሕሉ ዕድል ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ኣብቲ መግለጺ መራሕቲ እተን ሃገራት ዝተወቕስሉ ካልእ ዛዕባ እዩ።

ዶ/ር ማማዱ ዲያን ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ብሰንኪቲ ብ2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ውግእ ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ናይ ዝኣትዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።  ናይቲ ኮሚሽን ወኪል ኣብ ኢርትዮጵያ ዶ/ር  ማማዱ ዲያን “ኣልዓይን” ንዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 30 ሺሕ ዝነበረ ቁጽሪ ስደተኛታት ድሕሪቲ ውግእ ናብ 80 ሺሕ ከም ዝደየበ ገሊጾም። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ከኣ ጠቒሶም። ናይዚ ጠንቂ እቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ተዓቚበምሎም ዝነበሩ መደበር ስደተኛታት  ኣብ ሓደጋ ምውዳቖም ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ መደበራት ሽመልባን ሕንጻጽን ምስ ዓነዋ ብዙሓት ኤርትራውያን  ስደተኛታት ናብ መደበራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከም ዝኣተዉን ሕያሎ ከኣ በብመንገዶም ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱ ጠቒሶም። ኣብ ትግራይ ዝነበራ መደበራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝነበረ መደበር ስደተኛታት ምዕጻዉ እውን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኣትዉ ምኽንያት ከም ዝኾነ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

እቶም ወኪል ኣብቲ ምስ መርበብ ኣልዓይን  ዝገበርዎ ርክብ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቶም ስደተኛታት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም ዝገብር እንተኾነ ብመንጽርቲ ዘሎ ክብሪ ዕዳጋ እቲ  ዝወሃብ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ኣብ ጸገመ ዝወደቑ ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ዓፋርን ዝነበሩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኮሚሽኖም ምስ ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ናይ ኩሎም ስደተኛታት ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረዲኦም። ኣብ ዓፋር እቶም ካብ መደበር በርሓለ ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍዴራ፡ ኣብዓላን ሰርዶን ተዓቚቦም ኣለዉ ኢሎም።

እቶም ዶክተር ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝተኸፈተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 11 ሺሕ ከም ዝበጽሑ ጠቒሶም፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓለፍቲ ምትሕግጋዝ ኣብቲ መስርሕ ምስግጋር ኣመስጊኖም። ኣብዚ ሓድሽ መደበር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወገኖም ዝተፈላለዩ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ጌና ኣብ ትግራይ ተሪፎም ዘለዉ ስደተኛታት  ኩሉቲ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ  ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ ኢሎም።

WedSheriffey School Closing Ceremony 1

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሎሚ ዓመት ምስቲ ዘይቅሱን ጸጥታዊ ሃለዋት ሱዳን ብፍላይ ደማ ኣውራጃ ከሰላ ፍሉይ ሽግራት ሰለዝነበሮ᎓ ኩነታት ናይቲ ዓዲ ብዘፍቅዶ መሰረት ማለት ሓንሳእ ዕጸዉ ሓንሳእ ክፈቱ እንዳተባህለ ቡዙሕ ትምህርታዊ ምስንኻል ኣጋጢሙ እዩ᎓ ይኹንምበር ደቅና ግድነት ክመሃሩ ኣለዎም ካብ ዝብል ሕልና ተላዒሎም ምማህራንና ዝለዓለ ጻዕሪ ብምግባር ኩሉቲ ዝጋጠሞም ናይ መነባብሮ ኮነ ካለእ ሽግራት ብሓቦን ትዕግስትን ሰጊሮም ናብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ 2021-2022 ክንበጽሕ ክኢልናስ᎓ ዕለት 8 ጉንበት ቤት ትምህርቲ ዓጺና። ሎሚ ዓመት ኣብ ደምዳሚ መርመራ ዝተሳተፉ ብዝሒ ተማሃሮ ካብ ክልቲኡ ጾታ ቁጽሮም 604 እዮም። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ቡዙሓት ካብ ተማሃሮ ኣብ ናይ መወዳእታ መርመራ ክሳተፉ ኣይከኣሉን።

ካብ ነዊሕ ግዜ ንሓልሞን ንጽዕረሉን ዝነበርና ጉዳይ መብራህትን ማይን ምእታው ናብ ቤት ትምህርትና ሎሚ ዓመት ተዓዊትናሉ ኣለና ኩለን ክፍልታት ናይ ቤት ትምህርቲ ቨንቲላቶረ∕ መንበድበዲት (fan) ማለት ስለዘለወን ተማሃሮና ኮነ ምማህራን ካብ ሃሩር ድሒኖም ኩምኡ'ውን ሽግር ናይ ማይ ብምፍትሑ ኣብ ቤት ትምህርትና ዓቢ ሓጎስ ሰፊኑ ይርከብ።

ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥመና ጸገማትን ሽግራትን ኣብ ምስጋር ዓቢ ግደ ዝነበሮ ደማ ምምሕዳር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ እዩ ኩምኡ'ውን ማሕበራዊ ጉዳት ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ እዮም። ቀጻሊ ምክተታል ብምግባርን ምምርሒታትን ውሳኔታትን ብምምሕልላፍ ኩሉ ጸገማትን ሽግራትን በብእዋኑ ክእለዩን ክውገኑን ተኻኢሎም እዮም።

ብዙሓት ሸነኻት ማለት ማሕበራትን ዉልቀ ስባትን በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ነዛ ቤት ትምህርቲ ሓጊዞም እዮም ፡ብፍላይ ደማ ለዕሊ ኩሉ እታ መዋሊት ቤት ትምህርቲ ዝኾነት ማሕበር ”Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE)” ኣብ ቀጻልነት ናይዚኣ ቤት ትምህርቲ ኣገዳስን ወሳንን ተራ ዘለዋ ማሕበር እያ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ደቂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክመሃሩ ኣለዎም ካብ ዝብል ቅዱስ ሕልና ተደሪኾም ሓላፍነት ናይ ዶሞዝ ምማህራንን ዮኒፎርም ተማሃሮን ዝሽፍን ገንዘባዊ ሓገዝ የበርክቱ ኣለው።

ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ ኣብ እዋን መርመራ

ማሕበር ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን እውን ብቀጻሊ፣ መደብ ምዕዳል ሞዴስ ንደቂ ኣንስትዮ ትማሃሮ ቤት ትምህርቲ ኤትራውያን ስደተኛታት ኣብ ወደ ሸሪፋይ ይሕግዛ እየን።

ማሕበር ጎሎባል ይኣክል ብግደኦም ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ19፣ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ  ዶሞዝ መማህራን ዝሽፍን ሓገዝ ወፍዮም እዮም ።

ሓው ኣቤል ገብረየሱስ ንቤት ትምህርትና ሓንቲ ማሽን ፎቶኮፒን 20 ባኬት ወረቐትን ኮዕሶታት ናይ እግርን ስኪዐትን ኣወፍዩ እዩ።

ሓው እስቲፋኖስ በራኺ ካብ ስያትል ሰሜን ኣመሪካ ብሎተርያ ሰዲህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝበጻሓቶ ላፕቶፕ፣ ካብ ተመሃሮ ቢት ትምህርቲ ወድ ሸሪፎይ ብልጫ ዝወሰደ⁄ት ተማሃሪ∕ት ሽልማት ክትከውን ኣወፍዩ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ዕውት∕ቲ ኮይና ዝተረኽበ∕ት ተመሃሪ∕ትውን ክሳብ ትምህርታ ትውድእ ክሕግዛ ተመባጺዑን ድሮውን ምስታ ስድራ ዕውት∕ቲ ተመሃሪ∕ት ተላልዩ ኣሎ። ክምዚ ዓይነት ህያባት ንተማሃሮ ዝለዓለ ንጥቢ ንምምጽእ ክወዳደሩን ክጽዕሩን ዘተባብዕ ስለዝኾነ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኣመሮካ ዝመደበሩ ናይ ኦርትዶክስ ቤተ ክሪስትያን ብናይ ግብረ ሰናይ ጨንፈሩ ”Orthodox Charity Eritrea (OCE) Project My Brother’s Keeper (MBK”) ንቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፋይ ንምጽጋን ናይ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ሓገዝ ኣበርኪቱስ᎓ እቲ ሓደ ርብዒ ናይቲ ጠቕላል ድምር ዝኾነ ቀዳማይ ክፋል ሓገዝ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ከም ዝኣተወ እንዳራጋገጽና በቲ ሰናይ ተግባሮም ኣዚና ሕጉሳት ከም ዝኾንና ንምስክርን ነመስግንን። ጽገና ቤት ትምህርቲ ዛጊት ኣብ ምጅማር ከም ዝርከብ ከነበስር ንፈቱ።

 WedSheriffey School Closing Ceremony 2

ገለ ካብቲ ክጽገን ዘለዎ ክፍልታትን ዓይኒ ምድርን ቤት ትምህርቲ ወድ ሸሪፈይ

እውን ብገደኦም ንሙሉእ ቤት ትምህርትና ጸገና ክገብሩ ተመባጸኦም ኣለው ቀደማይ ክፋል ዝኽውን ገንዘብ ሰዲዶም ደሮ ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ ፡

ሕክምና ቅይሕ ወርሒ ሱዳን ኣብ መደበር ስደተኛታት ወደ ሸሪፋይ ንተማሃሮን መማህራንን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብቀጻሊ ብናጻ ይህቡ ኣለው።

ምምሕዳር ዘይመንግስታዊ ቤት ትምህርታት ሚንስትሪ ኣገዳሲ ሓገዛትን ምትሕብባርን ይገብሩልና እዮም።

መንእሰያት ናይቲ ዞናን ተማሃሮን እውን ንምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ኣገዳሲ ሓገዛትን ምትሕብባርን ይገብሩ እዮም፡

እዞም ኩሎም ኣብ ምዕዋት መደባት ቤት ትምህርትና ዓቢ ግደ ስለ ዝነበሮምን ብሽም ተመሃሮን መማህራንን ወለድን ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ልዑል ምስጋና ከነቕርብ ነፈቱ።

እድሪስ  እስማዒል

ኣመሓዳሪ ቤት ትምህርቲ

15 \ 5 \ 2022  

  

(ካብ 2012 ክሳብ 2017 ሶማሊያ ዝመርሑን ኣብ ናይ 15 ጉንበት 2022 ምርጫ ዝተዓወቱን ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ)

.ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ኣብቲ ኣባላት ፓርላማን ሰነይትን ጥራይ ዘድመጽሉ፡ ብ15 ጉንበት 2022  ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ዙር ምርጫ ከም ዝሰዓሩ ሮይተርስን ካለኦት ማዕከናት ዜናን ሓቢረን። ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ነቶም ካብ 2017 ጀሚሮም ሶማሊያ ክመርሑ ንዝጸንሑ መሓመድ ዓብደላሂ ፎርማጃ ብምስዓር እዮም ተዓዊቶም።

ኣብዚ ናይ ሶማሊያ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ናይ ምምራጽ መሰል ዝነበሮም ከካብ ዓሌቶም ዝተወከሉ 328   ምዃኖም እቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ምርጫ ኣብ ውሱናት ኣባላት ፓርላማን ሰነይትን ጥራይ ከም ዝክድረት ዝተገብረ ብሰንኪ ጽጥታዊ ጉዳይ ኮይኑ፡  ኣቐዲሞም ዝተሰማምዕሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቶም ናብ ናይ መወዳእታ ዙርያ ምድማጽ ሓሊፎም ዝነበሩ 4 ሕጹያት ኣብ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ውድድር ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ረኺቦም ክዕወቱ እንከለዉ፡ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ከኣ 110 ድምጺ ብምርካብ እዮም ተሳዒሮም። እቲ መስርሕ ምርጫ ናይ ሶማሊያ ኩነታት ጸጥታን ዲሞክራሲያዊ ተሓታትነትን ዘመልክት ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እዚ ክሳብ 3ይ ዙርያ ዝበጸሓ፡ ናይ ቅድም መራሒ ሶማሊያ ናብ ቦታኦም ዝመለሰን ብዝለዓለ ናህሪ ዝተኻየደን መርጫ ካብቲ ክካየደሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ 15 ኣዋርሕ ደነጉዩ ዝተተግበረ እዩ።

እቶም ሓድሽ ፕረሲደንት ሶማልያ ናይ ምዕዋቶም ውጽኢት ምስ ተነግረ፡ ሽዑንሽዑ መጻኢ 4 ዓመታት ንክመርሑ ቃለ-መሓላ ከም ዝፈጸሙን ደገፍቶም ኣብ ከተማ መቃድሾ ብተኹሲ ብዝተሰነየ ሓጐሶም ከም ዝገለጹን ተፈሊጡ። እዚ ምርጫ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ብሰራዊት ዓቃብ ሰላም ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ሰፊሕ ኣዳራሽ እዩ። ዘኸተሎ ጉድኣትኳ እንተዘየለ ምርጫ እንዳተኻየደ፡ ኣብ ከባቢቲ ድምጺ ዝተዋህበሉ ተኹሲ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ እዞም ሓድሽ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ቅድሚኦም ክልተ ዓበይቲ ብደሆታት ይጽበዮም። እቲ ሓደ ብጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ወዲቕሉ ዘሎ ደርቂ እዩ። እቲ ካለኣይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጉጅለ ኣልሸባብ ዘሎ ከባብታት ናጻ ምውጻእ።

እዞም ኣብዚ ምርጫ ተሳዒሮም ዘለዉ ፕረሲደንት ነበር መሓመድ ፈርማጆ፡ ኣብቲ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ካብ 2018 ጀሚሮም  ፈጢረምዎ ዝነበሩ እሞ ዝፈሸለ፡ ኣብ ዞባና ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ጉለ ተዋሳኢ ዝነበሩ እዮም። ካብዚ ዝነቐለ መንእሰያት ሶማሊያ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ናብ ኤርትራ ልኢኾም ከም ዝነበሩን ኣብ ውግእ ትግራይ ድማ ንኢሳያስ ኣፈወርን ኣብይ ኣሕመድን ንምሕጓስ  ክሳብ 5 ሺሕ ወታደራት ከም ዘሰለፉ ይንገረሎም። ብሰንክዚ ተግባሮም ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞም ድማ ይዝከር።

Farmajo somaly 15.05.2022

እዛ ካብ 1969 ንደሓር ህዝባ ቀጥታዊ መርጫ ዘየካየደላ ሶማሊያ፡ ኣስታት 18 ሺሕ ብሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሰፊሩላ ዘላ ሃገር እያ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ጉጅለ-G7፡ ብ14 ጉንበት 2022 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ/ትግራይ ከተውጽእ ጸዊዖም። እቲ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ብሪታንያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝኣባላቱ ጉጅለ-G7 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ 46 ጉዳያት ዘተኮረ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እዚ ተወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝተሳትፍዎ ኣኼባ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ብዙሓት ጉዳያት ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝጸንሕ ኣብ ኩሉቲ  ጐንጽታት ዝተራእየሉ ከባብታት ሰብኣዊ  ሓገዝ ብዘይገደብ ምቕራብ ምእንቲ ክካኣል ንዝተገብረ ወግእ ጠጠው ምባል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሎም ወገናት ቀልጢፎም ናብ ውግእ ጠጠው ምባል ዘብጽሕ ዘተ ንክኣትዉ ጸዊዑ። (ኣብዚ እዋንዚ እቲ ምእንቲ ሓገዝ ምቕራብ ክከኣል ጠጠው ክብል ተባሂሉ ዝነበረ ወግእ መሊሱ ከይባራዕ ዘስግኡ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ።)

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ፡ ግህሰትን ዘይተሓታትነትን ካብቲ ክረአ ዝጸንሐ ጸገማት ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጥሕሰታት  ንምጽራይ ኣብ ዝግበር መርመራታት ንክተሓባበር ዝቐረበሉ ለበዋ ምቕባሉን፡ ነዚ ዝዓምምን ምስ ዓለም ለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓባበርን  ናይ ሚኒስተራት ሓይሊ ዕማም ምምስራቱን ደጊፉ። እዚ መስርሕ ናብ ፍትሕን ዕርቅን  ከብጽሕ ዘለዎ ተስፋ ከኣ ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡  ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንክመጽእ ክማላእ ኣለዎ ኣብ ዝበሎ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከተውጽእ ጸዊዑ። ካብዚ ሓሊፉ ደርቂ እውን ንኢትዮጵያ ካልእ ፈተና ኮይንዋ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

እዚ ብዛዕባ ወራር ሩሲያ ናብ ዩከረይንን ኣኸቲልዎ ዘሎ ሳዕቤንን ብሰፊሑ ዝዘርዘረ መግለጺ ውጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ጉጅለ-G7፡ ንሱዳን ኣብ ዝምልከት እውን ጠቒሱ። ኣብቲ ንሱዳን ብዝምልከት ዝገለጾ፡ ኣብታ ሃገር ንቡር ሰላም ንምስፋን ብሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝግበር ዘሎ ምትሕብባር ንኢዱ። ንሱዳን ብቑጠባን ካልእ መዳያትን ምሕጋዝ ንክከኣል ዘተኣማምን ሲቪላዊ መንግስቲ ምትካል ከም ዘድሊ ገሊጹ። ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓመጻት ጠጠው ክብል፡ ብዘይቅቡል ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ክፍትሑን ድሕሪ ሕጂ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጠጠው ክብልን ድማ ጸዊዑ። ኣብ ሱዳን ተወሲኑ ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል ከኣ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ሲቪላዊ ኣካል ሱዳን ብወገኑ ኣብቲ ዝግበር ዘተ ንኹሎም ወገናት ዘቀራርብ ናይ ሓባር ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕር ጸዊዑ።

ኤርትራውያን ካብ ዘረዳድኡና ጉዳያት ሓደ፡ ቃልስና ነዊሕ ዝዕድመኡ ክቡር ዝዋግኡ ምዃኡ እዩ። ቃልስና ቅድም ኣንጻር ሓይሊ መግዛእቲ፡  ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣንጻር ጸረ-ሓርነትን መሰረታዊ መሰላት ህዝብናን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ወረርቲ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ ዲክታተርነት በይኖም ኣይኮኑን ንህዝብና ክድህክዎ ዝጸንሑን ዘለዉን። ንሓንሳብ ኣብ ዞባና ረብሓኦም ንምሕላው ባዕላቶም ኣንቂዶም ዝመጹ፡ ንሓንሳብ ድማ ተዓዲሞም ዝጽግዑ፡ ነቲ ኣንጻር ህዝብና ዝተሰለፈ ሓይልታት ዘስንቑን ዘዕጥቑን ናይ ግዳም ሓይልታት ካብ ጉዳይና ኣእዳዎም ኣልዒሎም ኣይፈልጡን። እዚ ዝያዳ ኣብ ናይ ቅድሚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ተመኩሮና ብብሩህ ዝተራእየን ንቃልስና ዝሓላለኸን እዩ

እቲ ካልእ ንፖለቲካዊ ጉዳይና መኣዝኑ ከም ዘጥፍእ  ዝገብሮ፡ እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ነንሕድሕድና እነርእዮ፡ ብዓይኒ ህልውና ሃገርን መሰረታዊ ረብሓ ህዝብን ክምዘን እንከሎ፡ ዓበይቲ ብዘይኮነ ምኽንያታት እንፈጥሮ ምፍልላይን ምርሕሓቕን እዩ። እዚ ተርእዮዚ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ጉዳይና ኣትዮም ንክዘርጉ ዕድል ዝህብ እዩ። ይኹን’ምበር  ብፍላይ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ካብ ምትህርራፍ ሓሊፉ ናይ ግዳም ሓይልታት በቲ ዝሓሰብዎን ዝተመነይዎን ክዕንድሩልናን ክዘርጉናን ኣየፍቀደሎምንኳ እንተተባህለ፡ ስልኩታቶም ፍጹም ኣይነበረን ክባሃል ግና ኣይኮነን። እዚ ከምቲ “ኩሉ ግዜ ፋስጋ የለን” ዝበሃል፡ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን ኣብ ኤርትራውን ዘይኤርትራውን ኣጀንዳታት ምድብላቕን፡ እሞ ዘይውሕሉልን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ተወሲኽዎ ኣፍካ መሊእካ “ምፍልላይና ኣብ መጻኢ ኣብ ሓደጋ ኣይከውድቐናን እዩ” እትብሎ ኣይኮነን።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመን ዓውለማን ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት  ኣብ ዘለወሉን፡ በይንኻ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን እዩ። ጉዳይ ኤርትራ እውን ካብዚ ወጻኢ ክረአ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ዝግበር ዝምድና ግና ምስቲ ኣብ ሃገርካ እትምሓደረሉ መርሆ ብዘሳንን ህልውና ሃገርን ረብሓ ህዝብን ብግቡእ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ንፈልጦ ኣካይዳ ህግደፍ ኣብ ሃገርና እዚ ዝበሃል መሰረት ዝሓዘን ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ምምሕዳር የብሉን። ነዚ ጓሲኻ ደገደገ እናመዓደኻ ዝግበር ናይ ጸንበለል ዝምድናታት ከኣ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ምልክታቱ ክንርእዮ ዝጸናሕናን ሎሚ ዝያዳ ገማዕማዕ ዝብል ዘሎን እዩ።

ኣብ ገዛእ ሃገርካ ልዕልናኻ ንምርግጋጽ የዕውተኒ እዩ፡ ኢልካ ብዝመረጽካዮ ኣተሓሳስባ እንዳተመራሕካ ብሕግን ስርዓትን እናተኣለኻ ምውድዳር ንቡር እዩ።  ንናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዓጺፍካ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ከምዘይጉዳይካ እንዳረኣኻ፡  ገባሪ ሓዳጊ  ኮንካ፡ ስለቲ መላኽነትካ የጣቕዑለይ ዘዝበልካዮም ናይ ግዳም ሓይልታት ዓዲምካ ወይ ተዓዲምካ፡ ኣብ ጉዳይካ ኣእዳዎም ከእትዉ ዕድል ምሃብ ወይ ዘሊልካ ኣብ ጉዳዮም ኢድካ ምእታው ኣፍራሲ ኣካይዳ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንህዝብን ሃገርን ዝህብዎ ረብሓ ብዘየገድስ፡ ጽልዋኦም ኣንጻር ብሕታዊ ስልጣነይ ከይከውን ብዝብል ስግኣት፡ ሓሓሊፍካ ኣእማን ምድርባይ ብሓጺሩ ዘይሓላፍነታዊ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ዘዘውትሮ ዘሎ ኣካይዳ ከኣ ናይዚ ብሩህ ኣብነት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቅድም ክኸደሉ ዝጸንሐ ሎሚ ከኣ መመሊሱ ዘጋድዶ ዘሎ ናይ ዝምድና ቅዱ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦ፡ ዘይትካላውን ዝምርኮሰሉ ሕገ-መንግስቲ ዘየብሉን ምዃኑ ርኡይ እዩ። ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዝምድናን ሽዑ ዘስመዖ ዝነበረ ዘይሓላፍነታዊ መደረታትን፡ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤማራትን ካለኦት ሃገራት ዓረብን ዝፈጠሮ ዕርክነትን ክራይ ወታሃደራዊ መደበራትን፡ ኣብ ጉዳይ የመን ዝወሰዶ መርገጽን ድሕሪኡ ምስ ሩሲያ ዝፈጥሮ ዘሎ ንብዙሓት ዘደንጸወ ሃላሊ ዝምድናን ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። ጌና  ናብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ዘካይዶ ዘሎ መገሻታት እውን ህዝብና ዘይረብሓሉ፡ ጉዳይና ዝተሓላልኽን ዞባዊ ምድማይ ዘኸትልን፡ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዕላማ ዘለዎ ኣይኮነን።

ክሳብ ሕጂ ይረአ ብዘሎ፡ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ዕግርግርን ናይቲ ጉጅለ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ። ብመንጽር ኤርትራን ህዝባን ግና ውጽኢቱ ክሳራ እምበር መኽሰብ ከምዘይኮነ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ግንዛበ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ሓያሎ ምልክታት ከም ዝሕብርዎ ህግደፍ ካብዚ ጌና ዘይዓረፈ ውግእ ኣብ ትግራይኳ ኣይተማህረን። እኳ ደኣ ናብ ዳግማይ ውግእ ዘምርሑ  ምልክታት እዮም ዝረኣዩን ዝስምዑን ዘለዉ። ህግደፍ ውግእ እንተቐጸለ መናብርቱን መግለጺ ባህሪኡን ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ኣይከገርምን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ እውን ገሊኡ ኣፉ ሒዙ እንተ ኣጽቂጡ፡ ገሊኡ ከኣ ህግደፍ ነንዝበሎ እናደጋገመ “ንኺድ ጥራይ” በሃላይ እንተኾይኑ፡ “ህዝቢ ኤርትራስ እንታይ ዓይነት ህዝቢ እዩ?” ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ከም ዝገንን ውሁብ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ሕጂ’ውን “ጉዳይና ካብ ኢድና ንከይወጽእ”  ዝብል ናይ ስምዕታ ደወል ነስምዕ ዘለና።

ብሰንክዚ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ክብል መሪጽዎ ዘሎ፡ ዘይሓላፍነታዊ፡ ዘይውሕሉልን ዘይለባምን መንገዲ፡ ኤርትራ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣትያ ከም ዘላ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ብሩስያን ደገፍታን ኣገናዕ ክበሃልን  ክሕርጎትን እንከሎ፡ በቲ ተጻራሪ ወገን ዝሰሓሎ ካራ ከምዝህሉ ተገማቲ እዩ። እቲ ዝሰሓል ካራ ግና ኣብ ክሳድ ህግደፍ  ዝድረት ኣይኮነን። ኣደራዑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን እውን ከም ዝዓርፍ ርዱእ እዩ። ኣብ ቀረባና ዘሎ መጀመርታኡ’ምበር መዕረፊኡ ዘይተፈልጠ፡ ፖለቲካዊ ዕልቕልቕ ከኣ ነዚ ዘጋድድ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ብዛዕባ ስልጣኑን ዝናኡን ጥራይ ክሓስብ እንከሎ፡ ብዛዕባ ህልውናኡን ቀጻልነቱን ከም ህዝቢ ንክሓስብ እነዘኻኽሮ ዘለና። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና መሰረታዊ ኣተኣላልያ ዘድልዮ መጻብቦ፡ ፈንጺሕና ወጺእና ክንድሕን ክሕግዙና ካብ ዝኽእሉ  መሰረታዊ ጉዳያት እቲ ክሳብ ሕጂ ከነረጋግጾ ዘይከኣልና “ናይ ቃልሲ ሓድነትና ምውሓስ” ምዃኑ ህዝብና ኮነ ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ከይዝንግዕዎ    ምዝኽኻር ቀንዲ መልእኽትና እዩ።

Saturday, 14 May 2022 21:37

Dimtsi Harnnet Sweden 14.05.2022

Written by