በስዳር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዶር. ኣብረሃም ንጉሰ

በሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት  ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣኼባ ከም ዝተሰጐጐ ኣልጀዚራ  ሓቢራ።  እስራኤል ካብ 2002 ጀሚሩ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ናይቲ ሕብረት ብተዓዛብነት ናይ ምስታፍ ፈቓድ ካብ ዝተዋህበን ሓገራት ሓንቲኳ እንተኾነት ኣበሳድራ  ካብዚ ናይ 7 ማዝያ 2025 ዝተሰጐ ብዙሓት ናይቲ ኣኼባ ተሳፍቲ ኣፍሪቃውያን ኣበሳድራት ብዘስምዕዎ ተቓውሞ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ዓመታዊ ንህልቂት (Genocide) ዝምልከት ርክብ ከም ዝነበረ እውን ተፈሊጡ።

ኣልጀዚራ ብዛዕባቲ ጉዳይ ዘዘራበቶም ዲፕሎማት ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ; እቲ እስራኤላዊ ኣበሳደር ዶር ኣብረሃም ንጉሰ ክሳተፍዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይንበረ ኣብ ተሳተፍቲ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ብሰንክ’ቲ እስራኤላዊ ኣበሳድር ንዝተወሰነ ግዜ ተቛሪጹ ከም ዝነበረን ድሕሪ ካብቲ ኣዳራሽ ምስጓጉ ከም ዝቐጸለን ከኣ  ተፈሊጡ። ነቲ ኣበሳደር ናብቲ ኣኼባ መን ከም ዝዓደሞ ከኣ ይጻረ ከም ዘሎ ከኣ ተሓቢሩ።

እቲ ዜና ካብ 2002 ጀሚሩ ተሳትፎ ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራትን ትካላትት 87 ዝበጸሐ ኮይኑ፡ እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ስሩዓትን ፍሉይትን ኣኼባ ተሳቲፎም ሓሳብ ናይ ምሃብ እምበር ናይ ምድማጽ መሰል የብሎምን። ፍልጥኤማዊ  ውድብ ፒኤልኦ (PLO) ግና  ካብ 1973 ጀሚሩ እዩ ተዓዛቢ።

ናይቲ ኣበሳደር ካብቲ ኣኼባ ምስጓግ ብሰንክቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልጢኤማውያት ትፍጽሞ ዘላ ጭካኑ ኮይኑ ተጽዕኖ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል ምዃኑ ከኣ ኣብቲ ናይ ኣልጀዚራ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ልኡኽ እስራኤል በዚ ምኽንያት ካብ ተዓዛብነት ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክስጐግ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ እውን ተዓዘብቲ ገሊጾም።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንደቡብ ሱዳን ዝተዋህበ ቪዛ ክስረዝን ሓድሽ ከይወሃባን ከም ዝወሰነት ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ናይቲ ውሳነ ጠንቂ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣሪካ ዝምለሱ ዜጋታታ ክትቅበል ቅርብቲ ብሰንኪ ዘይምዃና ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

እቲ ነዚ ውሳነ ብዝምልከት ብ4 ማዝያ 2025 ዝወጸ መግለጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ህልዊ ቪዛ ናይ ምስራዝን ሓድሽ ከይወሃብ ናይ ምእጋድን መግለጺ ዝሃበ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ማክሮ ሩቢዮ እዩ። ንሱ ኣብቲ መግለጺኡ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ዜጋታታ ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት ንምቕጸዓ ዝተዋህበ ውሳነ  እዩ።

ማክሮ ሩቢዮ ደቡብ ሱዳን ብናይ ኣመሪካ ጸጋታት ክትጥቀም ከም ዝጸንሐት ጠቒሱ፡ ድሕሪ ሕጂ ግና ናይ ኣሜሪካ ውሳነ እናነጸገት ተጠቃሚት ክትከውን ኣይክትክእል እያ ኢሉ። እቲ ውሳነ ናይ ኣሚሪካ ኣሰራርሓ ኢሚግረሽን ንምሕያል ዝተወስደ ምዃኑ እውን ኣብቲ መግልለጺኡ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ከኣ ዝኾነት ሃገር ብኣመሪካ ይኹን ብኻልእ ዜጋታታ ክትርክርብ ክትሕተት እንከላ፡ ነቲ ውሳነ ክትቅበል ናይ ግድን እዩ ኢሉ። ብምቕጻል ድማ  ደቡብ ሱዳን ሓሳባ ቀይራ ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ክትቅበል ፈቓደኛ እንተኮና፡ ኣብቲ ንምስራዝን ምኽልካልን ቪዛ ዝምልከት ውሳነ ዳግመ-ርኢቶ ክግበር ከም ዝከኣል ኣመላኺቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ማርድያትን ቀዳማይ ምክትሉ ሪክ ማቻርን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እቲ ኣብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተራእየ እሞ ህይወት ኣማኢት ኣሸሓት ዝቐዘፈ  ውግእ ሕድሕድ ከይድገም ኣብ ዝስገኣሉ ዘሎ ግዜ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ሽማግለ ምልኣኹ እቲ ሕብረት ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ርእሲቲ ብናይ ዜጋታት ማዕበላዊ ምምዝባልን ከቢድ ሕጽረት መግብን ትሳቐ ምህላዋ  ብውግእ ሕድሕ ናይ ምብራዕ ሓደጋ’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

Thursday, 03 April 2025 21:27

Dimtsi Harnnet Kassel 03.04.2025

Written by

ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና ብሓፈሻ፡ ናይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ውረድ ደይብ ዘይተፈልዮ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ ዘሎ ህግደፍ ማእከሉ ወጽዓን በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮይኑ፡  ጉዕዞ ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ማእከሉ ካብ ወጽዓ  ምንጋፍ ነይሩን ኣሎን። ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ኣንጻር ህግደፍ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንህቦም ዘገድዱና ተረኽቦታት’ውን ከጋጥሙና ጸኒሖም እዮም። ሎሚ እንርከበሉ ዘለና ኩነታት ከኣ ብፍሉይነት ክንጥምቶ እንገደድ ክስተት እዩ።

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ንሓርነት፡ ናይቶም ዝያዳ እነቕልበሎም ኣጋጣምታት ፍሉይነት ብውግእ ዝተሰነዩ ኮይኖም ምጽነሖም እዩ። ካብቶም ህግደፍ ወግእ ከፊቱ ናብ ፍሉይ ኩነታት ከእትወና ዝጸንሓሎም ተረኽቦታት፡  ቅድም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ደሓር ድማ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ብሓባር ተሰሊፎም ዘካየድዎ ውግኣት፡ ብፍሉይነቶም ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ኣጋጣምታት ማእለያ ዘየብሉ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ ዝተመዛበለሎምን ዝሃለቐሎምን ንብረቱ’ውን ዝዓነወሎም እዮም። እቲ ካልእ ዝያዳ ፍሉያት ዝገብሮም ከኣ፡ ብመንጽር ኤርትራዊ ረብሓ ብቕንዕና እንተዝረኣዩ ብዘይወግእ ክፍትሑ ዝኽእሉ ምንባሮም እዩ። ነቶዞም ውግኣት  ዘሕዝኑ ዝገብሮም ካልእ መልክዕ ከኣ ኣብቲ ዳሕረዋይ ካብቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ዘይተወስደሎም ምዃኖም እዩ። እቲ ብዝገደደ ዘገርም ድማ፡ ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ንሓንሳብ “ተገዲድና” ንሓንሳብ ድማ “ተዓዲምና” ዝኣተናዮ እዩ” እናበለ ዝሕበኣሎም ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ናብ ካልእ ውግእ ክኣቱ  ዘይነበሮ እዩ። እቶም ድሕሪ ነጻነት ዝኣተዎም’ሞ ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ዘይውሕድ ዋጋ ዘኽፈልዎ ውግኣት፡ ህግደፍ ብሰንኪ ካብ ናይ ህውከት ስኽራን ዘይምውጽኡ እንተዘይኮይኑ፡ ከምቲ ናይ ግዜ ነጻነት መተካእታ ስለ ዘይነበሮም ዝተኣትዉ ኣይኮኑን። ንኣብነት እቲ ድሕሪ ከቢድ ክሳራ ናብ ኣልጀርስ ዝተወስደ፡ ብዘይደም ምፍሳ’ውን ከምቲ ብሕጊ ዝተታሕዘ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ናይ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታው ብቕርሕንትን ምፍዳይ ሕነን ዝተላዕጠጠ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ዘይተማህረ ናይ ህግደፍ ትምክሕቲ መርኣያ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ትግራይ ውግእ’ውን ዝበልዐ ምስ በለዐ ንህግደፍ ጓስዩ በቶም ዝምልከቶም ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ከም ዘምርሕ ኣቐዲምካ ግንዛበ ክውሰደሉ ዝነበሮ’ዩ። ብፍላይ ከም ወገን ህዝቢ ኮይንካ ክትርእዮ እንከለኻ፡ እቲ ኣብ ትግራይ  ዝሰንከለ መንእሰይ ኤርትራ “ኣብ ምንቲ ምንታይ ኢኻ ግዳይ ኮይንካ?” ክበሃል እንከሎ ንምምላሱ ከም ዝጸግሞ ዘማትእ ኣይኮነን። 

ብዘይካ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መተካእታ ምስተዓጽዎ ዘካየዶ እሞ ናብ ነጻነት ዘብቀዖ፡ እቲ ድሕሪኡ ህግደፍ ፈቐድኡ ክህንድሶ ዝጸንሐ ውግኣት ናይ ዝኾነ ጸገም ህዝብን ሃገርን መፍትሒ ኣይነበረን። ስለዚ ኢና ድማ  ብወግእ ዝፍታሕ ጸገም ከምዘየለ ተገንዚብናን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ምዃኑ ኣስተውዒልናን፡ ኣንጻር ምኽኑይ ዘይኮነ ውግእ ክንቃለስ ይግበኣና እንብል። በዚ ኢና ከኣ መፍቶ ናይቶም ኣገባቡ ብዘየገድስ  ብውግእ ዝነግዱን ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሑን ከይንኸውን ሓቢርና ክንቃለሶ ዝግበኣና። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀዳማይ  ከጨንቐና ዝግበኦ “ውግእ እንተተጀሚሩ ምስ መን ኢና ንሰለፍ?”  ዝብል ዘይኮነ፡ “ከመይ ጌርና ኢና እቲ ዝስጋእ ዘሎ  ውግእ ንከይባራዕ  እንገብር?”  ዝብል ክኸውን ይግበኦ እንብል።

ኣብ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ካብ ዘይተመለሱ ብዙሓት ሕቶታት ሓደ፡ “ከመይን መዓስን ኢና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ዓቕምና ሓቢሩ ዘድመዓሉ መድረኽ ንፈጥር?” ዝብል ቅድሚት ዝሰፍር’ዩ። ብፍላይ ኣብዚ በብኹርናዑ ደበና ውግእ ዝያዳ ዝኸብደሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ሕቶ’ዚ ዝያዳ  ከም ዝለዓል ንዕዘቦ ኣለና። ምኽንያቱ ንህግደፍ በቲ ዘይግሉጽን ዘይቅኑዕን ኣተሓሕዛ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ክንገብሮ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ወገሐ ጸብሓ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ እንተዘይወነንኩ ክሳደይ ንኻራ” ዝብሎ ዘሎ፡ “ተኣደብ” እንብለሉ፡ እንተዘይተዓጊሱ ድማ “እንኹንነሉ”  ኣድማዒ ናይ ሓባር  ድምጺ የድሊ ስለ ዘሎ። ነቲ  ሓያል ናይ ሓባር ድምጺ  ዘመንጩ መድረኽ ክንፈጥር እንተዘይበቒዕና፡ ካብኡ ሓሊፍና፡ ገለን ውግእ ኣንጻር ልኡላውነትና እንኹንን፡ ካለኦት ድማ “ህግደፍ ደኣ ይውደቐልና እምበር ደሓን” ብዝብል ደገፍቲ  ናይቲ ከጋጥም ዝኽእል ውግእ  ኮይንና ናይ ምክፍፋልና  ዕድልና ክፉት እዩ። እንተ ህግደፍ ኣብ ምውዳቕ እቲ ቅድሚት ዝስለፍን ወሳንን ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዓቕሚ እዩ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መድረኽ ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ዓድዋ፡ “ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣባል ማሕበረሰብ  ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ዝበሎ እንተወሲድና፡ ናይቲ ጉዳይ ተሃዋስነት የረድእ። ሕሉፍሓሊፎም ንዓሰብን ኢትዮጵያን ከም ናይ ክሪምያን  ሩሲያን ከወዳድሩ’ውን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና ክሳብ ክንደይ ሰማዒ ይረኽቡ ኣብ መስርሕ ዝምዘን ኮይኑ፡፡ “ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ናይ እንዳማትና ባሕርን ወደብን ናይ ዋንነት ሕቶ ከነቕርብ ዘኽእል ፖለቲካውን ታሪኻውን መሰረት ኣለና ድዩ?” ዝብል ድምጾም ዘስምዑ  ኢትዮጵያዊ ወገናት’ውን   ምህላዎም  እዩ።

ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያን ምእንቲ ነጻነቶም ን30 ዓመታት ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘንጊዖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገሩ ብተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት  ዘካየዶ እሞ 99.83 “እወ ንነጻነት” ዘድመጸሉ ረፈረንዶምን ልኡላዊት ኤርትራ ማዕረ ኢትዮጵያ ኣባል ሕብራት ሃገራት ምዃናን እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ብምዃን ግዝኣታ  ክንወስድ ኢና ምባሎም ንብዙሓት ዘደንጹ ክስተት ኮይኑ’ሎ። ዋና ዓሰብ ንምዃን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሚዛን ዘየብሉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምውድዳር ከም መርተዖ ምውሳድ  ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ ኣብ ትዕዝብቲ  ዘውድቕ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ክለዓል እንከሎ፡ ባእሶምን ህልኾምን ኣንጻር ህግደፍ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኸውን ዝተገንዘቡ’ውን ኣይመስሉን።

ሎሚ እውን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ውግእ  መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይከውን ብምርዳእ፡ ዝንጸግ ክንነጽግ ክኹነን ዝግበኦ ከኣ ክንኩንን ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ኢና እንርከብ። ናይ ዓገብ ድምጽና ንክስማዕን ትርጉም ንክህልዎን ከኣ ብሓባር ዝቃላሕ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢልና እምበኣር “ናይ ሓባር ድምጺ ከነስምዕ  ግድን ዝኾነሉ”  ክንብል ንግደድ ዘለና።

Page 27 of 621