محافظة ألمانيا للحزب تعقد اجتماعاً ناجحاً
Wednesday, 20 May 2015 13:30 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي السادس عشر من مايو 2015م عقدت محافظة ألمانيا لحزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعاً ناجحاً استمر من الثانية ظهراً الي السادسة مساءاً.

عقد الاجتماع برئاسة كلٍّ من رئيس المحافظة الأخ/ تسفاماريام كبرئاب ومسئول الشؤون التنظيمية بها الأخ/ تدسي أسملاش، حيث افتتح الأول الاجتماع بكلمة ترحيبية ثم قدم أجندة الاجتماع المطروحة للتداول. عقب ذلك قدم رؤساء فروع المحافظة الثلاث تقاريرهم للمناقشة، ثم تم شرحٌ موجز للأوضاع علي مستوى الحزب والوطن.

أيضاً ناقش الاجتماع أهم نشاطين وقضيتين تفرضان علي الحزب عموماً والمحافظة خصوصاً أكبر التحديات وأفضل التصدي ألا وهما موضوعا المؤتمر الثاني للحزب ومهرجان ارتريا للعام الحالي 2015م.
يجدر بالذكر أن الاجتماع استضاف بصفة مراقبة كلاًّ من رئيس الحزب الأخ/ منقستئاب أسمروم ولجنتي منطقة القارة الأوربية للحزب.
ብዕለት 16-05-2015 ዓ.ም. ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 18.00 ብስርርዓውያን ሓለፍቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ዝርዝር መሰረት ንገልጽ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብን ናይ ስርርዕ ሓላፊ ሓው ታደሰ ኣስመላሽን መሪሕነት ተኻይዱ። ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ናይ መዘራረቢ ዛዕባታት ብምዝርዛር ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ነቲ ኣኼባ ንምኽፋትን ንምህብታምን ሰለስቲኡ ጨናፍር ንኡስ ዞባ ብሕጽርን ጽፍፍን ዝበለ ነፍሲ ወከፎም ህሉው ጸብጻብ ጨናፍሮም ገሊጾም። ኣስዒቡ ብቐደም ተኸተል ብጉዳይ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ምዕብልና ሰልፊናን ብሕጽር ዝበለ ተወሳኺ መግለጺ ቀሪቡ።
ድሕሪዚ ብክልተ ዓበይቲ ዕማማት ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ፈስቲቫል ኤርትራን ዋላኳ ቅድም ኢሉ ክዝተየሉን ክመያየጠሉን ይጽናሕ እምበር ብዕዉት ንምውጻእ ዕቱብ ቅሩቡነትን ድሉዉነትን ክግበረሉ ከም ዘለዎ ገዛ ሓደ ብሓደ ሃናጺ ርእይቶታት ኣቕሪቡ። ኣብዚ ኣኼባዚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስትእብ ኣስመሮምን ክልተ ሽማግለታት ዞባ ኤውሮጳን ተኻፊሎም ውዒሎም።
ጨንፈር ስቶክሆልም ቁጽሪ 1 ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ16 ጉንበት 2015 ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ጉባአ፡ ንዝመጽእ ሓደ ዓመት እትመርሕ 3 ዝኣባላታ መሪሕነት ከም ዝመረጸን ኣብ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ዝውክልዎ ከም ዝመዘዘን ተሓቢሩ። ኣብዚ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰልፊ ዝተሳተፍሉ ጉባአ ጨንፈር ናይ ሓደ ዓመት ስረሓት ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዝቐረበንን፡ እቲ ጨንፈር ንመጻኢ ዝምረሓሉ መደባት ከም ዝጸደቐን\ውን ተጠቒሱ።
እቲ ጉባአ ምልኣት ተረጋጊጹ፡ ብዝኽሪ ሰማእታትን ግዳያት ባሕርንን ምስ ተኸፍተ፡ ናይቲ ጨንፈር ኣቦመንበር ሓው ሃይለ ትንስኤው ብዛዕባቲ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ሃለዋት መብርሂ ሂቡ። ኣስዒቡ ድማ እዚ ጨንፈር ልዕልና ሕጊ ኣብ ምርግጋጽን 2ይ ጉባአ ሰልፊ ኣብ ምዕዋትን ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ግደኡ ከበርክት ጸዊዑ። እዚ ጨንፈር መስርሕ ጉባአ ንምዕዋት ኣብ ንድፍታት ሓሳቡ ብምቕራብን ተወከልቱ ብምቕራብን ዘሳለጦ ኣድማዒ ስረሓትን እውን ኣብቲ ጉባ ተገሊጹ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መድረኽ ዝተዋህቦ ኣቦመንበር ጨንፈር ቁ.2 ስቶክሆልም ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ብወገኑ እዚ ጉባአ ኣብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ድሮ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ናይ ኣባላት ሓሳባትን ሃናጺ ርኢቶታትን ንምውህላል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ ብተቖጻጻሪ ዝተናእደ፡ ናይቲ ጨንፈር ኩለመዳያው ጸብጻብ ቀሪቡ ዝተዘተየሉ መድረኽ፡ ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ነቲ ጨንፈር እትመርሕ ብጾት ዶ/ር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ፍጹም ገ/ህይወትን ኣብርሃም ገብረንጉስን ዝኣባላታ መሪሕነት ከም ዝመረጸት ኣብቲ ጉባአ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ሰደህኤ ሓቢሩ።
فرع كولن يعقد اجتماعاً ناجحاً
Wednesday, 13 May 2015 14:22 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريعقد فرع كولن لحزب الشعب الديمقراطي الارتري بمنطقة ألمانيا اجتماعه الدوري الشهري الخامس بتاريخ الثاني من مايو 2015م.

افتتح الاجتماع السيد/ عند برهان يوهنس رئيس الفرع بتنوير المجتمعين حول أوضاع الحزب والوطن عامة كما أبلغهم حزن الحزب علي أحداث ليبيا والبحر الأبيض المتوسط وما يجري في العالم من أحداث عنف وإرهاب وتخريب وطلب من الكل الترحم علي أرواح هؤلاء جميعاً، ثم تحدث عما يجب أن تكون عليه عضوية الحزب من همة ونشاط، وعن الاستعدادات الجارية للتحضير لكلٍّ من المؤتمر الثاني للحزب ومهرجان ارتريا لهذا العام.

ثم مارس المجتمعون حقهم الديمقراطي في اختيار مرشحيهم لقيادة الحزب التي سوف تنبثق من المؤتمر الثاني للحزب.
عقب ذلك استقبل الاجتماع توصيات وملاحظات المجتمعين واختتم أعماله بالوقوف دقيقة حداد علي أرواح الشهداء.

فرع كولن يعقد اجتماعاً ناجحاً
Wednesday, 13 May 2015 14:22 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريعقد فرع كولن لحزب الشعب الديمقراطي الارتري بمنطقة ألمانيا اجتماعه الدوري الشهري الخامس بتاريخ الثاني من مايو 2015م.

افتتح الاجتماع السيد/ عند برهان يوهنس رئيس الفرع بتنوير المجتمعين حول أوضاع الحزب والوطن عامة كما أبلغهم حزن الحزب علي أحداث ليبيا والبحر الأبيض المتوسط وما يجري في العالم من أحداث عنف وإرهاب وتخريب وطلب من الكل الترحم علي أرواح هؤلاء جميعاً، ثم تحدث عما يجب أن تكون عليه عضوية الحزب من همة ونشاط، وعن الاستعدادات الجارية للتحضير لكلٍّ من المؤتمر الثاني للحزب ومهرجان ارتريا لهذا العام.

ثم مارس المجتمعون حقهم الديمقراطي في اختيار مرشحيهم لقيادة الحزب التي سوف تنبثق من المؤتمر الثاني للحزب.
عقب ذلك استقبل الاجتماع توصيات وملاحظات المجتمعين واختتم أعماله بالوقوف دقيقة حداد علي أرواح الشهداء.

فرع فرانكفورت يعقد مؤتمراً ناجحاً
Wednesday, 13 May 2015 14:12 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتري
عقد فرع فرانكفورت لحزب الشعب الديمقراطي الارتري مؤتمراً ناجحاً بتاريخ الثالث من مايو 2015م.
افتتح المؤتمر السيد/ حجي صالح رئيس الفرع بتنوير المؤتمرين حول أوضاع الحزب والوطن عامة كما أبلغهم حزن الحزب علي أحداث ليبيا والبحر الأبيض المتوسط، ثم تحدث عن الاستعدادات الجارية للتحضير لكلٍّ من المؤتمر الثاني للحزب ومهرجان ارتريا لهذا العام والذي تحدد موعده في أوائل أغسطس 2015م.

عقب ذلك قدم الإخوة/ حجي صالح رئيس الفرع وفيبن قديوون سكرتير الفرع وقبروم عندوم الأمين المالي للفرع، قدم كل منهم تقريره عن عمله خلال الدورة المنصرمة.
هذا وبما أن التقارير كانت وافيةً وضافية فقد وجدت التقدير والإشادة من المؤتمرين ومن رئيس منطقة ألمانيا للحزب السيد/ تسفا ماريام كبرئاب الذي حضر المؤتمر.

واقتناعاً من المؤتمرين بحسن أداء اللجنة القيادية القديمة للفرع فقد رأى الفرع إعادة انتخابها ثانيةً للدورة القادمة.
وبما أن أعمال الفرع متسعة فقد رأى المؤتمرون اختيار 4 أشخاص كلجنة مساعدة للجنة القيادية فيما تكلفها به اللجنة من أعمال ومهام.

وأخيراً أحيط المؤتمرون علماً بالاستعدادات الجارية لتنظيم مسيرة سلمية بسويسرا وليلة إيقاد شموع بفرانكفورت إحياءاً لذكرى شهداء الغرق والإرهاب. ثم استقبل المؤتمر توصيات وملاحظات المؤتمرين واختتم أعماله بالوقوف دقيقة حداد علي أرواح الشهداء.
ንኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ጸሓፊ ዝነበረ ኤርትራዊ መሓመድ እድሪስ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕረሐ ተፈሊጡ። እዚ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ህግደፍ ዲፕሎማት ኮይኑ ዝጸንሓ ኤርትራዊ ምስ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣቃሊዑ።
እዚ ከም ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝነጥፍ ማሕበር መእሰያትት ተመሃሮን ወሲኽካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ጉጅለ ዝፍሕታት ሓላፍነት ዝሰርሐ መሓመድ እድርስ ኣብቲ ነቲ ጉጅለ ምስ ራሕረሐ ዝሃቦ ቃል መጠይቕ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተጠለመ ሓቢሩ። ኣስዒቡ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ተግባራት ህግደፍ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ገሊጹ፡ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ንክቃለስ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ድማ ኣብዚ ሎሚ እዋን ንኤርትራን ህዝባን ዘድልዮም ስርዓት ሓድነቶም ሓልዩ ኩሉ መሰሎም ዘውሕሰሎም ምዃኑ ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቦም ዝነበሩ አርትራውያን ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላታትን ንሰራሕተኛታትን ነቲ ጉጅለ ራሕሪሖምስ በበቲ ዝጠዓሞም ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ዝዝከር እዩ።
ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ጨንፈር ኮለንን ከባቢኡን ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ
Wednesday, 06 May 2015 08:49 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብዕለት 02-05-2015 ሓሙሻይ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ ቦታ ( ALLE WELTSHAUS 77-79-D 50823 Köln ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 18.00 ዝተኻየደ ኣኼባ ብዓወት ከም ተዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ እንሆ።

መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ብሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ መንበር ጨንፈር ክኸውን እንከሎ ብናይ ማእከላይ ባሕሪ ህልቂትን ኣብ ሃገር ሊብያ ብግብረ ሽበራውያን ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ማሕረድትን ምርሻንን ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዘሎ ናይ ዕንወት ፍጻሜታትን ንውሱን ደቓይቕ ናይ ዝኽሪ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎት ተገይሩ።
ብድሕሪዚ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብዛዕባ ህልዊ ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኵነታት ዓለምን መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፤ ብጉዳይ ኣባልነት ኣብ ሰልፊ እንታይ ምዃኑን ኣባል ከብሎ ዝኽእል ረቛሒታትን ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ብስፍሓት ገሊጹ።
ኣስዒቡ ብዛዕባ ምድላዋት ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብዛዕባ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ኣብ ፍራንክፈርትን ዝምልከት ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ንኣኸበኛ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ሕጽያ ንኻልኣይ ጉብኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳተፉ ኣባላት ጨንፈር ምርጫ ብደምክራስያዊ ኣገባብ ተፈጺሙ ።
ብድሕሪዚ ኣገድሲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምሃብን ምቕባልን ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ጨንፈር ማእከል (ፍራንክፈርትን ከባቢኡን) ንኡስ ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ(EPDP) ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ
Tuesday, 05 May 2015 15:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብቲ ብዕለት 03-05-2015 ዓ.ም. ኣብቲ ልሙድ ወርሓዊ ኣኼባኡ ዘካይደሉ Kirch Platz Bockenheim ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ዝተኻየደ ጉባኤ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ እንሆ።

ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉብኤ እዚ ሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር ኣገዳሲ ሓበሬታ ውድብን ዓለምን ብምግላጽ ብዝያዳ ድማ ነቲ ኣብ ሃገር ሊብያን ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ዘሎ መቕዘፍቲ ጨንፈር ማእከል መሪር ሓዘን ከም ተሰመዖ ገሊጹ። ብድሕሪኡ ብጉዳይ ምቕርራብ ካልኣይ ጉብኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን በቲ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ 2015-05-05 መጻእኩ መጻእኩ ዝብል ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት ጠቒሱ ዕቱብ ምቅርራብ ንኽግበር መግለጺ ሂቡ።

ብድሕሪዚ ሰለስቲኦም መራሕቲ ጨንፈር ብቐደም ተኸተል ማለት ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበርን ሓፍቲ ፈቨን ጊደዎን ዋና ጸሓፊትን ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብን በበቲ ዝምልከቶም ምምሕዳራዊ ሸነኻቶም ብጽፉፍን ምዕቡልን ኣገባብ ጸብጻቦም ኣቕሪቦም።
ድሕሪዚ ጉባኤኛ በቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ መሰረት ምሉእ ዕግበት ስለ ዝረኸበ ብምድግጋም ኣመስገኖምን ኣመጎሶምን። ኣብዚ ጉብኤዚ ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኻፊሉ ስለ ዝነበረ ነቲ ዝተሰርሔ ጽፉፍ ስራሕ ብምምጓስ ንመጻኢ እዋን ካብዚ ንላዕሊ ክሰርሑ ሃናጺ ምኽሩ ለገሰሎም።
ብድሕሪዚ ጉብኤኛ ብሓደ ድምጺ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽፉፍ ስራሕ ብምግንዛብ እዚ ጨንፈር እዞም ዝነበሩ ሰለስተ ሽማግለ እንደገና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክምረጹ ናይ ጉብኤኛ ድልየትን ዕግበትን ስለ ዝኾነ እንደገና መረጾም።
ብዘይካ እዞም ሰለስተ ዝተመርጹ ሽማግለ ጨንፈር እዚ ጨንፈር እዚ ሰፊሕ ብምዃኑ ብዙሕ ዕማማት ስለ ዘለዎን በዞም ሰለስተ ሽማግለ ዝመሓደሩ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሽማገለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ጉብኤ ወሲኹ መሪጹ።
ኣብ መወዳእታ ብጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊን ብጉዳይ ኣብ ፍራንክፈርት ዝግበር ናይ ሰማእታት ማእከላይ ባሕሪን ቅዝፈትን ናይቶም ብግብረ ሽበራ ዝተገብረ ኣስካሕካሒ ቅትለትን ንዕለት 09-05-2015 ሰዓት 14.00 ሓብረኤታ ብምሃብን፡ ከምኡውን ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋን ብምሃብ ዝኽሪ ስዉኣት ጉባኤ ብዓወት ተዛዘመ።

ዕድመ ህዝባዊ ኣኼባ ሰደህኤ (EPDP) ኣብ ሮተርዳም
Friday, 01 May 2015 12:43 Written by ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ጨንፈር ሆላንድመሪሕነት ሰደህኤ (EPDP) ኣብ ዓለምለኻዊ ገስጋሲ ምሕዝነት ( Progressive Alliance) ዝግበር መጋባኣያ ንምስታፍ ኣብ ሆላንድ ክመጽእ ስለዝኾነ፡ ኣስዒቡ እውን ንህልው ኩነታት ሃገርና ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተራኺቡ ክመያየጥ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ንሕብር። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ንኽትሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም፡፡
ኣኼባ ዝግበረሉ፡-
ዕለት፡ ሰንበት 24-05-2015 (24 May 2015)
ግዜ፡ 13:00- 16፡30 ( ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ.)
ቦታ፡ ሮተርዳም
ጎደና፡Gaffel straat 61B (ኣብ ጎድኒ West Kruiskade ትርከብ)
ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ክጅመር ስለዝኾነ ኣብ ግዝዩኡ ክትርከቡ ንሕብር፡፡
ብደሓን ምጹ፡፡
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ጨንፈርሆላንድ
Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) branch -Holland
ሓበሬታ ናብ Gaffelstraat ንክትበጽሑ ካብ Rotterdan Central Station ፡-
Tram: ቁጽሪ ፡ 21,23,24 -
- (ንወገን) Richting 1e Middellandstraat & Marconiplein
- ኣብ ቀዳመይቲ ኑቝጣ ትወርዱ፡፡
- ብእግሪ፡ 10 ድቒቅ ኣቢሉ ይወስድ :: tram 21,23,24 ዝኸድኦ መገዲ ተኸተሉ፡፡
- መወክሲ ቁጽሪ ተለፎን
06.123.06.445 ወይ 06.84.06.44.00