ጨንፈር ማእከል (ፍራንክፈርትን ከባቢኡን) ንኡስ ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ(EPDP) ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ
2015-05-05 13:03:35 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2987 timesኣብቲ ብዕለት 03-05-2015 ዓ.ም. ኣብቲ ልሙድ ወርሓዊ ኣኼባኡ ዘካይደሉ Kirch Platz Bockenheim ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ዝተኻየደ ጉባኤ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ እንሆ።
ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉብኤ እዚ ሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር ኣገዳሲ ሓበሬታ ውድብን ዓለምን ብምግላጽ ብዝያዳ ድማ ነቲ ኣብ ሃገር ሊብያን ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ዘሎ መቕዘፍቲ ጨንፈር ማእከል መሪር ሓዘን ከም ተሰመዖ ገሊጹ። ብድሕሪኡ ብጉዳይ ምቕርራብ ካልኣይ ጉብኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን በቲ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ 2015-05-05 መጻእኩ መጻእኩ ዝብል ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት ጠቒሱ ዕቱብ ምቅርራብ ንኽግበር መግለጺ ሂቡ።
ብድሕሪዚ ሰለስቲኦም መራሕቲ ጨንፈር ብቐደም ተኸተል ማለት ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበርን ሓፍቲ ፈቨን ጊደዎን ዋና ጸሓፊትን ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብን በበቲ ዝምልከቶም ምምሕዳራዊ ሸነኻቶም ብጽፉፍን ምዕቡልን ኣገባብ ጸብጻቦም ኣቕሪቦም።
ድሕሪዚ ጉባኤኛ በቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ መሰረት ምሉእ ዕግበት ስለ ዝረኸበ ብምድግጋም ኣመስገኖምን ኣመጎሶምን። ኣብዚ ጉብኤዚ ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኻፊሉ ስለ ዝነበረ ነቲ ዝተሰርሔ ጽፉፍ ስራሕ ብምምጓስ ንመጻኢ እዋን ካብዚ ንላዕሊ ክሰርሑ ሃናጺ ምኽሩ ለገሰሎም።
ብድሕሪዚ ጉብኤኛ ብሓደ ድምጺ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽፉፍ ስራሕ ብምግንዛብ እዚ ጨንፈር እዞም ዝነበሩ ሰለስተ ሽማግለ እንደገና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክምረጹ ናይ ጉብኤኛ ድልየትን ዕግበትን ስለ ዝኾነ እንደገና መረጾም።
ብዘይካ እዞም ሰለስተ ዝተመርጹ ሽማግለ ጨንፈር እዚ ጨንፈር እዚ ሰፊሕ ብምዃኑ ብዙሕ ዕማማት ስለ ዘለዎን በዞም ሰለስተ ሽማግለ ዝመሓደሩ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሽማገለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ጉብኤ ወሲኹ መሪጹ።
ኣብ መወዳእታ ብጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊን ብጉዳይ ኣብ ፍራንክፈርት ዝግበር ናይ ሰማእታት ማእከላይ ባሕሪን ቅዝፈትን ናይቶም ብግብረ ሽበራ ዝተገብረ ኣስካሕካሒ ቅትለትን ንዕለት 09-05-2015 ሰዓት 14.00 ሓብረኤታ ብምሃብን፡ ከምኡውን ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋን ብምሃብ ዝኽሪ ስዉኣት ጉባኤ ብዓወት ተዛዘመ።