ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ካለኣይ ዙር ናይ ምድላው ኣኼባ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ነሃሰ 2024 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ምንጭታት ናይቲ ሕብረት ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድላው ዘተ፡ “ምስቲ ናይ ዝወደቐ ስርዓት ሓይልታት ውግእ ኣኼባ ምክያድ” ብምኹናን በዂሮም ዝነበሩ ኣካላት ሱዳን ኣብዚ 2ይ ዙር ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ዓቕሚ ሓይልታት ሰላምን ሲቪል ሕብረተሰን ሱዳን ኣብ ምስፋሕ ከም ዝሕግዝ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ኢጋድ፡ ላውረንስ ኮባንዲ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ዘሎ ርክብ ሱዳናውያን ከም ዝካየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ዙር ዘይንበርሩ ተሳተፍቲ ኣብዚ 2ይ ዙር ሰፊሕ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዝወሃቦም ኣረጋጊጹ።
ምንጭታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ፡ ጉጅለ ተዳሙን፡ ብኣል ሓሰን ኣል መርቃኒ ዝምራሕ ሰልፊ ኡማን ካለኦት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ዝበኾሩ ጉጅለታትን ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጾም። ብዛዕባ ተሳትፎ ናይቲ ኮሚኒስት ሰልፊ ሱዳን ግና ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን።
እቲ ኣሰናዳኢ ኣካል ብወገኑ ነቲ ኣኼባ ዝምልከት ተክኒካዊ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ብኣል ሂሉ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሕርነት ህዝቢ ሱዳን፡ ብዓብደል ዋህድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰልፊ ባዕስን ካለኦት ምንቅስቓሳት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።
ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ብወገኑ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ናይ ሱዳናውያን ኣኼባ ኣብ ዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ምዃኑ ብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምምሕዳር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊት ድሕንነት ሰቪል፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣምበሳደር ኡዝራ ዘያ፡ ካብ 4 ክሳብ 8 ነሃሰ 2024 ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ከም እትገይሽ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እታ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃን ሲቪላዊ ማሕበራትን ክትራኸብ እያ። ኣብቲ ርክባታ ብዛዕባ ኣገዳስነት ብዙሕነት፡ ግሉጽነትን ልዕልና ፍትሒ፡ ምምዕባል ሓለዋ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ዝምልከቶም ክትመያየጥ እያ። ብዘይካዚ እታ ኣመሪካዊት ሓላፊት ኣብ መደበር ስደተኛታት ከይዳ፡ ኩነታት ክንክን ህጻናት፡ ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ እውን ኣመሪካ ኣብቲ መደበር ንዝርከቡ ስደተኛታትን ማሕበረ ማሕበረሰብን ክትዕዘብ እያ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ሰብኣዊ ደገፍ እተቕርብ ሃገር ምዃና እውን ኣብቲ ዝወጸ ናይ መድያ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ መዚ ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኬንያ ተራኺባ ብዛዓብቲ ኣብ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ኣጀንዳ ከም እትመያየጥ እቲ ንመገሸኣ ብዝምልከት ናይ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዛ ኣመሪካዊት ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ኣመሪካን ዝጸንሓ ናይ 60 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኬንያ ግዝኣተ ሕጊ፡ ጸረ ምጥፍፋእን ተሓታትነትን ኣብ ምሕያል ዝሕግዙ ዛዕባታት ከም ዝተላዕሉ ተፈሊጡ።
ብዘይካዚ ዞባዊ ጉዳያት ከም እተልዕልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ምእካብን ኣብ ዝምልከቱ መሰረተ ሓሳባት ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከም ዘልዕሉ ተሓቢሩ።
ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ መጠን ሸርፊ ብር ምስ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ብናጻ ዝውሰን ንክኸውን ብ29 ሓምለ 2024 ኣዊጁ። እዚ ኣዋጅ ዝወጸ ብሓፈሻ ካብ ግዜ ምምሕዳር ኢህወደግ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን፡ ባንኪ ዓለምን ካለኦት ትካላት ገንዘብን ከዋጥጥ ድሕሪ ምስንሑ ዝመጸ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኸትሎ ዝኽእል ቅልውላው ብምስጋእ እዚ ናይ ሽረፊ መጠን ካብ መንግስታዊ ምቁጽጻር ናጻ ንክገብሮ ቅሩብ ኣይነበረን። እንተኾነ ናይ ግድን ካብዞም ዓለም ለኻዊ ገንዘባዊ ትካላት ልቓሕ ስለ ዘድለዮ እሞ ነዚ ቅድመ ኩነት ከየማለኤ ልቓሕ ኮነ ሓገዝ ከምዘይወሃቦ ምስ ተነግሮ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ።
ድሕሪቲ ኣዋጃ ምውጽኡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ባንክ 57 ብር ዝሽረፍ ዝነበረ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ፡ ናብ 76.23 ብር ከም ዝደየበ፡ ኣብ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ናብ 90.60 ብር ከም ዝበረኸን እቲ ወሰኽ ኣብ መስርሕ ምድያብ ከም ዘሎን ብሉም በርግ/BLOOMBERG ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ኩነታት ናይ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ከመይ ደረጃ ምህላዉ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣብ ዶላር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ መዓልታት ክውስኽ እንከሎ ከኣ ብቐጻሊ ዝንህር ከም ዝኸውን ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት የመልክቱ ኣለዉ።
ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ብወገና ከም ዝገለጸቶ ድሕሪ እቲ ስጉምቲ ብብሄራዊ ባንክ ምውሳዱ እሞ ክትግበር ምጅማሩ ትካል ገንዘብ ዓለም/ IMF ኣብ 4ተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ንኢትዮጵያ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ብደረጃ ልቓሕን ሓገዝን ክወሃቦ እዩ ዝጽበ።
እዚ ኩነታት ዘስዓቦ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስግኣት ፈጥሩ ከም ዘሎን ኣብታ ሃገር ዝመደበሮም ናይ ወጻኢ ትካላት፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኬንያ ደሓር ድማ ኣብ ናጀርያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ከም ዝሰግኡ ይገልጹ ኣለዉ።
መንግስቲኢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኽሰት ናህሪ ንምክልኻል ብዝብል ዝተሓተ ደሞዝ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ 300% ዝበጽሕ ወሰኽ ክገብርኳ እንተወሰነ እቲ ስግኣት ብኸምዚ ከምዘይፍታሕ ብዙሓት ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድም ጉንበት-7 ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ኢዘማ ተሰይሙ ብዶር ብርሃኑ ነጋ እናተመርሐ ምስ ብልጽግና ዝጸርሕ ዘሎ ሰልፊ ንውሳነ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ “ግዜኡ ዘይሓለወ” ብዝብል ብወግዒ ተቓዊምዎ።
ሓለፍቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ቻርጅ ዲ-ኣፈርስ ሱዳን ኣብ ኣስመራ፡ ካልድ ዓባስ ኣብ 72 ሰዓታት ለቒቑ ክወጽእ ከም ዝኣዘዙ ዝተፈላለያ ማዕከናት ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብምጥቃስ ምጽራይ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ፣ ብ24 ሓምለ 2024 ኣቃሊሐን ኣለዋ ። ናይቲ ቻርጅ ዲኣፈርስ መስጐጒ ምኽንያት ብዝምልከት፡ ብሰፊሑ ዝተዘርዘ’ኳ እንተዘየለ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ ንሱዳን ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናይታ ሃገር “ክሳተፉ ኣገዲዳ” ዝብል ክሲ ከም ዝሰንዘሩ ተጠቒሱ።
እዚ ኩነታት ዘጋጥም ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ተመያየጡ፡ ቀጺሉ ድማ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ብዘጣጠሖ ባይታ፡ መራሕቲ ሱዳንን ኤመረትን ብተለፎን ተራኺቦም ምስ ተዘራረቡን “ብኣካል ክራኸቡ እዮም” ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ምስተሓበረን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሱዳናውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ምዝርራቦም እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ይግምትዎ ከም ዘለዉ ድማ፡ እተን ኣንጻር ጀነራል ኣልቡርሃን ምዃነን ክጥቀሳ ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ተመሊሰን ምስቲ ጀነራል ምቅርራበን፡ ነቲ ኣብ መንጎኡ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ዝነበረ ዝምድና ከም ዝቐየሮ ዝተረደ ዲክታተር ኢሳያስ በቲ ኩነታት ተቖጢዑ፡ እቲ ሱዳናዊ ቻርጅ ዲኣፈይርስ ካብ ኣስመራ ንክወጽእ ምኽንያት ከም ዝኾነ ዝጥቀስ ዘሎ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በረራኡ ከቋርጽ ወሲና ኣላ። ነዚ ውሳነ ምቁራጽ በረራ ዝተኸታተለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ “ነናቶም ሒዞም ኢትዮጵያ ናይ ሓባርና እያ ኢሎም ዘዕገርግሩን ዝዘርጉ ኣካላት ኣለዉ’ሞ እዚ ተግባሮም ከቋርጹ ይግበኦም፡ እንተዘየቋረጹ ግና ኢትዮጵያ ድልውቲ ኣላ” ዝብል ሓሳብ ምሃቡ ብዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ዝቃላሕ ዘሎ እዩ።
ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራኡ ናብን ካብን ኣስመራ ከቋርጽ ወሲኑ
Wednesday, 24 July 2024 16:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ፡ “ንኩሎም ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ” ብዝብል ኣብ ዘውጸኦ ምልክታ፡ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብን ካብን ኤርትራ ዘካይዶ በረራ ንክቋረጽ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እቲ ምልክታ ከም ምኽንያት ንምቁርጽ በረራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኤርትራ ኢሉ ከም ዝዘርዘሮ “ኣብ ልዕሊ ገያሾ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኣሉታዊ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናውን ምጥፋእን ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ጉድለታቱ ከእርምን ንዝተበደሉ ካሕሳ ክኸፍልን ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዕሽስ ክብሎ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዕለታዊ ክሳብ ሰለስተ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረራ ኤርትራውያን ገያሾ ከማርሩ ከም ዝጸንሑ ኣቐዲሙ ዝፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ሕጂ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግና ምኽንያቱ ንሱ ጥራይ ኣይክኸውንን እዩ። ምኽንያቱ ምምሕዳር ህግደፍ ናቱ ምኽንያትን ሕሳብን እንተዘይሃልይዎ፡ ናይ ህዝቢ ሓልዮት ሓዲርዎ ኣይመወሰዶን።
መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድም ብሰንክቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ኣቋሪጽዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ስምዒት እምበር ኣብ ኣርሒቕካ ምጥማት ዘይተመስረተ ሓድሽ ስምምዕ ተፈጢሩ ምስ ተባህለ እዩ ካብ 18 ሰነ 2018 እንደጋና ጀሚሩ ክቕጽል ጸኒሑ።
ምስቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን መመሊሱ ዝሕርፍፍ ዘሎ ዝምድና፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ብቕጻሉ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጎፋ ኣብ ዝተባህለ ዞባ፡ ብ22 ሓምለ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ክሳብ 23 ሓምለ 2024 ምሸት 229 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ ምድላይ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ቀጻሊ ከም ዘሎን መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ዝሞቱ 148 ደቂ ኣንስትዮን 81 ደቂ ተ ባዕትዮን ምዃኖም እውን ናይቲ ዞባ ክፍሊ ርክባት ብምጥቃሱ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ካብቶም ግዳያት ክኢላታት ጥዕና፡ መምሃራንን ሰራሕተኛታት ሕርሻን ከምኡ ድማ ናይ ከባቢ ኣመሕደርትን ከም ዝርከብዎም ከኣ ተፈሊጡ። እቲ መሬት ከም ዝሃመመ ሰሚዖም ህይወት ከድሕኑ ካብ ዝመጹ በቲ ዘጋጠመ ተወሳኺ ምህማም ከም ዝሞቱ እውን ተፈሊጡ።
ናይቲ ዞባ ወኪል ኮሚሽን ሓደጋን ድልዉነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኮሚሽን ተወሳኺ ህይወት ናይ ምድሓን ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከም ዘዋፈረ ኣፍሊጡ። ካልእ ብወለንታኡ ኣብቲ መስርሕ ምድሓን ህይወት ዝሳተፍ ዘሎ ባእታ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዝናብ ይዘንብ ስለ ዘሎ ነቲ ዳህሳስ ኮነ ጸጥታዊ ምክትታል ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ገሊጹ።
እቶም ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ዝፈልጥዎም ቤተሰብ ዘይረኸቡ ግዳያት ብመንግስቲ ይቕበሩ ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ ብዝተገብረ ጻዕሪ 10 ሰባት ጥራይ ብህይወት ተረኺቦም ናብ ሕክምና ከም ዝተላእኩ ኣመልኪቶም። ካብ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ጋና ብዙሓት በቲ ዝሃመመ መሬት ተደፊኖም ኣለዉ። ናይቲ ከባቢ ህዝብን ማሕበራትን ህይወት ከድሕኑ ናይ ምስታፍ ቅሩብነትኳ እንተለዎም፡ እንተኾነ መሳርሒ ማሽነሪ ስለ ዘየለ ክንድቲ ዘድለ ኣየድምዑን።
ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ከጋጥም ዝኽእል ምህማም መሬትን ዝኣመሰሉን ናይ ክረምቲ ሓደጋታት ዝምልከት መጠንቀቕታ ወጺኡ ዝነበረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ በቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ከም ዝገለጸ ኣፍሊጣ።
መራሒ ሱዳን ኣልቡርሃንን መሓመድ ቢን ዛይድን ብ2021 ካብ ዝገበርዎ ርክብ ዝተወስደ ስእሊ
መራሒ ወተሃደራዊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልብሩሃንን መራሒ ሕቡራት ዓረብ ኤመረት መሓመድ ቢን ዛይድን ብ19 ሓምለ 2024 ብተለፎን ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ኤመረት ካብ ኣቡዛቢ ሓቢራ። ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ሱዳን ከኣ ነቲ ርክብ ደጊፎም፡ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ሰላማዊ መዓርፎ ንክበጽሕ ኣበርክቶ ንክህልዎም ዘለዎም ተስፋ ምግላጾም እቲ ዝተዘርግሐ ዜና ኣፍሊጡ።
ካለኦት መድያታት ብወገነን፡ እቲ ናይ ተለፎን ርክብ ንክግበር ዘበርከተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምጥቅስ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ክካየድ ተስፋ ከም ዘለወን ገሊጸን።
እቶም መራሕቲ ዝተዘራረብሉ ዛዕባ ብሓፈሻ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ዘተኮረ ምንባሩን መሓመድ ቢን ዛይድ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ንምዕጋት ከበርክቱ ቃል ከም ዝኣተወን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ማዕከን ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ብወገና፡ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኢመራት ንሓይልታት ጀነራል ዳጋሎ ብምሕጋዛ ህዝቢ ሱዳን ሕቶታት ከልዕል ተገዲዱ ከም ዘሎ ንመሓመድ ቢን ዘይድ ከም ዝጠቐስሉ ኣፍሊጣ። መራሒ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ ሱዳን ያሲር ዓርማን ዝርከቦም ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ከኣ ነቲ ርክብ ብኣውንታ ብምጥቃስ “ኣገዳሲ ስጉምቲ ንሰላም” ክብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣፍደገታትን ምቅላል በደላት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝዝቲ ኣኼባ ጀነቫ ግቡእ ግምት ንክህቦ’ውን ጸዊዖም።
ባቢከር ፈይሳል ሓላፊ ፈጻሚ ኣካል ፈደራላዊ ምጥርናፍ ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ርክብ “ሱጉምቲ ናብቲ ቅኑዕ ኣቕጣጫ” ብዝብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ተበግሶ ኤመራት ንበዓል ግብጺ፡ ሳዑዲ ዓረብያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘሳትፍን ናብ ሰፊሕ ዘተ ኣብ ዙርያ ውዕል ጅዳ ክምዕብልን ጸዊዑ።
ብዘይካዚ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን መሓመድ ዑስማን፡ ነቲ ርክብ “ኣገዳሲ ነጥበ-መቐይሮ” ድሕሪ ምባሉ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምጻእ ብግብጽን ኤመረትን ዝተፈተነ እንተኾነ ዘይተዓወተ ተበግሶ’ውን ኣስሚርሉ።
ርኢቶ ናይቲ ብጀነራል መሓመድ ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ ኣብ ርክብ ጀነራል ኣልቡርሃንን መሓመድ ቢን ዛይድን እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ኤመረት ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ከፊታ ንጀነራል ሒመቲ ብምዕጣቕ ክትክሰስ ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ ኡጋንዳ ሲሞን ሙዳይ
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኡጋንዳ ብ15 ሓምለ 2024፡ ልዕሊ 150 ኤርትራውያን ከም ዝኣሰረን መብዛሕትኡ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርዎ ከባቢ ከም ዝተኻየደን ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃቢ ቃል ሲሞን ሙዳይ ሓቢሩ። እቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እዞም ኤርትራውያን ዝተኣስሩ ኣብ ጐደናታት ከተማ ካምፓላ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ስለ ዝተዋፈሩ እዩ። እቶም ኤርትራውያን ነቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንጸጥታ ብዘስግእ ብለይቲ እሞ ኣብ ከባቢ ዓበይቲ መንግስታዊ ትካላት ከይተረፈ ከም ዘዘውትርዎ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ወሃቢ ቃል እቲ ማእሰርቲ ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ፡ ካብቶም ዝተኣስሩ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኮይኖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ስለ ዘይቅበል ናብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ ዕድሎም ጸቢብ ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኡጋንዳ ይውሕዙ ከም ዘለዉ ኣስፊሩ፡ ምኽንያቶም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት እታ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓደ ውድብ ህግደፍን ስለ ዝወደቐት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዘይምህላውን ግዱድ ውትህድርናን ድማ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ንህድማ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ምዃኖም ጠቒሱ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኡጋንዳ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቚባ ከም ዘላ ጠቒሱ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ምንባር ስኢኖም ዝተሰዱ ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ዓቕሚ እታ ሃገር ንላዕሊ፡ ንጸጥታ ዘስግእ እንተዘይኮይኑ፡ ጥቡቕ ምቁጽጻር ከምዘይትገብረሎም ኣፍሊጡ።
ካብቲ ሃገሮም ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እምነት ኣጥፊኦም፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ኣትለትስ፣ ኣብቲ 26 ሓምለ 2024 ጀሚሩ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ውድድር ኦለምፒክ ነተን ዑቕባ ዝፈቐዳሎም ሃገራት ወኪሎም ከም ዝወዳደሩ ሬድዮ ኤረና ዎርልድ ኣትለቲክስ/ world athletics ዝተባህለ ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እዞም ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ናይ ካልእ ሃገር ተደራቢ ዜግነት ዝረኸቡ እሞ ኣብተን ሃገራት ነቲ መሳተፊ መምዘኒ ዘማልኡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 10 ትውልደ-ኤርትራውያን ኣትሌትስ፡ መቕደስ ወልዱ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ማራቶን ንፈረንሳ፡ ወይኒ ቀላቲ ብ5 ሺሕ ሜትሮን ከምኡ‘ው ብ10 ሽሕ ሜትሮ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓወት ኔፍታሌም ብ5 ሽሕ ሜትሮ ንኖርወይ፡ ኤፍሬም ግደይ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ንኣየርላንድ፡ ፊልሞን ኣብርሃም፣ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ንጀርመንን፡ ዘርኣይ ክብሮም ብ10 ሽሕ ሜትሮን ከምኡ‘ውን ኣብ ማራቶን ንኖርወይ ተኽለወይኒ ገብረየሱስ፡ ሳሙኤል ፍትዊ ኣብ ማራቶን ንጋንታ ስደተኛታት፡ ፡ እዮብ ፋኑኤልን ታደሰ ኣብርሃምን ድማ ኣብ ማራቶን ብቅደም ሰዓብ ንጀርመን፡ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ወኪሎም ክስለፉ ምዃኖም እቲ ምንጪ ኣፍሊጡ ።
ኣብዚ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ዓመታዊ ውድድር ጸወታ ኦሎምፒክ ዓለም፡ ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ካልኦት ስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ኣትለቲክስ /World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብፍላይ ድማ ንውድድር ኩዕሶ እግሪ ካብ ሃገር ዝወጹ ስፖርተኛታት ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ተጽዕኖታት ንምድሓን፡ ብደረጃ ምሉእ ጋንታ ብዝወጽዎ ክተርፉ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።
መበል 56 ዓመታዊ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ናይቲ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተል ተመዚዙ ክሰርሕ ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ ዶር ዓብዱሰላም ቀጻልነት ኣጽዲቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ናይ ኤርትራ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣባል ናይቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ኮይና ትጽናሕ እምበር፣ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከምዘይሓገዘ ኣፍሊጡ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ተሓታትነትን ዕንቅፋት ክትከውን ከም ዝጸንሐት ኣቃሊዑ።
ሓሰን ሺረ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ ዝሰርሕ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተመደበ ፍሉይ ልኡኽ ተኸታታሊ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ጸብጻብ ምቕራብ ክቕጽል ኣለዎ ኢሉ። ኤርትራ ንኣባልነታ ኣብቲ ባይቶ ከም መሸፈኒ ነቲ እትፍጽሞ ጥሕሰታት ክትጥቀመሉ ከም ዝፈተነት ብምጥቃስ ድማ፡ ኣባልነት ኣብ ባይቶ መሸፈኒ ገበናትካ ጌርካ ምውሳድ ቅቡል ከምዘይኮነ ጠቒሱ።
እቲ ንኤርትራ ብዝምልከት በቲ ኣብ መበል 56 ኣኼባ ባይቶ ዝተወሰነ ብይን (A/HRC/56/L.16)፡ ኣብ ርእሲ ምንዋሕ ዕድመ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ከም ዘሰክፎ ኣስፊሩ። ካብቲ ዝጠቐሶ ጥሕሰታት፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ምስዋርን፡ መጭወይቲ ዜጋታት፡ ብኩራት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምንፋግ መሰል እምነት፡ ኢደወነናዊ ቅትለት፡ ምስቓይን ናይ ጉልበት ምዝመዛን ከም ኣብነት ዘርዚሩ። ኣስዒቡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ ምርጫ ከምዘይተኻየደን ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ክሳተፍ ከምዘይጸንሐን ገሊጹ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፈን ዝነበራ ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብወገነን፡ ኣቐዲመን እቲ ኣኼባ ዕድመ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝተመደበ ፍሉይ ሰብኣዊ ልኡኽ ንክቕጽል ምሕጽንታ ከም ዘቕረባ ተሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት ወገናት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ክንድቲ ክሰርሖ ዝነበሮ ብዘይምስርሑ ከም ዝነቐፍዎ ተፈሊጡ።