ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን  

          

 

ዕድመ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ሰላምን ፍቅርን

ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 1, 2019 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም። ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12 ፋዱስ ኢዩ።

ብደሓን ምጹ!

ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!

ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE. THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.

WELCOME!

DATE JUNE 01, 2019

LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)

                         1600 SENTER ROAD

                         SAN JOSE, CA 95112

PRAYER TIME: 12:00 P.M.

PROGRAMS INCLUDE CHILDREN AND ADULT ACTIVITIES.

PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.

THE BAY AREA CATHOLIC COMMITTEE

ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን                

 

ዕድመንኩሉኤርትራዊደላይሰላምንፍቅርን

ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 1, 2019 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም። ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12 ፋዱስ ኢዩ።

ብደሓን ምጹ!

ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!

ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE. THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.

WELCOME!

DATE JUNE 01, 2019

LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)

                         1600 SENTER ROAD

                         SAN JOSE, CA 95112

PRAYER TIME: 12:00 P.M.

PROGRAMS INCLUDE CHILDREN AND ADULT ACTIVITIES.

PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.

THE BAY AREA CATHOLIC COMMITTEE

ናይ ብዙሕ እነፍቅራ ኣዴና ወ/ሮ ተበርህእንታይነታን ልቦናኣን ሓልዮት ሰብን ሕያውነትን፡ ብጽሑፍ ጥራሕ ክትገልጾ ዘይትኽእል ኣዝዩ ልዑል እዩ። ይኹን እምበር ጽማቕ ሓጺር ታሪኽ ብኸምዚ ዝስዕብ እንሆ። ወ/ሮ ተበርህ ካብ ኣቡኣ ባሻይ ገብረዝጊኣብሄር ተስፋሚካኤልን ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ተበርህ ሃይማኖት ንጉስን ሰነ 26, 1932 ኣብ ዓዲ ጸባርያ መራጉዝ ሰራዬ ኤርትራ ተወልደት። ዕድሚኣ ዓቕሚእዳም ምስ በጽሔት ናይ ቃል ኪዳን ስነስርዓት ምስ በረምበራስ ተስፍስላሴ ገብሩ ወልዱ ምስፈጸመት፡ ክልቲኦም ሰብ ቃል-ኪዳን 9 ቆልዑ ወለዱ።ንሳቶም ድማ ነፍስሄር ኣለም ተስፋስላሴ፡ ነስፍሰሄር ፍስሃየ ተስፋስላሴ ሄዋን ተስፋስላሴ፡ ሮማ ተስፋስላሴ፡ ማጆር ተስፋስላሴ፡ ኣስመረት ተኣስፋስላሴ፡ ሚካኤል ተስፋስላሴ፡ ኣልማዝ ተስፋስላሴ፡ ዮዲት ተስፋስላሴ እዮም። ወ/ሮ ተበርህ ብኹሉ ፍትውት ህርኩትን፡ ብሕያውነታ ፍሉጥ ለጋስን ምስ ዓበይትን ናእሽቱን ክተጻወትን ከተዕልልን ዝኽእል ፍሕሽውን ብቐሊል ክትካእ ዘይክእል ወላዲት እያ። ወ/ሮ ተበርህ ኣላይን መፍቀርሪትን ስድራቤታን ዝኾነት ፍትውቲ ኣዴና ተበርህ ኩሎም ደቃን ደቂደቃን ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ክትርኢ ትምኒታ እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ ባህርያዊ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ግዴታ ኮይኑ ሎሚ ብስጋዊ ሞት እንተተፈለየትና፡ ኣዴና ተበርህ ወትሩ ካብ መንፈሳዊ ዝኽሪታትና ኣይትፍለን እያ። ኩሎም ኤተሰባን ዝፍልጥዋ ኤርትራውያን ማሕበረ-ሰብ ክዝክርዋ ክነብሩ እዮም። ኣዴና ወ/ሮ ተበርህ ሎሚ ንተፍቅሮም የሕዋታን ደቃን ደቂደቃን ክምእውን ኣንስቲ ደቃን ሰብኡት ደቃን ገዲፋ እያ ብሞት ተፈልያትና። ሞት ናብ ኩሉ ብተራ ዝበጽሕ ዕጫ ወዲ ሰብ ኢዩሞ ንኣዴና ወ/ሮ ተበርህ መንገስተ ሰማያት የዋርስኪ ድሓን ኩኒ ኢልና ንመወዳእታ ጌዜ ብምፍናው፡ ንኽብራት ደቃን ደቂደኣን ብምሉኦም ቤተሰባን ኣምላኽ ፍጹም ጽንዓት ይሃብኩም።  

ኣዴና ወ/ሮ ተበርህ ድሓን ኩኒ፡ መንግሰተ ሰማያት የዋርስኪ።

ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉባኤ ናይ ዞባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝግበር ኮይኑ፡ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ  "ሓቢርና ኣብ ጽንዓት"  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2016 ልክዕ ስዓት 7 ናይ ንግሆ ኣብ ከተማ ችካጎ - ዊንድሲቲ፡ ብዉዕዉዕ ኣገባብ ተጀሚሩ።

ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ሴሜን ኣሜሪካን ከናዳን ክሳተፉ ዝመጹ ጉባኤኛታት ኣብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምስ ተረከቡ ብዝኽሪ ሰማእታት ተከፊቱ። ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ እንቓዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ቐረበ፡ ቐጺሉ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚትን ሰልፊ ሓው ኣለም ዮሃንስ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣብ ቃልሲ ክዉፈዩ ጸኒሖም ብመስዋእቲ ዝተፈለዩና ብጾት ናይ ዝክሪ ቃል ኣቕሪቡ። ኣብ ሰልፋዊ ስርሓት ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮም ኣባላት ድማ ብፍሉይ ኣመስጊኑ።

  

ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ነቲ ብዝተፋላለየ ሰልፋዊ ስርሓት ኣብ ጉባኤ ክርከብ ዘይኽኣለ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ወኪሉ መልእኽቲ ናይ መሪሕነት ሰልፊ ኣቕሪቡ። ብተወሳኪ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ዉድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሃለዋት ሰልፍን ትጽቢታትን ኣብ ዝብል ዛዕባ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ብሽማግለ ዞባ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ ዝትዓመሙ ስርሓት ብዝርዝር ቀሪቡ ብሰፊሑ ክትዓት ተካይድሉ። 

ጉባኤ ቅድሚ ናብ ምሳሕ ዕረፍቲ ምዉጽኡ ንጉባኤ ተሰላስል ሰክረታሪያት መሪጹ። ሲዒቡ ሰክረታርያት ጉባኤ ብመሰረት ዝተሰርዐ ኣጀንዳታት ንዘተን ክትዕን ስራሓ ብወግዒ ጀሚራ። ኣባላት ሰልፊ ሓልፍነታዊ ብዝኮነ መንገዲ ኣብ ሙዉቕን ሩሱንን ክትዓት ከካይዱ ዉዒሎም፡፡  ኣብዚ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ወይዘሪት ኤርትራ ኣልኣዛርን ካለኦትን ይርከብዎም፡፡ 

Representatives of all branches from USA and Canada converged to the city of Chicago on Friday October 1, 2016. The Congress opened by the Preparatory Committee Chairman, Haw Woldu Negasi. The Congress opened with a compassionate note of remembrance  to those members who passed away in the recent past. The Congress, also, gave special recognition and appreciation to specific members for their exemplary contribution and to all members for their resilience.

    

 

Haw Kaleab Kifle, Zoba North America Chairman, gave detail report of Zoba and Haw Fessehaye fitewi gave a detailed financial report for the year 2015 and 2016. Furthermore, the Congress has selected secretariat, and is continuing with appositive attitude and high spirit. It is expected to conclude its plan by Sunday October 15, 2016. 

 

 

ዕድመ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ሰላምን ፍቅርን

ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 3, 2017 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም።  ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12  ፋዱስ ኢዩ።

ብደሓን ምጹ!

ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!

ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE.  THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.

WELCOME!

DATE JUNE 03, 2017

LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)

                         1600 SENTER ROAD

                         SAN JOSE, CA 95112

PRAYER TIME: 12:00  P.M.

PROGRAMS INCLUDE CHILDREN  AND ADULT ACTIVITIES.

PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.

THE BAY AREA CATHOLIC  COMMITTEE

 

SAN JOSE, SAN FRANCISCO, OAKLAND, BERKELY, & SANTA ROSA