ደምዳሚ መግለጺ ስሩዕ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

2024-04-23 04:37:22 Written by  Published in EPDP News Read 491 times

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤኡ ዝካየደሉ ዘሎ እዋንን ፍሉዩነቱን ተመልኪቱ፡ ኣብ ሃገርናን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ-ባሕርን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይርጉእ ፖለቲካውን ናይ ኵናት ኩነታትን ርእዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ካልእ እዋን ብዝሓየለ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣበጊሱ ሕኑን ቃልሱ ንለውጢ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ ይግበር ምህላዉ ሰልፍና ኣሐይልና ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ እነበርክተሉ መደባት ክንትልም ኣብ ዝጠልበና ዘሎ መድረኽ ይግበር ምህላዉ’ውን ኣስሚርሉ።

ጉባኤና ኣብ ቅዋምን ፖሊቲካዊ መደብ-ዕዮን 4ይ ጉባኤ ሰደህኤ ዝሰፈሩ ውሳኔታት መሰረት ብምግባር፣ ኣብ ከክልተ ዓመት ከካይዶ ንዝጸንሐ ስሩዕ ጉባኤታቱ፣ መብዛሕትኦም ኣባላቱ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብ20 ምያዝያ 2024 ጉባኤኡ ብመራኸቢ ዙም ኣካይዱ።

ዞባዊ ጉባኤ ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ዞባ ሽማግለ፣ ብጻይ የማነ ፍትዊ፣ መኽፈቲ ቃል ቀሪቡ። ቀጺሉ ብቕደም-ስዓብ ተሰሪዑ ዝቕረበ መደባት ብምኽታል፡

- ኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ገረዝጊሀር ተወልደ፡ ሰናይ ባህጉን ናይ ዓወት ትምኒቱን ንዞባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ኵነታትን ንሰልፍና ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታትን ኣብሪሁ።

- ኣቦመንበር ዞባ ሽማግለ ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ፣ ዝርዝር ጸብጻብ ንጥፈታት ናይ መላእ ዞባን ጨናፍርን፣ ዝተሳለጠ ዕማማትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ድሕሪ ምቕራቡ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ዞባ’ውን በብተራ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ዝተሰላሰለ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ጉባኤ ካብ ከተገልግል ዝጸንሐት ኣካያዲት ዞባ ሽማግለ ዝቐረበሉ ጸብጻባት ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣድላዪ ክትዓትን ምርድዳእን ኣካይዱ። ጉባኤኛ ነቲ ሕጋዊ ሰነድ ናይ ዞባ ተቐቢሉ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ። ዞባ ሽማግለ ሓላፍነታ ብጸብጻብ ንጉባኤ ድሕሪ ምርካባ፣ ጉባኤ ካብ ውሽጡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጹ። ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ንዝቐረበሉ ዛዕባታት ምርኩስ ብምግባር ኣገደስቲ ሰልፋውን ውሽጣውን ኩነታት፣ ኤርትራውን ከባብያውን ሃለዋት ዘጠቓለለ ኣድላዪ ክትዓት ኣካይዱን ገምጊሙን።

ጉባኤ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ዝቐረበ ንጥፈታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ብፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዘተኰረሎም:

- ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መላኽን ገባትን ጉጅለ ህግደፍ ዝነብሮ ዘሎ ኣሰቃቒ ሃለዋት፤ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናባኣሰ ዝኸይድ ዘሎ፣ ማይ፣ መግቢ፣ መብራህትን ካልኦት መሰረታውያን ቀረባትን ኣብ ዝበዀረሉ ኵነታት ምህላዉ፡

- ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራውያን ንስደት ብናህሪ እናዛየደ ይኸይድ ከምዘሎ፡

- ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ፤ ንህዝብና ብውግእን ወረውግእን ጅሆ ሒዙ፣ ኣብ ዝጻሕተሮ ናይ ኵናት እቶን ይነቝቶ ምጽንሑን ምህላዉን ከይኣኽሎ: ኣብ ውግእ ህይወቶም ንዝጠፍኡ ኣባላት ሰራዊትን ኣገልግሎትን፣ ንወለድን ህዝብን እቲ ንቡርን ግቡእን መርድእን       ደበስን ዘይምክያዱ፡ ኣተሓሳሳብን ኣሻቓልን ሃዋህው ምስፋኑ፡

- ሰልፍና ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤታቱ ዝደገፎም ናይ ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን፡ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዞባዊ ጉባኤና ደጊሙ ከምዝድግፎን ዝሳተፎን’ውን ኣስሚሩሉ፡

- ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ደገፉ ኣረጋጊጹ።

- ሰልፍና ንምሕያል፡ ኣብ መዳይ ውደባዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖሊቲካዊ፣ ዜናዊ፣ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታቱ ከዛይድ መብጽዓኡ ኣሓዲሱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ዞባዊ ጉባአ ሰልፍና ንምሕያል ዘገልግሉ ኣገደስቲ ዕማማትን ውሳኔታትን ኣሕሊፉ። ንዝመጽእ ክልተ ዓመት እተገልግል ብሸውዓተ ቀወምትን ክልተ ተጠባበቕትን ዝቖመት ናይ ዞባ ሽማግለ፣ ካብዚኦም ድማ ክልተ ደቀንስትዮን ክልተ መንእሰያትን ብተወሳኺ ሓደ ተቖጻጻርን (ኦዲተር) ብዓብላሊ ድምጺ ብምምራጽ ዕማሙ ዛዚሙ።

ውድቀት ንመላኽን ገባትን ስርዓት ህግደፍ !!

ንቕዋማዊ ምሕደራ፣ ዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!

ዞባዊ ጉባአ ሰሜን ኣመሪካ ሰደህኤ

20 ምያዝያ 2024

Last modified on Tuesday, 23 April 2024 06:56