መግለጺ ኣቦመንበር ሕ/ ኣ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ

2024-04-29 08:46:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 208 times

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመድ

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቻዳዊ ሙሳ ፋቒ መሓመድ፡ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን ብፍላይ ድማ ኣብ ራያ ኣላማጣ፡ ዛታን ኦፍላን ኣብ ዝተባህሉ ከባብታት  “ዘሰሃሕብ” ኣብ ዘሎ ቦታታት ይምዕል ዘሎ ወጥርታት ይከታተሎ ከም ዘሎ፡ በቲ ብ25 ማዝያ 2024 ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ድማ ነዚ መግለጺኡ ተቓዊመምዎ።

እቲ ኣቦመንበር ናይቲ ሕብረት፡ ኣብቲ መግለጺኡ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን እቲ ኣብ መንጎኦም ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምህዳእን መሰል ናይቶም ዝመዛበሉ ዘለዉ ሲቪል ሰባት ድህኘጥ እብ  ምሓውን ክግደሱ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ፍደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምሉእ ብሙ ንክትግበር ተማሕጺኑ።

ብዘይካዚ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብመሰረት ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ዘተኣማምን መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘተ ክቕጽል ከም ዝግበኦ ኣብቲ መግልለጺኡ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ከም ዝጽዕር ሓቢሩ ናይቲ ሕብረት ኣካላት ድማ ኩሉ ዝከኣሎም ከም ዝገብሩ ቃል ኣትዩ።

ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ቀንዲ ወዳቢ ሕብረት ኣፍሪቃኳ እንተኾነ፡ ሙሳ ፋቂ መሓመድ ንራያን ወልቃይትን ፍሉጣት ኣካል ክልል ትግራይ ክነሶም “ዘሰሓሕቡ ከባቢታት” ኢሉ ብምጥቃሱ፡ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ሓያል ተቓውሞን ንከእርም መጸዋዕታን የጋጥሞ ኣሎ።

Last modified on Monday, 29 April 2024 10:59