ኣቐዲመ ብስመይን ብስም መላእ ኣባላት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ንኹለ ህዝብና እንቋዕ ናብ ታሪኻዊት መዓልቲ - ባሕቲ መስከረም 2021 ኣብጻሓካ ክብል ዓቢ ፍናን ይስምዓኒ። ብምቕጻል ነዚ ናይ ዕለት መደብ ዘዳሎኹምን/ዘዳለኽንን፡ ኣባላት ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ፖሓኤ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ከለኹ ደስ እንዳበለኒ እዩ። ኣስዒበ ንኣቦ-መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትር ነዚ ሃገራዊ ሓባራዊ ዕማም ንምዕዋት እትገብርዎ ዘሎኹም ዘይሕለል ጻዕሪ ክብርን ሞጎስን ይብጻሕኩም ክብል እፈቱ። ኩላትና ብሓባርን ብቕዕናን፡ ነዚ ሓያልን፡ኣድላይን ስራሕ ከነውቶ ሃገራዊ ግዴታ ኣሎና።

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወጻን እትርከብ ህዝቢ ኤርትራ!

ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ጥልያን፣ ቀጺሉ ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፣ ድሒሩ ነውሕን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዱ ኣብ ዘይተመጣጠነ ፈደራላዊ ውዑል ምስ ንጉሳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከም ዝቋረን ኰይኑ። ንሱ ከይኣክል ንጉሳዊ ስርዓት ነቲ ብውሕስነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ውዑል ጥሒሱ በይናዊ ውሳኔ ብምውሳን ንኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ፍጹም መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከም ትኣቱ ገበረ። ህዝብና ነዚ ናይ መግበጥቲ መስርሕ ተዓዚቡ ናይ ሰላማዊ መስርሕ ቃልሲ ኣካየደ። ይኹን እምበር ንጉሳዊ ስርዓት ኣዝዩ ጨካን ዝዀነ ዓመጻት ስለ ዝቐጸለ ነዚ ንምግጣም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዘድሊ ንኹሉ ብሩህ ኰነ።

ሓደ መስከረም 1961 እምበኣር ጅግና መራሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኾነ፣ ክቡር ተጋዳላይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ካልኦት ጀጋኑን ተቓለስታን፣ ቀዳመይቲ ጥይት ኣብ ጎቦ-ኣዳል ዝተኰሱላ ታሪኻዊት ዕለት ኰነት ቀጺሉ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእነት ዘሰነዮ ናይ 30 ዓመታት ዝተናውሓ ቃልሲ ሰውራ ኤርታራ፡ ኣርዑት ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሲዒሩ፣ ሃገርና ኤርትራ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ከም ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም መጠን ባንዴራኣ ከተንበልብል በቒዓ ኣላ። ይኹንምበር ቅዋም ተተኺሉ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቌጠባዊ፡ ማሕበራዊ ወዘተ ክኸይድ ትጽቢ ዝግበረሉ ዝነበረ ናይ ምዕባለ መስርሕ ብሰንኪ ህግደፋዊ ፍጹም ምልኪ ተኾልፈን ሃገር ዳግም ኣብ ኣዝዩ ዝጸልመተ ደረጃ ክትበጽሕ ከላ፣ ብዓቢኡ ከኣ ህላዌ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዝርከበሉ ዘሎ መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና።

ዝኸበርካ ህዝብና!

ዝተባህለ ናይ ሃገር ምሕራር ጕዕዞ ብሂወትን ጕልበትን  ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስድራን፣ መላእ ኤርትራዊ ሕበረተ-ሰብናን ከም ዝተረጋገጸ፣ ንስኻ ሓባሪ ዘይትደልየሉን ከም ኣጻብዕ ኢድካ እትፈልጦን ሓቂዩ። የግዳስ እቶም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ተጋደልቲ ደቅኻ፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም - ኮታ ብመደብ - ብህግደፋዊ ምልኪ ሓደ ድሕሪ ካልእ ኣደዳ ሕሱም ማእሰርትን ስደትን ኮይኖም ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ሎሚ፣ ኢሰያስን ምልካዊ ስርዓቱን ሃገር ከም ውልቀ ንብረት ተቆጺራ፣ ናብ ውግእ ክሸማ ይኹን ንኽራይ ከውርዳ ዓለም ብዓለማ ትዕዘቦ ዘላ ጕዳይ ኮይኑ ኣሎ። 04 ነሓሰ 2020 ስርዓት ኢሳያይስ ኣብ ዘይምልከቶ ውእግ ንሃገር ኣትትዩ፡ ብዙሕ ግፍዒ ኣብ ንዕሊ ንጹሃት ህዝቢ ትግራይ ገበን ፈጺሙ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ኣሰካፊ ጽልኢ ምስ ጐረበትና ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ይርከብ። ህግደፍ እዚ ንድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘየርውን ዘይድልየቱን ወራርን በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምውራዱ ብዝኸበደ ቃላት ንኹንኖ።

ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂውን ታሪኽ ጀጋኑ ደቁን ናይ ባዕሉ ታሪኽን ኣይክጠልምንዩ። ሃገሩ ካብ ሓደጋ ከድሕን፣ ሓንቲ ብሕግን ብቕዋምን እትመሓደር ዲሞክራያስያዊትን ፍትሓዊትን ዝኾነት ኤርትራ ክሃንጽዩ። ምእንት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲያስፖራን ዘሎ ደላይ ፍትሒ ተቃላሳይ እጃሙ ከበርክት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሉ መድርኽ ይሓትት ኣሎ። ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ዕማም ንምዕዋት፡ ማለት ህዝብና ሃገርን ንምድሓን፥ ኩሉ ተቓላሳይ  ኤርትራዊ፣ ዝሃለወ ይሃልዎ ኣፈላላይ ወጊዱ፡ ብሓባር ክቓለስ መድረኻዊ ሕቶ ኰይኑሎ። ነዚ መድረኽ ዘሰከመና ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ንዕኡ ብዝምጥን ውጽኢት መታን ክንምህዝ ከኣ፣  ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ብሓደን ሓድነትን ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ የዘኻኽር። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒመ እኣር እወ፣ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ክፈታሕ ምኻኑ ዘየጣራጥር እንተኾነ፣ ንዘሎና ሃገራዊ ሽግር ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ብውሑድ ክሳራን ንምብዳህ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእትን እትርከቡ መንእሰያት ኤርትራ፣ ዝያዳ ልዑል ተራ ብምውሳድ  ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትኮኑ ይግባእ፣

 ኣብ መወዳእታ፣ ከነማሕጽኖን ክንብሎን ዝደሊ ጕዳይ፡ ሽግር ህዝባናን ሃገርናን፣ ዋላውን ከም ኣድላይነቱ ካብ ፈተውትና ሓገዝ ምሕታት ናትና መሰል ምኻኑ እናኣመና፥ ግና ባዕልና ክንፈትሖ እኹል ዓቕምን ተመኩሮን ኣሎና።  እሞ፣ ሃየ ሓድነትና ጥራሕ ነደልድል!!

 ሓደ መስከረም ንዘላኣለም ትንበር!

  ክብርና ክምለስ፡ብሓባር ንቓልሰ!

 የቀንየለይ!

4 መስከረም 2021

ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢኣታትን፡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝግደስ ትካል፡ ፖሊስን ምምርማርን መሰረት ንምንጻፍ ብ14 ነሃሰ 2021 ኣብ ከተማ  ዋሽንግተን ዲሲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣካይዶም። እዞም 150 ዝኾኑ ኣብ ዋሽንግተን መእከቢ ኣዳራሽ ካቶሊካዊት ዩኒቨርስቲ ዝተራኸቡ፡ ድሕሪቲ ዓውደ መጽናዕቶም ጋዜጣዊ መግለጺ  ኣውጺኦም። ናይዚ ዓወድ መጽናዕቲ ዓላማ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን  ጽልዋኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምምይያጥ ምንባሩ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ። ብዛዕባ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝምልከት ኣቐዲምካ መደባት ምትላም ዝምልከት’ውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተዘርበሉ ዛዕባታት ነይሩ። ኣብዚ ብኤርትራዊ ትካል ምምርማር ንፖሊስን እስትራተጀን ድሕሪ ውድቀት ግዝኣት ኢሳያስ  ዝተዳለወ ዓውደ-መጽናዕቲ እቶም 150 ምሁራትን ክኢላታትን ብኣካል ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5 ደርዘን ዝኾኑ ከኣ ብመንገዲ ዙም ተሳቲፎም። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካለኦት ድማ ብዝተፈላለዩ መሕበራዊ መራኸብታት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ወጻኢ ከይተረፈ ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምቕራብ ኮነ ምይይጥ ብምክያድ ዝተሳተፉ፡ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ ካብ ዩኒቨስርሲቲ ሰሜን ካሎሮና፡ ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስተኣብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫኒያ፡ ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ካብ 1970 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ንጡፍ ተሳቲፊ፡ ዶ/ር ሳባ ኪዳነ ናይ ማሶን ዩኒቨርሲቲ ምርቕትን ኣቶ ኑረዲን ዓብደልቃድር ካብ 1970ታት ጀሚሮም  ኣብ ማሕበረ ኮማዊ ንጥፈታት ህዝቦም ኣብ ምልዕዓል ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለዎምን ከም ዝርከብዎም ካብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምርዳእ ይከኣል።

እቶም ኣቕረብቲ ጽሑፋት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ግርጭታትን ቁጠባዊ ውድቀትን፡ ገንዘባዊ ዘይህድኣት፡ ድሕንነት፡ ትሑት ትሕተ-ቅርጻ፡ ዝለዓለ ሸቕለተ-ኣልቦነት፡ ዋሕዚ ናብ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ጨካን ኣገባብ ማእሰርትን ስነ-ኣእሙራዊ ጸገማትን ዝምልከቱ ዝርዝራት ንምይይጥ ኣቕሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብደሆታትን  ወተሃደራት ዝነበሩን ኣብ ስደት ዝጸንሑን ኤርትራዊ ዜጋታት ምስቲ ሕበረተሰብ ከም ዝውሃሃዱ ምኽኣልን ዝያዳ በዳህቲ ዛዕባታት ከም ዝኾኑ ጠቒሰምዎም።

እቶም ተሳተፍቲ ምሁራት ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለጽዎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ቅቡል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከይትከል ዓንቂጹ ከም ዘሎ ጠቒሶም። ካብዚ ነቒሎም ከኣ ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እቲ ዝምስረት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዳግማይ ከይጭወን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሮም። ተሳተፍቲ ኣብ መጻኢ ንብልጽግና ኤርትራዊ ዜጋ ቀዳምነት ዝህቡ ኣካላት ብመንገዲ ምርጫ  ፈሊኻ ምፍላጥ ዘኽእል ኣገባብ ካብ ብሕጂ ክሕንጸጽ ከም ዝግባእ ኣስፊሮም።  ምስዚ ኣተሓሒዞም ንተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ኣጉሊሖም ጠቒሰምዎ።

ካልእ ተሳተፍቲ ምሉእ ብምሉእ ዝተረዳድእሉ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባና ጠንቂ ዘይምርድዳእ ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ  ህግደፍ ንምብዳህ፡ ሓድነትን ውህደትን ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራቱን  ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ነዚ ኣተግቢርካ  ናብ ሸቶ ንምብጻሕን ከኣ ሰፊሕ ስሙር ግንባር ወይ ጉባአ ምክያድ ከም ዘድሊ ተሳተፍቲ ኣስፊሮም።

ናይ ኤርትራ ኣገዳሲ ክሳዳዊ ኣቀማምጣን ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ወጻኢ ምህላዎምን ንመጻኢ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባና ሓጋዚ ስለ ዝኸውን፡ ድሕሪ ውድቀት እቲ ጉጅለ ቁጠባዊ ዋዕላ ምክያድ ከም ዘድሊ ኣዘኽኺሮም። እቲ ጉጅለ ምስ ጐረባብቲ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ህውከት፡ ሓደ ብደሆ ኮይኑ፡ ነዚ ብዝምልከት ምስሊ ኤርትራ ንምዕራይ፡ ቀጻሊ ህንጸትን ምትእምማን ናይ ምፍጣር ስረሓት ንምትግባር ኤርትራውያን ምሁራት  ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኣዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ኣስተዋጸኦ ከበርክቱ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ጠቒሶም።

ናጻ ኤርትራ ነይሩ ድሌትና ባህግና

ብውዱብ ምንቅስቓስ ስለዝተቓወምና

ክሃድኑና ብሓይሊ ክቕንጽሉና

ብውዲት ብዓመጽ ጸኒሖም ክገዝኡና

ብሓደ መስከረም ጠበንጃ ኣልዒልና

ናይ ዕጠቕ ነጋሪት ተዅሲ ከፊትና።

ተዘከር ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ጋንትኡ ወዲቡ ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝኸተተ

ብሓደ መስከረም ተዅሲ ዝኸፈተ

ንቕሎ ሰውራ ብኤርትራዊ መኸተ

 ናብ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ዝኣንፈተ።

ጓሶት ሃገርና ኣሕኦም ጠንጢኖም

ሓረስቶት ማሕረሶም ገዲፎም

ሰራሕተኛታት ናውቶም ደርብዮም

ተመሃሮ ማህደሮም ኣቐሚጦም

ወዶም ጓሎም ንናጽነት ሃገር ተሰሊፎም

ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሎም።

ብዝተናውሐ ውግእ ብተወፋይነት

ተጋዲልና ንሰላሳ ዓመታት

ተኸፊሉ መስዋእቲ ብኣሽሓት

ብህዝባዊ መኸተ መንዚዕና ናጽነት

ጨቢጥና’ወ ሃገራዊ ልዑላውነት።

ንጹር መደብ ዕዮ ሓንጺጽና

ከነረጋግጽ ኵሉ ዓይነት መሰላትና

ክንነብር ብሰላም ፍትሒ ብልጽግና

መግዛእቲ ተደምሲሱ ጨቢጥና ናጽነትና

ዓገብ’ዩ ብኢሳያስ ተጠሊምና

ስርዓት ምልኪ ሳዕሪሩ መሪሩ ጭቆና።

ሕቶና ኣይረኸበን ግቡእ መልሲ

ንሕሙም ስርዓት ኣለዎ ፈውሲ

ብህዝባዊ ማዕበል ካብ ሱሩ በንቋሲ

ክትካእ’ዩ ብፍትሓዊ ደሞክራሲ

ክንበጽሖ ናይ ግድን ብቐጻሊ ቃልሲ።

ጻውዒት ሓደ መስከረም ዝተቐበሉ

ንናጽነት ሃገር ሂወቶም ዝኸፈሉ

ተወጊኦም ኣካሎም ዝሰንከሉ

ንሓርነት ህዝቢ ዝቃለሱ ከይተሓለሉ

ሞያኦም ይዘከር ተሰኒዱ ተጸንቢሉ።

ባሕርና ብሂጎም ንዝምህዝዎ ናይ ፈጠራ ክትዓት

ኤርትራ ከም ኵለን ግዙኣት ሃገራት

ንጹር ዶባታ ስኑድ ኣብ ኣህጉራዊ ትካላት

ናጽነታ ብመስዋእቲ ደቃ ዘረጋገጸት

ህያው’ዩ ቲ’ቀያድን መወዳእታን ኣህጉራዊ ምስክርነት

ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣቱ ስጡም ልዑላውነት።

ሓድነትን ማዕርነትን ህዝብና ብብዙሕነት

ወከልቲ ህዝቢ ብደሞክራስዊ ምርጫታት

ይቑም ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ ኩለን ዓድታት

ኣብ ኵሉ ከተማታት ወረዳታት ኣውራጃታት

ሃገራዊ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ብቕዋማዊ ስርዓት

ዝምረጽ ካቢነ ሚኒስትራት ብሞያዊ ብቕዓት

እዚ’ዩ ነይሩ ናይ ሓደ መስከረም ዕላማታት።

ምስጢር ዓወትና፣ ሓሳብና ይስመር

ሓድነትና ከም ሓጺን ይትረር

ብህጹጽ ብዘይ ውዓል ሕደር

ስርዓት ምልክን መሓውራቱን ንስበር

ብሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ኣብ ሃገርና ክንነብር !!

 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትኽበር።

ብዕለት 21 ነሓሰ 2021 ስሩዕ ኣኼባ ናይ ኣባላት ጨንፈር ቁ.2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ዕዉት ኣኼባኦም ኣሳላሲሎም። ኣቦ መንበር ጨንፈር  ድሕሪ ንገለ  ኣዋርሕ ምስ ብጾትና ጨንፈር ቁ.1 3ተ ሓባራዊ ርክባት እኳ ንግበር እምበር ናይ በይንና ዘንጊዕና ብጽናሕ ሎሚ ብምሉእ ጥዕና ምርኻብና ደስ ዘብል እዩ ብምባል ኣኼባ ከፈቶ። ተሳታፍነት ኣባላት በዘይካ ገለ ኣባላት ብብቁዕ ምኽንያት ኣይተሳተፉን እምበር ምልኣት ነይሩዎ። ኣኼባ ብኣቀዲሙ ዝተላእኸ ኣጀንዳ 

  1. ድሕሪ ሰላም ሌላ ሓደስቲ ኣባላት
  2. ሃለዋት ጨንፈር ቁ.2 ምጽራይ ንጡፋት ኣባላት ፡
  3. ምጣኔ ሃብታዊ ተሳታፍነት ብተሓዝ ገንዘብ፡
  4. ጸብጻብ ንዞባ ኤውሮፓ ምድላው፡ በየከተማ ዘሎ ንጥፈታት ምሕባር፡
  5. መጻኢ ኣኼባና ብስሩዕ ንምቅጻል ኣብ 2 ዶ 3 ወርሒ ፡ ንጉባኤ ጊዜ ምዉሳን፡ ዝብሉ ብቀደም ተኸተል ብምክታዕ፡ ፡ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ዝርዝር ወርሓዊ ዊጺኢትን ኣታዊ ወፈያን  ምስጉን ተሳታፍነት ኣባላት ብምቅራብ ኣዝዩ ሰፊሕ ሃናጺ ርእይቶን ለውባን ብምቅራብ ፡ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ከባኢናን ቅልጡፍ ለውጥታት ይርእዩ ስለ ዘሎዉ ከኣ ቅልጡፍን ቀጻሊ  ርክብ ከም ዘድሊ ኣስሚረምሉ። ሽማገለ ጨንፈር ከኣ ከምቲ ልሙድ መደብ ኣኼባታት ሰሪዓ ክትልእክ ተላብዮም። ኣኼባ ንዕዉት 3ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ጭርሖኡ …ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ !!! ኣድኒቁ  ንዉሳኔታቱን ጸዊዒቱን ሓዳሽ መሪሕነቱን መርሓባ ብምባል ኣስሚሩሉ። ብተወሳኺ ብኣባል ባይቶን ጠቅላል ተቋጻጸርን ርጡብ ኣታባባዒ መብርህታት ብምሃብ ንኣኼባ  ብምህታም ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ኣኼባ ዓወት ተዛዚሙ።

EPDP Amended Logo for Posting

ብዛዕባ ኮቪድ-19 ንኻልኣይ ጊዜ መግለጺ ከነውጽእ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነ፡ ሓደ ሓው ኣብ መርዓ ኤርትራውያን ኣምስዩ ንገዝኡ ምስተመልሰ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈ ፈሊጡ ን20 መዓልታት ተውሺቡ ጸኒሑ ምስሓሾ: “ካባይ ተመሃሩ” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ጌሩ ዘጋጠሞ ሓቢሩ። ካብቶም ኣብቲ መርዓ ዝተሳተፉ 15 ሰባት ዝተለኽፉ፣ እቶም 3 ካብ ሓደ ስድራቤት እዮም። ክሳብ ሕጂ ሞት ኣየጋጠመን ስለዘሎ፣ ኵሎም ሓውዮም ናብ ንቡር ጥዑይ ሂወቶም ክምለሱ ንምነየሎም።

ኣብ 14 መጋቢት 2020 ኣብ ሕታምና ቁጽሪ 1፡ ካብ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ (ኮቪድ-19)፣ ማለት ነዚ ብዘይርአን ዘይስማዕን ደረት-ዶብ ዘይክልክሎ ዝለክፍ ድቀ-ፍጥረት (ቫይሩስ) እንተዘይ ተኸላኺልካዮ ንህዝቢ ዓለም ከጥፍእ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዝፍራሕ ስለዝዀነ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ተላባዒ ሕማም “ኣህጉራዊ ፓንደሚክ” ሰምዩ፣ ንምክልኻሉ ዘድሊ ሓበሬታን መምርሒታትን ሂቡ ከምዝነበረ ሓቢርና ኔርና። ካብ ዝሃቦ ህጹጽ መምርሒታት፡ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ መዘናግዒ ንግዳዊ ከባብታትን ተዓጽዩ መገሻ ብህዝባዊ መጐዓዝያታት (ብነፋሪት፣ መርከብ፣ ኣውቶቡሳትን ወዘተ) ብኣዋጅ ዝኽልከል ነይሩ። እዚ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወት ህዝብን ሃገርን ብኸቢድ ዝጐድእ ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ። ቁጠባዊ ዕብየት ድሕሪ ጥዕና ማሕበረ-ሰብ ስለዝስራዕ፣ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቢ ምስተረጋገጸ፣ ቁጠባ ናብ ቦትኡ ዝምለስ ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ ነይሩ።

መራሕቲ፣ ሓለፍትን ኣካየድትን ትካላት ናይ ብዙሓት ሃገራት፣ ንምምሕዳራዊ ዕማማቶም ኣወንዚፎም፣ ብቐዳምነት ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሓበሬታ፣ ምንቕቓሕን መምርሕታትን ምሃብ ኣትኵሮም ብምንጣፍ፣ ኮቪድ-19 ንምጥፋእ፣ መድሃኒት ክታበት (ቫክሲን) ምምሃዝ ወሳኒ ምዃኑ ብምንጻር፣ ዓቕምን ተኽእሎን ዘለወን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዘካየድዎ ንጡፍ ድህሰሳን ምርምርን መድሃኒት ክታበት ቫክሲን ብ11 ታሕሳስ 2021 ተዳልዩ። ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ መብዝሕትአን ሃገራት ተኸቲቦም ነቲ ብናህሪ ዝለክፍን ዝቐዝፍን ዝነበረ ቫይሩስ ብምቁጽጻር፡ ኣብያተ ዕዮ፣ መገሻታትን ኣብያተ ትምህርትን ስሩዕ ስርሑ ከካይድ ይርከብ። እንተዀነ ግን ዴልታ ቫርያንት ዝተባህለ ካብቲ ናይ ቅድም ዝተፈልየን ዝሓየለን ቫይሩስ ክለክፍን ክቐዝፍን ምስተራእየ፤ ዝያዳ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድልን ንዕኡ ንምክልኻል ድማ ተወሳኺ ክታበት ብቡስተር ዝፍለጥ ከምዘድሊ ተፈሊጡ፡ ብ23 ነሓሰ 2021 ተዳልዩ ብሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ኣብ ግብሪ ክውዕል ተፈቒዱ፡ ንካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ክወሃብ ክጅመር ምዃኑ፡ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ድሕሪኦም ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ነቶም ቅድሚ ሎሚ ዝተኸትቡ ሰባት ተወሳኺ ቡስተር ክታበት ዘድልየሉ ምኽንያት፣ ሓይሊ ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መድሃኒት እንዳጐደለ ስለዝኽይድ እዩ።

ምንጪ ሓበሬታ መግለጺና ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተረኽበ እዩ። ሓደ ካብ ዘገርም ኣብ ኣመሪካ ክታበት ዝቃወሙ ኣለዉ። ትካል ጥዕና ዘቕረቦ መጽናዕቲ እቶም ብዴልታ ቫርያንት ዝልከፉ ዘለዉ 90% ዘይተኸትቡ እዮም፡ ገለ ካብ ዝተኸትቡ እሞ ዝተለኽፉ 7 ካብ 100,000 እዮም፡ ተጽዕኖ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተኸትቡ ከቢድ ከምዘይኰነ’ውን ኣፍሊጦም።

ብማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕነት ኣባላቱን ህዝብን በቲ ዝርድኦ ቋንቋ በብእዋኑ ንዝምዕብል ሓበሬታን መምርሕን ክህብ ተበግሶ ምውሳዱን ምቕጻሉን እንዳሓበርና፣ ኣብዚ ዕማም’ዚ ብፍላይ እቶም ናይ ሕክምና ኣፍልጦን ሞያን ዘለኩም ሰባት ክትሳተፉ ንዕድም። 

እዚ ዝስዕብ እዋናዊ ሓበሬታ ነስፍር፡

  • ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ዘርእዮ ምልክታት፡ ምስዓል፣ ረስኒ፣ ሕጽረት ትንፋስ፣ ሕማም ርእስን ኣካላዊ ድኻምን ወዘተ ይኸውን። እቲ ሕማም ኮቪድ-19 እንተዀይኑ ብመርመራ ክፍለጥ ዘለዎን ናይ ምድሓንን ንኻልኦት ንኸይልክም ምክልኻልን ዘድሊ ስጉምታት ብዝምልከቶም ናይ ሕክምና ሰበ ስልጣን ዝውሰድ እዩ፡ 
  • ዝተጠቕሰ ምልክታት ናይ ካልእ ዓይነት ሕማም ክኸውን ስለዝኽእል ብመርመራ ምስተፈልጠ ንዕኡ ዝግባእ ክንክን ይግበረሉ። 
  • ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ሰብ ብዝግበረሉ ግቡእ ሕክምናዊ ምእላይ ክድሕን ዕድል ስለዘለዎ፣ ክስንብድ የብሉን

ኮቪድ-19 ብኸመይ ይለክፍ፡ 

  • ኮሮናቫይሩስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እዩ ዝመሓላለፍ። ዝተለኽፈ ሰብ ጥቓ ዘይተለኽፈ እንተቐሪቡ/ቀሪባ 
  • ኣብ ባህልና ድሕሪ ገለ እዋን ዝተራኸቡ ሰባት ሓቝፍካ ኣብ ምዕጕርቲ ምስዓም ዝውቱር’ዩ፡ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምኡ ምቕጻል ክትልከፍ ምዃንካ/ኪ ምርዳእ ስለ ዘድሊ ብናይ ማዕዶ ሰላም ክትካእ ኣለዎ
  • ምስዝተለኽፈ ሰብ ናይ ኢድ ምጭብባጥ ሰላምታ ድሕሪ ምግባር፣ እታ ዝተለኽፈት ኢድ ንኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ ዓይኒ እንተ ተንኪፋ፣ ኮሮናቫይሩስ ናብ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣትዩ ናብ ደም ብምሕዋስ መጥቃዕቱ ይቕጽል
  • ብኮሮናቫይሩስ ዝሓመመ ሰብ፣ ብኢዱ ዝተንከፎ ንቑጽ ገጽ ጣውላ፣ ማዕጾ፣ ኩርሲ ከምኡ’ውን ካብ ኣፉ ይኹን ኣፍንጭኡ ዝወጽእ ፈሳሲ ዝሓደጎ፣ ብገርሂ ዝተንከፈ ሰብ እሞ ከይተሓጽበ ገጹ እንተደሪዙ ይልከፍ።

ከይንልከፍ ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐን ምክልኻልን፡ 

  • እቲ ቫይሩስ ብቖርበት ኣይኣቱን እዩ። ብኣፍ፣ ዓይኒ ወይ ኣፍንጫ እዩ ናብ ሳንቡእ ዝኣቱ።
  • ቅድሚ ገጽና፣ ኣፍንጫና፣ ኣፍናን ዓይንናን ምትንካፍ ኣእዳውና ብሳምና ምሕጻብ፤
  • ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ንባክተርያ ስለ ዝቐትልን ብኣኦም ንዝተሓላለፍ ሕማም ስለዝከላኸልን ምጥቃም
  • ነብስናን ከባቢናን ካብዚ ሕማም’ዚ ናጻ ክኸውን፡ መከላኸሊ ማስክ ዘይምፍላይ፣ 6 ጫማ ካብ ካልእ ሰብ ምርሓቕ
  • ብናይ ወጻኢ ቋንቋታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውሃብ ሓበሬታ ክርድኡ ዘይክእሉ ቖልዑን ነቶም ብዘይካ ናይ ኣደ-ቋንቋኦም ካልእ ዘይርድኡ ኤርትራውያንን፣ ክርድኡን ምእንቲ ነብሶምን ስድራቤቶምን ክከላኸሉን ናይ ምሕባሮም ሕልናዊ ሓላፍነት ክንወስድ የድሊ
  • ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ኣባል ስድራ ወይ መሳርሕቲ ንኻልኦት ንኸይልክም ኣብ በይኑ ገዛ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከም ኣድላይነቱ ክውሸብ ኣለዎ/ዋ።
  • ቡስተር ቫክሲን ክወስዱ ተርትኦም ዝበጽሐ ብዘይምውልዋል ክወስዱዎ ይምረጽ።

Philipos

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ እገዳ ከም ዝወሰነት “ተስፋ ኒውስ” ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ኣብዚ ሳልስቲ ዝተወሰነ እገዳ ጀነራል ፍሊጶስ ዝእዝዞ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኮይኑ ኣብ ዘካየዶ ኣንጻር ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ውግእ ብዝፈጸሞ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከተቕርቦ ንዝጸንሐት ክስታትን ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ንዝወሰነቶ እገዳን ኣነኣኢስዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝቐርብ ክስታት ሓድሽ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ነጺግዎ። ብመሰረት እዚ ናይ  እገዳ ውሳነ እቲ ጀነራል ኣብ ኣሜሪካ ዘቐመጦ ገንዘብን ንብረትን ካልእ ጠቕምታቱን ክስእን እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ከኣ እዚ እገዳ ናብ ዝምልከቶ ተቖጻጻሪ ኣካል ከምዝመሓላለፍ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ  “ማግነቲስት” ብዝበሃል ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓታትነት” ብይን ኮይኑ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝፍጸሙ ዓበይቲ ጥሕሰት መሰላትን ምጥፍፋእን ዝትግበር  እዩ። ናይ ኣሜሪካ ዓቃብ ገንዘብን ንብረትን ኣካል ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይን ኣብ ካልእ ከባብታት ዓለምን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ኣካላት ዝውሰድ ስጉምቲ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ውግእ ኣብ ዝምልከት ልፍና ንዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝኾነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።” ኢሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

EPDP Profile August 2021

Thursday, 19 August 2021 20:35 Written by

11 ነሓሰ 2021

ካርታ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናተስፋፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ኲናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝሃደሙ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣብ ከተማ ደሴ ኣዕቊቦም ከም ዘለዉ ከንቲባ እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቅድም ክብል ኣስታት 4500 ዝኾኑ ነበርቲ ካብ'ቲ ኲናት ይካየደሉ ዘሎ ከባብታት ሰሜን ወሎ ናብ ደሴ ኣትዮም ከም ዝጸንሑ ዘዘኻኸረ እቲ ከንቲባ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ድማ ብዙሓት ተመዛበልቲ ናብታ ከተማ ሃዲሞም ምምጸኦም ከንቲባ ኣበበ ገ/መስቀል ገሊጹ።

"ካብ ከባብታት መርሳ፣ ወልድያን ውርጌሳን ብዙሕ ሰብ እናመጽአ እዩ። ንሱ እናፈለና ናብ መዕረፊ ቦታ ንወስዶ ኣለና። ብዝሒ እቲ ተመዛባሊ ምፍላጥ ኣጸጋሚ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ናብታ ከተማ ኣትዩ" ኢሉ።

ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ወሎ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ሰባት ንድሕንነቶም ብምስጋእ ናብ ከተማ ደሴ ይኣትዉ ምህላዎም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ንድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዘይንጸርሖ ሓደ መምህር፡ ምስ ሸውዓተ ኣባላት ስድርኡ ካብ ወልደያ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደሴ ተዓቂቦም ከም ዝርከቡ ተዛሪቡ።

እቲ መምህር ከም ዝብሎ፡ ቅድም ክብል ስድርኡ ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ዘግዐዘ ኾይኑ፡ንሱ ድማ ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።

"ኲናት ፈሪሕና ኢና ሃዲምና መጺእና። ደሴ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ሰብ እያ ሒዛ ዘላ። ህዝቢ ወልድያ ተገልቢጡ ኣብ ደሴ እዩ ዓሪፉ ዘሎ ምባል ይከኣል" ብምባል ኣብታ ከተማ ብዙሕ ካብ ወልድያ ዝመጽአ ሰብ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ምስ ውሑዳት ሰባት ካብ ወልድያ ተልዒሎም ክሳዕ ውጫሌ ብእግርን ብባጃጅን ምስ ተጉዓዙ፡ ካብ ውጫሌ ብሚኒባስ ተሳፊሮም ናብ ደሴ ምእታዎም እቲ መምህር ይዛረብ።

ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገ/መስቀል፡ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ናብ ደሴ ዝኣቲ ዘሎ ብምዃኑ፡ ብሕቶ እቲ ህዝቢ ሰዓት እቶ እቶ ምእዋጁ ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብቲ ምምሕዳር እታ ከተማ ፍቓድ ካብ ዝተዋህቦም ሓይልታት ወጻኢ፡ ካብ ምሸት ክልተ ሰዓት ጀሚሩ ዝኾነ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ ተባሂሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ስርዓት ዘይብሎም ሰብ ተሽከርከርቲ [ባጃጅ] ገበናት ከይሰርሑ፡ ናይቶም ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ተገዲቡ ተባሂሉ።

እቲ ከንቲባ፡ እቲ ህዝቢ ኲናት ፈሪሑ እዩ ናብ ደሴ ዝመዛበል ዘሎ ምስ በለ፡ ንተመዛበልቲ ኣድላይ ድጋፍ ይግበረሎም ከም ዘሎ ገሊጹ።

ወቕቲ ክረምቲ ብምዃኑን ትምህርቲ ዕጽው ስለ ዝኾነን ድማ፡ ተመዛበልቲ ኣብ ሽድሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዕሪፎም ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።

ድልውነት ምክልኻል ሓደጋ፣ ኣመራርሓ ሰሜን ወሎን ነባሪ እታ ከተማን ንተመዛበልቲ ድጋፍ ይገብር ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።

ብደረጃ ቀበሌን ክፍለከተማን ኮሚቴ ተጣይሹ ነቶም ተመዛበልቲ ንምድጋፍ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ'ውን ከንቲባ ኣበበ ወሲኹ ተዛሪቡ።

Source=ኢትዮጵያ፡ ካብ ሰሜን ወሎ ዝተመዛበሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ደሴ ኣትዮም - BBC News ትግርኛ