Fessaha Ghebremariam 20.10.1933ብጻይ ፍሳሃ ገብረማርያም

ነፍሰ-ይምሃር ፍሳሃ  (ፍሳሃጼን) ካብ ወላዲኡ ኣቶ ገብረምርያም ግርሙን ካብ ውላዲቱ ወይዘሮ ብጭር ብላታ ክፍለማርያምን  ብዕለት 20 ጥቅምቲ 1933 ዓ.ም እዩ ኣብ ዓዱ፣ ሓዳስ ወረዳ ቴድረር ኣውራጃ ኣከለጉዛይ  ተወሊዱ።

ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሔ፡ ኣብቲ እዋንቲ ብዝነበረ ሕጽረት ናይ ኣብያተ ትምህርትን ብዘይካ ንደቂ ፍሉያት፡ ንደቂ ተራ ኤርትራዊ ገባራይ ናይ ምምሃር ዕድል ስለዘይነበረን፡ ብድልየት ወለዱን ናይ ቤተ ክህነት ተማሃርይ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ፍሳሃ ዓቐመ ኣዳም ምስበጽሔ፡ ስድራ ንምሕጋዝ ካብዝነበሮ ድልየትን ሓላፍነትን ተበጊሱ ንዝጀመሮ ትምህርቲ ገዲፉ፡ ኣንጊሁ ኣብ ናይ ስራሕዓለም  ንኽዋፈረ ንኣስመራ ኣተወ ።

ፍሳሃ ኣብ ኣስመራ ስራሕ ኣብዝጀመረሉ ግዜ፣ ሓደ ካብቶም ናይ መጀመርታ ውሕስነት ስራሕ ንምርግጋጽን መሰል ሰራሕተኛ ንምሕላውን ዝቆመ ማሕበር ምህላዉ ይሰምዕ ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ብመምህር ወልዳኣብ ወልደማርያም ዝቆመ ነጻ ማሕበር ሰራሕተናታት ተመዝጊቡ ናይ ኣባልነት ካርድ ወሰደ። ነዚ ዝፈለጠ ዋሃቢ ስርሑ ካብቲ ዝጀመሮ ስራሕ ስለዘውጻኦ ግን ንኣዲስ ኣበባ ተሰደ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምራሕ መኪና ተማሂሩ ኣብ ቶታል ካምፓኒ ተቆጺሩ ቕዉም ስራሕ ጀመረ።  ብቃል ኪዳን ድማ መነባብርኡ ክመርሕ ጀምረ።

ብጻይ ፍሳሃ፣ ዋላዃ ካብታ ዝተወልደላ ሃገርን ዓድን እንተራሓቐ፣ ሃገራዊ ስምዒቱን መንፈሱን ስለዘይራሓቐ ግን፡ ኣብ መጀመርታ 1970 ዓ.ም. ኣብ ተጋድሎ ሓርንት ኤርትራ ተውዲቡ። ፍሳሃ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ስርርዓት ኣብ ምስፋሕን ተልእኮ ውድቡ ኣብምፍጻምን ግቡኣቶም ካብዝፍጽሙ ዝነበሩ ተባዓት ሃገራውያን እዩ ነይሩ። ብዝነበሮ ትብዓትን ተወፋይነትን ድማ ድሕሪቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ብፈዳይን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኢፒኣርፕን ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተሳተፉ ተዋጋእቲ ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቁ መካይኖም ከፊቶም ዝጽበዩን መድሕን ንኽኾኑ ካብዝተመደቡን ዝከታተሉን ዝነበሩ ስሩዓት ሓደ እዩ።  ንዝተዋህቦ መደብ  ብዝግባእ ምፍጻሙ ድማ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ መላእ ህዝቢ ብዘሕደሮ ናይ ቃልስ ጽልዋን ስፍሓትን ብንእስነቱ ንዝጀመሮ ቃልሲ ንምዕዋት፡ ድሕርቲ ዝተኻኣየደ ስርሒት ድማዩ፣ መነባብርኡ ወጊኑ ኣብ መጀመርታ ወርሒ 01.1978  ኣብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ወታሃደራዊ ታዓሊም ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ጋሽ ዝነበረ ተዋጋኢ ሰራዊት  ተመዲቡ። ይኹን እምበር፣  ነዊሕ ከይጸንሔ ኣብ ክፍሊ መጓዓዝያ ተመዲቡ ኣብቲ ዳርጋ ክልት ኣዋርሕ ዝውሰደ ውግእ መረብ 1978 ሰራዊት ብዕጥቂ ንኸይጽገምን፣ ብሕጽረት ስንቂ ብጥሜት ከይጉዳይን፣ ካብቶም ደኺምና ከይበሉ ለይቲ ምስ ማዓልቲ   ንብረት ህዝብን ሰውራን ንምዕቃብ፡  ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ዝኽፈሉ ተጋዳልቲ ሓደ ፍሳሃ ገብረማርያም እዩ ነይሩ። ክሳብ 1981 ድማ ኣብዚ መዳይዚ ብተወፋይነት ንሰውርኡ ኣገልጊሉ። ኲነታት ሜዳ ኤርትራ ተቐይሩ ማለት ጀብሃ፡ ኣብ ልዕሊኣ ብዝተኣወጀ ዘይቅዱስ ምሕዝነታዊ ንይ ጥፍኣት ውግእ ተደፊእ ዶብ ሱዳን ዝዓስከረትሉ ግዜ፡ ፍሳሃ ንሱዳን ኣተወ። ንሱዳን ምስ ምእታዉ ግን፡ በቲ ሓደ ወገን መራሕ ዓባይ መኪና ኮይኑ ናብርኡ ከካይድ ከሎ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ናይ ቃልሲ መስመሩ ከይበተኸ፣ ብዝኾነ ይኹን ምድንጋራት ከይተታለለን ከይተዳህለን ክሳብ 1989 መወዳእታ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ  ቃልሱ ቀጸለ።

ስደት ህዝብና ዘይተወድኤን ገና ቀጻሊ ስለዘሎን፡ ብጻይ ፍሳሃ ገብረማርያም ኣብ ወርሒ 01.1990 ዓ,ም ጀርመን ኣትዩ ሓድሽ ሂይወት ጀመረ። ኣብ ጀርመን ምስ ኣተወ’ውን ካብ ብጾቱ ከይተፈልየን ንሓንቲ ማዓልቲውን ትኩን ናይ ቃልሲ መንፈሱ ከይቀየረን ኩሉቲ ውድቡ ዝሓለፈቶ ጸገማት ከም ኣመጻጽኣኡ ገጢሙን ሰጊሩን ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ቀጸለ። ኣብዝሓለፈ ፖለቲካዊ ፍልልያት፡ መለለይን ሕላገትን ፍሳሃ ገብረኣርያም ድማ ኤርትራን ኤርትራውነት እዩ። ካልእ ኩሉ ድሕርዚ እዩ ዝስራዕ። ብጻይ ፍሳሃ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነቶን ዕላምኡ ጽንዑን ሓያልን እሙን  ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ፍሳሃ፣ እታ ዝፈትዋን ዝናፍቓን ሃገሩ ሃረር እንዳበለ እዩ፣ ሕጅስ ንህዝበይን ንእምነተይን ዝገበርክዎ ይኣኽለኒ ኢሉ ብዕለት 10 ለካቲት 2022 ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ሆስፒታል ሃውዘን ፍራንክፎርት ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ፍሳሃ፡ ለጋስን ፈቓርን ዓብዪ ንእሽቶ ከይበለ ንሰብ ዘኽብር ፣ ኩሉ ዘመልካዓሉ፣ ዓቃቢ ባህልን ሕድርን ህዝቢ ነይሩ። ብስጋ ካባና እዃ እንተተፈልየ፡  ኣብ ሕልናን መንፈስን መቃልስቱን መዛንኡን ህዝቡ ግን ህያውዩ፣  ፍሳሃ ኣቦ ሰለስተ እዩ፣ ብደቁ ወይዘሮ ኣጸደ፡ ኣቶ ተስፉን ሳምሶንን ደቆምን ድማ እንዳተዘከረ ክነብር እዩ። መስዋኣቱ ድማ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እዩ።

ቃልሲ ጽንዓትካ ነመስግን!!

መንግስተ ሰማያት የዋርስካ!!

ጽንዓትን ጹረትን ንመላእ ቤተሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን!!!

ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም

ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ድሃዩ ካብ ዘጥፍእ ሎሚ 14 ለካቲት 2022 ዓሰርተ ዓመቱ ኮይኑ።  እዛ ዕለት እዚኣ ከኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ኮይና፡ ከምተን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብጾት ዝጠፍኡለን ዕለታት እንዝክረላ ዕለት እያ። ከምዛ ንዕኡ ዘጋጠመቶ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም፡ ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን እውን ኣይንርሰዖምን ኢና። እዞም ክልተ ሓርበኛታት እውን ካብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ካብ ዝጭወዩ ድሕሪ 2ተ ኣዋርሕ 30 ዓመት ክመልኦም እዩ። እነሆ ከኣ ዕድመ ማእሰርቶም ንዕድመ ማእሰርቲ ናይቲ ናይ መሰል ተቓላሲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንደላ ሓሊፍዎ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ጣዕሚ ንእስነትን መተዓብይትን ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽውፈዩ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ናብ ቃልሲ ካብ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ።   ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንታኡ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዘበርከቱን ኤርትራውያን ሓደ ኢዩ። ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ከምዘይካኣል ተገንዚቡ  ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ተጻዊሩ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ኣብ 1970 ኣብ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ።

ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብመንጽር ሃገራዊ ስምረት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መዚኑ ብዛዕባኡ እዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ መደብ ዕዮን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ  ተቐቢሎም ክምለሱ ይጽውዕ።

ለ. መሪሕነት ተሓኤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ፡ ከምኡ ድማ እዚ ጸገም እዚ ንኽፍታሕን ካብቲ ዝነበሮ ከይገድድን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ፡ ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነታት መስረት፡  መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንኽትራኸብ  ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ « ንሕናን ዕላማናን » ዝብል ኢሳያስ ዘበገሶ ጸቢብን ዘይግሉጽን መደባት ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን። እቲ ዝገደደ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና በጺሑ እነሆ። መሪሕነት ተሐኤ ምስቲ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፣ ከቢድ ጻዕርታት ገይራ እያ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ተቓለስቲ ብዘይካ ንፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ካልእ ንዘይባሃጉ ተጋደልቲ ጨውዩ ከጥፍእ እዩ መርሆኡ።    

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ቅድም መራሒ ሓይሊ ደሓር ከኣ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ብደረጃ መዓርግ ትሊንቲ (ሓለቓ100) ተመሪቑ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ብዝዓበየ ዓቕሙ ቃልሲ ቀጸሉ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ከበሳ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ   ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ ነይሩ። ቀጺሉውን ክሳብ 1980 : ኣብ ትሕቲ መራሕ ብሪገድ 61 ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ቀዳመይቲ በጠሎኒ መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ  ናይ ቃልሲ ፍናኑ ከየውደቐን ተስፋ ከይቆረጸን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ምስ ዝጀመረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተኣሲሩ። ህሓሓኤ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብ ዝተፋናጨለሉ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝርከቦም ልዕሊ 73 ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራይ፣ በብእዋኑ ተኣሲሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብወታሃደራዊ ክንፊ  ጉጅለ ጃስር ካብ ዝተሓተ  ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት  ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን። ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጉጅለ ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብቲ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበን እንደገና ኣብ ቀይዲ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ካብ ጸልማት ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ተኣሲሩ።

እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሕሰምን ኣደራዕን ኣብ ምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፣ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ ጥራሕ እተዘይኮይኑ ካልእ ብውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ ኮነ ዝፈጸሞ ገበን የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾት ናብ ሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝጽበያ ውድብ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ተመሊሱ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ማእሰርትን ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም ናብ ውድቦም ተጸንቢሮም ቃልሶም ዝቐጸሉ ተጋደልቲ ኣሰፋው በርሀ፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን፡ ዑስማን መሓመድን ዝርከብዎም ነይሮም። ከምኡ ውን ብጻይ ተስፋይ ርእሶምን ካልኦትን ድሕሪ ነጻነት ካብ ኣስመራ ናብ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡን ኣብ ውድቦም ብምጽንባር ቃልሶም ዝቐጸሉን ብጾት እዮም። 

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቅያትን ኣይተዳህለን ኣይሰኮነን ዝያዳኳ ዳኣ መሊሱ ሓሪኑ ካብ ናይ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ተመሪጹ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈታትን  ኮይኑ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን መስመርን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ምስ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብዘይርከበሉ፡ ድምጹ ኣብዘይስማዓሉ ካብ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣወዳትን እዩ። በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስ ኣተወ ስለ ዝተወልደ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ። ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዝገበሮ በዓል ናይ 1986 ወይዘሮ ሓሊማ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራኸብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ረኪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ማጂድ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ እንከሎ፣ ስለ ዘይመጾ ዘኽቲሙ ዓብዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝባ ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ እዋን ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ቃልሲ ይጽበየና ከምዘሎ ተገንዚብና ክንላዓል ይግባእ።

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ምልኪ ይፍረስ፣ ስርዓተ ሕጊ ይንገስ 

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ናይዚ ከባብና ክቃልሑ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ “ደደቢት-ሚድያ” ዝተባህለት፡ ብዩቱብ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቃለሓቶ መልእኽቲ እዩ። ኣርእስታ “ትግራይ ወናኒት ባሕሪ እያ፡ ባሕሪ ናይ ምውናን ታሪኻውን ሕጋውን መሰል ኣለዋ”  ዝብል ኮይኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ቀይሕ ባሕርናን ወደባትናን ናብ ምውናን ዝዓለመ ወስታ እዩ። ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባት ኤርትራ ኮነ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመዛረበን። ምኽንያቱ ተጠቃምነት ንልኡላውነት ኤርትራን ዋንነት ባሕራን ወደባታን ብዘይትክፍ፡ ብፈቓድ ህዝባ፡ ኣህጉራዊ ሕግን እሞ ድማ ናይ ሓባር ረብሓ  ብዝማእከሉ ቅጥዕን ውዑልን ዝትግበር ስለ ዝኸውን።

ብኣመሓደርቲ ደደቢት ሚድያ ክበሃል ዝተሰምዐ ግና፡ ቀይሕ መስመር ልኡላውነትና ሰጊሩ “እታ ዋናታት ዘለዉዋ ሃገር ኤርትራ ናትና እያ” ዘስምዕ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዑ ቅቡል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ “ህልውና ትግራይ ንምርግጋጽን፡ ዝተወስደ መሬታ ራያን ወልቃይትን ንምምላስ ይቃለስ ኣለኹ” ካብ ዝብል ሚድያ “ጽባሕ ትግራይ ንኤርትራ ወሪራ ባሕርን ወደባትን ክትውንን እያ” ብዝብል፡  ምስ መግዛእቲ ዕድመኡ ብዘብቀዐ ስምዒት ተጐልቢብካ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ተጋራጫዊ ኣካይዳ እዩ።

ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ትግራይ  ብኸመይ ጸረ ሰላም ሓይልታት ተሳዒሮም ናይዚ ጐረባብቲ ህዝብታት ሰላም ናብ ንቡር ይምለስ ኢሉ ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ዝተላዕለ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ይውክልዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተኸቢቡ ንዓለም እውን ኣብ ዘጨንቕ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት እናሃለወ፡ ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ምልዓል ብሓጺሩ ግጉይ እዩ። እዚ ዝያዳ ንምብራሁ “ተጋሩ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደባቱን ብሓይሊ ክንውንን ኢና” ኢልካ ከተፈራርሕ ምህቃን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን ግዜን ቅቡል ኣይኮነን ማለትና  እዩ።

ደደቢት ሚድያ ድምጻ ምስቶም ካብ ቀደሙ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ሎሚ እውን ተስፋ ዘይቆረጹ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስርዑ ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ፡ መርገጽ ህወሓት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዝውክልዩ ዝብል እምነትና ጽኑዕ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነጥፉ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ትካላት ዜናን ጸለውቲ ባእታታትን፡ ንቐጻሊ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ንዓሻ ድፍረት ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ዘስምዕዎ ናይ “ዓገብ” ድምጺ ዝድገፍን ሓላፍነታውን እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንጉዳይ ጉርብትና ምስ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብመንጽር ፖሊሲ፡ ሰናይ ጉርብትና፡ ናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ኢድ ዘይምትእትታውን እዩ ከመሓድሮ ጸኒሑ። ሕጂ እውን ካብዚ ኣርሑቑ ዝጥምት ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዝማእከሉ፡ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛኡ ፈልከት ኣይብልን እዩ። በዚ መዕቀኒ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣተሓሳስባ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ብዘይንሕስያ ይቃወሞ። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ድሮዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ዘይቅቡል ሓሳብ ምዝርጋሑ ብ29 ጥሪ 2022 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባኳ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ።”  ዝብል ሓሳብ ዝርከቦ ውሳነታት እዩ ወሲኑ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ኤርትራውያን ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ክመሓድር ዝኽእል ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትኳ እንተለና፡ ብዘይካ ወለቕዘለቕ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃን ኣንጻር ከምዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ግህሰት ግና ሓደ ከም ዝኾነና ክርድኡ ነዘኻኽሮም። ንድፍረቶም ብኤርትራውያን ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘብርህ።

መርድእ

Saturday, 12 February 2022 18:08 Written by

ነፍሰሔር ፍስሃ ገብረማርያም

ነፍሰሔር  ክቡር ሓውናን ኣቦናንን ኣቶ ፍስሓ ገብረማርያም (ሓወቦይ)ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል (Nord west krankenhaus) ፍራንክፎርት ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 10-02-2022 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ምህላዉ ምስ መሪር ሓዘና ንሕብር። ሓዘን ዝግበረሉ  ቦታ ኣብ St. Hedwig Gemeinde Elsterstr 18,  65933 Frankfurt Griesheim  (ኣብ ካቶሊካዊት ኪዳነ ምህረት ቤት ክርስትያን ግሪስሃይም ) ኮይኑ፣ ንሰኑይን ሰሉስን ዕለት 14-02-2022 ዕለት 15-02- 2022 ካብ ሰዓት 12.00 ክሳዕ ሰዓት 20.00 ዘሎ ሰዓታት  ተፈቒዱልና ኣሎ። ቅዱስ ፍትሓትን ስነ-ስርዓት ቀብሪን ዝግበረሉ ዕለትን ቦታን ድሒርና ክንሕብር ምዃና ነፍልጥ።

መጓዓዝያ፣ ካብ ፍራንክፎርት ቀንዲ መደበር ባቡራት ንሆክስት ገጸን ዝኸደ Strassenbahn 11 ን 21  

መላእ ስድራቤት

ማእከላይ ባይቶ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ በ29 ጥሪ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእን፣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፣ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዛዕባታት ብዝምልከት ሒዝዎ ዝጸንሐ መርገጻትን ዝምረሓሉ ፖሊሲታትን ተመስሪቱ  ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል እናተምርሐ ንሓያሎ ሰዓታት ዘካየዶ  ፍሉይ ኣኼባኡ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ እንተቐጺሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይን እቲ ውግእ ኣብ ዝበጸሖ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘውረዶን ሕጂውን ዘውርዶ ዘሎን ዕንወትን ህልቂትን ርኡይ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ደቃ ብዘይ ድሌቶም ኣብቲ ውግእ ተጠቢሶም ዝጠፍኡዋ ዘለዉ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባና እውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ባይቶ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪቲ ኣብቲ ክልተ እዋናዊ ዛዕባታት ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋምን ሰፊሕ ምይይጥን እዞም ዝስዕቡ መደምደምታታትን ውሳነታትን ኣስፊሩ፡

  • ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ውግእ ንምብላሕ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዓቦ ብርሰትን ዕንወትን ኩኑን እዩ። እዚ ብሽርክነት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ነቲ ንቡር ሕውነት ክልቲኡ ህዝብታት ኣዚዩ ዝሃሲ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ከኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ደጊሙ ኣውጊዝዎ። ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ሕጂውን ስርዓት ህግደፍ ብወያነ ኲናት ተኸፊቱና ብዝብል ጉልባብ ካብ ደገፍቱን እናኣፈራርሀ ካብ ዘገድዶም ንጹሃት ዜጋታትን ገንዘብ ይእክብ ምህላዉ ስለዝተገንዘበ ኩሎም እቶም ንመፈጸሚ ጸረ ህዝቢ ስርሒታት ገንዘብ ዝውፍዩ ወገናት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመዝጊቡ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሎም እቶም ኣብቲ ውግእ ግህሰት ዝፈጸሙን ብኣዕናዊ ተግባራት ዝሕተቱን ኣካላት ጉዳዮም ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ተጻርዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ህዝቢ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ከቕርብ ኣኼባ ባይቶ የዘኻኽር። ብዝተተሓሓዘ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት፤ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ገበናት ህግደፍ ድኣእምበር ብእኡ ዝሕተት ከመዘይኮነ ክርድእሉ ነማሕጽን።
  • እዚ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰፊሑ ዘሎ ውግእ መሰረታዊ ጠንቁ ፍልልይ ሕገመንግስታዊ ኣተረጓጉማን ፖለቲካዊ ኣረዳድኣን ስለ ዝኾነ፡ ማእከላይ ባይቶ ምቕጻል ውግኣት ክፈትሖ ከም ዘይክእል ይኣምን። ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ውግእ ጠጠው ብምባል እቲ ፍልልይ ብዘተ ንክፍታሕ ንዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒትን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣኼባ ባይቶ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ክልቲኦም ወገናት ንዘተን ፍታሕን ቅሩባት ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ።ንህዝቢ ትግራይን ንኩሎም ብውግእ ዝተሃስዩ ካልኦት ወገናትን በዂሩዎም ዘሎ ሕቶ መሰረታዊ ቀረባት ብህጹጽ ክምለሰሎምን፡ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦን ኣኼባ ተማሕጺኑ።
  • ብሰንኪ’ቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲኻ ኣደዳ ዓጸቦ ምግባር ዝብል ዕላማ ወረርቲ ሓይልታት ከም ዝቋረጹ ተጌሮም ዘለዉ ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፡ መስመር ተሌፎንን ኢንተርነትን፡ ማይ፡ ባንክ፡ መጓዓዝያታትን ዝኣመሰሉን ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱ ባይቶ ደጊሙ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ በቲ ሰኣን መግብን ሕክምናን ዝመውት ዘሎ ህዝቢ መሪር ሓዘን ከም ዝስምዖ ባይቶ ኣስፊሩ። ካብዚ ንምድሓን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዋ ረዲኤት ንኸይበጽሖ ካብ ምዕንቃፍ ክቑጠቡ ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተማዛበሉ ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ ተግባር ከይፍጸምን ረድኤት ኣብ ግዝይኡ ከምዝበጽሖም ክግበርን ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
  • እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ መደበራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቱ_(መነባብርኡ) ተመዛቢሉ ኣብ ፈቐዶ መዕቆቢ ቦታታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ደብዳባት ነፈርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰታትን ጠጠው ክብል፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግህሰታት ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ወገናት ብግቡእ ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣኼባ ባይቶ ይጽውዕ። ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ኣብዚ መዳይዚ ክጽዕቱ ከኣ ጸዊዑ።
  • ምሩኻት ውግእ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ክትሓዙ፡ ብገበን ዝጥርጠሩ እንተለዉ ከኣ ጉዳዮም ብነጻ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰሎም ከይጓደል ዝከኣሎም ክገብሩ።
  • ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምትእኽኻብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብቲ ዝተሓሰበሉ ሸቶ ክበጽሕ ይቀራረብ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ርእዩ። በዚ መሰረት ሰልፍና ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ሕቶ ምምስራት ሓቢርካ ዘቃልስ ጽላል ክሳብ ዝዕወት ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ባይቶ ወሲኑ። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕሮም ከዛይዱ ከኣ ከም ወትሩ ጸዊዑ።

ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ሱዳን ብዘውሕስ፡ መንገዲ ንክተሓዝ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

በዚ ኣጋጣሚ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝብድሎ ዘሎ ከይኣኽሎ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ወራራት ፈጢሩ ዘወድኦ ዘሎ ህግደፍ ከይተሓለለ ቃልሱ ከሐይል ደጊምና  ነዘኻኽሮ። ሎሚ እዚ ጉዳይ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ መኸተናን ሓድነትናን ኣንጻር ወጻዒ ንኽሕይል ተርኡ ንኽጻወት ንጽወዖ። መላእ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ከኣ ከም ወትሩ ፖሊሲታት ሰልፎምን ውሳነታት መሪሕነቶምን ኣብ ኩሉ መዳያት በቲ ልሙድ ጽንዓቶም ተወፋይነቶም ምዕዋት ክቕጽልዎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ይጽውዕ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

29 ጥሪ 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ብ4 ሕዳር 2020 ውግእ ምስተጀመረ ኣዝዮም ኣዛረብቲ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ሓቅነት ምእታውን ዘይምእታውን ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ገለ ወገናት ነቲ ርኡይ ዝነበረ ጣልቃ ኣእታውነት ክሓብእዎ፡ ካለኦት ከኣ ብመረጋገጽታት ኣሰንዮም ከቃልዕዎ ብዙሕ ምውጣጥ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕብኡ ክዝረብ እንከሎ ምጽቃጥ ልማዱ ስለ ዝኾነ፡ ቀልጢፉ ድምጹ ኣየስመዐን። ገለ ዝያዳ ህግደፍ፡ ህግደፍ ኮይኖም ክቐርቡ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ኣብቲ መጀመርያ “ኣሉ ቀጣን ኣይኣተወን” ክብሉ ፈቲኖም። ደሓር ዘይሕባእ ምስ ኮኖም ከኣ ነቲ ኢድ ኣእታውነት ምስ ዘይዛመዱ ጉዳያት እንዳዛመዱ፡ ምኽኑይ ክገብርዎ ፈቲኖም። ውሑዳት ክሳብ ሎሚ ዘይረብረቡ እውን ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ጉዳይ ወይ ሓቢርካ ምኽሓዱ ወይ ድማ ሓቢርካ ምቕባሉ ስለ ዝተጸገመ ብዙሕ ዘርጠብጠብ ኣርእዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ካብ መጀመርታኡ ዝተኣመኑ እሞ በቲ ጉዳይ ዘይተሓጐሱ ፖለቲከኛታት ነይሮም እዮም። ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ዝተባህሉ ሽዑ ኣዛዚ ሓይሊ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ከሎ ጌና “ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ምእታው ንዓና ውርደት እዩ”  ዝበልዎ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ብወገነን ካብ መጀመርታኡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ትግራይ ከም ዝኣተወ ኣረጋጊጸን ንዘይሰብኣውነቱ እውን ኣቃሊዐን እየን።  ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ጀሚርካ ክሳብ  ኣብቲ ጉዳይ ብውልቀን ርኢቶ ዝሃባ ሃገራት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ  ናብ ውግእ ትግራይ ኣረጋጊጸን ናይ “ኢድኩም ስሓቡ” መሕጽንታ ከቕርባ ግዜ ኣይወሰደለንን።

እቶም ነቲ ናይ 2018 “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝብል መደረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግቡእ ክከታተሉ ዝጸንሑ ወገናት ግና ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ኣይተሓደሶምን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ውግእ ምስተጀመረ ድሕሪ 17 መዓልታት ናይቲ ኢድ ኣእታውነት ሓደገኛ ሳዕቤን ተገንዚቡ ብምውጋዝ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ካብ ኤርትራ ይውጽኡ” ዝብል መጸዋዕታ ዘቕሪቡ።  ካለኦት ኤርትራዊ ወገናት እውን ከከም ሚዛኖም እቲ ኢድ ኣእታውነት ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይከውን ብምርዳእ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ እውን ብዘይካቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፡ ህግደፍ ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ ናቶም ሚዛን ዘይነበሮም፡ እቲ ድምጹ ዘስመዓሉ ዕድል ዘይረኸበ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻርዚ ኢድ ኣእታውነት ምንባሩን ምዃኑን  ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና  ሳዕቤኑ፡ ማዕጾ  እንዳኹሉ ዝኩሕኩሕ ስለ ዝኾነ።

ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ምእታው ዝተረድኡ ወገናት ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ደጋጊሞም ኣሰሚዖም  እዮም። ናይ “ኤርትራ ሓይልታታ ካብቲ ውግእ ክስሕቡ” ጸዋዒቶም እውን ኣቃሊሖም እዮም። ነቲ ውግእ ብሰላምን ዘተን ኣብ ምፍታሕ ህላወ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዓንቃፊ ምንባሩን ምዃኑን እውን ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።   ካብዚ ሓሊፎም ንኤርትራ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነታ ዝቐጽዑ እውን ኣለዉ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ህግደፍ ዝወሰነቶ እገዳ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

እቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ክንከውን ዝግበኣና ኤርትራውያን ኢና። ምኽንያቱ እቲ ናይ ኢድ ኣእታውነት ዋጋ ዝኸፍልዎ ኤርትራውያን ስለ ዝኾኑ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ብሓደ ድምጺ “ደቅና ኣብ ዘይጉዳዮም ኣይህለቑ”  ክንብል ኣይከኣልናን ዘለና። እኳደኣ ዝኸፋፍለና ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ካብ ቅድሙ ካብ ትግራይ ዝተሰምዐ ናይ “ኣይትዝረዩና” ድምጺ ርዱእ ኮይኑ፡ ጉዳዮም ብሰንኪ ህግደፍ ይተሓላለኽ ከም ዘሎ ዝተረድኡ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት “ኢድኩም ካብ ጉዳይና ሰሓቡ፡ ካብ ኤርትራ ትግራይ ትቐርበና” ዝብል ድምጺ ካብ ዘስምዑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብሰንክዚ መርገጾም ዋጋ ዝኸፈሉ እውን ኣለዉ። እዚ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዘይጸውር ድምጺ ኢትዮጵያውያን ሎሚ እውን ኣዝዩ ይዓብን ይሰፍሕን ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ 63 ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዝንቀሳቐሳ ናይ ኦሮሞ ማሕበራት ብሓደ ድምጺ “ጉዳይና ብዘተ ንክፍታሕ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትውጻእ” ዝብል ድምጺ ምስማዐን ብቐሊሉ ዝረአ ስጉምቲ ኣይኮነን።

ብጉዳይ ኤርትራ ተጽዕኖ ዝሓየሎ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ምእታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክልተ ዓይኒ ዝርኢ ዘሎ ይመስል። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ናይ ኤርትራ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ይርኢ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ መሪር ውግእ ዘውጽእ መፍትሒ ንምርካብን ዲፕሎማሲያዊ ምስሉ ንምዕራይን ዝባኑ ቀሊዑን ናጻ ኮይኑን ከየናዲ ናይ ኤርትራ ተጽዕኖ የጸግሞ ከም ዘሎ ዝተረደአ ይመስል። ስለዚ ኣብ መንጎ “ይሓግዙናን ይውጽኡልናን” ተቐርቂሩ ኣሎ። እቲ ዘገርም ከምቲ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ንኤርትራውያን ብሓሳብ ዝኸፋፈለና፡ ንኢትዮጵያውያን እውን ዝኸፋፍሎም ዘሎ እዩ ዝመስል። ኦሮሞን ካለኦት ፈደራላዊ ስምዒት ዘለዎም ወገናትን ዝንባለኦም ናብ “ይውጸኣልና” ክዛዝው እንከሎ፡ ኣምሓራ ዝማእከሉ ሸነኽ ከኣ ናብ “ይሓግዘና” ይዛዝው ከም ዘሎ ብግልጺ ይረአ ኣሎ። ስለዚ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት፡ ንኤርትራ ኣይጠቐማን፡ ንትግራይ ኣዝዩ ጐዲኡዋ፡ ንኢትዮጵያ እውን ከይከፋፍላ  ዘስግእ ምልክታት ዘርኢ ዘሎ እዩ። 

ህግደፍ ውግእ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ሕልሙ ውግእ ኣብ ትግራይ ከምዚ ኮይኑዎ ዘሎ ከይተወዓወዐን ከይተናውሐን ዳርጋ ብስቱር ክውዳእ ድሌት ነይርዎ። ሕጂ ግና ባዕሉ ብዘምጸኦ መዘዝ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝውስን ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።፡ ንድሕሪት መምለሲ መንገዲ ከኣ የብሉን። ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይጉዳይናን ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን”  ኢሉ ምስቲ ኣዋዲቕዎ ዝነበረ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ከዛምዶ ዝፈተኖ ነዚ ዘመላኽት እዩ። ውግእ ኢትዮጵያ ከምዚ ዘርእዮ ዘሎ ምልክታት ብዘተ ከይፍታሕ’ሞ ከም “ኣብ ጐልጐል ዝወገሖ ዝብኢ”  ኮይኑ ከይተርፍ ስግኣት ኣለዎ። ምርጫኡ ግና ሓንቲ እያ። ንሳ ከኣ ነቲ “ኤርትራ ሓይልታታ ትስሓብ” ዝብል ድምጽታት ጸማም እዝኒ ሂብካ ጠኒንካ ኣብቲ ውግእ ምቕጻል እያ። ምኽንያቱ እቲ ፋሕፋሕ ኣብ ኤርትራ ዘስዕቦ  ሓቢኡ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ  ፋሕፋሕ ተሓቢኡ ዕድሜኡ ኣብ ስልጣን ዘንውሕ ስለ ዝመስሎ።

 

Erisaat 1

ናይ መደበር ተለቪዥን  ኢሪሳት ዩቱብ ቻናል፡ ምስ ተግባራት ሰርሰርቲ ብዝተተሓሓዘ ከምዝተዓጽወ ኣካየድቲ ናይታ መደበር ኣፍሊጦም። ናይዛ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበራ ማዕከን ዜና ኣካየድቲ ከም ዝበልዎ፡ እቶም ናይ መርበብ ጉሓሉ ነቲ ኣካየድቲ ኤሪሳት ክጥቀመሉ ዝጸንሑ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ብመንገዲ ናይ ኣዳለውቱ መስመራት ብምእታው፡ ዘየድሊ ትሕዝቶታት ብምፍናው፡ እቲ  ዩቱብ ክዓጽዎ ከምዝገበሩ ገሊጾም። እንተኾነ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ናይቶም ሰርሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ቀልጢፍካ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ኤሪሳት ሓቢራ።

"በዚ መሰረት ምእንቲ  ነቲ ቻነል ምሉእ ብምሉእ ከይድምስስዎ፡  ነቲ መፍትሕ (pssword) ናይቲ ቻነል ቀይሮም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ክሳራ ከም ዝንኪ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም። እንተኾነ፡ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ምዕጻው ናይቲ ቻነል ለስዘኸተለ፡ ካልእ መደባቶም ዝፍንውሉ  መስመር ከናድዩ ኣገዲድዎም ከም ዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ኤሪሳት፡ ጥርዓና ናብ ትካል ዩቱብ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ። ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ ምስ ትካል ዩቱብ ይጸሓሓፉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ ክኸፍትሎም ኣብ ትጽቢት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ክሳዕ'ቲ ኩነታት መፍትሒ ዝረክብ፡ ብካልኣይ ቻነል ፈነወታት ምዝርጋሕ ከምዝቐጸሉ እቶም ኣካየድቲ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ገበን ብመን ከም ዝተፈጸመኳ እንተዘይተገለጸ፡  እቲ ስጉምቲ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ዝተወስደ ምዃኑ እታ ትካል ገሊጻ። ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዝጀመረት ተለቪዢን ኤሪሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ዓፋርን ብሌንን ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ፈነወ ተካይድ እያ። ኣድሚ ሕጂ ብወግዒ ስራሕ ድሕሪ ምጅማራ ዓፈና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን፡ ዳግማይ ኣብ 2019 ናብ ፈነወ ከምዝተመልሰትን ከኣ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ነቲ ተለቪዥን ክከታተል ዘይክኣለ ህዝቢ ንምብጻሕ ፈነወ ሬድዮ ብሓጺር ማዕበል ከምዝጀመሩ ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ናጻ ፕረስ ስለዝኣገደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ብሕቲ ትካላት ሜድያ እየን  ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትድምጺ ህዝበን ኮይነን ዘለዋ።

ስደተኛታት: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም

20 ጥሪ 2022
ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO

መግለጺ ስእሊ,

ኣለም ተስፋይ (ጸጋም) ክብሮም ኣድሓኖምን (የማን)

ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ተሰጋጊሮም።

እዞም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተብሃሉ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2014 ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ካናዳ፡ ከተማ ቶሮንቶ ከምዝኣተዉ ንጉዳዮም ብቐረባ ክከታተሎ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ግሎባል ባይቶ ይኣከል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ግብጺ ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ሰብመዚ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትጥርዝዎም ምሉእ ምድላዋት'ኳ ወዲኦም እንተነበሩ፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጎስጓስ ካብ ምጥራዝ ከምዝድሓኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ እዋን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከይተረፈ ኣለምን ክብሮምን ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ንመንግስቲ ግብጺ ምምሕጻኑ ይዝከር።

ግሎባል ባይቶ ይኣክል ንምፍታሕ እዞም እሱራት ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ"ነቲ ህዝብና ዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕርታት፣ ብማሕበራዊ መዲያ፣ ብትዊተር፣ ብተፈላለዩ ጽሑፋት፣ ብሰላማዊ ሰልፊ፣ ብገንዘባዊ ልግሲ: ወዘተረፈ፣ ግዜኹም ከይቆጠብኩም ጂባኹም ከይበቐቕኩም ንዝገበርክሞ ኣስተዋጽኦ፣ ብሽም ኣለም ተስፋይን ኪብሮም ኣድሐኖምን፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም" ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO

መግለጺ ስእሊ,

እቶም ስደተኛታት ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ብመሰረት ሕጋጋት ካናዳ ንዝተወሰነ መዓልታት ተወሺቦም ከምዝጸንሑ ብምግላጽ "ምስጋና ንምሃብ ክሳብ ዝኽእሉ፣ ኩሉኹም መዓከናት ዜና ንኽትዕገሱና ብትሕትና ንሐትት" ይብል።

ኣለምን ክብሮምን ናብ ካናዳ ንኽሰጋገሩ፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዝርከቡ ኤሪትራውያን ማሕበረ ኮም፣ ከምኡውን 'ንሪሰትለመንት' ንዝምልከት ፍቓድ፣ ካናዳውያን ዩኒታሪያን ካውንሲል፡ ምስ ኤሪትራውያን ማሕበር ቶሮንቶ ልዑል ጻዕሪ ከምዝግበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣለም ተስፋይን ክብሮም፡ ክልቲኦም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም፡ ኣለም ኣብ 2012 ክብሮም ኸኣ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን እንተኾነ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘየለ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ

ምንጪ ስእሊ,AMNESTY INTERNATIONAL

ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቁን ግዳይ ሞት፡ ጾታዊ-ዓመጽን ጭውያን ከምዝኾኑ ይንገር።