ብመጀመርያ ከመይ ትኾኑ፡ ነኣሽቱ የሕዋተይ፡ ነቲ ንቲ እዛ ሃገር ኢልኩም ሂወትኩም ዝኸፈልኩም ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንዓኹም ይኹን። ሳላ ናትኩምን ከማኹም ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ተፈጢራስ እንሆ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 24 መበል 30 ዓመት ነጻነት ክኽበር ቀንዩ።

ኣነ ዓቢ ሓውኹም ንመወዳእታ ግዜ ዝተረኣኤናላ ግዜ መስለኒ ኣብ መፋርቕ 1977 ኣቢሉ ናብ ዓዲ ቢደል ንዓይ ኣብ ገድሊ ምስ ተሓኤ ስለዝነበርኩ ክትርእዩኒ መጺእኩም ምስ ረዘነ ሓውኹም።ንምልላይ ዝኣክል ምስ'ዞም ኤርትራውያን የሕዋትኩምን ኪዳነ ካሕሳይ፣ ዮሴፍ ካሕሳይ ዝተሰዋእኩም ረዘነ ካሕሳይ ድማ ብሂወት ዘሎን ካብቶም ምስ ህዝባዊ ግንባር
ኮይኖም ዓዲ ዝኣተዉ ምዃንኩም የላልየኩም ኣለኹ እሞ ፡ኣይፍለጥን ብዛዕባኹም ዝፈልጡ እንተሃለዉ ደሃይ እንተረኸብኩ እውን ንዓና ጽቡቅ ምኾነ ብማለት እዩ። እቲ ብድሕሬኹም ዝኸደ ምዕብልናታት እውን ኢንተርነት ተማሂዙ። ናይ መራኸኒ ብዙሓን ሰፊኑ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ወብሳይት፣ ፈይስ-ቡክ፣ ዋትስ-ኣፕ ወዘተ ኣብ ፈቐዶ ዓለምተዘርጊሖም  ዘለዉ ኤርትራውያን ዝከታተልዎ ስለዝኾኑ እዚ
መልእኽቲ ንእግረ-መንገደይ ኩሎም ከንብብዎ ንማለት ቅሉዕ ምዃኑ እዩ።

ድሕሪ ውሑድ ኣዋርሕ ምርእኣይና ኣብ ዓዲ ቢደል ኣይደንጎየን ሓወኣቦናል፡ ዝነበርኩዎ ቦታ ( ዓዲ ) ስለዝፈለጠ መጺኡ ናታትኩም ምውጻእ ንሜዳ ነጊሩኒ፡ ኣብ'ቲ ግዜ እቲ መንእሰይ ኤርትራ ንኤርትራ ኢሉ ንገድሊ ይውሕዝ ስለዝነበረ ብዙሕ ኣይሰንበድኩን፡ ተቀቢለዮ። ሎሚ ስለምንታይ ኢዩ እዚ ዓቢ ሓውና ደብዳቤ ዝጽሕፈልና ዘሎ፡ ዘይኣኽሎን እቲ ሽምዓ ምውላዕ ትብሉ ትኾኑ እሞ፡ገለ ክልተ ነጥብታት ከልዕል ብዛዕባ እዚ። ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ሰውራ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ክወስድ ከሎ፡ ሎሚ ድማ ኤርትራ  ኣብ ክንዲ ብርሃን ጸልማት ዝዘነባ ሃገር ኮይና ኣላ።

ቀዳማይ

ከም'ቲ በሽሓት መስዋእቲ ዝተኽፈላ ንሓንቲ ሃገር ንምፍጣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ቅዋምን ዘይብላ፣ ነቶም መቃልስትኹም ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር እትኣስርን እተደስክልን፣ ነቶም ነኣሽቱ ህጻናት ዝነበሩ ደቂ ስውኣት ኣብ ፍቀዶ ውግኣት ኣእትያ መንእሰያት ተጥፍእ ዘላን፡ ኣብ ግዜኹም ብዙሕ ዘይስማዕ ዝነበረ ብጀካ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደድ፡ ሕጂ እሞ ኣብ ምሉእ ዓለም ብኤርትራውያን ኣጥለቅሊቑ እዩ ዘሎ። ንእግረ መንገደይ ምስ እዚ ስደት፡ ካብ ገዛና ኣነ ኣብ ካናዳ ምስ ብጸይተይ በዓል ሓዳር ኮይነ ኣቦ ክልተ ኣወዳት ኮይና ኣለና። እተን ምንኣስኩም ዝኾና ሓሙሽተ ኣሓትኩም፡ እተን ክልተ ኣብ ጀርመን ኣደታት ሰለስተን ክልተን ኮይነን፡ እተን ክልተ  ድማ ኣብ ኖርወይ ኮይነን ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ኣለወን፡ እታ ሓንቲ ድማ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኮይና ኣብ ካናዳ ኣላ። ኣብ'ዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሽግርኩም፡ እቲ ሕሳስ ልደ ሓውና  ዮናስ ካሕሳይ ኣቦ ክልተ ዝኾነ ኣብ ጀርመን ብ2014 ኣብ ሸዊት ዕድሜኡ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ምህላዉ ክትፈልጡ ንማለት እዩ።

እቶም ዝተረፉ ኣብ ዓዲ ኣለዉ፡ እተን ሰልስተ’ኳ ደቂ ደቐን ክርእያ በቂዐን ኣለዋ። ኣብ ስፐይን፣ ኡጋንዳ፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ጃፓን፣ ኣመሪካ፣ ሱዳን፣ ዱባይ፣  ሆላንድ ውዘተ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ቤተ-ሰብ ምስ ስድራ-ቤቶም ሓዊስካ ብዓቢኡ ኣብ ግዳም ዘየለ ሰብ የለን። ወይ ድማ እታ ኤርትራ ጥርሓ ትተርፍ ኣላ ዘብል እዩ ዘለናዮ እዋን።

እታ ኤርትራ ቅዋምን ሕግን ዝሰኣነት ጥራሕ ዘይኮነትስ ዋላ ሕብራ ተደዊኑ  ጽርግያታታ ዝተበላሸወ፡ ወደባታ ጥርሑ ሰብ ዘይብሉ፡ ዝስራሕ ገዛውቲ ዝተኸልከለ፡ መናድቑ ዝዓሰወ ሕብሩ ዝቀየረ ኮታ ብጀካ እተን ዲጋ ሰሪሕና ዝብልወን፡ ማይ ዘይብሉ  ኮይኑ ነገሩ። ምናልባት ከይሰማዕኩም እንተጸንሓኹም እታ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳሕል ኣሕቂቖም ሓንቲ ግናይ ዝኾነት ህግደፍ መስሪቶም ካብቶም ዝተቃለሱ ዘውደኽድኹ ዝነበሩ ናይ ኣምሰሉ ኣብ በዓላት ባንደራ ኤርትራ ዘለዋ ክራቫታ ዝመልሱ፣ ቆቢዕ ገይሮም ዝስዕስዑ፣ ከምኡውን ተዘሪገን ዘለዋ ድማ ኣይ ከምቲ ናይ ቀደም ደቂ ኣንስትዮና ዙርያ እናተኸደንካ ተወሳኺ ጸጉሪ ወሲኸን ዝዓብዳ ደቀን፡ ኣሕዋተን ተኣሲሮመን እንከለዉ ብፍርሒ  ወይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብላ ክዳነን፣ ሽልማተን ከርእያ ዝዓበዳ፡ ገለ እውን ግቡእ ሓላፍነተን ዘንጊዐን ኣፍላሕቲ ቡን ኮይነን “ሃማደኤ እየ”  ዝብላ ድማ መሊኤን ኣለዋ። ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት እንበኣር ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ውግእ ተኻይዱ ብዙሕ መንእሰይ ጠፊኡ ኣሎ።

ካልኣይ

 ኣብ'ዚ ነቲ መስዋእቲ ዝኸፈልኩምሉ ዕላማ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስለ ንዓኹም ከም ኤርትራውያን ንምዝካር ብዘየገድስ  መን ወሲኑዎ፣ ብኸመይ እቲ ዕለት ተወሲኑ ኣብ'ዚ ወርሒ  20 ሰነ ንስውኣት እንዝክረላ፡ ሽምዓ እንውልዓላ መዓልቲ ምዃና እናሓበርክኹም፡ ንዓና ነቶም ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ከምዘለኹም ነረጋግጸልኩም። እቲ ሓቒ ድማ ንሱ እዩ። ሓደ / ሓንቲ፡ ከመይ ገይሮም ስውኣት ወለዶም ኣሕዋቶም ኣሓቶም ክርስዑ ይኽእሉ እንተ ኢልና፡ ኣይከኣልን።እቲ ሕቶ እንበኣር ነዚ መዓልቲ ብደረጃ መንግስቲ ኮይኑ ዘመሓድር ዘሎ ነዚ ዕለት 20 ሰነ ከዳልዉ ከለዉ ዓመት ዓመት ዝሕተቱ ንሶም እዮም እቲ ሕድሪ ስዉኣት ስለምንታይ ኣብ ተግባር ዘየውዓልዎ ተሓታታይ ንሱ እዩ።

ብኻልኣይ  ደረጃ እቶም ነዚ ህዝቢ ዝጠለም ስርዓት ዝድግፉ ሰባት ድሕሪ እታ ሽምዓ ምውላዕ ንምንታይ እዩ እዚ ንሃገር መስዋእቲ  ዝተከፍለሉ ፍረ ዘይተረኽቦ ዝብል ፈጺሙ ሕቶ ኣብ ኣእምርኦም ዘሎ ኣይመስልን። እቲ ካልእ ደረጃ ካብቶም ነዚ ስርዓት ዝቓወሙ ድማ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ፡ ዝተበደለ ብምዃኑ፡ ነቲ ዝበደሎ ስርዓትን ነቲ ዝኸፈልኩሞ ዋጋ ሂወትኩምን ፈላልዮም ክርእይዎ ስለ ዘይከኣሉ ነዚ መዓልቲ ስውኣት፣ መዓልቲ ነጻነት ኣብ ምኽሓድ ተጸሚዶም ነቲ ግቡእ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ዝዘንገዑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ'ዚ ናይ ሰላሳ ዓመት ድሕሪ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ እንበኣር ዘይድለ ዕንደራ ሎሚ ድማ እንደገና ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ የእትዩ መዓት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ፡ ውግእ ኮይኑ ኣሎ። ተስፋ ዝህብ ግን ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን እናተረደኦ ብጀካ እቶም ናይ ኣምሰሉ ፡እሱራት ናይ ሕልንኦም ኣብ ውሽጢ ገዘኦም፡ ካልእ ይብሉ ኣብ ግዳም ግን መልሓሶም ዝቅይሩ እቲ መከራ ህዝቢ ክሓጽር እዩ።
ብዝተረፈ ሎሚ ነዛ  መልእኽቲ ብቕሉዕ ምስዞም ኤርትራውያን ከላልየኩም ከለኹ እቲ መስዋእቲ ንሓንቲ ኤርትራን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምምስራት ዝተኸፍለ ቁጽሪ ዘይኮነስ ንስኹምን ካልኦት ኤርትራውያን ዝገልጽ ምዃኑ ንምብራህን ዋላ ካልእ ኩነታት እንተተፈጥረ ኣብ መንገድና ወትሩ ካብ ኣእምሮና ከምዘይትፍለዩ፡ ብተወሳኺ እዚ መዓልቲ 20 ሰነ ስለ ሓደ ሰብ፣ ስለ ሓደ ውድብ ወይ መንግስቲ ኢልና ኣይኮናን ንገብሮ’ሞ፡ ናትኩም ለበዋ ይመስለኒ ንዓና ነቲ ዕላማ ዘወደቕናሉ ተግባራዊ ግበርዎ ትብሉና ዘለኹምይመስለኒ፡ኣሎ’ሞ፡ የሕዋተይን ቤተ-ሰበየይንን ድማ ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንዓኹም ይኹን።

ሓውኹም

ተስፋይ ካሕሳይ

20 ሰነ 

ዝምድናን ርክብን ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ብዙሕ ግዜ መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ይለዓል እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን እውን ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብቲ ርክቦም ነናቶም ሚዛን ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ህግደፍ  ራህዋ፡ ቅሳነትን ፍትሕን ከም ዘይረኽበ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ጉጅለ ብዘይሕገመንግስቲ ይገዝኦን ኩሉ መሰላቱ ይገፎን ከምዘሎ ኣዳዕዲዑ ይርዳእ ኢዩ። ብገዛእ መስዋእቱ ካብ ዘመጸኣ ሃገሩ ምኽንያታት ፈጢሩ ናብ ስደት ንከምርሕ እንዳደፈአ፡ ኮነ ኢሉ ከብርሶ ከም ዝሰርሕ ስለ ዝርዳእ፡ ከም ብህዝቢ ዘይግደስ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ዝፈልጦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ሚዛን ኣብ ንዕቀት ዝተሞርኮሰ ኢዩ። ህዝቢ ክሓስብን ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ንክውስንን ዓቕሚ ዘይብሉ ገይሩ ይቖጽሮ።  ሓቢእካ ዝሕባእኳ እንተአይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጽሞ ዘሎ፡ ካብ ወጽዓ ጀሚርካ ክሳብ ምብራስ ከም ህዝቢ ዝምጠጥ ገበናቱ ሓቢኡ፡ ሓላይ ህዝቢ ኤርትራ መሲሉ ክቐርብዩ ዝፍትን። ናይዚ ወገን ህዝቢ ዘይኮነ ወገኑ ተመሲሉ  ንምርኣይ ዝገብሮ ፈተነ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ብህዝቢ ተኸዊሉ ካብ ተሓታትነት ናይቲ ዝፍጽሞ ገበናት ንምሕባእ እዩ። ካብዚ ነቒሉ  ምስ ህዝቢ ኤርትራ ንዘየብሉ ፍቕርን ምቅርራብን ኣጸባቢቑ ከቕርብ እንከሎ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ብማለት ከምቲ ፋሽስታውያን መራሕቲ ንምድህላል  ዝዝምርዎ ይዝምር።  ሎሚ ግና እዚ ኣበሃህላኡ በቲ ኣብ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ስለ ዝተቓለዐ፡ ከዘውትሮ ሞራላዊ ብቕዓት ዝውንን ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ብኢሳያሳዊ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝጨከኑ ውሑዳት ኣካላት ዝኸበብዎ ኣዝዩ ጸቢብ ጉጅለ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ወይ ሰኣን ምርደኦም፡ ወይ ድማ ተረዲእዎስ ካብ ህዝብን ሃገርን ጸቢብ ረብሐኦም ስለ ዘቐደሙ፡ ኣብ ከባብዚ ጉጅለ ዘጣቕዑ ውሱናት ኤርትራውያን’ውን ኣለዉ። ካብዚ ወጻኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ጉጅለ ኣይውከልን፡ ብሕማቕ ተግባራት ናይዚ ጉጅለ ብርሑቕ ይኹን ብቐረባ ኣይሕተትን እዩ። ስለዚ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ካብቲ “ህዝብን መንግስትን በበይኖም እዮም፡ መንግስቲ ሓላፋይ እዩ ህዝቢ ግና ነባሪ እዩ” ዝብል ብሂል፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ወካልን ተወካልን ዝምድናን ቃል ኪዳንን ዘየብሎም ምዃኖም ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብሩህ ክነሱ፡ ኮነ ኢልካ ንኤርትራን ህዝባን ተሓታቲ ንምግባሮም፡ ዘይላገብ ንምልጋብ ዝግበር ፈተነ ጌጋ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ በቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ንሱ  ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ከኣ ዘይናቱ ምዃኑ ብተግባሩ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ኣብ ስልጣን ዝነብር ዘሎ እውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ፈቒድሉ ዘይኮነ፡ ኣገዲዱ ምዃኑ ኩሉ ዝተረደኦን ሓቂ እዩ። ዝምድናኦም ከኣ ከምቲ “ከብድን ሕቖን” ዝበሃል፡ ብንጹር ናይ ተወጻዕን ወጻዕን እዩ። እዚ እከይ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ኣብ ዝኸደ እንተኸደ ምስኡ ሓቢሩ ዝጐዓዝ እምበር  “ኣብ ኤርትራ ርኹስ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ግና ቅዱስ” ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ሒዝዎ ዘሎ መንግዲ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበን መሊኡ ናብ ትግራይ ዝፈስስ ዘሎ እምበር፡ ኣብ ትግራይ ዝጅምሮ ዘሎ ከምዘይኮነ ኩሉ ክርደኦ ዝግበእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ብዙሓት ወገናት  “ኣብቲ ህዝበይ ዝብሎ ዝጨከነ ኣብ ልዕሊ ካልእ ክልውህ እትጽበዮ ኣይኮነን” ዝብልዎ ዘለዉ።

እቲ ጉጅለ ብህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝውገዝ ምዃኑ  ብሩህ እንከሎ፡ ገለ ወገናት ንህዝቢ ኤርትራን እቲ ጉጅለን ከም ዝወኻኸሉን ዝመላልኡን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገናት ህግደፍ ከም ዝሕተት ኣምሲሎም ዝርድኡ ሓሓሊፎም ዝስምዑ ግጉያት ድምጽታት ኣለዉ። እዚ ኤርትራውያን ብዘይኮኑ ጥራይ ዝስማዕ ድምጺ ዘይኮነ፡ ነቲ ግጉይን ኣዕናውን ተግባራት እቲ ጉጅለ ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዓወት ክወስድዎ ዝደናደኑ ኤርትራውያን እውን የጋጥሙ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ትግራይ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ከይተወሰኑ ኣብ ክልል ኦሮሞ በጺሖም ዝብል ምርግጋጽ ዘድልዮ፡ እናሐደረ ዝወዓዋዕን ብልሳን ማዕከናት ዜና ዓለም  ዝዝረበሉን ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሰራዊት “ናበይን ስለምንታይን?” ከይበለ፡ ኣብ ዘዝበጸሖ ቦታታት፡ ብምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምቕታል ንጹሃት ሰባት፡ ምዝማት ንብረትን ረዲአት ናብ ጽጉማት ከይበጽሕን ብምዕንቃፍን ዝግለጹ ገበናት ይፍጽም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ጽዩፍ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ከም ዝሕተት ኣምሲልካ ዝቐርብ ክስታት ክስማዕ እንከሎ ከኣ የሕዝን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተሳብ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝውጸዖ ዘሎ ከይኣኽሎስ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘዝኸዶ ብዝፍጽሞ ገበን ክኽሰስ እንከሎ ቅቡል ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ግና “ጻጻሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ህዝቢ ካብ ትግራይ ዝተዘምተንብረት ከይገዝእ ገዚቶም” ንዝብልን ህዝቢ ኤርትራ ዘይነጽጎን ሓበሬታ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ህግደፍ ደሪቦም ክኸስዎ ዝፍትኑ ከስተብህልሉ ይግበኦም።

ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን በበይኖም እዮም ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ መንጐኦም መንደቕ ሓጺን ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓደ ጨቋኒ እቲ ካልእ ድማ ተጨቋኒ ኮይኖም ኮሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዘይከሓድ እዩ። ኣብ ጉዳይ ውካልን ተወካልን ግና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን፡ ኣይኮነንዶ ክወኻኸሉ ኣብ ሕድሕዶም ዝተሓታተቱ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ብእከይ ተግባራት እቲ ጉጅለ ክሕተት ዕድልን መድረኽን ኣብ ዝረኽበሉ ንጉጅለ ህግደፍ ዝሓቶ እዩ። ህዝብና ክሳብ ሽዑ ከይተጸበ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ መድረኽ’ውን ድምጹ ከስምዕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ሕበረተሰብ ዓለም’ውን ክንድቲ ዕግበቱ ደኣ ክሳብ ሎሚ ስጉምቲ ኣይወሰደን እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይውክልን ህዝቢ ኤርትራ ብገበናት ናይቲ ጉጅለ ከምዘይሕተትን ዕጉብ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ርክብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ገዛኢ ሰልፊ ብጽግናን ዘሎ ዝምድና ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን  ጉጅለ ህግደፍን ከኣ ዝያዳ ከም ዝርሕሓቕ ተረዲኦም ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ተሓታትነት ብገበናት ናይቲ ጉጅለ ናጻ ከውጽእዎ ንጽወዖም።

መርድእ

Wednesday, 02 June 2021 12:03 Written by

ጉጀለ ህግደፍ ካብ ዝግለጸሎም ብዙሓት መምዘኒታት፡ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይ ንምሕባእ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታው ሓደ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ነዊሕ ግጉይ ተመኩሮታቱ ገዲፍካ፡ እቲ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያዊ መራሒ ሰልፊ ብልጽግና ዝምድና ክገብር እንከሎ፡  “ጸወታ ወያነ ደጊም ተወዲኡ” ዝበሎ ናይዚ ቀረባ ግዜ ናይ ኢድ ኣእታውነቱ  ህያው ኣብነት’ዩ።

ኣብ መንጎቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክሕቆን እንከሎ ጉጅለ ህግዲፍ ኣካሉ ከም ዝነበረ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ክሕቆን ዝጸንሕ፡ ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ውግእ ዓሪጉ። እቲ ካብ ቅድሙ ክሕንሕን ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ  ኣካልዚ ውግእ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ከም ናይ መጀመርያ ኢድ ኣእታውነቱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ክዓጥቕን ክሰንቕን እቲ ኣፍደገ ጋሕ ኢሉ ተኸፍተሉ። ንኹሉ ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታት ኤርትራ ክጥቀም ከኣ ምሉእ ዘይጐደሎ ዕድል ተዋሂብዎ። እዚ ከምቲ ብንጹር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብወግዒ ኣብ ቅድሚ ፓርላማኡ “ኤርትራ እንተዘይትህልወናስ እንታይ መኾንና?”  ዝበልዎ እምበር ብወረወረ ዝዝረብን ዝጸሓፍን ኣይኮነን።

እቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ቀጸለ፡ እቲ ኣብ ተዳሎ ዝጸንሐ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትዩ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ተሰሊፉ።  ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ናይ “ፈጺምካ ኣሉ” ባህሉ፡ ህልውናኡ ኣብቲ ውግእ ክፍለጠሉ ኣይደለየን። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገለ ኣካላት እቲ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ደንጽይዎም፡ ክሓብእዎ እንከልዉ፡ ነቲ ጉዳይ ሕልናኦም ዘይተቐበሎ ወገናት ግና ክእመኑ ተገዲዶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኖም ንዝተወሰነ ግዜ ከመኻንዩ ምስ ጸንሑ፡ ደሓር ግና “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ኣይተሓብእን” ኮይንዎም ተኣሚኖም። ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ከኣ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ውግእ ክወጽእ ምዃኑ ኣውጆም። ኢሳያስ ግና እቲ ኣበሃህላ ዘኾረዮ ብዝመስል ድምጹ ኣየስመዐን።

ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ዝተፈላለዩ ወገናት ተቓዊመሞ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዓንተውኡ፣ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ነቲ ኩነታት ኣብ ዝመዘነሉ “ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡  እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር ይጽውዕ” ብዝብል ስምዕታኡ ኣስፈረ።

እዚ ንሰራዊት ጥራይ ዘይግደፍ ምዃኑ ብምርዳእን  ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር ምዃኑ ብምግንዛብን  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣስዒቡ፡ “ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ዝበሎ ምስትብሃል’ውን ኣድላይን ኣገዳስን እዩ። ሰዲህኤ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጥራይ ኣይኮነን ዓገብ ኢሉ። ብዓብይኡ መፍትሒ ናይቲ ሎሚ ሰማይ ዓሩጉ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝምልከት እውን “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።”  እውን ኢሉ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ፡ ዝፍጽሞ ተግባራት ሓደገኛ ከም ዝኸውን ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ሰዲህኤ “.......... ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስ ዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለ ዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ  ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።”  ከኣ ኢሉ።

ኣብዚ እዋንዚ እዚ ጉዳይ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቲ ሰዲህኤ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቖ  ክብደት ወሲኹ ኣቕሪብዎስ እነሆ ኣዛራቢ ኮይኑ። እዚ ነቶም ሓድሽ ዝኾኖም ደኣ ይሕደሶ እምበር፡ ሰዲህኤስ  ኣቐዲሙ ዝኣመቶ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ካልእስ ይጽናሕ እሞ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዘይተነግረ እምበር  ዘይፈጸሞ ገበን የለን። እዚ ሎሚ ኣብ ትግራይ ይፍጽሞ ኣሎ ዝበሃል ከኣ ካብኡ መሊኡ ዝፈሰሰ’ዩ። እንተኾነ እቲ ገዛ ዓጽዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበናት ከምቲ ክብደቱ ሰማዒ እዝኒ ከይረኸበ’ዩ ጸኒሑ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ “ኩሉ ግዜ ፋሲካ” መሲልዎ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ከይተወዓውዐ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ስርሑ ሰሪሑ ክወጽእ ኢሉ እዩ ኣትዩ። እንተኾነ ውግእ ብናቱ መንገዲ እምበር ብናይ ተዋሳእቱ ድሌት ስለ ዘይውሰን፡ እነሆ ንሓጺር ግዜ ምስ ኣተወ፡  ካብቲ ባዕሉ ዝተሸኽሎ ኣይወጸን። ዓንዳሪ ተግባራቱ ኣብ ዓይኒ ሓያላት ኣትዩ ከኣ “ካብ ትግራይ ውጻእ፡ ኣብኡ ንዝፈጸምካዮ ገበናት ከኣ ተሓታቲ ኢኻ” ዝብል ደወል ድቃስ ከሊእዎ ኣሎ። እንተኾነ ከምቲ “በዚኣ እንተኸድሙ መርዓዊ ይሞተኩም፡ በቲኣ እንተኬድኩም ከኣ ሕጊ ይጠፍኣኩም” ዝበሃል ኮይንዎ፡ ኣየናይ ከም ዝመርጽ ጠፊእዎ የዕነኒ ኣሎ።

ደገፍቲ ህግደፍ፡ ቅድም ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን ክብሉ ፈቲኖም።  ተግባር ምስ ሰዓረ ግና ክእመኑ ተቐሲቦም። ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ትግራይ “ንጹሃት ይቐትልን ይደፍርን፡ ንብረት የዕኑን ይዘምትን ኣሎ” ምስ ተባህለ ከኣ ኣዕለቢጦም። እንተኾነ፡ ቅድም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ  ብዛዕባ ምዝማት ንብረት ክዛረቡ እንከለዉ ዝተጠልፈ ዘሕፍር ተግባሮም ተቓሊዑ። ነዚ ኣብቲ ውግእ ዝተማረኹ እውን ኣራጒደምዎ። ብዘይካዚ ናይቲ ህግደፍ “ናተይን መኻይደይን” ዝብሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ብዘካየዶ መጽናዕቲ “ኣብ ትግራይ 110 ሲቪል ንጹሃት ብሰራዊት ኤርትራ ተቐቲሎም” ዝብል ምስክርነቱ ሂቡ። ድሕሪዚ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦሞ፡ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል ደገፍቲ ህግደፍ እውን ነቲ ክዉን ክርዕምዎ ክግዱዳት እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ህይወት ኣሸሓት ኤርትራውያን የህልቕ ከም ዘሎ ዕሸል ኤርትራውያን ግዳያት ይምስክሩ ኣለዉ። እንተኾነ፡ ከምቲ “ንነዊት ጨነቖ፡ በቲ ዕርፊ ጠወቖ፡ በቲ ከኣ ኣርዑት ሓነቖ” ዝበሃል፡  ሓርቢትዎ ኣሎ። ኣብ ትግራይ እንተቐጸለ ክሳርኡ ክዛይድ እዩ። እንተወጸ እውን እንታይ ከም ዝስዕቦ ኣይፈልጥ እዩ። ስለዚ ካብ ትግራይ ናይ ዘይምውጻእ ምኽንያቱ  እዚ ምክሕሓድ’ውን ዘንጸላልዎ ዝመስል ኩነት እዩ።

30 ጉንቦት 2021, 09:07 EAT

ታሪኽ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

ታሪኽ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ንታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ካብ መጀመርታኡ ክሳብ መወዳእታኡ ብዕምቖት ከምዝፈልጦን፡ እዚ ታሪኽ ድማ ዓቢ ክፋል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምፍላጥ'ዩ ዝቝጸር።

ሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ ኣበርክቶታት ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ንዛንታ ተ.ሓ.ኤ. ኣዕሚቑ ብምትንታን ብመልክዕ መጽሓፍ ንኣበብቲ ብምቕራቡ'ዩ።

"ኣነ ምስክርነተይ ከቕርብ ከሎኹ" ይብል ኢብራሂም፡ "ነቶም ዝሓለፍኩዎን ዝተሳተፍኩዎን ተረኽቦታት ሓቀኛ መብርሂ ክህበሎም፣ ብተወሳኺ፡ ዘሎውን መጻእን ወለዶታት ንኽፈልጥዎን ክመሃርዎን፡ ባዕላቶም ድማ ክግምግምዎን መሰሎም ምዃኑ ብምእማን'የ ኣቕሪበዮ።"

ኢብራሂም ብ1964 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት (ተ.ሓ.ኤ) ተሰሊፉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ግንባር ተመዲቡ ድማ ዳርጋ ኣብ ኵሎም ንተ.ሓ.ኤ. ዝጸልዉኡ ኣኼባታትን ዉሳኔታትን ተራ ዝነበሮ ነባር ተጋዳላይ'ዩ።

ኢብራሂም ድሕሪ'ቲ ነዊሕ ጕዕዞ'ቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ኰይኑ ንኤርትራ ገጹ የማዕዱ ከም ዘሎ ብጾቱ ይነግርሉ። "ሎሚ ብዕድመ ደፊኡ፡ ብሕማም ተጠቒዑ ክነሱ ካብ ኤርትራ ርሒቑ ክነብር ንምንታይ መረጸ?" ንዚብል ሕቶ ክንምልስ ክንፍትን ኢና።

ፖርት ሱዳን ካብ ኤርትራ ርሑቕ ኣይኰነን። እንተ ኢብራሂም ግን፡ ከም'ቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበር፡ ንምንታይ ኣብ ምጽዳቕ ጸሓዩ ጌና ኣብ ዓዲ ስደት ይነብር ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።

ዕላል ምስ ኢብራሂም

ነዚ ዝነውሐ ዓመታት ህይወቱ ኣብ ቃልሲ ዜሕለፈ ተቓላሳይ ብጓሉ ፋጥና ኣቢልና ብስልኪ ምስ ረኸብናዮ፡ ተገዲሱ ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ንሕቶታትና ክምልስ ክምልስ ክኢሉ።

እቲ ዝርርብ ኣዝዩ መሳጢ፡ ብርክት ዝበሉ ሓያላት ሕቶታት'ውን ዜለዓዕል ነበረ። እንተ ንሱ ግን በቲ ዝላሕተተን ድኹም ዝዓቐኑን ድምጹ እናዕረፈ ሃዲኡ ክዛረብ ምስምዑ ንሕልና ጐርጓሪ ተመኵሮ ነበረ። ኵነታቱ ርኢና ድማ ንኣቀራርባና ገደብ ክንገብረሉ ኸኣ መረጽና።

"ንምንታይ ኣብ ሰማንያ ዕድሜኻ፡ እሞ ኸኣ ኣዚኻ ብሕማም ተጠቒዕካ ክነስኻ ካብ ኤርትራ ርሒቕካ ትነብር ኣሎኻ?" ንዚብል ሕቶ፡ "ኣነ ካብ ናይ ቃልሲ ብጾተይ ዝፍለየሉ ምኽንያት የብለይን፣ ንናጽነት ኤርትራ ብሓባር ተጋዲልና፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብጾትና ኸኣ ቀቢርና። ብጾተይ ዝሓሸ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ንክፍጠር ጌና ህርድግ ይብሉ ኣሎዉ። ብዕድመ ስለ ዝደፋእኩን ብሕማም ከኣ ስለ ዝተጠቃዕኩን ንቃልሲ ብጾተይ ኣብዚ ህሞት'ዚ ብኣካል'ኳ እንተዘይተሳተፍኩዎ ብሓሳበይን መርገጽየይን ጌና ምስኦም'የ፣ ነዚ እምነት'ዚ ጥሒሰ ንዓዲ ዘእቱ ምኽንያት ከቶ የብለይን" ይብል ኢብራሂም።

ብሓሳቡ ንድሕሪት ንኽንመልሶ፡ "መዓስ ኢኻ መሬት ኤርትራ ንመጠረስታ እዋን ረጊጽካ?" ንዚብል ሕቶ ኸኣ ብከምዚ ኣገባብ ይምልሶ ...

"ካብ ኤርትራ ብመጠረስታ 1981 ብእዋን ዉግእ ሓድሕድ ምስ ወጻእኩ'የ፣ 40 ዓመት ምዃኑ'ዩ" ይብል። ወሲኹ ድማ "ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ከማይ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ኤርትራ ርሒቖም ይነብሩ ኣሎዉ። ንምንታይ እንተ በልና ነዛ ንርእያ ዘሎና ኤርትራ ኢልና ኣይኰናን ዝተጋደልናን ንእስነትና ዝወፈናን። ኣብ ግዳም ምንባር ምርጫና ዘይኰነስ ዝሓሸ ኣማራጺ ስለ ዘይተፈጥረ'ዩ። ኵነታት ዝመሓየሸሉ እዋን ክመጽእ ከኣ ብጾተይ ብዓቕሞም ጌና ይሰርሑ ኣሎዉ" እናበለ ይዛረብ።

ኢብራሂም ዋላ'ኳ ብሕማም ምኽንያት ካብ ንጥፈታቱ ይገለል፡ ምዕባሌታት ካብ ምክትታል ኣየቋረጸን። ብጾቱ ኸኣ በብተራ እንዳደወሉ ኣመቱ ይገብሩ'ዮም። ስለዚ ብመንፈሱ ካብ'ቲ ቃልሲ ጨሪሱ ከም ዘይተገለለ ገይሩ'ዩ ዝገልጽ።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ ኢብራሂም

ርግጽ'ዩ ኢብራሂም፡ ከም ሰቡ፡ ብዛዕባ ዝተወልደሉ ዓዲ፡ ኣተዓባብይኡ፡ ስድርኡ እናዘከረ ይዛረብ'ዩ። ይዅን'ምበር ብዛዕባ ብጾቱን እቲ ዝሓለፈ መሪር ቃልሲ ክዛረብ'ምበር ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይመርጽን።

"ኣደይ ብንእሽተይ ስለ ዝሞተት ኣይዝክራን'የ" ይብል። ኣቦኡ ድማ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ኢብራሂም ኣብ ገድሊ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ'ዩ፡ ከም ዝሞቱ የዘንቱ።

"እንተ ብንእሽተይ ከሎኹ ዝነበሩኒ ናይ ሓንጎል ኣሳእል-ዓደይ ግን እናሃሰሱ ይኸዱ ምህላዎም ይፍለጠኒ። ዝበላዕኩዎን ዝሰተኽዎን ክንደይ ከይዝክረልካ ግናኸ ዝዓንደርኩሎም ሜዳታት ይዅኑ ዝሓኾርኩዎም እምባታት ዓደይ ጌና ይጽበዩኒ ምህላዎም ኣይስሕቶን፣ መታዓብይተይን ጎረባብተይን ብህይወቶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ ክምስክር ኣይኽእልን። ንሕብረተሰባት ኤርትራ ዜጓነፈ መከራ ቀሊል ኣይኰነን። እንተ እቲ ናፍቖት ዓደይ ግን ካብ ልበይን ቀልበይን ርሒቑ ኣይፈልጥን" ይብል ኢብራሂም።

ኢብራሂም ብ1942 ኣብ ሰሜናዊ ሳሕል'ዩ ተወሊዱ፣ ኣብቲ ዝተወልደሉ ገጠር ከም ተራ ሰብ፡ ብተራ ናብራ ከም ዝሓለፈ ይዛረብ። "ሃገራዊ ጻውዒት ምስ ኣርከበኒ ኸኣ ከም ሰበይ ተሰሊፈ" ኢሉ ብሓጺር ይምልሶ።

"ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ሜዳ ተሰሊፍካ?" ንዚብል ሕቶ፡ ድምጹ እናጠለሞ፡ ከምዚ ይብል፡ "ብጎበዘይ ኣብ ሱዳን ሰጊረሉ ዝነበርኩ እዋን ሓደ ኣባል ሰውራዊ መሪሕነት ክረኽበና ምስ መጸ መግለጺ ብዛዕባ ሃገራዊ ሓርነት ክህበና ይዝከረኒ። ኣነ ሽዑ ብዘይ ገለ ጥርጥር ነቲ ዘካፈለና ኣስተምህሮ ኣብ ልበይ ገይረ ንድሕሪት ቁሊሕ ከይበልኩ ንናጽነት ኤርትራ ክሰርሕ ጀመርኩ። እቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኸኣ ኣብ መጽሓፈይ ከም ዘስፈርኩዎ'ዩ" ብምባል ሓጺር መልሲ ሃበሉ።

"ኣብ ህይወትካ ዀነ ናይ ቃልሲ ጕዕዞኻ ዜሐብነካን ዜጣዕሰካን ነገራት'ዶ ምገለጽካልና?" ንዚብል ሕቶ ኸኣ ሰጋኣ ከይበለ "ንኤርትራ ስለ ዝተጋደልኩ ዜጣዕሰኒ ነገር ከቶ የለን፣ ብኣንጻሩ'ኳ ድኣ ሜዳ ኤርትራ ዘይርስዑ ብጾት ሂቡኒ ኢለ ክገልጾ እፈቱ። ሓቢርና ንሃገራዊ ናጽነት ተጋዲልና፣ ንኤርትራ ደምና ኣፍሲስና፡ ንዝተወግኡ ካብ ሓዊ ኣውጺእና፡ ንዝተሰውኡ ብጾትና ድማ ሓቢርና ቀቢርና። እቲ ብጻይነት'ቲ ዓቢ ጸጋ'ዩ፣ ዘይርሳዕ ጸጋ" ኢሉ ይገልጾ።

ብዛዕባ እዚ መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት ብምዝካር ኣብ ሓሳቡ ዝመጹ ጦብላሕታታት ከካፍለና ምስ ሓተትናዮ፡ "ዕላማ ቃልስና ሃገርና ናጻ ንምውጻእ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹላህና ዝሓቍፍ መንግስትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ንምትካል፡ ናትናን ብኣናን ዝተነድፈ ቅዋም ሒዝና ድማ ንቕድሚት ክንግስግስ'ዩ ነይሩ፣ ምሉእ ናጽነት ክመጽእ ኣሎዎ እብል፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ከም ዝመጽኣ ኣይጠራጠርን። ንህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ክምነየሉ'የ ዝደሊ ... ነቲ ዘሎን ዝሓለፈን " ክብል ንሕቶና መለሶ።

ኢብራሂም ብዓይኒ ብጾቱ

"ኢብራሂም ኣብ ፖለቲካ ዝወስዶም መርገጺታት ንጹር፣ ኣብ ኣመራርሕኡ ፍትሓዊ፣ ኣብ ተጋደልትን ስድራ-ተጋደልትን ዝነበሮ ርሕራሔ ድማ ኣዝዩ ልዑል ነበረ" ይብል ምስኡ ንሰላሳ ዓመታት ዝሰርሐ ብጻዩ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ።

"ነቲ ቅኑዕ'ዩ ኢሉ ዝኣምነሉ መስመር ከኣ ዋጋ ይኸፍለሉ ከም ዝነበረ እዝከረኒ" ክብል ወሰኸሉ። ደጊጋ ንኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ብቀረባ ስለ ዝፈልጦ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣስኒቑና'ዩ። ደጊጋ ኣብዚ እዋን ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.)።

መንግስትኣብ ኣስመሮም'ውን ብሸነኹ ንባህርያት ኢብራሂም ብልዑል ኣድናቖት'ዩ ዝምስክረሉ። ንምዃኑ መንግስትኣብ ኣቦ መንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኰይኑ ዘገልገለ ነባር ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ'ዩ። "ሓው ኢብራሂም፡ ከምዚ ሎሚ ሕማም ከየጥቅዖ፡ እሙን፡ መትከላዊ፡ ምቕሉል፡ ተባዕ መራሒ'ነይሩ። ከምኡ'ውን ናይ ካልኦት ርእይቶ ብትዕግስቲ ተገዲሱ ዝሰምዕ ባህርይ ነይሩዎ" ኢሉ ይገልጾ።

ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ኢብራሂም ዘሎዎ ኣኽብሮት ዕዙዝ'ዩ። ወልደሱስ ካብ ፈለማ ስሳታት ጀሚሩ ንነዊሕ እዋን ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ልዑል ተራ ዝነበሮ፡ ንሰውራዊት ባይቶ ኣብ ምህናጽ ከኣ ዓቢ ግደ ዝነበሮ ካድርን መራሕን'ዩ። "ኢብራሂም እቲ እሙንን መትከላውን ሰብኣይ" ኢሎም ተጋደልቲ ይጽውዕዎ ከም ዝነበሩ ይዝክር።

"ንሕና ኣብቲ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዘመሓድሮ ምምሕዳራት ቤት ጽሕፈቱ ስለ ዘገልገልና" ይብሉ እቶም ንመጽሓፉ ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጐሙ ሰለስተ ነባራት ተጋደልቲ፡ "ናቱ ናይ ምምራሕን ምምሕዳርን ብቕዓት፡ ሰውራዊ ስነ-ምግባሩ፡ መስተውዓልን ኣርሒቑ ዝሓስብን ተጋዳላይ ምንባሩ ኣርጊጽና እንፈልጦ ሓቂ'ዩ" ኢሎም ይምስክሩሉ። ንሳቶም ከኣ ድራር ማንታይ፡ ንጉሰ ጸጋይ፡ ፍስሃየ ሓጎስ ኢዮም።

ገለ-ገለ ኣበርክቶ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

ኢብራሂም ዝተሳተፎም ዓውድታት ምሕደራ ተ.ሓ.ኤ. ብዙሓት'ዮም። ንሰነዳት ተ.ሓ.ኤ. ገናጺሉ ንዜንብብ ሰብ ንስም ኢብራሂም ኣብ ኵሉ ገጻት'ዩ ዝረኽቦ። ኣብ ዓንኔላት ካድራት ከኣ ኣዝዩ ዉሩይን ጽቡቕ ስም ስለ ዝነበሮ ብዙሓት ከም ህርኩት ክልሰ-ሓሳበኛ ገይሮም ይርእይዎን የኽብርዎን ነበሩ።

ብዛዕባ ሓቀኛ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ዝፈልጡ ሰባት ብዙሓት ክነሶም ብዛዕባ'ቲ ዛንታ'ቲ ዝጸሓፉ ግን በጻብዕቲ ዝቝጸሩ'ዮም። "መብዝሕትኡ ዛንታ ተ.ሓ.ኤ ክሳብ ሕጂ ብዝንቡል ኣገባብ፡ ብህዝባዊ ግንባር'ዩ ክዝንቶ ጸኒሑ" ይብል ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ። "ኢብራሂም ግን ብተራ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሓደ ጽፉፍ ዛንታ ከቕርብ ብምኽኣሉ ክምስገን ይግባእ" ኢሉ ወሰኸሉ።

ንተስፋይ ደጊጋ ብኣበርክቶ ኢብራሂም ንክሕብረና ምስ ተወከስናዮ፡ ሰጋኣ ከይበለ ሰለስተ ነገራት ክረቍሕ ከኣለ። "እቲ ቀዳማይ ኣበርክቶኡ" ይብል ደጊጋ፡ "ኣብ ተ.ሓ.ኤ ዝተኸሰቱ ሓቅታት - ምዕባሌታትን ጻዕርታትን ድኻማትን - ከም ዝነበርዎ ኣቐሚጡ ንህልውን መጻእን ወለዶ ብመልክዕ መጽሓፍ ኣገዳሲ ዉርሻ ከበርክት ብምኽኣሉ እቲ ዝበለጸ ኣበርክቶኡ'ዩ እብል።"

"እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝሰርዖ ኣበርክቶኡ ድማ" ይብል ደጊጋ፡ "ኢብራሂም፡ ብ1975 ዝተኻየደ ጠቕላል ካልኣይ ጉባኤ ከም ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ሕብረተሰብኣዊ ጕዳያት ኰይኑ ስለ ዝተመርጸ፡ ንጽጉማት ተጋደልትን ስድራ-ቤቶምን፡ ብኵናት ዝጠፈሹ ሓረስቶትን ገባራትን ንምእላይን ሓገዝ ብውድብ መልክዕ ንክወሃብን ኣበርቲዑ ብምስርሑ ዘንት-እለት ቅጅል ከም ዝብለኒ ክምስክረሉ እደሊ፣ ሓላፍነት ሕብረተሰባዊ ጕድያት እንቋዕ ንኢብራሂም ተዋህቦ ዝበልኩሉ እዋን ነይሩ'ዩ። ርሕርሑን ሓላይን ባህርያት ስለ ዝነበሮ ነቲ ሓገዝ ንክሰራጮ ተጊሁ ዝሰርሐ ተጋዳላይ ምዃኑ ከቶ ክርሳዕ የብሉ" ኢሉ ይገልጽ።

"ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝሰርዖ ኣበርክቶኡ ድማ ድሕሪ ናጽነት ወድባት ኣብ ምሕባር፡ ንኪዳን እግሪ ንክተክል ዝጸዓረ፡ ብ2006 ንውድብና ካብ ግንባር ናብ ሰልፊ ንክልወጥ ዘበርከቶ ጻዕሪ፡ ኣብ መጠረስትኡ ድማ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ. (ሕብረት ሰለስተ ውድባት) ኣብ ምምስራት ዓቢ ግደ ነይሩዎ'ዩ" ይብል ደጊጋ። "እዚ ክብል ከሎኹ ግን ሓጺር ጸብጻብ ድኣ'የ ዘቕርብ ዘሎኹ'ምበር ኢብራሂም ኣብ ብዙሓት ሸነኻት ሰውራ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ በዚኦም ጥራይ ክግለጽ ፍትሓዊ ኣይኰነን" ኢሉ ወሰኸሉ።

መጽሓፍ ኢብራሂም

ምንጪ ስእሊ,D.M

ሓጺር ገምጋም መጽሓፉ

ኢብራሂም ነታ "ጕዕዞ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ" ዘርእስታ፡ ብ ነሓሰ 2009 ብቋንቋ ዓረብኛ ዘቕረባ፡ ብሓምለ 2019 ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት መጽሓፉ፡ ንኹሉ ሕልኽልኻት ሰውራ ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ'ያ።

ንኣጀማምራ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ብመሪሕነት መሓመድ ስዒድ ናውድ)፡ ስዒቡ ኸኣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ብመሪሕነት ኢድሪስ መሓመድ ኣደም) ንምርዳእ፣ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ብከመይን ብመንን ከም እተመስረተ፣ ኣሉታዊ ዉጽኢት ስርዓት ወተሃደራዊ ክፍልታት፣ ብዛዕባ ጉባኤ ኣዶብሓን ዉጽኢቱን፣ ዉግእ ሓድሕድ፣ ንዕርቂ ዉድባት ዝተኻየዱ ጻዕርታት ... ወዘተ. ብተርታ ኣቕሪቡዎም ኣሎ።

እቲ ሓተታ ቀጺሉ እቶም ዝሰዓቡ ምፍንጫላት፡ ዉጽኢታት 1ይን 2ይን ሃገራዊ ውድባት፣ ዉሽጣዊ ኵነታት ተ.ሓ.ኤ.፣ ብ1974 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መፈንቅለ መንግስትን ሳዕቤናቱን፣ ኣብ ኤርትራ ብደርጊ ዝተኻየዱ ወራራት፣ ውግእ ሓድሕድ መሊሱ ክባራዕ፡ ኣብ መጠረስታኡ ድማ ብ1980-1981 ምስ ሻዕብያ ዝተኻየደ ግጥም፣ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሱዳን ምእታውን እቶም ስዒቦም ዝመጹ ዕልዋታትን ምንባብ ዜሕዝኑ ፍጻሜታት ከም ዝነበሩ ንኣባቢ ይገሃድሉ።

ኢብራሂም ዘቐረቦ መጽሓፍ ንተመራመርቲ ታሪኽ ኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብርክቶ'ዩ። ንኤርትራ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተሰግሩ ዕንቅፋታት፡ ኣብ ሓድሕድ ዉግኣት ዜብጽሑ ጠንቅታት፡ ንቃልሲ ዘዳኸሙ ዉዲታት፡ ጌና ዘይሓወዩ በሰላታት ምንባብ እቶም ዜሕዝኑ ሸናኻት ታሪኽ ኤርትራ ምዃኖም ኣርእዩና ኣሎ።

Source=ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ዕምሩ-ምሉእ ኣብ ገድልን ስደትን ዘሕለፈ ኤርትራዊ - BBC News ትግርኛ

 

24 ጉንቦት 2021

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ,REUTERS

ኢትዮጵያ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ እገዳ፡ "ግቡእ ዘይኮነ ጸቕጢ" እዩ ብምባል ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብደተደጋጋሚ ሻቕሎቱ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን እገዳ መገሻ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ እትሸባሸበሉ እዋን ዝተወስደ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምስ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሃናጺ ዝኾነ ክልተኣዊ ዝምድና ንምምስራት ኣብ ዝስራሓሉ ዘሎ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ግጉይ መልእኽቲ ዘሕልፍ'ዩ ኢሉ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ብግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጥቕዓታትን ግፍዕታትን ይሳቐይ ኣሎ፤ ብህጹጽ ዘድልዩ ሰብኣዊ ረድኤት ከኣ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት መሕለፊ ይእገዱ ኣለዉ” ክብል ኣረዲኡ።

“ማሕበረሰብ ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ ዝወስደሉ እዋን እዩ” ዝበለ እቲ መግለጺ፤ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ወይ ነባራት ሰበስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ኤራትራን እገዳ መገሻ (ቪዛ) ከምዝተነበረ ሓቢሩ።

ስርዑን ዘይስሩዕን ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ከምኡ’ውን ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝርከብዎም ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ውልቀሰባትን እውን መገሽኦም በቲ እገዳ ክግደብ’ዩ።

እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንምህዳእ ዝቐረበ ፍታሕ ክቕበሉ ወይ ክተሓባበሩ ቅሩባት ዘይኮኑ ኣካላት ዝተደንገገ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ’ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮነን

ምንጪ ስእሊ,MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ,

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮነን

“ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓመጻትን ጥቕዓታትን ዝፈጸሙ ከምኡ’ውን ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዛት ከይኣትው ዝኸልከሉ ዘተኣጓጎሉ ዘጠቓልል’ዩ” ይብል መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ።

ብተወሳኺ ድማ ምስቶም ሰባት ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎም ኣባላት ቤተሰብ በቲ እገዳታት ከምዝሕጸሩ ተፈሊጡ።

“ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ዝቐረበ ሐሳብ ቅቡል ብዘይምግባር ሓላፍነት ዝወስዱ ኩሎም ካብ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ተወሰኽቲ ስጉምትታት ይጸበዩ” ኢሉ’ሎ።

ካልኦት መንግስታት እውን ነዞም ስጉምትታት ክወስዱ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረ ቁጠባውን ጸጥታውን ደገፋት ሰፋሕቲ ገደባት ከምዘቐመጠ ይሕብር። እዚ ድማ ንፖሊሲ ቑጽጽር ወተሃደራዊ ንግዲ ግብራዊ ዝገብር ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

“እቲ ኣብ ልዕሊ ንኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ሓገዛት ብዝምልከት ተነቢሩ ዝጸንሐ ሰፊሕ እገዳታት ድማ ብዝነበሮ ክቕጽል’ዩ” ክብል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኲናት ከኣ ዘተኣማመን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበር ደጊሙ ዝጸውዐ መንግስቲ ኣሜሪካ “ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ኮነ ኢትዮጵያውያን ኣብዚ እዋን ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምክፍፋላት ብዕርቅን ዝርርብን ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕርታት ንምድጋፍ ቅሩባት ኢና” ክብል ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን "ኣሸባሪ ተባሂሉ ምስ ዝሰየመ ህወሓት ምዝርራብ ከም ዘይክኣል ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ" ክብል'ውን፡ ነቲ ንግጭት ትግራይ ንምፍታሕ ብኣመሪካ ዝቐረበ ጻውዒት ሰላማዊ ፍታሕ ከምዘይቅበሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኔት ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተጻብኦታት ጠጠው ክብልን መንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራቱ ብቕልጡፍ ከውጽእን ዝብል ውሳነ ምሕላፉ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጽኡ ገለ ሰልፈኛታት “ካብ ኢትዮጵያ ኢድኩም ኣልዕሉ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም ተቓውሞ ምስመዖም ድማ ይዝከር።

ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ

ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝተወለዓሉ እዋን ጀሚሩ ብኣሽሓት ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ካልኦት ብዙሓት ከኣ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎምን ተሰዲዶምን።

ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ኣካላት ድማ በቶም ዝፍጸሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ብኲናት ትህሰ ዘላ ትግራይ ሲቪል ዜጋታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝፈነውዎ "መጥቃዕቲ ኬሚካለዊ ኣጽዋር ግዳያት ኮይኖም" ንዝብል ነጺጉ'ሎ።

እንግሊዛዊ ጋዜጣ ቴሌግራፍ ኣብ ዘቃልሖ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ኣካላቶም ብጻዕዳ ፎስፎሮስ ነዲዱ ኣብ ስቓይ ከምዝርከቡ ሓቢሩ ነይሩ።

ጸብጻብ ቴሌግራፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንበሪ ገዝኣ ዝተወቕዐ ሓንቲ ቆልዓ 13 ዓመት ኣካላታ ነዲዱ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምእትርከብን ሓንቲ ካብ ሞንጎ ግዳያት ምዃናን ኣመልኪቱ።

እቲ ኬሚካል ኣብ ዓውደ ውግእ ምጥቃም'ኳ ዝከኣል እንተኾነ ኣንጻር ሲቪላት ኣብ ረብሓ ምውዓል ግን ከም ገበን ኲናት'ዩ ዝቑጸር።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ንዓና ኤርትራውያን ካብ ኲለን መዓልታት ልዑል ክብሪ ኣለዋ። ንዂሉ መግዛእቲ ኣብ ጎሓፍ ደርብያ። ስዒበን ዝመጻ መዓልታት: ሰሙናት: ዓመታትን ዘመናትን ታሪኽ ክብርን ሓበንን ምዕባለን ከስምዓ ደገ ዝኸፈተት: ብርሃን ዘጓነጸፈት ክነሳ: ብሰንኪ ጠላማት መራሕቲ ህግደፍ ስውኣትና ዘይሓለምዎ: ብህይወት ዘለና ዘይተጸበናዮ ከሰል ኣምሲሎም ንውቃበኣ ኣደዊኖማ ኣለው።

ቅድሚ 30 ዓመት ዝነበረት ወጋሕታ ዕለት 24 ግንቦት ዝተሃርመት ነጋሪት: ኣብ እዝኒ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ጋሻ ነይራ። ብዙሓት ኣብ ጒዳይ ኣርትራ ሓሳባቶም ተዛቢዑ ኣእምሮኦም ብትምክሕቲ ሰኺሩ: ዝዓጠቐን ንዝመከተን ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዝሒ ብረትን ሓጺንን ብምእማን ንቖራጽነትን ውሳኔ ህዝባ ንነጻነትን ልዑላውነት ኤርትራ ከስትብህሉ ዘይከኣሉ መልሓሶም ኣሓይኻ።

ግንቦት 24 ብንቕሓት ዝዓጠቕን ንዝመከተን ሓርነታዊ ህዝባዊ ቃልሲ ንድሕሪት ዝገትእ የለን ዝብል ፍልስፍና ኣብነት ብምዃን: ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ኣኽሊል ወርቂ ነጻነት ኣብ ክብ ዝበለ መዓርግ ከተደይብ ዝበቕዐት`ያ። እዛ ዕለት`´ዚኣ መቓልሓን መኣዛ ክብራን ኣብ ዶባት ኤርትራ ከይተሓጽረ፣ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ኣፍሪቃን ዓለምን ተንበልብል ኣላ። ኤርትራ ኣባል ኣፍሪቃን ዓለምን ኮይና ተፈሊጣ። እዚ ቅድሚ 30 ዓመት ኣይነበረን። እቲ ክብሪ ግን ብሰንኪ ጻሕተርቲ ሕሰምን ዓመጽን ኣባልነታ ኣብ ዓለም ኣርስሖም ንስማ ኣባላሽየሞ ኣለው።

ኣብቲ ብለይትን ቀትርን ዝርገጽ ዘሎ ጎደናታት ኤርትራ: ኣብቲ ሓረስታይን ጓሳን ዝባኑ ቀሊዑ ከፍርየሉ ዝነበሮ ግርሁን ጎላጒልን ጎቦታትን ስንጭሮታትን: ሰላምን ዕረፍትን ተሓሪሞም ጥቕምን ርብሓ ምልክን ህግደፋውያን ንምሕላው ኣብ መዓስከራትን ድፋዓትን ተዳጒኖም ባርነታዊ ህይወት የሕልፉ ኣለው። ህዝቢ ኤርትራ ዘይግብኦ መከራን ሕሰምን ”ብደቁ ኢና” ዝብሉ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ኢዩ ረኺቡ። መግዛእታዊ ዘመናት ሓሊፉን ተሰጊሩን ኤርትራዊ ናይ መሬቱን ንብረቱን ጎይታ ክኸውን ተጸብዩ። እዚ ተርፉ ነታ ዘላቶ ህይወት እውን ዋሕስነትን ቅሳነትን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ተጻጢሑ ይርከብ። ሽምገለታት ኣምዑቶም ብጓሂ ሓሪሩ መርጎሞም ንህግደፋውያን ንሰማያት የዕርጉ ኣለው።

ክብሪ ንዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት! ኣታ ብህይወት ዘለኻ ኤርትራዊ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዕድለኛ ኢኻ ዝበሃለሉ ግዜ ኢና ከነብዕል ነይሩና። እንተኾነ ብሰንኪ ጨካንን ትምክሕታውን ፖለቲካ እቲ ከይሲ መላኺ: መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምስዳዶምን ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርን ምደረበዳን ይጥሕሉን መላገጺ ድሑራት ስሱዓት ናይ ዘመንና ማፍያ ይኾኑ ምህላዎም፣ ነዚ ዝተገንዘበት ዓለም ብሰንኪ እዞም ሰብ ጸሊም ታሪኽ መመሰል ጉዕዙይ ምልካውነት ገይሮማ ኣለው።

እታ መሬት ሳዕሪ እኽሊ ካልእ ኲሉ ህይወት ዘለዎ ከተብቊል: ከተዕብን ክትምግብን ተጸብያ። ታሪኽ ጀጋኑኣ ክትዝክርን ከተኽብርን ሓወልቲ ስውኣታ ክትከልን ነይሩዋ። ኣብ ከርሳ ዝርከብ ማዕድናት ፍሒራ ስንኩላታ ክትኣሊ: ደቃ ከተምህር ህዝባ ሓቑፋ ክትሕብሕብ ሓሊማ። ገማግም ባሕራን ወደባትን ኣውቂባ: ንዓለምን ህዝብታታን ከተጋይሽ ነይሩዋ። ብሰንኪ`ዚ ሰራም ፍጡራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ግን: ኣብ ክንዲ ሰላምን ምዕባለን ትዕድም: ኤርትራ ውግእን ወረ ውግእን: ጥሜትን ዕርቃንን: ጽምእን ሕማምን ኰይና ኣላ። ኤርትራ ናይ ውሽጣ ሽግር ከይኣኽላ: በቲ ዘየቋርጽ ናይ ጥፍኣት ዕጣቑ ተሰንዩ ሕማቕ ታሪኽ ዕዳ ጒርብትና ድሕሪኡ ገዲፉ ዕምሩ ከቃላጥፍ ይሃልል ኣሎ። ነዚ ናብ ሕውነትን ሰናይ ጒርብትናን ምሕዝነትን ቀይርዎ። ድልየት እንተ ገርኩም እቲ መገዲ ክመርሓኩም ኢዩ።

ኣብ ከርሲ እዛ መሬት 100ሺሕ ስውኣት ኣለው። ግንቦት 24 እትዛረቦን ትነግሮን: ክብረይ ኣብኦም ዝተሰረተ`ዩሞ ዝበልዎን ዝወደቕሉን ዕላማ ዘክሩ ክትብል ምስቶም ሓርነታውያን ደለይቲ ፍትሕን ማዕርነትን ድምጻ ዓው ኣቢላ ትድሀ ኣላ። ነቶም ዘሕለፍክዎም ደቀይ ኣሰሮም ተኸቲልኩም ዝኽሮም ሰንደቕ ዕላማኹም ገርኩም: ኣገባብ ፖለቲካኹም ይጸብቕ: ጌጋታትኩም ይተኣረም: ብሕግን ቅዋምን ተሰርዑ፣ መገዲ ጥፍኣትን ዛረጊ ቅዲ ምልካውነት ቅበሩ። ሕጊ ዘይክተል ብዘይ ሕጊ´ዩ ዝጠፍእ ዝበሉ ደቀይ ኣብ ጸልማት ጋህስታት ይሳቐዩን ይሞቱን ንዘለው ዘኪርኩም ናይ ሓባር መደብ ሓርነት ሓንጽጹ። ነዚ ሎሚ ንዕለተይ ደዊኑ ዘሎ ኣቦ ጸልማትን ሓሶትን መልኣከ ሞት ጒሒፍኩም ብብርሃን ሓድነትን ማዕርነትን ስዒርኩም ክትክእዎ ኣጻብዕ ሓድነት እሰሩ። እቶም ብረት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ብኤርትራዊ ደው ይበል ዝበሉ: ኑዛዜኦም ንህዝቢ ዝገለጹ ኣብነት ኰይኖም  ምስክረይ ዝዀኑ: በዚ እኩይ ጥልመት ዝዕጣቑ ዳጒንዎም ዘሎ ንዓይነይ ዘየቋርጽ መሪር ትኪ ኰይኑኒ ምህላው ዘክሩ።

ናይዛ ዕለተይ ዜናን መቓልሕን ክስማዕ ከሎ ክልተ ቃና ኣለዎ። እቲ ሓደ ትዕቢት ጎልያድ ኰይኑ ንደቀይ ዝኸፋፈለን ዝምቆሐን ኢዩ። እቲ ካልእ ቃና ንስመይ ቅኑዕ ስም ቦታ ሓርነት ሂቡ: ፍትሕን ደሞክራስን ኣስፊሑ: ኣብ ትሕቲ ሉዑላውነተይ ዘጽልል ኢዩ። ጽላለይ፣ ቁዋማዊ ሰርዓተይ መዕቆብ ኩሉኹም ደቀይ ደቂ ዕለተይ ኢኹም። ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኩም ዘለው ሰማእታት ደቅኹምን ኣሕዋትኩምን ኣቦታትኩምን ባህ ክብሎምሲ: ንሰላምን ሓውነትን ሕሰቡ። መብጽዕኦም ክሕደስ ቃል-ኪዳን እሰሩን ስርሑን። ስውኣትን ስንኩላትን ደቀይ ነዞም ናይ ግዚኡ ኣጋንንቲ ኣይተሰውኡን ኣይሰንከሉን። ንሳቶምሲ ንዳሕራይ ወለዶ ዝኸውን ታሪኽ መንነት ንልዑላውነተይ እዮም መሰረት ሰሪቶም። ነዚ ሕድር´ዚ ብቑዓት ኮንኩም ክትርከቡ ትኽእሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ልዕልናይ ምስ እትእከቡ ኢዩ። ጒዕዞኹም ጸበባን መከራን: ምስጓጒን ምጽላምን ኣለዎ። ድሕሪ ጽቓይ ራህዋ ከም ዝህልዎኩም ግን ጭቡጥ ግበርዎ።

ኣብ ትሕቲ ልዑላውነተይ ኣጽሊልኩም ድላይኩም እመኑ። ኣብ ዝመረጽኩሞ ተጠርነፉ። እዚ ክትውለዱ ከሎኹም ኣትሒዙ ዝተዓደለኩም ዘይትንከፍ ብጹእ ህያብ ኢዩ። ኲሉ ግዜ ግን ብዘተን ምይይጥን ኣሰንይዎ። ኣነ ንኹሉኹምን ምስ ኩሉኹምን ኢየ። ንነብሲ ወከፍኩም ብሓደ ዓይኒ ኢየ ዝርእየኩም። ንስኹም`ውን ተኻባቢርኩም ብማዕርነት ተሓቛቖፉ። እዚ እንተገርኩም ጸላኢኹም ክትስዕሩ ኢኹም። ንሱ እቲ ስሱዕ ምስ ጠፍአ ድማ ኩሉ ምዕባለ ክትጓናጸፉ ኢኹም። ከመይሲ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ንኹሉኹም ዝኣክል ምንጪ ሃብቲ ኣሎኒ።

ኣነ 24 ግንቦት ክሳብ ሎሚ ደው ክብል ዝኸኣልኩ ኣብ ትሕቲ መሬተይ ዘለውን ምስ ቃንዝኦም ብህይወት ዘለውን ደቀይ ኣንጊሆም ስለዝተባራበሩለይ ኢዩ። ዝተኸልዎ ዕላማ ብዂሉ ይተሓሎ። እቲ ዕማም ፍስሃ ሓርነት ጀሚርኩሞ ኣለኹም። እቲ ዕላማ ክብጻሕ ድማ ተጊህኩም ስርሑ። ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጒዕዞ ከም ዘለኩም ካብ ምግንዛብ ኣይትሰልክዩ።

ባዛዕባቶም ቀደም በቲ ቀዳማይ ጸላኢ ዘርምዘርሞ ዝኣተዎም ደቀይ ብዙሕየ ዘስቆርቊር። ቅድሚ 30 ዓመት ደው ካብ ዝብል ኣትሒዘ ኢደይ ዘርጊሐ ንዑ ክብል ምስ ጀምርኩ: እቲ ርኹስ ናይ ውሽጢ ጸላኢ ንዝርጉሕ ዓዳሚ ኢደይ ስለ ዝዓንቀፎን ወሲኹ እውን ስለዘግደዶን ብማዕዶ ከም እንርአአ ገይሩና ኣሎ። ግሉጹን ዘይተገልጸን ናፍቖቶም ኣብ ውሽጦም ኰይኑ ክሕይኾም ከሎ ንቖላሕታይ ይመሮ ኢዩ። ኣውራኳ ብዛዕባ ዝወልድዎምን ቀጺሎም ዝውለዱን ብዙሕየ ዝሓስብ። ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩኹም ከኣ እቲ ሕሱም ናይ ውሽጢ ጸላኢ ንሱ ከይኣኽሎ: ምሳይ ዝጸንሑን ኣብ ልዕልነተይ ዝተወልዱን ኣብ ምብታኖም ይታናዀል ኣሎ። ካብ ባሕሪ ከብደይ ዝወጸ መርገም ግን ኣይከስሮርንዩ`ሞ ርግኡ። ምሳኹም ምስ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለኹም ኣኽበርቲ ሉዑላውነተይ ድማ ልበይ እሱር ኢዩ።

ዝኸበርኩም ደቀይ ደቂ ግንቦት 24! ኣነ ብዝንተ ሞጎት ዝተሰኔኹ ኢየ። ካብቲ መሪር ጓህየይ ንዓኹም ምርካበይ ተስፋይ ዓቢ ኢዩ። ሎሚ 24 ግንቦት ዕለተይ ስለዝኾነት ኩሉኹም ብኣይ ሕሰቡ። ዝተኸፍተ ባብ ነጻነት መሊሱ ከይግፍተን ዕጥቁኹም ኣጽንዑ። ካብዚ ጒሒላ ተጠንቀቑ። ኣብዛ ዕለተይ ብዝገብሮ ዳንኬራ ሓሶት እይትተሃመሉ። ቁስለይ ዝጐድእ ጓይላ ካብ ምግባር መዝሙር ሽሕጣን ካብ ምዝማር ደው ኣይክብልንዩ። እዚ ግን እቲ ግዳማዊ ናይ ሞቱ ዋዜማ ኢዩ። ኣብቲ ዕያግ ርስሓቱ ዝሕንብሱ ተረፍ ኣለው። ብኣዳናጋሪ መናውርኡ ዝኣሰሮምን ከም ጣኦት ዘምልኽዎን ውሑዳት ኣለውዎ። ልቦም ዝሰረቖም ብጣዕሳ ሕኒን ዝብሉ ኣብ ውሽጡ ከም ዘለውኒ ኣይትርስዑ። ናይ ምትእስሳርኩም ግዜ ድማ ርሑቕ ኣይኮነን።

ክሳብ ትመጽእ ዕለተይ ደሓን ኩኑ።