ናይ መደበር ተለቪዥን ኢሪሳት ዩቱብ ቻናል፡ ምስ ተግባራት ሰርሰርቲ ብዝተተሓሓዘ ከምዝተዓጽወ ኣካየድቲ ናይታ መደበር ኣፍሊጦም። ናይዛ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበራ ማዕከን ዜና ኣካየድቲ ከም ዝበልዎ፡ እቶም ናይ መርበብ ጉሓሉ ነቲ ኣካየድቲ ኤሪሳት ክጥቀመሉ ዝጸንሑ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ብመንገዲ ናይ ኣዳለውቱ መስመራት ብምእታው፡ ዘየድሊ ትሕዝቶታት ብምፍናው፡ እቲ ዩቱብ ክዓጽዎ ከምዝገበሩ ገሊጾም። እንተኾነ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ናይቶም ሰርሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ቀልጢፍካ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ኤሪሳት ሓቢራ።
"በዚ መሰረት ምእንቲ ነቲ ቻነል ምሉእ ብምሉእ ከይድምስስዎ፡ ነቲ መፍትሕ (pssword) ናይቲ ቻነል ቀይሮም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ክሳራ ከም ዝንኪ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም። እንተኾነ፡ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ምዕጻው ናይቲ ቻነል ለስዘኸተለ፡ ካልእ መደባቶም ዝፍንውሉ መስመር ከናድዩ ኣገዲድዎም ከም ዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኤሪሳት፡ ጥርዓና ናብ ትካል ዩቱብ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ። ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ ምስ ትካል ዩቱብ ይጸሓሓፉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ ክኸፍትሎም ኣብ ትጽቢት ከምዘለዉ ገሊጹ።
ክሳዕ'ቲ ኩነታት መፍትሒ ዝረክብ፡ ብካልኣይ ቻነል ፈነወታት ምዝርጋሕ ከምዝቐጸሉ እቶም ኣካየድቲ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ገበን ብመን ከም ዝተፈጸመኳ እንተዘይተገለጸ፡ እቲ ስጉምቲ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ዝተወስደ ምዃኑ እታ ትካል ገሊጻ። ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዝጀመረት ተለቪዢን ኤሪሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ዓፋርን ብሌንን ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ፈነወ ተካይድ እያ። ኣድሚ ሕጂ ብወግዒ ስራሕ ድሕሪ ምጅማራ ዓፈና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን፡ ዳግማይ ኣብ 2019 ናብ ፈነወ ከምዝተመልሰትን ከኣ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ነቲ ተለቪዥን ክከታተል ዘይክኣለ ህዝቢ ንምብጻሕ ፈነወ ሬድዮ ብሓጺር ማዕበል ከምዝጀመሩ ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ናጻ ፕረስ ስለዝኣገደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ብሕቲ ትካላት ሜድያ እየን ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትድምጺ ህዝበን ኮይነን ዘለዋ።
ስደተኛታት: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም
Saturday, 22 January 2022 18:14 Written by BBCስደተኛታት: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO
ኣለም ተስፋይ (ጸጋም) ክብሮም ኣድሓኖምን (የማን)
ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ተሰጋጊሮም።
እዞም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተብሃሉ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2014 ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ካናዳ፡ ከተማ ቶሮንቶ ከምዝኣተዉ ንጉዳዮም ብቐረባ ክከታተሎ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ግሎባል ባይቶ ይኣከል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ግብጺ ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ሰብመዚ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትጥርዝዎም ምሉእ ምድላዋት'ኳ ወዲኦም እንተነበሩ፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጎስጓስ ካብ ምጥራዝ ከምዝድሓኑ ተገሊጹ።
ኣብቲ እዋን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከይተረፈ ኣለምን ክብሮምን ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ንመንግስቲ ግብጺ ምምሕጻኑ ይዝከር።
ግሎባል ባይቶ ይኣክል ንምፍታሕ እዞም እሱራት ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ"ነቲ ህዝብና ዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕርታት፣ ብማሕበራዊ መዲያ፣ ብትዊተር፣ ብተፈላለዩ ጽሑፋት፣ ብሰላማዊ ሰልፊ፣ ብገንዘባዊ ልግሲ: ወዘተረፈ፣ ግዜኹም ከይቆጠብኩም ጂባኹም ከይበቐቕኩም ንዝገበርክሞ ኣስተዋጽኦ፣ ብሽም ኣለም ተስፋይን ኪብሮም ኣድሐኖምን፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ,ERITREAN COMMUNITY IN TORONTO
እቶም ስደተኛታት ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን
እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ብመሰረት ሕጋጋት ካናዳ ንዝተወሰነ መዓልታት ተወሺቦም ከምዝጸንሑ ብምግላጽ "ምስጋና ንምሃብ ክሳብ ዝኽእሉ፣ ኩሉኹም መዓከናት ዜና ንኽትዕገሱና ብትሕትና ንሐትት" ይብል።
ኣለምን ክብሮምን ናብ ካናዳ ንኽሰጋገሩ፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዝርከቡ ኤሪትራውያን ማሕበረ ኮም፣ ከምኡውን 'ንሪሰትለመንት' ንዝምልከት ፍቓድ፣ ካናዳውያን ዩኒታሪያን ካውንሲል፡ ምስ ኤሪትራውያን ማሕበር ቶሮንቶ ልዑል ጻዕሪ ከምዝግበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣለም ተስፋይን ክብሮም፡ ክልቲኦም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም፡ ኣለም ኣብ 2012 ክብሮም ኸኣ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን እንተኾነ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘየለ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ።
ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ጸብጻባት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ,AMNESTY INTERNATIONAL
ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቁን ግዳይ ሞት፡ ጾታዊ-ዓመጽን ጭውያን ከምዝኾኑ ይንገር።
ላለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ብሰንኪ ስእነት ሕክምና 20 ከም ዝሞቱ ብ21 ጥሪ 2022 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዜና ከም ዝተጠቕሰ ኣብቲ መደበራት ዘሎ ክልኒክ ዝነበሮ መድሃኒት ስለ ዝተወደአ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ 2022 ንደሓር ተዓጽዩ እዩ።
ኣብቲ መደበራት ነዳዲ ስለ ዘየለ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርካብ ቡንባ ንምጥቃም ኮነ፡ ካብ ካልእ ቦታ ምምጻእ ኣይተኻእለን ኢሉ። ብሰንክዚ ድማ እቶም ስደተኛታት ቀልጢፉ ካብ ዝነጽፍ ወሓዚ ክትቀሙ ከም ዝተገደዱን እቲ ዝሰትይዎ ማይ ጠንቂ ናይ ሕማማት ይኸውን ኣሎ ኢሉ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለጺኡ በቲ ኩነታት ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ፡ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ተዓጊቶም ዝጸንሑ፡ ሰራሕተኛታቱ ድሕሪቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብቲ መደበራትን ከባቢኡን ዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ኣብ መጀመርታዚ ሰሙን ናብቲ መደበራት ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ። እቶም ናብቲ መደበራት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኮሚሽን፡ ስደተኛታት ብስእነት መግቢ ኣዝዮም ተጸጊሞም መግብን መድሃኒትን ንምርካብ ክጭነቑ ከም ዝጸንሕዎም ብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ናብቲ መደበራት ስሩዕ ቀረብ ምቕራብ ተሪፉስ፡ ዝለዕለ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኣብ ዘሻቕለሉ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ጠቒሱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ዝነበረ ዕቑር መግቢ ስለ ዝተወደአ ምዃኑ ተፈሊጡ። ከምዚ ብምዃኑ እቶም ስደተኛታት መዕንገሊ መግቢ ንምርካብ ክዳውንቶምን ካልእ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ንብረትን ክሸጡ ከም ዝተገደዱ እውን ተጠቒሱ።
ናብዘን መደበራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሊ ነገራት ምቕራብ፡ ብሰንክቲ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሐ ኩነታት ኣጸጋሚ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ከም ዝገበረ ኣብቲ ጋዜጥዊ መግለጺ ሰፊሩ። እቲ ኣብቲ መደበራት ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ኣካል ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ሚሊዮናት ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባል ምዃኑ እውን እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽ፡ ነቶም ኣብቲ መደበራት ዘለዉ ኣስታት 25 ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ናብ ዝተዳለወ ሓደሽ ውሑስ መደበር ንምግዓዝ ዘኽእል፡ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ንክውሰድ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ኣብዚ ናይ 21 ጥሪ 2022 ጋዜጣዊ መግለጺኡ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ወይ ናብቲ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ መደበር ክወስድዎም ወይ ድማ ኣብዚ ዘለዉዎ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ሕክምናን ከቕርብሎም እንተዘይክኢሎም፡ ዝያዳ ሰደተኛታት ክሞቱ እዮም ኢሉ። በዚ መሰረት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ወገናት ሲቪላት ክሕልዉን ሰብኣዊ መሰልን መባእታዊ ናጽነታት ናይ ሰባትን ንክኽብሩ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። “ስደተኛታት በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ጅሆ ክተሓዙ ኣይግባእን” እውን ኢሉ።
ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታህ ኣል ቡርሃን፡ ብ19 ጥሪ 2022 ኣብ ክሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሰርሕ ናይ ሚኒስተራት ተግባር ዘካይድ ካቢነ ከም ዘቖመ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።
ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (ሱና)፡ ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ዝተፈልየ ጸብጻብ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ንዋና ጸሓፊ ናይቲ ካቢነት ዑስማን ዑመር ሓሰን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርነት መዝነት ከምዝሃቦ ጠቒሳ። እታ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን እዚ ውሳነታት ቀጻሊ ምርጫ ኣብ ምድላው ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢራ።
ምስቲ ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ዝሰርሕ ኣካል’ቲ ሃገራዊ ቻርተር ብወገኑ፡ ብዝተፈላለዩ መግለጽታቱ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣልቡርሃንን ምክትሉ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሀመቲ)ን ምስቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ጸሓፊ ዝተመዘዙ ኣባላት ካቢነ ኣኼባ ኣካይዶም፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታትን ግደ እቲ ካቢነ ኣብ ምህዳእ እቲ ናይ ቅልውላውን ኩነታትን ብዝምልከት ኣብሪሀምሎም።
ኣብቲ ኣኼባ ንሱዳን ካብቲ ዘላቶ ዘሻቕል ኩነታት ንምውጻእን ፍትሓዊ ምርጫ ተኻይዱ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሳብ ዝርከብን ብዛዕባ ዘድሊ ሓያል ስራሕን ጻዕርን ከም ዝተሰማምዑ ከኣ፡ ኣብዚ ሓደሽ ካቢነ ተጠባባቒ ሚኒስተር ዜና ናስር ኣልዲን ኣሕመድ መሓመድ ገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዚ ሓድሽ መሰጋገሪ ካቢነ፡ ናይ 2022 በጀት ከም ዘጽደቐ እቲ ተጠባባቒ ሓላፊ ዜና መሓመድ ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ ከም ዝበሎ፡ እቲ ዝጸደቐ በጀት ንመዳያት፡ ጸጥታ፡ ናይ ወጻኢ ዝምድናን ዲሞክራስያዊ ምርጫን ዝምልከት እዩ።
ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብ2 ጥሪ 2022 ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝሰሓበ ይዝከር። ንሱ ነዚ ካብ መዝነቱ ናይ ምውራድ ውሳነ ዝወሰነ፡ ነቲ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝተፈጥረ ደማዊ ጐንጽታት ጠጠው ከብልን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ክምስርትን ስለ ዘይከኣለ እዩ።
ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ዚምባብዌ ንወለዱ ከም ዘጥቀዐ፡ ሬድዮ ኤረና፡ ናይ ዚምባበወ ማዕከናት ዜና ብምጥቃስ ኣብ ናይ 19 ጥሪ 2022 ፈነወኣ ሓቢራ። እቲ ኣብ ሆላንድ፡ ናይ ዩኒቨርስቲ ተመሃራይ ምንባሩ ዝተጠቕሰ ስሙ ዘይተረቑሐ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብቀዳም 15 ጥሪ 2022 እዩ ንክልቲኦም ወለዱ ብውሕዱ 18 ግዜ ብኻራ ከም ዝወግኦም ጸብጻብ ፖሊስ ዚምባብዌ ከም ዘፍለጠ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እቲ ግዳይ ዝኾነ ኣቦኡ፡ ዳኒኤል ፍጹም ዝበሃል ናይ ኤምባሲ ሰራሕተኛ (ዲፕሎማት) ከም ዝነበረ፡ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ኣብ ኣፍልቡን ከብዱን ብኻራ ተወጊኡ ከም ዝሞተ ሓቢሩ። ዮርዳኖስ ዘርኦም ዝተባህለት ኣዲኡ ድማ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዋ ኣብ ሆስፒታል ትእለ ከም ዘላ ተጠቒሱ።
እቲ ብቅትለት ኣቡኡን ብፈተነ ቅትለት ኣዲኡን ዝተኸሰ መንእሰይ ኣብ 27 ጥሪ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብን ክሳብ ሽዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሕን ከኣ እቲ ዜና ኣስፊሩ። እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ልዕሊ ወለዱ ብከምዚ ኣገባብ ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝፈጸመሉ ምኽንያት ኣይተሓበረን።
ምንጪ ሓበሬታ፥-ኣዲስ ስታንዳርድ
ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ
ቅድም ክብል ኣብ ኣባይ መዲያ ትነጥፍ ዝነበረት፡ ደሓር ግና ሮሃ መዲያ ኣብ ዝበሃል ናታ ናይ ቀጥታ ፈነወ መስሪታ ከም ሓላፊት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትነጥፍ ጀመረት ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ብ18 ጥሪ 2022 ከም ዝተፈትሐት ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለት መርበብ ሓቢራ። መኣዛ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ 2021 እያ ሲቪል ብዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኣ ተኣሲራ።
በዓል ቤታ ኣቶ ሮበል ገበየሁ ንጋዜጠኛታት ከም ዝገለጾ፡ መኣዛ መሓመድ ምስተኣስረት፡ ገዝኣ ኣይተጐርጐረን ብዛዕባ ዝተኣስረትሉ ምኽንያት እውን ኣይተሓተተትን። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ ዋላኳ መኣዛ ብተደጋጋሚ ናብ ቤት ፍርዲ እንተቐረበት ፖሊሲ ብዛዕባ መእሰሪኣ ምኽንያት መረጋገጺ ከቕርብ ኣይከኣለን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ መርተዖ ምስ ሰኣነ ከም መህደሚ ዝተጠቕሞ ሜላ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራባ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ መወዳእታ ፖሊስ ዝሃቦ ምኽንያት ብድፉኑ ብምኽንያት ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ስለ ዝተኣስረት ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ኣይከኣለትን ዝብል ነይሩ። መኣዛ ኣብ ርእሲ ሞያ ጋዜጠኝነት መምህር እያ።
ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ዓለም ለኸ ኮሚተ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ 2021 ካብ ሃገራት ሳብ ሳሕራን ብምእሳር ጋዜጠኛታት ናይ ቀዳማይን ካለኣይን ደረጃ ዝሓዛ ብቕደም-ሰዓብ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን እየን። ብዓለም ደረጃ ከኣ ኤርትራ ምስ በዓል ቻይና፡ ማያንማር፡ ግብጺ፡ ቨትናምን ቱርክን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስረዓ ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ምፍታሕ ዕድል ኣለዎም። ኣብ ኤርትራ ግና ሓንሳብ እንተተኣሲርካ ምውጻእስ ይትረፍ ሓታታይ እውን የለን።
ምንጪ፡ (NTB)
ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ክቡር ሽልማት ኖበል፡ ብ13 ጥሪ 2022 ብዛዕባ’ቲ ብ10 ታሕሳስ 2019 ዝሽለሞ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ መግለጺ ከም ዘውጸአ (ኤን-ቲ-ቢ) ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ሓቢሩ። እቲ ኮሚተ ነቲ መግለጺ ከውጽእ ዘገደዶ እቲ ኣብታ እቲ ናይ 2019 ሽልማት ኖበል ዝተዋህበ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሓ ዘሎ ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘኸተሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ኮሚተ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም መራሒ ሃገርን ናይ ሽልማት ኖበል ተዓዋትን፡ ነቲ ህውከት ጠጠው ኣቢሉ ሰላም ክሰፍን ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ።
በቲ መግለጺ መሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ክቡር ሽልማት ኖበል ዝበቕዐ ነቲ ኣብ መንጎ ጐረቤት ኤርትራን ሃገሩን ዝነበረ ናይ ኣፍሪቃ ዝነወሐ ናይ ጐንጺ ግዜ ዝተባህለ ኩነታት ናብ ሰላም ብምምጽኡ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ መግለጺ ኣብይ ሽልማት ዝተወህበ፡ በቲ ኣብ መጀምርያ ዘበርከቶን በቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ኩነታት መሰረት ኣብ መጻኢ ክሰርሕ እዩ ብዝብል ትጽቢት ምንባሩ ብትኹረት ክረአ ይግበኦ ክብል እቲ ኮሚተ ሓቢሩ። እንተኾነ እቲ ታሪኻዊ ኩነታት ንድሕሪት ብምምላስ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳርን ሰፊሕ ዓለታዊ ጐንጽታትን ኣኸቲሉ ኢሉ።
እቲ ኮሚተ፡ ዋላኳ ዝተወሰነ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ማሕበራዊ ቅልውላው ሓደሓደ ነጥብታት እንተጥቐሰ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸብጻብ ምቕራብን ብዛዕባ ሓንሳብ ዝተዋህበ ሽልማት ኖበል ተመሊስካ ምድህሳስን ናቱ ተግባር ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ሓይልታት ጸጥታን ፖሊሲን ሱዳን ብ13 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስን ካልእ ተሳታፊ እቲ ሰልፍን ከም ዝተቐትሉ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።
እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ከም ዝሓበሮ፡ ናይ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ነቲ ኣንጻር ዕልዋ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ድሩዓት ተሽከርከርቲ ከይተረፈ እዩ ተጠቕሙ።
ናይ ሱዳን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝገለጾ፡ እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ ፖሊስ ሱዳን ብሪጋዴር ጀነራል ዓሊ ፕራይማ ሓምዳን ኣብ ከባቢ ሓደ ሕክምናዊ መመርመሪ ትካል (መዲካል ላቦራቶሪ) ከም ዝተቐተለ ሓቢሩ። እንተኾነ ንኣቀታትላኡ ዝምልከት ዝርዝር ኣይገለጸን። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ኣብ ሱዳን ከም ልሙድ ክሳብ ክንድዚ ስልጣን ዘለዎ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ምብታን ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ሰራዊት ኣይዋፈርን እዩ።
ማእከላይ ኮሚተ ማሕበር ሓካይም ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ ካልእ ኣብቲ ኩነታት ዝሞተ ናይቲ ሰልፊ ተሳታፊ ኣብ ካርቱም ብጥይት ተወቒዑ ከም ዝሞተ ሓቢሩ። እቲ ማእከላዊ ኮሚተ ኣተሓሒዙ ብዙሓት ብመውቃዕትን ዘንብዕ ጋዝን ከም ዝቖሰሉ ጠቒሱ። በቲ ዜና መሰረት ኣንጻር ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ናይ ዝሞቱ ሱዳናውያን ቁጽሪ 64 በጺሑ ኣሎ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካርቱም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካለኦት ከተማታት እታ ሃገር እውን ከም ዝካየድ ተፈሊጡ።
ምትእስሳር ጋዜጠኛታት ሱዳን ብወገኑ ሓንቲ ሻመል ኣል ኑር ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ጋዜጠኛ፡ ብኸቢድ ከም ዝተወቕዐትን ካልእ ዑስማን ፋድለላህ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ከኣ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ዜና እናዳለወ ብቑሩብ ካብ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ተሽከርካሪት ከም ዝደሓነ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። ዓረብ ተለቪዥን በወገና ኣብ ካርቱም ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ብዕጡቓት ሓይልታት ተጠቒዑ፡ ጉጅለ ጋዜጠኛታቱ ድማ ከም ዝተኣስረ ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝውሰድ መጥቃዕቲ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ንጽባሒቱ ብ14 ጥሪ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ናይቲ ፖሊስ ጀነራል መቕተልቲ ኣረጋጊጹ፡ ቀታሊ ተሓቲቱ ብወገኑ ነቲ ጀነራል ቀቲሉ ንካልእ ኣባል ፖሊስ ምቑሳሉ ከም ዝተኣመነ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ኣፍሊጣ።
ሓላፊ ኮሚተ ልኡላውነት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃንን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ኣብ ሰነ ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ጀነራል ናብ ቤተሰቡ ቃል ሓዘን ከም ዘመሓላለፉ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ናይ ሱዳን ሰራዊት ወሃቢ ቃል፡ ጣህር ኣቡ ሓጃጅ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ካለኦት ስሩዓት ሓይልታትን ሱዳን ዝውሰድ መጥቃዕቲ፡ ኣንጻር ናይ ሱዳን ጸጥታን ሓድነትን ዝዓለመ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ “ኣብ መንጎ ገነትን ሲኦልን ካልእ ቦታ የለን። ስለዚ ናጽነት ውጽኢቱ ሞት፡ ምፍሳስ ደምን ዕንወት እንተኮይኑ ትርጉም የብሉን” ክብል ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ላዕለዎት ኣሜሪካውያን ዲፕሎማት ተሓጋግዚ ወጻኢ ጉዳያት ሞሊ ፊን ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳቪድ ሳተርፊልድን ካብ 17 ጥሪ 2022 ጀሚሮም፡ ናብ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተጓዒዞም ክሳብ 20 ጥሪ 2022 ኣብቲ ከባቢ ክጸንሑ እዮም።
ጋዜጣዊ መግለጺ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ትግራይ
Friday, 14 January 2022 09:23 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብ12 ጥሪ 2022 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ከምዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጨንቂ ኣብ ዓለም ተራእየ ኣይፈልጥን እዩ ከም ዝበሉ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ንሶም ኣተሓሒዞም ዕጽዋ መድሃኒትን ካልእ ህይወት ዘድሕኑ መሰረታዊ ነገራትን ናብታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ትግራይ፡ ኣብቲ ብውግእ ዝተሃሰየ ከባቢ ዝያዳ ጨንቂ ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም። እዚ ከኣ ንናትና ሰብኣውነት ጸርፊ እዩ ክብሉ ገሊጸምዎ። ዝተሓሒዞም ከኣ ከምዚ ኣብ ትግራይ ንዕዘቦ ዘለና ጨንቂ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን ኢሎም።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መበል 21 ክፍለዘመን፡ ሓደ መንግስቲ ንናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ ካብ ዓመት ንላዕሊ መግብን መድሃኒትን ክኽልክል ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘይግመትን እዩ ክብሉ ንጋዜጠኛታት ገሊጸም። ኣብ መንጎ ሓይልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን መሓዙቶምን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ውግእ ካብ ዝጅመር ኣሸሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ሚሊዮናት ከኣ ካብ መነባብሮኦም ክመዛበሉ ከም ዝተገደዱን ኣብዚ ጋዜጣዊ ዋዕላኦም ጠቒሶም።
ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ ህይወት ዘድሕን መድሃኒትን መግብን ከይኣትዋ ዝተዓጽወት እያ። እዚ ዕጽዋ ከኣ ብኣማኢት ኣሸሓት ንዝቁጸሩ ኣብ ደረጃ ዝለዓለ ሓደጋ ጥሜት ንዘለዉ ሰባት ዝውስኽ እዩ፡ ምስ በሉ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሻቕልን ዘሰንብድን ክብሉ ገሊጸምዎ።
ዶ/ር ቴድሮስ “ኣነ ወዲ’ቲ ከባቢ እየ፡ እንተኾነ ብዘይኣድልዎ እየ ዝዛረብ ዘለኹ” ምስ በሉ፡ እቲ ንሸውዓተ ሚሊዮን ህዝቢ ንዝያዳ ሓደ ዓመት ምዕጻው ደጊሞም ኣጨናቒ ኩነታት እዩ ክብሉ ገሊጸምዎ። ዝያዳ ነቲ ኩነታት ንምብራህ ከኣ፡ ሕክምና የለን፡ መድሃኒት የለን፡ ተለፎን የለን፡ ሚድያ የለን ክብሉ ዘርዚሮም። ኣብ ርእሲዚ ድሮናት ዘይድብድባሉ መዓልቲ ዳርጋ የለን፡ እሞ ከኣ ኣቐዲሙ ብውግእ ኣብ ዝተጠቕዐ ከባቢ ክብሉ ነቲ ኩነታት ኣብሪሀሞ። ኣተሓሒዞም ትካል ጥዕና ዓለም፡ ናብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ሕክምናን መድሃኒትን ከቕርብ ክፍቀደሉ እንከሎ፡ ናብ ትግራይ ግና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2020 ጀሚሩ ዋላ ሓንቲ ኣይተፈቕደሉን ኢሎም። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓካይም መዓልቱ ዝሓለፈን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነን መድሃኒት ክጥቀሙ ከም ዝተገደዱ ከኣ ጠቒሶም።
እቶም ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ መሰረታዊ ኣቕርቦት ዋላ ኣብ ግዜ ውግእ ክኽልከል ኣይግበኦን እዩ፡ ውግእን ጐንጽን ንምዕጻው ምኽንያት ኮይኑ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ ኢሎም። ኣብቲ ዝለዓለ ኣዕናዊ ውግኣት ሶርያን የመንን እውን ትካላት ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሉ ግዜ ኣድላይ ቀረብ ይሰዳ ነይረን እየን ክብሉ ከም ኣብነት ጠቒሶም።
ናይ ትካል ጥዕና ዓለም ናይ ህጹጽነት ሓላፊ ሚቻየል ሪያን ብወገኖም፡ “ሰኣን ህይወት ዘድሕን መሰረታዊ ነገራት ምቕራብ፡ ብዙሓት ሓሊፎም እዮም” ክብሉ ንኩነታት ትግራይ ገሊጸምዎ። ቀጺሎም ከኣ መሰረታዊ ብመርፍእ ዝወሃብ መድሃኒትን ካልእ ንሕማም ሽኮር ዝኸውን ኣፋውስን ናብ ትግራይ ከይቀርብ ካብ ፍርቂ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ንደሓር ተኸልኪሉ እዩ ድሕሪ ምባል፡ እዚ ከኣ ክኢላታት ሕክምና ሓደገኛ ሕማማት ከይፍውሱ ዓጊትዎም ዘሎ እዩ ኢሎም።
ወተሃደራዊ ሓይልታት ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን “ታቡክ-5” ኣብ ትሕቲ ዝብል መጸውዒ ናይ ሓባር ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከም ዘለው፡ “ደይሊ-ነውስ” ዝተባህለት ጋዜጣ ግብጺ ኣብ ናይ 9 ጥሪ 2022 ሕታማ ኣፍሊጣ። እዚ ልምምድ ኣብ ሳዑዲ ዓረብያ ንመዓልታት ዝቕጽል እዩ ተባሂሉ።
እዚ ወተሃደራዊ ልምምድ ብመሰረት ሓባራዊ ልምምድ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽን ኣሕዋትን ሃገራት ንወተሃደራዊ ምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዝብል ምትእስሳር ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ደይሊ-ነውስ ግብጺ ሓቢራ።
ናይቲ ኣብቲ ልምምድ ዝሳተፍ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ግብጺ ኣዛዚ፡ ብዛዕባቲ ልምምድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ልምምድ ሓሳባት ንምውህሃድን ተመኩሮታት ንምልውዋጥን ከም ዝሕግዝ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ልምምድ ናይዞም ተሳተፍቲ ወገናት ድሉውነት ምትሕግጋዝ ኣብ መደባት ምሕንጻጽን ምምሕዳሩን ናይ ሓባር ክእለትን ብቕዓትን ዘማዕብል ምዃኑ ተገሊጹ።
ስዑዳዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይሊ ሰሜናዊ ምዕራብ ብወገኖም፡ እዚ ልምምድ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራትን ናይቶም ዝሳተፉ ዘለዉ ባእታታትን ናይ ምትሕብባርን ተመኩሮ ምልውዋጥን ከምኡ’ውን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ክእለት ናብ ዝለዓለ ሞያዊ ደረጃ ዘማዕብል እዩ ኢሎም።
እዚ ታቡክ-5 ዝተሰየመ መደብ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ብመንጽር ስፍሓቱ፡ ብዙሕነት ተሳተፍቱን ዓይነት ምንቅስቓሱን ዝለዓለ እዩ። እዚ ልምምድ ኣብ መንጎ ወትሃደራዊ ሓይልታት ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን ዘሎ ምትሕብባርን ዕቤት ውጽኢታዊ ዝምድናአንን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ዘረጋግጽ እዩ ድማ ተባሂሉ። ብዘይካዚ እዚ ምንቅስቓስ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ንምምካት ኣብ ምውህሃድ ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተፈላለዩ ናይ ባሕሪ፡ ምድሪ ኣየርን ኤክትሮኒካውን ስልቲ ውግኣት ዘጠቓለለ እዩ። ምንቅስቓስ መጐዓዝያ፡ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝምልከት ኮይኑ ከምኡ ድማ ንሓለዋ ኣገዳሲ ንብረት ንዝጸዓና መራክብ ከም ዘጠቓልል ተፈሊጡ’ሎ።
ሃገረ ግብጺ ቅድሚ ሕጂ እውን ምስ ሱዳን ተደጋጋሚ ናይ ሓባር ወታደራዊ ልምምድ ከተካይድ ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።