ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ  ምሩኻት ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሺሕ ክፈትሕ ከም ዝወሰነን ካብቶም ዝፍትሑ 401 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ናይ 18 ጉንበት 2022 ዜናኣ  ገሊጻ። ድምጺ ወያነ ትግራይ ከም ምንጪ ዜናኣ ዝጠቐሰቶም ኣተሓባባሪ ጉዳይ ምሩኻት ኣቶ ብርሃነ ከበደ፡ እቶም ዝፍትሑ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸምዎ ክብደት ገበን ዝተጻረዩ ምዃኖም ሓቢሮም።

ኣቶ ብርሃነ ከበደ ከም ዝሓበርዎ እዞም ብምሕረት ዝፍትሑ ምሩኻት ወታደራት መብዛሕትኦም ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ዝተማረኹን ኣብ ውትድርና ነዊሕ ግዜ ዘየገልገሉ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ2013ን 2014ን ተገዲዶም ዝተሰለፉን እዮም።

እቶም ዝፍትሑ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሕሉ ብፍላይ ብመንጽር ተሳትፎ ኣብ ምጽናት ዓሌት፡ ምጽራይ ዝተኻየደሎም ምዃኖምን ቀንዲ ምኽንያት መፍትሒኦም ከኣ፡ ታሪኽ፡ ስነ ልቦና፡ ስብእናን ኣተሓሳስባን ትግራይ ዝለዓለ ምዃኑ ንምርኣይ ዝውሰደ ስጉምቲ ምዃኑ እቲ ዜና ድምጺ ወያነ ትግራይ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ናይ ምሕረት ዕድል ዝተዋህቦም፡ ብምኽንያት ብወሊድን ሕማምን ካልእን  ዘለዉዎ  ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣቶ ብርሃነ ከበደ፡ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ በሃላይ፡ ብሰብኣውነት ዝግደስን ብደረጃ ኣተሓሳስባ ሒዝዎ ዝመጸ ምዃኑን ንምርኣይን እዩ ኢሎም።

እቲ ዜና ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ጸገም እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ እናጠመየን ጸገሙ ተጻዊሩ፡ ነዞም ምሩኻት ካብታ ዘላቶ ይቕልቦምን የሕክሞምን  ከም ዘሎን ንመጻኢ እውን ከም ዝቕጽሎ ጠቒሱ። እዚ ከኣ  ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ኣቶ ብርሃነ ከበደ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓያሎ ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ወገናት እዞም ልሚ ብምሕረት ዝፍትሑ ዘለዉ እንደጋና ጽባሕ ተመሊሶም ንህዝቢ ትግራይ ከይወግእዎ እንታይ ውሕስነት ኣለዎ ብዝብል ነቲ ውሳነ ነቒፈምዎ ኣለዉ።

ንኤርትራውያን ልዕሊ ኩሉ ማዕረ እትብጸሓና፡ ብሓባር ከም ብሌን ዓይንና  እንሕልዋን ብእነፍቅራ ኣዴና እንምስላን ሃገርና ኤርትራ እያ። ካልኦት ብሓባር ዝብጽሑና ጸጋታት እንተለዉ እውን፡ ቀጻልነቶም ብህልውና ኤርትራ ዝውሰን እዩ። ኣብ ወሳኒ እዋን “ኤርትራ ወይ ሞት” እንብል ከኣ ንክብሪ ኤርትራ ከም ሃገር ንምዕዛዝ እዩ። ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ህልውነኣ ዓቂባ ክትቅጽል ከኣ ኩልና ደቃ ኢና ነድልያ።

ኤርትራውነትና ዓቂብና እንለብሶም ብዙሕነትና ዘንጸባርቑን፡ ተገዲድና ዘይኮነ ብድሌትና እንስዕቦምን ካልኦት መግለጺ መንነት ኣለዉና። ብሄርና፡ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ባህልና፡ ኣውራጃናን ካለኦትን መግለጺ መንነትና እዮም።  ኩሎም እዚኣቶም፡ ብዘይ ህልውና ልኡላዊት ኤርትራ ትርጉም የብሎምን። በዚ መሰረት ቅድሚቲ በዞም ዝተጠቕሱ መንነታት ኣቢልና ከነረጋግጾን ከነማዕብሎን እንደልዮ መሰላት ብጉዳይ ኤርትራ ከም ሃገር ክንግደስን ክንጭነቕን ግድን እዩ። ናይዞም ዝተጠቕሱ መለለይታት ዕቤትን ቀጻልነትን ምርግጋጽ ናይ ሰዓብቶም ሓላፍነት እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ክብራ ዓቂባ ክትቅጽል ግና ምፍልላይ ናይቲ ካልእ መንነትና ብዘየገድስ ኩልና ደቃ ኢና እንስለፈላ። ነቲ መሰረታዊ ጉዳይ ኤርትራውነት፡ ካለኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ኣትሒዝካ ንሓደ ካብቲ መግለጺ መንነት ብሄር ድዩ ወይ ቋንቋ ቅድሚት ምስራዕ፡ ገዛ ከይሓዝካ ብጉዳይ ናውቲ ገዛ ከም ምግዳስ ዝዓይነቱ ግጉይ ኣሰራርዓ ቀዳምነት ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም።

ነዛ ንኹላትና ብማዕረ እትብጸሓናን ንቀጻልነታ ንኹልና እትደልየናን ኤርትራ ዝተወሰነ ኣካል እንተደለየ እውን “ናይ በይኑ” ክገብራ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ህልዊ ኩነታትና፡ ኤርትራውያን ሰልፊ ንኹን ውድብ፡ ማሕበር ንኹን ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገር ንሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ዝኾነ ይኹን ነገራውን መንፈሳውን ዓቕሚ ይሃልወና ንኤርትራ ናይ በይኑ ክገብራ ዝኽእል የለን። ኤርትራውያን ብዝተወደበ ይኹን ብዘይተወደበ ኣገባብ ኣብ እንገብሮ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ፖለቲካዊ መስርሕ ብነገራዊ ዓቕሚ ድዩ ናይ ኣተሓሳስባ ዕምቆት ክንበላለጽ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ዝኾነ ሓይሊ በዚ ውሱን ጸብለልትነቱ ተዓብዩን ንኻለኦት ኣግሊሉን ልጓም ጨቢጡን ርኻብ ረጊጹን ከቶ ንኤርትራ በይኑ ከጋልባ ኣይክእልን  እዩ። ምናልባት ግና ኣብቲ ብሓባር ዝግበር ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን መድረኽ ኣበርክቶኡ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል።  ኤርትራ እውን ንኹልና መምስ  ዓቕምና እያ እትደልየና እምበር፡ ነቲ ሓደ ኣቕሪባ ነቲ ካልእ እተርሕቕ ኣይኮነትን። ንካለኦት ብትዕቢት ኣግሊልካ “ከምቲ ኣነ ዘምጻእኩዋ ብኣይ ትለምዕ ብኣይ ትጠፍእ” ምባል ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ  ርሑቕ ከይከድካ ተመኩሮ ህግደፍን ኣሉታዊ ሳዕቤኑን ምድህሳስ እኹል እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ መዋጥርን ስግኣትን ክትወድቕ ዝገበራ ናይ ጉጅለ ህግደፍ “ኣነ ጥራይ እየ ንኤርትራ ዘድልያ” በሃልነት ምዃኑ ርኡይ  እዩ። ብኣካይዳ ህግደፍን ዓይኖም ብጨው ዝተሓጽቡ ደገፍቱን እቲ ንኤርትራ፡ ዝሓልየላን ዝሓስበላን እቲ ጉጅለ ጥራይ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ንኤርትራ ኩልና ደቃ ነድልያ ምዃና በብግዜኡ እተቕርቦ ናይ ኣድሕኑኒ መጸዋዕታ ብቐጥታ ዝጋጮ እዩ። ናይ ህግደፍ በሓትነትን ኣነ ጥራይ በሃልነትን ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርና ናበይ ይወስዳ ከምዘሎን ኣብ ምንታይ ከም ዘውደቓን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ኤርትራ ሎሚ ዘላቶ ሻቕሎት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸልማት ከምዘይኮነ ይግመት። ከምቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝበልናዮ፡ ኩነታት ከይተቐየረ ኣብ ኢድ ህግደፍ እንተቐጺላ እቲ ዝጽበያ ሓደጋ ካብዚ ዘላቶ ዘይምውጸኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዝኸፈአ ከይምዕብል ዘየስግእ ኣይኮነን። ግዳይ ናይዚ ኣብ ከባብና ዝዘንብ ዘሎ ሓደጋታት ጥሜት፡ ውግእን ምምዝባልን ከይትኸውን ውሕስነት የብላን። እንተ እቲ ንሃገርናን ህዝባን ዝሕምሶም ዘሎ ጉጅለ፡ ብናይ ሓባር ቃልስና እንተዘይቀይርናዮ ካብዚ ተሸኺልዎ ዘሎ ሓደገኛ ኣንፈት  ክወጽእ ትጽቢት እተንብረሉ ኣይኮነን።

ናይ ህግደፍ ጠኒኑ በቲ ሓደገኛ መንገዲ ምቕጻል ንዓና ዘሰክመና ሓላፍነት ብኽንድኡ ደረጃ ከቢድ እዩ። ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ሃገርና ንምድሓን ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ኣምር ግቡእ ትርጉም ሂብና ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ግደታ ኣለና። ምናልባት ካብቶም ብሓባር ኮይና ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ቃልሲ ከነካይድ ዝጸናሕና ንመጻኢ እውን ክንቅጽሎ ትጽቢት ተነቢሩልና ዘሎ ቅልጣፈና ግና፡ ማዕሪኡ ዘየለ ጽባሕ ንኤርትራ “ኣነ ይኣኽላ እየ”  ዝብል ሕልና ዘለዎ እንተልዩ ብኣግኡ ናብ ልቡ ክምለስ ይግበኦ። ኣብ ርእሲቲ ኤርትራ ኩሉኹም ኢኹም ተድልዩኒ እናበለት ትጣራዕ ምህላዋ፡ በይናዊ ጉዕዞ ዓዲ ከም ዘየእቱ ካብ ምግንዛባ ዝነቅል ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት  ዝተወሰነ መምዘንታት እናመዘዘ “ኣነ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለኒ” ዝብል ሕልና ዘለዎ ወገን ይህልወና ይኸውን። እዚ ስምዒት ሓቅነት እውን ይህልዎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ሓደ ወገን በይኑ ኣይምልሶን እዩ። እቲ ሓቀኛ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብቲ ዝፍጠር ናይ ሓባር መድረኽ ብዘበርክቶ ኣስተዋጸኦን ዘሕድሮ ጽልዋን እምበር፡ ብዝመርጾ በይናዊ ጉዕዞ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ብሓባር ተቓሊስና መጸዋዕታ ኤርትራ ንመልስ ክንብል እንከለና፡ ሸቶኡ ሓደ ክነሱ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኣተሓሳስባታትና ኣቀራሪብና ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ነጥሪ ማለት እዩ። ኣብዚ መስርሕ እንካን ሃባን ናይ ገሊኡ ወገን ኣተሓሳስባ ብመንጽር ህልውን መጻእን ኤርትራዊ ድሕነትን ረብሓን ተመዚኑ የዋጽእ ተባሂሉ ብምልኡ ይኹን ብኸፊል ቅቡል ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣተሓሳስባኡ ተመዚኑ ብምሉእ ድዩ ብኸፊል ተቐባልነት ዘይረክብ ወገን ክህሉ’ውን ይኽእል። ኣብዚ ኤርትራ ምእንቲ ክትድሕን ሓሳቡ ዝተነጽጎ ወገን ነቲ ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ ምኽባር ትብዓት ክህልዎ ይግባእ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ብኻልእ ወገን ዝቐረበ እሞ ተቐባልነት ዝረኸበ ከም ናቱ ወሲዱ ናይ ምትግባሩ ትብዓት ክውንን ድልዊ ክኸውን ግደታኡ እዩ። ጉዳይ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሃዋስነት ሕቶ መሪሕነት እውን በዚ ኣገባብ እዩ ክመሓደር ዝግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ”  ዝብል ከነተግብረሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ የብልናን።

በዓለ-ትንሳኤ ብዝተፈላለየ መጸውዕን፡ ኣብ ዝተአላለየ ግዜን ብዝተፈልየ ምልክዓትን ንድሕነት ህዝቢ ዓለም ብዝተፈጸመ መስዋእትን ትንሳኤኡን ዝፍለጥ ሓደ ካብ ዓበይትን ክቡራትን ሃይማኖታዊ በዓላት እዩ። ስለዝኮነ ድማ ስድራቤታት ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝተኣኻኽብሉ፤ ተፈላልዮም  ዝጸንሑ  መታዓብይትን መሓዙትን ወዶም ኮነ ጓሎም ዝራኸብሉ ናይ ታሕጓስን ደስታን ዓመታዊ በዓል ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣረ ብዙሕ ካብ ስድራታት ህዝብናስ ቆልዑትን ወርጠበናትን/ጎምበለታት ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ሓደስቲ ክዳውንቶም ለቢሶም ኣብ ቅርዓት ዓድታቶም ናተይ ይጽብቕ፤ ናተይ እባ እንዳተባሃሀሉ ታሕጓሶም ዝገልጽሉ ሓደ ካብ ናይ ፍሳሃን ደስታን ማዓልታት እዩ። ፍቅርን ሕውነትን ስድራታት ዝግለጸሉ ማዓልቲ እዩ።

ሓደ ብኣርኣያ ስላሰ ዝተፈጥረ ስብ፤ መቐረት ናይዚ ቅዱስን ናይ ታሕጓስን መዓልቲ ዘይፈልጥን ናብ ናይ ክፋእን ሕሰምን መጻወድያ ዝቕይርን  እንተልዩ ግን፡ ብዘይካ’ቶም ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዘዕበይ መሪሕነት ህግሓኤን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ዲክታቶራውያን ስርዓታትን እንተዘይ ኮይኖም ካልእ ክርከብ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ድማ'ዩ፤ ብዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ሰንበት እኳ ትንበር እምበር፡  ልክዕ ከምዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ምስ ቤተ-ሰቦምን ማሓዙቶምን ነቲ በዓል ንምኽባር ዝተዓደሙ ብጾት ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ናይ ሽዑ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፤ ልኡኻት ስርዓት ኢሳያስ ምስ ሓደ ቤት-ሰብ መሳሊ ካብ ዓደምቶምን ጸጥታ ሱዳንን ተመሳጢሮም ካብ ከሰላ ብምጭዋይ፡ ነቲ መዓልቲ ሓጎስ ናብ ማዓልቲ ሓዘን  ዝቐየሩ።

 ካብቲ ባህልን ክብርን ዘይብሉ፡ ንናይ ሓሳባትን ፖለቲካዊ ፍልልያትን ክጸወር ዘይኽእል፡ እንትርፎ ዓመጽን ሓይልን ንኻልእ ፍታሓት ዘይተዓደለ፡ ቃጻን ሻራነት  ጎረባብቲ ሃገራትን ከም ቀንዲ መሳርሒ ዝጥቀም ርእሰ ምልኪ ኢሳያስ  ካልእ ዝጸበ ሰብ እንተልዩ ገና፡ ሕሰምን መከራን ዘይጸገበ ወይ ድማ ነዚ ጥራሕ ዝተፈጥረ፤ ካልእ ጽቡቕ ዝባሃል ነገር ከምዘሎ ዘይፈልጥን ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብጾት ድሕሪ’ዚ ናይ መጭወይቲ ማዓልት'ዚ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ 30 ዓመታት መመላእታ   ብዘይካ ኤርትራ ምብጽሖም ካልእ ዳሃይ ዝባህል የብሎምን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘታሓሳስብን ድማ ኣብ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ፈራሃት መለኽቲ ምውዳቆም እዩ። ዋላ እቶም ንማንዴላ 27 ዓመታት ዝኣሰሩ ዓሌታውን መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን፡ ብስድራ ቤቱ ክብጻሕስ ኣይነፈግዎን ፍርህን፡ ብቖዓትን ኣፍልጦን ዘይምውናን ድማ ቀንዲ ካብ መበቆል ዲክታተርነት እዩ። 

እዞም ክልተ ተጋደልቲ ብጾት እዚኣቶም፣ ልክዕ ከምቲ ናይ ስሳታትን ሰብዓታትን መንእሰይ ኤርትራ ማህደሮምን ርሳሶምን ኣቐሚጦም ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፎም ንናጽነትን ሓርነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንእስነቶምን ሂይወቶምን ካብ ምብጃው ሓሊፎም ዝፈጸምዎ ዝኾነ ይኹን ኣበሳ ኣይነበሮምን የብሎምን ድማ።። ባህግታት ህዝብና ንምርግጋጽን ንዝተሰለፍሉ ዕላማ ንምዕዋትን ኣብ ቃልሲ ተመሪሖምን መሪሖም፤ ኣብ ከበድቲ ወታሃደራዊ ስርሒትትን  ፖለቲካዊ ጉዳያትን ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዝፈጸሙን ደሞምን ዓጽሞምን ዝኸፈሉን ብጾት እዮም። ኣሰር ጀግንነቶም ኣብ ኣካላቶም ዘሎ በሰላ ጠያይት መግዛእትን ዝተቆርጸ ኣጻብዕን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንሎሚ ብሓፍሻኡ ካብ ጎላጎል ስመጃና  ጀሚርካ ክሳብ  ጋሽ ባርካ ዝፈሰሰ ደሞም ዘይሕከኽ ኣሰር ገዲፉ ምህላዉ ክጠቅስ እደሊ። 

ጠንቂ መጭወይቲ ብጻይ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝተጠቕሰ ባህርያት ምልኪ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት  ዘይመልእ ናይ ናጻነት ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ስለምንታይ  ኮን ይኸውን ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ ነቲ ቅድሚ’ዚ ዕለት'ዚ  ኣብ ልዕሊ ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦትን ዝሕስብ ዝነበረ ናይ መጭወይት፡ ቅትለትን ራዕድን ደምሳሲ ፈተነታት ገዲፈ፡ ነቲ ንኢሰያስ ዘይቀባበሎ ናይቲ እዋን ገለ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፍሉይ ርእይቶታት ምጥቃስ፤ ነቲ ኣንጊሁ ዝተበገሰ ግን ከኣ፡ ሰማዒ ኣእዛን ዘይረኸበን ሓይሊ ተቓውሞ ምንባሩ ዘየርከቡ  መንእሰያትና  ብሰነድ ሓበሬታ ምቕራብ ጠቓሚ እመስለኒ።

1. ቅድሚ ምጅማር፡ ናይቲ ኣብ ሎንዶን ክካየድ ዝሕሰብ ዝነበረ ርኽክብ ትሻዓተ ማዓልታት ቅድሚ ናጽነት ማለት'ዩ፤ መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ካልኦት 3 ውድባት ኤርትራ ብ16 ጉንበት 1991 ''እዚ ኣዋጅ'ዚ ዚኸተማ ኤርትራውያን ውድባት፤ ኣህጉራውን ሓፈሻውን ርእይቶ፡ ኣብ ሎንደን ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ርኽክብ፤ ንጎንጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወድዓዊ ምይይጥ ከምዝይበቅዕን ብውጻኢቱ'ውን ከምዘይምእዘዛን ይገልጻ'' ዝብል ገለ ካብ ትሕዝትኡ እዩ ነይሩ። እዚ መግለጺ'ዚ ምስ ተግባራትን ባህግታትን ኢሳያስ ብቐጥታ ስለዝራጸም፡ ነዚ እምንቶ'ዚ ዝነበሮ  ኣባል መሪሕነት ውድባት ኮነ ሃገራዊ  ግዜ ተጸቢዩ ከምዘጥፋኦ ፍሉጥ እዩ።

2. ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብ25 ጉንበት 1991 ካብ ዘውጽኦ መግለጺ ''ኢትዮጵያዊ ጎበጣ ኣብ ኤርትራ ብምስዓሩ ንሓፋሽ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ናይ ሓጎስ መግለጺኣ እናኣቕረበት፤ ንኹለን ውድባት ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ብምስምማዕ ክዓያን፤ ሃገራዊ ናጻነት ብምእዋጅ ኩሉ ዓቕምታተን ንሃገርን ሰውራን ንምክልኻል ክጸምድኦን ትጽውዕ'' ይብል። ሽዑ ምእዋጅ ናጽነት ሕማም ርእሲ ናይ ኢሳያስ ምንባሩ ኣብቲ ብዕለት ብ29. ጉንበት.1991 ኢሳያስ ኣብ ሎንደን ናጽነት ከምዘይእውጅን ንረፈረንዱም ክጽበ ምዃኑን ብዘቕረቦ መልሲ ውዱእኳ እንተነበረ፡  ብ4 ሰነ 1991 ኣብ ካርቱም ቓዓ ኣልሰደቓ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላን፡ ንምእዋጅ ናጻነትን ተሳትፎ  ውድባትን ብዝምልከት ቃለ ማሕተትን ቃል ብቓሉ ''ግዜ ረፈረንዱም ኣብ ዋዕላ ኢትዮጵያ ከምዝውሰንን፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ክሳተፍ ዝደሊ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እዘን ውድባት  ከም ዝኾነ ካልእ ዜጋ ንሃገሩ ተመሊሱ ክሳተፍ ይኽእል እዩ'' ክብል ኣፍሊጡ እዩ። ስምምዕን ልዝብን ዝብሉ ኣምራት እሞ፤ ንሜላ እንተዘይ ኮይኑ፤ በዓል ለይተን ስለዘይኮነ፡ ነዚ ካብ ርእይትኡን መደባቱን ዝተፈልየ መግለጺ ካብ ዘውጽኤ ውድብ ተጋደልቲ ብጾት ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ግዳያት ክገብሮም መን ዘይጽበዮ። መግለጺ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ኣዕሚቐን ይቕበራ ምንባረን ንውድባት ኤርትራ ዳግማይ መርድእ'ዩ ነይሩ። እዚ ንውድባት ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኮነ ግን፣ መሳርሕቱ ዝነበሩ’ውን ውሳኔታት ጉባኤኦም ይፈርስ ምህላዉ ክሓስብሉ ኣይካኣሉን።   

3. ኢሳያስ ኣብ እዋን ናጽነት ምስ ውድባት ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ዝራጸም ነይሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ውዓል ሕድር ከይበለት ናጽነት ኤርትራ ስለዝኣወጀትን ስለዝተቐበለትን፡ ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ብ30 ጉንበት 1991  ''ሓው ዝኾነ ህዝብን  መንግስትን ሱዳን ኣብዚ ምዕብልናታት'ዚ ኣብ ዝወሰዶ ኣወንታዊ መርገጽ ነምጉሶን ነተባብዖን ምዃና ነረጋግጽ''  ዝብል መግለጺ ምውጽኦም፡ ንመደባት መራሒ ምልካዊ ስርዓት ዝጻረር ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ንዘውጽኦ ኣዋጅ ናይ ናጽነት ስሒቡ፡ ክሳብ ናይ 1993 ህዝበ-ውከሳ ኣቐሚጥዎ ጸኒሑ። ዓንጸዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝባሃል ግን ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን  ንናይ ናጽነት ኣዋጅ ዝድግፍ ፍሉይ ርእይትኦምን ሓሳቦምን ዝውህለል ካብ ዝነበረ ምኽንያታት መሰወሪኦም እዩ።

4. ብዘይካ'ዚ፡ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝኣባላቱ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ፡ ነቲ ቀንዲ ሰረት ሓድነት፡ ልምዓትን ህንጸትን ዝኾነ ራእይ ውድብ፡ ብ7 ሰነ 1991 ኣብ ዘውጽእዎ ኣዋጅ ''ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት፡ ናይ'ዚ መድረኽ'ዚ ዕማም ንምዕዋት መታን ክካኣል ፍልልያቱ ንጎኒ ብምግዳፍ፤ ሓቢሩ ክዓዪ ይጥለብ ኣሎ። ንሕና ምእንቲ ዝላዓለ ሃገራዊ  ጠቕሚ ኤርትራ፤ ኤርትራዊ ፍልልያት ነዚ መድረኽ'ዚ ክውንዘፍ እናጠለብና ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ኩሎም ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገር ንዝደጋገፉ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምብጻሕ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ናጻነቱ፡ ኣረኣእያኡን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብኣረኣእያኤን ዝፈላለያ ሃገራውያን ውድባት ምህላወን ምኽሓድን ርእስኻ ኣብ ሑጻ ክትቀብር ምፍታንን ፈጺሙ ዘይግባእን እዩ። እዘን ውድባት ኣበርክቶአን ክሳብ ክንደይ ዓብዪ ወይ ንእሽቶይ ነይሩ እቲ ተሳትፎ ብዘየገድስ፡ ብዝገበርኦ ኣበርክቶ ንዝተረጋገጸ ዓወታት ኣብ ምክልኻል ንኸይሳተፋ ክኽልክለን መሰል ዘለዎ'ውን ዋላ ሓደ የለን'' ዝብል ነይሩ።

ኢሳያስ ንስምዒታት ህዝብና ከም ጽቡቕ  ኣጋጣሚ ተጠቒሙ'ዩ፤ ብ20 ሰነ 1991 ትኽ ብትኽ ንዝወጸ ኣዋጅ ሰውራዊ ባይቶ ዝጻረር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሎሚ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ናይ ህልቂት ጎደና '' ህግሓኤ ብዘይካ'ቶም ኣዝዮም ውሑዳት ከቢድ ገበን ዝፈጸሙን ሃብቲ ህዝቢ ዚሰረቑን ዘጠፋፍኡን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቐርቡ፡ ኩሎም'ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብስም ውድባት ተጋግዮምን ተደናጊሮምን ዝጸንሑ ዜጋታት ብዘይ ገለ ስኽፍታ ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገሮም ክሳተፉ ክጽውዕ ሓላፍነቱ እዩ። ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ ከምዘየለን ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልቡብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ምጥቃም ከቢድ ገበን ከምዝቁጸር ግን ክዝንጋዕ ኣይግባእን እዩ'' ዝብል መግለጺ ዝሃበ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብቲ 30 ሕቶታል ካብ ህዝቢ ተመምዩ ዝቐረበ ርክብ ምስ ህዝቢ ዝተባህለ ናይ 1996 መድረኽ ሕቶን መልስን እሞ ኸኣ ''ንቓለዓለም እንተዘይኮይኑ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነዛ ሃገር ነጻ ኣውጺእዋ'' ክብል እዩ፡ ንመላእ ህዝቢ ዝደርጐሓሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ወታሃደራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ብምውጽኦም ራህዋ ዝረኸበ መሲልዎ፡ ኣብ ናይ ናጽነት ጓይላን ታሕጓስን ተሸሚሙ ካልእ ዝሓሸን ጠቓምን ሓሳባት ምህላዉ ብዘይምስትብሃል፡ ነቲ ጎደና ውሕስነት ሃገርን ዜጋታታን ዝኾነ መወዳድርቲ ዘይነበሮ ንነዊሕ መዋእል ዝጠመተ ጥዑይ ሓሳብ ይዝርጋሕኳ እንተነበረ፡ ዝሰምዖን ዝቕበሎን ኣካል ክረክብ ኣይካኣለን። ኣብ'ቲ እዋንቲ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ካብ ሽዑ ጀሚርና ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ነጻ  ኮይና፤ ነቲ ሃናጺ ሓሳብ  ውራየይ ኢልና ንምዕዋቱ  እንተንሓስብን እንተንቃለስን፡ ሎሚ ሃገርና ኣብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ብርሰት ኣይምሃለወትን።  ህዝብናውን ካብዚ ንሓልፎ ዘለና ህልቂትን ስደትን ምዳሓነ።  ድሕሪ'ቲ ባሓቲ   መግለጺ’ቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ፖለቲከኛታቱን ኮንደኾን ይማሓየሽ ይኸውን ዘብል፤ ናይ ምጥርጣር ምናልባሽ ክህልዎም ኣይምተገባኤን። ሽዑ ዘምለጠና ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ፖለቲካዊ መድረኽ ናይ ቃልሲ  እዩ ድማ ክሳብ ሎሚ ክንመልሶስ ይትረፍ፤ እንዳጸንሐ ክበታትነናን ክፈላልየናን ዝርከብ።

መጸዋዕታ ግብረ-እከይ ኢሳያስ ግን፡  ንምድህላል ዜጋታትን ንሓባራዊ ተሳትፎን ህንጸትን ዝዕድም  መግለጺ ሰውራዊ ባይቶ ከምዘይምልከቶ ንምርግጋጽን እንተዘይ ኮይኑ፡ መን እዩ መሓሪ መን’ከ እዩ ተመሓሪ? በየናይ ሕጊ እዩ ገበን ዝፈጸመን ዘይፈጸመን ተባሂሉ  ኢሳያስ ዝመምዮ?  አረ መን እዩኸ ዝመምን ዝምመን? ዝብሉ ሕቶታት ገዲፈ፡ እቶም ሃገርና ነጻ ወጺኣ እያ፡ ዕላማ ቃልስና ተረጋጊጹ እዩ ኢሎም፡  ብፍቓዶም ዓዲ ካብ ዝኣተዉ ገለ ገዳይም ተቃለስቲ ንምጥቃስ፤ ዑስማን ዳየርን፡ ማሕሙድ ዲናይን፡ እምባየ ሕድሩን ዝኣመሰሉኸ ዳኣ በየናይ ዓቃቢ-ሕጊ ተኸሲሶምን ኣየናይ ቤት ፍርዲ ብዝወሰኖ ብይንን እዮም፡ ኣብዚ ነጠቡ ከይተባህሉ ጠፊኦም ዘለዉ? ኣብ ስልጣን ኢሳያስ ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ፡ መተካእታ ሕግን ርትዕን፡ ቂምን ቅርሕንትን ምዃነን  ምዝንጋዕ ዘድሊ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ሎሚ፣ ብዙሓት ኣሰርትን ጨወይትን ዝነበሩ መራሕትን ካድራትን ህግሓኤ እዚ ከም ዝመጽእ ዘንጊዖም፣ ፍትሒ ስኢኖም ግዳይ ኢሳያስ ክኾኑ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኢሳያስ ግደፍዶ ኻልኦት ''ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ነጻነቱን ኣረኣእዩን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ'' ዝብል ሓሳባት ዝነበረን ሓይልታት ክቕበልስ፡ ህልውንኤን እውን ክሳብ ለይተ-ሎሚ ዘይኣምን፡ ብተግባር እንተኾነ'ውን ነቶም ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቱ ዝነበሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ምቑጻይ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዘውጽኦ መግለጺታት ህዝብን መሪሕነት ህግሓኤን ክማሃርሉ ምተገበኦም።

 

5. እዚ ጥራሕ መኣስ ነይሩ፡ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ'ዚ ናይ ብሓትነት መግለጺ ውልቀ ምልኪ፡ ብ27 ሰነ 1991 ንኣባላቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ '' ሕጂ'ውን ከም ቀደም ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት መድረኽ እነሆ። ካብ'ዚ ዝፍጠር ዘሎ ሓናቒ ኩነታት ንምውጻእ ኩሉ'ቲ ዝካኣል ጻዕርታት ከካይድ እዩ። መላእ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምኑ ንተኣማመን'' ዝብል፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዳግማይ ደልሃመት ይኣትዉ ምህላዎም ተገንዚቦም፡ ንመሓውራት ቃልሲ ዘትርርን ዘደልድልን  ጸዋዒት ካብ ዘቅረቡ ኣባላት መሪሕነት እዞም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ተሸሪቡ ዘሎ ብጻይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን እዮም ነይሮም። ኣንጊሆም እምቢ ንምልኪ! ስለዝበሉ ድማ እዮም ግዳይ መጭወይትን ሃለዋት ምጥፋእን ኮይኖም ዘለዉ። ሎሚ 26 ሚያዝያ 1992 ክዝክር ከለኹ፡  ተጋዳላይ ወልደስላሰ ቻንቹ ካድር ማሕበር ሓረስቶት ተሓኤ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ሓደ ካብ ቀንዲ ፈለምቲ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፤ ድሕሪ ናጽነት ካብ መደበር ወዲ ሸሪፎይ ተጨውዩ ኤርትራ ምስ ኣተወ ዳሃይ ዘይብሉ ዝጠፍኤ፡ ተጋዳላይ ገብሪሂወት ቀለታ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ፤ ካብ ሱዳን ተጨውዩ ናብ ኤርትራ ምስተወስደ ኣብ 2000 ዓ.ም ተፈቲሑ ምስ ሓንቲ ጽጌናይ ትባህል ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ክዓዪ ጀሚሩ። ኣብ 2001 ዳግማይ ዝተሰወረ፡ ተጋዳላይ ገብረብርሃን ዘርኤ ኣቦ-መንበር ደምሓኤ ዝነበር፡ ካብ ሑመራ ኢትዮጵያ ዝተጨውየን ዝተሰወረን ገላ ውሑዳት ክጠቕስ ከለኹ፡ ግደፍዶ ንነዊሕ  ዓመታት ዝፈልጦምን መጋድልቶም ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራኦም ወሪዱ ንዘሎ ማሕበራውን ስነ-ኣኣምራውን ሕሰም ንዝግንዘብ ምረቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ሕልና ዘለዎስ ይርድኦ እዩ። ጸኒሑ ዝተጋህደ ቅትለትን ማእሰርትን ግፍዕን፤ መቐጸልታ እምበር፡ ሓድሽ ዝተፈጥረ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነን። ሓደን፡ ክልተን፡ ሰለስተን ክጭወዩን ክስወሩን እንከለዉ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ድምጽኻ ምሕባእ እዩ ድማ፤ ንኢሳያስ ኣሻዲኑ መላእ ሃገር ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ህዝባ ቀይርዋ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ እዞም ክልተ ብጾት ን30 ዓመታት ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕን ግፍዕን ምዃኖምን ምስዋሮምን፤ እቲ ንሳቶምን ብጾቶምን ዘልዓልዎ ቅኑዕን ሰፊሕን፡ ነዊሕ ጠመተ ራእይ ዝነበሮ መግለጺታት ኣብ እዋኑኳ ሰማዒ እንተዘይረኸበ፡ ሎሚ ግን፡ ናይ ኣፈጻጽምኡ ብልሓት እዩ ጠፊእዎ ዘሎ እምበር፡ ንመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ኣለልዩ፡ ብመንገዲ ሕድገታት፡ ምጽውዋርን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝሰረታ፡ ዲሞክራስያዊትን መሰል ዜጋትት እተኽብርን ፍትሓዊት ኤርትራ፤ ኣብ ዑናታት ምልኪ ክትከል ምቅላስ ዝብል ኣምር ኣብ ሰፊሕ ኤርትራዊ  ዜጋ ምስፋኑን ኤርትራውያን  ጉዳዮም ኣብ ኢዶም ክጭብጡ ምቅላሶምን ክትርእን ክትሰምዕን እንከለኻ፡ ማእሰርቶም ከንቱ ኣይተረፈን፡ ሰፊሑን ዓንቢቡን እምበር ኣይተቆጽየን። ኣብ መደምደምታ ዘብጽሖ  መንእሰይ ወለዶን ብጾትን በዚሖም ኣለዉ። መላኺ ስርዓት ሰባት ክኣስርን ክስውርን ይኽእል እምበር፤ ንኣታሓሳስብኦምን ርእይትኦምን ግን ከቶ ክኣስር ስለዘይክእል ድማ፡ ምረት ሕሰሞም  ጽንዓትን ተወፋይነትን ናይ ቃልሲ እዩ ዝፈጥር። ነቲ ''ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምዃኑ ንተኣማመን'' ዝብል ካብ መግለጺታት ውድቦም ድማ ክዉን ገይርዎ እዮም።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደቁን ደቂ ደቑን ሓቚፉ ብሰላም ዝነብረላ፡ ክብራን ልኡላውነታን ዝዓቀበት፡ ሓንትን ብልጽግትን፡ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምርግጋጽ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ኩሉ ናይ ድሕረትን ምክፍፋልን ስምዒታት ሓራ ኮይኑ፡ ኣብ እንግድዕኡ ንዝተጻዕነ ታሪኻዊ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ክፍጽም ከዘኻክርንን ፡ እቶም ነባራት ተጋደልቲ እውን፡ ካብ ነይሩኒስ እነሀኒ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ እንታይ ተራን ኣበርክቶን ነይርዎ  ንታሪኽ ገዲፉ፡ ሕጂ'ውን ህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ሕሰምን ስቓይን ንምድሓን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዑ፡ እንታይ ክፍጽም ኣሎኒ ካብ ምባልን  ብሓባር ምብጋስን ክሃድም ከምዘይክእል ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይመርጽን። ወዲ ሰብ ሓላፋይ እዩ፡ ነባሪ ታሪኽ ሓዲግካ ምሕላፍ ግን፡ ዘይሃስስ መዘከርታ እዩ'ሞ ሓቢርና ንቃለሰሉ።  ጸልማት ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክዓስል’ዩ፡  ፍትሕን ርትዕን ድማ ክነግስ እዩ።

ምልኪ ፈራሲ፡ ሕሰም ሓላፊ እዩ!

ምልኪ ይደምሰስ፡ ፍትሒ ይንገስ!

ዓወት ንውጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና

 

  

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንግዲ ንክፍታሕ መጸዋዕታ ከምዘቕረቡ መርበብ ሓበሬታ “ኣልዓይን” ሓቢራ። እቶም ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ብስልኪ ምስ ሚኒስተር ወጻይ ጉዳይ ሩሲያ ሰርገይ ላብሮቭ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንክኽበር ከም ዝሓተቱ እቲ ዜና ገሊጹ።

ናይ ሩሲያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘካይድዎ ዝርርብ ብግሎም ኮነ ብደረጃ መንግስቲ ዝበልዎ ከምዘየለ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ። በኻልእ ወገን ድማ ኣሜሪካ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዩክረይ ክውግናኳ ክትጉስጉስ እንተጸንሐት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ዝተፈላለዩ መርገጻት እየን ሒዘን።

ንሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሽእዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡  ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊአን ንሩሲያ ክድግፋ እንከለዋ ገሊአን ከኣ ንዩክረይን ደጊፈን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤምባሲ ሩሲያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውግእ ሩሲያ ንምስላፍ ብዝብል ብዙሐት ኢትዮጵያውያን ተሰሪዖም ምርኣዮም ኣዛራቢ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኤምባሲ ሩሲያ ነቲ መስርዕ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነይኹን ናይ ወተሃደራዊ ምምልማል መደብ ከም ዘየብላ ገሊጹ። ኤምባሲ ዩክረይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ሩሲያ ኣይሰለጣን እምበር ኢትዮጵያውያን ክትምልምል ትፍትን ከም ዘላ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ነጽነዖ ኣለና ካብ ምባል ሓሊፉ ዝበሎ የለን፣

በቲ ኮነ በዚ ሃገራት ኣብ ምድጋፍ ሩሲያን ዩክረይንን ተኸፋፊለን ቀጺለን ኣለዋ። ዩክረይ ኣባል ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲ ክትከውን ዝገበረቶ ፈተነ ተኸቲሉ ዝተባርዐ ውግእ ክልቲአን ሃገራት ብዝኸፈአ መልክዑ ቀጺሉ ኣሎ።

መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቀዳም 16 ሚያዝያ 2022 ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ብዙም ኣካይዳ። ኣጀንዳ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡

1. ካብ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ዝቐረበ ዝርዝር ንጥፈታት ሰልፊ ምክትታል

2. ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ንጥፈታት ዞባ ምርኣይ

3. ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን መደባት ሰልፊ ናብ ተግባር ንምቕያርን ከም ወትሩ ወፈያታት ምብርካት

4. ጽፈት ኣሰራርሓ ዞባ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ዉሽጣዊ መምርሒታት ምሃብ

 

ኣኼባ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብህድኣት ድሕሪ ምምይያጥ ተደምዲሙ።

ከም ወትሩ ሞራል ኣባላት ሓፍ ዘብል ህዱእን ምክብባር ዝመልኦ ኣኼባ ኔሩ።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ። 

የቐንየልና።

ክንዕወት ኢና!

ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

04-18-2022

መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቀዳም 16 ሚያዝያ 2022 ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ብዙም ኣካይዳ። ኣጀንዳ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡

1. ካብ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ዝቐረበ ዝርዝር ንጥፈታት ሰልፊ ምክትታል

2. ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ንጥፈታት ዞባ ምርኣይ

3. ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን መደባት ሰልፊ ናብ ተግባር ንምቕያርን ከም ወትሩ ወፈያታት ምብርካት

4. ጽፈት ኣሰራርሓ ዞባ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ዉሽጣዊ መምርሒታት ምሃብ

 

ኣኼባ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብህድኣት ድሕሪ ምምይያጥ ተደምዲሙ።

ከም ወትሩ ሞራል ኣባላት ሓፍ ዘብል ህዱእን ምክብባር ዝመልኦ ኣኼባ ኔሩ።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ። 

የቐንየልና።

ክንዕወት ኢና!

ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

04-18-2022

ኣብዚ እዋንዚ “ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ” ዝብል መደምደምታ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ከይተረፈ፡ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎን ዝጸንሐን ኣጀንዳ እዩ። ብግብሪ ግና ህግደፍ ጣልቃ ኣታዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃንዳሲ ናይቲ ውግእ’ውን እዩ። ካብቶም  ቀዳሞት ሰለስተ ናይቲ ውግእ ተሰለፍቲ ህግደፍ ቅድሚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝስራዕ እዩ። ካብ 2018 ጀሚሩ ኣፍ ኣውጺኡ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ/weyane game over”  ክብል ዝተሰምዐ ንሱ እዩ። ናይዚ ኣበሃህላኡ ቃና ከኣ ነጋሪት ውግእ ምድሳቕ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ከምዚ ዓይነት ዓንዳሪ ድምጺ ብጋህዲ ካብ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ኣይተሰምዐን።

እቲ ኣበሃህላኡ ህግደፍ ናብ ወግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ተዓዲሙ ዘይኮነ፡ ዋኒነይ ኢሉ ከም ዝኣተወ ዘመልክት እዩ። ህግደፍ ውግእ ኣንጻር ክልል ትግራይ ከምዘይተርፍ ክጉስጉስ እንከሎ፡ ድምጾም ዘይስማዕ ዝነበረ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ ንኣተኣታትዋኡ ዝምልከት ክሳብ ክንደይ ምግላጹ ኣጸጊምዎም ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ገሊኦም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ወሲኽካ ዝሕባእ መሲልዎም “ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ኣይኣተወትን” ይብሉ ነይሮም። በዚ ኣበሃህላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ናይ ሓሶት ምስክርነት ስለ ዝሃብዎ፡ ደሓር ኣብ ዋጢጥ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ገለ ወተሃደራዊ ጀነራላት ኢትዮጵያ ግና ህግደፍ ናብቲ ውግእ ከይተጸውዐ “ስግኣት ኣለኒ” ብዝብል ጉልባብ ብኢደ-ወነኑ ከም ዝኣተወን በቲ ተረኽቦ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑን ከም ዝሓፈሩን ኣብ ኣደባባያት ኣቃሊዖም እዮም። ደሓር ግና ኣብይ እውን “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ”  ኮይንዎ፡ ህላወ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ብምርግጋጽ  “ኤርትራ እንተዘይትረድኣናስ እንታይ መወሓጠና?” ክሳብ ምባል በጺሑ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ገለ ኤርትራውያን ወገናት ምስሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከጸባብቑ ክብሉ፡ ነቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ  ኣትዮም ዝረግፉ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከምቲ “ዓሻ ሰበይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡ ካብኣቶም ስለ ዘይተወለዱ ጥራይ ዘይደቆም መሲልዎም  ኣይሻቐልሎምን። ሕሉፍ ሓሊፎም ደገፎም ንምርእይ ዘጣቕዑ ምህላዎም ዘሕዝንን ዘተዓዛዝብን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ሰልሚ ተሸኺሉ ክረግፍን ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ባህሊ ዘይኮኑ ግህሰታትን ዓመጻትን ክኽሰስን እንከሎ፡ “ስለምንታይ” እኳ ዘይምባሉ፡ ጽባሕ ይኹን ድሕሪ ጽባሕ ንገዛእ ርእሱ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክብጀው እዩ ኢልካ እምነት እተንብረሉ ኣይኮነን። ምናልባት እውን ንኤርትራዊ  ልኡላውነት ክሕልው ዘይኮነ፡ ካብዚ ዘላቶ ዝኸፈአ ጸረ ልኡላውነት መዘዝ ከይዕድመላ ዘየስግእ ኣይኮነን።

ናይቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይሉ ዘሎ እሞ ጋና ዘይሰለጦ ውግእ ዕላማ፡ ከምቲ ንምምልኻዑ፡ ንልኡላውነት፡ ንሰላም፡ ንዕቤት፡ ኣቐዲሙ ሮኬት ስለ ዝተተኮሰናን ንኤርትራን ዝተፈረደ ዶብ ንምውሓስን ኣናተባህለ ዝድረፈሉ ኣይኮነን። እቲ ሓደን ቀንድን  ዕላማ ናይዚ ኢድ ኣእታውነት፡ ስግኣት ኢሳያስ ዝወለዶ ዕድመ ስልጣኑን  ጉጅለኡን ምንዋሕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካብቲ ሓቀኛ ምኽንያት ብምህዳም፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ክረጋገጹ ዝበሃሉ ዘለዉ ሸቶታት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ከይኣተኻ  ብተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ክወሓሱ ዝነበሮም እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ጭካነ  ህግደፍ ክረጋገጽ ኣይከለን። ህግደፍ ከኣ ነዚ ሓቂዚ ንምሕባእ እዩ ካብ ቅድም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ኣብ ጐረባብቲ ሓዊ ዝኣጉድ ወይ ኣብ ዘዝተኣጉደ ዝጥበስ። ምናልባት ህግደፍ ከምቲ ብብዙሓት ወገናት ዝሕመ በዚ ውግእዚ ተጐልቢቡ ነገራዊ ረብሓ እንተ ኣዋሃለለ  እውን ኣብ ህግደፋዊ ክሊ ዝተደረተ ጠቕሚ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኢሳያስ እውን ዘተባብዖ ናይ ኣተሓሳስባ ምዝብራቕን ምክፍፋልን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ዲፕሎማስያዊ ተጽዕኖ ተወሲኽዎ፡ “ደጊም ጉዳይና ብውግእ ዘይኮነ፡ ብሰላምን ዘተን’ዩ ዝውዳእ” ዝብል ድምጺ መመሊሱ ይውስኽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እውን ናይዚ ወገን ኣካል እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደስ፡ ህላ እንተዘይለመደ ጠራጥ ለመደ”  ዝበሃል፡ ብኢሳያስ ዝተጸልዉን ኣብ ውግእ ምንባር ዝመረጹን ኢትዮጵያውያን ወገናት ይረኣዩ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብቲ ብናጽነት ኤርትራ ዘይሕጉስ ኣምሓራ ዘሎ ሃዋህው ናይዚ ኣብነት እዩ።

ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት “ኢሳያስ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ፋኖ ኣምሓራ ናብ ኤርትራ ወሲዱ የሰልጥን ኣሎ” ዝበሃልን ምጽራይ ዘድልዮን፡  ነቲ ስኽፍታ ዝያዳ ዘንህሮ እዩ።  መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሃታሃታ ብዘይትካላዊ ኣገባብ ምስ ኢሳያስ ክተዓራረኽ እንከሎ፡ ሓደ እዋን ዝኸፍሎ ዋጋ ከም ዝህልዎ ይግምቱ ናይ ዝነበሩ ወገናት ሓቅነት ድማ ሎሚ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ይመስል። ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ ኢሳያስ፡ ንኢትዮጵያ ከምዘይከውን ከኣ ተራእዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምሁራት ፖለቲከኛታት ብወገኖም ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ጥዑይ ከምዘይኮነ የመልክቱ ኣለዉ። ንሕና እሞኸኣ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነስ ንካልእ ክኸውን ከምዘይክእልን  እዚ ሕጂ ዘሎ ኰንታት ከም ዝመጽእን ኣቐዲምና ካብ ምትንባህ ዓዲ ኣይወዓልናን። እዚ ግምት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ  ዝመስሎም ኣካላት ስለ ዝነበሩ ግና ክሳብ ባዕሉ ዝገሃድ ክንድቲ ክብደቱ ቆላሕታ ከይረኸበ እዩ ጸኒሑ።

ኣወጻጽኣ ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣተኣታትዋኡ ቀሊል ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቲ ኣብ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ዝተሰረተ ፖሊሲኡ፡ እንተሰሊጥዎ ክለኻኽም ክፍትን እዩ። ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ከዕውቶ ዝሓሰቦ ከምዘይሰልጦ ርኡይ እዩ። እቲ ንጉጅላዊ ድሕነቱ ክብል ዘሳወሮ ውግእ ንኽሳራኡ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ ይመስል።  ስለዚ ዋላኳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያዊ ባይታ ዘሎ ኩነታት ንልዝብን ዘተን ዝዕድም እንተኾነ፡ ህግደፍ ክሳራኡ ክቕበል ቅሩብ ስለ ዘይከውን ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ንምልእቲ ኢትዮጵያ እውን ክበታትና ካብ ምሕላን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እቲ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን ዘርእዮ ዘሎ ሕግብግብ ምባል ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ስለዚ እቶም ኢሳያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ክኣቱ እንከሎ፡ “ሕራይ ገበርካ” ዝበልዎ ወገናት፡ ሎሚኸ “ከይተጸወዐ ዝመጽእ፡ ከይጸገበ ይወጽእ” ድዮም ክብልዎ፡ ወይስ ቋንቆኦም “ወትሩ ኣገናዕዩ” እዩ ክኸውን።