ሓበሬታ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ፍራንክፎርት

2024-04-23 10:32:43 Written by  ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 169 times

እቲ ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን መኽሰብ ኣልቦ ትካል ዝዳሎ፣ ብኣባላት  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ፡ ክእንገድን ክካየድን ዝጸንሔ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት፡ ሎሚ ዓመት’ውን ካብ 09 ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን  ብኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ምስንዳእን ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት፡ Goethe-Universität Frankfurt  Bockenheimer warte, MertonStr. 26-28  D-60325 Frankfurt am Main ዝርከብ ኣዳራሽ ከም ዝጋባእ ካብ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2024 ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ(ኤስሃግ) ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፣ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝቖመ ጥምረት ፖለቲካዊ ኣካላት እዩ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2024፡ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝካየድ ኮይኑ፣ ውጽኢት ናይቲ ብዓወት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ ኣብቲ ፈስቲቫል ክብሰር ምዃኑ እንዳሓበርና፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብጉዳይ ሃገሮም ንምዝርራብ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንጽውዕ።

በዚ መሰረት፡ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ ተቐማጦ ጀርመን፣ ርክብና/ቆጸራን ዕለት 09 ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ኣብዘሎ ግዜ  ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ይኹን።

ዝርዝር መደባት ፈስቲቫል ክስዕብ እዩ።

ብዳሓን የራኽበና።

Last modified on Tuesday, 23 April 2024 12:36