ሕብረት ኣፍሪቃ ውግእ ሩሲያን ዩክረይንን ብሰላም ክፍታሕ ጸዊዑ

2022-04-20 19:47:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 850 times

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንግዲ ንክፍታሕ መጸዋዕታ ከምዘቕረቡ መርበብ ሓበሬታ “ኣልዓይን” ሓቢራ። እቶም ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ብስልኪ ምስ ሚኒስተር ወጻይ ጉዳይ ሩሲያ ሰርገይ ላብሮቭ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንክኽበር ከም ዝሓተቱ እቲ ዜና ገሊጹ።

ናይ ሩሲያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘካይድዎ ዝርርብ ብግሎም ኮነ ብደረጃ መንግስቲ ዝበልዎ ከምዘየለ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ። በኻልእ ወገን ድማ ኣሜሪካ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዩክረይ ክውግናኳ ክትጉስጉስ እንተጸንሐት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ዝተፈላለዩ መርገጻት እየን ሒዘን።

ንሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሽእዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡  ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊአን ንሩሲያ ክድግፋ እንከለዋ ገሊአን ከኣ ንዩክረይን ደጊፈን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤምባሲ ሩሲያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውግእ ሩሲያ ንምስላፍ ብዝብል ብዙሐት ኢትዮጵያውያን ተሰሪዖም ምርኣዮም ኣዛራቢ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኤምባሲ ሩሲያ ነቲ መስርዕ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነይኹን ናይ ወተሃደራዊ ምምልማል መደብ ከም ዘየብላ ገሊጹ። ኤምባሲ ዩክረይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ሩሲያ ኣይሰለጣን እምበር ኢትዮጵያውያን ክትምልምል ትፍትን ከም ዘላ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ነጽነዖ ኣለና ካብ ምባል ሓሊፉ ዝበሎ የለን፣

በቲ ኮነ በዚ ሃገራት ኣብ ምድጋፍ ሩሲያን ዩክረይንን ተኸፋፊለን ቀጺለን ኣለዋ። ዩክረይ ኣባል ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲ ክትከውን ዝገበረቶ ፈተነ ተኸቲሉ ዝተባርዐ ውግእ ክልቲአን ሃገራት ብዝኸፈአ መልክዑ ቀጺሉ ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 20 April 2022 21:59