ኤርትራዊ መንእሰይ ብኣዛዚ ሰራዊት ተቐቲሉ

2026-01-12 09:41:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 282 times

ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ዓዲ ሹማ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብ7 ጥሪ 2026 ወዲ ፍርዙን ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ሓሰን እድሪስ ንዝተባህለ ሰላማዊ ሰብ ቀቲሉ ወዲ ስዒድ ንዝተባህለ ከኣ ከም ዘቑሰለ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ንመንቀሊ ናይቲ ቅትለትን መቑሰልትን ብዝምልከት ከም ዝሓበርዎ፡ ብመጀመርያ   ዓዲ ዒለ ካብ ዝተባህለ ቦታ ዝመጸት ብወዲ ፍርዙን እትምራሕ ኣሃዱ መንእሰያት ንውትህድርና ንምግፋፍ ነታ ዓዲ ኣኽቢባታ። ድሕሪኡ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዝርከብዎም ብዙሓት ደቂ’ታ ዓዲ  ካብቲ ግዱድ ውትህድርና ንምድሓን ክብሉ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ጀሚሮም። እቶም ወተሃደራት ከኣ ነቲ ህድማ ንምዕጋት ኣድራጋ ተኲሶም። በቲ ተኹሲ ከኣ እቲ ዝቐተለን ዝቖሰለን ግዳይ ኮይኑም።

ድሕሪኡ እቲ ዝተወቕዐ ወዲ ስዒድ ንሕክምና ናብ ኣስመራ ተወሲዱ። ስድራቤትን ደቂ ዓድን ናይቲ መዋቲ ከኣ ቀታሊኡ ክሳብ ዝፍለጥ ኣይንቐብሮን ኢና ብዝብል  ንዝጻረ ኣስከሬኑ ናብ ጊንዳዕ ወሲዶም ከጽንሕዎ’ኳ እንተፈተኑ፡ እቲ ኣዛዚ ናይቲ ሰራዊት ወዲ ፍርዙን፡ “ኣነ ባዕለይ እየ ቀቲለዮ ቀልጢፍኩም ቅበርዎ” ምስ በሎም ተገዲዶም ብዘይመርመራ ከም ዝቐበርዎ ተሓቢሩ።

ድሕሪኡ እቶም ደቂ ዓዲ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከይዶም ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ምስ ኣመልከቱ እቶም ኣባላት ፖሊስ ቀታሊ መን ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ፡ “ኣብዚ ጉዳይዚ ክንሕግዘኩም ኣይንኽእል ኢና” ኢሎም ኣፋንየሞም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን  ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ቀራና ኩዶ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ወተሃደራት ኤርትራ ያፌት ዝተባህለ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝቐተሉን በቲ ቅትለት ቁጠዓኦም ንዝገለጹ ደቂ ዓዲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጐንዎም ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 12 January 2026 10:45