ጀነራል ኣልቡርሃን እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ክፍተሓ ኣዚዙ
2026-01-10 20:25:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 249 timesብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተአሲረናሉ ዘለዋ ቤት ማእሰርቲ እምዱርማን
ኣዛዚ ሰራዊትን ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተን ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምዱርማን ተኣሲረን ካብ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት 400 ንክፍተሓ ከም ዝኣዘዘ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እተን ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝምድና ከይህልወን ምጽራይ ክግበር ኣምእዛዙ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ጀነራል ነዚ ትእዛዝ ዝሃበ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ እተን እሱራት ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ዘለወን ርክብን ካልእ ሰብኣዊ ኩነታተንን ምስተዓዘበ እዩ። ንምብጻሕ እቲ ጀነራል ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝምልከት ኣብ ናይ ትዊተር (x) ገጸ ዝወጸ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ እተን ብቀዳምነት ንክፍተሓ ዝተወሰነለን 400 ደቂ ኣንስትዮ ኣደታት ቆልዑ ዝኾናን ብዝፈጸመኦ ጌጋ ዝተጠዓሳን ኩሉ መሰላተን ዝሕለወለን እየን።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኩለን እተን እሱራት ንቀጻሊ መስርሕ ፍርዲ ንክጥዕም ብመንጽር ዝፈጸመኦ ገበናት ተፈላልየን ክተሓዛ መምርሒ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ምጽራይ ክቀላጠፍ እሞ ኣብቲ ቀጻሊ ዘሎ ምስሕሓባት መሰል እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለወሉ ኩነታት ክፍጠር መርሒ ከም ዝሃበ ተገሊጹ።
ፖሊስ ካርቱምን ኣባላት ሰራዊትን ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ውግእ ምስቲ ዑጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ርክብ ነይርወን ብዝብል፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሲሮም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ካብኣተን ውሱናት ብይን ክረኽባ እንከለዋ፡ እተን ዝበዝሓ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዘን ፍርዲ ዝጽበያ ዘለዋ እየን። ኣብቲ መስርሕ ቀዳምነት ዝወሃበን ኣደ ቆልዑ ዝኾና ኣደታት እየን። ሌተናል ጀነራል ኣሚር ዓብደል ሞነይም ዳይረክተር ፖሊስን ያሲን ዑመር ኣቡ ዛይድ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ማእሰርትን ነቲ መስርሕ ንክመርሑ ተመዚዞም ዘለዉ ምዃኖም ድማ እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጡ።