ኤርትራ ኣብ ወረቐት ዘይኮነት፡ ኣብ ጽኑዕ ባይታን መዓሙቕ ልቢ ህዝባን’ያ ዘላ!

2026-01-11 20:59:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 723 times

ኤርትራ ከም ውጽኢት መግዛእቲ ኢጣልያ ብ1890፡ ምስዚ  ክሳብ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ምስሊ ካርታ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ዝትደኮነት፡ ኣብ መዓሙቕ ልቢ ህዝባ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ሃገር እያ። ጠቕላላ ስፍሓታ 117,600 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ብድምር  2,234 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ ክህልዋ ኣንከሎ ካብዚ እቲ 1,083  ናይተን ልዕሊ 300 ደሴታታ ገማግም እዩ። እቲ 1,151 ኪሎሜተር ከኣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተዓጢቓቶ ዘላ ደንደስ እዩ።  ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ህያባት፡ ምልኩዕ ኣቀማምጣን ልሙዕ መሬት ሕርሻን ከኣ ዝተዓደለት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ንሓንሳብ ብምሉኣ ክጐብጥዋ፡ ንሓንሳብ ድማ ገለ ካብ ኣካላታ መንጭቶም ክወስዱ ዝህቅኑን ሓድነት ህዝባ ክዘርጉ ዝደልዩን ጸላእቲ ከጋጥምዋ ጸኒሖም እዮም። መግዛእቲ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ከምኡ ከኣ መጉዚትነት ዓባይ ብሪታንያ ዝጥቀሱ እዮም። ኩሎም እዚኣቶም ድማ ሳላ ናይ ህዝባ ሓድነት፡ ፍቕሪ ሃገርን ትብዓትን ዘዝበልዑ በሊዖም ተተኾሊፎም ዝተጸርጉ እዮም።

ነቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓለፍዎ ህይወትን ዘርኣይዎ ጽንዓትን ከም ተመኩሮ ብግቡእ ኣይተማህርሉን እምበር፡ ናብዛ ህዝባ ካልእ ገዲፍካ ን30 ዓመታት ኩለ-መዳያዊ ውግእ ኣካይዱ ናጻ ዘውጸኣን ቀጺሉ ብረፈረንደም ንልኡላዊት ሃገር ዘብቀዓን  ኣብዚ እዋንዚ “ቁሊሕ ኢሉ ብሕማቕ ዓይኒ ዝርኣ” ኣካል ከጋጥማ ኣይነበሮን። እንተኾነ ከምቲ “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ሎሚ እውን ኢደ-እግሮም ዘይእክቡ፡ ብውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ “ዓይኖም ደም ዝመለአ” ዓመጸኛታት  ኢትዮጵያውያን ኣንጻራ ኢዶም ካብ ምቕሳር ዓዲ ኣይወዓሉን።

ኣብ ታሪኽ መንግስታት ጐረቤትና ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ  ዝተማህረ መንግስቲ ኢህወደግ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ካብ ተመኩሮኡ ዘማዕበሎ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ጸጋ ከኣ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ “ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ” ኣፍልጦ ብምሃብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ዘርብሕ ምዃኑ ዝተረድአ ምርጫ  ወሲዱ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ናይ ሓባር ጩራ ሰላም በሪሁ ነይሩ።

እቲ ዘሕዝን ግና፡ ሎሚ ኣብ ግዜ ኢህወደግ ሳሕቲ ዝስምዑ ዝነበሩ ዓመጸኛን ዘይፍትሓውን ድምጽታት፡ ነቲ ናይ ኢህወደግ “ባዕሉ ንዝዛረብ ሓቂ ናይ ምቕባል ተመኩሮ” ከም “ጌጋን ክድዓትን” እናቖጸሩ፡  ናይቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንብረትን ህይወትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብሪሶምን ኣህሎቖምን፡  ስዕረት ዝተጐልበቡ፡ መንግስታት፡ ወራሪ ተመኩሮታት ከበራብሩ ንዕዘብ ኣለና። 

እንተኾነ፡ ከምቲ ኣቦና ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ቅልጽሙ እዩ ናጽነቱ ደፊኡ ዝርከብ ዘሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ባሪኽሉ እዩ እሞ፡ ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝትንክፋ ወይልኡ” ዝበልዎ፡ እቶም ሎሚ ዝስንትሩ ዘለዉ ፖለቲካውን ታሪኻውን እንዶ ዘየብሎም ዓንደርቲ ባእታት ብልጽግና፡ ብፍትሓዊ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞናውን ቻርተራትን ይምከቱ ከምዘለዉ  ዘማትእ ኣይኮነን።

ሎሚ ከምቲ “ዓሻሲ ሓደ ደርፉ” ዝበሃል፡ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ብልጽግና ብየማነ-ጸጋም “ትኽተልዎ ዘለኹም መንገዲ ኣይሕጋውን”፡ ይበሃሎም  ብዘሎ ምሕጽንታ ከይተገደሱን ዝተፈላለዩ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ንዝዕቅቡ ሕግታት ጸማም እዝኒ ብምሃበን “ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ምውናን ስለ ዘድልየናስ ብሓይሊ ከነረጋግጾ ኢና” ንዝብል ናይ ዕሽነት ድዩ ናይ ጽላለ ፈኸራ “ኣፎም መሊኦም” ይድርጉሕዎ’ለዉ። “ክበልዕ ዝበለስ  ገደል ኣፉ ኣይትኹኑ”  ንዝብልዎም ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሰምዕ እዝኒ ስለ ዘየብሎም ከኣ “ዝሓዝና ሒዝና ንኺድ ጥራይ” ምባል መሪጾም ይዓብዱ ኣለዉ።

ኩልና ከም እዝክሮ፡ ኣብ ኣከባብራ በዓል ጥምቀት 2019፡ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ጐንደር ንኤርትራ ጠቕሊላ ናብኣ ዘእተወት ካርታ ኢትዮጵያ፡ ምዝርግሓ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ቁጠዐ ኣሕዲሩ ነይሩ እዩ። እቲ ሽዑ ዝያዳ ኣገራሚ ዝገበሮ ከኣ፡ ናይቲ ኣጋጣሚ ዕዱም ናይ ክብሪ ጋሻ ዝነበረ፡ ኣንበሳደር ህግደፍ  ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ነቲ ኩነታት “እናረኣየ ከምዘይረኣየ” ኮይኑ፡ ብሕም ዘይምባሉ እዩ።

እቲ ናይ ሽዑ ምጽቃጡን መራሒኡ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዋና ጻሓፊ ህግደፍ ዝነበረ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ምስ ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ዝነበሩ ሕግብግብን፡ ኢትዮጵያውያን ኣብዚ እዋንዚ ዓይኖም ብጨው ተሓጺቦም “ኤርትራ ብጌጋ ዝተፈልየት ኣካል ግዝኣትና እያ” ክሳብ ምባል ንክበጽሑ ኣስተዋጸኦ ኣይገበረን ዝበሃል ኣይኮነን።

እነሆ ሎሚ ከኣ ነቲ ዕብዳን ጽላለ ወሲኸምሉ፡  ዓለም ለኻዊ ዶብ ግሂሱ፡ ንመላእ ደንከልያ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ሓድሽ ካርታ (MAP) ኣዳልዮም ዘርጊሖም። ብ3 ጥሪ 2026 ብላቴን ኣብ ዝተባህለ መደበር ንዝተዓለመ ሰራዊቶም  “ኤርትራ ወሪርካ ነዚኣ ኢኻ ኣተውሕስ” ኢሎም፡ ጀነራላት ብልጽግና በታ ኣብ ወረቐት ሰኒዖም ኣብ መንደቕ ዝሰቕልዋ ዓመጸኛ ናይ ሕልሚ ካርታ ብቓልዕ  ቃል ኣእትየም ኣረኪበምዎ። እዚ ንውዕል ኣልጀርስ እውን ሃዶሽዶሽ ዘብል ተግባር፡ ምስቲ ካልእ ምዕባለታት ኣዛሚድካ፡ ኣፍካ መሊእካ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ይፍጽሙ’ለዉ” ዘብል ሓደገኛ ወስታን መጠንቀቕታን እዩ። “ዝመጽእ ዘሎ በዓል ልደት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከነብዕሎ ኢና” ክውስኽሉ እንከለዉ ድማ የስደምም።

ነዚ ሓደገኛ ድፍረት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ተዛመድቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ዐገብ ከብልዎ ይግባእ።  ስቕ ኢሎም እንተሪአሞ ግና፡ ኣንጻር ልዕልና ፍትሒ፡ ዓለም ለኻዊ ስምምዓትን ቻርተራትን ስለ ዝኾነ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኤርትራ ዘይድረትን ሓደገኛን እዩ። ክፋል ኤርትራ ተቐዲዱ ኣብ ዝድርበ  ካርታ ኣስፊርካ፡ “ክሳብ’ዚ ናትና’ዩ “ እናበልካ ምትህርራፍ ንረብሓኡ ከምዘይኮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘቦ ሎሚ’ውን ነዘኻኽሮ። ውሑስ፡ ሰላማውን ናይ ምትሕብባርን ጉርብትና ዘገድሶም ኢትዮጵያውያን  ንሳዕቤን ናይቲ ዝቀላቐል ዘሎ ዓመጽ ተገንዚቦም፡ ሃቐነ ወራር ብልጽግና ይቃወሙ ንዘለወ ኢትዮጵያውያን ከኣ ጻዕሮም ክቕጽሉ መጸዋዕታ ነቕርበሎም።

ኤርትራውያን ከኣ ከምቲ “ሃገር ናይ ህዝቢ ህይወት እምበር፡ ናይ ውልቀ-መለኽቲ ኣይኮነትን። ናይ ህዝቢ ህይወት ከይትኸውን ዝዕንቅፍ፡ ዝጭቁንን ዓቕሊ ዘጽብብን ኣካል ክህሉ የብሉን” ዝብል ወርቃዊ ቃል ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ነዚ ኣንጻር ኤርትራ ዝእለም ዘሎ ውዲት ምብርዓን ናይ ህዝቢ ሓላፍነት እምበር፡ “ንህግደፍ ኣሚንካ ዝግደፍ ከም ዘይኮነስ፡ ኣይንዘንግዕ” መልእኽትና እዩ።

Last modified on Thursday, 15 January 2026 10:34