ወጥሪ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ-ትግራይን ይዛይድ ኣሎ

2022-04-13 07:33:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 899 times

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ገዘፍቲ ሰራዊትን ዕጥቅን ይስለፉ ከም ዘለዉ ኣብ መርበብ ዓዋተ፡ ክፍሊ ዜና ገዳብ (Gedab News) ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። ክልቲኦም ወገናት ሰፋሕቲ ስልጠናታት ከካይዱ ስለ ዝጸንሑ ውግእ ዘይተርፍ ከም ዝመስል እቲ ዜና ገሊጹ፡ ሳዕቤኑ ክትግምቶ ዘጸግም ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣስፊሩ። እቲ ወጥሪ ዝሕይለሉ ዘሎ ግንባራት፡ ዛላንበሳ፡ ራማ፡ ባድመን ሑመራን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ካብ 1998-2000 ጀሚሮም ኣብቲ ቦታ ዝዓረዱ ምዃኖም ዝጠቐሰ ዜና ገዳብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ብዝተፈልየ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይቆጻጸሮም ሰራዊት ከም ዘለዉዋ ገሊጹ። ሓደ ካብኣቶም ሓይልታት ምክልኻል  ትግራይ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።  

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምድላው ዝግበረሉ ዘሎ ከባቢ ብ198-2000 ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ 100 ሺሕ ወተሃደራት ዝሞትሉ ውግእ ከም ዝተኻየደሉ እቲ ዜና ገሊጹ። ብዘይካቲ ሞትን ዕንወትን ብሰንክቲ ናይ ቅድም ውግእ ኣማኢት ኣሸሓት ሲቪል ክመዛበሉን ክሳብ ናብ ምብራቓዊ ከባብታት ሱዳን ክስደዱን ከም ዝተገደዱ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ። በዚ መሰረት እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ህዝቢ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ጸገምን ዕንወት ንብረትን  ከየጋጥሞ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከብ እቲ ዜና ጠቒሱ።  

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኣንጻር ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ሸኔ) ኣብ ሰፊሕ ወተሓደራዊ  ወፍሪ ከም ዝርከብ እቲ ካብ ገዳብ ዝተረኽበ ዜና ኣዘኻኺሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህግደፍ ዝያዳ ካልእ እዋን ዝጽመደሉ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ የንጸላሉ ምህላዉ ምንጭታታ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብምጥቃስ  ኤሪሳት (ERISAT) ሓቢራ።

ብመሰረት ዜና ኤሪሳት፡ ህግደፍ ምስ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈጥሮ ዘሎ ሽርክነት፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ዝሓቢሩ ወገናት፡ ነቲ ሻቕሎት ንምፍዃስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ስለያ ህግደፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበርዎም መገሻታት ፍረ ከምዘይተረኽቦም ተፈሊጡ።

እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግበሩ ዝወርሑ መገሻታት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ  ዘተን ሰላምን ናይ ምኽታል ኣንፈት ህዉኽ ስጉምቲ እዩ ብዝብል፡ ቀይዲ ክገብረሉን ኣብ መሪሕነትን ሓይልታትን ክልል ትግራይ ዘርእዮ ዘሎ እውንታዊ ቅሩብነት ደዉ ከብልን ካልእን ዝብሉ ቅድመኩነታዊ ጠለባት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንምብጻሕን እዋናዊ መርገጻት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምጽላዉን ዝዓለሙ ምንባሮም ኣብቲ ዜና ኢሪሳት ተጠቒሱ።

Last modified on Wednesday, 13 April 2022 09:43