በዓለ-ትንሳኤ ብዝተፈላለየ መጸውዕን፡ ኣብ ዝተአላለየ ግዜን ብዝተፈልየ ምልክዓትን ንድሕነት ህዝቢ ዓለም ብዝተፈጸመ መስዋእትን ትንሳኤኡን ዝፍለጥ ሓደ ካብ ዓበይትን ክቡራትን ሃይማኖታዊ በዓላት እዩ። ስለዝኮነ ድማ ስድራቤታት ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝተኣኻኽብሉ፤ ተፈላልዮም ዝጸንሑ መታዓብይትን መሓዙትን ወዶም ኮነ ጓሎም ዝራኸብሉ ናይ ታሕጓስን ደስታን ዓመታዊ በዓል ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣረ ብዙሕ ካብ ስድራታት ህዝብናስ ቆልዑትን ወርጠበናትን/ጎምበለታት ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ሓደስቲ ክዳውንቶም ለቢሶም ኣብ ቅርዓት ዓድታቶም ናተይ ይጽብቕ፤ ናተይ እባ እንዳተባሃሀሉ ታሕጓሶም ዝገልጽሉ ሓደ ካብ ናይ ፍሳሃን ደስታን ማዓልታት እዩ። ፍቅርን ሕውነትን ስድራታት ዝግለጸሉ ማዓልቲ እዩ።
ሓደ ብኣርኣያ ስላሰ ዝተፈጥረ ስብ፤ መቐረት ናይዚ ቅዱስን ናይ ታሕጓስን መዓልቲ ዘይፈልጥን ናብ ናይ ክፋእን ሕሰምን መጻወድያ ዝቕይርን እንተልዩ ግን፡ ብዘይካ’ቶም ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዘዕበይ መሪሕነት ህግሓኤን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ዲክታቶራውያን ስርዓታትን እንተዘይ ኮይኖም ካልእ ክርከብ ኣይክእልን እዩ።
ስለዚ ድማ'ዩ፤ ብዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ሰንበት እኳ ትንበር እምበር፡ ልክዕ ከምዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ብምኽንያት በዓለ-ትንሳኤ ምስ ቤተ-ሰቦምን ማሓዙቶምን ነቲ በዓል ንምኽባር ዝተዓደሙ ብጾት ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ናይ ሽዑ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፤ ልኡኻት ስርዓት ኢሳያስ ምስ ሓደ ቤት-ሰብ መሳሊ ካብ ዓደምቶምን ጸጥታ ሱዳንን ተመሳጢሮም ካብ ከሰላ ብምጭዋይ፡ ነቲ መዓልቲ ሓጎስ ናብ ማዓልቲ ሓዘን ዝቐየሩ።
ካብቲ ባህልን ክብርን ዘይብሉ፡ ንናይ ሓሳባትን ፖለቲካዊ ፍልልያትን ክጸወር ዘይኽእል፡ እንትርፎ ዓመጽን ሓይልን ንኻልእ ፍታሓት ዘይተዓደለ፡ ቃጻን ሻራነት ጎረባብቲ ሃገራትን ከም ቀንዲ መሳርሒ ዝጥቀም ርእሰ ምልኪ ኢሳያስ ካልእ ዝጸበ ሰብ እንተልዩ ገና፡ ሕሰምን መከራን ዘይጸገበ ወይ ድማ ነዚ ጥራሕ ዝተፈጥረ፤ ካልእ ጽቡቕ ዝባሃል ነገር ከምዘሎ ዘይፈልጥን ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብጾት ድሕሪ’ዚ ናይ መጭወይቲ ማዓልት'ዚ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ 30 ዓመታት መመላእታ ብዘይካ ኤርትራ ምብጽሖም ካልእ ዳሃይ ዝባህል የብሎምን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘታሓሳስብን ድማ ኣብ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ፈራሃት መለኽቲ ምውዳቆም እዩ። ዋላ እቶም ንማንዴላ 27 ዓመታት ዝኣሰሩ ዓሌታውን መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን፡ ብስድራ ቤቱ ክብጻሕስ ኣይነፈግዎን። ፍርህን፡ ብቖዓትን ኣፍልጦን ዘይምውናን ድማ ቀንዲ ካብ መበቆል ዲክታተርነት እዩ።
እዞም ክልተ ተጋደልቲ ብጾት እዚኣቶም፣ ልክዕ ከምቲ ናይ ስሳታትን ሰብዓታትን መንእሰይ ኤርትራ ማህደሮምን ርሳሶምን ኣቐሚጦም፤ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፎም ንናጽነትን ሓርነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንእስነቶምን ሂይወቶምን ካብ ምብጃው ሓሊፎም ዝፈጸምዎ ዝኾነ ይኹን ኣበሳ ኣይነበሮምን የብሎምን ድማ።። ባህግታት ህዝብና ንምርግጋጽን ንዝተሰለፍሉ ዕላማ ንምዕዋትን ኣብ ቃልሲ ተመሪሖምን መሪሖም፤ ኣብ ከበድቲ ወታሃደራዊ ስርሒትትን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዝፈጸሙን ደሞምን ዓጽሞምን ዝኸፈሉን ብጾት እዮም። ኣሰር ጀግንነቶም ኣብ ኣካላቶም ዘሎ በሰላ ጠያይት መግዛእትን ዝተቆርጸ ኣጻብዕን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንሎሚ ብሓፍሻኡ ካብ ጎላጎል ስመጃና ጀሚርካ ክሳብ ጋሽ ባርካ ዝፈሰሰ ደሞም ዘይሕከኽ ኣሰር ገዲፉ ምህላዉ ክጠቅስ እደሊ።
ጠንቂ መጭወይቲ ብጻይ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝተጠቕሰ ባህርያት ምልኪ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ ናይ ናጻነት ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ስለምንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ ነቲ ቅድሚ’ዚ ዕለት'ዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ካልኦትን ዝሕስብ ዝነበረ ናይ መጭወይት፡ ቅትለትን ራዕድን ደምሳሲ ፈተነታት ገዲፈ፡ ነቲ ንኢሰያስ ዘይቀባበሎ ናይቲ እዋን ገለ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፍሉይ ርእይቶታት ምጥቃስ፤ ነቲ ኣንጊሁ ዝተበገሰ ግን ከኣ፡ ሰማዒ ኣእዛን ዘይረኸበን ሓይሊ ተቓውሞ ምንባሩ ዘየርከቡ መንእሰያትና ብሰነድ ሓበሬታ ምቕራብ ጠቓሚ እመስለኒ።
1. ቅድሚ ምጅማር፡ ናይቲ ኣብ ሎንዶን ክካየድ ዝሕሰብ ዝነበረ ርኽክብ ትሻዓተ ማዓልታት ቅድሚ ናጽነት ማለት'ዩ፤ መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ካልኦት 3 ውድባት ኤርትራ ብ16 ጉንበት 1991 ''እዚ ኣዋጅ'ዚ ዚኸተማ ኤርትራውያን ውድባት፤ ኣህጉራውን ሓፈሻውን ርእይቶ፡ ኣብ ሎንደን ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ርኽክብ፤ ንጎንጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወድዓዊ ምይይጥ ከምዝይበቅዕን ብውጻኢቱ'ውን ከምዘይምእዘዛን ይገልጻ'' ዝብል ገለ ካብ ትሕዝትኡ እዩ ነይሩ። እዚ መግለጺ'ዚ ምስ ተግባራትን ባህግታትን ኢሳያስ ብቐጥታ ስለዝራጸም፡ ነዚ እምንቶ'ዚ ዝነበሮ ኣባል መሪሕነት ውድባት ኮነ ሃገራዊ ግዜ ተጸቢዩ ከምዘጥፋኦ ፍሉጥ እዩ።
2. ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብ25 ጉንበት 1991 ካብ ዘውጽኦ መግለጺ ''ኢትዮጵያዊ ጎበጣ ኣብ ኤርትራ ብምስዓሩ ንሓፋሽ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ናይ ሓጎስ መግለጺኣ እናኣቕረበት፤ ንኹለን ውድባት ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ብምስምማዕ ክዓያን፤ ሃገራዊ ናጻነት ብምእዋጅ ኩሉ ዓቕምታተን ንሃገርን ሰውራን ንምክልኻል ክጸምድኦን ትጽውዕ'' ይብል። ሽዑ ምእዋጅ ናጽነት ሕማም ርእሲ ናይ ኢሳያስ ምንባሩ ኣብቲ ብዕለት ብ29. ጉንበት.1991 ኢሳያስ ኣብ ሎንደን ናጽነት ከምዘይእውጅን ንረፈረንዱም ክጽበ ምዃኑን ብዘቕረቦ መልሲ ውዱእኳ እንተነበረ፡ ብ4 ሰነ 1991 ኣብ ካርቱም ቓዓ ኣልሰደቓ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላን፡ ንምእዋጅ ናጻነትን ተሳትፎ ውድባትን ብዝምልከት ቃለ ማሕተትን ቃል ብቓሉ ''ግዜ ረፈረንዱም ኣብ ዋዕላ ኢትዮጵያ ከምዝውሰንን፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ክሳተፍ ዝደሊ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እዘን ውድባት ከም ዝኾነ ካልእ ዜጋ ንሃገሩ ተመሊሱ ክሳተፍ ይኽእል እዩ'' ክብል ኣፍሊጡ እዩ። ስምምዕን ልዝብን ዝብሉ ኣምራት እሞ፤ ንሜላ እንተዘይ ኮይኑ፤ በዓል ለይተን ስለዘይኮነ፡ ነዚ ካብ ርእይትኡን መደባቱን ዝተፈልየ መግለጺ ካብ ዘውጽኤ ውድብ ተጋደልቲ ብጾት ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ግዳያት ክገብሮም መን ዘይጽበዮ። መግለጺ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ኣዕሚቐን ይቕበራ ምንባረን ንውድባት ኤርትራ ዳግማይ መርድእ'ዩ ነይሩ። እዚ ንውድባት ጥራሕ ዝምልከት ከምዘይኮነ ግን፣ መሳርሕቱ ዝነበሩ’ውን ውሳኔታት ጉባኤኦም ይፈርስ ምህላዉ ክሓስብሉ ኣይካኣሉን።
3. ኢሳያስ ኣብ እዋን ናጽነት ምስ ውድባት ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ዝራጸም ነይሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ውዓል ሕድር ከይበለት ናጽነት ኤርትራ ስለዝኣወጀትን ስለዝተቐበለትን፡ ተኽለብርሃንን ወልደማርያምን ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ብ30 ጉንበት 1991 ''ሓው ዝኾነ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ኣብዚ ምዕብልናታት'ዚ ኣብ ዝወሰዶ ኣወንታዊ መርገጽ ነምጉሶን ነተባብዖን ምዃና ነረጋግጽ'' ዝብል መግለጺ ምውጽኦም፡ ንመደባት መራሒ ምልካዊ ስርዓት ዝጻረር ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ንዘውጽኦ ኣዋጅ ናይ ናጽነት ስሒቡ፡ ክሳብ ናይ 1993 ህዝበ-ውከሳ ኣቐሚጥዎ ጸኒሑ። ዓንጸዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝባሃል ግን ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ንናይ ናጽነት ኣዋጅ ዝድግፍ ፍሉይ ርእይትኦምን ሓሳቦምን ዝውህለል ካብ ዝነበረ ምኽንያታት መሰወሪኦም እዩ።
4. ብዘይካ'ዚ፡ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ዝኣባላቱ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ፡ ነቲ ቀንዲ ሰረት ሓድነት፡ ልምዓትን ህንጸትን ዝኾነ ራእይ ውድብ፡ ብ7 ሰነ 1991 ኣብ ዘውጽእዎ ኣዋጅ ''ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት፡ ናይ'ዚ መድረኽ'ዚ ዕማም ንምዕዋት መታን ክካኣል ፍልልያቱ ንጎኒ ብምግዳፍ፤ ሓቢሩ ክዓዪ ይጥለብ ኣሎ። ንሕና ምእንቲ ዝላዓለ ሃገራዊ ጠቕሚ ኤርትራ፤ ኤርትራዊ ፍልልያት ነዚ መድረኽ'ዚ ክውንዘፍ እናጠለብና ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ኩሎም ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገር ንዝደጋገፉ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምብጻሕ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ናጻነቱ፡ ኣረኣእያኡን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብኣረኣእያኤን ዝፈላለያ ሃገራውያን ውድባት ምህላወን ምኽሓድን ርእስኻ ኣብ ሑጻ ክትቀብር ምፍታንን ፈጺሙ ዘይግባእን እዩ። እዘን ውድባት ኣበርክቶአን ክሳብ ክንደይ ዓብዪ ወይ ንእሽቶይ ነይሩ እቲ ተሳትፎ ብዘየገድስ፡ ብዝገበርኦ ኣበርክቶ ንዝተረጋገጸ ዓወታት ኣብ ምክልኻል ንኸይሳተፋ ክኽልክለን መሰል ዘለዎ'ውን ዋላ ሓደ የለን'' ዝብል ነይሩ።
ኢሳያስ ንስምዒታት ህዝብና ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ'ዩ፤ ብ20 ሰነ 1991 ትኽ ብትኽ ንዝወጸ ኣዋጅ ሰውራዊ ባይቶ ዝጻረር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሎሚ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ናይ ህልቂት ጎደና '' ህግሓኤ ብዘይካ'ቶም ኣዝዮም ውሑዳት ከቢድ ገበን ዝፈጸሙን ሃብቲ ህዝቢ ዚሰረቑን ዘጠፋፍኡን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቐርቡ፡ ኩሎም'ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብስም ውድባት ተጋግዮምን ተደናጊሮምን ዝጸንሑ ዜጋታት ብዘይ ገለ ስኽፍታ ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገሮም ክሳተፉ ክጽውዕ ሓላፍነቱ እዩ። ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ ከምዘየለን ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልቡብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ምጥቃም ከቢድ ገበን ከምዝቁጸር ግን ክዝንጋዕ ኣይግባእን እዩ'' ዝብል መግለጺ ዝሃበ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብቲ 30 ሕቶታል ካብ ህዝቢ ተመምዩ ዝቐረበ ርክብ ምስ ህዝቢ ዝተባህለ ናይ 1996 መድረኽ ሕቶን መልስን እሞ ኸኣ ''ንቓለዓለም እንተዘይኮይኑ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነዛ ሃገር ነጻ ኣውጺእዋ'' ክብል እዩ፡ ንመላእ ህዝቢ ዝደርጐሓሉ።
ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ወታሃደራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ብምውጽኦም ራህዋ ዝረኸበ መሲልዎ፡ ኣብ ናይ ናጽነት ጓይላን ታሕጓስን ተሸሚሙ ካልእ ዝሓሸን ጠቓምን ሓሳባት ምህላዉ ብዘይምስትብሃል፡ ነቲ ጎደና ውሕስነት ሃገርን ዜጋታታን ዝኾነ መወዳድርቲ ዘይነበሮ ንነዊሕ መዋእል ዝጠመተ ጥዑይ ሓሳብ ይዝርጋሕኳ እንተነበረ፡ ዝሰምዖን ዝቕበሎን ኣካል ክረክብ ኣይካኣለን። ኣብ'ቲ እዋንቲ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ካብ ሽዑ ጀሚርና ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ነጻ ኮይና፤ ነቲ ሃናጺ ሓሳብ ውራየይ ኢልና ንምዕዋቱ እንተንሓስብን እንተንቃለስን፡ ሎሚ ሃገርና ኣብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ብርሰት ኣይምሃለወትን። ህዝብናውን ካብዚ ንሓልፎ ዘለና ህልቂትን ስደትን ምዳሓነ። ድሕሪ'ቲ ባሓቲ መግለጺ’ቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ፖለቲከኛታቱን ኮንደኾን ይማሓየሽ ይኸውን ዘብል፤ ናይ ምጥርጣር ምናልባሽ ክህልዎም ኣይምተገባኤን። ሽዑ ዘምለጠና ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ፖለቲካዊ መድረኽ ናይ ቃልሲ እዩ ድማ ክሳብ ሎሚ ክንመልሶስ ይትረፍ፤ እንዳጸንሐ ክበታትነናን ክፈላልየናን ዝርከብ።
መጸዋዕታ ግብረ-እከይ ኢሳያስ ግን፡ ንምድህላል ዜጋታትን ንሓባራዊ ተሳትፎን ህንጸትን ዝዕድም መግለጺ ሰውራዊ ባይቶ ከምዘይምልከቶ ንምርግጋጽን እንተዘይ ኮይኑ፡ መን እዩ መሓሪ መን’ከ እዩ ተመሓሪ? በየናይ ሕጊ እዩ ገበን ዝፈጸመን ዘይፈጸመን ተባሂሉ ኢሳያስ ዝመምዮ? አረ መን እዩኸ ዝመምን ዝምመን? ዝብሉ ሕቶታት ገዲፈ፡ እቶም ሃገርና ነጻ ወጺኣ እያ፡ ዕላማ ቃልስና ተረጋጊጹ እዩ ኢሎም፡ ብፍቓዶም ዓዲ ካብ ዝኣተዉ ገለ ገዳይም ተቃለስቲ ንምጥቃስ፤ ዑስማን ዳየርን፡ ማሕሙድ ዲናይን፡ እምባየ ሕድሩን ዝኣመሰሉኸ ዳኣ በየናይ ዓቃቢ-ሕጊ ተኸሲሶምን ኣየናይ ቤት ፍርዲ ብዝወሰኖ ብይንን እዮም፡ ኣብዚ ነጠቡ ከይተባህሉ ጠፊኦም ዘለዉ? ኣብ ስልጣን ኢሳያስ ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ፡ መተካእታ ሕግን ርትዕን፡ ቂምን ቅርሕንትን ምዃነን ምዝንጋዕ ዘድሊ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ሎሚ፣ ብዙሓት ኣሰርትን ጨወይትን ዝነበሩ መራሕትን ካድራትን ህግሓኤ እዚ ከም ዝመጽእ ዘንጊዖም፣ ፍትሒ ስኢኖም ግዳይ ኢሳያስ ክኾኑ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኢሳያስ ግደፍዶ ኻልኦት ''ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ነጻነቱን ኣረኣእዩን ፖለቲካዊ መርገጻቱን ናይ ምዕቃብ መሰሉ'ውን ሕሉው ምዃኑን ነረጋግጽ'' ዝብል ሓሳባት ዝነበረን ሓይልታት ክቕበልስ፡ ህልውንኤን እውን ክሳብ ለይተ-ሎሚ ዘይኣምን፡ ብተግባር እንተኾነ'ውን ነቶም ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቱ ዝነበሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ምቑጻይ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዘውጽኦ መግለጺታት ህዝብን መሪሕነት ህግሓኤን ክማሃርሉ ምተገበኦም።
5. እዚ ጥራሕ መኣስ ነይሩ፡ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ'ዚ ናይ ብሓትነት መግለጺ ውልቀ ምልኪ፡ ብ27 ሰነ 1991 ንኣባላቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ '' ሕጂ'ውን ከም ቀደም ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት መድረኽ እነሆ። ካብ'ዚ ዝፍጠር ዘሎ ሓናቒ ኩነታት ንምውጻእ ኩሉ'ቲ ዝካኣል ጻዕርታት ከካይድ እዩ። መላእ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምዃኑ ንተኣማመን'' ዝብል፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዳግማይ ደልሃመት ይኣትዉ ምህላዎም ተገንዚቦም፡ ንመሓውራት ቃልሲ ዘትርርን ዘደልድልን ጸዋዒት ካብ ዘቅረቡ ኣባላት መሪሕነት እዞም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ተሸሪቡ ዘሎ ብጻይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን እዮም ነይሮም። ኣንጊሆም እምቢ ንምልኪ! ስለዝበሉ ድማ እዮም ግዳይ መጭወይትን ሃለዋት ምጥፋእን ኮይኖም ዘለዉ። ሎሚ 26 ሚያዝያ 1992 ክዝክር ከለኹ፡ ተጋዳላይ ወልደስላሰ ቻንቹ ካድር ማሕበር ሓረስቶት ተሓኤ ዝነበረ፡ ጸኒሑ ሓደ ካብ ቀንዲ ፈለምቲ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፤ ድሕሪ ናጽነት ካብ መደበር ወዲ ሸሪፎይ ተጨውዩ ኤርትራ ምስ ኣተወ ዳሃይ ዘይብሉ ዝጠፍኤ፡ ተጋዳላይ ገብሪሂወት ቀለታ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ፤ ካብ ሱዳን ተጨውዩ ናብ ኤርትራ ምስተወስደ ኣብ 2000 ዓ.ም ተፈቲሑ ምስ ሓንቲ ጽጌናይ ትባህል ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ክዓዪ ጀሚሩ። ኣብ 2001 ዳግማይ ዝተሰወረ፡ ተጋዳላይ ገብረብርሃን ዘርኤ ኣቦ-መንበር ደምሓኤ ዝነበር፡ ካብ ሑመራ ኢትዮጵያ ዝተጨውየን ዝተሰወረን ገላ ውሑዳት ክጠቕስ ከለኹ፡ ግደፍዶ ንነዊሕ ዓመታት ዝፈልጦምን መጋድልቶም ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራኦም ወሪዱ ንዘሎ ማሕበራውን ስነ-ኣኣምራውን ሕሰም ንዝግንዘብ ምረቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ሕልና ዘለዎስ ይርድኦ እዩ። ጸኒሑ ዝተጋህደ ቅትለትን ማእሰርትን ግፍዕን፤ መቐጸልታ እምበር፡ ሓድሽ ዝተፈጥረ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነን። ሓደን፡ ክልተን፡ ሰለስተን ክጭወዩን ክስወሩን እንከለዉ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ ድምጽኻ ምሕባእ እዩ ድማ፤ ንኢሳያስ ኣሻዲኑ መላእ ሃገር ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ህዝባ ቀይርዋ ዘሎ።
በቲ ሓደ ሸነኽ እዞም ክልተ ብጾት ን30 ዓመታት ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕን ግፍዕን ምዃኖምን ምስዋሮምን፤ እቲ ንሳቶምን ብጾቶምን ዘልዓልዎ ቅኑዕን ሰፊሕን፡ ነዊሕ ጠመተ ራእይ ዝነበሮ መግለጺታት ኣብ እዋኑኳ ሰማዒ እንተዘይረኸበ፡ ሎሚ ግን፡ ናይ ኣፈጻጽምኡ ብልሓት እዩ ጠፊእዎ ዘሎ እምበር፡ ንመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ኣለልዩ፡ ብመንገዲ ሕድገታት፡ ምጽውዋርን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝሰረታ፡ ዲሞክራስያዊትን መሰል ዜጋትት እተኽብርን ፍትሓዊት ኤርትራ፤ ኣብ ዑናታት ምልኪ ክትከል ምቅላስ ዝብል ኣምር ኣብ ሰፊሕ ኤርትራዊ ዜጋ ምስፋኑን ኤርትራውያን ጉዳዮም ኣብ ኢዶም ክጭብጡ ምቅላሶምን ክትርእን ክትሰምዕን እንከለኻ፡ ማእሰርቶም ከንቱ ኣይተረፈን፡ ሰፊሑን ዓንቢቡን እምበር ኣይተቆጽየን። ኣብ መደምደምታ ዘብጽሖ መንእሰይ ወለዶን ብጾትን በዚሖም ኣለዉ። መላኺ ስርዓት ሰባት ክኣስርን ክስውርን ይኽእል እምበር፤ ንኣታሓሳስብኦምን ርእይትኦምን ግን ከቶ ክኣስር ስለዘይክእል ድማ፡ ምረት ሕሰሞም ጽንዓትን ተወፋይነትን ናይ ቃልሲ እዩ ዝፈጥር። ነቲ ''ንምንብርካኽ ወጊድ፤ ንኢድ ምሃብ ወጊድ፤ ንነጻ ውሳኔና ኣሕሊፍካ ምሃብ ወጊድ ብምባል ብጽንዓት ቃልስታቱ ክቕጽል ምዃኑ ንተኣማመን'' ዝብል ካብ መግለጺታት ውድቦም ድማ ክዉን ገይርዎ እዮም።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደቁን ደቂ ደቑን ሓቚፉ ብሰላም ዝነብረላ፡ ክብራን ልኡላውነታን ዝዓቀበት፡ ሓንትን ብልጽግትን፡ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምርግጋጽ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ኩሉ ናይ ድሕረትን ምክፍፋልን ስምዒታት ሓራ ኮይኑ፡ ኣብ እንግድዕኡ ንዝተጻዕነ ታሪኻዊ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ክፍጽም ከዘኻክርንን ፡ እቶም ነባራት ተጋደልቲ እውን፡ ካብ ነይሩኒስ እነሀኒ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ እንታይ ተራን ኣበርክቶን ነይርዎ ንታሪኽ ገዲፉ፡ ሕጂ'ውን ህዝቢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ሕሰምን ስቓይን ንምድሓን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዑ፡ እንታይ ክፍጽም ኣሎኒ ካብ ምባልን ብሓባር ምብጋስን ክሃድም ከምዘይክእል ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይመርጽን። ወዲ ሰብ ሓላፋይ እዩ፡ ነባሪ ታሪኽ ሓዲግካ ምሕላፍ ግን፡ ዘይሃስስ መዘከርታ እዩ'ሞ ሓቢርና ንቃለሰሉ። ጸልማት ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክዓስል’ዩ፡ ፍትሕን ርትዕን ድማ ክነግስ እዩ።
ምልኪ ፈራሲ፡ ሕሰም ሓላፊ እዩ!
ምልኪ ይደምሰስ፡ ፍትሒ ይንገስ!
ዓወት ንውጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንግዲ ንክፍታሕ መጸዋዕታ ከምዘቕረቡ መርበብ ሓበሬታ “ኣልዓይን” ሓቢራ። እቶም ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ብስልኪ ምስ ሚኒስተር ወጻይ ጉዳይ ሩሲያ ሰርገይ ላብሮቭ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንክኽበር ከም ዝሓተቱ እቲ ዜና ገሊጹ።
ናይ ሩሲያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘካይድዎ ዝርርብ ብግሎም ኮነ ብደረጃ መንግስቲ ዝበልዎ ከምዘየለ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ። በኻልእ ወገን ድማ ኣሜሪካ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዩክረይ ክውግናኳ ክትጉስጉስ እንተጸንሐት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ዝተፈላለዩ መርገጻት እየን ሒዘን።
ንሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሽእዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊአን ንሩሲያ ክድግፋ እንከለዋ ገሊአን ከኣ ንዩክረይን ደጊፈን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤምባሲ ሩሲያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውግእ ሩሲያ ንምስላፍ ብዝብል ብዙሐት ኢትዮጵያውያን ተሰሪዖም ምርኣዮም ኣዛራቢ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኤምባሲ ሩሲያ ነቲ መስርዕ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነይኹን ናይ ወተሃደራዊ ምምልማል መደብ ከም ዘየብላ ገሊጹ። ኤምባሲ ዩክረይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ሩሲያ ኣይሰለጣን እምበር ኢትዮጵያውያን ክትምልምል ትፍትን ከም ዘላ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ነጽነዖ ኣለና ካብ ምባል ሓሊፉ ዝበሎ የለን፣
በቲ ኮነ በዚ ሃገራት ኣብ ምድጋፍ ሩሲያን ዩክረይንን ተኸፋፊለን ቀጺለን ኣለዋ። ዩክረይ ኣባል ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲ ክትከውን ዝገበረቶ ፈተነ ተኸቲሉ ዝተባርዐ ውግእ ክልቲአን ሃገራት ብዝኸፈአ መልክዑ ቀጺሉ ኣሎ።
መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቀዳም 16 ሚያዝያ 2022 ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ብዙም ኣካይዳ። ኣጀንዳ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡
1. ካብ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ዝቐረበ ዝርዝር ንጥፈታት ሰልፊ ምክትታል
2. ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ንጥፈታት ዞባ ምርኣይ
3. ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን መደባት ሰልፊ ናብ ተግባር ንምቕያርን ከም ወትሩ ወፈያታት ምብርካት
4. ጽፈት ኣሰራርሓ ዞባ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ዉሽጣዊ መምርሒታት ምሃብ
ኣኼባ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብህድኣት ድሕሪ ምምይያጥ ተደምዲሙ።
ከም ወትሩ ሞራል ኣባላት ሓፍ ዘብል ህዱእን ምክብባር ዝመልኦ ኣኼባ ኔሩ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
04-18-2022
መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቀዳም 16 ሚያዝያ 2022 ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ብዙም ኣካይዳ። ኣጀንዳ ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡
1. ካብ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ዝቐረበ ዝርዝር ንጥፈታት ሰልፊ ምክትታል
2. ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ንጥፈታት ዞባ ምርኣይ
3. ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን መደባት ሰልፊ ናብ ተግባር ንምቕያርን ከም ወትሩ ወፈያታት ምብርካት
4. ጽፈት ኣሰራርሓ ዞባ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ዉሽጣዊ መምርሒታት ምሃብ
ኣኼባ ናይ ኣጀንዳ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብህድኣት ድሕሪ ምምይያጥ ተደምዲሙ።
ከም ወትሩ ሞራል ኣባላት ሓፍ ዘብል ህዱእን ምክብባር ዝመልኦ ኣኼባ ኔሩ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
04-18-2022
ኣብዚ እዋንዚ “ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ” ዝብል መደምደምታ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ከይተረፈ፡ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎን ዝጸንሐን ኣጀንዳ እዩ። ብግብሪ ግና ህግደፍ ጣልቃ ኣታዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃንዳሲ ናይቲ ውግእ’ውን እዩ። ካብቶም ቀዳሞት ሰለስተ ናይቲ ውግእ ተሰለፍቲ ህግደፍ ቅድሚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝስራዕ እዩ። ካብ 2018 ጀሚሩ ኣፍ ኣውጺኡ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ/weyane game over” ክብል ዝተሰምዐ ንሱ እዩ። ናይዚ ኣበሃህላኡ ቃና ከኣ ነጋሪት ውግእ ምድሳቕ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ከምዚ ዓይነት ዓንዳሪ ድምጺ ብጋህዲ ካብ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ኣይተሰምዐን።
እቲ ኣበሃህላኡ ህግደፍ ናብ ወግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ተዓዲሙ ዘይኮነ፡ ዋኒነይ ኢሉ ከም ዝኣተወ ዘመልክት እዩ። ህግደፍ ውግእ ኣንጻር ክልል ትግራይ ከምዘይተርፍ ክጉስጉስ እንከሎ፡ ድምጾም ዘይስማዕ ዝነበረ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውግእ ምስተባርዐ ንኣተኣታትዋኡ ዝምልከት ክሳብ ክንደይ ምግላጹ ኣጸጊምዎም ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ገሊኦም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ወሲኽካ ዝሕባእ መሲልዎም “ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ኣይኣተወትን” ይብሉ ነይሮም። በዚ ኣበሃህላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ናይ ሓሶት ምስክርነት ስለ ዝሃብዎ፡ ደሓር ኣብ ዋጢጥ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ገለ ወተሃደራዊ ጀነራላት ኢትዮጵያ ግና ህግደፍ ናብቲ ውግእ ከይተጸውዐ “ስግኣት ኣለኒ” ብዝብል ጉልባብ ብኢደ-ወነኑ ከም ዝኣተወን በቲ ተረኽቦ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑን ከም ዝሓፈሩን ኣብ ኣደባባያት ኣቃሊዖም እዮም። ደሓር ግና ኣብይ እውን “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ኮይንዎ፡ ህላወ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ብምርግጋጽ “ኤርትራ እንተዘይትረድኣናስ እንታይ መወሓጠና?” ክሳብ ምባል በጺሑ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ገለ ኤርትራውያን ወገናት ምስሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከጸባብቑ ክብሉ፡ ነቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣትዮም ዝረግፉ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከምቲ “ዓሻ ሰበይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡ ካብኣቶም ስለ ዘይተወለዱ ጥራይ ዘይደቆም መሲልዎም ኣይሻቐልሎምን። ሕሉፍ ሓሊፎም ደገፎም ንምርእይ ዘጣቕዑ ምህላዎም ዘሕዝንን ዘተዓዛዝብን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ሰልሚ ተሸኺሉ ክረግፍን ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ባህሊ ዘይኮኑ ግህሰታትን ዓመጻትን ክኽሰስን እንከሎ፡ “ስለምንታይ” እኳ ዘይምባሉ፡ ጽባሕ ይኹን ድሕሪ ጽባሕ ንገዛእ ርእሱ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክብጀው እዩ ኢልካ እምነት እተንብረሉ ኣይኮነን። ምናልባት እውን ንኤርትራዊ ልኡላውነት ክሕልው ዘይኮነ፡ ካብዚ ዘላቶ ዝኸፈአ ጸረ ልኡላውነት መዘዝ ከይዕድመላ ዘየስግእ ኣይኮነን።
ናይቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይሉ ዘሎ እሞ ጋና ዘይሰለጦ ውግእ ዕላማ፡ ከምቲ ንምምልኻዑ፡ ንልኡላውነት፡ ንሰላም፡ ንዕቤት፡ ኣቐዲሙ ሮኬት ስለ ዝተተኮሰናን ንኤርትራን ዝተፈረደ ዶብ ንምውሓስን ኣናተባህለ ዝድረፈሉ ኣይኮነን። እቲ ሓደን ቀንድን ዕላማ ናይዚ ኢድ ኣእታውነት፡ ስግኣት ኢሳያስ ዝወለዶ ዕድመ ስልጣኑን ጉጅለኡን ምንዋሕ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካብቲ ሓቀኛ ምኽንያት ብምህዳም፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ክረጋገጹ ዝበሃሉ ዘለዉ ሸቶታት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ከይኣተኻ ብተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ክወሓሱ ዝነበሮም እዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ጭካነ ህግደፍ ክረጋገጽ ኣይከለን። ህግደፍ ከኣ ነዚ ሓቂዚ ንምሕባእ እዩ ካብ ቅድም ጀሚሩ ሓሓሊፉ ኣብ ጐረባብቲ ሓዊ ዝኣጉድ ወይ ኣብ ዘዝተኣጉደ ዝጥበስ። ምናልባት ህግደፍ ከምቲ ብብዙሓት ወገናት ዝሕመ በዚ ውግእዚ ተጐልቢቡ ነገራዊ ረብሓ እንተ ኣዋሃለለ እውን ኣብ ህግደፋዊ ክሊ ዝተደረተ ጠቕሚ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኢሳያስ እውን ዘተባብዖ ናይ ኣተሓሳስባ ምዝብራቕን ምክፍፋልን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ዲፕሎማስያዊ ተጽዕኖ ተወሲኽዎ፡ “ደጊም ጉዳይና ብውግእ ዘይኮነ፡ ብሰላምን ዘተን’ዩ ዝውዳእ” ዝብል ድምጺ መመሊሱ ይውስኽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እውን ናይዚ ወገን ኣካል እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደስ፡ ህላ እንተዘይለመደ ጠራጥ ለመደ” ዝበሃል፡ ብኢሳያስ ዝተጸልዉን ኣብ ውግእ ምንባር ዝመረጹን ኢትዮጵያውያን ወገናት ይረኣዩ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብቲ ብናጽነት ኤርትራ ዘይሕጉስ ኣምሓራ ዘሎ ሃዋህው ናይዚ ኣብነት እዩ።
ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት “ኢሳያስ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ፋኖ ኣምሓራ ናብ ኤርትራ ወሲዱ የሰልጥን ኣሎ” ዝበሃልን ምጽራይ ዘድልዮን፡ ነቲ ስኽፍታ ዝያዳ ዘንህሮ እዩ። መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሃታሃታ ብዘይትካላዊ ኣገባብ ምስ ኢሳያስ ክተዓራረኽ እንከሎ፡ ሓደ እዋን ዝኸፍሎ ዋጋ ከም ዝህልዎ ይግምቱ ናይ ዝነበሩ ወገናት ሓቅነት ድማ ሎሚ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ይመስል። ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ ኢሳያስ፡ ንኢትዮጵያ ከምዘይከውን ከኣ ተራእዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምሁራት ፖለቲከኛታት ብወገኖም ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ጥዑይ ከምዘይኮነ የመልክቱ ኣለዉ። ንሕና እሞኸኣ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነስ ንካልእ ክኸውን ከምዘይክእልን እዚ ሕጂ ዘሎ ኰንታት ከም ዝመጽእን ኣቐዲምና ካብ ምትንባህ ዓዲ ኣይወዓልናን። እዚ ግምት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዝመስሎም ኣካላት ስለ ዝነበሩ ግና ክሳብ ባዕሉ ዝገሃድ ክንድቲ ክብደቱ ቆላሕታ ከይረኸበ እዩ ጸኒሑ።
ኣወጻጽኣ ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ከምቲ ኣተኣታትዋኡ ቀሊል ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቲ ኣብ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ዝተሰረተ ፖሊሲኡ፡ እንተሰሊጥዎ ክለኻኽም ክፍትን እዩ። ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ከዕውቶ ዝሓሰቦ ከምዘይሰልጦ ርኡይ እዩ። እቲ ንጉጅላዊ ድሕነቱ ክብል ዘሳወሮ ውግእ ንኽሳራኡ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ ይመስል። ስለዚ ዋላኳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያዊ ባይታ ዘሎ ኩነታት ንልዝብን ዘተን ዝዕድም እንተኾነ፡ ህግደፍ ክሳራኡ ክቕበል ቅሩብ ስለ ዘይከውን ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ንምልእቲ ኢትዮጵያ እውን ክበታትና ካብ ምሕላን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። እቲ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን ዘርእዮ ዘሎ ሕግብግብ ምባል ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ስለዚ እቶም ኢሳያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ክኣቱ እንከሎ፡ “ሕራይ ገበርካ” ዝበልዎ ወገናት፡ ሎሚኸ “ከይተጸወዐ ዝመጽእ፡ ከይጸገበ ይወጽእ” ድዮም ክብልዎ፡ ወይስ ቋንቆኦም “ወትሩ ኣገናዕዩ” እዩ ክኸውን።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት (UN experts)፡ ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቑባን ብቐጻሊ ኣገዲዳ ናብ ኤርትራ ትመልስ ምህላዋ ኮኒኖም፡ ካብዚ ተግባራ ክትዕቀብ ብ13 ማዝያ 2022 ካብ ጀነቫ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጸዊዖም።
እቶም ክኢላታት በቲ ኣብ ግብጺ ከም ፖሊሲ ዝውሰድ ዘሎ እሞ ሓለፍቲ ዝወስድዎ ዘለዉ፡ ጃምላውን ቀጻልን ኤርትራውያን ኣገድዲድካ ምጥራዝ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጥሕሰታት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዘተሓሳስቦም ሓቢሮም።
ብመሰረት እቶም ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ጃምላዊ ምስጓግ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክልኩል እዩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም፡ ምስቓይን፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፡ ግዱድ ምስዋርን ዝኣመሰለን በደላት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።” ብዝብል ተገሊጸምዎ።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ ሎሚ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ምስተመለሱ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ብዘይምጽናዕ ብውሕዱ 68 ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ከም ዝተመልሱ እዞም ክኢላታት ኣፍሊጦም።
እቶም ክኢላታት “ሓለፍቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ተገዲዶም ካብ ግብጺ ዝተመልሱ ዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ጸዊዕና ኢና” ኢሎም፡ እንተኾነ ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይረኸቡን ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ግንባር ተግራይ ተወሲዶም ከይኮኑ ስግኣት ከም ዘለዎምን ተቒሶም።
ናይቶም ክኢላታት መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ኣብ መደበራት ፖሊስን መዳጐኒ ማእከላትን ግብጺ ከም ዝእሰሩ ሓቢሩ። ምስቲ ማእሰርቶም እኹል መሰረታዊ ቀረብ መግቢ፡ ማይን መሳርሒ ጽሬትን ከም ዘይቀርበሎም ኣቃሊዖም።
ግብጺ ኣካል ናይቲ ብ1951 ዝጸደቐሰብኣዊ ሕጊኳ እንተኾነት፡ መሰል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝኽብር ግቡእ መስመር ከምዘየብላ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። በዚ መሰረት ግዳይ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝከላኸል ኣሰራርሓ ከምዘየብላ እውን ተሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ እዞም ክኢላታት፡ ሓለፍቲ ግብጺ ኤርትራውያን ኣገዲዶም ከይጥርዙ ደጊሞም ኣዘካኺሮም። ኣብ ክንድኡ ብመንጽር ንግብጺ ዝምልከት ቅርቡነት ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ግቡእ ሓለዋ ክገብርሎም ጸዊዖም። እዞም መግለጺ ዘውጽኡ ክኢላታት፡ ሃገራት ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከመይ ከም ዝመስል ዝዕዘቡ ኮይኖም፡ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ምስ ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቦም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ገዘፍቲ ሰራዊትን ዕጥቅን ይስለፉ ከም ዘለዉ ኣብ መርበብ ዓዋተ፡ ክፍሊ ዜና ገዳብ (Gedab News) ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። ክልቲኦም ወገናት ሰፋሕቲ ስልጠናታት ከካይዱ ስለ ዝጸንሑ ውግእ ዘይተርፍ ከም ዝመስል እቲ ዜና ገሊጹ፡ ሳዕቤኑ ክትግምቶ ዘጸግም ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣስፊሩ። እቲ ወጥሪ ዝሕይለሉ ዘሎ ግንባራት፡ ዛላንበሳ፡ ራማ፡ ባድመን ሑመራን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ካብ 1998-2000 ጀሚሮም ኣብቲ ቦታ ዝዓረዱ ምዃኖም ዝጠቐሰ ዜና ገዳብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ብዝተፈልየ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይቆጻጸሮም ሰራዊት ከም ዘለዉዋ ገሊጹ። ሓደ ካብኣቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።
እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምድላው ዝግበረሉ ዘሎ ከባቢ ብ198-2000 ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ 100 ሺሕ ወተሃደራት ዝሞትሉ ውግእ ከም ዝተኻየደሉ እቲ ዜና ገሊጹ። ብዘይካቲ ሞትን ዕንወትን ብሰንክቲ ናይ ቅድም ውግእ ኣማኢት ኣሸሓት ሲቪል ክመዛበሉን ክሳብ ናብ ምብራቓዊ ከባብታት ሱዳን ክስደዱን ከም ዝተገደዱ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ። በዚ መሰረት እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ህዝቢ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ጸገምን ዕንወት ንብረትን ከየጋጥሞ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከብ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኣንጻር ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ሸኔ) ኣብ ሰፊሕ ወተሓደራዊ ወፍሪ ከም ዝርከብ እቲ ካብ ገዳብ ዝተረኽበ ዜና ኣዘኻኺሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህግደፍ ዝያዳ ካልእ እዋን ዝጽመደሉ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ የንጸላሉ ምህላዉ ምንጭታታ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ብምጥቃስ ኤሪሳት (ERISAT) ሓቢራ።
ብመሰረት ዜና ኤሪሳት፡ ህግደፍ ምስ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈጥሮ ዘሎ ሽርክነት፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ዝሓቢሩ ወገናት፡ ነቲ ሻቕሎት ንምፍዃስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ስለያ ህግደፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበርዎም መገሻታት ፍረ ከምዘይተረኽቦም ተፈሊጡ።
እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግበሩ ዝወርሑ መገሻታት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ዘተን ሰላምን ናይ ምኽታል ኣንፈት ህዉኽ ስጉምቲ እዩ ብዝብል፡ ቀይዲ ክገብረሉን ኣብ መሪሕነትን ሓይልታትን ክልል ትግራይ ዘርእዮ ዘሎ እውንታዊ ቅሩብነት ደዉ ከብልን ካልእን ዝብሉ ቅድመኩነታዊ ጠለባት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንምብጻሕን እዋናዊ መርገጻት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምጽላዉን ዝዓለሙ ምንባሮም ኣብቲ ዜና ኢሪሳት ተጠቒሱ።
ኣብ ኣለምዋጭ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ስእነት ሕክምናን መጓዓዝያን ከም ዝሞተ ተገሊጹ
Wednesday, 13 April 2022 09:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት፡ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምጭዋ፡ ተዓቚቦም ካብ ዘለዉ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ሓደ መንእሰያት ሰኣን ሕክምና ብሕማም ከምዝሞተ ራድዮ ኤረና ሬድዮ ፋና ብምጥቃስ ሓቢራ።
እቲ 35 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ ስደተኛ ሓሚሙ ብኣግኡ ሕክምና ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ሆስፒታል ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ብ11 ሚዝያ 2022 ከም ዝዓረፈ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቖብሉ መደበር ኣለምዋጭ ብቑዕ ሕክምና ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣምቡላንስ ‘ውን ስለዘይብሉ፡ ህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ወገናት ንሞትን ሓደገኛ ሳዕቤናትን ይቃልዑ ምህላዎም ናይዚ ስደተኛ መንእሰይ ሕልፈት ኣብነት ምዃኑ ካብቲ መደበር ንራድዮ ኤረና ዝሓበሩ ሰባት ገሊጾም።
ኩነታቶም ይከታተሎ ከምዘሎ ዝገለጸሎም ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጂ’ውን ንድሕነቶም ዝውሰድ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዛዕባ ምህላዉ ኣየነጸረሎምን።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበር ኣለምጭዋ ውሑስ ሓለዋ ስለ ዘየብሎም ሃለዋቶም ሓውሲ እሱራት እዩ። ምናልባት ዓቕሚ ዘለዎም ናብ ከተማ ዳባት እንተከይዶም እውን ሆቴልን ካልእ ኣገልግሎታትን ከይረኽቡ፡ ናይቲ ከባቢ ሓይልታት ጸጥታን ሚሊሻታትን ኣምሓራን ከምኡ ድማ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ምክትታል ከም ዝገብርሎም እቲ ዜና ኣቃሊዑ። ካብን ናብን እቲ መደበር መጐዓዝያ ስለ ዘየለ እቶም ስደተኛታት ኣብ ተነጽሎ ከም ዘለዉ እውን እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መደበር ኣለምጭዋ ብዝተፈጥረ ሓደጋ 8 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብናይቲ ከባቢ ዕጡቓት ቆሲሎም ከም ዝነበሩ ይዝከር።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኩሉ ግዜ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ዝሕዞ መርገጽ ጽልኢ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ሜላ ምዃኑ ዘ ኣፍሪካ ሪፖርት (the Africa Report) ዝተባህለት መርበብ ሓቢራ፡ ።
መርበብ ዘኣፍሪካ ሪፖርት ከም ዝጠቐሰቶ፡ ኣንጻር ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ክውሰን እንከሎ ይኹን፡ ኣባልነታ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክንጥልጠል እንከሎ ንዝቐረበ ሓሳብ፣ ኢሳያስ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ምቅዋማ ንሩስያ ንምድጋፍ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎ ሕዱር ጽልኢ ንምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ዘኣፍሪካ ሪፖርተር ዘቕረበቶ ተንታን ኣቃሊዑ።።
ኣሜሪካ ትኹን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ናብ ኤርትራ ብምእታው ወይ መንግስቲ ብምቕያር ዝረኽብኦ ረብሓ ከምዘየለን ድሌት’ውን ከምዘይብለንን ዝፈልጥ ዲክታተር ኢሳያስ፡ ብሰንኪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጥሕሰታትን ንዝገብራሉ ተጽዕኖን እገዳን፡ “ንኤርትራ ከፍርሰኣ ስለ ዝደለያ’የን” ዝብል መታለሊ ሓሶት ብምዝርጋሕ ህዝቢ ናይ ምፍርራሕ ዕድል ረኺቡ፡ ከም መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ከም ዝጥቀመሉ እውን ኣብቲ ተንታን ተጠቒሱ
እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኢሳያስ ንሩስያ ዘርኣዮ ደገፍን ምስቲ ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ኣንጻር ምዕራብ ዝሕዞ መርገጻትን ዕላማኡ ሓደ እዩ። ካብተን ዝድግፈን ሃገራት ነገራዊ ረብሓ ንምርካብ ዘገድሶ ዘይኮነ፡ ኣካል ናይቲ ጽልኢ ምክፍፋል ብምኳን ህልውናኡ ምንዋሕ እዩ። በዚ ኣቢሉ ከኣ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ዝርኢ፡ ናብ ናይ ግዳም ምዕባለታት ከም ዘማዕዱ ምግባር ልሙድ ሜላ ኢሳያስ እዩ።
እቲ ተንታን ብዙሓት ወገናት ብዛዕባቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራብ ዝስለፈሉ ምኽንያታት ርኢቶታት ይህቡ እዮም ኢሉ። ገሊኦም ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተል ስለ ዝኾነ እዩ ይብሉ። ብዘይካዚ ኢሳያስ ኣሜሪካ ብቐጥታ ባዕላ ኮነ ብመንገዲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣንጻሩ እገዳ ስለ እትውስን እዩ ይብሉ።
እንተኾነ እቲ ቀንዲ ምስ ምብራቕ ናይ ምስላፉ ምኽንያት፡ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ስልጣነይ ኣብ ምሕላው ይሕግዙኒ እዮም ምስ ዝብሎም ምስላፍ ስለ ዝመርጽ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ናቱ ዕድመ ስልጣን ምንዋሕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተረባሕነት ዘገድሶ ኣይኮነን። ኣብቲ ተንታን ኢሳያስ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኮነ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘገድሶ ኣብ ዝልጣን ንክቕጽል ክሕልዉዎ እዩ። ኢሳያስ ከም መራሕቲ ሰሜን ኮርያ፡ ሱርያን ኢራንን ካብ ቻይና ወይ ሩሲያ ናይ ስልጣኑ ሓለዋ ዝጽበ እዩ።
ኣብቲ ሰፊሕ ተንታን ዝሰፈረ ሓሳብ ከምዘረድኦ፡ ኢሳያስ ስልጣን ንምብሓት ብቐዳምነት ሚድያ እዩ ዝብሕት። ኣብ ርእሲ’ዚ ከኣ፡ ብዝኾነ መንገዲ ጸላእቲ የብዝሕ፡ ነታ ሃገር ካብ ዓለም ይንጽላ፡ መንእሰያት ንክስደዱ ይደፋፍእ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ኣትሪሩ ይቆጻጸር፡ ዝኣመሰሉ ሜላታት ከም ኣብ ስልጣን መቐጸሊ ስልቲ ከም ዝጥቀም ተጠቒሱ።
እቲ ተንታን ከጠቓልል እንከሎ፡ ዝኾነ ናይ ኢሳያስ ተጻብኦ ኣንጻር ምዕራብ እንተላይ እቲ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኣንጻር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሩሲያ ደጊፉ ድምጺ ዝሃበሉ ምኽንያት ዕላምኡ ኣብ ስልጣን ንምንባር እዩ ኢሉ።