ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ 8ይ ስሩዕ ኣኼባአ ኣካይዳ
Friday, 27 February 2015 15:57 Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ21 ለካቲት 2015 ኣብ ዘካየደቶ 8ይ ስሩዕ ኣኼበኣ መስርሕ ምስንዳእ ኣበይ በጺሑ ከም ዘሎ ገምጊማ። በቲ ዘካየደቶ ገምጋም መሰረት ቀዳማይ ዙር ምይይጥ መሰረታት ሰልፊ ኣብቲ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከም ዝተዛዘመ ኣረጋጊጻ፡ እንተኾነ ኣገዳሲ ንዝበሃል ተወሳኺ ሓሳባት እቲ ዕድል ዕጽው ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጻ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ናይታ ሽማግለ ናይ ሎጅስቲክስን ፋይናንስን ክፍሊ፡ ቦታን ካልእ ንጉባአ ዘድሊ ነገራትን ኣብ ምቕራብን ናይቲ ጉባአ በጀት ነዲፍካ ኣብ ምቕራብን ኣውንታዊ ስረሓት ከም ዘሳለጠት ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ። ጉዳይ ኣወኻኽላ ኣባላት ኣብዚ ኣብ መጻኢ ወርሓት ክረምቲ ዝካየድ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ዝምልከታ ንኡስ ሽማግለ እውን ኣድለይቲ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስረሓታ ቀጻሊ ከም ዘሎ ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ።
ነቲ ኣኼባ ዝመረሐ ናይታ ሽማግለ ኣቦመንበር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባንን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ መስርሕ ምስንዳእ 2ይ ጉባአ ንምዕዋት በቲ ሓደ ወገን መሪሕነት ሰልፊ፡ በቲ ካልእ ወገን ከዓ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን ንኡሳን ሽማግለታታን የካይድዎ ንዘለዉ ጻዕሪ ንኢዱ፡ እዚ ጻዕሪ ኣብ መጻኢ’ውን ብናህሪ ንክቕጽል ኣተባቢዑ። ንሱ ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ ጉዳይ ናይ ውሱናት ኣባላት ሽማግለ ዕማም ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ኣባላት ሰልፍን ደገፍቱን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ። ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብወገኖም ሒዘምዎ ዘለዉ ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ከይሰልከዩ ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋግጾም።
22 ለካቲት 2015
Swiss Federal Cabinet Describes Eritrea as ‘Extremely Disquieting’ Case; Pledges to Help in Addressing Problems
Friday, 27 February 2015 15:04 Written by EPDP Information OfficeThe Swiss Federal Council, which is a seven-person cabinet elected for seven years, on 25 February responded to parliamentary questions affirming that it attaches great importance to the “extremely disquieting human rights situation in Eritrea”.
The Federal Council was responding to eight questions on Eritrea addressed to it from the Swiss Parliament. The initiator of the questions on behalf of the Swiss Social Democratic Party was the Hon. Ms Fehr Jacqueline who deposed the questions to the Cabinet through the Parliament on 12 December 2014 following meetings with the Swiss party and government on 19 November 2014 of the a delegation of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP).

The Honourable MP Fehr Jacqueline, and Swiss President Simonetta Sommaruga
In its introduction of answering the eight questions, the Swiss Federal Council, currently presided by the incumbent President of the Confederation, Ms Simonetta Sommaruga of the Social Democratic Party, stated as follows:
“The Federal Council attaches great importance to the question of respecting of human rights in Eritrea. The extremely disquieting human rights situation in Eritrea is the root cause of the large exodus of people in and from the Horn of Africa. In the face of the gravity of this situation and in light of the big number of Eritrean refugees in Switzerland, our country is called to make efforts towards identifying the sources of problems and towards resolving them in collaboration with the international community”.
The questions wanted the Swiss Federal Council (cabinet) to say its position on what is going on in Eritrea as related to the forced labour, the refusal of the Eritrean regime visitations by the Geneva-based International Committee of Red Cross (ICRC); what Swiss government does to help Eritrean refugees in the country and those in the Horn of Africa region; how the Federal Council views the reports of the UN Human Rights Rapporteur on Eritrea and the formation of the Commission of Inquiry by the powerful UN Human Rights Council, and others.
The document has been released in German, French and Italian languages. WWW.Harnnet.org
will make efforts to present full translations of the questions and answers in Arabic and Tigrinia languages.
Meanwhile, an EPDP delegation and a representative of a newly formed coordinating committee of Eritreans in Switzerland are invited to address a meeting in Bern on 2 March of the Swiss Social Democratic Party’s Commission on Foreign Policy Affairs.
ኣብ ኤርትራ ምፍራስ ገዛውቲ ይቕጽል ኣሎ፣ መንእሰያት ድማ ናብ ዘይውዳእ ናይ ታዕሊም መደባት ይጓረቱ ኣለዉ
Wednesday, 25 February 2015 15:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስርዓት ህግዲፍ ሎሚ ዕለት 25 ለካቲት 2015 ውን፡ ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ምፍራስ ናይ ኣባይቲ ብምቕጻል፡ ኣብ ቀሓውታ (መሬት ናይ ጸሎት) ተሃኒጹ ዝጸንሐ ኣባይቲ ከፍርሶ ውዒሉ ኣሎ። ዋናታት ኣባይቲ ክልተ ግዜ ኢዮም ዝጽፍዑ ዘለዉ። እቲ ሓደ መዓት ገንዘብ ኣውጺኦም ገዛ ክሰርሑ ከለዉ፡ እቲ ስርዓት፡ ስቕ ኢሉ ክኸስሩ ገዲፍዎም። እቲ ካልኣይ ጽፍዒት ከኣ፡ እቲ እቶት ክረኽብሉ ወይ ባዕሎም ክሰፍርዎ ዝሰርሕዎ ገዛውቲ ብቡለደዘራት ገይሩ ድዅዒ ክገብሮ ከሎ ምርኣይ ኢዩ።
ኣብ ርእስ'ዚ፡ ነቶም ኣብ ሳዋ ታዕሊም ዝወሰዱ መንእሰያት፡ እንደገና ኣብ ጋሕተላይ ክትዕለሙ ኢኹም ብዝብል መደብ ሎሚ መዓልቲ ካብ ጐዳይፍ ብዙሓት መንእሰያት ገፊፉ ምህላዉ ምንጪታት ሰዲህኤ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ዕዉት ኣኼባ ኣሰላሲሉ
Monday, 23 February 2015 19:42 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይሰ.ዲ.ህ.ኤ ህዝቢ ብ21 ለካቲት 2015 ኣብ ከተማ ኦስሎ ዕዉት ስሩዕ ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣጋቢኡ:: ኣብዚ በዅሪ ኣኼባታት 2015 ዝኾነ ኣኼባ ካብ ርሑቅን ቀረባን ተጓዒዞም ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ናይ ክልቲኡ ጾታ ኣባላት ሰልፊ ተኻፊሎም::
ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ብቀዳምነት ንተሳተፍቲ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ብናይ ሰላምታ ቃል ከፊትዎ:: ቀጺሉውን ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኣብ ፖለቲካውን ሰብኣውን ርኽክባውን መዳያት ዘድሃበ ሰፍሕን ዝርዝራውን ዓመታዊ ጸብጻብ 2014 ንተሳተፍቲ ኣቅሪቡ::
ብጻይ መድሃኔ ኣብ ህይወት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣተኲሩ፣ ሰልፍና ካብ እምበርዶ ክቅጽል እዩ ዝብል ስኽፍታታትን፣ ክሳብ ክንደይ ከይህሉ ዝብል ናይ ተጻባእቱ ትምቢታትን ኣበርዒኑ፣ ህልውንኡን ቀጻልነቱ ዘረጋገጸ ሰልፊ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ከርሰ ህዝቡ ሰራውር እንዳሰደደን ዓወታት እንዳ ኣመዝገበን ንቅድሚት ዝግስግስ ዘሎ ሰልፊ ምዃኑ ኣብሪሁ:: ንሱ ኣብ መደረኡ እዚ ዓወት እዚ ብሳላ ንሕን ሓቦን ዝተደረዐ ሓያል ጻዕሪ ኣባላቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብዋጋ ዘይትመን ሓያል ሞራልን ተደናጋጽነትን ህዝቢ ኤርትራውን ከምዝኾነ ኣስሚርሉ::
ኣብ ዝቀጸለ መደረኡ ብጻይ መድሃኔ ሕጅውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድሮ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤኡ ይርከብ ብምህላዉ ነዚ ሓያል ዕማምዚ ብዓወት ንምስጋሩ መርሕነትን ባእታታት ሰልፊ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብዕቱብ ይሰርሑሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ ብጻይ መድሃኔ እቲ ሰልፊ ንኹሉ ኣባል ማዕረ ዝብጽሖ ዋኒኑ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ እጃሙ ከበርክት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ::
ምስዚ ኣተሓሒዙ ዋና ጸሓፊ፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ እውን እንተኾነ ምስ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ጽላል ኤርትራዊ ሓይልታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጸምቢሩ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኤትራውያን ማሕበራት ዘሎ ጋግ ንምጽባብን፣ ዝተወሃሃደ ናይ ሓባር ስረሓት ብምድንፋዕ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምቅልጣፍን እጃሙ የበርክት ከምዘሎውን ጠቂሱ:: ብዘይካ እዝውን ጨንፈር ኖርወይ ምስ ውልቀ ማሕበራት እውን እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳማዕበለ ዝመጽእ ናይ ምብርራህን ምቅርራብን ካዕባዊ ዜተታት ብቀጻልነት ከምዝካይድ ሓቢሩ::
ገዲም ካድር ሰልፍን ጨንፈርን ዝኾነ ብጻይ ሹማይ በርሀ ብወገኑ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓቀኛ መልክዑን ክውንነቱን ለቢሱ ዝኸይድ ሰልፊ እምበር ንፖለቲክዊ መኽሰብን ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልክን ኢሉ ዘይልብሱ ብምልባስ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ከደናግር ዘይፍትን ሰልፊ ምዃኑ ብምሕባር፣ ናይ ህዝቡ ተቀባልነትን ተኣማንነትን ከምዝረክብ ዝገበሮ ድማ እዚ ሕላገት እዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ:: ብዘይካዚ እውን ብጻይ ሹማይ በርሀ ንኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ ሓተቲ ዕቁባ ኣብ ጉዳያቶም ክሕግዞም ዝኽእል ሓበረታን ምኽር ኣሰንቅዩ:: ሰልፍን ጨንፈርን እውን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣባላቱ ንምሕጋዝ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ::
ተጋባእቲ ብወገኖም ብዝቀረበ ጸብጻብ ዕግበቶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንፖለቲካዊ ብቅዓቶም ዘደንፍዕ ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ጽሑፋውን ኣፈናውን ሓበረታን ኣስተምህሮታትን ብቀጻሊ ንኽወሃቦም ሓቲቶምን ተላቢዮምን::
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ
ዘለዓለማዊ ክምርን ሞገስን ንሰማዕታትና !!!
ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ጨንፈር ኖርወይ
اجتماع مشترك بين مكتب الرئيس ومكتبي العلاقات الخارجية والاعلام اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتري
Sunday, 22 February 2015 22:20 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريانعقد في الثامن من فبراير 2015م الاجتماع المشترك الذي يعقد دورياً مرة كل شهرين بين مكتب الرئيس ومكتبي العلاقات الخارجية والاعلام والذي عقد دورته الأولى في الثامن من ديسمبر 2014م.
شارك في الاجتماع الي جانب رؤساء المكاتب المذكورة أعضاء الأطقم الإدارية لتلك المكاتب وكل العاملين في المجالين الاعلامي والدبلوماسي للحزب.
افتتح الأخ/ منقستئاب أسمروم الاجتماع بكلمة ترحيبية ثم تلى تقريري مكتبي الرئيس والاعلام خلال دورة الاجتماع المنصرمة، ثم تلاه تقرير مكتب العلاقات الخارجية الأخ/ ولد يسوس عمار.
بالإضافة الي مناقشة تقارير المكاتب الرئيسية أورد المشاركون مختلف التقارير عن نشاطاتهم في مجالي الدبلوماسية والاعلام أينما يتواجدون كما أوضحوا ما يصادفهم من معوقات وإمكانيات الحلول الممكنة لتجاوز تلك المعوقات.
أثير في الاجتماع موضوع ورشة العمل الخاصة بتقوية الجهاز الاعلامي والتي من المزمع عقدها في الثامن من مارس 2015م.
من جهةٍ أخرى ناقش المجتمعون بعمق استعدادات جهاز الاعلام لقيام كلٍّ من مؤتمر الحزب العام الثاني ومهرجان ارتريا السنوي.
يجدر بالذكر أن الحزب يملك محطات تلفزة وإذاعة محلية البث في كلٍّ من ألمانيا والسويد ومحطة إذاعية في مدينة سايبربيس.
ريبورتاج عن اجتماع لجنة اقليم الحزب بأوربا
Sunday, 22 February 2015 22:16 Written by فتوي كفلي مندوب اعلام الحزب بأوربافي الأول من فبراير 2015م عقدت لجنة فرع حزب الشعب الديمقراطي الارتري بأوربا اجتماعها بمدينة بال السويدية. وقد شاركت في الاجتماع لجنة اختيار المرشحين لعضوية القيادة التي تنبثق عن المؤتمر الثاني للحزب، حيث قدمت اللجنة شرحاً لمهمتها.
افتتح الأخ/ برهاني قبركرستوس رئيس لجنة فرع اوربا الاجتماع بكلمة ترحيبية، وبمناسبة انعقاد هذا الاجتماع الذي هو الأول في هذا العام بعد آخر اجتماع للاقليم في الخامس من ديسمبر 2014م أعرب برهاني عن أمنياته للجميع بأن يكون العام الجديد عام المزيد من الإنجازات والانفراجات علي مستوى الحزب والوطن. ثم أوضح أن أجندة اجتماع اليوم تتلخص في التالي:
1- خطاب لجنة اختيار المرشحين لعضوية القيادة وطرق ومعايير الاختيار.
2- تقرير فريق العمل المختص بعدد من المهام التي علي رأسها ( الاعداد لمهرجان ومؤتمر اوربا من حيث المكان والزمان بما يتوافق مع مهرجان ومؤتمر الحزب العام، بالإضافة الي مناقشة مسودة برنامج الحزب السياسي المقدمة للمؤتمر الثاني للحزب ).
بعد ذلك قدم الرئيس للحديث الي المجتمعين كلاً من: الأخ/ رزني تسفاطين رئيس لجنة الاختيار ونائبه الأخت/ ألقانيش ياقوب. وأضاف الرئيس أن الاجتماع الي جانب ذلك سوف يتناول بالنقاش قرار الاجتماع الدوري الرابع للقيادة المركزية بتكوين اللجنة التحضيرية للمؤتمر الثاني، وما جاءنا منها من توجيهات وتقييم ما اتخذناه من قرارات تتعلق بهذا الشأن.
افتتح الأخ/ رزني حديثه بالإعراب عن سعادته وامتنانه بإتاحة الفرصة له للحديث الي قيادة اقليم اوربا للحزب، ثم أوضح أنه واثق من أن الفرع الاقليمي قد ناقش بعمق ما أتاه من مسودة معايير الاختيار للقيادة، كما شكر المجتمعين وكل عضوية الفرع علي حسن تعاونهم مع اللجنة التحضيرية للمؤتمر. وبهذه المناسبة، علي حد قوله، من المفيد والسار جداً أن نتناقش معاً حول تلك المسودة وما يتعلق بها من إجراءات.
ثم واصل حديثه قائلاً: باعتبار أن حزبنا حزباً متعدد القوميات لابد أن تكون قيادته أيضاً ممثلةً لهذا التعدد، أي أن يراعى في تكوينها شمولها لأفراد من كل التنوع الفسيفسائي الارتري (الدين، القومية، الاقليم، العمر، النوع ...الخ)، علي أن هذا لا يعني أن يكون ذلك علي حساب الكفاءة والرِّيادة وكل متطلبات تحمل المسئولية القيادية، لذلك فإن مشارتكم وجميع عضوية فرعكم في التعاون معنا في إنجاح هذا العمل يعتبر اهتماماً بتمتعكم بحقكم الديمقراطي في اختيار قيادتكم.
الأخت/ ألقانيش ياقوب ركزت علي ضرورة تشجيع مشاركة عنصري الشباب والمرأة في هذه العملية الديمقراطية والاستفادة من الفرصة المتاحة لهم من قبل آبائهم من الأجيال المخضرمة.
تمت مناقشة ورقة معايير الاختيار التي ضمت 15 عنصراً فقرة، فقرة، وقدم المجتمعون آراءهم وتعديلاتهم علي الورقة.
وأخيراً وبعد مناقشة بندي الاجتماع وإقرار الاجتماع التعديلات والتوصيات المقترحة أنهى المجتمعون أعمالهم بالوقوف دقيقة حداد علي أرواح الشهداء.
እቲ ንዕለት 13.02.2015 ብኣባላትጨንፈርከለንሰልፊዲሞክራሲህዝቢኤርትራን(EPDP) መኣዲ ፍቅርን ታዓዲሙ ዝነበረ ብወጋሕ ትበል ለይቲ ደሚቁ ሓዲሩ፡፡ ኣብ መኽፈቲ በዓል ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ ወንበር ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኣርትራ ከለን (Köln) ዕላማ ናይዚ ዕለት‘ዚ ዕርዲ ህግዲፍ ኣብ ከባቢ ከለን ንምፍራስ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓባር ምስላፍ ዝብል ጭርሖ ማእከሉ ዝገበረ ሕጽር ዝበለ መእተዊ ጌሩ እዩ ከፊትዎ፡ ኣዳለውቲ ናይዚ ዕለት ተሳትፎ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ልዕሊ ትጽቢታቶም ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ፍናኖም ክብ ኢሉ ሞራሎም ላዕሊ ተሰቂሉ አዩ ዝሐደረ፡፡
ኣብዚ ባህላዊ ሕድሮ ኩሎም ንፍትሕን፡ማዕርነትን ፡ንሰብኣዊ ክብረትን፡ንሕድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ ኤርትራ ንምንጋስ ዝጽዕሩ ዘሎዉ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን፡ ውድባትን፡ ብርጌሳዊ ማሕበራትን ፡ውልቀ ሰባትን ዝተርኽብሉ ሕድሮ እዩ ነሩ፡፡
ብዝያዳ ድማ ምዕሩግ ንኽኸውን ዝገበሩ ስነጥበባውያን ብዘይካ እቶም ተሓቲቶም ንኸጻውቱ ቅሩብነቶም ዘረጋገጹ ፡ካልኦት ስነጥበባውያን ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ብተበግሶኦም ምስ ኩሎም ስነጥበባውያን ብምትሕብባር ብዝያዳ ንበዓል ከምዝደምቅ ገበርዎ፡፡
ስለዚ ዕለት 13.02.2015 ብናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምትሕብባርን ምክብባርን ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነጥበ መቀይሮ ኣብ ውሽጢ ከተማ ከለን ( Köln) ሃገረ ጀርመን ዓቢ ዓወት ተመዝጊቡ፡፡
ኣብ መወዳእታ ኣዳለውቲ በዓል ንሃገራዊ በዓላት ኤርትራ በተማሳሳሊ መደብ ፕሮግራም ሰሪዖም ከብዕሎ ከም ዝኾኑ ውራየይ ኢሎም ተታሓሒዞምዎ ከምዘለዉ ተሓቢሩ፡፡
ኣኼባ ጥምሮ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ቤት ጽሕፈት ዜናን ሰዲህኤ
Tuesday, 10 February 2015 20:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ መንጐ'ዘን ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈታት ኣብ ከክልተ ኣዋርሕ ዝካየድ ኣኼባ ኣብ ዕለት 8 ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኢዩ ጀሚሩ። ካልኣይ ኣኼባኡ ድማ፡ ኣብ ዕለት 8 ለካቲት 2015 ኣካይዱ። ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ኣብ ልዕሊ'ቶም ሓለፍቲ ናይ'ዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብያተ-ጽሕፈታት፡ ሓለፍቲ ምምሕዳራትን ኣብ ናይ ወጻእን ዜናዊ መዳይን ዝዋስኡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻፊሎም ነይሮም።
ነቲ ኣኼባ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከፊትዎ። ቀጺሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ብቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ብቤት ጽሕፈት ዜናን ዝተኻየዱ ንጥፈታት ገሊጹ። ቀጺሉ ሓው ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣብ ዲፕሎማያዊ መዳያት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዘዝነብሩለን ሃገራትን ከተማታትን ዘካየደዎ ምንቅስቓሳት ብምውሳኽ ነቲ ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዝቐረበ ጸብጻባት ኣሀብቲሞሞ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ስርሓቶም ዘጋጥሞም ብድሆታትን መፍትሒ ዝብልዎም ሓሳባትን ኣቕሪቦም።
ሓደ ካብ'ቶም ኣብ'ዚ ኣኼባ ዝተዘርበሎም ጕዳያት ድማ፡ ን8 መጋቢት 2015 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ንቤት ጽሕፈት ዜና ምሕያል ዝዓለመ ዎርክሾፕ ኢዩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ብሰዲህኤ ንዝካየድ ፈስቲቫልን ካልኣይ ሰልፋዊ ጕባኤን ቤት ጽሕፈት ዜና ዘድሊ ምድላዋት ገይሩ ክጸንሕ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።
ብሰዲህኤ ዝመሓደራ ቦታውያን ናይ ረድዮን ተለቪዥን ማዕከናት ኣብ ጀርመንን ሽወደንን፣ ከምኡ ውን ናይ ሳይበርስፐይስ ረድዮን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኢዩ።
ዕለት 01-02-2015 ኣኼባ ዞባ ሽማግለ ኤውሮጳ ተኻይዱ።
ዛዕባ፡-
1- መግለጺ ሓጻይት ሽማግለ ሰዲህኤ ኣገባብ ኣመራርጻን ቅጥዑን
2- ጸብጻብ ጉዕዞ ሓይሊ ዕማም ( ምቅራብ ፈስቲቫል ቦታን ግዜን- ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳን ብምውህሃድ ምስ ጉባኤን ፈስቲቫልን ሰልፊ / ምምሕያሽ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ)።
ከምቲ ልሙድ ብኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ኤውሮጳ ሓው ብረሃነ ገበረክርስቶስ ከምዚ ክብል ኣኼባ ከፊቱ። ብመጀምርያ እዚ ድሕሪ 05-12-2014 ዝገበርናዮ ምዱብ ኣኼባ ንመጀምርያ እዋን ኣብ 2015 እንራኸብ ስለ ዘለና ርሑስ ዓምትን ተስፋን ብርሃን ዝጀመረ ዓመት ትሓልፍ ክትህልው ልባዊ ትምኒተይ ይገልጽ። ቀጺለ ንሓው ረዘነ ተስፋዮን ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ምስ ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ምክትል ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ብዛዕባ ኣጋባብን- ኣመራርጻን ቅጥዕን ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ዝብል ከብርሁን፣ ሓቢርና እንሰርሓሉ መዳይ ክንዛተ፣ ብሽመይን ብሽም ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ የመስግን።
እዚ ኣርእስቲ እዚ እቲ ዘድልዮ ምርድዳእ ምስ ተገብረሉ ስዒቡ ብመሰረት ውሳኔታት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዝወጸ ምቓም`ኣሰናዳኢ ሽማግለ: ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ተመርኵስና ዘውጻእናየን ሓይሊ ዕማም ክንሰምዕን ገምጋም ጌርና ንምምዕባሉ ክንዝቲ ኢና። ስለዚ ኣቐዲመ ንሓው ረዘነ ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ መጉልሕ ድምጺ የመሓላልፍ።
ሓው ረዘነ መግለጺኡ ብምጅማር ኣቐዲመ ንመጀመርያ እዋን ምስ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ተረኺበ ብጉዳይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ኣጋባብን ኣመራርጻን ቅጥዕን ፣ደብዳበ ተላኢኩምሲ ኣንቢብክሞ ንዘተ ተቐሪብኩም ከም ዘለኹም ዝለኒ እምነት፣ ምስ ኩሉአን ወጺኤን ዘለዋ ሽማግለታት ኣብ ትሒቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፣ምሉእ ምትሕብባርን ንምግባር ፣ብወገንኩም ሓይሊ ዕማም ኣውጺእኩም ተበጊስኩምሲ ድሮ ናብ ገምጋም ኣኼባ ክተካይዱ ክሰምዕ ከለኹ እቲ ብንጥፈትን ተብዓትን ተታሒዝክሞ ዘሎኹም ንምዕዋትን ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ክህልዎ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ፣ንዓይን ንመሪሕነትን ንኣባላትና ዓቢ ተስፋን ዝሰርሕ ሰልፊ ከም ዘለና እውን ዘርኢ ምስክር ምዃኑ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እቲ ቅጥዒ ኣገባብን ከመይ ጌርና ግብራዊ ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ ኣማሓይሽና ንቐርበሉ ምኽርን ምዕዶን ክንወሃሃብን ከምቲ ግቡኡ እውን ዞባን መሪሕነትን ተራኺብካ ልዝብ ኣብ ኣሰራርሓን ምምሕያሹ መሰረት ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንንምምላኡ ኢዩ። ከም እትርእይዎ ሰልፍና ሕብረ ብሔራዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንኹሉ ውክልናን ማለት ( ብሄር-ጾታ-ሃይማኖት-ኣውራጃ -ዕድመ ወዘተ…) ዘማልኤ መሪሕነት ክህልወና እቲ እንደልዮን እንጽበዮን እዃ እንተኾነ፡ ኣዚ ግን ብዋጋ ደጊመ ብዋጋ ብቕዓት ክኸውን የብሉን። ብሓጺሩ ጠመተና ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ዘይረኣናዮ ፖለቲካዊ ዘተታትን ተመክሮን ስርሓትን ብዙሓት ዜጋታትና- ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ርኢናዮም ኣስተብሂልናን ስለዘለና ብብቕዓት ዝተኸለሰ ተወፋይነት ዝተሓወሶ ሕጹያት ክነቕርብ ኢዩ እቲ ድሌት ባህግን፣ እሞ ምሉእ ምትሕግጋዝ ብፍላይ ከኣ መሰረታት ኣብዚ ግዳይ እዚ እታ ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ናይ ዕጫኻ ምውዳቕ ወይ ምምራጽ ክጥቀሙሉ ክንደጋገፍ ተሳትፍኦም ከበርክቱ ከም ዘሎዎም ክንገብር የማሕጽን ብምባል መግለጺኡ ደምደመ። ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ም/ኣ/መ ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ነቲ ሰፊሕ መግለጺ ናይ ሓው ረዘነ ብምምርኳስ ብፍላይ ኣብ ተኻፋልነት ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ነዚ ተኸፊቱልና ዘሎ ባብ ብምሉእ ምሉኡ ብምጥቃም ነቲ ተካእቲ ናይ ዘጽንሑልና ዓበይቲ የሕዋትና ክንበቖ ክንጥቀመሉን ወረስቲ ወይ ከኣ ተቐበልቲ ሕድሪ ክንከውን ይግባእ ክትብል መግለጺኣ ደምደመት። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ዞባ ንእወዓዕልኡን ክመሓየሽ ዝብልዎ ሓሳብ ኣቕረቡ። ነቲ 15 ዝዓንቀጻቱ መርሆ አምራጺት ሽማግለ በብሓደ ብምምያጥን ምርዳእን ተካይዱ ብምምስግጋን ናይዚ ኣርእስቲ ወዲኡ።
ኣብ ካልኣይ ኣርእስቲ :ሰለስተሓይሊ ዕማም ብበሓደ ምግላጽ ስርሔን በጺሔናኦ ዘለዋ ምዕራፍ ድሕሪ ምግላጽ ደሓን ዝኾነ ምቅርራብ ተገይሩ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግንዛብ ብጻዕቅን ብጽንዓትን ኣበርትዒና ክንሰርሕ ከምዘላና ከም ኣድላይነቱ ስጋብ እቲ ልሙድ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ኣኼባ ከይተጸበና ህጹጽ ኣኼባታት እናኣካየድና ስርሓትና ክነሳልጥ ከምዘለና ሓባራዊ ምርድዳእ ኣካይድና።
ካብ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ
ፍትዊ ክፍለ
ዞባ ኣውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 01-02-2015 ኣኼባኣክይዱ። ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ኣባላት ሓጻዪት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ተረኺቦም መግልጺ ሂቦም።
ከምቲ ልሙድ፡ ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለኤውሮጳ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምቕራብ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ቀጺሉ፡ እዚ ድሕሪ 05-12-2014 ዝገበርናዮ ምዱብ ኣኼባ ንመጀመርያ እዋን ኣብ 2015 ዓ.ም እንራኸብ ስለ ዘለና ርሑስን ዓምት ተስፋን ብርሃንን ክዀነልና ልባዊ ትምኒተይ እገልጽ። ናይ ሎሚ ንዛረበሎም ዛዕባታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም ኢሉ።